ንሓድሽ ዓመት 2015 ብሓድሽ መንፈስ

2015-01-01 04:43:03 Written by  ፍስሃየ ሓጎስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3072 times

ፍስሃየ ሓጎስ

ጻድቕ ክመስል ሓፋሽ ኣታሊሉ

ኣብ ጕዕዞ ሰውራ ተደጒሉ

ንየዋሃን ጀጋኑ ኣዳህሊሉ

ንዝፈለጥዎ ኣሲሩ ቀንጺሉ

ኣብ ኮረቻ ስልጣን ኩድጭ ኢሉ

ኢሳያስ ዝብልዎ ድያብሎስ ባዕሉ

ንህዝብና ጨቍኑ ዓቕሉ ኣጽቢብሉ።

ንሰላሳ ዓመታት ተጋዲልና

ብሓያል ኒሕ ሃገራዊ ሕልና

ንመሰል ማዕርነት ተቓሊስና

ሃገራዊ ልዑላውነትና ጨቢጥና

ድሕሪ 24 ዓመታት ናጽነት ሃገርና

እስከ ነብስና ንሕተት ከመይ ኣሎና?

ግዳያት ስደትን ውርደትን ኰንና

ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘሪእና ተበቲንና።

ነቲ ግዙፍ ሓይሊ መግዛእቲ

ብሃገራዊ ኒሕ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ

ጽምእን ጥሜትን ተጻዊሩ ሰፊሩ በረኻ በዓቲ

ቆራጽ ኤርትራዊ ዘጽነተ ጸላእቲ

ዋና ሃገሩ ዝዀነ ታሪኽ ተዓዋቲ።

ባህላውን ፖሊቲካውን ብዙሕነትና

ማሕበራዊ መበቆል ብዘገምታ ምዕብልና

ሃገራዊ ጸጋታትና እዩ ሃብትና

ሓደ’ኳ እዩ ሕብሪ ዓይንና

ሓደ እዩ’ውን ሕብሪ ቆርበትና

እንታ’ዩ ዝፈላልየና ወረ እንታይ ወረደና

ኣሳኒና ሓድነትና ኣትሪርና

ክንነብር ብልዕልና ሕጊ እናተመሓደርና

ሽግርና ንፍታሕ ድያብሎስ ኣልጊስና።

ፍልልያት ዝጽሕትሩ ኣሕዋትና

ዝግዕሩ እናበሉ ኣነ’ባ ንሕና

በጃኹም መዓድዎም ይተኣረሙልና

ኤርትራውነት ይኹን መዐቀኒና

ሃገራውነት ይኹን መምዘኒና

መፍቶ ድያብሎስ ኣይትግበሩና።

ብመግዛእቲ ጥልያን ዶባታ ዝተቐርጸ ኤርትራ

ካብ ጫፍ ቃሮራ ክሳብ ዱሜራ

ኵሉ ዝብህጎ ቀይሕ ባሕራ

ምንኣስ ሮማ ከተማኣ ኣስመራ

ብመስዋእቲ ደቃ ተሓሪራ

ብማዕረ ትብጽሓና ንዅልና ዜጋታታ ብሓበራ።

ሃገራዊ ቅዋም፣ ሓንጻጽን ወሳንን ባይቶ ዘይብላ

ደሞክራስያዊ ምርጫታት ዘይካየደላ

ፖሊቲካውን ሰብኣውን ሓርነታት ዝተሓረመላ

ስርዓት ሞናርኪ’ድዩ ምልኪ ህላላ

ድያብሎሳዊ ውልቀ-ገዛኢ ዝዕንድረላ

እንታይ ንጽበ፣ ተለዓሉ’ባ ተለዓላ።

ሃገር ብዘይ እንኮ ዩኒቨርሲቲ

ብዘይ ትካላት ምርምር መጽናዕቲ

ሓንጎል ሰባት’ኮ እዩ ዝልዓለ ሃብቲ

ብስነፍልጠት ዝምህዝ ዝሃንጽ ተበላሓቲ

ምህዞ ድያብሎስ ግን ኣብያተ ማእሰርቲ።

ህዝቢ ኤርትራ ተለዓል ተበራበር

ፍልልያት ወግድ ሓድነትካ ይትረር

ቀላጽምካ ይሕበር ሓሳብካ ይስመር

 ሰውራዊ ተቓላሳይ ኢኻ ናጽነት ይመስክር

ፍትሕን ዲሞክራስን ከተንግስ ድገም ተኣምር።

ካብ ዝሓለፈ ተሞክሮ ተማሂርና

ንሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ ተዳሊና

ድያብሎስ ነልግስ ብዅሉ ዓቕምና

ንህነጽ ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራና

ሰላም፣ ራህዋን ብልጽግናን ዝሰፈና።

ፍስሃየ ሓጎስ

Last modified on Thursday, 01 January 2015 05:46