ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ዘሎ መጸዋዕታ ብምፍራሕ ነቲ ዘመሓላለፎ ናይ ታዕሊም መጸዋዕታ ሰሪዝዎ

2015-01-03 11:39:11 Written by  ፕሮጀክት ዓርቢ -ሓርነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3168 times


ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኩሎም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ዕለታዊ ናብርኦም ወንዚፎም ንዕለት 3 ጥሪ 2015 ናብ ዝተፈላለዩ መደበራት ታዕሊም ክወርዱ ዘመሓላልፎ መጸዋዕታነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ዘሎ ኣብያ ብምፍራሕ፡ ነቲ መጸዋዕታ ከምዝሰረዞ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ  ኣባላትዓርቢ ሓርነት ሓቢሮም።

 

ከም ዝዝከር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ብኣስገዳድ ብረት ኣሕንጊጥዎም ዘለዎ ኤርትራውያን ኣቦታት ናብ መደበር ታዕሊም ክወርዱ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ጸዊዑ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ብሕሰም ዕለታዊ መነባብሮን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተዋሪዱ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ናይ ቃል ተቓውሞ ሰጊሩ ናብ ግብራዊ ተቓውሞ ብምስግጋር ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻዊዒት ጸማም እዝኒ ብምሃብ ብተደጋጋሚ የበርዕኖ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት፡ እዚ ዘሎ ህዝባዊ ተቃውሞ ከምዚ ዘለዎ እንተድኣ ቀጺሉ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት ኣብ ኤርትራ ምልኪ ዘይጽረገሉ ምኽንያት የሎን ብምባል፡ ህዝቢ ንሓርነታዊ መሰላቱ ንምውሓስ ቃልሱ ከደንፍዕ ኣዘካኺሮም።

 

ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት፡ ኣብ ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝካየድ ፕሮጀክት ኮይኑ: ነቲ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ብምትእስሳር ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ዝሰርሕ ፕሮጀክትዩ።

 

2 ጥሪ 2015

ፕሮጀክት ዓርቢ-ሓርነት

Last modified on Saturday, 03 January 2015 12:57