ብጉዳይ ልዑላውነት ተሓጓማይ ኮሎስ ተሓዚ .... ዘብል መግለጺ ኤስደለ

2015-04-12 23:59:24 Written by  ብብርሃነ ኣብርሃ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3527 times

ንጉዳይ ልዑላውነት ብግቡእ ንምርዳእ ኣብ መንጎ (government) መንግስቲ ወይ ምምሕዳርን ኣብ መንጎ (State) ሃገር ወይ ደውላን ዘሎ ፍልልይ ብግቡእ ምርዳእ የድሊ። መብዛሕትኡ ግዜ ተራ ሰባት ብሓፈሻ፡ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ድማ ብፍላይ ንኽልቲኡ (ማለት ንstate and government) መንግስቲ ዝብል ቃል ኢዮም ዝጥቀሙ። ስለዚ፡ ነዚ ሕልኽልኽዚ ንምብራህ መንግስቲ ንgovernment ሃገር ወይ ሃገረ ኤርትራ ድማ ንstate ዝብሉ ቃላት ክጥቀም ኢየ። ነዚ ንምብራህ ዝሕግዝ ዝረኸብክዎ ጽሑፍ ውን ብኸፊል ተርጕመ ከቕርቦ ክፍትን ኢየ።

1. ሃገር ብኣርባዕተ ረቋሕቲ ዝቖመ ኣምር ኢዩ። ንሳቶም ድማ፡ ህዝቢ ወይ ነባሮ፡ ዶብ፡ ምምሕዳርን ልዑላውነትን ኢዮም። መንግስቲ ወይ ደውላ ክንብል ከለና ግን፡ ሓደ ኣካል ወይ ባእታ ናይ ሃገር ኢዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ መንግስቲ መሳርሒ ናይ ሃገር ኢዩ። ስለዚ ከኣ ኢዩ ኣብ ዲሞክራሲ መንግስቲ ከም ኣገልጋሊ ሃገር ድማ ከም ጎይታ ወይ ዋና ዝቑጸር። ብዝያዳ ንምብራህ መንግስቲ ከም ሓንጎል ወይ ርእሲ ናይ ወድሰብ ሃገር ድማ ከም ኩሉ ኣካላት ወዲ ሰብ እንተላይ ሓንጎል ጌርካ ክውሰድ ይከኣል።

1. The State has four elements like population, territory. Government and sovereignty. Government is a narrow concept and it is an element of the State. It is rightly said the State is an organic concept in which the government is a part. Willoughby writes. "By the term government is designated the organization of the State machinery through which is designated the organization of the State machinery through which its purposes are formulated and executed'". Government is an agent of the State. That is why in a democracy, it is considered as servant and the State as master. Government is compared with the brain of the living organism; what the brain is to the man. The government is to the State.

2. ሃገር ቀዋሚ ወይ ነባሪ ወይ ዘይቀያየር ኢዩ። መንግስቲ ወይ ምምሕዳር ግን ግዝያዊ ኢዩ። መንግስቲ ይቐውም ብኻልእ መንግስቲ ከኣ ይትካእ። መንግስቲ ብሞት ናይ መራሒኡ ወይ ብዕልዋ ወይ ብምርጫ ተሳዒሩ ይቕየር፡ እታ ሃገር ግን ነባሪት ኢያ።

2. The State is more or less permanent and continues from time immemorial. But the government is temporary. It changes frequently. A government may come and go, but the State continues for ever. Death of a ruler or the overthrow of a government in general elections does not mean the change of the State. If the Janata Government replaces the Congress Government, it involves no fundamental changes in the structure of the State of India.

3. ሃገር ወይ ደውላ ብኩሎም ዜጋታቱ ኢዩ ዝቐውም። ኩሎም ግን ኣባላት መንግስቲ ወይ ምምሕዳር ኣይኮኑን። መንግስቲ ብውሑዳት ሰባት ኢዩ ዝቐውም። ኣካላት መንግስቲ 3 ኢዮም። ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ከኣ ይብሃሉ። ነዚኦም ዘምሓድሩ ድማ ሒደት ሰባት ኢዮም። ስለዚ፡ ሃገር ካብ መንግስቲ ዝሰፍሐ ኢዩ። ኣባል ናይ ሃገር ክትከውን ናይ ግድን ኢዩ፤ ኣባል ናይ መንግስት ክትከውን ግን ናይ ግድን ኣይኮነን። ንኣብነት ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ኣባል ናይ ሃገረ ኤርትራ ክኸውን ናይ ግድን ኢዩ፤ ኣባል ናይ መንግስቲ ኤርትራ ክኸውን ግን ናይ ግድነት ኣይኮነን።

3. The State is generally composed of all citizens but all of them are not members of the government. The government consists of only a few selected citizens. The organ of the government consists of only a few selected citizens. The organs of the government are executive, legislature and judiciary. The few selected persons will run these three organs of the government. Thus, the State is a much broader organization than the government. Membership of the State is compulsory but not that of the government.

