“ብልዒ ሓላፊ ሽም ተራፊ”

2014-12-19 20:26:41 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2483 times

ኣርዓዶም በርሀ

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘይተነገረ እምበር ዘይተገብረ ሕማቕ ነገር ከም ዘየለ ኣይኮነንዶ ንሕና፡ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ፈሊጥዎስ ዝሻቐለሉ ዘሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ እውን ዕባራ ምኽንያታት ደኣ የቕርብ ይኸውን እምበር፡ “ናይ ሎሚ ኤርትራ ዓዲ ደሓን እያ” ዝብለሉ ሓቦ የብሉን። ሎሚ ዝኾነ ተመራማሪ ብዛዕባ ብሰንኪ ጨካን መራሒኡ ኣብ ሕማቕ መነባብሮ ናይ ዝነብር  ህዝቢ ኣብነት ክጠቅስ እንከሎ ንኤርትራ ኣብ ቅድሚት ንምስራዕ ዘዳድዮ ኣይኮነን። ብዝሒ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት፡ ብዝሒ ናብ ፍርዲ ዘይቀርቡን ሃለዋቶም ዘይፍለጥን እሱራት፡ ጉዳይ መወዳእታኡ ዘይፍለጥ ውትህድርና፡ ብኩራት ናይ ብሕቲ ሚድያ፡ ብዝሒ ሃገሮም ገዲፎም ዝስደዱ ዜጋታ ድማ ብዓብይኡ እዋናዊ መለለይ ኤርትራ እዮም። ናይዞም ኩሎም ዝጠቐስናዮም ኣሉታታት ጠንቂ፡ ተሓታትን መፍትሕን ዝምልከት ንዘርዝር እንተንብል ክሳብ ክንደይ ነዊሕ ርሕቐት ምዃድ ከም ዘድልየና ንጹር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ጉዳይ ዕድሜኡ ነዊሕ ኣፈጻጽማኡ ድማ ሕልኽልኽ ስለ ዝኾነ። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ በብሓደ እንዳጫጫሕና ክንዛረበሎም እንግደድ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እየ ኸዓ ኣብ’ዚ “ሓንቲ ኤርትራዊት ኣደ ኣብ ጃልባ ሓሪሳ” ኣንዳተባህለ ዝውረየሉ ዘሎ ቅነ፡ ብዛዕባ ስደት ሓደ ሓሳብ ወስ ከብል ደልየ ዘለኹ።

ሓደ ጉዳይ ከጋጥም እንከል ናብኡ ዘብጸሓ ጠንቂ ከም ዝህልዎ ፍሉጥ እዩ። “ንጉዳይ ስደት ኣብ ኤርትራኸ ጠንቁ መንዩ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ብዙሓት ሓረጋት ከም ዝሰሓቡ፡  ሓያሎ ግምታት ከም ዝቐርቡን ከምኡ’ውን ሓላፍነት ክስከሙ ዝግበኦም ኣካላት ከካብኣቶም ከርሕቕዎ ከም ዝፍትኑን ቅድሚ ሕጂ ተዓዚብና ኣለና። ኣብዚ ምድርባይ  ጉጅለ ህግደፍ ዝበለ እንተበለ  ካብ ተሓታትነት ከም ዘይድሕን ብዙሓት እንረዳደኣሉ ውዱእ ጉዳይ እዩ። እሞኸ እቲ ተሓታትነት ኣብ እንግደዓ ህግደፍ ጥራይ ድዩ ዝድረት ? በቲ ንሱ ዝቐደዶ ነቓዕ ዝኣትዉ ካለኦት ተሓተቲኸ የለዉን ድዮም? ዝብሉ ሕቶታት እውን ብዝግባእ ሃሰስ ክበሃሉ ዝግበኦም እዮም። እጃማቶም ደኣ ይፈላለ እምበር ንጉዳይ ስደት ኣብ ኤርትራ ብኣውንታ ድዩ ብኣሉታ ኣብ ምጽላዉ ብዘይካ ጉጅለ ህግደፍ ካለኦት ብዙሓት ሰብ ብጽሒት ከም ዝህልዉ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ወለድን ኣዝማድን ናቶም ብጽሒት ኣለዎም። ኣብ መስርሕ ስደት ወጻኢ ዝኸውን ገንዘብ ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ዘለዎም ቤተሰብ ስደተኛታት፡ ናይ ህዝቢ ድሕነትን ጸጥታን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዝተሰከሙ ኣካላት መንግስቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕማቕ ነገር ቀይርና ራህዋ ንምርግጋጽ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ናይ ፖለቲካ ውዳበታትን ውልቀ ኣባላትን ስደተኛታት ተርኪቦም ዘዕቁቡ ሃገራትን ትካላትን ኩሎም ነናቶም ብጽሒት ኣለውም።

