ሓው ታደሰ፡ ጸባ’ውንኮ እምብዛ ተጠሚትካዮስ ይጽልም እዩ

2015-01-18 22:38:43 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3183 times

ንዝኾነ ሰብ ናቱ ምሃብ ኣድላይን ግቡእን ስለ ዝኾነ ንሓው ታደሰ ኪዳነ ስለቲ ዝተስመዖ ምዝራቡ ከመስግኖ እደሊ። በዚ ኣጋጣሚ ብዛዕባ’ቲ ኩሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ዝዝርግሖ ጽሑፋት ክዛረብ ኣይኮንኩን። ኩነታት ስለ ዘየፍቅደለይ እምበር ብዛዕባ’ቲ ኩሉ ዝብሎ ብናተይ ርኢቶን ሚዛንን “ኣብዚኣ ቅኑዕ ኣለኻ፡ ኣብዚኣ ግና ኣይግድንን” እንዳበልኩ ተዝዝርዝረሉ ኣዝዩ ደስ መበለኒ። ብዝኾነ ሕጂ ናብቲ ምስ’ቲ ብተኸታታሊ ክወጽእ ዝቐነየ ርእሰ-ዓንቀጻት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት እዚ ሓው ዝህቦ ዘሎ ሚዛናት ዝዛመድ ጉዳያት እየ ከተኩር። እቲ ነቲ ርእሰ-ዓንቀጻት ተጐዝጊዙ ዝህቦ ዘሎ ሚዛናት ንዓኡ ቅኑዕ ኮይኑ ይረኣዮ ይኸውን። ኣነ ግና ብዙሕ ክተኻኸል ዝግበኦ ጉዳያት ስለ ዝረኸብኩሉ እየ ብርዐይ ኣልዒለ ዘለኹ። ሓው ታደሰ ኪዳነ እውን ሓቂ ምስኡ ጥራይ ከም ዘይትህሉ ብምርዳእን መትከል እንካን ሃባን ምቕባልን ብምግንዛብን፡ ኣብቲ ዝበሎ ካልኦት ናቶም ሚዛን ክህቡ ምኻኖም ከሎ ጌና ዝተጸበዮ እዩ ዝብል ግምት እዩ ዘለኒ። ሓው ታደሰ ካብ ርእሰ-ዓንቀጻት ሰደህኤ ጌጋ ንክረኽብ እምብዛ ከም ዝሃረፈ ስለ ዝተረዳእኩ እየ ድማ ዓገብ ንምባሉ “ሓው ታደሰ፡ ጸባ’ውንኮ እምብዛ ተጠሚትካዮስ ይጽልም እዩ” ዝብል ኣርእስቲ መሪጸ ዘለኹ

ሓው ታደሰ ካብታ ቀዳመይቲ ሚዛኑ ኣንጻር ቀዳመይቲ ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ ጀሚሩ ካብ ዘሻቐሎ ጉዳያት ሓደ ብቋንቋ እንግሊዘናኛ ምጽሓፍ እዩ። ብፍላይ ኣብዛ ዳሕረወይቲ ርኢተኡ ኸዓ እዚ ሰልፊ ከምኡ ምግባሩ ምስጢሩ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክሓብእ ስለዝደለየ እዩ ናብ ምባል እዩ በጺሑ። ብመጀርያ ሰደህኤ ቋንቋ እንግሊዘኛ ምጥቃሙ ናይ ለንቅነ መጀመርታኡ ኣይኮነን። ዜናታቱ፡ ጸብጻባቱ እንተላይ ዕላዊ ሰነዳቱን ልሳናቱን፡ ትግርኛን ዓረብን ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ከም ዘውጽእ ርዱእ ስለ ዝኾነ እዚ ንሓው ታደሰ ክሕደሶ ኣይመተገበኦን። ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ርእሰ-ዓንቀጻት ብእንግሊዝ ዝተጻሕፉ ናብ ትግርኛን ዓረብኛን ዘይተተርጐሙ ርእሰ-ዓንቀጻት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓርነት.ኦርግ ከስፍር ከምዝጸንሐ ውን ሕቡእ ምስጢር ኣይኰነን። ነዚ ኣብቲ ናይ’ዚ ሰልፊ መርበብ ኣቲኻ ምርግጋጽ ዝከኣል እዩ። ደሓር እቲ ርእሰ-ዓንቀጻት ብእንግሊዘኛ ስለ ዝተጻሕፈ መዓስ ካብ ኤርትራውያን ተሓቢኡ። ወዮ ንሓው ታደሰ ተጋሂድሉስ ንሓንሳብ ተርጒሙ ይዝርገሖ፡ ደሓር ከዓ ናቱ ተጻባኢ ሚዛንንዶ ይህበሉ ኣየሎን። ካብዚ ነቒልካ ታደሰ ጥራይ እዩ እንግሊዘኛ ስለ ዝኽእል ተረዲእዎ እምበር ንካለኦት ኤርትራውያንስ ተመስጢርዎም’ዩ ዘሎ ምባል ዝከኣል ኣይኮነን። ደሓር ሰደህኤ ንርኢቶኡ ናብ’ቶም ዓረብን ትግርኛን ዘይርደኦም ኤርትራውያን ይኹኑ ጉዳይ ኤርትራ ዘገድሶም ዘይኤርትራውያን እንግሊዘኛ ጥራይ ዝርደኦም ምእንቲ ክርድእዎ እንግሊዘኛ እንተተጠቕመ ብዓይኒ ቅንዕና እንተዝርአ መዓስ ሕማቕ ኮይኑ። ካልእ እዚ ኣብዚ ርእሰ-ዓንቀጻት ዝተንጸባረቐ ንኣውራጃዊ ውደባ ዘይድግፍ ርኢቶ ሰደህኤ መዓስ ሓድሽ ኮይኑ። ኣዝዩ ጸሓይ ዝወቐዖ ናይቲ ሰልፊ ገዲም ርኢቶ እኮ እዩ። ስለዚ እዚ ዛዕባ ብባህሪኡ ዝምስጢር ዘይኮነስ፡ ምስዚ ዘለናዮ ኩነታት ተቓንዩ ዝቐረበ ብመሰረቱ ሓድነታዊ ፖሊሲ ናይቲ ሰልፊ እዩ።

ንሓው ታደሰ ቀንዲ ኣቖጢዕዎ ዘሎ ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ ንኣውራጃዊ ውደባ ምንቃፉን ሃስያታቱ ምጥቃሱን እዩ። እቲ ካልእ ጠቓቒስዎ ዘሎ፡ ብናተይ ሚዛን ጓልነገራት እዩ። ነቲ ዓብዪ ጉዳዩ ከራጉድ ክብል እግረ መንገዱ ኣጉሊህዎ ዘሎ፡ ሰደህኤ ንከም ናይ ብሄር ዝኣመሰለ ውደባ እውን በቲ ሰልፊ ከም ዝንወር ገይሩ ገሊጽዎ እዩ። ምናልባት እውን ነቶም ብደረጃ ብሄር ምውዳብ ከም መሰረታዊ ፍታሕ ዝመርጽዎ ኤርትራዊ ወገናት መኻይዲ ንክኾንዎ፡ ኣንጻር እዚ ሰልፊ ከረሳስኖም ዝደለየ’ዩ ዝመስል። ሓቒ እዩ እዚ ሰልፊ ብዘይካ ሕብረብሄራዊ ብዙሕነታዊ ፖለቲካዊ ውደበ እቲ ካልእ ቅኑዕ እዩ ኢሉ ኣይእምንን እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ፡ ህልውን መጻእን ገምጋሙ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ካብ ዘለዎ ሚዛን ዝነቅል እምበር ከምቲ ንሓው ታደሰ ዝተረደኦ ሓደ ኤርትራዊ ሸነኽ ንምጉናይን ዘየለ ስግኣት ንምፍጣርን ዝመሃዞ ኣይኮነን። ሰደህኤ ኣብ ከም’ዚ ጉዳይ  እጃሙ ከም ሓደ ውዱብ ሓይሊ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ንኣውራጃዊውነት ሓዊስካ፡ ናይቲ ዘይድግፎ ውዳበ ሓደጋታት ገሊጹ እዩ ህዝባዊ ተቐባልነት ከይረክብ ኣግሂዱ ዝጉስጉስን ካብ ርእሱ ዘውርድን። “ደሓን ባዕለይ ኣለኹዎ” ኢሉ እምነቱ ሒዙ ናብቲ ናይ ሓባርና ፖለቲካዊ ሜዳ ክወርድ ንዝወሰነ ኣካል ግና ሓጹር ዘርጊሑ ጠጠው ከብሎ ከም ዘይክእል ሰደህኤ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኣንጻር’ቲ ዘይኣምነሉ ብምቅዋም ሚዛኑ ከንብር ከዓ መሰሉ ጥራይ ዘይኮነ ሓላፍነቱ’ውን እዩ። ከምቲ እቲ ካልእ ውዳበታት ሰደህኤ ተጋግዩ እምበር ምርጫይ በዚ ምኽንያት’ዚ ቅኑዕ እዩ ናይ ምባል መሰል ዘለዎም። እዚ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ውድድር ኣበይ ከም ዝዛዘም ከዓ ሓው ታደሰ ኣይስሕቶን እዩ። ነዚ ካብ ናታቶም ኣሰራርሓ ዝፍለ ናይ ሰደህኤ መትከል እቶም ብሄራዊ ኩኑ ሃይማኖታዊ ውዳበታት ካብ ታደሰ ከይተጸበዩ ኣዕርዮም ይፈልጥዎ እዮም።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ንመጀመርያ ዘይኮነስ ካብ ቀደሙ፡ ፖለቲካዊ እምንቶ መሰረቱ ዘይኮነ ውዳበ፡ ሓይልና ስለ ዘድክም ኣይንምረጾ ዝብል እምነት ነይርዎን ኣለዎን። ነቶም ካብዚ ፖሊሲኡ ወጻኢ፡ ምናልባት እውን ብኣንጻሩ ዝውደቡ ሓይልታት፡ ከምቲ ሓው ታደሰ ክብሎ ዝፈተነ፡ ኣብ ምውዳቕ ጉጅለ ህግደፍ ኮነ ኣብ ምህናጽ መተካእታ ስርዓት ግደ የብሎምን ኢሉ ኣይፈልጥን። ከምኡ እንተዝኸውን እሞ ንፍልልያትና ኣመሓዲርና ኣብቲ ንሰማመዓሉ ብሓባር ንስራሕ ዝብል መጸዋዕታ ኣይመቕረበን። ሰደህኤ፡ ንኣዝዩ ምሩጽን ጽኑዕን ናይ ጐነጽ ስርሒት’ኳ እንተዘይነጸገ፡ በቲ ሓደ ወገን ንህልዊ ኩነታት ህዝብናን ዝሓለፍናዮ ታሪኽን በቲ ካልእ ወገን ድማ ወድዓውን በዓል ቤታውን ኤርትራዊ ዓቕሚ ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝመርጾ ኣገባብ ቃልሲ፡ ናይ ህዝቢ ወሳኒ እጃም ዝጐልሓሉ፡ ንጉጅለ ህግደፍ በቲ ንሱ ዝመርጾ ናይ ኣጽዋር ሓይሊ ዘይኮነስ፡ በቲ ንሱ ዝፈርሖ ናይ ህዝቢ፡ ሚድያን ዲፕሎማስን ዓቕሚ ምግዳዱ እዩ። እዚ ምርጫ እዚ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ኢድ ዝነስእን ሕቋፍ ዕንበባ ዘበርክትን፡ ዘይኮነስ በቲ ዝሓየለ ሓይሊ ህዝቢ ንዲክታቶር