መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንውዕል ፕሪቶርያ ምእዙዛት ምዃኖም ተገሊጹ

2024-03-13 17:01:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 412 times

ምግባእ ቀዳማይ ስትራተጅያዊ ዳህሳስ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ተኸቲሉ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን በቲ ብ2 ሕዳር 2024 ዝተኸተመ ስምምዕ ምእዙዛት ምዃኖም ዳግማይ ከም ዘረጋገጹ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን፡ ናይቲ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ብ11 መጋቢት 2024 ዝተጋበአ ኣኼባ፡ ዕላማ “ብዛዕባቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ሰላም ኢትዮጳያ፡ እስትራተጅያዊ ዳህሳስ ንምክያድን  ኣገደስቲ ኣብ ዝኾኑ ዘይተተግበሩ ጉዳያት ንምሕጋዝን” ምዃኑ ኣስፊሩ። ካብቶም ኣብዚ ርክብ ቀዳምነት ዝተዋህቦም ነጥብታት፡ ሰብኣዊ ደገፍ፡ ዕጥቒ ምውራድ፡ ምጥያስን እግሪ ምትካልን ከም ዝርከብዎም እቲ መግለጺ ዘርዚሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ ድሕሪ ኣኼባ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ትግራይ ሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ንምስፋን ቀጻሊ ምምኽኻራት ከካይዱ ምስምምዖም  ገሊጹ። ብዘይካዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ስሩዕ ዝርርብ ንምክያድ ተመሳሳሊ ኣኼባ ንምውዳብ ከም ዝተሰማምዑ ጠቒሱ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ብሳላ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘይነዓቕ ኣውንታ ከም ዝተመዝገበ ጠቒሱ፡ “ምርግጋጽ ዘተኣማምን ሰላም ኣብ ትግራይ፡ ጠቕሙ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ እውን እዩ” ኢሉ።

ኣብዚ ብላዕለዋይ መድረኽ/ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወደበ ኣኼባ፡  ወከልቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ/ህወሓትን ከምኡ ድማ ብተዓዛብነት ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢጋድ፡ ኣሜሪካን ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ተሳቲፎም።

ኣብቲ ኣኼባ ብወገን ትግራይ ንክረኣዩ ዝቐረቡ፡ ዛዕባታት፡ ምምላስ ብዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝተታሕዘ መሬት ትግራይ፡ ተመዛበልቲ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበርዎ ምምላስ፡ ምንጻር ሕጋዊ ተሓታትነት ዝብሉ ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ምውራድ ዕጥቂ ወተሃደራት ትግራይ ዝብል ነይሩ። ብዛዓባ ነፍሲ ወከፍ እዞም ነጥብታት ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ከም ዝተወሰነ፡ ኣብቲ  ሕብረት ኣፍሪቃ  ዝወጸ መግለጺ ኣይተጠቐሰን።

Last modified on Wednesday, 13 March 2024 18:10