እግሪ ሓድሕድ እናቐርሰምካ ንቕድሚት ኣየሰጕምን

2015-07-08 09:12:54 Written by  ብድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2528 times

ብሕሉፍ እናነብዐን እናተከዘን ዝነብር ሕብረተሰብ፣ ነቲ መጻኢ ዝኸውን መንጸፍ ስላም-ስኒት-ብልጽግና- ሓቢርካን ተኸባቢርካን ምንባር ዝብል ከቶ ክሓስበሉ ዝከኣል ኣይኮነን። በንጻሩ እኳ ደኣ ኣብ ዘይምትእምማንን ኣብ ጥርጠራን ኢዩ ዝነብር። ብሕሉፍ ኣይትዛረብ ዘይኮነስ ተዛሪብካ ተምጽኦ ፍረ ስለዘየልቦ፣ ሕሉፍ ሓንሳብ ተፈጺሙ ኢዩ ዝሓልፍ። እቲ ዝተፈጸመ ከኣ ኣብ ሎሚ ኰንካ ዝዕረ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ነቲ ሕሉፍ ተረዲኢካ ተመሊሱ ከይድግም ምግባር ጥራሕ ኢዩ ዘዋጽእ። ኣብ ሕሉፍ ምንባር ማለት ጌና ኣብ ሕነ ምፍዳይን፡ ኣብ ተንኮል ምእላምን እንተዘይኮይኑ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ንምጥራይ ዓንቃጺ ግደ ኢዩ ዝጻወት።

ነቲ ዝሓለፈ መድረኻት ማለት ነቲ እወንታኡ ብእወንታኡ ወሲድና ነቲ እሉታኡ ከኣ በዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ነዊሕ ቃልሲ ተመኩሮ ቀደም ሰጊርዎ ወይ ሓሊፉዎ ክኸውን ነይሩዎ። ክሰግሮን ክሓልፎን ስለዘይከኣለ ድማ እነሆ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ናይ ቀደም ምትህልላኻት ኣትዩ ይርከብ። በዚ ዝኣክል ንሕና ኤርትራውያን ንነፍስና ገምጊምና ካብ ዝምባሌታት ክሳብ ከንደየናይ ተገላጊልና ኣሎና ክንፈልጥ የድሊ። ምኽንያቱ ጌና ስምዒታት ዝዓብለልና ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ።

ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ካብ ዝጸንሓና ኣሉታዊን ጎዳኢን ስምብራት ጌና ኣይተላቐቅናን ኣሎና። ንኣብነት ኣብ ሜዳ ኤርትራ እቲ ኣብ መንጎ ውድባት ዝካየድ ዝነበረ እግሪ ሕድሕድ ምቅርሳም ብዝኸፍአ መልክዑ ክሳብ ሕጂ ቀጻሊ ኣሎ ኣየዕረፈን። ካብቲ ሕሉፍ ተመሂርና ካብኡ እንቐስሞ ተመኩሮ ነቲ ክፉእ ዝኾነ ነገራት ገዲፍና ንኸይንደግሞ ኢዩ እቲ ቀንዲ ክንፈልጦ ዝግበኣና ዝነበረ። ጀብሃን ሻዕብያን፡ ሃገራውያን ዘይሃገራውያን፡ ስውእትን ዘይስውኣትን እናበልና፡ ዝተጓዓዝናዮ ዘመነ-ገድሊ ነቲ ህዝቢ ኣብ ሕነ-ሕነ ከምዝኣቱን፣ ንደቂ-ሃገር ኣብ ክልተ ከምዝምቀል ገርናዮ ኢና። ኣብ ክንዲ ነቲ መላኺ ስርዓት ንጭምት ከኣ፣ ደጋፍን፡ ተቓዋምን፣ ደላይ ፍትሕን፡ ዘይደላይ ፍትሕን፡ እናበልና ናይ ምፍልላይ መስርሕ እምበር፡ ንሃገር ሓቢርካ ካብ ሓደጋ ንምድሓን ዝብሉ ምውህሃድን ምትሕብባርን ቅዱስ ዕላማ ኣብ ሓንጎልና ጌና ኣየስረጹን ዘለዉ። እዚ ከኣ ንዓቕምታትናን ንብቕዓታትናን ፋሕ ብትን ከምዝብል ስለዝገብሮ ነቲ ናይ ሓባር ዓወት ዝብል ጎደና ይብሕጉጎ ከምዘሎ ምርዳእ ኣገዳሲ ኢዩ።

