ሕብረት ኤውሮጳ ብ22 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ግብሪ ምውዓል ስምምዕ ኣልጀርስ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንሰላምን ምርግጋእን  ሰሜን ኢትዮዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣገዳሲ ምዃኑ ምግላጹ ዘሪፖርተር ሓቢሩ። ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ መግለጺኡ፡ ምስቲ ንባድመ ንኤርትራ ዝወሰነ ብይን ዶብን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ  ዝተበጽሐ ውዕል ሰላምን ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ዳህሲሱ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ኩለ-መዳያዊ ህድኣት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከምኡ እውን  ሰላማዊ ዕቤት ምርግጋጽ ንኢትዮጵያን ነቲ ዞባን  ወሳኒ ምዃኑ ኣስፊሩ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣተሓሒዙ፡  ጐረባብቲ ኢትዮጵያ እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተበጽሐ፡ ተጻብኦ ብቐጻሊ ናይ ምቁራጽ  ውዕል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣውንታዊ ኣበርክቶ ክገብራ ተሪር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ናይቲ ሕብረት መግለጺ፡ ኣገዳስነት ስምምዕ ኣልጀርስ 2000ን፡ ምሕዳስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን 2018ን ጠቒሱ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍን ምሉእ ብምሉእን ካብ ትግራይ ንክወጽእ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ንትግባረ  እቲ ህውከት ናይ ምቁራጽ ውዕል  ወሳኒ ምዃኑ ከም ዝኣምኑ ገሊጹ።

ክልል ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር  2020 ንደሓር ናብ ትግራይ ምእታዉ ክቃወም ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሰላማዊ ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ ምኽታሙ’ውን፡ ጌና ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከምዘይወጸን በደላት ይፍጸም ከምዘሎን ክሲ የሰምዕን ከምዘሎ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።

ስምምዕ ኣልጀርስ ምስ ተኸተመ፡ ንዕስራ ዓመታት፡ ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኩነታት እቲ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ኣይተተግበረን። ኣብ 2018 ነቲ ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ዓብይ ግደ ዝነበሮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዘየሳተፈ  ዝምድና መንጎ ኤርትራን ትግራይን ምሕዳሱ፡  ከም ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ዝተባርዐ ውግእ ዝውሰድ ምዃኑ’ውን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ጠቒሱ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውዕል ኢትዮጵያን ትግራይን “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ይወጹ” ክብል እንከሎ፡ ንሓይልታት ኤርትራ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡  “እንተላይ ካብ ባድመ ማለት ድዩ?” ዝብል ክንጸር ይግበኦ ነይሩ ክብል እውን ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ። ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይቲ ስምምዕ ኣተገባብራ ተቖጻጻሪ ኣካል ነዚ ከነጽሮ ከም ዝግበኦ እውን ኣመልኪቱ።

ናብ መቐለ ዝተጓዕዘ ልኡኽ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ

ብኣፈ-ጉባአ ፓርላማ ፈደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ፡ ኢትዮጵያ 26 ታሕሳስ 2022 ከተማ መቐለ ከም ዝኣተወ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ሓቢረን።  ኣብቲ ኣብ መንጎ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ሰላም ዘተ ይሳተፉ ካብ ዝነበሩ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነትን ዶር  ጊደወን ጢሞቴዊስ ጠቕላሊ ኣኽባር ሕግን ከምኡ እውን ሚኒስተራት ኣካል ናይዚ ልኡኽ ክኾኑ እንከለዉ፡ ናይቲ ብሄራዊ ናይ ምምኽኻር ኮሚሽን ዝበሃል ትካል ኣባላት ከም ዝርከብዎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እቲ ልኡኽ ኣብ መዓረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ ኣብ ዝበጸሓሉ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል፡ መራሕቲ ሃይማኖትን  ካለኦት ኣካላትን ትግራይ ኣቀባብላ ከም ዝተገብረሉ ተፈሊጡ።

እዚ ጉዕዞ ላዕለዎት ሰበሰልጣን ኢትዮጵያ ናብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ ኣብ ዘሓለፈ ክልተ ዓመታት ንመጀመርያ ኮይኑ፡ ብውዕል ፕሮተርያን ናይሮብን ተኸቲሉ ዝካየድ ዘሎ እዩ። እዚ ጉዕዞ መስርሕ ሰላም ኣብ ደሓን ኩነታት ምህላዉ ዘመልክት ምዃኑ እተን ናይ ዜና ማዕከናት ጠቒሰን። ናይቲ ልኡኽ ጉዕዞ ናብ መቐለ ንትግባረ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ውዕል ሰላም ከም ዝሕግዝ ድማ ተገሊጹ። 

ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ  ዓሊ  ነቲ ተበጺሑ ዘሎ መስርሕ ሰላም  ብደረጃ ካቢነ ሚኒስተራት ከም ዝገምገምዎን ተስፋ ኣብ ዝህብ ደረጃ ከም ዝርከብን ምሕባሮም ዝዝከር እዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብ22 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንኢትዮጵያ ዝመደቦ ሓገዝ ንምሃብን ዝምድናኡ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን መዳያት ንምሕዳስን፡ ተጻብኦታት ብቐጻልነት ጠጠው ዘብል ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘይሰግሮ ቅድመ-ኩነት ምዃኑ ደጊሙ ከም ዘሕደሰ ኣፍሊጡ። ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ድማ ከም ቀንዲ ቅድመ-ኩነት ተጠቒሱ።

እቲ ሕብረት ንኢትዮጵያ ዝህቦ ሓገዝ ዘቋረጸ ውግእ ትግራይ ብ4 ሕዳር 2020 ሒደት መዓልታት ቅድሚ ምጅማሩ ክኸውን እንከሎ፡ እንደግና ሎሚ ዝምድናኡ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ንምምላስ ቅድመ-ኩነት ኣስፊሩ ኣሎ። ሕብረት ኤውሮጳ ቅድሚ ሕጂ ንኢትዮጵያ ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ ናብ 90 ሚልዮን ዩሮ ዝጽጋዕ ናይ በጀት ደገፍን ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዩሮ ናይ ልምዓት እዩ ነይሩ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ቅድሚ ውዕል ሰላም ፕሮተርያ’ውን በተደጋጋሚ ብዛዕባቲ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ዝፍቀደሉ ኩነታት ዝተመያየጡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ግና ካብ መጀመርታኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከማለኦ ይግበኦ ዝበሎ ቅድመ-ኩነት ካብ ምቕራብ ዓዲ ኣይወዓለን። እዚ ሎሚ ብባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ሓደሽ ዝቐረበ ሓድሽ ቅድመ-ኩነት፡ ነቲ ቅድም ክቐርብ ዝጸንሐ ቅድመ ኩነታ እውን ከምዘይለቐቖ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካብ ቅድም ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ንክወጽእ ብቐጻሊ ከም ቅድመ-ኩነት ከቕርቦ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሓድሽ ናይ 22 ታሕሳስ 2022 መግለጺኡ’ውን፡ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከም ቀንዲ ቅድመ-ኩነት እዩ ኣስፊርዎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ጐረባብቲ ኢትዮጵያ ዝኾና ሃገራት፡ ውዕል ሰላም ፕሮተርያ ኣብ ግብሪ ንክውዕል ሃናጺ ግደ ክህልወን ጸዊዑ።

ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ኬንያ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ 2ይ ዙርያ ልዝብ ሰላም ብዓወት ከም ዝተዛዘመ፡ እቶም ኣዛተይቲ ሓቢሮም። እቲ 2ይ ዙርያ ዘተ ናይሮቢ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ዝገሉጹን ናብ ምሉእ ትግባረ ንምብጻሕ ተስፋ ከም ዘለዎን ዘረድኢን፡ ሓደ ካብቶም ኣዛተይቲ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ሃገረ ኬንያ እሁሩ ከኒያታ እዮም።

ፕረሲደንት ኬንያ ነበርን ኣዛታይ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እሁሩ ከኒያታ፡ ከም ዝገለጽዎ፡ እቶም 21ን 22ን ታሕሳስ 2022 ተራኺቦም ዝዘተዩ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣዛተይትን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ  መቐለ ከም ዝራከቡ ሓቢሮም። ስለምንታይ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ከምዘይተረኸቡ ግና ብዘይካቲ ኣብ ጽዑቕ ዘተ ምጽንሖም ካልእ ዝሃብዎ መብርሂ ኣይነበረን።

እሁሩ ከኒያታ ኣብቲ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ስለምንታይ በቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ካብ ትግራይ ዘይወጸ?” ብዝብል፡ ንዝተላዕለ ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡  “ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኩሎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ እዮም ተባሂሉ ስለ ዘሎ ክወጹ እዮም። ኣስማት ምጥቃስ ኣየድልን እዩ” ዝብል መልሲ ሂበምሉ።

