ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ሮተርዳም፡ ሆላንድ

2015-01-18 20:02:32 Written by  ጸብጻብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣኼባ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2774 times

ትርጕም፡- ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ኣብ 10 ለካቲት 2015 ብርክት ዝበሉ ፖለቲካውያን ተዋሳእትን ገዳይም ተጋደልትን ዝተኻፈልዎ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ቤት ጽሕፈት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ግሃድኤ) ኣብ ሮተርዳም፡ ሆላንድ፡ ተኻይዱ ነይሩ። እዚ መቐጸልታ ናይ'ቲ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝቐጸለ ጐስጓስ ኢዩ። ተጋዳላይ ዑመር መሓመድ ብፍላይ ዘትኰረሉ ጕዳይ ድማ፡ እቲ እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ኣውራጃዊ ምውጣጣትን ምጥርናፋትን ወይ ድማ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ኣውራጃዊ ፖለቲካ/ኣውራጃነት ኢሎም ዝጽውዕዎ ምንቅስቓሳት ተኸታቲልካ ምቅላዕ ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ እዚ ተርእዮ'ዚ ንሓድነት ናይ ሃገራውያንን ዲሞክራስያውያንን ውድባትን ነዚ ጸላም ሰጊርና ንናይ ህዝብና ባህግታት ዘረጋግጽ ብሩህ ስትራተጂ ኣብ ምንጻርን ዕንቅፋት እናዀነ ይመጽእ ብምህላዉ ኢዩ።

ብድሕር'ዚ ኣኼበኛታት ብዛዕባ'ቲ ተጋዳላይ ዑመር ዘቕረቦ መግለጽን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ኵሉ መዳያዊ ህልዊ መርገጻትን ተመያይጦም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣኼበኛታት ኣብ'ዘን ዝስዕባ ነጥብታት ተሰማሚዖም።

ቀዳማይ፡- ብዛዕባ ህልዊ ጕዳያት ኣብ መንጐ ካድራት ናይ ዲሞክራስያውያን ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ቀጻልን ዕቱብን ምይይጥ ምክያድ፤

ካልኣይ፡- ኣብ መንጐ ተመሳሳሊ ርእይቶታት ዘለወን ውድባት ዝካየድ ፖለቲካውን ስነሓሳባውን ንጥፈታት ምጽዓቕ፤

ሳልሳይ፡- ዲሞክራሲ ሱር ንኸይሰድድ ዕንቅፋት ንዝዀኑ ዘለዉ ዝንባሌታት ምቅላዕ።

ብተጋዳላይ ዑመር መሓመድ ዝቐረበ መግለጺ ድማ እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኢዩ።

**********************

ኣውራጃዊ ጐስጓሳትን ዲሞክራስያዊ መርሆን ዘራኽብ የብሎምን

ብዛዕባ ኣውራጃነት ክንዛረብ ከለና፡ ብዛዕባ ወደኣየናይ ኣውራጃ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኣውራጃዊ ወጥርታት ዘልዓዕል ዝንባለታት ኢና ንዛረብ ዘለና። ብዛዕባ'ቶም ብዲሞክራስያዊ ልዝብ ክፍትሑ ዝግባኦም ካልኣዊ ግርጭታት መዝሚዞም፡ ናብ'ቲ ምስ ረብሓታት ዲሞክራስያዊ ቃልስታት ዝጻረር ግልዊ ረብሓታት ንምውዓል ዝህቅኑ ፖለቲካዊ ጐስጓሳት ኢና ንዛረብ ዘለና።

ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ብብዙሕነት ናይ ቋንቋ፡ መበቆልን ሃይማኖትን ዝልለ ሕብረተሰብ ኢዩ ካብ ዝብል ኣረዳድኣ ኢና ንብገስ ዘለና። መጻኢ ዕድል ኤርትራ ኣብ ዝውሰነሉ ዝነበረ መድረኽ ይኹን ኣብ መድረኽ ሓርነታዊ ተጋድሎና ዝነበሩ ጀመርቲ ሃገራዊ ቃልስታትና፡ ብዛዕባ ኣድላዪነት ንዅሎም'ዞም ፍልልያት እዚኣቶም ዝጥርንፍ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ተጠቒምካ ንዅሉ ኤርትራዊ ዓቕምታት ዝጽመደሉ ኵነታት ፈጢርካ ንሃገራዊ ዕላማታት ምርግጋጽ ኢዮም ዝዛረቡ ነይሮም።

ሎሚ፡ ንሕና፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ እንብድሃሉ ዘለና እዋን፡ ካብ ዝሓለፉ መድረኻት ንላዕሊ፡ ንነገራውን ሞራላውን ዓቕምታት ሕብረተሰብና ኣብ ሓደ ጸሚድና ዲሞክራስያዊ ዕላማታትና ጋህዲ ንምግባር ዕዙዝ ኣድላዪነት ኣለዎ።

