ግጥሚ ንኽብሪ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

2026-05-22 19:34:06 Written by  ግዱስ ኣባል ሰልፊ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 38 times

ግጥሚ ንኽብሪ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

ካበ 1557 ዘጀመረ ግዝኣት ቱርኪ

1890 ዝቐጸለ ግዝኣት ጣልያን ፋሺስቲ

1941-52 እንግሊዛዊ መግዛእቲ

1952-62 ኤርትራዊ ፈደራላዊ መንግስቲ

1962-1991 ብጎበጣ ዝኣተወ ኢትዮጵያዊ ኣጽናቲ

ተሳዒሩ ተሓምሸሸ ዳኣ ህዝብና ብዝኸፈሎ መሰዋእቲ

1993 ሀዝብና ኣድመጸ ንናጽነት ኣብ ህላወ ኣህጉራዊ ተዓዘብቲ።

 

ብዘይ ዕረፍቲ ንመግዛእቲ ዝተቓወመ ህዝቢ ኤርትራ

ብመሪሕ ውድባቱ፣ ሰልፍታቱን ማሕበራቱን ብሓበራ

ንምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ - ሓራካ ክንዝክራ

ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ጀማሪ ናይ ሰውራ

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዘርጊሓ መሓውራ

ብ1991 ሓራ ወጸ መሬታ ምስ ባሕራ

ብ1993 ህዝብና "እወ ንናጽነት" ኣድሚጹ ልዑላዊት ገበራ።

 

ባሕሪ ኤርትራን ዓሰብን

ናይ ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣይፈልጥን

ብታሪኽ ዓለም ፍሉጥን ስኑድን

ሓሶት እንተተደጋገመ ናብ ሓቂ ኣይልወጥን

ልዑላውነትና ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣይነእቱን

ተጠቃምነት ግን ብኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን

ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ከገልግል ኣየማትእን።

 

ፍሉጥዩ ነይሩ ባህግን ትጽቢትን ህዝብና

ክነብር ብሰላም፣ ራህዋ ምዕብልና

ብተደጒሉ ዝኣተወ ጒጅለ ምልኪ ተኾሊፍና

ህዝቢ ቀይዱ ከይሰርሕ ከይሃንጽ ዓንያ ሃገርና

ነልግሶ ብሓድነት ከይተሓለልና ተቓሊስና።

 

ውልቀ-መላኺ ብዝልእኮም መሓውሩ

ንቅዋማዊ ስርዓት ዝጠልቡ ዝምድሩ

ንህዝብን ሃገርን ዝሓልዩ ተቓወምቱ ኣሲሩ

ንብዙሓት’ውን ንስደት ደፊኡ ኣባሪሩ

ሃገራዊ ቊጠባ ገቢቱ፣ ህዝቢ ጾሙ ሓዲሩ።

 

መንግስቲ ዝቐውም ብተሳትፎ ብዝሐ-ሰልፍታት

ንሓቅታት ዝምህሩ ዝሕብሩ ብዝሐ-ጋዜጣታት

ብሕግታት ዝካየድ ደሞክራስያዊ ምርጫታት

ሃገራዊ ባጀት ኣዊጁ ዘበርክት ህዝባዊ ኣገልግሎታት

ብቅዋማዊ ስርዓት ሃገራውን ህዝባውን ትካላት

ሃየ ንቃለስ ብሓባር ከነዐውት ነዘን ውሑዳት መደባት

ክንወጽእ ካብዚ ድሑር ኢሳያሳዊ ጸልማት።

 

ጭርሖኦም ዓወት ንሓፋሽ

ብግብሪ ግን ጸረ-ሓፋሽ

ታሪኽ ኣርእዩና ምልኪ ዓንዩ ክብል ፈርከሽከሽ

ጅሆ ዝተታሕዘ ህዝቢ ብሓርነት ክሕጎስ

ሽዑ እያ ሃገርና ትሕደስ ትግስግስ

ሓፋሽ ብዓወቱ ዝድበስ።

ልዑላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር!

ዓወት ንህዝቢ !!

 

Last modified on Friday, 22 May 2026 21:37