ሓባራዊ መግለጺ ደምበ ተቓውሞ ሓይልታት ኣብ ምውላዕ ሽምዓ

2015-05-11 20:08:08 Written by  መግለጺ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ከተማ ፍራንፈርት ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2289 times

ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝነኣስኩምን  ዝነኣስክንን ደቅና።

ብምቕዳም ናይ ክብሪ ሰላምታና ነቕርበልኩም። ኣስዒብና ሎሚ ብዛዕባ መን ኢና ሽምዓና ንውልዕ ዘሎና ዝብል ሕቶ ክንምልሽ ኰሎና ምናልባት እዚ ናይ ሎሚ ሓዲሽ ናይ ቅዝፈት ተረኽቦ ኰይኑ ተሰሚዑና ከም ዘሎ ክዉን ነገር ኢዩ። ሳላ ዓመጻዊ  ምሕደራ  ሃገርና ዝተሳእነ ስለ ዘየለ ህዝብና ሽምዓታት ካብ ዝውልዕ  ወይ ተንዳታትን ካብ ዝግትር፤ ዳሳት ናይ ሓዘን ካብ ዝተክል እንሆ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ዘገርምን ዘስደምምን ድሕሪ 30 ዓመታት መስዋእትን ዕንወት ህዝብን፤ ንብረትን ጥሪትን፤ ዝመጸት ነጻነት ኣብ ክንዲ ሰላም ህውከት፤ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ  ማእሰርቲ፤  ደረት ኣልቦ ዕስክርናን፤  ኣብ ክንዲ ብልጽግና ድኽነት፤ ኣብ ክንዲ ጥዕና ሕማምን ሞትን፤ ኣብ ክንዲ ሓሳብካ ምግላጽን ምዝራብን፤ ምፍርራህን ምእሳርን ምቕንጻልን ...ወዘተ፡ ሃገርና ሓንቲ ቅዋም ዘይትውንን ሃገር ኰይና ብሓደ ውልቀ መላኺ  ብኢደወነኑ ድሕሪ ነጻነት ክሳዕ ዕለት ሎሚ ባዕሉ ፕረሲደንት ባዕሉ ወተሃደራዊ ሓላፊ፤ ባዕሉ ናይ ኩለን ትካላትን ሚኒስትራትን ገዛኢ፤ ጨቛንን  በታኒን ዝዀነ ስርዓት ከምቲ ኣቦታትና ዝምስልዎ ንፈውሲ ኢሎም ዝሓረድዎ ብዕራይሲ ሓሞት  ሰኣንሉ፡ ከምዝብሃል  መብዛሕቱ  ህዝብና ከምቲ  ዝሓሰቦ ዘይኰነስ ካልእ ተጻዊድዎ ጸኒሑ።