ኣብ መንጐ ሕብረተሰብኣዊ ክፍልታት ኤርትራ፡ ዘየራኽብ መንደቕ ዘይኰነስ፡ ናይ ብዙሕነት ጸጋ ኢዩ ዘሎ። ካብ'ዚ ተበጊስና ድማ፡ ሃገርና፡ ህዝባ ብሰላም ዝነብረላ፡ ልምዓት ዝረጋገጸላ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዝነግሰላ ቅዋማዊት ሃገር ክንገብራ ይግብኣና። ኣብ ሃገርና ዘሎና እምነት፡ በቲ ንመዋእላት ኣብ ትሕቲ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ባዕዳውያን ዘሕለፍናዮ ሓባራዊ ስቅያትን ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዘካየድናዮ ሓባራዊ ተጋድሎን ኢዩ ተሃኒጹ። ዝተፈላለዩ መንነታት ናይ ህዝብና ኣብ ቍራዕ ናይ ሓባራዊ ስቅያትን ባህግታትን ተጠጢቖም ኢዮም ነዚ ሕጂ ዘሎ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣፍርዮም። ዜግነት ብዘመናዊ ትርጕማ፡ ናይ ሓባር ጽላልን መለለዪን ምዃና ድማ ኵሎም ሕብረተሰብኣዊ ክፍልታት ኤርትራ ዝርድእዎን ዝቕበልዎን ኢዩ። መሬት ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ምውጻኡን ናጻ ሃገራዊ መንግስቲ ምእዋጅን ዝፈጠሮ ጽቡቕ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ብምትካል፡ ናይ ሃገራዊ ሓድነት ዓንድታት ብምድልዳል፡ ብዝተናውሐ ውግእ ንዝበረሰት ሃገር ብምህናጽ ምሉእን ዝተጸንዐን ናይ ልምዓት መደባት ብምጅማር ነቲ ዜግነታዊ ተረድኦ ብዝያዳ ንምዕሟቕ ምተኻእለ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ስልጣን ዝጨበጠ ጕጅለ ኣብ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንመርሆ ልዝብ ምስ ኵሎም ሃገራውያን ሓይልታት ብምንጻግን ናይ ምግላል ፖሊሲታት ብምኽታልን ኣብ ናይ ዕንደራ መስርሕ ተሸመመ። ውጽኢቱ ድማ፡ እዚ ሕጂ ንሃገርና ሓኒቑ ሒዙ ዘሎ ቅልውላውን ኤርትራ ዝፈሸለት ሃገር ተባሂላ ከይትፍለጥ ዘሎ ስግኣትን ኰይኑ ኣሎ።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ፡ ነቲ ብሰንኪ ብሩህ ሕጽረታት ናይ ሃገራዊ ምንስቅስቓስ ኤርትራ ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ዝተፈጥረ ርኡይ ባዶነት ንምምላእ ዝመጸ ባህርያዊ ውጽኢት ኢዩ። ብሰንክ'ዚ ውድዓውን በዓልቤታውን ኵነታት ከኣ'ዩ ሓቀኛ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ክህሉ ዘይከኣለ። እቲ መተካእታ፡ ኣብ ግዳም ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ሓይልታት ኰኑ። ነገራውን ሞራላውን ዓቕምታት ክጥርንፍ ዝኽእል ኣንጻር'ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘቅንዐ ሓቀኛ ተቓውሞ፡ ብመሰረቱ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ክብገስ ከምዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ምስ'ዚ ኵሉ ግን፡ ኣብ ግዳም ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት፡ ምቹእ ፖለቲካዊ ሃዋህው ብምፍጣር ሓቀኛን ሓያልን ተቓውሞ ኣብ ውሽጢ ክፈጥርን ነቲ ህልው ስርዓት ኣነቓኒቑ ዲሞክራስያዊ መተካእታ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝብል ተስፋታት ኣብ ህዝብና ከሕድር ክኢሉ ኢዩ።

ደምበ ተቓውሞ፡ ብፍላይ ንተግባራት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ምቅላዕ ገለገለ ዓወታት ከመዝግብ ክኢሉ ኢዩ። እንተዀነ፡ ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት፡ ክልተ ስጕምቲ ድማ ንድሕሪት ኢዩ ክስጕም ጸኒሑ። ነቲ ካልኣዊ ግርጭታት ከይሓፈሩ እናመዝመዙ ኣብ ውሽጢ ህዝብን ተቓወምትን ዝነጥፉ ውድባትን ጕጅለታትን ስለዝበዝሑ እቲ ቅልውላዋት እናዓሞቐ ክኸይድ ይርአ ኣሎ። እቲ ዘስሕቕን ዘብክን ድማ ኵሎም ንዲሞክራሲ ኢና ንቓለስ ኣለና በሃልቲ ምዃኖም ኢዩ።

