ኣብ ኡምዱርማን፡ ከባቢ ዋድ ኑባዊ ዝነደደ መስጊድ የሰሓሕብ ኣሎ

2024-03-21 09:13:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 433 times

ኣብ ከተማ ካርቱም፡ ኡምዱርማን ዋድ ኑባዊ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝርከብ፡ ብሸኽ ሓሰን ኣልፋትሕ ዝተሰየመ ዓቢይ መስጊድ ብዝተፈጥረ ባርዕ ሓዊ ከም ዝተጐድአ፡ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ  ማህሰይቲ ከም ዘጋጠመ’ውን ተፈሊጡ።

ወዲ ወዶም ነቶም እቲ መስጊድ ብስሞም ዝተሰየመ ሼኽ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ውሽጣዊ ክፍልን ደጋዊ መለለይን ናይቲ መስጊድ ብሓውን ነታጉን ከም ዝተጐድአ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሓ ናይ መቓብር ኣቦሓጉኡ መኽደኒ ከም ዝነደድ ጠቒሱ። ቀጺሉ ድማ እቶም እቲ መስጊድ ከም ዝነደደ ዝፈልጡ ኣካላት ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ብቪዲዮ ንከይእሰኣል ከም ዝኸልከሉ ኣቃሊዑ።

ካብ ወተሃደራት ሱዳን ብምስጢር ዝተረኽበ ቪድዮ፡ ነቲ ዝነደደ ዘርኢ ኮይኑ፡ በቲ ፍጻመ ንዕጡቓት ህጹጽ ሓይሊ ይኸሰስ። ነቲ ተግባር “መንዩ  ፈጺምዎ?” ዝብል ሕቶ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ሱዳን ብሰንኪ ናይ ጸጥታ ኣካላት ብኩራት ዘጋጠመ እዩ ብዝብል ዘሰሓሕብ ኮይኑ ከም ዘሎ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ። ገለ ወገናት ግና ኣቐዲሞም ኣብ ዋድ ኑባዊ ዓሪዶም ንዝነበሩ ኣባላት ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ተሓተቲ እዮም ይብልዎም።

ሓደ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ሓይልታት ጀነራል ሕመቲ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ክሲ ነጺጉ ነቲ ተግባር ዝፈጸምዎ ኣብ ጐኒ ሰራዊት ጀነራል ኣልቡርሃን ኮይኖም ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ምዃኖም ከሲሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ከባቢ ንሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ዝድግፉ ሕሉፋት ዕጡቓት ሓይልታት ይቆጻጸርዎ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝተገብረ ፈተነታት ዘይተዓወተ ኮይኑ፡ ዳርጋ ዝርሳዕ ዘሎ ይመስል።

Last modified on Thursday, 21 March 2024 10:30