ናይቲ ደብዳብ ግዳያት
ጅቡቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ፡ ብ30 ጥሪ 2025 ናይ ድሮን ደብዳብ ከም ዝፈጸመት፡ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ ሲያሩ ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ ብለይቲ ብተደጋጋሚ ዝተፈጸመ ደብዳብ፡ ልዕሊ 8 ሰባት ሞይቶም፡ 4 ድማ ተወቒዖም ናብ ሆስፒታል ዱብቲ ከም ዝተወስዱ ተፈሊጡ። ካብቶም ዝሞቱ ነፍሰ-ጾራትን ክልተ ኣሕዋትን ከም ዝርከብዎም እቲ ዜና ሓቢሩ።
ካብቶም በቲ ደብዳብ ድሮን ዝሞቱ፡ መሓመድ ኣይዳህሲ፡ ዓሊ ኦርቢስ፡ ካኮ ኦርቢስ ዓሊ፡ ዓሊ መሓመድ ካኮን ዓይሻ ባዱል መሓመድን ዝበሃሉ ግዳያት ከም ዝርከብዎም ኣዲስ ስታንዳርድ ካብቶም ምንጭታት ዝረኸብኩዎ ኢላ ኣስፊራ። ነበርቲ እቲ ከባቢ እቲ ደብዳብ ኮነ ኢልካ ብመንግስቲ ጅቡቲ ከም ዝተፈጸመ ጠቒሶም ኣብ 2ተ ኣዋርሕ ንካለኣይ ግዜ ምዃኑ ከኣ ሓቢሮም። እቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ “ግንባር ምምላስ ሓድነትን ዲሞክራሲን ጅቡቲ” ዝበሃል ኣንጻር መንግስቲ ጅቡቲ ዝዋጋእ ዕጡቕ ኣካል ከም ዝተወስደ ጌርካ ይግለጽ ከም ዘሎኣመልኪቶም።
ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ደብዳብ ኣፍልጦ ኣለዎም ዝበሃሉ ካለኦት ወገናት ከኣ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብመንግስቲ ጅቡቲ ዝተወስዶ ኮይኑ፡ ምኽንያቱ ከኣ ነቶም ኣብ ዶብ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝሰፈሩ ዕጡቓት ተቓወምቱ ንምጥቃዕን ነቲ ኣብኡ ዝነብር ህዝቢ ሓይሊ ወሲኽካ ንምዝንባል እዩ ዝብል ግምቶም ኣስፊሮም።
በቲ ካልእ ወገን ኣብ ጅቡቲ ዝንቀሳቐስ ሰብኣዊ ማሕበር፡ እቶም ዝሞቱ 14 ከም ዝበጽሑን ካብኣቶም 4 ደቂ ኣንስትዮን ቁጽሮም ዘይተጠቕሰ ህጽናትን ምዃኖም ብምቅላዕ፡ እቲ ለይታዊ ናይ ድሮን ደብዳብ ሰበኽሳግም ኣብ ዝርከብዎ ከባቢ ከም ዝቐጸለ ሓቢራ። እታ ሰብኣዊ ማሕበር ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ነቲ ተግባር ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ “ናይ ውግእ ገበን” ብዝብል ኮኒናቶ፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ኣንጻር መንግስቲ ጅቡቲ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ኣካል ብምድጋፍ ተኸሲሱስ ኣሉታዊ መልሲ ሂቡ ነይሩ። ብዛዕባዚ ዳርሕረዋይ ናይ ድሮን ደብዳብ ግና ክልቲኦም መንግስታት ዝሃብዎ መግለጺ የለን። እዚ ኩነታት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምትእምማን ከየጋድዶ እሞ ካልእ ዞባዊ ቅልውላው ከይፈጥር ዘስግእ እዩ።
ናይቲ ጉባአ ተሳተፍቲ ብኸፊል
ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና 31 ጥሪ 2025 2ይ ጉባአኡ ጀሚሩ። ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ፒያሳ ዝተሃንጸ ኣድራሻ ሚዝየም ዓድዋ ዝተኸፍተ ጉባአ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሰልፊ፡ ወከልቲ መንግስታውን ሃይማኖታውን ትካላት ዓበይቲ ዓድን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይቲ ሰልፊ ዝተመርጹን ኣስታት 50 ናይ ዝኾና ካብ ሃገራት ኣባል ብሪክስን ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ዝተዓደሙ ኣብቲ መኽፈቲ ተሳቲፎም። ኣብዚ ጉባአ ይሳተፉ ካብ ዘለዉ እቶም 1700 ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ምዃኖም’ውን ተፈሊጡ።
ኣብቲ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምርኢታትን ሙዚቃዊ ድራማታትን ዝቐረብሉ መኽፈቲ፡ ፕረሲደንት ብልጽግና ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰልፍታት ጉባአ ታሪኽ፡ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራትን ብሄረሰባትን ተወከልቲ ኣብ ዝሳተፍሉ ዝካየድ ናይ ብልጽግና ጥራይ እዩ” ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ “ጉባአ ብልጽግና ካብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ብቕዓት ዘለዎም መራሕቲ ምምራጽ ዘኽእል መስርሑን ውጽኢቱን ዲሞክራስያውን ኣሳታፍን ክኸውን እዩ” ክብል ከም ዝገለጾ ብመግስታዊ ማዕከን ዜና ፋና ዝተዘርግሐን ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈን ሓበሬታ ገሊጹ።
እቲ ዜና ኣተሓሒዙ እዚ ጉባአ ዝሓለፈ ኣተገባብራ ስራሕ ናይቲ ሰልፊ ዝግምገመሉን መጻኢ መደባት ዝትለመሉን ከም ዝኸውን እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ብመንጽርቲ ኢትዮጵያ ዘላትሉ ኩነታት ኣገደስትን ወሰንትን ውሳነታት ከም ዝውሰንሉ እውን ተሓቢሩ። ኣብዚ “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ብዝብል ጭረሖ እናተመርሐ ክሳብ 2 ለካቲት 2025 ዝጸንሕ 2ይ ጉባአ ብልጽግና፡ ድሕሪ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን እቲ ሰልፊ ዝምረሓሉ ሕግታትን ምጽዳቑ፡ 225 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተን ኣባላት ኢንስፐክሽንን ቁጽጽርን ከም ዝመርጽ እውን ኣብቲ ናይቲ ጉባአ ኣጀንዳ ተመልኪቱ