4. ሃገር/ደውላ ልዑላውነት ኣለዋ። ስልጣን ሃገር/ደውላ ፍጹም ወይ ደረት ዘይብሉ ኢዩ። ስልጣኑ ብዝኾነ ይኹን ካልእ ትካል ክምንዛዕ ኣይፍቀድን ኢዩ። መንግስቲ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ልዑላውነት የብሉን። መንግስቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ስልጣን የብሉን፤ እንታይደኣ ብመሰረት ቅዋም፡ ብሃገር/ደውላ ኢዩ ዝውከል ወይ ዝምዘዝ። ስልጣኑ ብውክልና ኮይኑ ደረት ዘለዎ ውን ኢዩ።

4. The State possesses sovereignty. Its authority is absolute and unlimited. Its power cannot be taken away by any other institution. Government possesses no sovereignty, no original authority, but only derivative powers delegated by the State through its constitution. Powers of government are delegated and limited.

5. ሃገር ዝብል ኣምር ረቂቅ ወይ ዘጭበጥ ክኸውን ከሎ መንግስቲ/ደውላ ግን ዝጭበጥ ኢዩ። ሃገር ኣይርአን ኣይዋሳእን ኢዩ። መግለጺ ሃገር/ደውላ መንግስቲ ኢዩ። መንግስቲ ብውሱናት ዝርኣዩን ዝጭበጡን ሰባት ዝቖመ ትካል ኢዩ። መንግስቲ/ደውላ ክርአን ክሕተትን ዝከኣል ጭቡጥ ውድብ ኢዩ።

5. The State is an abstract concept whereas government is a concrete one. Nobody sees the State and the State never acts. The government is a physical manifestation and it acts for the State. It consists of a definite group of persons who can be seen and known. It is a tangible organization which can be seen and questioned.

6. ሃገራት ኩለን ሓደ ዝኾነ ባህርያት ኢዩ ዘለወን። ዓበይቲ ይኹና ንኣሽቱ ብዘየገድስ ባህርያተን ሓደ ኢዩ። መንግስታት/ደውላታት ግን ዝተፈላለያ ኢየን። ንጉሳዊ፡ ዲሞክራስያዊ፡ ሪፑብሊካዊ፡ ምልካዊ፡ ወትሃደራዊ፡ ኣሃዳዊ፡ ፈደራላዊ፡ ፕረሲደንታዊ፡ ፓርሊያመንታዊ ...ወዘተ መንግስታት ምህላዎም ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።

6. All States are identical in character and nature. Whether big or small, the characteristics of the State do not undergo changes. But governments are of different types and they may vary form the State to the. State Various political scientists, have given different classifications of government. Aristotle had classified government into monarchy, aristocracy and democracy Marriot has classified government into parliamentary or presidential and unitary or federal. Thus, there is no uniform pattern of government. But the State is a universal institution having one single form with its four essential characteristics.

7. ዜጋታት ኣንጻር መንግስቶም ክኾኑ መሰል ኣለዎም ኣንጻር ሃገር ክኾኑ ግን መሰል የብሎምን። ንሃገር ወኪሉ ዝሰርሕ መንግስቲ ኢዩ። ስለዝኾነ ጌጋ እንተደኣ ተፈጺሙ፡ እቲ ጌጋ ናይ መንግስቲ/ደውላ እምበር ናይ ሃገር ኣይኮነን። ዜጋታት ኣባላት ሃገር ስለዝኾኑ ኣንጻር ገዛእርእሶም ክኾኑ ኣይክእሉን ኢዮም።

7. Lastly the citizens possess rights to go against, government and not against the State. The State only acts through the government and the government may commit mistakes and not the State. Thus, the citizens have only rights to go against the government. Moreover, the State consists of a the citizens, the citizens go against the State, it will mean to go against themselves. This is an impossible proposition. The State is therefore, and indestructible union of citizens having the chief characteristic of permanence and continuity. Government is only a part of the State.