ኣብ ርእሲዚ ከኒያታ፡ "ክልቲኦም ወገናት፡ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ንምክትታልን ንምቁጽጻርን ተኸታታሊ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝምልከት ምሉእ ምትሕብባር ከምዝገብሩ ተሰማሚዖም ኣለዉ"  ኣብ ርእሲ ምባሎም፡ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት፡ ንኢትዮጵያውያን ናይ ሰላም ዓመት ክኾነሎም ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርዝር ዘተ፡ ክልቲኦም ወገናት ጐንጺ ደው ከብሉ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቐጻሊ ክኣቱ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ክምለሱን ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን፡ ማዕረማዕረኡ ድማ ሓይልታት ወጻኢን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ዕጡቓት ኣካላትን ካብ  ክልል ትግራይ ክወጽ ምስምምዖም ይዝከር።

ፕረሲደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣርጀንቲናዊ ኣንበሳደር ፈደሪኮ ቪለጋስ፡ ታንዛንያዊ ሞሓመድ ቻንደ ኦትማን ኣቦመንበር ናይቲ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ክከታተል ዝተመዘዘ ኮሚሽን ክኢላታት ንክመርሑ ከም ዝመዘዝዎም ቤት ጽሕፈቶም ብ21 ታሕሳስ 2022 ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣንበሳደር ቻንደ ኦትማን ናብዚ ሓላፍነት ዝተመዘዙ፡ ድሕሪ እተን ነዚ ኮሚሽን ኣደ ወንበር ኮይነን ክመርሐኦ ዝጸንሓ ኬንያዊት ኮሚሽነር ካሪ በቲ ሙሩንጂ ካብ ሓላፍነት ምልቃቐን እዩ።  ኣንበሳደር ቪላጋስ፡ ኣብቲ ሓድሽ ኮሚሽነር ዝመዘዝሉ ነተን ኣብ ሓላፍነት ዝጸንሓ ብድሌተን ዝለቐቓ ኮሚሽነር ኣመስጊኖም ሰናይ መጻኢ ተመንየሙለን።

እዞም ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ናይ ዝከታተል ኮሚሽን  ኣቦመንበር  ኮይኖም ተመዲቦም ዘለዉ ታንዛንያዊ፡ ቅድም፡ ናይ ሃገሮም ሓላፊ ፍትሒ ምንባሮምን ኣብ 2019-2020 ኣባል ናይቲ ኣሰራርሓ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዓለም ንክግምግም ዝተመደበ ናጻ ኣካል  ክኢላታት ኣባል ምንባሮም ከም ኣካል ተመኩሮኦም ተጠቒሱ።

ብዘይካዚ ዓቃብ ሕጊ ቤት ፍርዲ ገብነኛታት ዓለም ኣብ ጉዳይ ሩዋንዳ፡ ኣብ ካምቦዲያ ናይ ሕቡራት ሃገራት መደባት ልምዓት ናይ ሕጊ ኣማኻሪ፡ ኣብ ሊባኖስ ኣባል ላዕለዋይ ኮሚሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰል፡  ኣብ ሱዳን ድማ ናጻ ክኢላ ሰብኣዊ መሰል ኮይኖም ከም ዝሰርሑ ኣብቲ ድሕረ-ባይተኦም ተጠቒሱ።

እዚ ሰለስተ ዝኣባላቱ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክከታተል ዝተመዘ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ብ17 ታሕሳስ 2021 እዩ ጀሚሩ። ቀንዲ ሓላፍነቱ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ካብ 4 ሕዳር 2020 ንደሓር ብሰንኪ ውግእ ትግራይ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ምጽራይ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 7 ጥቅምቲ 2022 ድማ ኣብዚ ሓላፍነቱ ንክቕጽል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተናዊሕሉ።

እዚ ካብ ቅድሙ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይረኸበን ናብ ትግራይ ኣትዩ ከጻሪ ዘይተፈቕደሉን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ካብ 27 ለካቲት ክሳብ 31 መጋቢት 2023 ኣብ ዝካየድ መበል 52 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል  ሕቡራት ሃገራት ጸብጻቡ ከቕርብ መደብ ተታሒዝሉ ከምዘሎ ኣብዚ መግለጺ ተሓቢሩ።

ወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ሸምገልትን (ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)

ላዕለዎት ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ብ21 ታሕሳስ 2022 ኣብ ናይሮቢ ከም ዝተራኸቡን እዚ ርክብ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ከም ዝቕጽልን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ናይዚ ርክብ ዕላማ ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይሮብን ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም መስርሕ ትግባረ ምግምጋም ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት  ዕጽዊ ኣኼባ፡ ብዘይካ ተወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታ፡ ክኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃል፡  ወከልቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኢጋድን ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብዚ ርክብ ጉዳይ ምውራድ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይን፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምዘዙ ተቖጻጸርቲ ጀነራላት ዝሰርሕሉ ኣገባብ ብዝምልከት ተሰማሚዕካ ቀጥዒ ምሕንጻጽን እቶም ቀንዲ ዛዕባታት እዮም።

ብመሰረት እቲ ውዕል ሰላም፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ረዲአትኳ ብዝተወሰነ እንተጀመረ፡ ምስ ስፍሓት እቲ ተጸባይ ሓገዝ ክርእአ እንከሎ እኹል ኣይኮነን። ንሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ተለፎንን ባንክታትን ዝምልከት እውን ውሱን ንጥፈታት ኣሎ። ኣብ ምውራድ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ግና ከምቲ ዝድለ ኣይሰለጠን። ናይዚናይ ዘይምስላጥ ጠንቂ ድማ፡ ናይቲ ጐኒንጐኒ ምውራድ ዕጥቂ ክፍጸም ዝነበሮ፡ ናይ ኤርትራ ሰራዊትን ሓይልታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ምውጻእ ስለ ዘይተተግበረ ምዃኑ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ዝጸንሐ ዕንቅፋት እዩ።

እዚ 3ይ ዙር ናይ ናይሮቢ ኣኼባ፡ ኣብ ዕጽዊ ከም ዝካየድን ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝወሃብን ተፈሊጡ። ኣብዚ ዘተ ካብ ክልቲኡ ወገናት ይሳተፉ ናይ ዘለዉ ብኣስማት ኣይተጠቕሱን። ክልል ትግራይ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ካብ ዲያስፖራን ተቓወምቲ ውድባትን ዝተወከልሉ 11 ኣባላት ዝርከብዎ ተዛታይ ኣካል ሰይሙ ኣሎ።

ገለ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝዕዘብዎ ፖለቲከኛታት፡ ኣብቲ መስርሕ ትግባረ ስምምዕ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኡ ወገናት ዝከኣሎም ይጽዕሩ ከም ዘለዉን ብወገን ፖለቲከኛታት ግና ከምቲ ዝድለ ስሉጥ ከምዘየለን ይገልጹ።

ዩኒሰፍ ዝተባህለ ኣብ ጉዳይ ህጽናት ዝግደስ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዎ መደባት ንምዕዋት ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓገዝ ሓቲቱ። ዩኒሰፍ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዘውጸኦ መግለጺኡ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ግጭት ንዝተሃስዩ ህጽናት ንዘጋጥሞም ናይ ዝስተ ማይ፡ ጽሬት፡ መግቢ፡ ትምህርትን ጥዕናን ጸገማት ንምክልኻል ኣተኲሩ ከም ዝሰርሕ ሓቢሩ።

ዩኒሰፍ ኣብቲ ናይ ሓገዝ መጸዋዕታ መግለጺኡ፡ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት፡ ኤርትራ፡ ንቁጠባዊ ጸገም፡ ምቅይያር ኣየርን ደርቅን፡ ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ናይ  ድሕንነት ስግኣት፡ ከምኡ እውን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዝተፈጥረ ውግእ፡ ዘሕደሮ ጸገማትን እገዳን እትግለጽ ሃገር ኮይና ከምዘላ ጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከባብያዊ ዘይምዕሩይነት እውን ነብሱ ዝኸኣለ ጸገም ኮይኑ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብምኽንያት እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ ጸገማት፡ ኣብዚ እዋንዚ 745,600 ህጽናት ዝርከብዎም 1.1 ሚልዮን ኤርትራውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝጽበዩ ዩኒሰፍ ጠቒሱ። ኣብ ርእሲዚ እዚ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል፡ ኣብ ኤርትራ ስሩዕ መደባት ልምዓት ሓንጺጹ፡ ሰብኣዊ ሓደጋታት ኣብ ምምሕዳርን ምግጣምን መማረጺ ኮይኑ ክሰርሕ ድልዊ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ መጸዋዕታኡ ዩኒሰፍ፡ ኣብ 2023 ኣብ ኤርትራ፡ ህጹጽ ህይወት ናይ ምድሓን ኣገልግሎት ንምቕራብ፡ ኣስጋኢ ሓደጋታት ንምክልኻል፡ እኹልን ብቑዕን ዝስተማይ ንምቕራብን ኣብ ጽሬት ትምህርቲ ንምሕጋዝን 14.7 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልዮ ኣፍሊጡ።