ዓብደል ዓዚዝ ኣል ሂሉ
.ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከተማ ናይሮቢ ፖለቲካዊ ዘተ ዘካየዱ ወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ኣካላት ሱዳን ብዘይውጽኢት ከም ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ። ናይቲ ዘተ ዕላማ ሰፊሕ ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ከም ዝነበረ ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ። ካብተን ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፋ ኣካላት፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳንን ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳንን ከም ዝርከበአን ተፈሊጡ።
ነቲ ኣኼባ ዝጸውዐ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳን ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ጉጅለታት ኣብ ግደ ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ዝምድና መንግስትን ሃይማኖትን ዝምልከት ሰፊሕ ፍልልይ ከም ዘለዎም ጠቒሱ። ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ብወገኖም ነቲ ኣኼባ ዝዓደመ ኣካል፡ ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ጉጅለ ክኢላታትን ካብ ፖለቲካዊ ጽልዋ ነጻ ንክኾኑ ከም ዝጸዓረ ሓቢሮም። ካለኦት ወገናት ከኣ ገለ ማሕበራት ሱዳን ብኢድ ኣዙር መሳርሒ ፖለቲካ ምዃኖም ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም።
ካብቶም ካብ ምውጋድ ምምሕዳር ዑመር ኣልበሺር 2019 ጀሚሮም ኣብ ሱዳን ዘየሰማምዑ ዘለዉ ጉዳያት፡ ውክልናን ምምቕራሕን ስልጣን ከም ዝርከብዎም ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልይ ኣብ ሱዳን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ምዃኑ ተጠቒሱ። መራሒ ህዝባዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳን ዓብደል ዓዚዝ ኣል ሂሉ፡ ብወገኑ ኣብ ሱዳን ሰኩላራዊ ስርዓት ክምስረትን ከም ጎበታት ኑባ ንዝኣመሰሉ ውሁዳን ከባብታት ከኣ መሰል ርእሰ ውሳነ ክፍቀደሎም ከም ዝደሊ ሓቢሩ። ተቐዱም ዝተባህለ ካልእ ጉጅለ ብወገኑ፡ ሰልፍታት ኡማን ባዕስን ኣብቲ ሰኩላራዊ ስርዓት ዝበሃል ዕቃበታት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ሺሃብ ኢብራሂም ዝተባህለ፡ ሓደ ካብ መራሕቲ ተቐዱም ብወገኑ፡ ኣኼባ ናይሮቢ ከምቲ ዝድለኳ እንተዘይተዓወተ ብዛዕባ ብዙሓት ኣገደስቲ ነጥብታት ምዝታዩ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ፍልልያት ክፍጠር ንቡር ስለ ዝኾነ፡ እቲ ንህልዊ ኩነታት ሱዳን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ከም ዝቕጽል ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ እቶም ኣካላት ናይ ሓባር ቻርተር ክነድፉ’ኳ እንተዘይከኣሉ ብዛዕባ ብዙሓት ጠቐምቲ ነጥብታት ግና ተመያይጦም እዮም።
ብሓላፊ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተኾነን “ዕልዋ” ዝተበህለ፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ትግራይ መግለጺ ኣውጺኦም፡
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓለፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል፡ ምትዕርራይ ክግበረሉ፡ "ዝደኸሙ መራሕቶም" ድማ ክትክኡ፡ ብ23 ጥሪ 2025 ብዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ብወገኑ፡ ነቲ መግለጺ፡ ዘይሕጋውን ዘይሓላፍነታው ድሕሪ ምባሉ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ኣካይዶም ዝርዝር ናይ ተቓውሞ መግለጺ ከም ዘውጽኡ ኣፍሊጡ።
እቶም ኣብቲ ካብ 20 ክሳብ 22 ጥሪ 2025 ኣኼባ ኣካይድና ዝበሉ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ትግራይ ዘውጽእዎ 13 ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ፡ ነቲ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝሰረዞ ኣካል ህወሓት ከም ዝድግፍዎን ኣብቲ ክልላዊ ምምሕዳር ዘለዎ ልዕሊ 50% ሓላፍነት ግዝያዊ ምምሕዳት ትግራይን ላዕለዎት ኣዘዝቶም ናይ ምግዳብ መንፈስ ዘለዎ ምዃኑ የመልክት። ነቲ ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሕ እሞ ዘካየዶ መበል 14 ጉባአኡ ብብሄራዊ ቦርዲ ምርጫ ኢትዮጵያ ውጽኢቱ ዝተሰረዞ ክፋል ህወሓት ከም ዝድግፉ በቲ መግለጽኡ ኣፍሊጡ ።
