ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ፖሓኤ ን3ይ ግዜ ኣኼባ ኣካይዳ

2024-03-18 20:21:52 Written by  ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ፖሓኤ Published in EPDP News Read 558 times

ናይቲ ኣብ ትሕቲ “ብሓድነት ንሓርነት” ዝብል ጭርሖ ክካየድ ተመዲብ ዘሎ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምስንዳእ  ዘላ ሽምግለ ኣኼባ፣ ብዕለት 17 መጋቢት 2024 ንሳልሳይ ግዜ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ካብ ላዕለዎት ኣካያዲ ኣካኣላት ዝቐረቡ ኣገደስቲ ናይ ስራሕ መደባትን ሓበሬታትን ብዝርዝር ቐሪቦም ዝርርብ ተገይርሎም። ተግባራውነቶም ኣብ ምርግጋጽ ድማ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ኣድላዪ ናይ ስራሕ መደባት ሓንጺጻ ምውጻኣ ተፈሊጡ ኣሎ። 

ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝጋባእሉ ቦታን ዕለትን ድሮ ተሓዚኡ ምህላዉ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብኣካል ክሳተፍ ዘይኽእሉ እንተተርኺቦም’ውን፣ ብኩራትን ምቁራጽን ተሳትፎ መታን ከይፍጠር፣ ብዘመናዊ መራኸቢ ተሳትፎኦም ንምርጋጽ ኩሉ ዝካኣል ዘበለ መሰናድኦ ኣቐዲሙ ክውዳእን ክማዓራረን ሽማግለ ካብዝራኣየቶም ዓበይቲ ጉዳያት ነይሮም።

ብዘይካዚ፣ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዕዉት ኮይኑ ንኽወጽእ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣካል፣ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ነገራት ንምምላእ ደረት ናይ ግዜ ከምዘድልን፡ ተሳተፍቲ ከማልኡዎ ዘለዎም ቀጥዕታት ንምምላእ ዝሕግዞም ፎሩማት ግዜ ከይወሰደ ብመንገዲ ኣቦ መንበራቶም ኣቢሉ ክበጽሖም ከምዝግባእን ሽማግለ ካብዝተዛረበሎም ጉዳያት’ዮም።

ድሕር’ዚ፣ እተን ኣቐዲመን ዝቆማ ንኡሳን ሽማግለታት ብዘቕረብኦ ሓበሬታዊ ጸብጻብ መሰረት፣ ክሳብ’ቲ ዕለተ ኣኼባ ብነፍሲ ወከፍ ኣካል ዝተኻየዱ ዕማማት ኣወንታውን ስሉጥን  ኣንፈት ሒዞም ምህላዎም ሽማግለ ገምጊሙ።

ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ፣ ብማዕረ ካብ ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብሰለስተ ኣባላት ዝውከል ኮይኑ፣ ጠቕላላ ትሻዓተ ኣባላት ዘለዉዎ፣ ብሓውቲ ኣድያም ተፈራ ዝምራሕ ነጋሲ ሓምደን ንጉሰ ጸጋይን ካብ ሰዲህኤ፣ ሃይለማርያም ተስፋይ፣ ጎይትኦም ክፍሎምን ክብራኣብ ምስግናን ካብ ኤስሃግ፣   ዑመር ዓሊ፡  ኑር ጉሕመት ዓሊን ሂላል ጣሃን ከኣ ካብ ዲውዓቀባ ምዃኖም ይፍለጥ።

ኣብ መጠረስታ ኣኼባ ሽማግለ፣ ናይ ዝመጽእ ትልሚ መደብ ስራሕን ናይ ቆጸራ ግዜን ፈልዩ ብስኒትን ምርድዳእን ተደምዲሙ። 

Last modified on Monday, 18 March 2024 21:32