ኣውራ ንሓደስቲ ስደተኛታት ክትሕግዝ ዝዓለመት ማሕበር ኣብ ከተማ ጅኔቭ ቈይማ
2015-02-09 22:45:00 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2470 timesብዕለት 7 የካቲት 2015 ኣብ ከተማ ጅኔቭ ኣብ እተጋብኤ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኤርትራውያን: ሓንቲ ብቐዳምነት ንሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝዓለመትነጻ ማሕበር ኣቚሞም።
እዛ «ማሕበር ስዊስ-ኤርትራ ንምትሕግጋዝ» ብዝብል ስም ብዕሊ ቈይማ ዘላ ማሕበር: ናይ ፓለቲካን ናይ ሃይማኖትን ጸግዕነት ኣይክህልዋን ኢዩ። ብጽዓት እታ ብመንእሰይ ዝቖመት መሰጋገሪት ሽማግለ: ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 6 ኣዋርሕ እተዓመ ስራሓት ከም ዝነበረ ኣብ መስራቲ ጉባኤ ተገሊጹ። ኣብ ከተማ ጅኔቭ ዝርከቡ ኣባላት ነባር ማሕበራትን ውደባታትን: ውልቀሰባትን ነዛ ሓዳስ ማሕበር ኣካላ ኰይኖም ከዐውትዋ ድልውነቶም ከም ዝረጋገጹ ተፈሊጡ።
«ማሕበር ስዊስ-ኤርትራ ንምትሕግጋዝ» ብቐዳምነት ከተዐውቶም እትጽዕተሎም ዕማማት ኣየኖት ምዃኖም እቶም ነቲ መስራቲ ጉባኤ ዝመርሑ ዝነበሩ መንሰይ ተድሮስ ኢያሱን: ተድሮስ ተኽለማርያምን: ሶፍያ ዓማርን ዓወት ኣረጋይን ደጋጊሞም ንጉባኤ ኣብሪሆምሉ።
እቲ ዕማማት ከኣ:-
- ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ኣብ ስዊስ ኣብ ኩሉ መዳያት መነባብሮኦም፡ ሂወቶም ባዕሎም ኣብ ዝመርሕሉ ደረጃ ንምብጻሕ ምስናይን ምሕጋዝን። ብፍላይ ከኣ
- 1ዘድሊ ሓበሬታ ምሃብ (ንኣብነት ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም፣ ኣብ ናይ መንበሪ ገዛ ምርካብ፣ ኣብ ማሕበራዊ ውሕስነት ኢንሹራንስ ዝምልከት) ።
- 2ኣብ ቋንቋ ምትርጓም ብፍላይ ኣብ ናይ ምምሕዳራት ዝካየድ መስርሕን ኣብ ሕክማናን ካልእን ።
- 3ግርጭት ከይፍጠር ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻልን።
- ንኤርትራውያን ስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ኣብ ናይ ስዊስ ሕበረተሰብ ንምውህሃድ ዝሕግዝ ናይ ትምህርትን ዓቕምታት ምድላብ መድባትን ምውጻእ።
- ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ምስ ካልኦት ኤርትራውያንን ስዊስ-ኤርትራውያንን ንምቅርራብ ናይ መራኸቢን ንጥፈታት ዝግበረሉን ቆዋሚ ቦታ ምርካብ።
- ባህልን ልምድን ኤርትራ ንምዕቃብ ዘኽእል ባይታ ምፍጣር።
መስራቲ ጉባኤ ንቅዋም ሓዳስ ማሕበር ድሕሪ ምጽዳቑ: ነቶም ኣብ መስራቲት ሽማግለ ዝጸንሑ ኣባላት ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሓት ክቕጽልዎ ብምሉድ ድምጺ መሪጽዎም።
ነቶም ሓደስቲ (ብዙሓት ትዕቲ ዕድሜ ቈልዑ ዝርከብዎም) ስደተኛታት: ክተሓባበራ ንዝጸንሓ ኣደታትን: ነቶም ቋንቋ ፈረንሳ ዝምህርዎም ዘለዉ ኣብ ሃገረ ስዊስ እተወልዱ/ዝዓበዩ መንእሰይን ጉባኤ ብዓቢ ኣድናቖት መጐሱ ገሊጽሎም።
ኣብ ጉባኤ ተረኺበን ብዛዕባ ናይ ህዝብኦ ዘለዋ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ብስቡር ትግርኛ ክገልጻ እተረኽባ (ካብ የማን ንጸጋም) ቨሮኒካ ኣልመዶም: ኒያት ተስፋልደት: ሃናእ ዓማር እየን። ካልኦት ኣብቲ መደብ ትምህርቲ ዝተሓባበሩ መንእሰይ ፊልሞን ዘርኣይ: ሊና ሓምደ: ሰናይት ኣልመዶም ሁዳ በኺት ይርከብዎም።