ምድረ በዳ

2015-07-05 08:47:58 Written by  ኣንቶንዮ ተስፋይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2902 times

ኣንቶንዮ ተስፋይ

ሰነ 29 2015

ብሰብ ድዩ በቲ ሑጻ

ሂወት ዘይርከቦ ገጻ

ወይስ በቲ በደው ክነብራ ዝመረጻ

ምድረበዳ ሽም ዝወጻ፡

           ምድረበዳ ስምኪ ጸሊሙ

           ንሶም ክድሕኑ ንዓኺ ክልክሙ

           ብኣኪ ክዛረብ ዓለም ብዓለሙ

           ዘይትዛረቢ ሓጥኣቶም ክስከሙ፡

እወ፡ ሸኻ፡ ዛራ ዘይብልኪ

ህጻናት ከተዕንግሊ ልኢኾምልኪ

ንጹሃት ክመስሉ በዓል ህ.ግ.ዲ.ፍ ምልኪ

ጽምኢ፡ ሞት፡ ጥፍኣት ዝብሉኺ፡

            ምድረ በዳ ፡ ግዲ የብልክን

            ሂወት፡ ማይ እውን

            ቀይሕ ባሕሪ፡ መዲተራኒያንን

            ተሰሚዑ'ዩ፡ ሽመን ክድወን፡

ኣረሜናዊ ምሕደራ ህ.ግ.ዲ.ፍ

ደቂሱ ተሲኡ ስልጣን ዝሃርፍ

ሃገር ኣጥፊኡ ዘይዓርፍ

ከመኻኒ ስ ናባኺ እንተበል ሕልፍ፡

          

           ህ.ግ.ዲ.ፍ ደኣ ዘይከማኺ'ዩ ምድረ በዳ

           ኣዋልድ የብሉ ሩባ ዝወርዳ

           ኣሓ የብሉ ባሕሪ ዝወርዳ

           ዓዲ ብዓዳ ተሓቢሻ ተቐይዳ፡

ኣብ ኣጻምእ ምድረ በዳ'ስ

ማይ ክትረክብ ሃሰስ

ጽላል ክትረክብ ዳሕሳስ

ብተስፋ ዘሰጉም ዋርዋር ኣድማስ፡

             ህ.ግ.ዲ.ፍ ከ የማን የለ ጸጋም

             ቋሕ፡ ሰም እንተበልካ ኩሉ ጸላም

             እመት ትኹን የልቦ ምስጓም

             ምድጋፍ፡ የልቦ ምእዳም፡

እሞ ደኣ ሞት፡ ብሞት

ይወራዘድ'ዩ ዘይ ኩሉ ጥፍኣት

ናትኪ'ኳ ይሓይሽ ብምቕሊት

እንተጠፍአ ኣሰር፡ እንተደሓነ ብሂወት፡

              ካባኽስ ዳህላክ'ኳ ትምረር

              ታሪኻዊት ደሴት ናይ ደቐ'ባት ማሕዩር

              ዒራዒሮ ዝባሃል ሰብ ዘንቕጽ ዘሕርር

               ደሃይ ትመስክር፡ ጥፍእ ስውር፡

እምባትካላ፡ ዊዓ፡ ገምሃሎ

ዓላ፡ ጎዳጉዲ ደንጎሎ

ናቱ ሓቢኡ ናባኺ እንተበሎ

ሓቕስ ክትወጽእያ ኣብ መጋባእያ ውዕሎ፡

            ህ.ግ.ዲ.ፍ ስ ያኢ ብኣኺ ክወራዘ

            ንዜጋታት ዘደነከለ ዘዕንዘዘ

            ዝበከለ ዝመረዘ

             ዘጥፈአ ዝሰረዘ፡

መዓስ መጺኽና ከድናኪ'ምበር ንሕና

ወዲቕናኺ'ምበር መዓስ ወዲቕክና

ዝወደቐስ ህ.ግ.ዲ.ፍ ናባና

ኣምላኽ፡ ካብ መዓቱ ይሰውረና፡

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽሪ ንስውኣትና

ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