ወይልኡ ደኣ ኣብ ኤርትራ ዝተኣስረ’በር፡ ኣብ ካልእስ ጩራ ፍትሒ’ሎ

2024-03-15 11:05:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 488 times

ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ኣብዲመሓመድ ዑመር፡ ጀነራል ክንፈ ዳኘው፡ ዶ/ር ደሳለኝ ጫኔ

ናይ ክልል ሶማሊያ ኢትዮጵያ፡ ፕረሲደንት ዝነበረ ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር (ዓብዱ ኢሌ) ካብ ቤት ማእሰርቲ ብናጻ ከም ዝተፈትሐ ቢቢሲ ሓቢራ። ዶ/ር ደሳለኝ ጫኔ ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ድማ ብዋሕስ ከም ዝተፈትሐ ጠበቓኡ ብምጥቃስ ኢትዮ-ኢንሳይደር ኣፍሊጣ። ብዘይካዚ ኢትዮ-ኢንሳይደር፡ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮርፖሬሽን ሓጻውንን ኢንጅነሪንግን ዝነበረ ክሱ ተቛሪጹ ብናጻ ከም ዝተፈትሐ ካብ እሙናት ምንጭታት ሓበሬታ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ።

ኣብ ግዜ ኢህወደግ፡ ፕረሲደንት ክልል ሶማሊያ ዝነበረ ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር፡ ዶር ኣብይ ኣሕመድ  ዓሊ ዝመርሖ "ለውጢ" ክጅመር እከሎ፡ ብ29 ነሃሰ 2018 እዩ ተኣሲሩ። ሎሚ ክሱ ምስተቛረጸ ድማ፡ ምስ ኩሎም እቶም ምስኡ ተኸሲሶም ዝነበሩ   ከም ዝተፈትሑ ጠበቓኦም ኣረጋጊጹ።

ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ለውጢ፡ ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ክሃድሙ እንከሎ ተታሒዞም ብዝብል ብ2018 ዝተኣስረ፡ ገበነኛ ተባሂሉ መቕጻዕቲ ክውሰኖ ኣብ ቆጸራ ዝነበረን ካለኦት ዘይተወሰኑ ናይ ክሲ ፋይላት ዝነበርዎን ክንሱ ክስኻ ተቛሪጹ ተባሂሉ ተፈቲሑ። 

ዶ/ር ደሳለኝ ጫኔ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሕን 12 መዓልታትን እዩ ተኣሲሐ።  ብዋሕስ ከም ዝፍታሕ ድማ ብመንገዲ ጠበቓኡ ብ14 መጋቢት 2024 ድሕሪ ቀትሪ  ተነጊርዎም።  ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ከኣ ኣብ ፓርላማ ካብ ዝነበሮ  ናይ “ኮሚተ ምምኽኻር” ኣባልነቱ ወሪዱ።

ኣብ ኤርትራ ግና ብመንገዲ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ንምርካብ ጠበቓ ኣቚምካ ነብስኻ ምክልኻልስ ይትረፍ፡ ኣበይ ከም ዝተኣስሩን ምህላዎምን ዘይምህላዎን ዘይተፈልጠን ኣብ ትሕቲ ስቓይን ተነጽሎን ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝጸንሑ ኣሸሓት፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ሕሱም ማእሰርቲ ግዳያት ከም ዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Friday, 15 March 2024 12:21