ተጐራሪሕና ዘይኮነስ፡ ተገራሪህና ሃገርናን ህዝብናን ነድሕን!

2015-05-13 12:28:38 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2481 times

ህዝቢ ኤርትራ ኩነታት ከም ዓይኒ ዕንቊ ስለ ዝጸበቦ “ናይ ኣድሕኑኒ” መጸዋዕታ ካብ ዘቕርብ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ ጸዋዒት ኣንጻር እኩይ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ናብ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ናባና ናብቶም “ወጽዓ ህዝብና ወጽዓና ስለ ዝኾነ ፍትሒ ከነንግስ ንቃለስ” ኢልና ዝተሰልፈና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝቐነዐ ነይሩን እዩን። ድሕሪ’ዚ መጸዋዕታ ካብ ዝተራእዩ ኣገደስቲ ምዕባለታት ሓደ፡ ብመርገጽ ደንበ ህግድፍ ሓዊ ከም ዝወቐዖ ቋንጣ ክሽምቀቕ እንከሎ ደንበ ተቓውሞና ከዓ እንዳሰፈሐ ምምጸኡ እዩ። እቲ ኣድማዕነት ደንበ ተቓውሞና ከምቲ ስፍሓቱን ባህጉን ዘይምዃኑ ግና ሕጂ’ውን ዘሻቕል’ዩ።

ኣብ ምትርጓም እዞም ኣብ ኣርእስቲ ናይዚ ጽሑፍ ተጠቒሶም ዘለዉ “ጉርሕን ግርህነትን” ዝብሉ ቃላት፡ ብዙሕ ክበሃል ከም ዝከኣል ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብዚ መልእኽቲ’ዚ ንጉርሒ፡ ብህልኽ፡ ብተንኮል፡ ብናተይ ርኢቶ ጥራይ’ዩ ቅኑዕ፡ ብነዓይ ወይ ድማ ንዓኻ ጥራይ፡ ብምንዕዓቕ፡ ብዘጽደቕካዮ ሕጊ ግዙእ ዘይምዃን: ብንጉዳያት ዘይትርጉሙ ምሃብ፡ ብጸቢብነት፡ ብስስዐ … ወዘተ ኢና ንትርጉማ ዘለና። ብኣንጻሩ ንግርህነት፡ ብሕድገት፡ ብጹረት፡ ብምክእኣል፡ ብሓቢርካ ምዕዋት፡ ብናይ ሕጊ ምእዙዝነት፡ ብምክብባር፡ ብልግሲ፡ ብሕድገት … ወዘተ ኢና ተርጊምናያ ዘለና። ኩልና ከም ዘይንስሕቶ እቶም ከም ትርጉም ናይ ጉርሒ ዝዘርዘርናዮም ባህርያት፡ እቶም ቀንዲ ጠንቅታት ናይዚ ንነብሮ ዘለና ናይ ዘይርጉእን ምጽውዋግን ህይወት መገለጽታት እዮም። እቶም ከም ትርጉም ናይ ግርህነት ኣስፊርናዮም ዘለናን ንኣገዳስነቶም ወርትግ እንዝምረሎም ክንስና ክንትግብሮም ዘይበቓዕና ባህግታትና እዮም። ኣብዚ እዩ ድማ፡ “ከምቲ እትብሎ ኮይንካ ናይ ዘይምቕራብ” ሕዱር ጸገምና ዝንጸባረቕ። ሎሚ ሎሚ ክንዕዘቦ እንከለና ከምቲ እትጭረሖን እትብህጎን ኮይንካ ዘይምርካብ ቀሊል ዝመስ ግና ድማ ከቢድን ብዘይ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክብጻሕ ከም ዘይክእልን ንርደኦ ዘለና።

እቲ ንሕና እንሓስቦን እንብህጎን፡ እቲ ካልእ ኣንጻር ርኢቶና ዝተሰለፈ ወገን እውን ከም ዝሓስቦን ከም ዝብህጎን ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ መቀራረቢ ጥበብ እዩ። ከምቲ ንሕና ሓሳባትና ብኻልኦት ወገናት ተቐባልነት ክረክብን ክነኣድን እንብህግ፡ እቲ ካልእ ወገን ብኣንጻሩ ናቱ ሓሳብ ንሕና ክንቅበለሉን ክንእደሉን ከም ዝጽበይና ምግንዛብ ካልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ መቀራረቢ እዩ። ነዚ ተዘይተገንዚብና፡ ካብቲ “እታ ሓቂ ምሳይ ጥርይ እያ ዘላ ዝብል” መጻብቦ ኣይክንወጽእን ኢና። እዚ ማለት ግና ኣብ ሐደ ጉዳይ ክልተ ሓቂ ኣሎ ማለትና ኣይኮነን። ነቲ ክልቲኡ ሓቂ ዝመስል ፍልልያት ዝፈጥር ሓሳባት ናብ ሓደ ኩልኻ እትዓግበሉ መሰረታዊ ሓቂ ንምምጻኡ፡ ተዓጊስካ፡ ዝያዳ ንምዝራብ ንምስማዕ ዕድል ሂብካ፡ ንመሰል ናይቲ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ርኢቶ ሒዙ ዘሎ ወገን ግቡእ ክብሪ ሂብካ፡ ኣብ ዝካየድ ምይይጥ ንክልቲኡ ወገናት ኣብ ዘዕውት ማእከላይ ዕግበት ምብጻሕ ከም ዝከኣል ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዕግበት ኣብ ሓደ ጉዳይ ክበሃል እንከሎ ፍጹማዊ ዘይኮነስ ዝምድናዊ ምዃኑ ዘይምስሓት’ውን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ፍጹማዊ ዕግበት ኣብ ሓደ ጉዳይ ክብጻሕ ዘይከል ዘይኮነስ ነብሱ ዝኸለ መስርሕን እኹል ግዜን ዘድልዮ ብምዕራፋት ዝሕለፍን’ዩ ንምባል እዩ።

