ናይ’ቲ ሜዳ ድዩ ናይ’ቶም ተጻወቲ?

2014-12-26 17:58:21 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2348 times

ኣብ ደንበ ተቓውሞና፡ እቲ ኣድማዕነቶም ደኣ ከምቲ ባህግና ኣይኮነን እምበር፡ በብግዜኡ ዝለዓሉ መዛረቢ ኣጀንዳታት ብዙሓት እዮም። ብውድባት ዝግበር ምንቅስቓሳት፡ ብማሕበራት ዝግበሩ ንጥፈታት፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ውድባት ብሓባር ዘንቅድዎ መድረኻት በብግዜኡ ኣጀንዳና ኮይኖም ይቐርቡ። እዞም ተበግሶታት ብቐንዶም ነናቶም ዘንቀልዎም ውድባት ወይ ማሕበራት ዝምልከቱ’ኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ሕድሕዶም ምትእስስሳርን ምጽልላውን ስለ ዝህልዎም ኩሉ ኣካላት ደንበ ተቓውሞ ክግደሰሎምን ክዛረበሎም ውሁብ እዩ። ምናልባት ገለ ወገናት እቲ ካልእ ብዛዕባአቶም ክዛረብ እንከሎ “እዚ ናትና ጉዳይ እንድዩ፡ እገለ ውድብ ወይ ማሕበር እንታይ ገደሶ ዝትንክፈና” ዝብል ስምዒት ይሓድሮም ይኸውን። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና ዘይሩ ዘይሩ ኣብቲ ንኹልና ማዕረ ዝብጸሓና ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሜዳ ዝግበር ጸወታ ስለ ዝኾነ ኩሉ ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ሚዛኑ ከንብረሉ ናይ ግድን እዩ። ወረ ብዓይኒ ቅንዕና ክረኣይ እንከሎስ ሓጋዚ እዩ። ነናትና ፖለቲካዊ ኣረኣእያ እምበር ነናትና ኤርትራ ከም ዘየብልና ኸዓ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። እቲ ክዝውተር ዘይግበኦ፡ እንተ ተዘውቲሩ ከዓ ጸገም ዝፈጥር፡ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ነቲ ካልእ ወገን ኢዱ ጠውዩ ኣብቲ ናቱ ክሊ ክኣስሮ ክፍትን እንከሎ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ ምግዳድ ብትሕዝቶኡ ዓመጻዊ እምበር ደሞክራሲያዊ ስለ ዘይኮነ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዝነጥፉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ከከም ናይቲ ዝዋስእሉ ፖለቲካዊ ንፋስን ዝርከብሉ መድረኽን ቀዳምነት ዝህብዎ ዛዕባታት ክፈላለ ናይ ግድን እዩ። ብመንጽር እዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ጉዳይ ፍልልያትካ ዓቂብካ ብሓባር ክትሰርሕ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን ሓያሎ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ኣጀንዳ’ዚ ዘይስገር ምዃኑ ዘመልክት ከዓ እቲ ንዝያዳ 16 ዓመታት ዝተገብረ ግና ኸዓ ክሳብ ሕጂ ዘይተዓወተ መስርሕ ምስክር እዩ። ንዘይምዕዋቱ ብዙሓት ምኽንያታት ክህልዎ ዝኽእል ኮይኑ፡ ብሓጺሩ ግና፡ ናይ ደንበ ተቓውሞና ደሞክራሲያዊነት፡ ግሉጽነት፡ ምጽውዋርን ተወፋይነትን ዓቕሚ ውሱንነት ሓደ ኮይኑ፡ ንዘፈላልዩን ዘሰማምዑን ብግቡእ ከተለልን ክትውግንን ዘይምኽኣል፡ ንናይ ምልዋጥ ዓቕምና ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዎ ምዃኑ ክንእመነሉ ዝግበኣና ሕጽረት እዩ። ካብቶም ኣብዚ ብሓባር ክንሰርሕ ናይ ምፍታን ጉዕዞና ዝተራእዩ ተመኩሮታት እዚ ሕጂ ዘዛርብ ዘሎ ጉዳይ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ምዃኑ ንርእዮ ኣለና። እዚ ጌና ክሳብ ሕጂ ወይ ዘየድመዐ ወይ ድማ ብኻብኡ ዝሓሸን ዝሰፈሐን መድረኽ ዘይተተከአ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ፡ ክሳብ ክንደይ ግቡእ ምኽያቱ ኣብ ዘይተነጸረ ጐንጽታት፡ ምስሕሓባትን ምምንጫትን ከም ዝጸንሐ፡ ብዓብይኡ ነቶም ኣብኡ በብደረጃኡ ክዋስኡ ዝጸንሑ ኣካልት ንጹር እዩ። ነቶም ኣብ ከባቢኡ ኮይና ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እውን ስዉር ኣይኮነን።

እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ባይቶ፡ ናይዚ ኩሉ ሽንኮለል ጠንቂ እዩ ዝብልዎ ሚዛን ክህልዎም ናይ ግድነት እዩ። መፍትሒ ኢሎም ወሲደምዎ ዘለዉ ስጉምቲ ድማ ካብዚ ሚዛኖም’ዩ ዝነቅል። እቶም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ግና ድማ ካብ ክሊ መድረኽ ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ ኮይና እንከታተል ኤርትራውያን “ናይ ሃገራዊ ባይቶ ጸግም እዩ” እንብሎ ሚዛን ክህልወና ናይ ግድን እዩ። ተቐራሪብካ ምዝታይ ካብ ዘድልየሉ ምኽንያታት ከዓ ነዚ ክልተ ሚዛናት ናብ ሓደ ንምምጻእን ዘየዳግም ናይ ሓባር መፍትሒ ከተቕርብ ንምኽኣልን እዩ። ባይቶ ጸገማቱ ኣወጊዱ እንብል ድማ ነዚ ናይ ሓባር ገምጋም ኣብ ግምት ዘእተወ ስጉምቲ ምስ ዝወስድ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሃገራዊ ባይቶ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ፡ ኣብ መሪሕነት ባይቶ፡ ፈጻሚ ኣካልን ኣሰናዳኢት 2ይ ጉባአኡን ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣባላቱ ኣውሪዱ ብኻልኦት ኣባላት ተኪእዎም ኣሎ። እዚ ድማ ባይቶ እቲ ጸገም ኣብቲ ሜዳ ዘይኮነስ ኣብቶም ተጻወቲ እዩ ዝብል ገምጋም ከም ዝነበሮ ዘመላኽእት እዩ። ብናተይ ሚዛን ግና ኣብ ብቕዓት ናይቶም ዝጸንሑ ኣባላት መሪሕነት ብቕዓት ኣፈይ መሊአ ዝከራኸረሉ’ኳ እንተዘየብለይ እቲ ቀንዲ ሽግር ኣብቲ መጻወቲ ሜዳ እዩ ዝብል ግምት’ዩ ዘለኒ’ሞ ብምሉእ ልበይ እቲ ኩነታት በቲ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ተፈዊሱ’ዩ ኣይብልን። “እቲ ኣወራርዳን ኣተኻኽኣን፡ ኣብ ሓደ ብርኪ ናይ መሪሕነት ብሓደ ይሰርሑ ንዝነበሩ ኣባላት ብሓደ ዓይኒ ዝፈረደን ዝርዝር ገምጋም ሂቡ ነናቶም ተሓታትነት ከነጽር ስለ ዘይከኣለ፡ ንጥዑይን ሕሙምን ብሓደ ዘንቢል ዝጐሓፈ ናይ ፈራሕ ኣተሓሕዛ’ዩ” ናይ ዝብሉ ወገናት ርኢቶ እንተሓወስካሉ ከዓ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዝያዳ ዘተሓሳስብን ንዓቕሚ ናይቲ ባይቶ መሊሱ ዘዳኽምን’ዩ ዝኸውን።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ባይቶ ኮነ ንኻልኦት ኣብቲ ባይቶ ዘየለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብዝምልከት ቅድሚ ሕጂ ዘንበሮ ሚዛናትን ከም መዋጸኦ ዝኣመቶ መፍትሕታትን ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ ኣሕጺርካ ንምቕራቡ፡ “እቲ መድረኽ ጸቢብ እዩ። ካብዚ ዝሰፈሐን ብዙሓት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ዘሳትፍን ከም ዝኸውን ንምግባሩ ጌና ጻዕሪ የድልዮ። ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ ኣብ ክንዲ ውሑዳት ኮይንካ ብብዙሓት ጉዳያት እትሰማማዓሉ፡ ብዙሓት ኮይንካ ኣብ ውሑዳት ጉዳያት እትሰማማዓሉ መድረኽ ምኽፋት’ዩ ዝምረጽ” ብዝብል ምጥቕላሉ ዝከኣል እዩ። ካብቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ካብዚ ኣብ ጸቢብ መድረኽ ምኹዳድ ኣውጺኡ ኣብ ሰፊሕ መድረኸ ከዋሰኣና ይኽእል እዩ ኢሉ ከቕርቦ ዝጸንሐ ርኢቶታት እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶኡ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘይተወከሉ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝርከብዎ ንህልዊ ኵነታትን ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንምፍታሽን መፍትሒታት ምቕራብን ዝዓለመ ሰሚናር ኣብ ሓጺር ግዜ ክግበር ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ርእዩ።” ብዝብል ዘቕረቦ መጸዋዕታ ብኣውንታዊ ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ መጸዋዕታዚ ብቐጥታ ካብ ዝቐረበሎም ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ኣካላት ሓደ እዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ተኣኪቡ ዝቐነየ መሪሕነት ባይቶ እዩ። እዚ መሪሕነት ባይቶ ነዚ እዋናውን ርትዓውን መጸዋዕታ መልሲ ንክህብ ክንጽበዮ ባህርያዊ ነይሩ። እቲ ብደረጃ ብውልቀ ኣባላት ባይቶ ዝስማዕ ናይ ጽቡቕ ድሌት ዕላል ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ብዕሊ ዝወጹ ናይቲ ሓድሽ መሪሕነት መግለጽታት ብቐጥታ ናብዚ መጸዋዕታ ዘቕነዐ የለን። ምናልባት ኣማዕዲኻ ዝረአ ናብዚ መጸዋዕታ ዝጠመተ ዝመስል እቲ በታ ሓዳስ ፈጻሚት ሽማግለ ብ24 ታሕሳስ 2014 ኣብ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ኤሃባደለ ወጻኢ ኮይኖም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ውድባት ይኹኑ ስቪክ ማሕበራትን ኣብ ክሊ እዚ ጽላል ዓቕምታቶም ጠሚሮም ብሓባር ንምቕላስ ተሳትፍኦም ከዕዝዙ፡ ክላዘቦም ቅሩብ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ከረጋግጽ ይፈቱ።” ዝብል ንዕዘብ። ብናተይ እምነት እዚ ኣበሃህላ’ዚ ውጽኢቱ ኣብ መስርሕ ዝረአ ኮይኑ፡ ሓደ ዘተባብዕን ሓደ ዘሰክፍን ሓረጋት ዝሓዘ ኮይኑ ይረኣየኒ። እቲ ዝተባብዕ እቲ “ክላዘቦምቅሩብምዃኑ” ዝብል ኮይኑ እቲ ዘሰክፍ ከዓ እቲ “ኣብክሊእዚጽላል” ዝብል ቅድመ ኩነት እዩ። ኣብ ልዝብ ቅድመ ኩነት በቲ ሓደ ወገን ናይቲ ኣቕራቢ ቅድመ ኩነት ኣገዳድነት በቲ ካልእ ወገን ከዓ ናይቲ ቅድመ ኩነት ዝቐርቦ ኣካል ድሩትነት ዘንጸባርቕ ዘይደሞክራሲያዊ ኣቀራርባ ስለ ዝኾነ። እቲ ቅኑዕን ኣብ ውጽኢት ዝበጽሕን ዘተ ነናትካ ዓቕሚ ሒዝካ፡ ብናይ ኢንካን ሃባን መትከል ተገዚኣካ፡ ኣብ ማእከል ትራኽበሉ እምበር፡ እቲ ሓደ ወገን ኣብቲ በይኑ ዝመረጾ ቦታ ጠጠው ኢሉ፡ ነቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ርሕቀት እቲ ሓደ በይኑ ክጐዓዞ ብዘገድድ ክኸውን ኣይግበኦን። በዚ ኣጋጣሚ መሪሕነት ባይቶ “ክዛተ” ካብ በለ ድኻሙ ከይጸብጸበ ንምሉእ መስርሕ ሓቀኛ ዘተ ክቕበል ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ’ዩ።