ሎሚ እውን ባይቶን ካብ ባይቶ ወጻእን፡ ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እምበር ውድብ ኣየድልን ዝብሉ ዘይቅኑዕ ኣገባብ ቃልሲ ንኽንቃለስ ዝጸዓር ዘሎ ብሓቂ ኣድማዒ ግደ ንኸይንጻወት ካብ ዝገብር ዘሎ ኢዩ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ሓደ ኣውዲቕካን ረጊጽካን ጸብለል ንኽትብል ዝግበር ቃልሲ ልክዕ እቲ ኣብ ግዜ ምፍንጫላት ዝተራእየ ናይ ውድባት ውድድር ኮይኑ ከምዝኸይድ ኢዩ ዝገብሮ ዘሎ። በዚ እንኸዶ ዘሎና ኣገባብ ድማ ነቲ ሃገራዊ ጉዳያት ብሓባር ተዛቲኻን ተመራሚርካን ሰሪሕካ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ክንዲ ምሕሳብ ንቓልስናን ንሓድነታናን ዝፈታተንን ዝበታትንን ስርሓት ነሰላስል ከምዘሎና እውን ንነፍሲ ወከፍ ብሩህ ኢዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ከኣ ኣሉ ዝብል እንተልዩ ንነፍሱ ኢዩ ዘታልል ዘሎ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከኣ ብርግጽ ተበታቲና ንቃልስ ዝብል ጻውዒት እኳ ኢዩ ዝዕብልል ዘሎ። ናይ ዲሞክራስን ፍትሕን ለውጢ ከኣ ንፍቶ ንጽላእ ብዘይ ፖለቲካዊ ሰልፊ ተዓወተ ማለት ዘበት ኢዩ። እዚ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብዚ እዋን እዚ ኣየድልያን ኢየን እናበልካ ጐስጓሳት ዝካየድ ዘሎ ድማ ጸረ ዲሞክራሲን ጸረ ለውጥን እምበር ብርግጽ ተሓላቒ ፍትሕን ሰላምን ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ብተወሳኺ ናይ ሕብረተሰብ ሰላምን ብልጽግናን ርግኣትን ተኸባቢርካ ናይ ምንባርን ዘኽብር እውን ኣይከውንን ኢዩ።

ሓደ ካብቲ ንደቂ ሰባት ኣደናጋሪ ዝኾነ ኣስተምህሮ ንሓርነታዊ ቃልሲ ብህዝባዊ ምንቅስቓስ እምበር ብፖለቲካዊ ውደባ ኣብ ዓወት ኣየብጽሕን ዝብል ኣምር ካበይ ዝመጸ ስነፍልጠት ምዃኑ ብሩህ ኣይኮነን። እወ! ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣድላዪ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተጽዕኖ ክፈጥር ዓቢ ግደ ኣለዎ። ይኹን እምበር ኩሉ ምንቅስቓሳት ኣብ ጸቢብን ጎናዊ ረብሓታቱን ምስ ዝጥሕል ወይ እውን ምዕቡል ሕብረተሰብ እንተዘይኮይኑ ንለውጢ ዓንቃጺ ተራ ክህልዎ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። እዚ ግን ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣይሃሉ ማለት ኣየስምዕን እንታይ ደኣ ተጻረርቲ ናይ ፖለቲካውያን ሰልፍታት እውን ክኾና ኣይግባእን። ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ጎኒ ጎኒ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኮይኑ ንሓደ ሕብረተሰብ ናይ ምቕራጽ ዓቢ ግደ ኣለዎ። እዚ ካብ ኮነ ኩሉ ዝግበር ምንቅስቓስ ንመሰረታውን ንምሉእ ለውጥን ኣብ ማሕበራዊ ስርርዕ ዝዓለመ ምንቅስቓስ እንተኾይኑ ጥራሕ ኢዩ ሓቀኛን ወይ ከኣ ርትዓውን ምንቅስቓስ ክኸውን ዝኽእል። ካብኡ ብዝተረፈ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ምንቅስቓስ ጥራሕ ኮይኑ ኢዩ ዝተረፍ። ደሓር ከኣ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እኮ ንፖለቲካውያን ሰልፍታት ዝምውልን ዝድግፍን ኢዩ። ብመሰረቱ እውን ነቲ ንመላእ ሕብረተሰብን ነታ ሃገርን ኣብ ሰላምን ምርግጋእን፡ ፍትሕን ገጹ ዘይጎዓዝ ሰልፊ መን ኢዩ እሞ ክድግፎ።