ኵሉ ተደዋዊሱ፡ ህዝቢ ድማ ተስፋ ቆሪጹ፡ እቲ ጕዕዞ ድማ ኣደናጋርን ሕንፍሽፍሽ ዝሰፈኖን ኰይኑ። እዚ ኵነታት'ዚ፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ መድረኽ ዲሞክራስያዊ ተጋድሎ፡ ዕቱብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምክያድ ዝሕግዝ ጥዑይ ኵነታት ኣይኰነን። ስለ'ዚ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ፡ ብሩህ ርእይቶታትና ክንውንን፣ ካብ ላንግላንጋ መግለጺታትን ቃላትን ተቖጢብና ምድንጋር ዘየፍቅድ ንጹር ፖለቲካዊ መዝገበ ቃላት ክንጥቀምን፣ ብግሉጽነት ክንነጥፍን ንጥለብ ኣለና።

ካብ'ዚ መንቀሊ'ዚ ተበጊስና፡ ኵሉ ክሰምዖ ብዝኽእል ዓው ብዝበለ ድምጺ "ኣውራጃነትን ዲሞክራስያውነትን፡ ክልተ ክራኸቡ ዘይክእሉ መስመራት ኢዮም" ክንብል ክንክእል ኣሎና። ንዲክታቶርነት ኣውዲቕካ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካኡ ዘኽእል እንኮ መንገዲ፡ ንዅሉ ነገራውን ሞራላውን ዓቕምታት ህዝብኻ ጠርኒፍካ፡ ንሃገራውን ዲሞክራስያውን ዕላማታት ብምቅላስ ጥራሕ ኢዩ።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝውክሎ ውሱን ኣውራጃ ወይ ውሱን ዓሌት የብሉን... ፣ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍልልያቱ ብዘየገድስ፡ ኣብ ቀጻልነት ናይ'ዚ ስርዓት ዝረኽቦ ረብሓ የብሉን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ብሰንኪ'ቲ ሃገርናን ህዝብናን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ቅልውላዋት፡ ኤርትራ ፍሽልቲ ሃገር/ደውላ ከይትኸውን ዝብል ፍርሒ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ፍርሒ እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ ካብ ዝብል ግንዛበ ኢና ክንብገስ ዝግብኣና።

ኣብ ርእስ'ቲ ንካልኣዊ ግርጭታት መዝሚዞም፡ ኣውራጃዊ ፖለቲካዊ ምጥርናፋት ክገብሩ ዝፍትኑ ገለገለ ሸነኻት፣ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ደቡብ ቀይሕ ባሕሪን ንረብሓ ናይ ዲሞክራስን ሰላምን ዝጻረር ዘሎ ብድሆታት እንተደኣ ወሲኽናሉ፤ "ኤርትራዊ ከያን" (Eritrean entity) ንሓቀኛ ሓደጋታት ክጋለጽ ኢዩ።

ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ንዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘጋጥምዎም ዓበይቲ ብድሆታት ክህልዉ ኢዮም። ነዚ ብድሆታት እዚ ንምምካት ድማ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ክዳለዉ ይግባእ። እቲ ቅኑዕ መእተዊ ናብ'ዚ ምድላው'ዚ ድማ፡ ንህልዊ ውሽጣውን ግዳማውን ኵነታት ብግቡእ ምንባብ ኢዩ። ነዚ መስርሕ'ዚ ንምብልጻግ ወይ ንምጕልባት ከኣ፡ ግጉያት ፖለቲካውን ስነሓሳባውን ተረድኦታት ሱር ከይሰዱ በርቲዕካ ምቅላስ ኢዩ።

ከም ኣጀንዳ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ተታሒዙ ክምክት ዘለዎ ድማ እቲ ኣውራጃዊ መስመራት ኢዩ። ስለምንታይ ኢና ኣብ'ዚ ኣርእስቲ'ዚ ብፍላይ ድማ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ከነተኵር ዝድለ ዘሎ?? እቲ ምኽንያት ብዙሕ ኢዩ። ገለ ካብኡ ከኣ፡-

ቀዳማይ፡- ኣውራጃዊ ምጥርናፋት ንምርግጋጽ ዝንቀሳቐሱ ገለገለ ፖለቲካዊ ክልታት እናበዝሑ ስለዝመጹ፤

ካልኣይ፡- ካልኣዊ ግርጭታት ምትዅታዅ ብሓፈሻ፡ ቀጥታዊ ሓደጋ ንሃገራዊ ሓድነትን ንዲሞክራስያዊ ተጋድሎን ስለዝዀነ፤

ሳልሳይ፡- ካልኣዊ ግርጭታት፡ ሓደ ካብ'ቶም ገበትን ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዝጥቀምሎም ሓያላት ናውትታት ኢዮም። እዚ ስለዝዀነ፡ በቲ ዝተራቐቕሉን ጽቡቕ ገይሮም ዝመለኽዎን ኣገባብ ገይርካ ንዲክታቶርያውያን ከተውድቕ ፈጺሙ ዘይከኣል ኢዩ፤

ራብዓይ፡- ኣውራጃዊ ጐስጓሳትን ምጥርናፋትን ናይ ግዳም ጽልዋታት ዝሰልኰሉ ነቓዕ ስለዝዀነ፣ ንናጻ ፖለቲካዊ ውሳኔ ንሓደጋ ዘሳጥሕን ንውግእ ሕድሕድ ባይታ ዝምድምድን ኢዩ።

Last modified on Sunday, 18 January 2015 21:05