ሰደህኤ ምስ ባይቶ ይኹን ምስ ዝኾነ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘቕርቦ ምርጫ ሰፊሕ እዩ። ነቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ መጸዋዕታ ኣብ ዘቕረበሉ ኣጋጣሚ ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ጕባኤኡ ዘጽደቖ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባት ክሰምሩ፣ ናብ ፍጹም ምጽንባር ክበጽሑ ዘይክእሉ ውድባት ድማ ብዝተሓተ ነጥብታት ተሰማሚዖም ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ሓቢሮም ክሰርሑን ዘለዎ እምነት ደጊሙ ብምዝኽኻር፡ ኵሎም ተቓወምቲ ንተግባራውነቱ ብዕቱብ ክሰርሑ ጸዊዑ።” ዝበሎ ከዓ ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ከም ዘመልክቶ፡ ሃገራዊ ባይቶ ነቲ ዝጻወተሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ሜዳ ካብዚ ንላዕሊ ከስፈሖ ምርጫኡ ተዘይኮይኑ፡ ኣብታ ዘለዋ ሜዳኡ ኮይኑ፡ ንገዛእ ርእሱ ውድብ ድዩ ግንባር ሰይሙ፡ ምስ ሰደህኤን ካልኦት ኣብ ባይቶ ዘየለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታትን ዘስርሕ ዝሰፈሐ ፖለቲካዊ ሜዳ ምምድማድ’ውን ከም ዝከኣል ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ሓደ እዋን ኣብ መንጎ ባይቶን ካብ ባይቶ ወጻኢ ዘለዉ ኣካላትን ዝነበረ ናይ ምንጽጻግን መንፈስ ተዳኺሙ፡ ባይቶ’ውን ካብቲ “ኣነ እየ በይናዊ ወኪል ተቓውሞ ኤርትራ” ዝብሎ ዝነበረ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ እቲ ናይ ምድልላይን ምጽውዋዕን ስምዒት እንዳዓበየ ምኻዱ ተስፋ ዝህብ’ዩ። እንተኾነ ብሓቀኛን ምዕሩይን ዘተ ኣቢልካ መእሰሪ ክሳብ ዘይተገብረሉ ናይ ለውጢ መሳርሒ ክኸውን ከም ዘይክእል ክሰሓት ኣይግበኦን።

26 ታሕሳስ 2014

Last modified on Friday, 26 December 2014 19:02