ንፖለቲካውያን ሰልፍታት ዝምውልን ዝድግፍን ከበሃል ከሎ ድማ ካብ ስነፍልጠት ወጻኢ ንዝቃለስ ሰልፊ መስመሩ ስሒቱ ከምዘሎ ዝሕብርን ኢዩ ምኽንያቱ ክልቲኡ ህዝባውያንን (ሲቪላውያን) ፖለቲካውያን ውድባት ምንቅስቓሳት ኢዮም። እቲ ፍልልዮም ኣብ ትካላውን ዘይትካላውን ኢዩ። ብተወሳኺ ዋላ እኳ ሲቪላዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ስልጣን ንምምጻእ ዘይቃለሱ እንተኾኑ ክልቲእቶም ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኣለዎም ኢዩ።

እዞም ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ዝበሃሉ ብዙሓት ኢዮም ከም ኣብነት ናይ ሞያ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ መንእሰያት፡ ከባቢያዊ፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት …ወዘተ ኢዩ። ስለዚ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ኩሉ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብቐጥታ ዲዩ ብተዘዋዋሪ ዝምድና ኣለዎም። ንሱ ድማ፡ ሰልፊ ከም ፖለቲካዊ ርእሰ-ኵናት ናይቲ ምንቅስቓስ ኮይኑ ክገልግል ከሎ እተን ምንቅስቓሳት ድማ ወይ ይውከላ ወይ ከኣ ብመገዲ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ኣቢለን ጽልወአን የዕዝዛ። ሰልፊ ንገለ ወይ ንብዙሓት ምንቅስቓሳት ክሓቍፍ ይኽእል። ምንቅስቓሳት እውን ምስ ዝኾነ ይኹን ሰልፊ ርክብ ወይ ምትእስሳር ክህልዎ ይኹን ክነጽግ ይኽእል። ስለዚ ክልቲኡ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተፋነነሉ ወይ ዝጸላለመሉ ጉዳይ የብሉን።

ንኣብነት እዚ ኣብ ዕለት 26-06-2015 ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ንሕናን ንስኹምን ወይ ከኣ ሰልፍታትን ማሕበራትን ተባሂሉ ኣብ ደረጃ ናይ ምፍልላይ ጥሒሉ ዝነበረ ጥሒሱ ኩሉ ብሓባር ኮይኑ ድምጹ ኣስሚዑ ኢዩ። ዋላ እኳ ኣብቲ ብውልቀሰባት ዝተዋህበ ሓስብካ ምግላጽ ዘየድሊ እንተነብሮ። እቲ ዘየድሊ ዝብሎ ዘሎኹ ማለት እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምውንጃል ወይ እውን ሞሳ ወይ ጉንዖ ንኽትረኽበሉ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ንኣውያት ህዝብና ሓባራዊ ድምጺ ንኽህልወካ ዝብል ኢዩ ቀንዲ ሕመረት መበገሲኡ። ኮይኑ ግን እቲ ዘየድሊ ዝበሃል ዘሎ ነጥቢ ከም ኣብነት ‘’ መራሕቲ ውድባት ኣብዚ ኣሎኹም እዚ መንእሰይ እዚ ከኣ ብደም ይሓተኩም ኣሎ፡ ‘’ዝብል ቃል ናይ ብሓቂ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘይመልክዑ ኣልቢስዎ ኢዩ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ወይ ውድባት እንተዘይህልዋ ነይረን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰላማዊ ሰልፊ ኣይምተበጽሐን። እዚ ክበሃል ከሎ ንሰን ኣዳልየናኦ ንምባል ዘይኮነስ እቲ ቃልሲ ብዓንዲ ርእሱ ንሰን እንተዘይኣጽነሐኦ ቀጻልነት ኣይምረኸበን። በዚ ኢዩ እምበኣር እቲ ኣብ ላዕሊ ማለት ፖለቲካውያን ሰልፍታት ክም ርእሰ-ኵናት ናይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳ ዝበሃላ። እዚ ማለት ከኣ ሰልፍታት ቅዋም ስለዘይተሓንጸጸ ክሳብ ቅዋም ዝሕንጸጽ ምምስራት ሰልፊ ኣየድልን ዝብል ኣይኮነን።

