ኣብ ዓለም ዝዕወቱን ተኣማንነት ዘጥርዩን እቶም ናበይ ከም ዝኸዱ ዝፈልጡ እዮም !!! ኣልበርት ኣንስታይን

2015-01-19 17:42:03 Written by  ጽሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 6911 times

ወዲ ሰብ ኣብ ዓለምና ክነብር ዝተፈጥረ ብሕጻኑ ወይ እውን ዋላ እውን ልቢ ምስ ሰኹዔ፡ ዓለም ከመይ እያ ብኸመይ ከ ትቅበሎ ብንጹር ዝፈልጦ የለን፡ እንታይ ድኣ ኣብ ጉዕዞ ዕቤቱ ናይ ከባቢኡ ጽልዋታት ማለት ካብ ወለዱ ፡ ኣዝማዱ፡ መሓዙቱ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፡ ኣብ ስራሕ ወዘተ እዩ ንዓለም ባህርያታን ትሕዝቶኣን ዝላለያ። ብተዛማዲ ኣገባብን ተመክሮን እውን ንዝተፋላለዩ መናባብሮ ህዝቢ ዲሞክራሲ ዝሰረቱ፡ ዝተፋላልዩ ፖሊቲካዊ ምምሕዳራት፡ መንግስታት ፡ ሰልፍታት ኣብ ቅድሚ ገፋሕ ዓለም ይረኣዩዎ ወይ ይጋጠምዎ። ዝኾነ ሰብ ከኣ ኣብ ዲሞክራሲ ዝተሰረተ ናብራ ሂወት ፡ መንግስቲ ፡ ሃገር ፡ ወይ እውን ብኣንጻሩ እውን ከምዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ደረቅ ዲክታቶር ዘሎ ዝነብር እንተ ኮይኑ፡ ከምቲ ኣልበርት ኣንስታይን ዝበሎ ጥቅሲ ምስ ዝምርኮስ ጥራሕ ከም ዝዕወት ተመክሮ ሓያሎ ኣህዛብ ዓለምና ይሕብሩና እዮም ።                                                                      

ስለዚ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣብ ዕላዊ ወብሳይቱ ሓርነት ኦርግ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝጸሓፎ ርእሰ ኣንቀጽ ክጽሕፍ እንከሎ ብስነ ፍልጠታዊ ሓቀኛ ልክዕ መዓልታዊ ሃለዋት ህዝብን ሃገረ ኤርትራን ተመኲሱ፡ ብነብሰ ምትእምማን ብትብዓት ንሕዱር ሕበጥ ብዘይ ንሓፍነት ገንጺሉ ፡ ናበይን ንመንን ምኳኑ ብንቅሓት ህዝብና ብክፉት ክካትዓሉ ክፈልጦን ኢሉ እዩ ዘጊሕዎ።

