ዓርቢ ናጽነት እተዘኻኽር ዓርቢ ማዕርነት

2015-07-02 20:17:58 Written by  ሰሎሙን ገብረእየሱስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2041 times

DEM EQU LIBህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ እቲ ነዊሕ አዝዩ መሪርን ጽንኩር ን 30 ዓመታት ዝተኻየደ ብረታዊ ተጋድሎ ዓርቢ መዓልቲ ከተማ አስመራ ናጻ ምስ ወጸት እዩ ኔሩ ናጽነቱ ዝጨበጠ። ዓርቢ 24 ግንቦት 1991 ዓ.ም ድማ አብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ መወዳድርቲ ዘይርከባ ክብርቲ ዕለት እያ። ድሕሪ እታ ታሪኻዊት ዓርቢ አብ ቅድሜና ዝተራእየና መጻኢ ህንጸት ሃገር፡ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ፍትሒ፡ ሰላምን ቅሳነት እዩ ዝነበረ። ሕልምና ግና ብአግኡ በኒኑ ተሪፉ። ናጽነትና ጨቢጥና ክንስና አብ ኢድ ጠላም ውልቀ መላኺ ስለዝወደቕና፤ አብ እዋን መግዛእቲ ርእይናዮ አብ ዘይንፈልጥ ባርነትን ብቓላት ክትገልጾ አብ ዘጸግም ጭቆናን ሓሰረ መከራን ወዲቕና። ሕጂ ተመሊስካ እንክትግምግሞ ዘካየድናዮ ቃልሲ ባንዴራ ንምስቃልን ሉአላዊት ሃገር ንምውናን እምበር ዲሞክራስያዊትን ብስርዓተ ሕጊ እትመሓደርን ሃገር ንኽንተክል አይሓሰብናሉን ክንብል ንደፍር። እዚ ወሪዱና ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ግህሰት ሰብአዊ መሰላት ደቂ ሃገር ድማ ውጽኢት ናይቲ ዘይምሉእ ቃልሲ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።

ሕጂ ብዛዕባ ዝሓለፈ ምቑዛምን ነቲ ዝሓለፈ ድኽመታት ወግሐ ጸብሐ እንዳምጻኻ ምኒን ምባልን ምንም ዝርከቦ ፋይዳ የብሉን። እንታይ ደአ መለበሚ አይግበርካ መለበሚ ግና አይኽላእካ እኳ ዝበሃል፤ ትማሊ መለበሚ ስለዝኾንና ሕጂ ከይንዕሹ ሃየ ደአ ዓይንና ከም ዓይኒ ዓሳ ብዘይ ሰለም ቋሕ ነብሎ። እወ ብየማን ብጸጋም ብላዕሊ ብታሕቲ ምቁማት አይንሕመቕ። ቃልስና ንኢሰያስ ካብ ስልጣን ምውራድ ጥራይ ከይከውን እሞ ወዮ ጉዳይና ወጮ እንተገምጠልካዮስ ወጮ ኮይኑ ከይተርፍ ንሕሰብ። ኢሰያስ መዓልቱን ሰዓቱን ሓልዩ ምኻዱ ዝጠራጠር ሰብ አሎ አይብልን፤ መን ንዘንተ እለት ምስ ነበረ እዩ’ሞ ኢሰያስ ንመዋእል ክነብር። ክንርስዖ ዘይብልና ኢሰያስ ዲክታቶር ወይ ጎብለል ኮይኑ አይኮነን ተወሊዱ እንታይ ደአ ጊዜን ኩነታትን ናብ ረብሕኡን ዊንታኡን ቀይሩ እዩ ናብዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ኢሰያስ ዝተቐየረ።