ብባህልና ጥራይ ዘይኮነ ብዓይኒ ሓቂ ኣውን ሓደ ዝተጸገመ ኣካል ካብቲ ካብኡ ዝሓሸ ኣካል ሓገዝን ደገፍን ሓቲቱ ክረክብ መሰረታዊ ሰብኣዊ ኩነት እዩ። ብዕድመ ዝድፈአ ኢድ መንእሰይ ይጽበ፡ ዝጠመየ ካብቲ ዘለዎ ክዕንገል ይደሊ፡ ዝጸመአ ድማ ካብቲ ማይ ዘለዎ ክርስርስ ይደሊ፡ መንገዲ ዝጠፈኦ ድማ ነቲ ብዛዕባቲ ከባቢ ካብኡ ዝሓሸ ግንዛበ ኣለዎ ዝብሎ ኣካል ይሓትት። እዚ ዝምድናታት’ዚ ብፍላይ ኣብ ሕድሕድ ደቂ ሃገር ዝያዳ እዩ ዝተርር። ኣብዚ እቲ ናይ ተጸባዪ ሕቶ ብኣንጻሩ ዝምለሰሉ ኣጋጣሚ’ውን ይርአ እዩ። እቲ ዝገደደ ድማ ዝተወሰኑ፡ ሕማቕ ግዜ ዝሓልፍ ዘይመስሎም፡ ንደሓር ዘይሓስቡን ብዋጋ ካለኦት ናቶም ረብሓ ዘቐድሙ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋኦም ዝጭክኑ ስሱዓት ዜጋታት ዘጋጥሙ ምዃኖም እዩ። ከምቲ “ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ እምበር ዝጽበዮ ገደል ኣየስተውዕልን” ዝበሃል። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ስደትን ሳዕቤናቱን ቀዳማይ ተሓታቲ እዩ። ነዚ ኩልና እንሰማማዓሉ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ገበን  ተኸዊሎም ንግዜኡ ዝጥቀሙ ናይ ሕማቕ ዘበን ነጋዶ ከም ዘለዉ ከዓ ኣይንስሓት። ቅድሚ ሕጂ ብብዙሓት ወገናት ክትርጠሩን ክኽሰሱን ዝጸንሑ፡ ነቲ ህግደፍ ዝዀዓቶ ጉድጓድ ከዕሙቑ ዝጸንሑ ወገናት ከም ዘለዉ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

ከምስሉን ነብሶም ንክኽውሉን ካብ ክሳድ ንላዕሊ ንጉጅለ ህግደፍ እንዳተራገሙ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ዝተፈላለየ ጐረባብቲ ሃገራት ከውጽኡ፡ ካብኡ ቀጺሎም ናብ ሊቢያን ሲናይን ክወስዱ፡ ድሕሪኡ ምስ ዘይውሑሳት ጃላቡ ከሰማምዑ፡ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ህይወት ብዙሓት ዝውህጥ መዓት ኣብ ኤውሮጳ ንዝበጽሑ ስደተኛታት ካብ ሓደ ሃገር ናብቲ ካልእ እንዳገላበጡ ሃብቲ ዝድልቡ ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክግለጽ ዝጸንሐ ሎሚ ግና ባዕሉ ዝወጽእ ዘሎ እዩ ዝመስል። እቶም ነዞም ብዋጋ ግዚያዊ ጠቕሚ ሽሞም ዝሸጡ፡ ነዚ እከይ ተግባሮም ናይ ገንዘብ ዓስቢ እንከፍሎም ኤርትራውያን ህላወኦም ክስወረና ኣይክእልን እዩ። ውረ ብዝተወሰነ መልክዑስ ተሓባበርቶም ኢና። እዞም ኣካላት እዚኣቶም ነዚ ግዕዘይ ተግባር ከም ሓደ ስራሕ ስለ ዝወስድዎ፡ ኣብዚ ስረሖም መኽሰብ ንምኽዕባት ብዘለዎም ዓቕሚ መንእሰያት ናብ ስደት ንክውሕዙ ከለዓዕሉ ባህርያዊ እዩ። ብዝሒ ኣታዊኦም ብብዝሒ ስደተኛታት ስለ ዝውሰን። ነዚ ምልዕዓሎም ንምርጓድ ከዓ ኣብ ዓዲ ስደት ዘየለ ጸጋታት ከም ዘሎ ኣምሲሎም ክሰብኩን ከተሃራርፉን ናይ ግድን እዩ። ምናልባት እውን ነዚ ስደት ከም መሰረታዊ ፍታሕ ኣምሲካ ዝቐርብ ሃገር ናይ ምፍራስን ካብቲ ዝፈርስ ዘይቅዱስ ረብሓ ንምርካብን ዝሕግዞም እንተኾይኑ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ግንባር ዘይፈጥርሉ ምኽንያት’ውን የብሎምን።

