ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ ዲ ህ ኤ) ዞባ ኤውሮጳ ምስ ንኡስ ዞባን ጨናፍርን ዝሓወሰ ገምጋም 2014 መርሆ ስራሕ 2015 ዝዓለመ ፖላዊ ኣኼባኡ ኣሳላሳሲሉ

2014-12-14 17:28:58 Written by  ሓላፊ ዜናን -ባህልን ዞባ ኤውሮጳ ፍትዊ ክፍለ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2618 times

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኣውሮጳ ምስ ንኡስ ዞባን ጨናፍርን ዝሓወሰ፡ብዕለት 12-12-2014 ካብ ሰዓት 20.00 ክሳብ ስዓት 23.30 ብኣቈጻጽራ በርሊን ኣብ ዝተዳለው ኣጀንዳታት ዘትኰረ ልዙብ ውጽኢታውን ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣቦ መንበር ዞባ ኣውሮጳ፡ ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ፡ ሕውነታዊ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፡ እዚ ኣኼባ'ዚ ኣብ'ዚ ዓመት 2014 ናይ መጨረሻ ኣኼባ ስለዝዀነ፡  ነዚ ኣጋጣሚ'ዚ ተጠቒመ ንኣመንቲ ክርስትና፡ ርሑስ በዓል ልደት፣ ንኹሉኹም ኣባካት ክኣ፡ ኣብ ሃገርና እነብዕሎ ክዀነልና እምነ ብዝብል ቃል ኢዩ ከፊትዎ።

ሓው ብርሃነ ዘረብኡ ኣስዒቡ፣ ናይ ሎሚ ኣኼባና ናይ 2014 ሓበራዊ ዘካየድናዮ ስርሓት ሓጺር ገምጋም ምቕራብን ብፍላይ ክኣ እቶም ንስራሕና ዓንቂፎም ሒዞም ዝጸንሑ ብምልላይ ን2015 ከነማልኦም ዘለና መርሆ-ስራሕን  ዕማም-ሓይሊ-ዕዮን ኣውጺእና ንስራሕ እንብገሰሉ ኣኼባ ምዃኑ እዩ ክብል ገሊጽዎ። ቀጺሉ ድማ፡ ነዚ ዝስዕብ ናይ ኣኼባ ኣጀንዳታት ኣቕሪቡ።

1-      ሓጺር ህሉው ኩነታት ህዝብና ሃገርናን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፤

2-     ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ንጥፍታት ሰልፍና ብፍላይ ከኣ፡ ኣብዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ጕዕዞ ጉዕዞ ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን፤

3-     ጸብጻብ ስራሓት 2014 ዓ.ም፣ ከምኡ'ውን፡ ናይ 2015 መደብ ስርሓት።

 ብሰንኪብልሽው ምሕደራን ውልቃዊ ምልኪ ስርዓተ ኢሳያስን፡ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ምረትን ስቓይን ጸልማት ናብራን ንኹላትና ብሩህ እዩ። ይኹን እምበር ክምስርዓት ኣብ ውሽጡ በዅቢኹ፡ ትልኽ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ኮይኑ፣ ብወገና ከምሰልፊ ብፍላይ፡ ከምደምበ ፍትሕን ዲሞክራሲን ድማ ብሓፈሻ፡ ሓባራዊ ስራሕን ምትእምማንን ዘንጸፈ ምቅርራብን  ሓበራዊ ጽላልን ክህሉ ምጽዓር መድረኽ ዝዕድሞ ዘሎ ጕዳይ ኢዩ።

