ኣእምሮና እወንታዊ ሓሳብ ከምዘስርጽ ንግበር

2015-12-01 17:05:57 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2720 times

እዛ እንነብረላ ዓለም ኩርኳሕ ምዃና ዋላ እቲ ሓዲሽ ዝውለድ ወይ እትውለድ ህጻን ካብቲ ምውቕ ማሕጸን ወላዲት ወጺኡ እንተስ ጠምዩ፡ እንተስ ተጽሊእዎ፡ እንተስ ቆሪሩዎ፡ እንተስ መይቁዎ ኩሉ ብብኽያት እዩዝ ገልጾ። ልክዕ እዩ ካብቲ ማሙቕ ኣዳራሽን  ካብቲ ካብ ወላዲቱ ተኻፊሉ ዝምገቦ ዝነበረ ደገ ምስ ወጸ ናይ ግድን እምበር ክበኪ። ኣብዛ ዘይፈልጣ ዓለም መጺኡ ነቲ ስቅያቱ ብኽገልጸሉ ዝኽእል እዩ ዝገልጾ። ሽሕእኳ እንተዘይተዛረበ፥ ኩሉ እቲ ዝነበሮ ባህርያዊ ምክልኻልን ባህሪያዊ ኣመጋግባን ምሉእ መሰልን ናጽነት ተሓሪሙ ድኣ ከምይ እዛ ዓለም ኩርኳሕ ምዃና ዘይፈልጥ። እዚ ህጻን እዚ ካብ ሕቚፊ ወላዲቱ ወሪዱ ብእግሩ ክኸይድን ባዕሉ ክምገብን ምስ ጀመረ ኣትሒዙ ክሳብ 12 ወይ 14 ዓመት ዝዕድሚኡ ዝበጽሕ ሓንጎሉ ንጹህን ጸጽቡቑ ዝሓስብን እምበር ተንኮል፡ ክፍኣት፡ ትዕቢት፡ ቅርሕንትን ጽልእን ኣይፈልጥን እዩ። ለካስ በዚ ምኽንያት እዩ “ከም ህጻናት ንጹሃት ኩኑ” ዝብል ጽሑፍ ዝርከብ! ኣበው እውን “ኩሉ ግዜ ቆልዓ እንተትኸውን” ዝብልዎ ብሂል ኣሎ።

“ወዲ ሰብ ዓቕሚ ኣዳም ወይ ህይዋን ምስ ኣኸለ ደኣ እሞ እንታይ ወሪድዎ እዩ ንሓንጎሉ በታ ህጻንነቱ ከሎ ካብ ክፍኣትን ተንኮልን ርሒቑ ንኣእምሮኡ ኩሉ እቲ ሰሰናዩን ጸጽቡቑን ብሓፈሻ እወንታዊ ሓሳብ ክሓስብ ከም ዘለዎ ዘየስርጽ።?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ግቡእ እዩ። እዛ ዓለም ኩሉ ሓቚፋ እትርከብ ብምዃና ኣብቲ ናይ ምውድዳር ዓለም ምስ ኣተወ ወዲ ኣዳም ናይ ስሰዐን ኣነ እበልጽን ትዕቢትን ገጹ ስለ ዝኸይድ፡ ነቲ ሰሰናዩ ምሕሳብ ደጊም ቦታ እናጸበቦ ይጎዓዝ እሞ እቲ ቦታ ነቲ ክፍኣትን ተንኮልን ይገድፈሉ። ወዲ ኣዳም እምበኣር ብፍጥረቱ ንዓለማዊ ነገር ኣብሊጹ ክጥምት ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ከኣ ኩሉ እቲ ናይ ክፍኣት ዘበለ እውን ምስኡ ይኽተሎ። ካብዚ ነቒሉ ምስቲ ናይ ውድድር ዘለዎ ዕላማ ንኣሉታ እምበር ብእወንታ ክሓስብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይበጽሕ። ምስ እዚ ከኣ እቲ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ናይ ማሕበራውን፡ ቁጠባውን፡ ከባቢያውን ከምኡ እውን ኣተዓባብያን ምቅይያራት ዘምጽኦ ጸገም እውን ክህሉ ይኽእል እዩ።

እዛ ዓለምና እምበኣር ኣሉታውን እወንታውን ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ዝበራረዩላን ዝጸልውዋን እያ። በዚ ምኽንያት ከኣ እዩ ኣብዛ ዓለምና ኩሉ እቲ ናይ ጥፍኣት ይኹን ናይ ህንጸት ምህዞታት ዝረአ ዘሎ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እምበኣር፡ ንኣእምሮኡ ናይ እወንታ ሓሳብ ከስርጽን ብኡ መሰረት ክጎዓዝን እንተፈቲኑ ልቡ ብፍሰሃ ንደስታን ታሓጓስን ይመልእ እሞ ካብ ክፉእ ምሕሳብን ምህቃንን ይድሕን። መላእ ሕብረተሰብ እውን ቅሳነትን ሰናይ ሓሳባትን ሒዙ ንኽጎዓዝ ኣይምጸገሞን። እዚ ናይ እወንታዊ ኣተሓሳስባ ምስራጽ ግን ከም ስዕረት ወይ ድኽመት ክቑጸር ኣይግባእን። ከምኡ እውን ብደረጃ ነቲ ዝደለኻዮ ወይ ዝሓሰብካዮ ካብ ዘይምርካብ ዝብገስ ክኸውን እውን የብሉን። ምኽንያቱ እቲ ካብ ውሽጢ ዝነቐለ እወንታዊ ኣተሓሳስባ እዩ ንነገራት ብግቡእ ክእለዩን ፍታሕ ክረኽቡን ዝሕግዝ። ካብኡ ብዝተረፈ ከሎ ገና ብኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ነቒልካ፥  ብስምዒት ዝተጸልወ ሓሳብ ናጻ ስለ ዘይከውን ኩሉ ጉዳያት ቄናን ርድኢት እምበር ቅኑዕ ፍታሕ ኣይርከብን።

እወንታዊ ኣተሓሳስህባ ክህልወካ እንከሎ እወንታዊ ራእን ቅኑዕ ጠመተን ቅኑዕ ባህሪ ወይ ጠባይ ክትውንን ስለ እትኽእል ንረብሓኻ ጥራሕ ኣብ ክንዲ ምጥማት ንረብሓ ኩሉ ዝብል ሓሳብ ተሕድር። እዚ ከኣ ብወገኑ ካብ ጽልኢ፥ ቅርሕንቲ፥ ስሰዐን ፍትወተ-ነፍስን የድሕነካ እሞ ነቲ ማሕበረሰብ ንቅኑዕ ኣቕጣጫ ሒዙ ክጎዓዝን ተኣማኒነት ዘለዎ ምትእስሳር ክፈጥርን ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት እምበኣር ንፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ኣብ ምፍታሕ ክትብገስ ከሎኻ ኣእምሮኻ ንኻልኦት ብዘይጎድእን፥ ብዘይዕምጽን ሓሳብ ስለ ዝነቅል ቅኑዕ ፍታሕ ክተመንጩ ከም ትኽእል ርዱእ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣተሓሳስባኻን ጠመተኻን ብእወንታ ስለ ዝብገስ ነቲ ናይ ፍታሕ ምንዳይ ዕማም ከይተጠምዘዘ ብቐሊሉ ክማላእን ደቂ-ሰባት እውን ነቲ እተቕርቦ ፍታሕ ወይ ርእይቶ ክኣምኑኻ ይኽእሉ።


እዚ ንኣእምሮና ብእወንታዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝቐርጾ እንተገርናዮ፥ ሰብ ክውጻዕ ይኹን ክጽገም  እንከሎ መፍትሒታት ክተናድን ክትሕግዝን እዩ ዝተባብዓካ። ከምኡ እውን እቲ ምስ ካልኦት ዝጥረ ዝምድና ከም ዝድልድልን ከም ዝሰፍሕን እዩ ዝኽወን። ስለዚ ህይወት ኩሉ ግዜ ለማጽ ኣይኮነን እሞ፥ ነዚ ተገንዚብና ብእወንታዊ ኣተሓሳስባ ኣቢልና ናብ ለማጽ ክንቅይሮ ክንክእል ኣእምሮና ንእወንታዊ ኣተሓሳስባ ቅሩብ ክኸውን ክንቀርጾ ኣሎና። ካብዚ ብምንቃል ንእወንታዊ ኣተሓሳስባ ጥራሕ ሒዝና ምስ እንነቅል ነቲ ብሩህ ዝኾነ ተስፋ ደኣ እዩ ዝረኣየና እምበር እቲ ጽልሙት ተስፋ ኣይረኣየናን እዩ። ከመይሲ ብገስ ከይበልካ ናብቲ ብሩህ ስለ እተማዕዱ እቲ ዝረኣየካ ከኣ ብሩህ እዩ ዝኸውን። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ እዩ ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ዘለዋ ውድባትን ሰልፍታትን ክህልወን ዝግበኦ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ስለዘይሰረጸ ከኣ እዩ እቲ ኣብ ነንሓድሕደን ዝገብረኦ ምቅርራብ ይኹን ምርሕሓቕ ክጸልዎ ዝኽእል። ስለዚ ኩሎም እቶም ብኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዝነቕሉ፥ ነቲ ናይ ቅርሕንትን ምርሕሓቕን ሓሳባት ጥራሕ ተመርኲሶም ክጎዓዙን ንነግራት ብኣሉታዊ ገጻቱ ክጥምትዎን ስለዝህቅኑ፡ ሰላም ይኹን ዕርቂ ንኽርከብ ማለት ዘበት እዩ።