እስከ ናይ ጉጅለ ህግደፍስ ንግደፎ እሞ ንሕና እቶም ነቲ ጉጅለ’ውን ተጻሒፉ ዘሻቕለና እሞ መፍትሒ ንምርካብ፡ ነቶም ምቃል መሰንገለና ዝኾኑ፡ ልዕሊ ስሞም ከብዶም ዘቐድሙ፡ ነጋዶ ደቂ ሰብ ምዕጋሶም ከም ዝምልከተና እንርዳእ? እዚ ኣብ ወውሽጥና ክንምልሶ ዝግበኣና ሕቶ እዩ። ነዞም ኣብ ከምዚዓይነት ዕብዳን ዝሳተፉ ወገናት ሒዝካ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምቕራብስ ደሓን፡ ኣፍና መሊእናዶኸ ተግባራቶም ኣብ ህልውና ሃገርን ህዝብን ክሳብ ክንደይ ሃሳዪ ምዃኑ ገሊጽናሎምዶ ንፈልጥ? እንድዒ። ብኣንጻሩ ብቤተሰባዊ ስሕበት ተሳዒርና፡  ዝሓተትዎ ዓቐን ገንዘብ እንዳኸፈልና፡ ጓል ሓብተይ፡ ወዲ ሓውይ፡ ዘማይ … ወዘተ በቲ ዘይሕጋውን ዘይውሑስን መንገዲ ኣስግረለይ ውይ ኣሕልፈለይ ከም እንብሎም  ልቢ ኩልና ዘይስሕቶ እዩ። ከምዚ ክንገብር እንከለ “እዋእ ነቲ ፍልሰት እኮ ንሕናውን ነተባብዖ  ኢና ዘለና” ኢልናዶ ምስ ሰብስ ይትረፍ ምስ ሕልናና ተዛራሪብና ንፈልጥ? እዚ እውን ነፍሲ ወከፍና ክንምልሶ ዝግበኣና ካልእ ግድል እዩ። ብመሰረቱኸ እቲ ናይ ደገደገ ገዲፍካ ኣብ ውሽጥናዶ የሻቕለና። እዚ ብሓፈሻ ምስቲ “ንለውጥን ራህዋን ንቃለስ ኣለና” እንዳበልና ካብ ነብስና ብዘይምጅማር እነርእዮ ሸለልትነት ኣዛሚድካ ክረአ ዝግበኦ እዩ።

እዚ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ድሕሪ ናይ ለምፐዱሳ ህልቂት፡ ዝያዳና ንዓለምና ዘሻቐለን ዘናወጸን ኮይኑ ኣሎ። እዚ ጸገም ኣብ ልዕሊ ኤርትራን መጻኢ ዕድላን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩለመዳያዊ ቀጻልነታ ከም ሃገርን ህዝብን እውን ኣሉታዊ ተጽዕኖ ከም ዝህልዎ ዝተገንዘቡ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ዝያዳና ላዕልን ታሕትን ይብልሉ ኣለዉ። ናይ መንግስቲ ደንማርክ ምንቅስቓስ ኣንፈቱ ናበይ ገጹ እዩ ብዘየገድስ ሓደ መርኣያ ናይቲ ሻቕሎት እዩ። ናይ ሀገረ እስራኤል ቀጻሊ ናይ ሕዝ ግድፍ ምንቅስቓስ እውን ከምኡ። እነሆ ድማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝሰማዕናዮ መንግስታት ኢጣልያን ጀርመንን ብናይ ሓባር ወፈራ ኣብዚ ዘይሰብኣውን ዘይሕጋውን ንግዲ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ተዋፊሮም ዝነበሩ ልዕሊ 10 ኤርትራውያን ኣሲሮም። ኣስማቶም እውን ከይተረፈ ነጊሮሙና ኣለዉ። ብሰንኮም ናይ ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ኣሃዛት’ውን ይቀላቐል ኣሎ። እዚ ተግባርዚ ብዓብይኡ ነዞም ተታሒዞም ዘለዉን ንመጻኢውን ዝተሓዙን ገበነኛታት ኣዝዩ ዘይሕክኽ ጸሊም ምልክት ክኸውን እንከሎ፡ ንኩልና ኤርትራውያን እውን ከም ዜጋታት ኣዝዩ ዘሕፍርን፡ ኣፍካ መሊእካ “ኤርትራዊ እየ” ክትብል ዘሰክፍ እዩ። እዚ ስጉምቲ እዚ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓለም ለኻዊ ቆላሕታ ከም ዝሰሓበ ካብ ዘመልክቱ ሓደ ኮይኑ፡ ንዓና እውን ሓላፍነት ዘሰክም እዩ። ስለዚ ሕጂ እውን እቲ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ኣይሓለፈ እሞ፡ “ጉዳይ ስደት ዓለም ለኻዊ ጸገም እምበር ኣባና ጥራይ ዘጋጥመ ኣይኮነን” ብዝብል ምስምስ ከይተዘናጋዕና፡ በቲ ሓደ ወገን ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ረሳሕ ተግባራት ዘይኣተዉ ኣካላት ኢደእግሮም ንክእክቡ ብምምካር፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሕልናኦም ብግዚያዊ ጠቕሚ ተሳዒሩ ኢዶም ዝረሰሐ ናብ ሕጊ ኣቕሪብካ ከም ዝቕጽዑ ንምግባር ክንሰርሕ ይግበና።

 19 ታሕሳስ 2014