ከምቲ ክንኮኖ ዝግበኣና ብምዃን ዘይንጅምር!

2014-12-10 19:21:31 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2663 times

ኣርዓዶም በርሀ

ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩልእዚኣበሃህላ’ዚ ኣብ ባህልና ልሙድ ኮይኑ መልእኽቱ ድማ ክልተ ድኹማት እንተተላፈኑ’ውን ኣየድምዑን እዮም ዝብል እዩ። ሎሚ ኣብ ህዝብና ናይ ለውጢ ድሌትን ቅሩብነትን ኣሎ። ኣብ ሃገርና ድማ ገሃርሃር ዝብል ናይ ለውጢ ወድዓዊ ባይታ ኣሎ። እቲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ እምበኣር ነቲ ብሱል ባይታ መዚኑን ሓድነቱ ኣድልዲሉን ናብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ከውዕል ዝኽእል ቃያሪ ሓይሊ ክጥረ ዘይምኽኣሉ እዩ። ከምቲ ካብቲ ክምዝገብ ንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ተጠቀምቲ ብዙሓት ምዃና ዘየዳዲ፡ እቲ ለውጢ ንክረጋገጽ ክስለፍሉ ዝግበኦም ሰብ ጉዳይ ኤርትራውያን’ውን ብዙሓት ኢና። ካብዞም ብዙሓት ሰብ ውራይ እቶም ቅድም ቀዳድም ዝጥቀሱ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ብዓብይኡ ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን እውን ቅድሚት ዝስለፉ ውዱባት ኣካላት እዮም። ህዝብና ሎሚ ኣብ ትሕቲ መሰል ምውዳብ ዝነፍግ ገዛኢ ሓይሊ ስለ ዘሎ ነቲ ድሌቱን ህርፋኑን ብዝምጥን ፍጥነት ኣብ ናይ ለውጢ ጐደና ክምርሽ ኣብ ዘይክእለሉ ሃለዋት እዩ ዝርከብ።

እቲ ኣብ ዓዲ ጓና ዘሎ ውድባትን ማሕበራትን እውን፡ ብዘይካቲ ምስቲ ቀንዲ ደላይን ዋናንን ናይ ለውጢ ዝኾነ ህዝቢ ዝባኑ ቀሊዑ ብኣካል ተራኺቡ እሂንምሂን ክብሃሃል ዘይምኽኣሉ ሓደ ንቃልሱ ካብ ዝብድህዎ ሕጽረታት እዩ። ናቱ ባዕላዊ ስንፍና እንተወሲኽሉ ኸዓ እቲ ጉዕዞ ክሳብ ክንደይ ጽንኩር ከም ዝኸውን እዚ ንነብረሉ ዘለና ናይ ቀንፈዘው ህይወት ባዕሉ ምስክር እዩ። እንተኾነ እዚ ሕጽረታት እዚ ከምቲ “ካብ ልቢ እንተሓዚንካ ንብዓት ኣይኣብን’ዩ” ዝበሃል ቅንዕናን ናይ “ክገብሮ ኣለኒ” በሃልነት ኒሕን እንተልዩ ዘይከኣል ዕማም እዩ ማለት ኣይኮነን። ብዙሕ ዋጋ ከም ዘኽፍል ግና ከሎ ጌና ከነስተብህለሉ ዝግበኣና እዩ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ከምቲ ንደልዮ ዘይሰለጠና መንገዲ፡ ኩሉ ግዜ መውጽኢ ኣፍና ጌርናዮም ክንስና ብተግባር ግና ዘየዕወትናዮም  መብጸዓታት ሓደ “ሓይልና ደልዲሉ ንጸላኢ ዘርዕድ ቀጺሉ ድማ ዘወግዶ ምእንቲ ክኸውን ሓቢርና ንስራሕ” ዝብል ምሉእ ሓሳብ ምዃኑ ኩልና ንሰማማዓሉ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ መብጸዓዚ ምምብጻዕን ከምቲ ዝተመባጻዕካዮ ኮይንካ ምቕራብን በበይኑ፡  እኳደኣ ኣዝዩ ዝረሓሓቕ ምዃኑ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ምሂሩና እዩ። እንተኾነ ነዚ ናይ ገዛእ ርእስና ተመኩሮ እውን ክንድቲ ዝድለ ኣይተመሃርናሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ብዛዕባኡ ወርትግ ደጋጊምና ክንዛረበሉን ክንጽሕፈሉን ተገዲድና ዘለና። ገለገለ ወገና ነቲ ጉዕዞና “ስብራ ዘየብሉ ጓይላ” ዝብልዎ’ውን ካብዚ ብምንቃል እዩ።