ስለዚ ህዝባውያን ምንቅስቓሳትን ፖለቲካውያን ምንቅስቓሳትን ተባሂለን ክፍለያ ከለዋ እኮ እቲ ሓደ ጠለብ የቕርብ እቲ ካልኣይ ከኣ ትካላት ስለዝውንን ነቲ ጠለብ ተቐቢሉ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ኢዩ። ነዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ካብ ዘመነ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ኣብ ነፍስና ለውጢዶ ገርና ኣሎና ወይ በቲ ዝነበሮ ጋም ማን ኢና ንብል ዘሎና ክንምርምሮን ክንፍትሾን የድሊ። ይኹን እምበር ካብቲ ናይ ስሳታት ዓዘቕቲ ኣይወጻእናን ዘሎና። እቲ ጸለመ፡ እቲ ምርሕሓቕ፡ እቲ ነንሓድሕድካ ዘይምድማጽ፡ ተራኺብካ ሽግራት ዘይምፍታሕ ኩሉ ኣብ ቦትኡ ኢዩ ዘሎ። እሞ ኣእምሮና ካብቲ ሕሉፍ ኣተሓሳስባ እንተዘይወጺኡ ዕላማና ክንመርጽን መጻኢ ዕድልና ክንውስንን፡ ጉድለታትና ክንእርምን ንግርጭታትና ፍትሓዊ ብዝኾነ ፍታሕ ክንገብር ከምዘይንኽእል እዚ ዝኸድናዮ ክንደይ ዓመታት ህያው ምስክር ኢዩ።

እዚ ካብ ኮነ እምበኣር፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ፍልልያትን ኣብ ሕሉፍ ንነብር ካብ ሃሎና ድማ ነቲ እንኮ ጸላኢና ማለት ምልካዊ ኣተሓሳስባን መላኽን ገዲፍና እግሪ ሓድሕድና ንሰብርን ንቕርስምን ስለዘሎና ንቕድሚት ክንስጉም ኣይከኣልናን ዘሎና። ወረ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ባዕልና ኢና ዕድመ ስልጣኑ ነነዋሓሉ ዘሎና እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዘረሓቐ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንደቂ ሃገር ከም ክልተ ደቂ ሃገር ገርና እናመደርና እነንቀሳቕሶ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ውጽኢቱ ሃሳይና እናኾነ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ንኣብነት ኩሉ ምንቅስቓሳት ሰልፍታት ይኹና ህዝባውያን ነቲ ምስቲ ስርዓት እንተስ ርዒዱ ዲዩ እንተስ ብጥቕሙ ደው ኢሉ ዘሎ ህዝቢ ፈትዩን ረድዩን ዘይኮነስ ተገዲዱ ብዘይ ምርጭኡ ዝኣትዎ ምዃኑ ብሩህ ክከውን ኣለዎ። ነዚኦም ናይ ምኽሳብ ኣምር ዝብል ምንቅስቓስ ገዲፍና መዓት ጭጉራፍ ክነዝንበሉ ከሎና ሃገራዊ ግቡእ ንከይርዳእን ካብኡ ኣይሕለፍ ብምባል ነቲ ስርዓት ዝያዳ ከምዝለግብዎን ዝድግፍዎን ንገብር ኣሎና። ነቲ ህዝብን ነቶም ውሑዳት ጉጅለታት ኣብ ዙርያ እቲ ስርዓት ዘዅዱዱ ብማዕረ ጸረ ሃገር ኢዮም እናበልና ንሶም ከም ጸረ ፍትሒ፣ ንሕና ድማ ከም ደለይቲ ፍትሒ ኰና ኣብ ክልተ ደምበ መቒልና ልክዕ እቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ንዓወትና ዘደናጎየ ጀብሃን ሻዕብያን ኢልና ተመቓቒልና ዝተጕዕዝናዮ ታሪኽ መሊስና ንደግሞ ምህላውና ኢዩ ዝሕብር። እዚ ጥራይ መኣስ ኰይኑ ወላ ነቶም ደለይቲ ፍትሒ እውን ኣብ ክለት እኮ ኢና ንመቕሎም ዘሎና። ንሱ ድማ ካብ ባይቶ ወጻኢን ኣብ ባይቶ ዘሎን ልክዕ ከምታ ነቶም ህዝብና ምስቲ ስርዓት ደው ኢሎም ዘለዉ ገርና እንዲና ንነጥፍ ዘሎና።

