ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኣረሜናዊ ኣባይቲ ናይ ምዕናው ተግባር ይኹንን

2015-04-13 07:02:05 Written by  ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ በይ ኤርያ- ካሊፎርንያ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2224 times

እቲ ንህዝብና መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱን ሓርነቱን ጊሂሱ ብቑጠባውን ማሕበራውን ሕሰም ዘሳቕዮ ዘሎ ዓመጸኛ ስርዓት፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ዓመተ 2014 ኣትሒዙ ውን ነቲ ዜጋታት ሙሉእ ዕድሚኦም ሰሪሖም ብዘጠራቐምዎ ገንዘባውን ንዋታውን ሃብቲ ዝሃነጽዎ ገዛውቲ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መርትዖን ቁቡል ስነ ሞጎትን ካብ ሓደ ከባቢ ናብቲ ሓደ ከባቢ ብምንጣር ብኣሽሓት ዝቑጸር ገዛውቲ ብጭካነ የዕንዎ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብኣሻሓት ዝቑጸራ ኤርትራውያን ሲድራቤታት ብዘይ መዕቖቢ ተሪፈን ኣብ ፎቖዶ ጎደናታት ንጸሓይን ቑርን ተቓሊዐን ይርከባ።

እዚ ኣብ ጸሎት ጀመሩ ብቤት-መኻእ ኣቢሉ ናብ ኣርባዕተ ኣስመራ፡ ዓዲ-ቐይሕ፡ ዳዕሮ ጳውሎስ: ሰገነይቲን ዝቕጸለ ኣረሜናዊ ናይ ምዕናው ስጉምቲ፡ ሕጂ ውን ናብ ካልኦት ገጠራትን ከተማታትን ኤርትራ ክልሕም ከም ዝኽእል ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ደምበ ተቓውሞ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ይእምት።

ሽሕ እኳ እዚ ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን መደርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ተቓውምኡ እንተ ዘይገለጸ፡ ነዚ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ውን ርኢዎ ዘይፈልጥ ነውራምን ዘይሓላፍነታውን ተግባር ዝተፈላለየ ኣገባባት ብምጥቃም ይኹንኖ ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝዝርግሑ ዘለው ዜናታት ይሕብሩ። ንኣብነት ኣብ ዓዲ-ቐይሕ ተማሃሮን ምንእሰያትን ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝካየድ ዝነበረ ጽዩፍ ተግባር ክጻወርዎ ስለ ዘይካኣሉ ነቶም ነቲ ተግባር ዝፍጽሙ ዝነብሩ ኣባልት ሰራዊትን ጸጥታን ኣእማን ብምድርባይ ከም ዝተቓወምዎምን እቲ ናይ ምዕናው ተግባር ንግዚኡ ደው ከም ዝበለን ይዝከር፡፡ ከምኡ ‘ውን ዝሓለፈ ሰሙን ህዝቢ ዳዕሮ ጳውሎስ ኣብ ቅርዓት ዓዲ ታቦት ብምውጻእ ጸሎትን ምህለላን ብምክያድ ተቃውሞኡ ከም ዘስምዐ ዝተተፈላለያ ብጉዳይ ኤርትራ ዝግደሳ ማዕከናት ዜና ሓቢረን እየን።

ንሕና ኣብ ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ እንነብር ኤርትራውያን ውን ነዚ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ኣዕናዊ ተግባር ኣትሪርና ንኹንን። ነቲ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉን ክብረቱን ንምርግጋጽ ዘካይዶ ዘሎ ዝተፈላልየ ናይ ተቓውሞ ኣገባባት ምሉእ ደገፉ የረጋግጽ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብና ከኣ ነዚ ኣረሜናዊ ተግባር ኣብ ምክያድን ህዝቢ ኣብ ምብስባስን ብሓላፍነት ይሳተፉ ናይ ዘለው ዜጋግታት ጽፉፍ መዝገብ ክሕዝን ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ኣረሚናዊ ተግባራት ብቪድዮን ደረቕ ስእልን ብምልዓል ክስንዶን ከኣ በዚ ኣገጣሚ ንጽውዕ። ኣብ መላእ ዓለም እንርከብ ኤርትራያን ከኣ ከም ውትሩ ሰፊሕ ተሳታፍነትን ዝርገሐን ዘለዎ ሰልማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ነዚ ኣብ ሃገርና ዝከይድ ዘሎ ነውራም ተግባር ኣብ ምቅላዕ ሓቢርና ክንሰርሕ ጻውዒትና ነቕርብ።

10 ምያዝያ 2015

ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ በይ ኤርያ- ካሊፎርንያ

Last modified on Monday, 13 April 2015 09:06