መሪር ናይ ሓዘን መግለጺ

2014-12-19 20:48:40 Written by  መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦ መንበር ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2556 times

ስውእ ዑመር ጃብር ዑመር ብዓርቢ 19 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ብዝሓደሮ ሕማምን ብዝነበሮ ናይ ዕድመ ጸጋን ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልየና ካብ መልበርን፡ ኣውስትራልያ፡ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ ፈሊጥና።

ብስመይን ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ'ዚ መሪር ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና እናገለጽኩ፣ ንስውእ መንግስተ-ሰማይ ንቤተሰቡን መቓልስቱን ፈተውቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም፡ ጠሉ ድማ የውርደሎም።

ስውእ ዑመር ጃብር ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝተቓለሰን ኣብ ዝተፈላለዩ መሪሕነታዊ ጽፍሕታት ተመዲቡ ንህዝቡ ዘገልገለ ገዲም ተጋዳላይ ኢዩ። ክሳብ ዕለተ ሞቱ ድማ፡ ደኺመ፡ ዓብየ ከይበለ ንፍትሕን ዲሞክራስን ከይተሓለለ ዝተቓለሰ ሃገራዊ ኢዩ።

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

19 ታሕሳስ 2014

Last modified on Friday, 19 December 2014 22:15