ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ብጽላል ኤርትራውያን ማሕበራት ንለውጢ ኖርወይ ኣብ ኦስሎ

2015-07-01 17:41:41 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ኣብ ኖርወይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1894 times

ጽላል ኤርትራውያን ማሕበራት ንለውጢ ኖርወይ ኣብ ከተማ ኦስሎ ን20 ሰኔ መዓልቲ ሰማዕታት ብኽብ ዝበለ ኣገባብ ዘኪሩ፣ ዕዉት ዝኾነ ክፉት ህዝባዊ ኣኼኣውን ኣካይዱ። ብኣቆጻጽራ በርሊን ልክዕ ሰዓት 15 30 ብናይ አንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን ብዝኽረ ሰማእታትን ዝጀመረ መደብ ዝኽረ ሰማዕታትን ህዝባዊ ኣኼባን ክሳብ ሰዓት 22.00 ናይ ምሸት ቀጺሉ።

Tslal

ድሕሪ ስነስርዓት ዝኽረ ሰማእታት ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማገለ ዝኾነ ብጻይ ባህልቢ ክፍሉ ንኣኼበኛታት ምውቅ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል አንከስምዕ ብጻይ ኣቤል ድማ መደባት ኣኼባ ኣንቢቡ፣ መድረኽ ንኣቦ መንበር ጽላል ኣቶ ሙሴ ዳኘው ኣረኪቡ።

ቀጺሉ ኣቦ መንበር ጽላል አውን ብወገኑ ንኣኼበኛታት ዝግባእ ሰላምታ ድሕሪ ምቅራብን ሌላ ነፍሱን፣ ንጽላል ብዝምልከት: ኣብ ትሕቲ ጽላል ኖርወይ ኣጽሊለን ዝርከባ 10 ዝተፈላለያ ማሕበራትን፣ ኣቃውማጽላል፣ ታሪኽኣመጻጽኣ ጽላልን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ዕቤቱንመትከላዊ እምነታት ጽላልን፣ ጽላል ካብ ዝምስረት ብዛዕባ ዘሳለጦምን ኣብ መስርሕ ዘለዉን ጉዳያት ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ።

ኣብ መወዳአታ ኣቦ መንበር ጽላል ብጻይ ሙሴ ዳኘው ጽላል ኮነ ኣብ ጽላል ተጠርኒፈን ዝርከባ ማሕበራት ንኤርትራውያንን ንኤርትራን ክነወፍዮ እንኻል አንኮ ኣበርክቶ ናይ ቃልሲ ባይታ ምፍጣር ጥራሕ አዩ ኢሉ። ኑሱ ወሲኹ ኤርትራ ኣብ ፍጹም ናይ ፋሕፋሕን ምብትታንን ኩነታት አትርከብ ሃገር ኣይኮነትን፣ አንተኾነ ኣብ ናይ ፋሕፋሕ መስሪሕ ኣትያ ከምዘላ ክከሓድ ከምዘይብሉ ኣስሚርሉ። ሃገርና ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣንዳሃለወት ድማ ቀሲና ክንድቅስ ከምዘየምሕረልና ኣዘኻኺሩ። ኩሉ ብዝከኣሎን፣ ብዝመረጾን ክቃለስ ጽላል መድረኽ ፈጢሩ ይጽውዕ ከምዘሎ አውን ኣዘኻኺሩ። ምውዳብ ኣገዳስነት ከምዘለዎን፣ ጽላል ድማ ኣብ ምውዳብ ከም ዝኣምን አውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ናይ ኣቦ መንበር መደረ ብሓው ሰዒድ ብዓረበኛ ተተርጒሙ። መድረኽ ሕቶን፣ መልስን ሪኢቶን ተኸፊቱ። ሃናጺ ዝኾነ ሪኢቶታትን ሕቶታትን ድማ ክፈስስ ኣምሰየ።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና!! ዘለዓለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትናን ስንኩላናን!!

ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ

Last modified on Thursday, 02 July 2015 21:40