ብምቕጻል ድማ ብደረጃ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክውሰድ ዝጸንሐ ምምሕዳራዊ ምትዕርራያት ንድሕሪት ንክምለስ ኣብቲ መግለጺ ካብ ዝሰፈሩ ነጥብታት ሓደ እዩ። ኣተሓሒዙ እቲ መግለጺ፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብህወሕ ዝተገልጸ ብምድጋም “ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይ” ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢዱ ከእትው ኣይንፈቅድን ኢሉ። ብዘይካዚ ከምቲ መግለጺ ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት ዝበሎ፡ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ንዘለዉ ሓለፍቲ ብኽሕደት ከሲሰሞም። እቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ዝበልዎ ዘየነጸርዎኳ እንተኾነ ብናይ ብዙሓት ተረድኦ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝርከቦም 13 ጀነራላት፡ እቲ መግለጺ ካብ ዘጽደቐሉ ኣኼባ ረጊጾም ወጺኦም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድማ ኣቶ ጌታቸው ረዳ እቲ መግለጺ ሕጋውን ፖለቲካውን ተቐባልነት ዘየብሉ ምዃኑ ገሊጹ፡ ድሕሪ ህጹጽ ኣኼባ ምክያድ ወግዓዊ መግለጺ ከም ዘውጽኡ ኣፍሊጡ ኣሎ።
በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓያሎ መዲያታትን ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይን ነቲ ብስም ኣዘዝቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ናይ ውሑዳት ኣብ ዘይምልከቶም ዝኣተዉ ስጉምቲ እዩ ብዝብል ተሪር ናይ ተቓውሞ መግለጺ ኣውጺኦም። ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ ነቲ ስጉምቲ “ልስሉስ ዕልዋ” ክብሉ ይገልጽዎ’ለዉ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ትካል ንህጹጽ ድሕነት ህጻናት (UNICEF) ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘካየዶ ናይ ፈጻሚ ኣካል ኣኼባ፡ ካብ ዝመረጾም ሓደ ዳይረተርን 4ተ ምክትላን፡ ሶፍያ ተስፋማርያም ዝተባህለት ወኪል ህግደፍ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ካብቶም ምክትላት ሓንቲ ኮይና ምምዛዛ ብዙሓት ኤርትራውያን ቁተዐኦም ይገልጹ’ለዉ።
ምምሕዳር ህግደፍ፡ ንህጽናት ዘድልዩ መሰረታዊ ነገራት ብግብረሰናይ ትካላት ከይልገስ ዕንፋት ብምፍጣር፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣገዲዱ ናብ ግዱድ ውትህድርና ብምስላፍ፡ ወለዶም ኣሲሩ ህጽናታት ናባይ ስኢኖም ከም ዝኽትሙ ብምግባርን ትሒት 5ተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጽናት ካብ ኤርትራ ከይወጹ ብምኽልካልን ዝግለጽ ጨካን እዩ። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብ መሪሕነት ናይቲ ንመሰል ህጽናት ዝጣበቕ ትካል ናብ ሓላፍነት ምምዛዙ ከም ዘቖትዕ ዝተፈላለያ መዲያታት ኤርትራ ይገልጻ ኣለዋ። እቶም ዝተቖጥዑ ካብ ዝጠቕስዎም ጭካን፡ ማእሰርቲ ህጻን ሂሳም ጓል ሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዶን፡ ህጽናት ደቂ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን ብሰንኪ ማእሰርቲ ክልቲኦም ወለዶም ምዝኽታሞምን ይጠቕሱ።
እቲ ጉጅለ ቅድሚ ሕጂ እውን ኮንደኾን ለውጢ ኣብ ምግባር ይሕግዝ ይኸውን ብዝብል፡ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ኮይኑ’ኳ ኮይኑ እንተነበረ፡ ከጋድድ እምበር ከመሓይሽ ኣይተራእየን። ትካል ተሓላቒ መሰል ህጽናት ከኣ ኣብ ክንዲ ካብዚ ተመኩሮ ዝመሃር፡ ብግህሰት መሰል ህጽናት ክኽሰስ ናይ ዝግበኦ ጉጅለ ተወካሊት ናብ ሓላፍነት ምምዛዙ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ከምዝኮነ ብምጥቃስ እቶም ኤርትራውያን መረርኦም ገልጾም።
ሶፊያ ተስፋማርያም መድረኽ ኣብ ዝረኸበትሉ፡ መሰል ኤርትራውያን ብምግሃስን ኤርትራውያን ኣብ ስደት ካብ ድሌቶም ወጻኢ ገንዘብ ክኸፍሉ ኣብ ምግዳድን ርኡይ ኣሉታዊ ግደ ካብ ዘለዎም ሓንቲ ክንሳ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስብኣዊ ቦታ ምምዛዛ እቲ ትካል ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብግቡእ ዘይርዳእ ምዃኑ ከም ዘመልክት ኤርትራውያን ብቑጠዐ ገሊጾም።
እቲ ንመሰል ህጽናት ዝጣበቕ ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ ብ11 ታሕሳስ 1946 ተመስሪቱ ኣብ ነውዮርክ ዝመደበሩ፡ ኣብ 190 ሃገራት ዓለም ዝንቀሳቐስ ዘሎ ምዃኑ ድሕረ ባይታኡ የመልክት።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ19 ጥሪ 2025 ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ’ዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ብደረጃ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ዞባናን ዓለምናን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ኣገደስቲ ስግኣታትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰዲህኤ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ዘንጸባርቕት ሓጺር መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ።
