ሪፖርታጅ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ( EPDP) ጨንፈር ማእከል ፍራንክፎርት
2015-02-10 05:32:59 Written by ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ( EPDP) ጨንፈር ማእከል ፍራንክፎርት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2832 timesሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ( EPDP) ጨንፈር ማእከል ፍራንክፎርትን ( Frankfurt) ከባቢኡን ሃገረ ጀርመን ካልኣይ ምዱብ ኣኼብኡ ኣብ ዕለት 08.02.2015 ኣካይዱ፡፡
ኣብቲልሙድኣዳራሽመኣከቢኡ Kirch Platz Bockonhem ከተማ Frankfurt a.M. ብዕለት 08-02-2015 ዓ.ም. ካብሰዓት 14.00 ክሳዕ ሰዓት 17.30 ዝወሰደ ዕዉት ኣኼባ ከም ዘካየደ ዝመጸና ሓበሬታ እነሆ።
እቲ ኣኼባ ብሓው ሕጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበር ጨንፈር እንቋዕ ብደሓን መጽእኩም ብምባል፡ ኣስዒቡ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣገዳሲ ሓበሬታት ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢኤርትራገሊጹ።
ብምቅጻል ሓጂ ሳልሕ በቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንካልእይ ጉብኤኡ ክገብር ተዳሊዩ ዘሎ ብኣማራጺት ሽማግለ ዝተሰደ መምርሒ መሰረት ብምግባር ነቲ ዝቐረበ መልእኽቲ ናይ ኣማራጺት ሽማግለ ብዝርዝር ኣንቢቡን ገሊጹን።
ብድሕሪዚ ኣብቲ ዝቐረበ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ብጉዳይ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ዝምልከት ብስፍሕ ዝበለ ኣገላልጻ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ መብርሂ ሂቡ። ሓው ንጉሰ ጸጋይ ዝገለጾም ጉዳይት ቁዋም እንታይ ማላት እዩ፡ቁዋምካኸ ምዓስ ተጽድቆ፡ቁዋም ንምንታይ የድልየካ፡ዝብሉ ዑሙቕ ዝበለ መግለጺ ጌሩ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቡ፡፡
ከምኡውን ሓው ዓንዶም ገርጊስ ኣባል ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሽማግለ ጀርመን ብናይ ኣገባብ ኣመራርጻ ውክልና ኣብ ጨንፈር ተሞኩሮ ናይ ቀዳማይ ጉባኤ መሰረት ብምግባር ብስፍሕ ዝበለ መግለጺ ሂቡ። ኣስዒቡ ሓው ክብሮም ዓንዶም ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ብጉዳይ መንእሰያት ኣልዒሉ ኣንጻር ነቲ ኣብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ጨቛኒ ስርዓት ክምክቱ ከም ዘለዎም ንኣኼበኛ ኣተሓሳሲቡ።
ብድሕሪዚ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ጨንፈር ብጉዳይ መንእሰያት ኣልዒሎም ኣብቲ ዝነብርሉ ዘለዉ ኣዳራሻት ኣሰካፊ ዝኾነ ሕድሕድ ዘይምቅዳው ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ምጥንቃቕን ኣንዊሕካ ምሕሳብን ካብ ወስታ ተቆጢብካ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ናይቲ ቦታ ምሕባርን፡ ንዘየራዳድኣካ ጉዳይት ብሕጊ ናይ ምፍትሖም ከምዝከኣል ምሕሳብ ከምዘድሊ ሰፊሕ ምኽርን መታሓሳሰብን ተለጊሱ፡፡ ድሕሪዚ ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት ተዛዚሙ።