ኣውራ ንሓደስቲ ስደተኛታት ክትሕግዝ ዝዓለመት ማሕበር ኣብ ከተማ ጅኔቭ ቈይማ

2015-02-09 22:45:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2223 times

ብዕለት 7 የካቲት 2015 ኣብ ከተማ ጅኔቭ ኣብ እተጋብኤ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኤርትራውያን: ሓንቲ ብቐዳምነት ንሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝዓለመትነጻ ማሕበር ኣቚሞም።

እዛ «ማሕበር ስዊስ-ኤርትራ ንምትሕግጋዝ» ብዝብል ስም ብዕሊ ቈይማ ዘላ ማሕበር: ናይ ፓለቲካን ናይ ሃይማኖትን ጸግዕነት ኣይክህልዋን ኢዩ። ብጽዓት እታ ብመንእሰይ ዝቖመት መሰጋገሪት ሽማግለ: ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 6 ኣዋርሕ እተዓመ ስራሓት ከም ዝነበረ ኣብ መስራቲ ጉባኤ ተገሊጹ። ኣብ ከተማ ጅኔቭ ዝርከቡ ኣባላት ነባር ማሕበራትን ውደባታትን: ውልቀሰባትን ነዛ ሓዳስ ማሕበር ኣካላ ኰይኖም ከዐውትዋ ድልውነቶም ከም ዝረጋገጹ ተፈሊጡ።

Genevemeeting 1

«ማሕበር ስዊስ-ኤርትራ ንምትሕግጋዝ» ብቐዳምነት ከተዐውቶም እትጽዕተሎም ዕማማት ኣየኖት ምዃኖም እቶም ነቲ መስራቲ ጉባኤ ዝመርሑ ዝነበሩ መንሰይ ተድሮስ ኢያሱን: ተድሮስ ተኽለማርያምን: ሶፍያ ዓማርን ዓወት ኣረጋይን ደጋጊሞም ንጉባኤ ኣብሪሆምሉ።

እቲ ዕማማት ከኣ:-

  1. ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ኣብ ስዊስ ኣብ ኩሉ መዳያት መነባብሮኦም፡ ሂወቶም ባዕሎም ኣብ ዝመርሕሉ ደረጃ ንምብጻሕ ምስናይን ምሕጋዝን። ብፍላይ ከኣ
    1. 1ዘድሊ ሓበሬታ ምሃብ (ንኣብነት ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም፣ ኣብ ናይ መንበሪ ገዛ ምርካብ፣ ኣብ ማሕበራዊ ውሕስነት ኢንሹራንስ ዝምልከት) ።
    2. 2ኣብ ቋንቋ ምትርጓም ብፍላይ ኣብ ናይ ምምሕዳራት ዝካየድ መስርሕን ኣብ ሕክማናን ካልእን ።
    3. 3ግርጭት ከይፍጠር ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻልን።
  1. ንኤርትራውያን ስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ኣብ ናይ ስዊስ ሕበረተሰብ ንምውህሃድ ዝሕግዝ ናይ ትምህርትን ዓቕምታት ምድላብ መድባትን ምውጻእ።
  2. ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ምስ ካልኦት ኤርትራውያንን ስዊስ-ኤርትራውያንን ንምቅርራብ ናይ መራኸቢን ንጥፈታት ዝግበረሉን ቆዋሚ ቦታ ምርካብ።
  3. ባህልን ልምድን ኤርትራ ንምዕቃብ ዘኽእል ባይታ ምፍጣር።

መስራቲ ጉባኤ ንቅዋም ሓዳስ ማሕበር ድሕሪ ምጽዳቑ: ነቶም ኣብ መስራቲት ሽማግለ ዝጸንሑ ኣባላት ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሓት ክቕጽልዎ ብምሉድ ድምጺ መሪጽዎም።

ነቶም ሓደስቲ (ብዙሓት ትዕቲ ዕድሜ ቈልዑ ዝርከብዎም) ስደተኛታት: ክተሓባበራ ንዝጸንሓ ኣደታትን: ነቶም ቋንቋ ፈረንሳ ዝምህርዎም ዘለዉ ኣብ ሃገረ ስዊስ እተወልዱ/ዝዓበዩ መንእሰይን ጉባኤ ብዓቢ ኣድናቖት መጐሱ ገሊጽሎም።

Geneve2

ኣብ ጉባኤ ተረኺበን ብዛዕባ ናይ ህዝብኦ ዘለዋ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ብስቡር ትግርኛ ክገልጻ እተረኽባ (ካብ የማን ንጸጋም) ቨሮኒካ ኣልመዶም: ኒያት ተስፋልደት: ሃናእ ዓማር እየን። ካልኦት ኣብቲ መደብ ትምህርቲ ዝተሓባበሩ መንእሰይ ፊልሞን ዘርኣይ: ሊና ሓምደ: ሰናይት ኣልመዶም ሁዳ በኺት ይርከብዎም።

Last modified on Monday, 09 February 2015 23:49