መበል 35 ዓመት ናጽነት’ውን ኣብ ቃልሲ ንሓርነት

2026-05-22 19:37:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 132 times

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ናጽነት ሓጐሱ ካብ ዝገለጸሉ ምስልታት

 24 ጉንበት ቅድሚ 35 ዓመታት መግዛእቲ ተሳዒሩ፡ ኤርትራ ደቃ ብሓባር ብዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ መሬታዊ፡ ማያውን ኣየራውን ግዝኣታ ነጻ ዝወጸላ ታሪኻዊት ዕለት ስለ ዝኾነት፡ ሰዲህኤ ንኹሎም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን  ዮሃና ትብል።

መሰረታዊ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መግዛእቲ ኣልጊስካ ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ርግኣትን፡ ብልጽግናን ዝሰፈና፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር ሕገ-መንግስታዊት ሃገር ምውሓስ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝብና ነቲ  ሓቢርካ ሃገር  ንምህናጽ  ተቐሪብሉ ዝነበረ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለ ዝነበረ፡ ከም ዝዕወት ኣይተጠራጠረን። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ስልጣን ዝተወጥሐ ጉጅለ ዘይትግበር መብጸዓታት የስምዕን ይጽሕፍን ስለ ዝነበረ። ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡  ኩሉቲ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋን ዘጋጠመ ዕንወትን ህልቂትን፡ ምእንቲ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድ እዩ ነይሩ።  ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩብነት ንቃልስን፡ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዕቤት ከም እትበጽሕ ርግጸኛ ነይሩ።

እተንኾነ ብሰንክቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ጠላም ጉጅለ፡ ባህጊ ህዝብና ሎሚ’ውን ኣብ ትጽቢትን ቃልስን እዩ ዘሎ። እቲ ጥልመት ብዘኸተሎ በደል ዘማረሩ ገለ ወገናት፡ ኣብ ኣድላይነት ነጻነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት  ኤርትራን  ሰጋእ መጋእ ክብሉ ይረኣዩ እዮም። እንተኾነ እቲ ናይ ኩሉ፡ ከነዕውቶ ንቃለሰሉ ዘለና ባህግታት መሰረት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እዩ እሞ፡ ወትሩ ህያው ኮይኑ ካብ ምዕቃቡ ካልእ ምርጫ ከም ዘየብልና ንገንዘብ። እቲ ንህዝብና ዝድህኾ ዘሎ ወጽዓ ከኣ፡ ምምሕዳር ህግደፍ ዝፈጠሮ እምበር፡ ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃን ዝሰዓበ ዘይምዃኑ ብምርዳእ ንክቱር ጭቆና ህግደፍ ተቓሊስና ንምውጋዱ ብሓባር ቃልስና ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ ከም ዘየብልና ኣብዚ ታሪኻውን ተሃዋስን  ኣጋጣሚ ከነረጋግጽ ይግበኣና።

ቃልሲ ንምህናጽ ሃገረ-መንግስትን ምዕቃብ ሓድነትን፡ ካብቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ  ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትት ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝብና ነይሩ።  ካብቲ ነዚ ትጽቢት ዘሕደረሉ ምኽንያታት፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ከም ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንመሰል ኤርትራውያን ኣዋሲኑ ስልጣኑ ቅድሚት ዝሰርዕ ስሱዕ ምምሕዳር ክህሉ እዩ ዝብል ግምት ናይ ውሑዳት እዩ ነይሩ። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንኹሉ ብሒቱ ኤርትራ ናተይ ጥራሕ እያ  ዝብል ጉጅለ ክህሉ ትጽቢት ኤርትራውያን ኣይነበረን።  ምስዚ ግና፡  ሰማዒ ኣይረኸቡን እምበር፡  ካብ ቅድም እቲ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡  ብዓንተቦ ንምግትኡ ዝጸውዑን ዝተቃለሱን ፖለቲካዊ ውድባት ነይሮም ኢዮም።