ሰልፍና ብሓፈሻ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዕማማት ዝያዳ ክነጥፍ ዝጸንሐን ዘሎን ምዃኑ ክላትና እንግንዘቦ ዘሎና ጕዳይ እኳ እንተኾነ፣ ብፍላይ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ኣቦ መንበር ሰልፍና ምስ ሓው ሓምድ ድራር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ  ዑደት የካይዱ ኣለዉ። ከምኡ'ውን፡ ሓው ወልደሱስ ዓማር፡ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ሰዲህኤ ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስን ሳልዋ ኑርን ኩሉብርሃን ኣብርሃምን ኰይኖም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት ኣመልኪቱ ኣብ ሓርነት ኦርግ ሰፊሕ ሪፖርታጅ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና፡ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኵሉ ጊዜ  ለውጢን ስራሕና እነመሓየሽሉ ኣጋባብ ንምትእትታውን ካብ ዘለዎ ቍሩብነት ተበጊሱ፡ ኣብያተ-ጽሕፈታት ፈጻሚ ሽማግለ ብጥምሮ ዘሰርሓሉ ኣገባባት ኣታኣታትዩ ኣሎ።  እዚ ኣሳራርሓ እዚ፡ ተዋሃሂድካን ተሓጋጊዝካን ኣብ ምስራሕ ዝብሉ ዕላማታት ዝተሰረተ ስለዝዀነ፡ ውጽኢታቱ ውን ኣወንታዊ ምዃኑ ድሮ ኣብ'ቲ እነካይዶ ዘለና ስርሓት እንድህስሶ ዘለና ሓቂ ኢዩ። ብዝዓበየ ኽኣ ጉባኤታትናን ፈስቲቫላትናን ኣብ ኩሉ መዳያቱ ንምዕዋት ተዋሃሂድና ክንሰርሕን ክንተሓጋገዝን ኣድላዪነቱ ምዃና ተስፋይ ወሰን የብሊን ኢሉ።

ሓው ብርሃነ፡ ብዛዕባ ጸብጻባት ስራሕና ብዝምልከት፡ ዋላ እኳ ዝንኣድ ስርሓት ይካየድ እምበር፡ ኣብ ጉዕዞና ዝረኸብናዮም ዱንኩላት ወይ ዕንቅፋታት እዉን ውሑዳት ኣይነበሩን  ብምባል ድሕሪ ምባል፡ መፍትሒታት ይዀኑ ኢዮም ዝብሎም ነጥብታት ብምቕራብ መግለጹ ኡ ዛዚሙ።

ንኣገዳስነት ናይ ምውህሃድን ምትሕግጋዝን ንምብራህ ድማ ከም ካብ ንህብን ጻጸን ዓቢ ትምህርቲ ክቕሰም ከምዝከኣል ኣብሪሁ። ኣናህብ ቆፍኦም ንሹምን ማለት ንግስትን ሓለውታን ሓዲጎም ይወፍሩ ወይ ይዕንዝሩ። ካብ ዝወፈርዎ ርሑቑን ቀረባን ቦታታት ንምዓር ዝኸዉን ፍረ ሒዞም ይመጽኡ፡ ብኸምዚ ኣጋባብ ክኣ መዓር የፍሪዩ። ጻጸ ድማ፡ ተሓባቢሮምን ተዋሃሂዶምን ብምስራሕ በበይኖም ክገብርዎ ዘይክእሉ ነገራት ብምግባር ማሕበራዊ ህይወቶም የሰላስሉ። ንሕና እውን ንዕላማታት ሰልፍና ንምዕዋት ከምንህቢ ምስ ኣባላትና፡ ዜጋታትና፡ ደገፍቲ ሰልፍና፡ ኣዕሩኽን ፈተውቲ ቃልስናን ዝዀኑ ትካላትን መንግስታትን ወፊርና ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ካልእ ዓይነት ደገፋትን ክንረክብ ከምንህቢ ክንጽዕር ኣሎና። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ጽጹይ መምርሒታትን  ልክዕ ከም ንህብን ጻጸን ናይ ስራሕ ምቅሊትካ ወሲድካ እናተዋሃሃድካን ተሓጋገዝካን ምስራሕ ከምዝግባእ እምነተይን ተስፋይን ኢዩ ብምባል ዘረባኡ ደምዲሙ።

ብድሕር'ዚ፡ ብወገን ሓለፍቲ ንኡስ ዞባን ጨናፍርን ሃነጽቲ ዝዀኑ ንናይ ዕዮ መርሆታት፡ ክቘሙ ዘለዎምን ሓይሊ ዕማማት፡ ፈስቲቫላትን ጕባኤታትን ዝምልከቱ ርእይቶታን ለበዋታትን ቀሪቦም።   ሓው ብርሃነ ኣብ ምዕጻው ኣኼባ ጹማቕ ውጽኢት ናይ'ቲ ኣኼባ ብምግላጽ፡ ናብ መሪሕነት ከምሓላልፎ ምዃኑ ብምሕባር ንተሳተፍቲ ኣኼባ ኣመስጊኑ ዛዚምዎ።

ብሓላፊ ዜናን -ባህልን ዞባ ኤውሮጳ

 ፍትዊ ክፍለ

Last modified on Sunday, 14 December 2014 18:35