ሪፖርታጅ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ( EPDP) ጨንፈር ማእከል ፍራንክፎርት

2015-02-10 05:32:59 Written by  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ( EPDP) ጨንፈር ማእከል ፍራንክፎርት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2587 times

 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ( EPDP) ጨንፈር ማእከል ፍራንክፎርትን ( Frankfurt) ከባቢኡን ሃገረ ጀርመን ካልኣይ ምዱብ ኣኼብኡ ኣብ ዕለት 08.02.2015 ኣካይዱ፡፡

ኣብቲልሙድኣዳራሽመኣከቢኡ Kirch Platz Bockonhem ከተማ  Frankfurt a.M. ብዕለት  08-02-2015 ዓ.ም. ካብሰዓት  14.00 ክሳዕ ሰዓት 17.30 ዝወሰደ ዕዉት ኣኼባ ከም ዘካየደ ዝመጸና  ሓበሬታ እነሆ። 

 እቲ ኣኼባ ብሓው ሕጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበር ጨንፈር እንቋዕ ብደሓን መጽእኩም ብምባል፡ ኣስዒቡ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣገዳሲ ሓበሬታት ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ  ህዝቢኤርትራገሊጹ።

Frankfurt Branch meeting2 Feb2015ብምቅጻል ሓጂ ሳልሕ በቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንካልእይ ጉብኤኡ ክገብር ተዳሊዩ ዘሎ ብኣማራጺት ሽማግለ ዝተሰደ መምርሒ መሰረት ብምግባር ነቲ ዝቐረበ መልእኽቲ ናይ ኣማራጺት ሽማግለ ብዝርዝር ኣንቢቡን ገሊጹን።                                          

ብድሕሪዚ ኣብቲ  ዝቐረበ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ብጉዳይ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ዝምልከት ብስፍሕ ዝበለ ኣገላልጻ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ መብርሂ ሂቡ። ሓው ንጉሰ ጸጋይ ዝገለጾም ጉዳይት  ቁዋም እንታይ ማላት እዩ፡ቁዋምካኸ ምዓስ ተጽድቆ፡ቁዋም ንምንታይ የድልየካ፡ዝብሉ ዑሙቕ ዝበለ መግለጺ ጌሩ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቡ፡፡

Frankfurt Branch meeting3 Feb2015ከምኡውን ሓው ዓንዶም ገርጊስ ኣባል ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሽማግለ ጀርመን ብናይ ኣገባብ ኣመራርጻ ውክልና ኣብ ጨንፈር ተሞኩሮ ናይ ቀዳማይ ጉባኤ መሰረት ብምግባር ብስፍሕ ዝበለ መግለጺ ሂቡ። ኣስዒቡ ሓው ክብሮም ዓንዶም ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ብጉዳይ መንእሰያት ኣልዒሉ ኣንጻር  ነቲ ኣብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ጨቛኒ ስርዓት ክምክቱ ከም ዘለዎም ንኣኼበኛ ኣተሓሳሲቡ።

Frankfurt Branch meeting4 Feb2015ብድሕሪዚ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ጨንፈር ብጉዳይ መንእሰያት ኣልዒሎም ኣብቲ ዝነብርሉ ዘለዉ ኣዳራሻት ኣሰካፊ ዝኾነ ሕድሕድ ዘይምቅዳው ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ምጥንቃቕን ኣንዊሕካ ምሕሳብን  ካብ ወስታ ተቆጢብካ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ናይቲ ቦታ ምሕባርን፡  ንዘየራዳድኣካ ጉዳይት ብሕጊ ናይ ምፍትሖም ከምዝከኣል ምሕሳብ ከምዘድሊ ሰፊሕ ምኽርን መታሓሳሰብን ተለጊሱ፡፡ ድሕሪዚ ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት  ተዛዚሙ።

Last modified on Tuesday, 10 February 2015 06:39