ብምቕጻል ኣኼባ ኣብቲ ኣገዳሲ ኣጀንዳ “ምምይያጥ ኣብ ጸብጻባት ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ” ኣትዩ፡ በብታራ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ሚዛን ኣካይዱ። ኣብቲ ጸብጻባት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዝተራእዩ ሓያላትን ድኹማትን ነጥብታት ዳህሲሱ ኣለልዩ። ኣብቲ ሚዛኑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜና ተፈጢሩ ዝጸንሐ ብኩራት ቋንቋ ዓረብ ንምምላእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ መዚኑ፡ ኣብቲ ዝድለ ውጽኢት ንክበጽሕ ዝያዳ ንክስረሓሉ ተረዳዲኡ። ብዘይካዚ ኣባላት ሰልፊ ግቡኣቶም ኣብ ምፍጻም ንዘርእይዎ ዘለዉ ትግሃት ንኢዱ፡ ኣብዚ መዳይ ዝረኣዩ ሓደሓደ ሕጽረታት ተኣሪሞም ናብቲ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ዝምለስሉ ኣንፈት ከኣ ኣነጺሩ።
ብሓፈሻ ነቲ ጸብጻባት መሰረት ገይሩ፡ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ እቶም ሓያላት ጐድንታት ዝያዳ ንክሕይሉ እቶም ድኽመታት ከኣ ንክመዓራረዩ ዝሕግዙ ውሳነታት ኣሕሊፉ ነናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሰልፊ ወጊኑ።
ካብዚ ሓሊፉ ፈጻሚ ሽማግለ ብፍሉይ ንክርእዮም ኣብ ዝቐረብሉ ዛዕባታት ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱ ውሳነታት ወሲኑ፡ ንክትግበር ከኣ ነናብ ዘዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ክምራሕ ተረዳዲኡ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓፈሻ ካብ ዝምስረት፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪቲ ዘካየዶ ቀዳማይ ኮንፈረንስ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ስርርዓት ኣካይዱ፡ ናብ ተስፋ ዝህብ ተግባራት ተዋፊሩ ከም ዘሎ መዚኑ። ኣብ ቀጻሊ ከኣ እቲ ዝተተለመ ዘሎ መደባት ዝትግበረሉን እቲ ጽላል ንክሰፍሕ ተታሒዙ ዘሎ መደባትን ኣብ ምትግባር ሰዲህኤ ኩሉ ዘድሊ ኣበርክቶ ክገበር ቅሩብ ምዃኑ ተረዳዲኡ።
ብዛዕባ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ርሑቕ ይኹን ኣብዚ ዞባና ይረኣዩ ብዛዕባ ዘለዉ ቅልጡፋት ፖለቲካዊ ኣሰላልፋታትን ብደሆታትን ድህሳስን መጽናዕትን ዝግበረሉ መደብ ሰሪዑ ምዕሩይ ሚዛንምሓዝ ዘኽእል ኩነታት ንምፍጣር ዘኽእል መደብ ሰሪዑ።
ኣብ መወዳእታ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይድዎ ንዘለዉ ዘይሕለል ቃልሲ ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ከይስልክዩ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።
ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ18 ጥሪ 2025፡ ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ምስ መሰረታት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ሓላፊ ቤት ጽሕፈ ብጻይ ዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ፡ “ግደ ዲፕሎማሲ ኣብ እዋን ተቓውሞ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዛዕባ መግለጺ ኣቕሪቡ።
ዶ/ር ኣክሊሉ ኣብ መግለጺኡ ዲፕሎማሲያዊ ስረሓት ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ኤርትራ ከመይ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምጥቓሱ፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና መድያታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጸሓሉ መድረኽ፡ ከመይ ከም ዘሎ እውን ኣመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ድማ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ዝያዳ ንዋታውን ሰብኣዊ ዓቕሚ ስለ ዝሓትት ኣብ ግዜ ተቓውሞ በዳሂ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣተሓሒዙ ድማ ብደረጃ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብዚ መዳይ ዝተዓሙ ስረሓትን ኣብ መጻኢ ከም መደብ ተታሒዞም ዘለዉ ናይ ስራሕ ዕማምት እውን ኣብሪሁ። ኣብ መብርሂኡ፡ ነቲ ደስኪሉ ዘሎ ኤርትራዊ ማዕበል ከምቲ ዝድለ’ኳ እንተዘየበራበሮ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ህግደፍ ንምምካት ዘርኣዮ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ቀሊል ከምዘይኮነ ጠቒሱ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ ከምዚ ናይ ተቓውሞና ኣብ ዲፕሎማሲ ናይ ዝተዓወታ ኣብነታት ብምጥቃስ ዲፕሎማሲ ናይ ውሱናት ዘይኮነ ናይ ኩሉ ተቓላሳይ ዕማም ምዃኑ ብምሕባር ንተሳትፎ ጸዊዑ።
