ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብናይ ሲስተም ጸገም ክሳራ ኣጋጢምዎ

2024-03-19 09:18:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 389 times

ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየን ነባርን መንግስታዊ ንግዳዊ ባንክ፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ናይ ሲስተም ጸገም ልዕሊ 2.6 ቢልዮን ብር ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ከም ዝተወስዶ ተፈሊጡ። እቲ ጸገም 16 መጋቢት 2024 ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ንኣስታት 6 ሰዓታት ከም ዝቐጸለን፡ ነዚ ኩነታት ተጠቒሞም ብለይቲ ገንዘብ ዘውጽኡ ናይ ዩኒቨርስቲ ተመሃሮ ምዃኖም ቢቢሲ ኣፍሊጣ።

ብሓፈሻ ናይ ኩለን ብፍላይ ድማ ናይ ዲላ፡ ጅማን ሃዋሳን ዩኒቨርስታት ተመሃሮ፡ ካብቲ ባንክ ቲ 24 ሰዓታት ከገልግል ኣብ ቀቀጽሮም ዝተተኽለ ናይ ገንዘብ መውጽኢ ካርድ ኢቲኤም/ATM ተጠቒሞም ብተደጋጋሚ ኣብ ሕስባቶም ካብ ዝነበረ ዓቐን ገንዘብ ንላዕሊ ከውጽኡን ኣብ ካልእ ባንክታት ናብ ዘለዎም ሕሳባት ከመሓላልፉን ከም ዝሓደሩ እቲ ናይ ቢቢሲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብቲ ናይ 6 ሰዓታት ግዜ ልዕሊ 25 ሺሕ ናይ ምውጻእን ምትሕልላፍን ምንቅስቓስ ከም ዝተኻየደ ዝጠቐሰት ቢቢሲ፡ ሓደ ተመሃራይ ካብ ሓደ ሚልዮን ብር ንላዕሊ ዘውጸኣሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ከም ዝነበረን ኣብ መወዳእታ ነቲ ቀጻሊ ምንቅስቓስ ዝተዓዘቡ ኣባላት ፖሊሲ ጠጠው ከም ዘበልዎን ተፈሊጡ።

ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡  ብፌስቡኩ ብዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ጸገም ከም ዘጋጠመ ተኣሚኑ፡ እቲ ዝወጸ ገንዘብ እውን ምስቲ ቢቢሲ ዝጠቐሰቶ ተመሳሳሊ ምዃኑ ኣስፊሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ጸገም ብሰንኪ ናይ ኣሰራርሓ ዘይምትዕርራይ ዘጋጠመ እምበር፡ ናይ ወጻኢ መጥቃዕቲ ከም ዘይኮነ ጠቒሱ። ናይቶም ኣብቲ ባንክ ገንዘቦም ዘቐመጡ ዓማዊሉ ሕሳብ በቲ ዘጋጠመ ኩነታት ከምዘይትንከፍ ከኣ ኣረጋጊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እተን ዩኒቨርሲታት ናይ ኤቲኤም ቁጽሮም እናረኣያ፡ ተመሃሮ ዝወሰድዎ ገንዘብ ከም ዝመልሱ ይገብራ ኣለዋ። ካለኦት ባንክታት ድማ ኣብተን እተወሰና 6 ሰዓታት ካብ ንግዳዊ ባንኪ ናብኣተን ዝተመሓላለፈ ገንዘብ ከይንቀሳቐስ ከም ዝኣገዳ ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ገለ ናይቲ ባንኪ ሰራሕተኛታት ይእሰሩ ከምዘለዉ’ውን ተፈሊጡ።

Last modified on Tuesday, 19 March 2024 10:29