ብቐሊሉ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃገርን ዘሎ ፍልልይ ንምርዳእ ንጉዳይ ፍልስጤም ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል ኢና። ፍልስጤማውያን ኣብቲ ዝቖጻጸርዎ ከባቢታት ናይ ገዛእ ርእሶም መንግስቲ/ደውላ ኣለዎም። ኣብ ቃዛን ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ናቶም መንግስታት/ደውላታት ኣለዎም፤ ሃገር ግን የብሎምን። ሃገሮም ኣብ ትሕቲ እስራኤል ኢይ ዘሎ። ክልተ ሃገራት፡ ናይ እስራኤላውያንን ናይ ፍልስጤማያንን ንምምስራት ድማ ብሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ዘይተዓወተ ጻዕርታት ኣሎ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓቅታት ምስ ኵነታት ኤርትራ ኣገናዚብና ክንርእዮ ከለና፡ ሃገረ ኤርትራ ክበሃል እንከሎ፡ መንግስቲ/ደውላ ኤርትራ ማለት ከምዘይኮነ ብሩህ ክኸውን ኣለዎ። ሃገረ ኤርትራ ክበሃል ከሎ፡ ህዝቢ፡ ዶባት፡ መንግስትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዘጠቓለለ ኢዩ።

መንግስቲ/ደውላ ህግደፍ፡ ብሃገረ ኤርትራ ዝተወከለ ወይ ዝተመዘዘ ኣካል ኣይኮነን። ብኢደ ወነኑ ኣብ ስልጣን ዝተወጥሕ ጉጅለ ኢዩ። ንልዑላውነት ናይ ሃገረ ኤርትራ ወይ ንህዝባን ዶባታን ልዑላውነታን ዘድፈረ ሓይሊ ምዃኑ ኩሉ ዝሰማምዓሉ ሓቂ ኢዩ። እዚ ስለዝኾነ ግን፡ ካልእ ንሃገረ ኤርትራ ክከላኸል መሰል ዘለዎ ኣካል የለን ማለት ኣይኮነን። ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ይኹን ፖለቲካዊ ውድባቱ ከም ኣባል ሃገረ ኤርትራ ንልዑላውነት ኤርትራ ክከላኸሉ ሓላፍነትን ግቡእን ኣለዎም።

ብ5 ሚያዝያ 2015 ብዮውሃንስ ኣስመላሽ ዝምራሕ ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝወጸ ንመጥቃዕቲ ናይ ቢሻን ማይ ዕዳጋን ዝምልከት መግለጺ እዚ ዝስዕብ ጥቕሲ ኣንቢበ "እዚ ይኹን እቲ ዝተደብደበ ቀንዲ ቁጠባዊ ምንጪ ናይቲ ጨቋኒ ስርዒት ካብ ኮነን እቲ ዝተደብደበ ወተሃደራዊ ትካል’ውን ቅድሚ ኩለ ንህዝቢ ኤርትራ ቀጺለ ከኣ ንጎረባብቲ ሃገራት ሰላም ዝኸልአን ኣገባብ ክሳብ ዝኾነ መን ገበሮ ብዘየገድስ ኣገናዕ ክበሃል ዝግብኦ ስርሒት ምዃኑ ሙሉእ ዕግበትና’ዩ።ከም'ዚ ዝኣመሰለ ስርሒት ንህግደ ፍጹም ትንፋስ ዘይህብ ኣብ ሳልስቲ ሳልስቲ እንተዝደጋገም'ውን ዕምሪ ናይቲ ጨቋኒ ስርዒት ህግደፍ ንምሕጻርን እፎይታ ውጹዕ ህዝብና ንምቕልጣፍ ዒቢ ተራ ዜጻወት’ዩ።

ኣብ ከም'ዚ ዜኣመሰለ ህሞት ንጉዳይ ናይቲ ህዝቢ ብምዝንጋዕ ኩሉ ግዜ ዝደጋገም ልዕላውነት ዝብል መዝሙር ትምክሕተኛታት ክዝመር ይስማዕ’ዩ።"