ደንበ ተቓውሞ ጌና በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ብምዃኑ ዲፕሎማስያዊ ሓያልነቱን ተሰማዕነቱን ስለ ዘዳኽም ብሓባር ዝውፈረሉ ኩነታት ምፍጣር ንዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።
ኣብቲ ድሕሪ መግለጺ ዝተኻየደ ናይ ሕቶን መልስን ግዜ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ዞባና ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሰላልፋ ለውጢ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብሓፈሻ ብደረጃ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ዝረአ ዘሎ ናብ ምቅላዕ ህግደፍ ዘቕነዐ ምልዕዓላት፡ ብኸመይ ናብ ረብሓ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ምውዓል ከም ዝከኣል ዝምልከት ብሰፊሕ ተዘሪብሉ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝተሳላሰለ ንጥፈታትን ዝተጠርየ ዝምድናታትን ኣቒብካ ንመጻኢ ኣገደስቲ ለበዋታትን ሓሳባትን ኣቕሪቦም።
እዚ ንኣባላት ሰዲህኤ ዝወሃብ ኣስተምህሮን ናይ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣሰራርሓ ጸብጻባትን ዝምልከት፡ ኣብ መጻኢ እውን ብስሩዕ መደብ ዝቕጽል ምዃኑ ከኣ ብኣዳላውቲ ናይቲ መድረኽ ተሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ምስተን ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ዝኣስራ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሰሪዓ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኢትዮጵያ 6 ጋዜጠኛታት ብምድጓን ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ዝጥቀሳ ኤርትራ እትመርሐን ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝኾነት መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ (ADDIS STANDARD)፡ ዓለምለኸ ኮሚተ ምክልኻል መሰል ጋዜጠኛታት (CPJ) ዘውጸኦ ሰፊሕ ጸብጻብ ብምጥቃስ ኣፍሊጣ። እቶም ጋዜጠኛታት ክሳብ ሞት ብዘፍርድ “ራዕዲ” ከም ዝተኸሱ ከኣ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ”ራዕዲ ወይ ጥሩፍነት” ዝብል ኣምር፡ ዘይብሩህ ትርጉም ሂቡ ከም መመሳመሲ ከም ዝጥቀመሉ ኣስፊሩ።
ሓደ ካብቶም ዝተኣስሩ 6 ጋዜጠኛታት የሺሃሳብ ኣበራ ዝተባህለ፡ ኣብ 2024 ብሰንክ’ቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ “ምኽባር ሕጊ” ተባሂሉ ዝተጀመረ ደሓር ግና ናብ ኣዕናዊ ውግእ ዘምረሐ ዝተኣስረ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ። እቲ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ኮሚተ ኣተሓሒዙ፡ እቶም ኣሰርቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ነቶም ጋዜጠኛታት ዝኣሰርሉ ዝርዝር ምኽንያት ብንጹር ኣይገለጹን። ብዘይካ’ዚ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጥረ ኩነታት ብምጥቃም ብዙሓት ሲቪል ሰራሕተኛታት፡ ምሁራትን ጋዜጠኛታትን ከም ኣካል ናይቲ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ወግእ መእሰሪ ምኽንያት ከም ዝጥቀምሉ ሓቢሩ።
ኮሚተ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ፡ ንኤርትራ 16 ጋዜጠኛታት ብዘይፍርዲ ብምእሳር ቀዳመይቲ፡ ከስፍራ እንከሎ፡ ካሜሩንን ሩዋንዳን ድማ ነፍሲ ወከፈን 5 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ደድሕሪ ኤርትራ ሰሪዑ፡ ንኒጀር ከኣ ኣብ 4ይ ደረጃ ኣስፊርዋ።
ብደረጃ ዓለም ከኣ ቻይና 50 ጋዜጠኛታት ብምእሳር እትመርሕ ኮይና፡ እስራኤል 43፡ ማየማር 35፡ በላሩስ 31፡ ሩሲያ 30: ጋዜጠኛታት ብምእሳር ደድሕሪ ቻይና ከም ዝስረዐን ጢቒሱ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ጸብጻቡ 361 ጋዜተኛታት ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዚ ኣሃዝ’ዚ እቲ ኮሚተ ክሳብ ሎሚ ብዝሰነዶ መሰረት ብዝሒ እሱራት ጋዜጠኛታት ዓለም 2ይ ደረጃ ዝሕዝ እዩ።
የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ኣብ ዝተመልስሉ
ኣርባዕተ ኣብ ኤርትራ ብሓይሊ ባሕሪ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣብ ወረዳ ኮክሃ ከባቢ ሁደይዳ ከም ዝኣተዉ ብ12 ጥሪ 2025 ከም ዘፍለጡ ኣገልግሎት ዜና የመን ሓቢራ። እቶም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ካብ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ፡ ኣብ ደሲታት ሕነሽ ብሓይሊ ባሕሪ ከም ዝተኣስሩ ምፍላጦም እታ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጣ። እታ ማዕከን ዜና ከም ዝተገለጸቶ ኣብቲ ዝተኣስርሉ ግዜ ሒዘምዎ ዝነበሩ ንብረትን ጀላቡን ብሓይልታት ኤርትራ ተወሪሱ እዩ።.
