ግጥሚ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጊሰን (ቀዳማይ ክፋል)
2015-07-06 17:11:57 Written by ብኣፈወርቂ ኣባይ ሃገረ ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2770 timesታሪኽ ኣሎ ታሪኽ ናይ ኣቦታት
ባህሊ ኣሎና ያታ ምስ ሕግታት
ሃይማኖትን ዓሌትን ዘሳማምዕ
ብምኽሪ ጸላእቲ ነይብል ግምዕምዕ
ባህሪያዊ ሕድሕድ ምክብባር
ካብ ጉዕዞ ቃልስና ዘይንምሃር
ብትውልድና እስከ ክንዛረብ
ብደቡብ ዘሎ ኣብ ሰሜን ይርከብ
ኣብ ምብራቕ ዘሎ ኣብ ምዕራብ ይርከብ
ሕዉስ ኢዩ ዓሌትና ብሓባር ንላዘብ
ወዮ ጀጋኑ ኣቦታትና ዝገበርዎ ሞያ
ኣብ መስከረም ኣይተጋህደትን ድያ
ክንደይ ተኣሲሮም ብባዕዳውያን ገዛእቲ
ምንም ኣይተጻዕዱን ኣሕሊፎም መስዋእቲ
ብረታዊ ቃልሲ ንምንታይ ኣድለየ
ፖለቲካዊ ቃልሲ ምዃን ምስ ኣበየ
ሓዊ ተወሊዑ ብተምሃሮ ኣስመራ
ሓንቲ ኣካል ኰይኖም ምስናይ ኣልቃሂራ
ክዝከር ኣለዎ ኵሉ ዝሓለፈ
ሓቀኛ ታሪኽዩ ሎሚ ኣንተተዓጽፈ
መንእሰይ ኤርትራ ሓይሊ ተመሃሮ
ሰላማዊ ሰልፊ ባዕሉ ዝጀመሮ
መንእሰይ ሃገርና ብርሃን ጸሓይ በርቂ
ንጸላኢ ስሚ ንሰውራና ወርቂ
ካብዚኣ ሓሊፎም ሰውራኦም ደጊፎም
ድሕሪ 30 ዓመት ነጻነት ኣልቢሶም
ሓድነት ለቢሶም ፍልልይ ዘይብሉ
ናይ ጀጋኑ ኣቦታት ኣብ ግብሪ ውዒሉ
ንህዝቦም የዕጊቦም ምስኦም ንኽቃለስ
ጅግንነት ህዝብና ኣየርኣየን ቀልበስ
እዚ ንኽምለስ እንታይ ጸገም ኣለዎ
ብቕኑዕ ቃልስና ንዅሉ ንጽለዎ
ተለዓል ኤርትራዊ መንእሰይ ተለዓል
ህዝብኻ ንምድሓን ካብዛ ዓባይ ሰዓል
ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ መጺእካ ትነብር
ገሊጽካ ዘይውዳእ ዘሕለፍካዮ ሽግር
ውጹዓት መንእሰይ ሃገርና ኤርትራ
ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓሳረ መከራ
ኣብ ታሪኽ እንተዀነ ፍጹም ኣይትራእየን
ብኸምዚ ስርዓት ሃገርና ኣይተገዝኤን
ጸጥታ ናይ ሽበራ ግዝኣት ምፍርራህ
ብሸቐት ነጻነት ህዝብኻ ምግራህ
ምእንቲ ነጻነት ክብል ህዝቢ ተጻዊሩ
ሰብ ካልእ ዕላማ ስርሖም ይገብሩ
ቈልዓ ከም ዕድሜኡ ንቡር ከይረኸበ
ዕስክርና ሳዋ ተርባጽ ተለብለበ
ግፋ መጸትኒ ኢሉ ክቘጽር ጊዜኡ
ብስቕቕታን ስኽፍታን ይጽበ ታርኡ
ትምህርቲ እንዳበልካ ሓሶት ምምስማስ
ከይስልጥን ከይምዕብል ኣእምሮ ምርማስ
ኣይንርእሱ ኣይንወለዱ ተሪፉ ሓዲግ መዲግ
ብክቱር ምብስጫው ሃገሩ ይሓድግ
ንዶባት ሓሊፉ ክኸይድ ሓደጋ
ህይወቱ ትኣቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ
ዘስካሕክሕ ተረኽቦ ናይ ሰሃራ ሲናይ
ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለም ንክትሰምዖ ግናይ
ህቦቡላ ሑጻ ሰሃራ ናይ ሊብያ
ክንደይዩ ጠፊኡ ብጽምኢ ብድብያ
ወዮ ማእከላይ ባሕሪ ንሕስያ ዘይብሉ
ኣእዊኻ ዘይሰምዕ ምውሓጥዩ ንዅሉ
ስደት ናይ ኩሶዖይ ሽግር መቃለሊ
ኣድጊ ኣይንዓቕን ረኺበልካ በቕሊ
04-07-2015