እዚ እምነትን እዚ ዕግበትን እዚ ናይ ሕጊ ኣልቦነት ስርዓት ንኽነግስ ዝድግፍ ናይ ጭቁናት ዘይኮነስ ናይ ጨቆንቲ ድምጺ፣ ድምጺ ናይ መሰል ወይ ፍትሒ ዘይኮነስ፡ ድምጺ ናይ ህርፋን ስልጣንን ድምጺ ናይ ገዛእትን ኢዩ። ዝኾነ ይኹን መንግስቲ፡ ህዝቢ ዘይጥቀመሉ ትካላት ብዝብል ምስምስ ኣብ ልዕሊ ካልኦት መንግስታትን ሃገራትን ውግእ ክውልዕ ዝጽውዕ ናይ ዕንወትን ብርሰትን ዕድመ ኢዩ።

እቲ መግለጺ ናይ ኤስደለ፡ ብምጥሓስ ናይ ዶባት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን በቲ መጥቃዕቲ ክወርድ ብዝኽእል ጉድኣት፡ ኮታ፡ ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ናይ ሃገረ ኤርትራ መለለዪ ዝኾኑ ረቛሕቲ ዝግበር ጥሕሰት ብፍጹም ዘየሕምሞ ውድብ ምዃኑ ካብ ቃላቱ በሪሁለይ።

ኤርትራ ብ1993 ኣብ ዝተኻየደ ሪፈረንደም ናጻን ልዕላዊትን ሃገር ኮይና ኣብ ሕቡራት ሃገራት ክቡር ቦታ ከምዝረኸበት ዝረስዐ መግለጺ ኢዩ። እዚ ቦታዚ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ዘይኮነስ ናይ ሃገረ ኤርትራ ቦታ እኳ'ዩ። ኤረ! ከመይ ገይሮም ኢዮም ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ዘሎ ፍልልይ ክርድኡ ዘይከኣሉ?!!!!!

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትካላት ኤርትራ ንዝግበር መጥቃዕቲ ንዝተቓወሙ ኤርትራውያን ዜጋታት ይኹኑ ውድባት ትምሕክታውያን ምባል ንሓላፍነትካ ምዝንጋዕ ጥራሕ ዘይኮነስ "ተሓጓሚ ከሎስ፡ ተሓዚ ይጠርጥ" ዘብል ኢዩ። ነቲ ብኢትዮጵያ እተገብረ መጥቃዕቲ መን ገበሮ ብዘየገድስ ኣገናዕ ክበሃል ዝግብኦ ስርሒት ምዃኑ ሙሉእ ዕግበትና’ዩ ዝብል ሃገራውን ዲሞክራስያውን ፤ ነዚ ዝተጻረረ ድማ ትምክሕታዊ ኢዩ ምባልሲ ግርንቢጥ'ዶ ኣይኮነን። ኣብ ሰሳልስቲ ደጋጊምኩም ጽፍዑና ምባል ድዩ ሃገራዊ????!!!

ምክልኻል ልዑላውነት ናይ መንግስታት ሓልፍነት ብሓፈሻ ወይ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሓላፍነት ጥራሕ ኣይኮነን። እንታይ'ደኣ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ኢዩ። እትረፍ'ዶ ንዶባትካን ዜጋታትካን ናብ ሓደጋ ዘእቱ ስጉምቲ ዋላ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትካ ኣብ ግዳም ዝወርድ ግፍዕታት ምክልኻል ኣካል ናይ ልዑላውነትካ ምክልኻል እምበር ንዓሌትካ ወይ ዘመድካ ዝወረደ ግፍዒ ምክልኻል ኣይኮነን።

ስርዓት ኢሳያስ ብዛዕባ ዶባት፡ ህዝቢ፡ ልዑላውነት ኤርትራ ዝግደስ ኣይኮነን። ንሕና ግን ከም ዜጋታት ብዛዕባ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ፡ ብዛዕባ ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ዝሃልቁ ዘለዉ ስደተኛታት፡ ብዛዕባ ምውዳቕ ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክንዛረብን ክንሰርሕን ሓላፍነትና ኢዩ።

ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ዝምድና ኣብ ዲሞክራሲ ዝተመስረተ ዘይኮነስ፡ ኣብ ናይ ሕድሕድ ረብሓን ምክብባርን፡ ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላትን ስምምዓትን ዝምርኮስ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ኢዩ።

ብርሃነ ኣብርሃ

Last modified on Monday, 13 April 2015 02:09