ኣቱም ሰባት ሓላፍነታውያን ዲና ወይ ኣይኮናን ዝብል ሕቶ ነፍሲ ወከፍና ክንምልሶ ዝግበኣና ሕቶ ኢዩ። ምኽንያቱ ሓላፍነታዊ ዝኾነ ምንቅስቓስ ሰልፊ ይኹን ህዝባዊ ንምልኪ ኣዕንዩ ንናጽነትን ሓርነትን ዝትስፎ እንተኾይኑ ከምዚ ንኸዶ ዘሎና ኣገባብ ኣይኮነን እቲ ክኸውን ዝግበኦ ጉዕዞ። እዚ ከኣ ዕላማና ክንውስን ኣሎና፡ ዕላማና ድማ ምልክት ናይ ምንጽጻግ ወይ ጽልኢ ንምግላጽ ወይ ንነፍሱ ዝሓሸ ኰይኑ ንምቕራብ እንተኾይኑ ነካይዱ ዘሎና ቃልሲ፣ ንናጽነት ይኹን ንመሰል ወይ ንፍትሒ ዘየኽብር ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ምልኪ ዝኸፍአ ኢዩ ክኸውን። እሞኸ ደኣ እንታይ ይገብር? እወ! ዘበኑ ዘበን ሓርነት ስለዝኾነ ዘበን ሓርነት ከኣ ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ጐነጽን ኣይኮነን እንታይ ደኣ ዘበን ልዝብን፡ ዘተን፡ ዕርቅን ይቕረን ሕድገታትን ኢዩ። ካብኡ ብዝተረፈ ነቲ ብርእይቶ ዝፈላለ ነጺግካ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ማዕረ መሰል ከምዘሎካ ዘይምእማን ከስዕብ ስለዝኽእል፣ ኣብ ክንዲ ኣውዲቕና ክንስጉም ምፍታን ተሓቛቝፍና ምኻድ ክነዘውትር ይግባእ። ስለዚ እግሪ ሕድሕድ ምቅርሳም ገዲፍና ኣብ ነንሓድሕድና እንገብሮ ጸለመ ደው ነብል። ካልኣይ ኩሉ ዓቕምታትን ብቕዓታትን ኣንጻር ምልካዊ ኣተሓሳስባን መላኽን እምበር ኣንጻር ሓድሕድ ክኸውን ኣይግባእን። ኣብ መጠርስታ ድማ ናብ ናይ ኩልና ዓወት ገጹ ዘብጽሕ ጐደና ክንትልም ይግባእ። ንሱ ድማ ሰልፍታት ብዘይ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፡ ህዝባዊ ምንቕስቓሳት ከኣ ብዘይ ሰልፍታት እቲ ዝደለ መሰረት ናይ ለውጢ ክርከብ ኣይከኣልን።

ብድራር መንታይ

Last modified on Wednesday, 08 July 2015 11:14