ዳይረክተር ወረዳ ኮክሃ ኢምጃድ ኣል ዖስማይሲስ፡ ብተደጋጋሚ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ንዝፍጸም ተግባራት ኮኒኑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ናብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ኣብቲ ጉዳይ ኢዶም ኣእትዮም ነቲ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብቀጻሊ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝፍጸም ገበን ጠጠው ከብልዎ ከም ዝጸውዐ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ኣቐድም ኣቢሉ ኤርትራ ብሰንኪ ካብ ክልተ ኣዋርሕ ንላዕሊ ዝሓዘተን 3 መራክብ ኣዘርባጃንን ደሓር 24 ምዃኖም ምስ ዝተፈልጡ ሰራሕተኛታትንን ዘይምፍታሓ ምስታ ሃገር ኣብ ምስሕሓብ ኣትያ ከም ዘላ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ከተማ መቐለ ሮማናት ኣብ ዝበሃል ኣደባባይ፡ “ጽላል ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ” ዝተባህለ ትካል ዝጸውዖ ተኸታታሊ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ማዕከናት ዜና ትግራይ ገሊጸን። ዕላማ ናይዚ “ይኣክል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕን ካለኦት ጭሮሖታትን ዝተመርሐ ሰልፊ፡ ካብ ወልቃይትን ካለኦት ከባብታትን ትግራይ ብሰንኪቲ ንክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተኻየደ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ንክምለሱ መጸዋዕታ ንምቕራብን ተጽዕኖ ንምፍጣርን ምዃኑ እቶም ኣዳለውቲ ሓቢሮም።
ኣብቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ካብ ዝሰፈሩ ኣገደስቲ ዓንቀጻት “በቲ ውግእ ብኻለኦት ሓይልታት ዝተወስደ መሬት ክምለስን ብሰንኪቲ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ምምላስን” ዝብሉ ይርከብዎ። እንተኾነ ብፍላይ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ፡ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣብ ትጅቲ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ መሬት፡ “ብሓይሊ ተወሲዱ ዝነበረ ብሓይሊ ዘምለስናዮ መሬትና እዩ” ብዝብል፡ ካብኡ ክወጽእ ፈቓደኛ ኣይኮነን።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን “ናተይ ናተይ” ዝብልዎ ዘለዉ ክልተ ጫፋት ገዲፉ፡ መፍትሒ ኢሉ ዘቕረቦ እማመ ኣለዎ። እቲ እማመ “ዝተመዛበሉ ትግራዎት ናብ መረበቶም ክምለሱ፡ ምስተመለሱ ምስቲ ኣብኡ ዝጸንሖ ነባራይ ብሓባር መራሕቶም ክመርጹ፡ ብዘይካ ናይ ፈደራል ናይ ክልቲኡ ክልላት ዕጡቓት ኣይኣትዉን፡ ፈደራላዊ ሰራዊት ጸጥታ የኽብር፡ እቲ ዝምረጽ መሪሕነት ርክቡን በጀቱን ብቐጥታ ምስ ፈደራል ይኸውን፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ብቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ብዝካየድ ረፈረንደም እቲ መሬት ንሓዋሩ ምስ ኣየንኡ ክልል ከም ዝመሓደር ይውሰን” ይብል።
እዚ እማመ ፈደራል ብወግዒ ብክልቲኡ ክልላት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣብ ትግራይ ግና ነዚ እማመ እቲ ሓደ ተቐቢልዎ እቲ ካልእ ድማ ኣይተቐበሎን ዝብል ምክሳስ እዩ ዝንጸባረቕ ዘሎ። እቲ ነዚ እማመ ኣይተቐበሎን ዝበሃል ወገን፡ ኩነታት “ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ክምለስ ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ዘንጸባርቕ እዩ። “ንምምላስ ህዝቢ ቀዳምነት ዝህብን ንምምላስ መሬት ዘቐድምን” ዝብሉ መከራኸሪ ሓስባት ከኣ ዘሰሓሕቡ ዘለዉ እዮም።
እቲ ካልእ ዝተመዛበልቲ ንከይምለሱ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ምክፍፋል ተጋሩ ፖለቲከኛታት እዩ። ምኽንያቱ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባር ብዝብልከት፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብርዎ ምይይጥ ሓድነት ስለ ዘየብሉ ክብደት ክረኽቡ ኣይከኣሉን።
እቶም ኣብ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ተመዛበልቲ ዘቕርብዎ መጸዋዕታ ከኣ ብዘይካ “ናብ መረበትና ምለሱና” ብዛዕባቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዓንቃፊ ምስሕሓብ ዘቕርብዎ ሓሳብ የለን። ነዚ ሓፈሻዊ ኩነታት ተዓዚቦም፡ ምናልባት ኣብ ትግራይ ናብ ውግእ ሕድሕድ ዘእቱ ምዕባለ ከይፍጠር ዝሰግኡ ውሑዳት ኣይኮኑን።
More...
ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ከምዘይግባእ ተሰማሚዖም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣብ ክንዲ የማነ ገ/ኣብ ዘስነዮ መጋይሽቱን ኣብቲ ስሉሳዊ ኣኼባ
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ግብጺ፡ ብስም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ኣብ ካይሮ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ፍጹም ተቐባልነት ዘየብሉ እዩ ክብል ምግላጹ ኣህራም ኦንላይ (Ahram Online) ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። ሚኒስተር ባድር ነዚ ዝገለጸ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን እዩ።