ስደተኛታት ክግፈፉ እንከው ዘርኢ ስእሊ (ማሐራዊ መራኸቢ)

ኣባላት ጸጥታ ሃገረ ሱዳን ኣብ ካርቱምን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጻዕቂ ይገፉ ምህላዎም ቢቢሲ ንግዳያት ብምጥቃ ሓቢራ። እቶም ኣባላት  ፖሊስ ሱዳን ሕጋዊ መንበሪ ሰነድ ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይተረፉ ብምግፋፍ ንሓደ ስደተኛ ካብ 500 ክሳብ 600 ዶላር ክኸፍል ከምዘገደድዎም እቶም ግዳያት ሓቢሮም። ኣብ ርእሲዚ ንዋሕስ ብዝብል ጉልባብ ዝያዳ 100 ዶላር ከም ዘኽፍልዎም እውን ተፈሊጡ።

እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብዛዕብቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ በደል ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍን ዝምልከቶም ትካላት ውድብ ሑራት ሃገራትንኳ እንተኣመልከቱ መፍትሒ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ተቒሶም፡ እቲ ስጉምቲ ኣባላት ፖሊስ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ሱዳን ዝወስድዎ ስጉምቲ ከይከውን ዝብል ጠርጠራ ከም ዘለዎም እውን ገሊጾም።

እዞም ኣብ ዝተፈላለዩ መደበር ስደተኛታት፡ ከተማታት፡ ካርቱም፡ ከሰላን ፖርቱ ሱዳንን ዝርከቡ ስደተኛታት ብሰንኪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000፡ ዘይፍትሓዊ ምሕደራ ህግደፍን በብግዜኡ ህግደፍ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብዝፈጥሮ ጐንጺ ኣብ ዶባት ብጠያይት እንዳ ተወቕዑ፡ ክስደዱ ዝተገደዱ ምዃኖም እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ጸብጻብ ኣስፊሩ።

ብዕለት 18-12-2022 ዓ.  ም. ፈ ካብ ሰዓት 19.00 ክሳብ ሰዓት 21.00 ብኣዝዩ ህዱእን ልዙብን መንፈስ ብተሳታፍነት ዳርጋ ኩሉ ኣባል ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ዙም ኣኼባኦም ኣካይዶም ። ኣቦ ወንበር ጨንፈር ቁ. 2 ንዝኽሪ ክብርቲ ነብሰሄር ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ናይ ሓደ ደቂቅ ሕልናዊ ጸሎት ብምግባር ኣኼባ ከፈቶ። ሲዒቡ ዝተሰርዔ ኣጀንዳ ብቀደም ተከተል ህልዊ ሓለዋትን ንጥፈታትን መደባትን ሰዲህኤ ብዝርዝር ቀሪቡ ። ኩሉ ከም ዝከታተሎ ዘሎ ብሰንኪ ዲክታቶር መላኺ ስርዓት ህግደፍ ጠንቃም ግናይ ምምሕዳሩን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ከቢድ ሓገኛ ህልዊ ኩነታት ኮኒኑ ብዲሞክራስያዊ ፍትሓዊ ምሕደራ ንምትኻእ ዝግበር ቃልሲ ከኣ ኣብ ቅድመ ግንባር  ተሰሊፉ ከኣ ዕጥቁ ከም ዝደርብ ኣስሚሩሉ። እቲ ክሳብ ሕጂ ብመሪሕነት ሰልፊ ዝዉሃብ ዘሎ ጥምጥም ቃልስን ንቁሕ ብሩህ መግለጽን ኣስሚሩ ድርብ ደገፉ ገሊጹ ። እቲ ቀንዲ መለለዪ  ሰዲህኤ ዝኾነ ድሮ እውን ኣብ መስርሕ ዝረከብ ዘሎ ምድላው 4ይ ጉባኤን ፈስቲቫል ፍራንክፎርትን ንምዕዋትን ምስታፍን ብኩሉ መዳይ ቅሩብነቱ ኣረጋጊጹ ። ኣብ መደምደምታ ብሓቂ መሳጢ ዝኾነ ኣስተብህሎ ኣብ ሕሉፍ ተመክሮ ጉባኤን ፈስቲቫልን ኣትኩሮ ዘድልዮም ለውባታት ብብጻይ ተኽለ መለኪንን ነጋሲ ሓምድን ብምቅራብ ብዝያዳ ነቲ ኣኼባ ምህብታሙን ርዝነት ኣብ ምሃቡ  ፍሉይ ብልጫ ነበሮ።

