ንዝኺሪ ስውእ ጅግና ስዩም ዕቕባሚካኤል

2015-12-21 12:03:56 Written by  ወልደስላሴ ገብረመድህን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1927 times

ዓመታት ኣቑጺሩ ካብ ዝኽወል ገጽካ

ድምጽኻ ጠፊኡ እቲ ምቁር ቃልካ

ይሓይሽ ዶልካዮ ጽምዋ መሪጽካ

      ጻዕጺዑ በርቲዑ ቃልሲ ብድሕሬኻ

      ኣይመቀረን ቃልሲ ንስኻ ዘየለኻ

      ምትግባሩ ከቢዱና ናይ ቃልሲ ትልምኻ

           ኣይተረኸበን ዝትክእ ንዓኻ

      ኤርትራ ኣይወለደትን ሓቦኛ ከማኻ

      ተባላሓቲ ዘተግብር ራኢኻ

      ንጽዕር ኣሎና ክንፍጽም ለበዋኻ

እታ ተካል መዓልቲ ሎሚ ትዝ ትብለኒ

ብተለፎን መስዋትኻ ከርድኡኒ

ስዩም ተሰዊኡ ምስበሉኒ

ልበይ ጠፊኡሊ ትንፋስ ሓጺሩኒ

ዓይነይ ጠሊሙኒ ጽልግልግ በለኒ

ምጻሩ ስኢነ ዓቕለይ ጸበበኒ

ዓለም ተውደኤት መሲሉኒ

ከይደቀስኩ ሃተፍ-ተፍ ሓዘኒ

      ተካል ስማዕ ኢዩ ነይሩ ምቕባሉ ስኢነ

      ሓበሬታ ክቕይር ፈቲነ ሓሊነ

           ክቕይሮ ኣይካኣልኩን ብዝጊሄር ዝኾነ

ሕማቕ ወረ ነይሩ ዘሰንብድ ዘባህርር

ብኸመይ እዩ መይቱ ምእማኑ ዘሸግር

ጥሒሻ ዶ ኣይነበርካን ትሓልፎ ንሽግር

ሞቑሕ ናይ ጸላኢ ትብጥስ ትሰብር

ኣታ እዛ ሞትስ ክንደይከ ትደፍር

ንጀጋኑ ኣብ ትሕቲ መሬት ተንብር

ንስድራቤት ጅግና ሕቖኦም ትሰብር

      ብእግሪ ተኽሊኻ ቃልሲ ዝጀመረካ

      ንውጹዕ ህዝብኻ ዝተዋረድካ ዝተኣሰርካ

      ናይ ዓዲ-ዃላ መቑሕ ዝበንጠስካ ዝሰበርካ

      ንመዋእልካ ዕጥቅኻ ዘየውረድካ

      ንኹሉ ፈተናታት ጠሓሒስካ

      ዋይ ስዩማይ እዛ ደረቐኛ ሞት እባ ሰዓረትካ

ብድሕሬኻ ጉባኤታት ተገይሩ

ዘበገስካዮ ስምረት ኣተግቢሩ

ግንባር ናብ ሰልፊ ኣሰጋጊሩ

ኣገባብ ቃልሲ ኣማዕቢሉ ኣተግቢሩ

ንስርዓ ህግድፍ ካብ ስሩ በንቊሩ

ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ኣብ ሃገሩ

ስዩማይ ስጋኻ እምበር ሞያኻ መዓስ ተቐቢሩ

ኣብጉዕዞቃልሲዝተበንቆሰ

ኣብ ዓዲ ጓና ሓመድ ዝለበሰ

ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ከየልበሰ

ፍትሒ ዲሞክራሲ ከየንገሰ

ምህርቲ ቃልሱ ከይሓፈሰ

ንደቁን ስድራኡን ከይኮስኮሰ

ዲክታቶር ኤርትራ ከየፍረሰ