ውጽኢት ናይዚ ድማ እዞም መዓልታዊ  ካብ ዝፈትዉዋ  ሃገሮም  ወጺኦም  ኣብ ምህዳሞም  ዶብ-ሰገር ብወተሃደራት ጉጅለ ህግደፍ ዝርሸኑን ዝእሰሩን ዘለዉ፡ እዞም ካብ ሱዳን ተጨውዮም ብነጋዶ ደቂ ሃገርን ራሻይዳን ናብ በደዊን ግብጺ ተሸይጦም ካብ 30-40 ሺሕ ዶላር ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ውሽጣዊ ኣካላቶም ብሳንጃ ተቐዲዶም ዝሽየጥዎም ዘለዉ፡፤እዞም ካብ ግብጺ ሃዲሞም ንእስራኤል ክሓልፉ ኣብ መንገዲ ብወተሃደራት ግብጺ  ዝርሸኑ ዘለዉን፡ እዞም ብሰሃራ ሁሮሩማ ጸሓይን ሑጻን  ከም ካሻ ብዘይ ዓቐን  ተጻዒኖም ናብ ሊብያ ክጐዓዙ ብዋሕዲ ኣየር ኣብ መንገዲ ዝሞቱን፤ ካብ መኪና ተገልቢጦም  ኣብ ሒጻ ተደብዮም ዝጠፍኡን ዘለዉ፤ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቅናን ደቂ ደቅናን ህጻናትን ጥኑሳት ኣደታትን ኣዲኦም ትቕጸሮም ጥራይ ኢልና ኢና ክንሓልፎ። እቶም  ካብ ሊብያ  ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ጅምላዊ ህልቀት ማእከላይ ባሕሪ መዓልታዊ ዝወሓጡ ዘለዉን፤ ከማኡውን ሓዲሽ ተወሰኮ ቅዝፈት ብግብረ ሽበራ ዝሕረዱን ዝርሸኑን ዘለዉ ኣመንቲ  ክርስትና ኤርትራውያንን ካልኦት  ኣፍሪቃውያን ዜጋታትን  ነዚ ኵሉ ተረኽቦዚ ከም ባህርያዊ ብሰማይ ዝወረደ ከምኒ  እሳት ጐመራ ከም ሳይክሎን ማዕበል ከም ሱናሚ ናይ ጃፓን ህልቂት ከም ምንቅጥቃጥ መሬትን፤ ወዘተ…ህዝብና ብራዕዲን ሽበራን  ሕልናኡ ተደቒሱ  ዝብሎን ዝገብሮን ዓቕሚ ስለ ዘይብሉ ናተይ ኢሉ ሒዝዎ ይኸይድ ኣሎ። ምኽንያቱ ህዝብና ይኹን ኵሉቲ ምእንቲ ነጻነት ኢሉ ሓሊኑ ዝተቓለሰን ዝተሰወኤን ሕጂውን ምእንቲ ሓርነትን ምእንቲ ምልኪ ምውጋድን ኣንጻር እዚ ዝቕጥቅጥ ዘሎ ሓቢሩ ክቃለስን ክምክትን ስለ ዘይረእየ ብተስፋ ምቕራጽ ህዝብና መዓልቲ መዓልቲ  ገዲም ተጋደልቲ እንዳሓቐቑን ዓበይቲ ዓዲን ምሁራትን  እንዳጠፍኡን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኰይኑ፡ ስርዓት ህግደፍ ንሱ ብጠቕሚ ዝገዝኦምን ዝውንኖምን  ኣገልገልቲ  ፈጸምቲ እከይን  ኣጥርዩ  ሓልዮትን ሃገርን ህዝቢን  ዘይብሉ ብዓንደርእሱ  ዕላምኡ ካልእ ስለ ዝዀነ እነሆ ንግሆ ንግሆ ኣብ ሽምዓ ምውላዕን ብኽያትን ንርከብ። ሓደ ካብቲ ዝኸፍኤ ድማ ህዝብና በቲ ንኣማኢት እዋናት ዓመታት ብባዕዳዊ መግዛእቲ እንዳተገዝኤ እንኰሎ ብዝመጸ ገዛኢወይ  ምሕደራ ከይተጻዕደ ብባህሉን ያትኡን ቅዋሙን ስድቡን  ተቐይዱን  ብሕድሕድ ምክብባርን ምጽውዋርን  ብዘይ ምፍልላይ ሃይማኖትን ብሔርን  ዝኸዶን ዝሓለፎን ሎሚ ሓው ይኹን ጐረቤት ይትረፍ ወላዲት ንጓላ ሰብኣይ ንወዱ ዘይኣምነሉን ዘይታምነሉን ወቕቲ በጺሑ ኣሎ። እዚ ከኣ ኣብ ንቡር ልማዱን ባህሉን ንምምላስ ንመጻኢ ወለዶ ዓቢ ጾርን ጻዕርን ከድልዮ ምዃኑ ርዱእ ነገር ኢዩ። ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ  ተስዶዶም ንወጻኢ  ዝመጹ ዘለዉ መንእስያትና ኣብቲ ዘዘለውዎ ቦታታት ብምኻድ  ይኹን ኣብ ቤተ-ሰቦም  ኣብ ዝመጽሉ ኣዋን  ኵነታት ሃለዋቶም ምሕታትን ሽግራቶም ምውካስን ዘድልዮም ምዃኑ ናትና ዕዮ ገዛ ገርና ክንወስዶ ይግባእ።                                                                                                                            

ታራና እንታይ ነይሩ ንዝብል ሕቶ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ህዝብና ጠርኒፍና ወዲብናን ብስምምዕ ንሓርነታዊ ቃል መሪሽና እንተንኸውን ነርና እዚ ኵሉ ኣይምስትረኽበን ነይሩ ህዝብና ብመጠኑ ምደሓነ ብዓንዲርእሱ  ድማ ሃገርና ብሰላምን ዲሞክራሲን ቅዋምን ፍትሕን ዘለዋ ሃገር ኰይና ክትነብር ምበቕዔት ነይራ። ብኻልእ ኣዘራርባ እዞም ኵሎም ዝጠፍኡ ዘለዉ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ኢዩ ኢልና ክንድምድም  ዘይኰነስ ብወገና ህዝብና ከነድሕን ክንቃለሶ ዝነበረና ስለ ዝበኾረ ናይዚ ኵሉ ዝኸይድ ዘሎ ጥፍኣት ተሓተቲ ምዃና ክንግንዘቦ ይግባእ። ኣብ መግለጺየይ እዚ ወቐሳን በደልን ንተቓውምቲ ሓይልታት ጥራይ ዝምልከት ገይሮም ዝርእይዎ ሰባት ከም ዘለዉ   ይርድኣና ኢዩ። ይኹን እምበር ሃገርን ህዝብን ካብቲ ዓቕመ ኣዳምን ዓቕሚ ሄዋንን ዝበጽሔ ኤርትራዊ ዜጋ ኣትሒዝካ  ክሳዕ እቲ ስነ ኣእምሮ ዘይሰሓተ ሽማግለ ሓንቲ ስለ ዝብጽሖ እቶም ብማዕዶ ዘይሰምሩን ዘይሰማምዑን እንዳተባህሉ ዝሕመዩን   ን30 ዓመታት ዝተሰውእሉን  ካብ ሕብረተሰቦም ዝተነጸልሉን  ደምበ ተቓውሞ ምስ ኵሉ ድኽመታቶም  እንዳደየቡን ወረዱን ኣብ ኤርትራ ደምበ ተቓውሞ ምህላዉን ዘረጋገጹን ኣሰር ታሪኽ ንዝመጽእ ወለዶ ክምህሩን ክውዱቡን  ሎሚውን  ከም ትማሊ ቃልሶም ቀጻሊ ምዃኑ እንዳገልጹ እቲ ክልተ ዝኣፉ ሴፍ ስርዓት ህግዲፍ ንሓደ ውድብ ተሓኤ ጥራይ ዘይኰነ ነቲ ናተይ ኢዩ ዝብሎ ነጻነት ሃገር ዘምጸኤ ህዝባዊ ግንባር ብዓጸፈታ ዝቐጸየን ዝቐንጸለን ምዃኑ  ከም ጸሓይ በርቂ ብሩህ ኢዩ።  ስለዚ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ስርዓት ህግዲፍ ሃይማኖታትን  ኣውራጃታትን ወረዳታትን እንዳታትን  ስድራቤታትን ዝፈላሊ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ  ሰራም ስርዓት ንሓደ ዝምሕሮ ንሓደ ዝገድፎ ስለ ዘይክእል ካብ ብማዕዶ ኣይሰማምዑን ኢዮም  ኵሉ ጊዜ ኢዮም  ዝፈናጨሉ እንዳበልካ ብገዛእ ጉዳይካ ካብ ምሕጫጭን  ምውርዛይን ጉዳይካን ንዓይውን ይምልክተኒ እዩ ብምባል  ቀሪብካ ክትዕዘብን ኣካል ናይቲ ቃልሲ ኰንካ   ግቡእካ እንዳበርከትካ  ሓሳብካ ምቕራብን  ምሔሸ ነይሩ ጥራይ ኢልና ክንሓፎ ንመርጽ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዲሞክራሲን መሰልን ዝሕለወሉ ዘሎ ሃገር ተቐሚጥካ ኵሉ እንዳረኤኻን እንዳተመሃርካን ኣብ ውሽጢ ሃገርካ ዘሎ ሽግር ንዓኻ ኣብዚ ኰሎኻ እንዳኣረኻከበልካ   ክነሱ ተጸፊዕካ ዘይትምልሸሉ ሓሶት እንዳሰማዕካ ሓቂ ኣይኰነን ዘይትብለሉ ጥሜት ህዝብኻ ዘይትሓስበሉ ንብረትካን ዑናኻን  ተሓዲጉ ዘይትከራኸረሉን  ተመሊስካ ዓድና ጽቡቕ ኣሎ ጽጋብ ኣሎ ንዝብል ኣካል ክትሰምዕ ኰሎኻ  ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ኢዩ ኢልካ ክትሓስቦ ኣሸጋሪ ኢዩ።                                                                                                          