ዘንበርክኽ’ዩ። ምስዚ ግና ካለኦት ኣካላት ዝመርጽዎ ኣገባብ ቃልሲ ንሳቶም ካብ መረጽዎ እሞ ናይ መወዳእታ መዓርፎኦም ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ ካብ በልዎ ይመሰለልኩም ዝብል እምበር ከምቲ ሓው ታደሰ ዝበሎ ዘነኣእስን ዘቆናጽብን ሰልፊ ኣይኮነን። ኣንጻር ኩሉ ቅኑዕ ኮይኑ ዘይተራእዮ ኣገባብ ቃልሲ ኮነ መርገጽ ናቱ ዕቃበን ተቓውሞን ከንብር ግና ሕጂ’ውን ንቡር እዩ። ንጉዳይ ኣውራጃዊ ውደባ እውን ካብዚ ወጻኢ ዝርእዮ ኣይኮነን። ንሳዕቤናቱ ዘንጊዑ ኣነ እየ ዝያዳ ተወጺዐ እንዳበለ ክሽልግ ዝፍትን ኣካል፡ በቲ ካልእ ግልባጡ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ሓለፋ ወይ ግነዖት የመዓዱ ከም ዘሎ ግና ነስተብህለሉ ዘለና እዩ። ርእሰ-ዓንቀጻት ሰደህኤ ንከምዚ ዓይነት ዝንባለ ገጽ ዘይምሃቦም ከዓ ኣማን ብኣማን ኣብ ቦታኡ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጻት ሰደህኤ ስግኣታቱ ንምብራህ ከምቲ “መሲልካ ንገሮ ንክመስሎ” ዝበሃል ሓደጋታት ወገናዊ ውዳበታት ብምጥቃስ ዘቕረቦ ናይ ከምዚ ግዳይ ዝኾነ ሃገራታት ኣብነታት ኣሎ። እዚ እውን ሓው ታደሰ ዘይተሓጐሰሉ ነጥቢ እዩ። ኣነ ከዓ እቲ ርእሰ-ዓንቀጽ ኣብነታት ምጥቃሱ ቅቡል ኮይኑ፡ እንታይ ርሑቕ ዘኽየድከ ኣለዎ በህላይ እየ። ኣብዚ እምኒ ደርቢና ነብጸሓሉ ከባቢና፡ ኣብ ደቡብ ሰዳን ናይ ዲንካን ኑየር ምፍላስ፡ ኣብ ሊቢያ ድማ ናይ ቤንጋዚ ኣንጻር’ቲ ካልእ ከባቢታት ናይታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ምትህልላቕዶ ኣይመኣኸሎን በሃላይ። ሓው ታደሰ ናይቲ ንመረዳእታታት ጠንቂ ከባቢያዊ ጸቢብነት ዘይኮነስ ሃይማኖታዊ እዩ ክብልዩ ፈቲኑ። እንታይ’ሞ እቲ ፍልልዩ። “ሓረድዋ ሞተት ነጸይዋ ሞተትዶ ኣይኮነን።

ሓው ታደሰ፡ ንርእሰ-ዓንቀጻት ሰደህኤ ምስ ናይ በዓል ፍቕረስላሴ ወግደረስ ከመይ ከዛምዶ ከም ዝደለየ ኣይተረደኣንን። ፍቕረስላሴ’ኳ ምክትል መንግስቱ ሃይለማርያም ኣይነበረን። ብዝኹ`ነ ናብቲ ጐበጎቦ ኣበሃህላኡ ከድህብ። እዚ ሰልፊ ሕጋዊ መሪሕነት ኣለዎ። ገለ ካብ መራሕቱ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ገሊኦም ድማ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ድሕረ ባይታ ዝነበሮም እዮም። ካብዚ ክልተ ተመኩሮታት ወጻኢ ዝተሰለፍዎ ኣባላት