ሓቂ ንሓዝ ለማጽ ኣይኮነን መገዱ

2014-12-30 16:20:25 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2902 times

 

እቶም ቅድሚ ናጽነት ዝነበሩ

ከምኡውን ድሕሪ ናጽነት ዝተባረሩ

ንዝተፈጸመ ጌጋታት ሎሚ ክቘጽሩ

ኣብኣ ከለዉ ብሒም ዘይበሉ ከይሓፈሩ

ሓሙሻይ መስርዕ እናበሉ ከምዘይዓንደሩ

ኣብ ሎሚ በጺሖም ሰባት ከደናግሩ

ቤላቤለዉ በዚሑ ሓሶት ሳዕሪሩ

ንደቂ ሰባት ክዝልፉ እንተገዓሩ

ሽሕ እንተለፍለፉ ቁምነገር ነይገብሩ

ውድባት ኣይረብሓን ዝብል ሓሳብ ከዕምሩ

ሕቘኦም እምበር ሕቘመን ተሰይሩ

ኢሳያስ እባ ብድኽመትና ተሓንጊሩ

ድላዩ ይፍጽም ዓጋቲ ዘይብሉ ተገቲሩ

ንኣእምሮና ተቘጻጺሩ ኣብ ልብና ሰፊሩ

ብድንቍርናና ኣስተርሕዩ ከምድላዩ ኣመሓዲሩ

ንውሽጢ  ገዲፉስ ንደገ  እውን ሰጊሩ

ብሰንኪ ምፍልላይና ኣብ ሕቘና ሓዅሩ።

            እቶም ንታሪኽ ብግልባጡ  ዝስንዱ

            ስም ደቂ ሰባት ዝቕርድዱ

            ንጅግና ክዝልፉ ከጸልሙ ከዋርዱ

            ዕንጨይቲ ዘናኽስ ሓዊ ኣጕዱ

            ጥዑይ ተሳኢኑ ኩሉ ዓቢዱ

            ነንሓድሕዱ ክወናጀል ንሰነ-ምግባር ወጊዱ

            ለባም ይኹን ዓሻ  ኩሉ ሓንጊዱ

            ዓሌት ኣውራጃ ክፈላሊ ርሑቕ ዘየማዕዱ

            መዓልቲ ኣኺሉ እዩ ክፍለጥ ጉዱ

            ስርናይ ክምመ ካብ ክርዳዱ

            ደጋፊ ይኹን ተቓዋሚ ቀሪባ ኣላ ፍርዱ

            ቅዋም ምስ ተተኽለ ኣይኮነን በብኢዱ

            ሓቂ ንሓዝ ለማጽ ኣይኮነን መገዱ

           ኣይንሕተትን ኢልኩም ክውንን ዘይክውንን ኣይተንጐድጕዱ ።

ብድራር መንታይ