ግጥሚ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጊሰን (ቀዳማይ ክፋል)

2015-07-06 17:11:57 Written by  ብኣፈወርቂ ኣባይ ሃገረ ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2770 times

ታሪኽ ኣሎ ታሪኽ ናይ ኣቦታት
ባህሊ ኣሎና ያታ ምስ ሕግታት
        ሃይማኖትን ዓሌትን ዘሳማምዕ  
        ብምኽሪ ጸላእቲ ነይብል ግምዕምዕ
ባህሪያዊ ሕድሕድ ምክብባር  
ካብ ጉዕዞ ቃልስና ዘይንምሃር
        ብትውልድና እስከ ክንዛረብ
        ብደቡብ ዘሎ ኣብ ሰሜን ይርከብ
ኣብ ምብራቕ ዘሎ ኣብ ምዕራብ ይርከብ
ሕዉስ ኢዩ ዓሌትና ብሓባር ንላዘብ
        ወዮ ጀጋኑ ኣቦታትና ዝገበርዎ ሞያ
        ኣብ መስከረም ኣይተጋህደትን ድያ
ክንደይ ተኣሲሮም ብባዕዳውያን ገዛእቲ  
ምንም ኣይተጻዕዱን ኣሕሊፎም መስዋእቲ
        ብረታዊ ቃልሲ ንምንታይ ኣድለየ
        ፖለቲካዊ ቃልሲ ምዃን ምስ ኣበየ
ሓዊ ተወሊዑ ብተምሃሮ ኣስመራ  
ሓንቲ ኣካል ኰይኖም ምስናይ ኣልቃሂራ  
        ክዝከር  ኣለዎ ኵሉ ዝሓለፈ
        ሓቀኛ ታሪኽዩ ሎሚ ኣንተተዓጽፈ
 መንእሰይ ኤርትራ ሓይሊ ተመሃሮ  
ሰላማዊ ሰልፊ ባዕሉ ዝጀመሮ
        መንእሰይ ሃገርና ብርሃን ጸሓይ በርቂ
        ንጸላኢ ስሚ ንሰውራና ወርቂ
ካብዚኣ ሓሊፎም ሰውራኦም ደጊፎም
ድሕሪ 30 ዓመት ነጻነት ኣልቢሶም
        ሓድነት ለቢሶም ፍልልይ ዘይብሉ
        ናይ ጀጋኑ ኣቦታት ኣብ ግብሪ ውዒሉ
ንህዝቦም  የዕጊቦም ምስኦም ንኽቃለስ
ጅግንነት ህዝብና ኣየርኣየን ቀልበስ
        እዚ ንኽምለስ እንታይ ጸገም ኣለዎ
        ብቕኑዕ ቃልስና ንዅሉ ንጽለዎ
ተለዓል  ኤርትራዊ መንእሰይ ተለዓል
ህዝብኻ ንምድሓን ካብዛ ዓባይ ሰዓል
        ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ መጺእካ ትነብር
        ገሊጽካ ዘይውዳእ  ዘሕለፍካዮ ሽግር  
ውጹዓት መንእሰይ ሃገርና ኤርትራ
ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓሳረ መከራ
        ኣብ ታሪኽ እንተዀነ ፍጹም ኣይትራእየን
        ብኸምዚ  ስርዓት ሃገርና ኣይተገዝኤን
ጸጥታ  ናይ ሽበራ ግዝኣት ምፍርራህ  
ብሸቐት ነጻነት  ህዝብኻ ምግራህ
        ምእንቲ ነጻነት ክብል ህዝቢ ተጻዊሩ  
        ሰብ ካልእ ዕላማ ስርሖም ይገብሩ
ቈልዓ ከም ዕድሜኡ ንቡር ከይረኸበ
ዕስክርና ሳዋ  ተርባጽ ተለብለበ
        ግፋ መጸትኒ ኢሉ ክቘጽር ጊዜኡ
        ብስቕቕታን ስኽፍታን ይጽበ ታርኡ
ትምህርቲ እንዳበልካ ሓሶት ምምስማስ
ከይስልጥን ከይምዕብል ኣእምሮ ምርማስ
        ኣይንርእሱ ኣይንወለዱ ተሪፉ ሓዲግ መዲግ
        ብክቱር ምብስጫው ሃገሩ ይሓድግ
ንዶባት ሓሊፉ ክኸይድ  ሓደጋ
ህይወቱ ትኣቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ
        ዘስካሕክሕ ተረኽቦ ናይ ሰሃራ ሲናይ
        ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለም ንክትሰምዖ ግናይ
ህቦቡላ ሑጻ ሰሃራ ናይ ሊብያ  
ክንደይዩ ጠፊኡ ብጽምኢ ብድብያ
        ወዮ ማእከላይ ባሕሪ ንሕስያ ዘይብሉ
        ኣእዊኻ ዘይሰምዕ ምውሓጥዩ ንዅሉ
ስደት ናይ ኩሶዖይ ሽግር መቃለሊ  
ኣድጊ ኣይንዓቕን ረኺበልካ በቕሊ
04-07-2015

Last modified on Monday, 06 July 2015 19:39