እቶም ቅድሚ ናጽነት ዝነበሩ
ከምኡውን ድሕሪ ናጽነት ዝተባረሩ
ንዝተፈጸመ ጌጋታት ሎሚ ክቘጽሩ
ኣብኣ ከለዉ ብሒም ዘይበሉ ከይሓፈሩ
ሓሙሻይ መስርዕ እናበሉ ከምዘይዓንደሩ
ኣብ ሎሚ በጺሖም ሰባት ከደናግሩ
ቤላቤለዉ በዚሑ ሓሶት ሳዕሪሩ
ንደቂ ሰባት ክዝልፉ እንተገዓሩ
ሽሕ እንተለፍለፉ ቁምነገር ነይገብሩ
ውድባት ኣይረብሓን ዝብል ሓሳብ ከዕምሩ
ሕቘኦም እምበር ሕቘመን ተሰይሩ
ኢሳያስ እባ ብድኽመትና ተሓንጊሩ
ድላዩ ይፍጽም ዓጋቲ ዘይብሉ ተገቲሩ
ንኣእምሮና ተቘጻጺሩ ኣብ ልብና ሰፊሩ
ብድንቍርናና ኣስተርሕዩ ከምድላዩ ኣመሓዲሩ
ንውሽጢ ገዲፉስ ንደገ እውን ሰጊሩ
ብሰንኪ ምፍልላይና ኣብ ሕቘና ሓዅሩ።
እቶም ንታሪኽ ብግልባጡ ዝስንዱ
ስም ደቂ ሰባት ዝቕርድዱ
ንጅግና ክዝልፉ ከጸልሙ ከዋርዱ
ዕንጨይቲ ዘናኽስ ሓዊ ኣጕዱ
ጥዑይ ተሳኢኑ ኩሉ ዓቢዱ
ነንሓድሕዱ ክወናጀል ንሰነ-ምግባር ወጊዱ
ለባም ይኹን ዓሻ ኩሉ ሓንጊዱ
ዓሌት ኣውራጃ ክፈላሊ ርሑቕ ዘየማዕዱ
መዓልቲ ኣኺሉ እዩ ክፍለጥ ጉዱ
ስርናይ ክምመ ካብ ክርዳዱ
ደጋፊ ይኹን ተቓዋሚ ቀሪባ ኣላ ፍርዱ
ቅዋም ምስ ተተኽለ ኣይኮነን በብኢዱ
ሓቂ ንሓዝ ለማጽ ኣይኮነን መገዱ
ኣይንሕተትን ኢልኩም ክውንን ዘይክውንን ኣይተንጐድጕዱ ።
ብድራር መንታይ