እምበአርከስ ነታ ታሪኻዊት ዓርቢ መዓልቲ ናጽነት ዘዘኻኸረትና ዓርቢ ሰነ 26 መዓልቲ ማዕርነት ኤርትራ ክብላ ይደፍር። ነዚ ክብል ዝደረኸኒ ደምበ ተቓውሞ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ እየ በሃሊ ብማዕርነት ዘየአንግድ ገለ ከምድላዩ ዝዕንድረሉ ገለ ድማ ብዘይ ዋላ ሓደ አበሳ ብሰንኪ መበቆሉ ወይ እምነቱ ዝሽቑረረሉ ደምበ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ካብኡ ተበጊስካ ጄኔቫ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ትምህርቲ’ያ ለጊሳትልና ሓሊፋ ክበሃል ይከአል። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ሓይሊ ሓፋሽ ዓጋቲ ከምዘይርከቦ ዝተመሃሩላ ዕለት እንተኔራ ብዘይምግናን ዓርቢ ሰነ 26 እያ ኔራ። ድሮ እኳ አብ ውሻጠ ገዝኦም ደጊም ዘመነ ኢሰያስ አብቂዑ እዩ ይብሉ ከምዘልው ይስማዕ አሎ። መዓስ ግና ሰብ ንሕና ንሱ ጥራይ፤ እቶም ብዘይብአና ደምበ ተቓውሞ ሕቖ የብሉን፤ ንሕና ዘይባረኽናዮ ሰላማዊ ሰልፍን አኼባን ብደምበ ተቓውሞ ውጉዝ’ዩ እንዳበሉ ብቃልሲ ሓፋሽ ከባጭው ዝረአናዮም፤ ንተቓለስትን ደለይቲ ፍትሒ ሃገራውያንን ከጸልሙን ክንጽሉን ጸሊም ፈላላዪ ከዋድዱ ዝጸንሑ በደልቲ ብዱላት ኩርኳሕ ቃልሲ ሓርነት ዓቢ ትምህርቲ ሂባቶም እያ ሓሊፋ ዓርቢ 26 ሰነ መዓልቲ ማዕርነት ኤርትራውያን። ቀደሙ እኮ “ዘአወገዘ በከንቱ፡ ወተወገዘ ብእንቱ” ተባሂሉ እዩ። በዚ አጋጣሚ ነቶም ካብ ቃልሲ ክትንጸሉን ተስፋ ቆሪጽኩም ገዛኹም ኮፍ ንኽትብሉን ተፈሪድኩም ክንስኹም፤ እዛ ኤርትራና ንመን ቀሪባቶስ ንመንከ ትርሕቆ ኢልኩም አንጻር ኩሉ ተጻብኦ ስንኹም ነኺስኩም ዝመከትኩም ደቂ ህዝቢ ወያ ጽንዓትኩም እንሆ ፍረ ክትህብ ጀሚራ ክብል ይደልይ ዋላ’ኳ ሕጂ’ውን ገና እቲ ተንኮላት ተወዲኡ እዩ እንተዘይተባህለ። ሕጂ’ውን ፈቲና ጸሊእና ማዕርነት ህዝቢ ዘየረጋገጸ ቃልሲ ብንምን መለኪዒ ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን ቃልሲ ክኸውን አይክእልን እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ተቓሊሱ ሓርነቱ ከም ዝጭብጥ ውዕሎ ጄኔቫ አረጋጊጹልና ክኸውን ተስፋ ይገብር። እዚ ሕጸ እዩ ደቂ ዓድና፤ ገና ጽባሕ ካልእ መርዓ ክትርእዩ ኢኹም። ወዲ መታሕት ወዲ ከበሳ፤ አስላማይ ክርስትያን፤ ወዲ ኩለን አውራጃን ብሄራትን ኤርትራ በተግ ኢሉ ምስ ወጸ፤ ወያ አይትጽርኒ ትም ሕትም ክትከውን እያ። ለባም ሰብን ርዙን ሕብረተሰብን ካብ ሕሉፍ ጌጋታት እዮም ዝመሃሩ። እቶም ገና ነዚ ብህዝባዊ ተሳትፎ ሓፋሽ ዝተዓወተ ሰላማዊ ሰልፊ ጄኔቫን ውጽኢት ጸብጻብ ኮሚሽን ምጽራይ ሰብአዊ መሰላትን ኤርትራ ናብ ውልቃዊ ዝናናን ውድባዊ ረብሓን ከትውዕልዎ ህርዲግ ትብሉ ዘለኹም አደብ እንተትገብሩ ዝሓሸየ እዩ፡ ደጊምና ናብ ጭርጭር ዓበደ መታን ከይንምለስ። ይትረፍ ግዳ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ እውን ባዕሉ ይፈልጥ’ዩ መን’ዩ አብዚ ጉዳይ ሰለሎ ዘእተወትሉን ንዓመታት ዝደኸመን እሞ፤ እቶም ነዛ ዘይሕለል ጻዕሪ ዝገበረት ዋዕሮ ግቡእ ክብራ ዝኸላእኩምን ስማ ንምጽዋዕ ዝተጸየንኩም ጽባሕ ንግሆ መዛግብቲ ታሪኽ ንስማ እምበር ስማ ንምህሳስ ንዝተገብረ ሽርሒ አብ ገጻቶምን ዓንቀጻቶምን ኣይከስፍርዎን እዮም።    

አብ መወዳእታ ንዓወት ጄኔቫ ከመይ ናብ ረብሓ ህዝቢ ነውዕሎ ዝብል ዕዮ ገዛ ኣብ አእምሮ ነፍሲ ወከፍና ክድይብን ክወርድን ይግባእ። ብጊዜያዊ ዓወት ሰላማዊ ሰልፊ ጄኔቫ ክንዛነ የብልናን። ሳጥናኤል ኢሰያስ ክንደይ መንቀራቕሮታት ዝሰገረ ከም ዱሙ ሸውዓተ ትንፋስ ዘለዎ ጋኔል ምዃኑ አይንረስዕ። አብ መዛዘሚ ጹሑፈይ፤ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ለባማት ቀዳሞት ወለዶ ወርቂ ሚዛን ዝበልዎ እቶት ሓንቲ ግራትን ጸባ ሓንቲ ላምን ምዃኑ ካብ ጄኔቭ ተማሂርና ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ንቕድሚት ንመርሽ። ንሳ እያ እታ እንኮ መገዲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ።

(ደቂ ሰባት ድምጾም ብዓውታ ከስምዑ እንከለው ንምንታይ ድምጾም የስምዑ ኢሉ ዝቑጣዕ ወይ ካልእ ላቔባ ዘጠምቕ እቲ ድምጺ ውጹዓት ዓፊኑ ረብሕኡ ከህጥር ዝጽዕር ጥራይ እዩ።)

ሰሎሙን ገብረእየሱስ

(ኦክላንድ ካሊፎርንያ)

    

Last modified on Thursday, 02 July 2015 22:21