ውድብ ኮነ ማሕበር ወነንቲ ጽቡቕ ድሌት ውልቀሰባት ተኣኪቦም እዮም ዝምስርትዎን ዘዕውትዎን። ብርታዐን ዓቕምን ናይዚ ውዳበታት ድማ ካብ ዓቕምን ብርታዐን ናይዞም መስረቱን ኣንቀሳቐስቱን እዩ ዝቕዳሕ። ንሳቶም ብቑዓትን ውፉያትን እንተኾይኖም ወዮ ውድቦም ወይ ማሕበሮም ብኽንድኡ ደረጃ የድምዕ። ንሳቶም ሰነፋት ካብ ኣፍንጨኦም ኣርሒቖም ዘይርእዩን ናይ ህዝቦም ጸበባ ዘየሳሕዮምን እንተኾይኖም ከዓ ብኽንድኡ ደረጃ ይደክም ምናልባት እውን ጠቕሊሉ ካብ መስርዕ ቃልሲ ይወጽእ። ውድባት ይኹኑ ማሕበራት ዝያዳ ከድምዑ ከም ዝግበኦም ምስ ተረድኡ ክገብርዎ ካብ ዝግበኦም ብዙሕ ሓላፍነታዊ ስጉምታት ሓደ ከምቲ “ዝሓበራ ኣጻብዕ ኣርቃይ የዘንብዓ” ዝበሃል ሓደ ዝዕማሙ ክንሱ በበይኑ ንዝወፍር ዓቕምታት ኣብ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ መኣዲ ከም ዝቕረብ ምግባሩ እዩ። ከምቲ ብቕዓት ውድባት ኣባላተን ካብ መጀመርታኡ ጀሚሮም ብዝመርጽዎ መንገድን ዘርእይዎ ተወፋይነትን’ዩ ዝውሰን ዝበልናዮ፡ ግንባራት፡ ምሕዝነታት፡ ኪዳናትን ባይቶታት ኣውን ዓቕመን ኮነ መልከዐን ነቲ ዘቑመን ውድባት ይኹን ማሕበራት ዝመስል ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ውድባትን ማሕበራትን ናብዚ ዝተጠቕሰ ናይ ሓባር መድረኻት ከንቅዱ እንከለዉ፡ ዕላማኦም ብኻለኦት ኣብ ዝተኣጉደ መጋርያ ንምስሓን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ መጋርያ ውልዕ ኢሉ ከየብሰለ ወይ ከየሞቕ ምእንቲ ከይጠፍእ ነናቶም መጻኢ ራእይ ዘንጸባርቕ መወዓዓዪ ሓሳብ ሒዞም ክቐርቡ ይግበኦም። ኣብ’ዚ ግና እቲ ሒዘምዎ ዝቐርቡ ራእይ፡ ናብቲ ናይ ሓባር ዕዳጋ ቀሪቡ ናይ ምሻጥን ዘይምሻጥን ዕድል ዘለዎ እምበር፡ ናይ ግድን ናተይ ቅቡል እንተዘይኮነ ኢልካ እምባጋሮ እትፈጥረሉ ኣይኮነን። ኣብቲ ናይ ሓባር መድረኽ ራእይካ ብርኡይ ምኽንያት ክሰዓር እንከሎ፡ ግዚያዊ ስዕረትካ ተቐቢልካ፡ ነቲ ካብ ናትካ ዝያዳ ልዕልና ረኺቡ ናይ ሓባር ክኸውን ዝተመርጸ ሓሳብ ከም ናትካ ጌርካ ምቕባሉን ብምሉእ ልብን ዓቕምን ምትግባሩን ካብ ሓደ ዕቱብ ናይ ለውጢ ሓይሊ እትጽበዮ እዩ።