መሪሕነት’ውን ኣለዉ። ኣብቲ ሓው ታደሰ ኣብ ከባቢ ፍቕረስላሴ ሕስይስይ ዝበለሉ ከባቢ፡ ኣብ ህግሓኤ ዝነበሩ ባእታታት ኣባላት መሪሕነት ሰደህኤ ኮይኖም ዝቕይስዎ ለውጢ ጽባሕ ካብ ተሓታትነት ብዘድሕኖም መንገዲ እዮም ክህንድሶ ክብል ከም ዝደለየ ተገንዚበ ኣለኹ። ብናተይ እምንቶ ኣብኡ ደኣ የብጸሓና እምበር፡ ድሕረ-ባይታኡ ብዘየገድስ ጥርጡር እንተኾይኑ፡ ካብ ተሓታትነት ኣይክድሕንን እዩ። ምናልባት ሰደህኤ ንተሓታትነት ክሓብእ እንተዝፍትን እውን ከም’ዚ ሓውና ዝኣመሰሉ ከሎ ጌና ዝስንትሩ፡ ስለ ዘይሓብእዎ ኣይክሕባእን’ዩ። እቲ ዝሕተት ግና ኣብቲ ቀደም ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዝነበረ ባእታ ጥራይ ከም ዘይከውን ኣይንረስዕ። ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ኮይንካ እውን ገበን ይፍጸም እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ኣብ ዝተኻየደ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ ናይ ፍርዲ መስርሕ ጀነራላትን ሚኒስተራት ዝነበሩ ጥራይ ኣይኮኑን ተሓቲቶም። ብዙሓት ኣብ ዝተሓተ ጽፍሒ ዝነበሩ ኣእዳዎም ዘይነጸሀ ባእታታት’ውን ተሓተቲ ነይሮም እዮም። ስለዚ ሓው ታደሰ ምትሕትታት ኣሎ ካብ በልና፡ክህሉ እዩ ኸዓ፡ ንላዕሊ ጥራይ ከየንቃዕረርና ኩልና ኢና ድሉዋት ክንከውን ዝግበኣና። እንተቲ ንሰደህኤ መን ይዝውሮ ኣሎ ንዋናታቱን ግደፈሎም። ካብዚ ሓሊፉእዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ውልቀ- ምልካዊ ምዃኑ ዘተሓትት ኣይኮነን። ሰልፊ ዲሞክራሲ`ውን ብንጹር ገሊጾሞ ኣለዉ።”ኢልካ ከተብቅዕ ንሰደህኤ ከም ንረብሓ እቶም መጸበቕቲ መኣዲ ዲክታቶር ኢሳይያስ እዩ ዝሰርሕ ክትብሎ ምፍታንካ፡ ካብቲ ነቲ ሰልፊ ዝጐድኦ ንበሃሊኡ ኣብ ግምት ዘውድቖ ከም ዝዓዝዝ ሓው ታደሰ እውን ትስሕቶ ኢኻ ኣይብልን።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጡ፡ ብዙሓት ንሓቀኛ ለውጢ ዝቃለሱ ዜጋታት ከም ዘለዉዎ ኣረጋጊጽና ንፈልጥ ኢና።”