መሸጣ መካይን ንስርዓት ህግደፍ ኣዘራራቢ ኮይኑ

2015-05-13 12:07:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1903 times

መንግስቲ ህግደፍ ኣብ 2012 ካብ ሃገረ ኖርወይ ዝዓደገን መኻይን፡ ኣብ መንግስቲ ኖርወይ መዘራረቢ ኮይነን ከም ዘለዋ መርበብ ሓበሬት ኣሰና ሓቢራ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ናይዘን 17 መካይን መስርሕ ምዕዳግ ሕጋዊ ከም ዘይነበረ ዘቃለዓ ኣብ ናይታ ሃገር ባይቶ ናይ ምቑጽጻር ኮሚተ እዩ። እቲ ተቖጻጻሪ ኮሚተ እተን መካይን ናብ መንግስቲ ህግደፍ ምሻጠን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ዝጥሕስ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ምግላጹ ኣብቲ ዜና ተገሊጹ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ብመሰረት ናይታ ሃገር ጋዜጣ “ዳግ ብላዳ” ብዘይካዘን 17 መካይን ካልኦት እውን ኣብ 2013 ተሸይጠን ከም ዝኾና፡ ናይታ ሃገር ፖሊስን ናይ ስለያ ትካላትን ጥርጠራ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ብዛዕባአን እውን ምርመራ ከም ዝካየድ ተፈሊጡ። ናይታ ሃገር ባይቶ ነዚ ዝምልከት ቀዳማይ ደረጃ ጸብጻብ ከም ዝሰመዐን ንዝያዳ ጸብጻብ ንናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ምክልኻል ጸዊዑ ከም ዘሎ’ውን ተፈሊጡ። ናይቲ ባይቶ ኣባላት እቲ ናይ መሸጣ ተግባራት ምጥሓስ ናይቲ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ ኤርትራ ብኣካል ዝነበሩ ነርወጃውያን ድማ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ደረቱ ዝሓለፈ ግህሰት ሰብኣውን ሃይማኖታውን መሰላት ኣቃሊዖም።

ዘይሕጋዊ ዕዳጋን ዓመጸኛ ኣካይዳን መንግስቲ ህግደፍ ካብ ዝፍለጠሎም ተግባራት ምዃኑ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ከም ዝግለጽ ዝዝከር እዩ።

13 ጉንበት 2015

Last modified on Wednesday, 13 May 2015 14:09