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!

ዉድቀት ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ።

ኮሚተ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው (IRC) ዝተባህለ ትካል ብ15 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ዓመተ- 2023 ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥመን’ዩ ኢሉ ካብ ዘስፈረን 20 ሃገራት፡  ኢትዮጵያ  ንሶማሊያ ተኸቲላ ኣብ 2ይ ደረጃ ከም ዝተሰርዐትን ኣፍጋኒዝታን ከኣ 3ይቲ ኮይና ከም ዘላን ሓቢሩ።

እዚ በብዓመቱ ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥመን  ዝኽእል ሃገራት ዝርዝር ዘውጽእ ኮሚተ፡ ኣብ 2023 ዝያዳ ዘስገኣ ዝበለን ቀዳሞት ዓሰርተ ሃገራት፡ ሶማሊያ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ዲሞክራቲክ ረፐብሊክ ኮንጎ፡ የመን፡ ሶርያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ብርኪናፋሶ፡ ሀይቲን ዩክረይንን  እየን።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ብርቱዕ ድርቅን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝፍጠር ቁጠባዊ ውድቀትን ናይቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ጠንቂ ምዃኖም ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሓደ ቢልዮን ህዝቢ እቲ ሓደ ሲሶ፡ ንሰብኣዊ ቅልውላው ዝተቓለዐ፡ ዝያዳ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ከይከውን ዝሕግዙ፡ ዲፕሎማስያዊ ስምምዓት፡ ናይ ውግእ ሕግታትን መስርሕ ቀረብ ሰብኣዊ ረዲአት ምድኻምን ካብቶም ጠንቅታት ናይቲ ቅልውላው ኮይኖም ተጠቒሶም።

ሓላፊ ኮሚተ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው፡ ደቪድ ሚሊባንድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ቅልውላው ንምክልኻል ጻዕሪ ከም ዝተኻየደ ተቒሶም፡ እንተኾነ ብሰንኪ፡ ሕጽረት ዲፕሎማስያዊ መፍትሕን ዋሕዲ ናይ ረዲአት ኣቕርቦትን ከምዘይተዓወተ ሓቢሮም። እቶም ሓላፊ፡ ሃገራዊ፡ ዞባውን ዓለም ለኻውን ሰብኣዊ ሓለዋታት ብሰንኪ ውግእ፡ ምቅይያር ኩነታት ኣየርን ምጣነ-ሃብታዊ ምንቁልቋልን ነቲ ሓደጋ ምክልኻል ከምዘይተኻእለ ብተወሳኺ ጠቒሶም።

እዘን ኣብ ሓደጋ ሰብኣዊ ቅልውላው ወዲቐን ዘለዋ ሃገራት፡ መብዛሕትአን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ወተሃደራዊ ጐንጽታት ዘጋጠመን ክኾና እንከለዋ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ደርቅን ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ምንቅስቓስ ባሕሪ ዝወሰነቶ ዕጽዋን ተጽዕኖ ከም ኣፈጠሩ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። እቲ ጸብጻብ ካብዚ ሓደጋ ንምውጻእ ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ድሕንነትን ናይ ኣየር ለውጥን ሓያል ምርብራብ ምግባር ከም ዘድሊ ኣስፊሩ። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ ኣብ 2030 ረዲአት ናይ ዝጽበ ህዝቢ ብዝሒ 340 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ብምጥቃስ፡ ኣብዘን ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥመንዩ ዝበሃላ ዘለዋ ሃገራት ካብ ህዝቢ ዓለም እቲ 13% ኣብኣተን ከም ዝነብር እውን፡ ኮሜት ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ኣፍሊጡ።

Page 3 of 115