ስዩም ስውኣት ከርክብ ኣንጊሁ ገስገሰ

ጭቆና ካብ ሃገሩ ከየባረረ

ዲክታቶርነት ኲዒቱ ከይቀበረ

ኣብ ኣዳራሽ ዓዱ ከይመደረ

ነጻነት ሃገሩ ከየስተማቐረ

ስዩም ጂግና ብሞት ተሳዓረ

      ስዩም ዓሪፍካ እምበር ኣይሞትካን

      ተሰዊእካ እምበር ኣይካሓድካን

      ጭቡጥ ኣብ መትከሉ ሰንከልከል ኣይበልካን

      ጸኒዕካ ኣጽኒዕካ እምበር ኣይሃደምካን

      ብጊዝያዊ ጠቕሚ ኣይተታለልካን

      ዓለም ጠሊማታካ እምበር ንስኻስ ደኺመ ኣይበልካን

ስዩማይ ውላድ ሰውራ ውፍይ ንሃገሩ

ጸላእትኻ ብድምጽኻ ዝብህርሩ

ንሰላም ዝጣበቕ ተገቲሩ

ፍትሒ ከንግስ ኣብ ሃገሩ

ኣብ ዘይማዓልቱ ብሞት ተሳዒሩ

      ዘይነቅዕ ከውሒ ዕረ ንጸላእቱ

      ስለፍትሒ ብህጻኑ መኪቱ

      መዝገብ ቃላት ነይርካ ዋልታ ንብጾቱ

      ንህዝቡ ዘወፈየ ንእስነቱ

      ሓመድ ካብ ዝድፈን ኣቚጺሩ 10 ዓመታቱ

      ኣነስ ጌና ኣይኣመንኩን ስዩም ብሓቂ ዲዩ ሞቱ

      ከይፈጸሞ መደብ ትልሚታቱ

      በሉ ኣቶም ተረፍቲ ተመልከቱ

      ከምኣ ኢያ ዓለም፡ ዓለም ከንቱ

      ሞት ዘይትተርፍ ኩልና ሰዓብቱ

      ሕማቕ ዕድል ደድሕሪኡ ሲዒባ ሰበይቱ

      ሃየ ንቐጽሉ ዘበገሶ ትልሚታቱ

      ብጊዝያዊ ጠቕሚ ቅዱስ ዕላማ ከይትስሕቱ

ስዩም ካብ ከድካ ዕረፍቲ ካብ መረጽካ

ደርቢኻልና ካብ ከድካ ናይ ዘመናት ትልሚታትካ

ኣምላኽ ይሓግዘና ክንቅጽሎ መደባትካ

ረኺብካዮም ዶ ስውኣት ብጾትካ

ሓቢርካዮም ዶ ኩነታት ሃገርካ

እንታይ ድኣ በለ ወደዳዊት መራኸብቲ ጸገምካ

ረኺብካዮ ዶ ሚካኤል ጋብር ብጻይካ

ረኺብካዮ ዶ ሙሴኸ ጀማሪ ምሳኻ

ቅሰን ኣጆኻ ክንቅጽሎ ኢና ዕላማኻ

መንግስተ-ሰማያት የውርስካ ምስ ኩሎም ስውኣት ብጾትካ

      ብዲሞክራስያዊ ጥርናፈ ተቐይድና

      ንቕዱስ ዕላማ ንድሕነት ህዝብና

      ኣብዝሓ ሰልፊታት መስሪትና

      ስርዓት ሕጊ ከነንግስ ኣብ ሃገርና

      ሕድሮም ክይጥለም ጀጋኑ ስውኣትና

      ትልሚታትካ ክንቅጽሎ መብጽዓ ይዂነና።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ኢደይ-ኢድካ ኢልና ንህግድፍ ንምእላይ ንቃለስ

ወልደስላሴ ገብረመድህን

ኣሪዞና

Last modified on Monday, 21 December 2015 13:07