እቲ ሚኒስተር ዝምድና ሰለስቲአን ሃገራት ጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ቀጻሊ ስሩዕ ኣኼባታት ናይ ምክያድ መደብ ከም ዘለዎም እውን ኣስፊሩ። ቀጻሊ ኣኼባኦም ኣብ መቃድሾ ከም ዝኸውን ብምጥቃስ ድማ ኣብዚ ቀረባ ናይ መራሕቲ ሃገራት ኣኼባ ከም ዝህልዎም ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መራሕቲ ሰለቲአን ሃገራት ኣብ ኣስመራ ተኣኪቦም ዝበጽሕዎ ኪዳን ከም ዘተግብሩ ከኣ ሓቢሩ።
ሚኒስተር በድር ዋላኳ ነቲ ኣብ መንጎ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ቅድሚ ሓደ ዓመት በጺሐነኦ ዝነበራ ምርድዳእ ዝጻረር ብዝመልስ፡ “ኣንጻር ልኡላውነት ሶማሊያ ንዝውሰድ ስጉምቲ ንጻረሮ ኢና” እንተበለ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብወገኖም፡ ከም መቐጸልታ ናይ ኣንካራ ውዕሎም፡ ዝነበሮም ፍልልይ ከወግዱን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኦም ናብ ንቡር ክመልሱን ምስምምዖም ኣዊጆም እዮም።
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ ብዛዕባ ጸጥታ ሶማሊያ ተመያይጥና ክብል እንከሎ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብወገኖም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምውሓስ ጸጥታ ክልቲአን ሃገራትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣስፊሮም እዮም። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ግብጺ ኣካል ናይቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ሶማሊያ ዝዋፈር ዓቃብ ሰላም ክትከውን እያ ክብል እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ተሪር ኣካሉ ናይ ምዃን ሕቶ ኣቕሪባ ኣብ ውድድር ስለ ዘላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምውሳን ተጸጊምሉ ዘሎ እዩ።
ምስዚ ኣተሓሒዘ ሰለስቲኦም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሓድነት ሱዳን ኣብ ምሕላው ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑ ጠቒሱ። ብናይ ብዙሓት ትዕዝብቲ ዋላኳ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ብስም ሰለስቲኦም እንተወጸ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሶማሊያ ዘካይደኦ ዘለዋ ኢድ ኣእታውነት ዝተንጸባረቐሉ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኢስያስ ኣብ ኣስመራ ዘቖሞ ኪዳን ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን፡ ሓደ ወርሒኳ ከይጸንሐ ዝኹለፍ ዘሎ እዩ ዝመስል። ምኽንያቱ ከኣ ጉዳይ ሶማሊያ ኢሳያስ ክዝውሮ ዝኽእል ዘይኮነ፡ ብዙሓት ጸለውቲ ወገናት ዝተሰለፍሉ ብምዃኑ።
መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናአን ናብ ንቡር ክመልሳ፡ ናይ ሓባር ጸጥታአንን ቁጠባአንን ከሕይላን ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ ክሰርሓን ተሰማሚዐን። እዚ ዝተገልጸ መራሕቲ ክልቴን ሃገራት ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ሸኽ ሓሰን ማሕሙድን ብ11 ጥሪ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ድሕሪ ዘካየድዎ ልዝብ ብዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ እዩ።
በቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ምሰረት፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዋና ከተማ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ትካላቶም ናብ ዝነበሮ ብምምላስ፡ ናይ ሓባር ኣስተዋጸኦ ዘመዝግብሉን ዞባዊ ምርግጋእ ዘረጋግጽሉን ስረሓት ንክዓሙን ከም ዝተሰማምዑ ኣብቲ ርክቦም ኣረጋጊጾም። ኣብ ኣድላይነት ምርግጋእ ዞባዊ ኩነታት ናይ ሓብር ተረድኦ ንምሕዳር ዝያዳ ክጽዕሩ ምስምምዖም እውን ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺ ተመልኪቱ።
እቶም መራሕቲ ኣብ ምሕያል ናይ ሓባር ንግድን ወፍርን፡ ከምኡ ከኣ ናይ ሓባር ጸጥታ ኣብ ምውሓስን ጸረ ሰላም ሓይልታት ኣብ ምምካትን ከም ዝሰርሑ ክሰማምዑ እንከለዉ፡ ንክልቴቲኣን ሃገራት ዘራኽብ ትሕተ-ቅርጻ ኣብ ምዝርጋሕ ከም ዝሰርሑ ከም ዝተረዳድኡ ኣስፊሮም።
ምስ ብዝተተሓሓዘ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ናይ ሓደ ዓመት ወጥሪ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ኣብ ዋና ከተማ ቱርኪ ኣንካራ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ክዕቅብዎ ድልዋት ምዃኖም ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ኣብቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺኦም ኣፍሊጦም።
እዚ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ብተበግሶ ኢሳያስ ዝፈጠረ “ኪዳን ኣስመራ” ዝብል ስም ዝተዋህቡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ምንባሩ ብዙሓት ዝኣምንዎ ውዕል ከም ዝገትኦን ሓድሽ ኣሰላልፋ ከስዕብ ከም ዝኽእልን ይግመት።
ስነ-ጥበባዊ ነጋሽ ተኪኤ፡ ኣብ ላጉየን ከበሳ ጭዋ ብ1941 እዩ ተወሊዱ። ኣብ 1959 ድማ ክኢላ ትራምፔት ኮይኑ ኣብ ፖሊስ ኦርኬስትራ ኤርትራ ንስነ-ጥበብ ከም ዝጀመሮ፡ ምስ ተለቪዝዮን ኤሪሳት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ነጋሽ ሓደ ካብቶም ናይ 60ታት ህቡባት ስነ-ጥበባውያን ኤርትራውያን ኮይኑ፡ ኣብ ምድራፍ፡ ምህርም መሳርሒ ሙዚቃን ዜማታት ኣብ ምውጻእን ክኢላ ምንባሩ ድማ ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ተጠቒሱ እኳ እንተሎ እንምስክሮ እውን’ዩ። ነጋሽ ተኪኤ ክሳብ 4ተ ኣልበም ደርፍታት ንህዝቢ ኤርትራ ዘበርኪቱ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እንከሎ ድማ፡ “ወይዘሮ ፋና ዘመድ ኩልና፡ ወዮ ትባናስ ሃባና ደንጒኽናና” ከምኡ’ውን “ፍረወይኒ ፍረወይኒ፡ ናፊቐኪ ርኣይኒ” ብዝብሉ ደርፍታቱ ከኣ ዝያዳ ትፈላጥነት ነይርዎ።
ነጋሽ ካብ 1968 ጀሚሩ ኣባል ውሽጣዊ ስርርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ ክቃለስ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ 1975 ድማ ከም ኩሎም ኤርትራውያን ስነ-ጥበባውያን ንሜዳ ወጺኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ድሕሪ ወተሃደራዊ ፖለቲካውን ትምህርቲ ምውሳዱ ኣባል ክፍሊሙዚቃ ተሓኤ ኮይኑ ብሞያኡ ተመዲቡን ተቓሊሱን። ነጋሽ ነቲ ዝጸንሖ ናይ ዜማ ምውዳድ ክእለት ኣብ ሜዳውን ብምቕጻል፣ ነታ ብንጉሰ ሃይለ መንሰዓይ ዝተደርሰት “ኣይትደልን እያ ኤርትራ ናይ ጽባሕ” እትብል ህብብቲ መዝሙር ዜማ ዘውጽኤን ካብ ዝተሳተፉ ዘመርትን ድማ ነጋሽ ሓደ ነይሩ። ኣብ ግዜ ስደቱ ካብ ዝደረፈን ከኣ “ሓምድ ዓዋት፡ ሰምበለይ፡ ዋሕስ ህይወተይ፡ ካባይ ኣይትርሓቒ፡ ወይዘሮ በለጡን ወርሒ ደሚቓን” ዝኣመሰሉ ንታሪኽ ጀጋኑ ዝግልጽ፡ ክብሪ ሃገርን ከባብን ዘመጉስ ንፍቕርን ስኒትን ዋጋ ዝህብ መዛሙር ይርከብዎም።
ብሱዕድዓረብያ ኣቢሉ ናብ ሃገር ጀርመን ምስ ኣተወ፡ ኣብ ፍራንክፈርት ይካየድ ኣብ ዝነበረ ብተጋድሎ ሓርነት ኢርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝዳሎ ፈስቲቫላት ኤርትራ፡ ካብቶም ንተጽዕኖ ህግሓኤ ነጺጎም ኣብ ዕላማ ተጋድሎኦም ጸኒዕም ዝተቓለሱ ሓደ ድማ ነጋሽ ነይሩ። ኣብ ካስል ኣብዝቐጸለ ፈስቲቫል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ’ውን ምስ ስዉእ ኢዮብ ሃይል ንስነ ጥበባዊ ክእለቶም ልክዕ ከምቶም ካላኦት ኣባላት ኣብ ስርሕ ተመዲቦም ዘካይድዎ ዕማማት ምዃኑ ተገንዚቦም፣ ብናጻን ብወንን ክኢላዊ ኣገልግሎት ካብ ዘበርከቱ እዮም።
እነሆ ድማ ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ዕለት 06.2025 ዓሪፉ ዝብል መርድእ ብከቢድ ሓዘንን ስንባደን ሰሚዕና። ነጋሽ ብዝገደፎ ቅርሲ ስነጥበብን ብደቑን እንዳተዘከረ ዝነብር እዃ እንተኮነ፡ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዕረፍቱ ዝተሰመዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ “ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን ፈተውቱ ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም” እናበልኩ፡ ናይ ሓዘንኩም ተሳታፊ ምዃነይ እገልጽ።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
ዲፕሎማሲያዊ ማሕበረሰብ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ከይንቀሳቐሱ ተሓቢሮም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት ኤምባስታትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ንዝገብርዎ ምንቅስቓስ ኣቐዲሞም ካብ ዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ፈቓድ ክሓቱ ከም ዝግበኦም ብደብዳበ ምግላጹ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣፍሊጣ። እቲ ደብዳበ ብስራሕን ብግልን ንዝግበር ምንቅስቓስ ፈልዩ ከም ዘይጠቐሰ ከኣ ምንጭታት ናይታ ጋዜጣ ሓቢሮም። እቲ ሚኒስትሪ ቅድሚ ሕጂ እውን ተመሳስሊ ደብዳበ ጽሒፉ ከም ዝነበረን ዳግማይ ክጽሕፍ ዝተገደደ ምኽንያት ገለ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ሰለ ዘየኽበርዎ ምዃኑ ኣብቲ ደብዳበ ተጠቒሱ።
ሓደ በዓል መዚ ናይቲ ሚኒስትሪ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ኤምባሲታትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ብዘይፈቓድ ናይቲ ሚኒስትሪ ናብ ትግራይ ክጐዓዙ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም። ብዘይካዚ ናብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን እውን ተመሳሳሊ ጉዕዞ ክካየድ ከም ዝጸንሓ እንተኾነ ናይቲ ምስ ሓለፍቲ ክልላት ዝግበር ርክብ ግቡእ ጸብጻብ ናብቲ መንግስቲ ክቐርብ ከምዘይጸንሐ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ እዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት ካብ ከተማ ክወጹ እንከለዉ ሓለዋ ናይ ምምዳብ ግደታ ከም ዘለዎ እውን ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ውግእ ትግራይ ኣብ ዝተጀመረሉ ግዜ’ውን ኣባላት ኤምባሲታትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ዘካይድዎ ኣኼባታት ከይተረፈ፡ ኣቐዲሞም ፈቓድ ንክሓቱ ኣፍሊጡ ከም ዝነበረ እቲ ዜና ሪፖርተር ጠቒሱ።
ተዓዘብቲ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሑ ምውጻኡ፡ ነቲ ናብ ክልል ትግራይ ክግበር ዝጸንሐ ዋሕዚ ኣንበሳድራትን ሓለፍቲ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ንምቁጽጻር እዩ ይብሉ።