ኣብ ሓደ ዛዕባ መርገጽ ክንሕዝ እንከለና ምኽንያት ክህልወና ባህርያዊ እዩ። ዕላማና ድማ በቲ ዝሓዝናዮ መርገጽ ኣቢልካ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ንምዕዋት እዩ። እቲ ኣብቲ ዘልዓልናዮ ዛዕባ ካብ ናትና ዝተፈልየ መርገጽ ዝሕዝ ኣካል እውን ናቱ ናብቲ መርገጹ ዘብሖ ምኽንያት ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። እቲ ዝፍጠር ፍልልይ እምበኣር ውጽኢት ናይቲ ከም ምኽንያት ኢልና እነቕርቦ ነጥብታት እዩ። ኣብዚ እቲ ፍታሕ ክርከብ ዝኽእል ቅድሚ ኩሉ፡ ናትካ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ እቶም ካባኻ ዝተፈልየ መርገጽ ሒዞም ዘለዉ፡ ናይቶም ካባኻ ዝተፈልየ መርገጽ ዘለዎም ኣካላት ምኽንያት ድማ ኣብ ቅድሜኻ ብሩህ ክኸውን ይግበኦ። ክልቲኡ ምኽንያታት ክሳብ ክንድዚ ብኣካል ተቐራሪብካ እንተተመዚኑ ነቲ ፍልልይ፡ እንተኾነ ናይ ምውጋዱ እንተዘየለ ከዓ ናይ ምጽባቡን ምምሕዳሩን ዕድል ምርካብ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ሃናጽን ውሕሉልን ኣተኣላልያ ፍልልያት ከዓ ንሱ እዩ። ኣብዚ ሓደ ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና ጉዳይ፡ ንኣበሃህላን ኣነቓቕላን ናይቲ ካባና ዝተፈልየ ርኢቶ ዝሓዘ ወገን ንሱ ብቕምጡ፡ ንሓሳቡ ናትና እሞ ድማ ግጉይ ትርጉም ምሃብ እዩ። ብዝከኣል መጠን ንምኽንያታቱ ባዕሉ ከብርሆን ክትርጉሞን እኹል ግዜ ምሃብ። ንጥርጣረ እንህቦ ቦታ ከዓ ኣዝዩ ውሱን ክኸውን ይግበኦ። ምኽንያቱ እቲ ፍልልይ ክልቲኦም ወገናት ሓደ ሸቶ እንዳሃለዎም እውን ክፍጠር ስለ ዝኽእል፡ ብሰንኪ ዘይዕቱብ ኣተሓሕዛ እቲ ቀረባ ምእንቲ ከይርሕቕ። ከምቲ ወለድና “ኣደይ እትብሎ ንጐይበይ፡ ኣቦይ ዝብሎ ድማ ንገዝመይ” በለት መርዓት፡ ዝብልዎ። ናይዚ ኩሉ እሂንምሂን ምብኳር እምበኣር ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ሃሳዪ ሳዕቤናቱ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ምግማቱ ዝእግም ኣይኮነን።

“ተቓሊስና ክንዕወት ኢና፡ ህዝብናን ሃገርናን ድማ ክርህዎም እዩ” ክንብል እንከለና፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ክንቅይሮ ኢና ማለትና ምዃኑ ንጹር እዩ። እንተኾነ እቶም ቀየርቲ ንሕና እቶም ኣንጻር ዲክታተርነት ንቃለስ ዘለና ጥራይ ዘይኮናስ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ክውንነት እውን ከም ከባቢያዊ ተርእዮ፡ ንኣተሓሳስባናን መጻኢ ትጽቢትናን ናይ ምጽላው ወይ ናይ ምቕያር ግደ ከም ዘለዎ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ፖለቲካዊ ከባቢና ማለት ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ቀንዲ ኣብዚ ጽሑፍና ቆላሕታ ዝወሃቦ እቲ ህዝብናን ሃገርናን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ጽልሙት ህይወትን ፍታሕ ንምርካብ ዘለዎም ክቱር ሃንቀውታን እዩ። ስለዚ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ፡ ክንካታዕ፡ ክንሰማማዕ፡ ክንፈላለ፡ ክንእውጅን ክንውስንን እንከለና፡ ንኩነታት ሃገርና ብግቡእ ክንዝክርን ንውልቃዊ ኮነ ትካላዊ ኣተሓሳስባና ብኣኡ ክንቃንዮን ምርጫና ዘይኮነስ ግዴታና ምዃኑ ብጽሞና ነስተብህል። ነዚ ኣብ እንግደዓ ኩላትና ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ተጻዒኑ ዘሎ፡ ኤርትራን ህዝባን ናይ ምድሓን ህጹጽን ከቢድን ዕዳ ዘንጊዕና ምእንቲ ጸቢብ ዝና፡ ውልቅና፡ ሰልፍና፡ ውድብና፡ ግንባርና፡ ኣውርጃና ጥራይ ማእከል ጌርና እንተ ዓንዲርና ግና ንጉዕዞና ፋይዳ ኣይክንረኽበሉን ኢና። ንህዝብናን ሃገርናን ከዓ ኣይክንብጀወሎምን ኢና።

13 ጉንበት 2015

Last modified on Wednesday, 13 May 2015 14:30