እቲ ዘሕዝን ግና ሓውና ታደሰ ንርኡይ ጸሓይ ቀትሪ ዝወቅዖ ሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን ብናቱ ሕቡእ ዕቁር ዘይዕግበት ሸታሕ ኢሉ ብናቱ ብቅዓትን ኣረዳድኣን ንርእሰ ዓንቀጽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. State Failure and Identity Politics in Eritrea: Is Regional Mobilization the Answer? (ፍሽለት ሃገርን ናይ መንነት ፖለቲካን ኣብ ኤርትራ፡ እቲ መልሲ ኣውራጃዊ ምልዕዓል ድዩ?) ዝብል ኣርእስቲ"ኣውራጃውያን፡ ብደረጃ ኣውራጃ ንግጭት ይተዃትኹ" ዝብል ኣርእስቲ ሂቡ ብዕለት 06-01-2015 ዘጊሕዎ። ሓውና ዋላ እኳ ኣብ ብሪንግንሃም ሃገር እንግሊዝ ተቀሚጡ ቋንቋ እንግሊዝ እውን ዝዛረብ ይኹን፡ ንኣርእስቲ ዓንቀጽን ዉሽጣዊ ሕመረት ትሕዝቶን መልእኽቱን ሓቅኛ ትርጉሙ ዝተረድኦ ኣይመስልን። ሓደ ቋንቋ እንግሊዝ ዝፈልጥን ብሓቂ ከም ሙኩር ደራሳይ ወይ ጸሓፍይ ብስርዓተ ሕጊ ናይ ጸሓፍትን ደረስትን ዝምርኮስ ዝተማህረ ሰብ ንኣርእስቲ ዓንቀጽን ትሕዝቶን ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዘንበበ ብ "ኣውራጃውያን፡ ብደረጃ ኣውራጃ ንግጭት ይተዃትኹ" ኢሉ ክትርጉሞ ኣሰካፍን ናይቲ ተርጓሚ ብቅዓት መንነትን ዘይለባም ኣስተብህሎ ናይ ተቋዋሚ እየ በሃሊ ባእታ እዩ ዘብርህ። ታደሰ ብሓቂ ንቁሕን ሓላፍነታውን ደላይ ፍትሒ እንተዝኸውን፡ ወይ ተካታትሊ ህልዊ ቃልሲ ደምበ ተቋውሞ እውን እንተዝኸውን፡ ሎሚ ኩለን ውድባት ዝተሳማማዕሉ ለባም ኣገአዳሲ ስምምዕ ናይ ሕድሕድ ምንእኣስን ምንኻስን ተሪፉ ንስርዓት ህግዲፍ ንምውዳቅ ብሓባር ንቃለስ ኢየን ኢለን ፡ ብቅኑዕ መንፈስ ከኣ ተኻባቢረን ይኸዳ ኣሎዋ። ርእይቶኡ ክህብ ክገልጽ መሰሉ እኳ ይኹን እምበር ንዘይበርሃሉን ንዘይረድኦን ክሓትት እንተዝፍትን ናይ ሃገራውን ናይ ደላይ ፍትሕን ምልክት ምሓበረ። ብዝተረፈ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ብዕግበቱ ብልክዕን ዘሎዎ ፖሊቲካዊ መርገጽን መትከላዊ ዕላማን ራእን ፡ ዘሎዎ ነቅ ዘይብል መርገጽ ኣብ ሓድነት ህዝብን መሬትን ልዕላውነት ኤርትራን ፡ ዝተጸንዔ ጽጹይ ሚዛንን ርክብን ምስ ጎረባብቲ ዘሎዎ ዓው ኢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ዝምክለቶምን ዝዛረብ ሰልፊ ምኻኑ ዓለም ዝፈልጦ እዩ። እዚ መርገጽ እዚ ከኣ መለልዪኡ እዩ። እቲ ዝምርኮሰሉ ከኣ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ኤርትራ ሃገርና ፡ ዋላ ኣብ ጊዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ህዝብና ብኣውራጃ ብብሔር ብሃይማኖት ተፋላልዩ ስለ ዘይፈልጥን፡ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሓይልን ንቁሕን ህዝቢ ምኻኑ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ብዕግበት ስለ ዝኣምንን እዩ። ሎሚ ግና ኣብ ጊዜ ህግዲፍ ብሰንኪ ዘይንቡር በታኒ ሰራም ኢደወነናዊ ምክፍፋል ይትረፍ ኣውራጃታት ብሔራታት ንንእስቲ ስድራ እውን ሕድሕዳ ከም ዘይትታኣመንን ከም እትተሓላሎን እትቃበጽን ገይሩዋ ኣሎ። ሎሚ ኣብዚ ምዕቡል ዓለም ብፖሊትካ ክትዋሳእ ክትዛረብ ወይ ክትጽሕፍ እንተኮንካ ፡ መሲሉኒ ወይ ብእምንቶኻ ብትሕቲ ሃገራውነት ተሞርኲስካ እንተተበጊስካ ሓንሳብ ሸታሕ ኢልካ ዘይትድሕነላ ጸድፊ መድሓኒት ኣልቦ ውድቀት ስለ ተኸትል ብጥንቁቅን ዝተጸንዔ ኣገባብ እንተፈቲካ ሰማዒ ወይ ንሓሳብካ ዕዳጋ ትረክብ። ከም ኣነ ይኹን ለባማት ንቁሓት ሃገራውያንን እንፈልጦን እንኣምነሉን ብሓቂ ተባዕን ሓላፍነታውን ስጉምቲ ሰ.ዲ.ህ.ኤ.፡ ነቲ ካብ 1961 ክሳብ 1991 ዝተኻየደ ነዊሕን ዝተሓላለኸ ከቢድ መስዋእትን መቁሰልትን ዝተኸፍሎ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እታ ሎሚ ተረኺባ ዘላ ነጻነት ልዕልቲ ሃገረ ኤርትራ ስለ ዝወለደት : ኩሉ ተረኽቦታት ፍጻሜታትን ምስ ኩሉ ኣዎንታውን ኣሉታውን ትሕዝቶኡክሳብ ሓርነት ህዝቢ ተረጋጊጹ ብስርዓተ ሕጊ እትማሓደረሉ ቅዋም ትረክብ ከም ታሪኽ ኣብ ወርቂ መዝገብ ተወሪቁ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ታሪኹን ምዃኑ ኣሚኑ፡ እቲ ጀብሃን ሻዕብያን ዝብል ኤርትራዊ ስሚዒት ኣኽቢሩን ዓቂቡን፡ ንቅርሕንትን ክስንን፡ እሱር ናይ ታሪኽ ካብ ምዃን ሰጊሩ፡ ኣብ ጊዜኡ ብግቡእ ሕጊ ክረኤ ዝኣምን ሰልፊ ስለ ዝኾነ ብነብሰ-ተኣማንነትን ብብሩህ ራእን ናበይ ከም ዝኸይድ ፈሊጡ ስለ ዝቃለስ ዘሎ እየ እቲ ጥቅሲ ናይ ምሁር ኣልበርት ኣይንስታይን                                                                      

ኣብ ዓለም ዝዕወቱን ተኣማንነት ዘጥርዩን እቶም ናበይ ከም ዝኸዱ ዝፈልጡ እዮም !!!   ክጥቀም ዝመረጽኩ።

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!!!

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ.