ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ዓመታዊ ኣኼባ ኣካይዱ

2015-05-22 04:06:25 Written by  ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2182 times

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ፡ ንመበል ራብዓይ ግዜ ዓመታዊ ኣኼባ ኣብ ዘካየደሉ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላትን ዕዱማትን ዝተሳተፍዎ ነበረ። ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ብመደብን ዕላማን ነቶም ኣብ ሓርነታዊ ተጋድሎና ዝሰነከሉን፡ ከምኡ ብዝተፈላልየ ባህርያውን፡ ሓደጋን ዝሰነከሉ ኣብ ሃገር ሱዳን መደበር ኣካለ ጽጉማን ተዓቑቦም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ዝተመስረተ ማሕበር ምዃኑ ኣብ ዝተፈላልየ እዋናት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። በዚ ልዑልን ቅዱስን መንፈስን ከኣ እቲ ማሕበር ሰለይ እንዳበለ ተግባራዊ ዝዀነ ስርሓት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

WarwoundedStockholm

ምስኡ ተታሓሒዙ ዝኸይድ ክሳብ ሕጂ ንኣካለ ጽጉማን ኣብ ከሰላ ንምሕጋዝ ተዋፊሩ ንዘሎ ማሕበራትን ዓሚሞሞ ዘለዉ ስራሓት ጸብጻብ ቀሪቡስ ግደታት ማሕበራት ኣካለ ጽጉማን ኣብ ኤውሮፓን ሰሜን ኣመሪካን ብሓፈሻ ተገሊጹ።

ዓመታዊ ኣኼባ ብኣደ/መ ሓፍትና ኣልጋናሽ ኢሳቕ ንኣኼበኛታት እንቋዕ ደሓን መጻኹም ዝብል ሰላምታ ኣቕሪባ፡ ብዝኽሪ ስውኣትናን ብሓፈሻ፡ ንጅግና ተጋዳላይ ንባዕሉ ውጕእ ሓርነትን ኣባል ሽማግለ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ዝነበረን ብሃንደበታዊ ሞት ዝተፈልየና ጅግና ተጋዳላይ ኣለም ዘርኤ (ኣለም ማንጁስ ) ብፍላይ ንሓደ ደቒቕ ንሕልናዊ ዝኽሪ ብምግባር ኣኼባ ጀሚሩ።

ኣደ/መ ሓፍትና ኣልጋነሽ ኢሳቕ ኣብ'ቲ ምስ መሳርሕታ ኣሕዋት ዋና ጸሓፊ ረዘነ ተኽለን፡ ተሓዝ ገንዘብ ዑቕባሚካኤል ተስፋጽዮንን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዓመ ስርሓት ብሰፊሑ ንኣኼበኛታት ጸብጻብ ኣቕሪባ። ከምኡ'ውን ሓው ዑቅባሚካኤል ተስፋጽዮን ብተመሳሳሊ ጸብጻብ ስርሓቱ ኣቕሪቡ።

ሓፍትና ኣልጋንሽ ኢሳቕ ኣብ'ዚ ዝካየድ ዘሎ ስርሓት ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ኣካለ ጽጉማን መደብር ከሰላ ኣድማዕን ጽቡቕ ዝዀነ ውጽኢታት ዘርኣየ ስርሓት ተኻይዱ ክትብል፡ ብውልቀ ሰባትን፡ ብማሕበር ደረጃ ከም ዲያሎግ ፎርም ኤርትራውያን ኣብ ስቶክሆልም ዝተገብረ ደገፋትን፡ ንመደበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ብውልቀ ንክትሓጋገዙን ክደጋገፉን፡ ቆወምቲ ኣባላት ብምዃን ክሰርሑን ዝደልዩ ኣባላት ቁጽሪ እንዳወሰከ ይኸድ ከም ዘሎ፡ ምስ ካልኦት ማሕበራት'ውን ብምርኻብ ሓገዝ ይደለ ከም ዘሎ ብሰፊሑ ገሊጻ።

ኣብ'ዚ ኣኼባ ክሳብ መደበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ብምብጻሕ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝዀነ ሓው ጸሃየ ቀለታ ተረኺቡ፡ ነቲ ኣብ መደበር ወይ መዕቆቢ ኣከላ ጽጉማን ኤርትራውያን ከሰላ ዘሎ ጸገማትን ከመይ ኣብ ምፍታሕ ነዚ ሽግርት ዝካየድ ስርሓትን ቃልስን ብምዝማድ መግለጺ ኣቕሪቡ። ክሳብ ሕጂ ብነገራዊ ደገፍ ብስም ማሕበር ዝተላእኸ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። እንተዀነ እቲ ካብ መደበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ንጨንፈር ሽወደን ዝተገብረ ጽገናታት ምስጋናን ናይ መተባብዒ ደብዳቤ ካብ ኣቦ ወንበር ማሕበር ኣካለጽጉማን ኤርትራ ሓው ተስፋይ ተኽልዝጊ ብዘይምርካቡ ኣብ ክንድኡ ሰላምታን ዓወት ንጉባኤን ብሽሙ ኣመሓላሊፉ።፡ ልዕሊ ኩሉ ግን በቲ ክሳብ ሕጂ ብዝተፈላልዩ ውልቀ ሰባት ከም ሓው ብንያም ጸጋይ፡ ሓፍትና በላይነሽ ኣባይ ይኹን ፡ መንእሰያት ዲያሎግ ፎርም ስቶክሆልም ዝተለገሰ ሓገዛት ከም መበገሲ ወሲዶም፡ ኣባላት ኣካለ ጽጉማን ከሰላ'ውን ባዕላቶም ንጸገማቶም ኣብ ምፍታሕ ይሰርሑን ይጽዕሩን ከም ዘለዉ ኣቶ ጸሃየ ቀለታ ሓቢሩ።

WarwoundedStockholm 2

ተሳተፍቲ ኣኼባ ብልዑል መንፈስ ንኣካለ ጽጉማን መደበር ከሰላ ንምሕጋዝ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርን ፈተነን ኣሞጉሶም። ኣብዝሓ ኣብ'ቲ ኣኼባ ዝነበሩ ተሳተፍቲ መንእሰያት ነዚ ቅዱስ ሓሳብ ተግባራዊ ዝዀነ ስርሓት ከም መረዳእታ ኣብ ኩሉ ሸነካት ኣብ ዝኻየድ ቃልሲ ብኣብነት ጠቂሶም ኣብ ጉዕዞ ዝከኣሎም ክተሓባብሩን ክደጋገፉን ንእግረ መንገዶም ከኣ ዓብይ ኤርትራዊ ባህሊ ምትሕግጋዝ ተመክሮ ከም ዝቀስሙን መጎሶም ካብ ምግላጽ ኣይተቆጠቡን።

WarwoundedStockholm 3

ኣብ መደምደምታ ኣኼባ ምስ'ቲ ኩሉ ጸገማትን ናይ ስርሓት ምድርራብን ነቶም ዝጸንሑ ሽማግለ ፍቃዶም እንተዀይኑ ክቅጽሉ ሓቲቱ፡ ድሕሪ ልዙብ ምርድዳእ ከኣ ነባር ሽማግለ ነቲ ጻውዒት ተቀቢሎም ንዝምጽእ ዘሎ ሓደ ዓመት 2015 ብዘለዎም ዓቕምን ብቕዓትን ክሰርሑ ደገፍ ካብ ተሳተፍቲ ደግፍን ምኽርን ንኸይፍለዮም ተላብዮምሓላፍነት ተቐቢሎም።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን

16 ግንቦት 2015 ስቶክሆልም

Last modified on Friday, 22 May 2015 06:13