ኣብዚ እዋን እዚ ስደተኛታት ኣብ ኤውርጳ ብብዝሒ ይውሕዝ ኣሎ፡  ሶርያ ብብዝሒ ስደተኛታት  ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ ኤርትራውያን ድማ ካልኣይ ደረጃ ሒዝና ንርከብ። ናይ ሶርያ ኣብ ሓጺር እዋን ዘጋጠመ ስቪል ኵናት ክኸውን እንኰሎ  ናትና ግን ክንዲ ኵናት ንስደት ዘምርሓና ዘሎ ዝዓበየ ማእሰርትን ጭቆናን ጥምየትን  ደረት ኣልቦ ዕስክርናን ትምህርቲ በተኽን ወዘተን… ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ኤርትራ ኵናት የለን ካልኦት ሃገራት ኣብ ህውከት ኣለዋ ንሕና ብሰላም ንነብር እንዳበለ ነቶም በዚ ዝታለሉ ኣገልገልቱ መሕለፍ መዓልቲ ይዀኖም ኣሎ። 

ሊቃውንቲ ከም ዝትርትዎ ወዲ ሰብ ታሪኹን ኣምላኹን ኢዮም ዝፈርድዎ  ክብሉ ኰለዉ  ኵላትና ብሸለልትነት ህዝብናን ሃገርናን ከይንፍረድ ካብዚ ዘለናዮ ድኽመት ክንወጽእ ታሪኽና ከነጸብቕ መድረኽ ህጹጽን ዉሁብን  ኰይኑ ይዕድመና ኣሎሞ  ናይ ሞት ገዲፍና ናይ ሕልፈት ይበኸ  ከም ዝብሃል  ኣብ ኵሉ ፖለትካዊ ይኹን ማሕበራዊ ደምበ ተቓውሞ ብትብዓት ክንዋሳእ ሕጂ ህዝብና ይዕድመና ኣሎ።  እዞም  ኣብ ማእከላይ ባሕርን ኣብ ሰሃራን ካልእ ዝተፈላልየ መንገድን ዝጠፍኡ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቅናን ንስድራቤቶም ዓቢ ዘመተ፡ ንሃገርናን  ህዝብናን ጽንተት ምዃኑ እንዳሓዘንና፡ ንሰማኣታትና መንግስተ ሰማያት ንስድራ-ቤቶም ጽንዓት ይሃቦም እንዳበልና መሪር ሓዘንና ንገልጽ።


መግለጺ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ  ከተማ ፍራንፈርት ጀርመን 

Last modified on Monday, 11 May 2015 22:19