ከም ኣብነት ንሓደ ፍታሕ ዘድልዮ ጉዳይ ኣብ ምፍታሕ  “ኣነ ካብ መንዶ ይሓምቕ ተጋግየ ዝብል” ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊስካ ኣነ ጥራሕ እየ ስዒረ ክወጽእ ዘለኒ ስለ እትብል ፍታ ኣይርከብን እዩ። እዚ ከኣ ንሓንጎልካ ከሎ ገና ብኣሉታዊ ሓሳብ ሰጒድካዩ ስለ እትብገስ እታ ንስኻ ትደልያ እምበር ኣብ ንኹሉ ዘይሃሲ ፍታሕ ከምዘይትሓስብ ይገብረካ። ብተወሳኺ ኩሉ እቲ ካብ ውሽጢ ኣእምሮኻ ዘሎ ሓሳብ ተበጊሱ ዝወጽእ ሓሳባት ድማ ንጌጋ እምበር ናብ ቅኑዕ ኣየምራሓካን እዩ። ካብዚ ነቒልካ ድማ ነቲ ኣዝዩ ተሪርን ኩርኳሕን ዝኾነ ነገራት ናብ ዝሓሸ ወይ እውን ንኣኻን ንከባቢኻን ዘሕጉስ ንምቕያር ዘሎ ተኽእሎ ይዕጾ እሞ ናብ ኣንነትን መን ከማይነትን ኮታ ናብ ዘየድሊ ዋጢጥ ትኣቱ። ብተወሳኺ ኹሉ ሰብ ከኣ በታ ንስኻ ዝሓስብካያን በታ ንስኻ ክትጓዓዛ መዲብካያ ዘሎኻ ጐደናን ስለ ዘይጓዓዝ ኣንጻሩ ኣብ ዝገደደ ቅርሕንቲ ትጥሕል። ምስቶም ምስ ናትካ ሓሳባት ዘይቃደዉን በቲ እትደልዮ ጐደና ዘይጓዓዙን ድማ ክህልወካ ዝኽእል ዝምድና ሓርፋፍ ይኸውን እሞ ንኹሉ ብኣሉታ ጥራሕ ክትጥምቶ ትግደድ። እዚ ከኣ ንሓንጎልካ ቅሳነት ከሊኡ ንጥዕናኻ እውን ጎዳኢ ኰይኑ ኣብቲ ዝሓሰብካዮ እንተዘይሰለጠ ነቲ ብእወንታ ዝሓስብ እውን ከይተረፈ ንኽትጻረሮ ትዕጠቕ።


እቲ እወንታዊ ሓሳብ ጥራሕ ዘስረጸ ኣእምሮ ግን ኩሉ ግዜ እወንታውን ናይ ተገዳስነት ባህሪ ወይ ጠባይ ክውንን ስለዝኽእል  ፍተሓት ንኹሉ ዘዕግብ ክኸውን በቲ ግቡእ ኣገባብ ስለ ዝሕዞም ኣብ ዓወት ይበጽሕ። ከምኡ እውን ምስ ደቂ ሰባት ክህልዎ ዝኽእል ርክብን ዝምድናን ዓሚቚን ተሪርን ስለዝኸውን እቲ ምትእምማን እናደልደለ ይኸይድ።

ኣብ ዓለምና ዝካየድ ዘሎ ናይ ምቅትታልን ምጭኽኻንን ስጒምቲ እምበኣር፥ እቲ ኣእምሮ ብኣሉታውን ክፉእ ግብርን ሕነ ምፍዳይ ካብ ዝመልአ ሓሳብ ዝነቅል እዩ። ከምቲ ኣበው “ዝዘራእካዮ ኢኻ እትሓፍስ” ዝበልዎ እዩ ነገሩ። እቲ ብእወንታ ሓሳብ ዝኘቐለ እወንታ ምህርቲ ይረክብ፥ እቲ ብኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዝነቐለ ከኣ ኣሉታ ይጽበዮ። ስለዚ መን ኣሎ ኣብ ዓለም እሾኽ ዘሪኡ ስርናይ ዝዓጸደ፡ ብኸምኡ ከኣ እዩ ብኣሉታ ዝበገስሲ ሰናይ በየን ክጸንሖ ዝበሃል። እወንታዊ ሓሳብ ንሰላም ዝዕድምን ንብልጽግና  ዘማዕዱን ንኹሉ ብማዕረ ዝርእን  ስለ ዝኾነ ኢና ኣእምሮና ብእወንታዊ ሓሳብ ኣስሪጽና ክንስዕቦ ዝግበኣና።
ድራር  መንታይ 

Last modified on Tuesday, 01 December 2015 21:00