ናብቲ ኣርእስተይ ክምለስ። እቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግበኦ ቅድሚ ብኸመይን ምስ መንን ልፍንቲ ምቑጻር፡ እንታይ መላፈኒ ዓቕሚ ከም ዘለካ ምፍላጥን ካባኻ ዝድለ ዕጥቂ ክትዕጠቕ ክትበቅዕን ናይ ግድነት እዩ። ሓደ ውድብ ከም ስሙ ውድብ ንክበሃል ጥራይ ዘይኮነስ ውድብ ንክትከውን ከተማለኦ ብዛዕባ ዝግበኣካ መምዘኒ ዝምልከት ምናልባት ኩልኻ ኣብ ሓደ ዘይቅየር መዕቀኒ ቀትዒ ምርድዳድ ኣይከኣልን  ይኸውን። ምኽንያቱ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም መምዘኒ ኩነት ንምስኣል ኣብ ግምት ዘይእትዉዎም ነጥብታት ክፈላለዩ ስለ ዝኽእሉ። ብውሕዱ ግና፡ ኣብ ቀጻሊ ኣባላት ናይ ምምልማል፡ ጥቡቕ ዝምድና ምስቲ ምእንታኡ እየ ዝቃለስ ዘለኹ እትብሎ ህዝብ ምፍጣርን ድሌቱ ምርዳእን፡ በብግዜኡ ንዘጋጥሙ ምዕባሌታት ዝርዕም ሜላታት ምህንዳስ፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ዝመረጽካዮ ሜላ ብተግባር ዘየሰጉም ኣብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ግዜ ከየባኸንካ ሓድሽ መዋጸኦ ሃሰስ ምባል፡ እትምረሓሉ ነጻ ራእይ ምውናን፡ ኣባላትካ ምስቲ ዝፍጠር ምዕባለታት ዘሰጉሞም ብቕዓት ከም ዝውንኑ ምኽኣል … ወዘተ ናይ ሓደ ውድብ ተግባራት ክኾኑ ይግበኦም። እዚ ንጥፈታት ኣብ ዝበኾረሉ፡ ዝተወሰነ ሓይሊ ሰብ ሒዝካ፡ ጉባአ ኣካይድና፡ ኣኼባ ሓጋጊ ኣካል ኣሳሊጥና፡ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ቀኒና እንዳበልካ ደድሕሪ’ዚ ፍጻመታት ሓድሽ ጉዳይ ዘይንበበሉ ደምዳሚ መግለጽታት ብምውጻእ ጥራይ ውድባዊ ፖለቲካዊ ህይወት ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ።

እቲ ዝያዳ ዘገርምን ሕጂ’ውን ከእረም ዝግበኦን ከዓ ኣብዞም ዝተጠቕሱ መምዘንታት ሰሪሕካ ከምቲ እትጽወዓሉ ህይወት ዘለዎ ውድብ ድዩ ማሕበር ክትከውን ዘይበቃዕካ ክንስኻ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጢ ናብ ደገ እንዳማዕደኻ ብዛዕባ ካለኦት ክትወራዘ ምፍታን እዩ። እቲ ካልእ ግጉይ ጉዳይ ንገዛእ ርእስኻ ከም ውድብ ወይ ማሕበር ትንፋስ ሰዂዕካ ክትቀውም ስለ ዘይከኣልካ ረይረይ እንዳበልካ እንከለኻ ምስ ካለኦት ክትላፈን ዝግበር ሃቐነ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝፍጠር መላፈኒ መድረኽ ክትቃለሰሉ ዲኻ ወይስ ክትዕቆበሉ ፍሉጥ ኣይኮነን። እቲ ምሳኻ ዝላፈን ከማኻ ድኹም እንተኾይኑ እሞ ድማ ውጽኢቱ  ብሓቂ “ ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩል” ኮይኑ ናብ ዓዲ ውድቀት መገሻ እዩ ዝኸውን።

”ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሕሱ” ዝብል ምስላ ወለድና ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ፖለቲካዊ ሃለዋት እውን ዝሰርሕ ኮይኑ እዩ ዝረኣየኒ። ሓደ ነገር ክንጅምር እንከለና ውድብ ድዩ ግንባር እቲ ዝድኮነሉ ባይታ “ክሳብ ክንደይ እዩ ጥጡሕ” ንዝብል ሕቶ ካብ ልቢ ክንሻቐለሉ እዩ ዝግበኣና።  ብሰንኪ ታህዋኽ ድዩ ካልእ ምኽንያት ከም መንቀሊ ዝመረጽናዮ ባይታ ዘይጽኑዕ እንተኾይኑ፡ ደሓር ዝፍጠር ነቓዕ ንምልጋብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ምናልባት እውን ኣይከኣልን ይኸውን። ከምዚ ዓይነት ታህዋኽን ኣቋራጭ መንገዲ ምምራጽን ዝፈጠሮ ጸገም ኣብ ብዙሕ ፖለቲካዊ ተመኩሮ ዘጋጥም እዩ። ንሕና ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡ ነዚ ብዝምልከት ተመኩሮ ንምንዳይ ኣርሒቕካ ምጋሽ ወይ ዓበይቲ መዛግብ ምግንጻል ዘድልየና ኣይኮነን። ንተመኩሮና ኣብ ግዜ ምትእኽኻብ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ኮሚሽ ኣቃቂ፡ ባይቶ ኣዋሳ ብኽፉት ኣእምሮ ሃሰስ እንተንብሎም ካባና ሓሊፉ ካለኦት ዘይኤርትራዊ ኣካላት’ውን ክመሃርሉ ዝኽእሉ ምስጢራት ኣለዎም። ነቲ በብግዜኡ ኣብ መንጎ ውሱናት ውድባት ከጋጥም ዝጸንሐ ናይ “ስርሕ ብትን” ተመኩሮ ሓድነታትን ልፍንትታትን  እንተወሲኽናሉ’ሞ ኸዓ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣዝዩ ሰፊሕ መኾነ። መን’ዩ እሞ ክይመሃረሉ?

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝመረጽካዮ ናይ ሓባር መድረኽ ምስራሕ ይኣቢ። ካብቲ ብዙሕ ምኽንያታት ናይቲ ኣብያ፡ ቅድም ክትብገስ እንከለኻ ዘይዳህሰስካዮም ምዕባለታት ደሓር ግዜኦም ጸብጺቦም ስለ ዝመጹ’ሞ ፍታሕ ስለ ዝደልዩ ሓደ ምኽንያት እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ክትከፍቶ ፈቲንካ ምኽፋት ዝኣበየካ ማዕጾ ክትኩሕኩሕ ግዜን ጉልበትን ምብኻን ውሕሉል ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣይኮነን። እቲ ውሕሉል መፍትሕስ ብዓንተብኡ ካልእ መማረጺ ምድላይ እዩ። ምናልባት እቲ ደሓር ዝምረጽ መዋጸኦ ናይቲ ቀዳማይ ግና ምስራሕ ዝኣበየ መድረኽ ምፍራስ የስዕብ ይኸውን። ኣብዚ እዩ እምበኣር ኣብ ልዕሊ ከም ዘይስርሕ ባዕሉ ዝተዛረበ መድረኽ ከይትጭክን ክትብል፡ ካልእ ከስርሕ ዝኽእል ዕድልን ግዜን ከይሃድመካ ንምድሓኑ  ትብዓትን ውሕልነትን ዝሓትትን።

10 ታሕሳስ 2014

Last modified on Wednesday, 10 December 2014 20:24