ኢልካ ምስ ጀመርካ፡ ኣለሳሊስካ ክትፍሕሶ ዝፈተንካ ናይ ምክፍፋል ተንኮል ዘሕዝን እዩ። ደሓር ተመሊስካ፡ ያኢ ንስኻ ብዛዕባ ውሽጣዊ ኩነታት እቲ ሰልፊ እትፈልጥ ሓላዪ መሲልካ ክትከፋፍል ምፍታንካ ኣሕዚኑኒ። እዚ ሰልፊ ብብዙሓት’ሞ በብናቶም ሳንቡእ ብዘተንፍሱ ሰባት እዩ ቆይሙ። ከም ኣብ ዝኾነ ውዱብ ቃልሲ ሰባት ንዝውሰድ መርገጻት ንሓንሳብ በቲ ዋጋ ዝኸፍልሉ መትከሎም እንዳተጠርነፍሉ ንሓንሳብ ድማ እንዳዓገብሉ እዮም ዝጐዓዙ። ሰደህኤ’ውን ካብዚ ወጻኢ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ከም ኣንጻር ጸቢብ ኣውራጃዊ ውደባን ዝኣመሰሉን ዓበይቲ ጉዳያት ግና ብሓፈሻ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ደላይ ሓድነት ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ድማ ኣብቶም “ሓድነትን ሉኣላውነትን ኤርትራ ይተሓሎ፡ ሓይሊ ህዝቢ’ዩ ወሳኒ” ብዝብል ቃል ኪዳን ዝተወደቡ ኣባላት ሰደህኤ ነቓዕ ክትፈጥር ምፍታን ፋይዳኡ ድኻም እዩ። ስለዚ እቲ ርእሰ-ዓንቀጻት ኣባላት እዚ ሰልፊ ብሓባር ዝሕተትሉ ጥራይ ዘይኮነስ ብሓባር ዝኣምንሉ’ውን ምዃኑ ኣይትረስዕ።

ካልእ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ እቲ ሓው ታደሰ ናብ ሰደህኤ ኣቕሪብዎ ዘሎ ኮር ተገልበጥ ሕቶታት እዩ። ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ ብንጹር ብመትከል እዩ ንኣውራጃዊ ውደባ ዝቃወም ዘሎ፡ ሓው ታደሰ ድማ ንኣድላይነት ኣውራጃዊ ውደባ እዩ ዝሕለቕ ዘሎ። ከምኡ እንተዘይከውን ግና ንሓንሳብ ነቲ ዓንቀጻት ክቃወም ንሓንሳብ ድማ ተርጒሙ ክዝርግሕ ድቃስ ኣይመሰኣነን። ስለዚ መርገጽ ሰደህኤ ብስም ኣየናይ ኣውራጃ ምዃኑ ብዘየገድስ ነቲ ጸቢብነት ይነጽግ ስለ ዘሎ፡ ናይዚ ከባቢ’ዚ ውድብ እየ ዝቃወም ዘለኹ ኢሉ፡ ኣውራጃታትን ወረዳታትን ክዝርዝር ኣይግደድን እዩ። ኮታ እዚ ጸቢብነት ክሳብ ካብ ድሌት ሓሊፉ ባዕሉ ዝባኑ ቀሊዑ፡ “ኣብዚ እነኹ” ዝብል ወይ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ስኢኑ ክሳብ ዝቕህም ኣይክህወኸሉ’ዩ። ኣንተ ብዛዕባ መትከላት ናይቲ ናይ ብዙሕነት ተሓላቒ እንዳመሰለ፡ ናይቲ ኣብ ሓደ ኣውራጃ ዘሎ ኩለመዳያዊ ብዙሕነት ጨፋሊቑ፡ ሓደ ውድብ ክግበሮ እየ፡ ኢሉ ዝደናደን ምዝርዛር ነቶም ህልውናኡ ዝድግፉ እምበር ነቲ ክህልው የብሉን ዝብል ዘሎ ሰደህኤ ዝምልከት ኣይኮነን። ጉዳይ ምጽብጻብ እንተኾይኑ ግርም እዩ። እቶም ዝጸባጸቡ ግና ሰደህኤን ሓው ታደሰን ዘይኮኑ እቲ ነዚ ፍልልያት መምዩ ዝተረደ ህዝቢ እዩ’ሞ እቲ መድረኽ ከዓ ክፉት ኣሎ።

18 ጥሪ 2015

Last modified on Sunday, 18 January 2015 23:46