ጻውዒት ንሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀኔቫ

2015-05-18 10:42:52 Written by  ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ 2015 Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2259 times

ኩላቶም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ኣህጉራውያን መሓዙቶምን ከምዝፈልጥዎ፡ ናይ ስርዓት ህግደፍ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ካብ 2012 ጀሚሩ፡ ኣብ ጽዑቕ ምርመራ ከምዝርከብ ፍሉጥ’ዩ።

እቲ ብናይ ወድብ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ መርማሪት ሚስ. ሸይላ ኪታሩት ዝጀመረ ምጽራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ተሰጋጊሩስ፡ ካብ ሰነ 2014 ኣትሒዙ ከኣ ብደረጃ መርማሪት ኮምሽን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይስርሓሉ ከምዘሎ ብሩህ’ዩ። እታን ሓያሎይ ኣዋርሕ ጽዕቕ ምርመራ ከተካይድ ዝጸንሐ መርማሪት ኮምሽን፡ ዛዛሚ ናይ ስራሕ ጸብጻባ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ሰነ 2015፡ ናብቲ ዝመዘዛ ኣካል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ማለት ናብቲ ኣብ ጀኔቫ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ፡ከተቕርብ ትጽቢት ተነቢሩላ ኣሎ። ከምቲ ድሮ ኣብ ናይ መጋቢት 2015 ሓጺር ጸብጻባ ገሊጻቶ ዘላ፡ እታ መርማሪት ኮምሽን፡ ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ናይ ኤርትራ ትርንዕ ዝበለ መደምደምታታት(solid findings) ከተቕርብ ምዃና ትጽቢት ተነቢሩላ ኣሎ።

እቲ መስርሕ ምርመራ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ስርዓት ህግደፍን ኣመኻነይቱን “ብናይ ወጻኢ ሓይልታት” ዝተጠጅአ ውዲት ኣምሲሎም ክገልጽዎ ከምዝጸንሑ ፍሉጥ ኮይኑ፡ እቲ ሓቂ ግን ካብኡ ዝፍለ ምዃኑ ንኹሉ ብጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝግደስ ዘበለ ብሩህ’ዩ። ብርግጽ ድማ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ፡ ብገበናት ህግደፍ ዘስካሕክሑ፡ ይዕበ ይንኣስ ድማ በቲ ስርዓት ዝተፈላለየ በደላት ዝወረዶም ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝድግፎዎን፡ ንትርግታ ልቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ድማ ዘድመጸን መስርሕ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን።

ነዚ ንምርጋግጽን ነቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምምርማር ገበናት ዘለና ደገፍ ብዘየማትእ መገዲ ንምምስካርን፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዕለት 26ሰነ 2015፡ ኣብጀኔቫ (ስዊዘርላንድ) ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር መዲብና ስለዘለና፡ ኩሉ በዚ ጉዳይ’ዚ ዝግደስ ኤርትራዊ፡ ኣብቲ ዕለት’ቲ ክጽንበረና ጻውዒትና ነቕርብ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደበሮም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ምስ ካልኦት ጉዱሳት ኤርትራውያን ድሕሪ ዘካየድዎ ዝርርብን ምርድዳእን፡ ነዚ ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ እተማእዝን ኣወሃሃዲት ሽማግለ ተመዚዛ ነቲ ስራሕ ድሮ ጀሚራቶ ከምዘላ እንዳዘኻኸርና፡ ካብ ስዊዘርላንድን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ከዐውቱ ዝብገሱ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ፡ ንምውሃህድ መደባት መታን ክጥዕም፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ናይ ኢመይል ኣዳራሻን ናይ ቴሌፎን ቁጽርን ብምጥቃም ብዛዕባ መደባቶም ምስታ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ከመያየጡ ንጽውዕ። ንዝርዝር መደባት ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ከምኡውን ቅድምን ድሕርን እቲ ዕለት ብዛዕባ ዝህሉ ተመላላኢ መደባት ብዝምልከት፡ በብግዚኡ ኣብ ዝወጽእ መብርሂ ክሕበር ምዃኑ ድማ ነዘኻኽር። እቲ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ትሕቲ “ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የብቅዕ!” (End Impuniy in Eritrea!) ዝብል ጠማሪ ጭርሖ ወይ ቴማ ዝካየድ ክኸውን’ዩ።

ቀንዲ ዕላማ ናቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምርመራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘለና ደገፍ ዝገልጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ክገትእ ዝኽእል ጭቡጥን ግብራውን ስጉምታት ክወስድ ዝጽውዕ እንኮላይ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሳሕቲ ጥራይ ዘጋጥምን ዘይድገምን ዕድል ተረኺቡ እንከሎ ብኣድማዕነት መታን ክንጥቀመሉ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ተሳታፍነቱ ከዕዝዝ ይጽዋዕ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የብቅዕ!

ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ 2015

15 ግንቦት 2015

ኢ-መይል፡- This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ቁጽሪ ቴሌፎን(ብቛንቋ ዓረብ ንዝግበር ርክባት)፡- +41 765445445;+41765416096‬‬‬‬‬‬‬‬ ቁጽሪ ቴሌፎን (ብቛንቋ ትግርኛ ንዝግበር ርክባት)፡-+41 76 492 32 89‬; +41 76 382 86 06; +41 766154203 ‬‬‬‬‬‬

Last modified on Monday, 18 May 2015 12:48