ካብ 30 ስደተኛታት 2 ድሒኖም፡ ናይ 8 ሪሳታት ተረኺቡ፡ ዝተረፉ ግን ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን

2014-12-25 20:59:23 Written by  እሙናት ምንጪታት ካብ ሱዳን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2229 times

ቅድሚ ክልተ መዓልታት 30 ዝዀኑ ኤትራውያን ስደተኛታት ካብ መደበር ሸገራብ ሃዲሞም ንሩባ ዓጥባራ (ተከዘ) ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ጃልባ ገይሮም ክሰግሩ እንከለዉ እታ ጃልባ ጥሒ፡ 2 ክድሕኑ ከለዉ፣ 8 ሬሳታት ድማ ተአረኺቡ። ዝተረፉ ግን ሃለዋቶም ክሳብ ሕጂ ኣይተፍልጠን። ሬሳታት ናይ ምፍታሽ ስራሕ ግን ጌና ቀጻሊ ኣሎ።

እቶም ካብ'ቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ናብ መደበር ሸገራብ ድሕሪ ምምላሶምን ብገለ ተቐማጦ ናይ'ቲ ከባቢ ከምዝተሃርሙ ድሕሪ ምሕባሮምን፡ 8 ዝተቘጥዑ መንእሰያት ካብ'ቲ መደበር ናብ'ታ ቍሸት ከይዶም ንዝረኸብዎም ነበርቲ ናይ'ታ ዓዲ ሃሪሞም፡ ን2 ድማ ጨውዮም ወሲዶም። ሓደ ካብ'ቶም ዝተጨውዩ ብፖሊስ ሓራ ክወጽእ እንከሎ፡ እቲ ካልእ ግን ኣበይ ከምዝኣተወ ኣይተፈልጠን።

ንጽባሒቱ፡ ሰራዊት ሱዳን መጺኡ ነቲ መደበር ስደተኛታት ብምኽባብ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደ ቦታ ብምእካብ ብርክት ዝበሉ ገዛውቲ ኣቃጺሎም። ከባቢ 1,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ድማ ብመኻይን ጽዒኖም ናብ ግርባ ገጾም ወኢዶሞም። እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ገሊኦም ናይ ስደተኛ መንነት ወረቐት ዘለዎም ክዀኑ ከለዉ፡ ገሊኦም ግን የብሎምን። ኵሎም ድማ ናብ ኤርትራ ከይባረሩ ስግኣት ኣሎ። ብወገን ወክልቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ዓለም ኣብ'ቲ መደበር ክሳብ ሕጂ ዝተወስደ ዝርአ ስጕምቲ የለን።

Last modified on Thursday, 25 December 2014 22:04