ወተሃደራት ኤርትራ፡ ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ንክኽሰሱ ተሓቲቱ

2024-03-11 13:47:51 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 434 times

ኣብ ውግእ ትግራይ ተሳቲፎም፡ “ብናይ ውግእ ገበንን ሰብኣዊ ጥሕሰትን” ዝኽሰሱ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ናይ ወጻኢ ክኢላታት ብዘሳትፍ፡ ብመሰረት መሰጋገሪ ፍትሒ ኣብ ዝምስረት ፍሉይ ቤት ፍርዲ “ዋላ ኣብዘይህልውናኦም” ንክኽሰሱ  7 ብሰብኣዊ መሰል ዝግደሳ ትካላት ኢትዮጵያ ከም ዝጸወዓ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣፍሊጣ።

እተን  ብሰብኣውን ሲቪላውን መሰል ዝግደሳ ትካላት፡ ነቲ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣመልኪተን፡ ብ8 መጋቢት 2024 ኣብ ዘውጸአኦ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኣብቲ ዝምስረት ናይ ፍትሒ ኮሚሽን “ኣብ ኢትዮጵያ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተፈጸሙ ገበናት ወግዓዊ ይኹኑ” ዝብል ሓሳብ ክሰፍር ይግበኦ እውን ኢለን።

እተን ናይ ሓባር መግለጺ ዘውጸኣ ሰብኣውን ሲቪላውን ትካላት፡ ማእከል ዕቤት መሰልን ዲሞክራሲን፡ ክኢላታት ሕጊ ንሰብኣዊ መሰል፡ ጽምዶ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ፡ ማእከል መጐቲ ንሰብኣውነት ዝብላ ከም ዝርከብአን ተፈሊጡ። እቲ ቤት ፍርዲ ካብቲ ንቡር ኣብያተ-ፍርዲ ኢትዮጵያ ብዝተፈልየ፡ ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ናይ ምድናይ ስልጣን ምእንቲ ክህልዎ፡ ብዓለም ደረጃ ተመኩሮን ፍልጠትን ዘለዎም ዳያኑ ዝሳተፍዎ፡ ኩሉ ሓቆፍ ዓለምለኻዊ ስልጣን ዳንነት (Universal jurisdiction)፡ ንክኸውን ናይተን ትካላት መጸዋዕታ ኣንጸባሪቑ።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021፡ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣብ ልዕሊቲ ገዛኢ ኣካል ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕ  (ህግደፍ)፡  በቲ ግንባር  ዝጽለዋ ማዕከን ገንዘብ ሕድርን ንግዳዊ ትካል  ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕርን፡ ሓይልታት ምክልኻልን ክልተ ላዕለዎት ሰብ መዝን ኤርትራ፡ E.O. 14046 ብዝብል ዓንቀጽ ገንዘባዊ እገዳ ከም ዝወሰነ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Monday, 11 March 2024 14:52