ድሕሪ ናጽነት ወርሒ ኣብዘይመልአ ግዜ፡  ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ደሓር ግና ብጋህዲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመን ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀን ጉጅለ ኢሳያስ ካብ ትጽቢት ህዝብና ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምትካል ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት፡ ንማይ ዝበልንዮስ ንበረድ ኮነ ከም ዝበሃል፡ ኮይኑ። እቲ እምበርከ፡ እቲ 2 ምዕራፍ ቃልሲ ከምቲ ናይ ናጽነት  ኣብ 30 ዓመትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን?” ዝተባህለ እነሆ 35 ዓመቱ መሊኡ። ዝተኸፍለ ዋጋ ክምዘን እንከሎ ‘ውን፡ ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ፡  ግና ከኣ ከምኡ ከጋጥም ዘይነበሮ ውግኣት፡ ካብቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና  ዝተኸፍለ ዋጋ ዝበዝሐን ዝመረረን ኮነ።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርግጋጽ ጻዕሪ፡ ሎሚ እውን ዕማም ኩሎም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውዳበታት ኮይኑ ዘሎ እዩ። ምምስራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ተበግሶታትን ኣብ ሕድሕዶም ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ምዃኑ ዘይከሓድ’ዩ። ኣብዚ ቀረባ፡ ስግረ-ዶባዊ ዓመጽ ህግደፍ ንምግጣምን ምቅላዕን፡ ተጀሚሩ ዘሎ ሓባራዊ ንጥፈት’ውን ክቕጽልን ክድንፍዕን ይግበኦ። እንተኾነ ጉዕዞና ትሕቲ ትጽቢት ናይ ህዝብና ናይ ለውጥን ሓቢርካ ምቅላስን  ድሌት  ምህላዉና ተገንዚብና፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት ክንፍጽም ከም ዝግበኣና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ደጋጊምካ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ። 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ወትሩ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ብምጽናዕ፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንምፍጣር ይግበር ኣብ ዘሎ ቃልሲ ከይሰልከየ፡ ኩሉ ካብኡ ዝድለ ከበርክት ቅሩብ ምህላዉ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ናጽነት ደጊሙ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ’ውን ንኹሉ ተበግሶታት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነጽፈ ኣውንታዊ ባይታ ንድሕሪት ብዘይመልስ ኣመሓዲሩ ክቕጽሎ ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ካልእ ንመበል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጐሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ሎሚ ብፍላይ ኣብ ጐረባብትናን ዞባናን፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ዓለምና ዝረአ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን ቅልጡፍ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ለውጥታትን እዩ። ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ፡ ታሪኻዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት ዘየብሉ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተን፡ ህርፋን ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ዝደረኾ ናብ  ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ ምትፍናን፡ ብኣተኩሮ እንከታተሎ ኣብ ዘለናሉ ኢና  መበል 35 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ንዝክር ዘለና።

ኩለ-መዳያዊ ዝምድና ክልል ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ደረጃ ይርከባ’ሎ። ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር 3 ዓመታት’ኳ እንተሓለፎ፡ ናይ ሰላም መስርዕ ኣይሓዘን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ተወሳኺ ምትፍናን የርኢ’ሎ።  እዚ ምስቲ ህግደፍ ኣብ ዝተኣጐደ  ህውከት ኢዱ ካብ ምእታው ዓዲ ዘይውዕል ምዃኑ፡ ኣብ ህዝብና ዘሕድሮ ዘሎ ሰግኣት  ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ስግኣታት ተደሚሩ ዝፈጠሮ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላውን ልምዓታዊ ብኩራት’ውን  ዘሰክፍ’ዩ።

እዚ ዘይርጉእ ዘቤታውን ከባብያውን ምዕባለታት፡ ምስቲ ህግደፍ መልክዓቱ እንዳቐያየረ ክመጾ ዝጸንሐ፡   ሎሚ’ውን ጌና ዘይትላዊ ርክባትን ዝምድናታትን ክፈጥር  ሃንደፍደፍ ይብል’ሎ። ድሮ ዝውሰድ  ዘሎ  ግፋ፡ ነጋሪቲ ውግእ ምድሳቕን ምእጋድ ምንቅስቓስን እኹል ምልክት ሰግኣት’ዩ።  ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት  ኣንጻር’ቲ ናይ ኩሉ መከራኻ ጠንቂ ዝኾነ ዓመጸኛ ጉጅለ ድምጽኻ ናይ ምስማዕን ቃልስኻ ናይ ምሕዳስን ሓላፍነት ከም ዘለካ ከነዘኻኽረካ እዋናዊ እዩ።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ዲሞክርስን ልምዓትንንቃለስ

Last modified on Friday, 22 May 2026 21:46