EPDP News

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ካብ 27 ክሳብ 29/ 2015 ኣብ ከተማ ናይሮቢ ብመድረኽ ንሃገራዊ ዝተ ዝተዓደመ ሃገራዊ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ እዩ። ኣብዚ ንመጻኢ ሓባራዊ ስራሕ ኣገዳሲ ኣፍደገ ክኸፍት ትጽቢት ዝተነበረሉ ኣኼባ ዝቐረቡ፡ ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ከነውጽእ ጸኒሕና ኢና ። እነሆ ድማ እቲ ኣቐዲሙ ብእንግሊዘኛ ዝተዘርግሐ ብኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ዝተዳለወ ናይ ትግርኛ ትርጉም ነቕርበልኩም

********

 

መእተዊ

ብምኽንያት ሕጽረት ጊዜ፡ ነቲ ግዙፍን ኣገዳስን ኣርእስቲ ዝበቅዕ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ምድላው ኣይተኻእለን። ሓጺር መእተን ንመዛረቢ ዝኸውን ነጥብታት ግን ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ'ውን ነቲ ብሓምለ 2009 ከም ናይ ሽዑ ሰልፊ ዲሞክራስን ሰልፊ ህዝብን ኣብ መጽናዕታዊ መድረኽ፣ ኣስዒብና ከኣ ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብየካቲት 2010 ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዘመሓላለፍናዮ ንድፊ "መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ" ክንካትዓሉ ከም መልሓቕ ብሰለስተ ቋንቋታት ቀሪቡ ኣሎ። ገለ ኣህዛብ፡ "ተማሂዙ ንዘሎ መንኰርኰር፡ እንደገና ክትምህዞ ኣይትድከም" ኢሎም ይምስሉ። ንሕና ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከኣ ነቲ ኣቐዲምና ዝነደፍናዮ ሓሳባትን ቅጥዕታትን እናረሳዕና ኣብ ካልእ፡ ክንሰጋገር ንርከብ ኣሎና። (ከምኡ እንተዘይገበርና ምሓሸ)።

 

ኣብዚ መዛረቢ ነጥብታት፡ ቅድሚ ብዛዕባ ኲነታት ኤርትራ ምጥቃሰይ፡ መስርሕ ፓለቲካዊ ምስግጋር ኣብ ካልእ ክፍልታት ኣፍሪቃ ከመይ ከም ዝነበረ ኣሕጺረ ክጠቅስ ኢየ። ክንርስዖ ዘይብልና ከኣ፡ እቲ ድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ዝጅምር መስርሕ ፓለቲካዊ ምስግጋር ኣዝዩኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ። ኤረ ካብቲ ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ ካብ እተካይዶ ቃልሲ ንሱ ይኸብድ!! ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዝግበር ምስግጋር ብሓቂ ዕዉት ክብሃል፡ ነቲ ጐዳኢ ዝነበረ ትካላት ምልኪ ጓሕጒሕካ ምልጋሱ ይሓትት። እዚ ካብቲ ንመሰጋገሪ መድረኽ ኣዝዩ ዝጠናንጎ ሓያለይ ረቛሒታት ሓደ ጥራይ ኢዩ። ቅድሚ ብዛዕባ ኤርትራ ምዝራበይ ግን ገለ ሓቅታትን ተመክሮታትን ክጠቅስ፣ ብፍላይ ብዛዕባ ኣፍሪቃ።

 

ፓለቲካዊ ምስግጋራት ኣብ ኣፍሪቃ

ዳርጋ ኲለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 60ታት ኢየን ነጻ ዝኾና። እቲ ኣህዛብ ኣፍሪቃ ብህርፋን እተጸበዮ ናጽነት/ሓርነት ተሪፉ፡ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓታት ደቂ ሃገር ምውዳቕ ተኸቲሉ። ጸኒሑ ኣንፈታት ለውጢ ክርኤ ምስ ጀመረ፡ ነቲ ለውጥታት ዳግማይ ሓርነት (Second liberation") ኢሎም ክሰምይዎ ጀሚሮም። ክፍለጥ ዝግብኦ ከኣ፡ ፖለቲካዊ ምስግጋር ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ብገለ መልክዓቱ እተፈልየ ክኸውን ግድን ኢዩ። ምኽንያቱ ከኣ ታሪኻዊ ኣሰራትን ባህልታትን፣ ውሽጣዊ ፍልልያትን ፍሉይ ተመክሮታትን ካብ ሓደ ሃገር ወይ ሕብረተሰብኣዊ ኩነታት ናብ ካልእ ክፍለ ስለዝኽእል። መሰጋገሪ መድረኽ ነዚ ውሽጣዊ ብድሆታትን ግዳማዊ ረቛሒታትን/ተጻብኦታትን ክብድህ ይግደድ። እቲ ዕማም ምስግጋር ከኣ ብመጠን እቲ ብድሆታት ይኸብድ።

 

ሃገራት ኣፍሪቃ ንከባቢ 30 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሰለስተ ዓይነት ምልክታት ወዲቐን ነይረን (ገሊኤን'ውን ጌና ከምኡ ኣለዋ።) እቲ ዓይነት ምልኪ/ምልክታት ናይ ሓደ ሰልፊ ምልኪ፣ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ምልኪ፡ ከምኡ ከኣ ናይ ወተሃደራዊ ስርዓት ምልኪ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ነዚ ዓይነት ምልኪታት ንኽሉ ዝሓገዘ ረቛሒታት እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፣

  • ያታዊ ናይ ገዛእቲ/መለኽቲ ባህሊ (ሓያላት ነገስታት/ሹመኛታት)፣

  • "ዝበዝሑ ይገዝኡ" ዝብል ሓፈሻዊ ሓሳብ ምኽንያት ብምግባር፣

  • ሓድነት ሃገርን ጸረ-ዓለታዊ/ኣውራጃዊ ናዕብታትን ዝብል ምስምሳት፣

  • ስነ-ሓሳባት እተመርኰሰ ምልኪ፣

  • "ሓያል መራሒ" ምእንቲ ቅልጡፍ ምዕባለ ዝብል ኣምር... ወዘተ።

    ከም እንዝክሮ ከኣ፡ መስረቲ ኣቦታት/"founding fathers" እናተባህሉ እቶም ናብ ናጽነት ዘብጽሑ መራሕትን ምንቅስቓሳቶምን ነቲ ድሕሪ ናጽነት እተኸስተ ስልጣን ገቢቶምዎ። ክሳዕ ጊዜ ሞቶም መራሕቲ ኰይኖም፡ ወይ ክኾኑ ሃቂኖም።

ምውዳእ ዝሑል ኲናትን ፖለቲካዊ ምስግጋኣርን

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ መስርሕ ፖለቲካዊ ምስግጋራት እተጀመረ፡ ድሕሪ ምውዳእ ዝሑል ኲናት (ውድቐት ሶቭየት ሕብረት) ኢዩ። ገለ ጸሓፍቲ ከም ዝተረኽዎ ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ 1960ን 1989ን፡ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ ካብ 30 ዘይበዝሕ ሃገራዊ ምርጫታት ተኻይዱ። ኣብ መንጎ 1990ን 2012 ኣብ ዝነበረ ጊዜ ግን 160 ዝኸወን ሃገራዊ ምርጫታት ተኻይዱ። ከምኡ'ውን፡ ኣብ ውሽጢ 1991 ጥራይ 86 ዝኸውን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝሓትት ህዝባዊ ምልዕዓላት/ናዕብታት ተኻይዱ!! ብሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ውሽጢ 90ታት ጥራይ ኣብ 28 ሃገራት ኣፍሪቃ ምርጫታት ተኻይዱ፡ 13 መለኽቲ ብምርጫ ተሳዒሮም። ተስፋ ዝህብ ኣጀማምራ ነይሩ፣ ንድሕሪት እተጐተ ግን ኣይወሓደን። (ብ1991፡ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትና ምልኪ "ይኣክል" ክብሉ ከለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ግን ዝመጸና ከይፈለጥና፡ ኣብ ዳንኬራ ሓጐስን ሳዕስዒትን ተዋሒጥና ምንባርና ኣይከሓድን።)

መስርሕ ፖለቲካዊ ምስግጋራት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ዝስዕብ ኣገባባት ዝሓዘ ይርከቦ ነይሩ፣  

  • ወተሃደራዊ ዕልዋ (ሕጂ ብሕብረት ኣፍሪቃ እተነጽገ ኣገባብ)፣

  • ሃገራዊ ዋዕላታት (ኣውራ ኣብ ምዕራባዊ ኣፍሪቃ)፣

  • መራሕቲ ሃገር ባዕሎም ዝደረኽዎ ለውጢ፣ (ንኣብነት ኣብ በኒን[i])፣

  • ህዝባዊ ናዕቢ (ቱኒዝያ፣ ጐንጻዊ ኣብ ኢትዮጵያ)፣

  • ብዘተ እተበጽሔ ምስግጋር ስልጣን (ዚምባብወ፡ ናሚብያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ)።

እቲ ብ1989 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት በኒን፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካዊት ቺለ እተገብረ ፖለቲካዊ ምስግጋር በቶም ዝጸንሑ መለኽቲ እተደገፈ መስርሓት ነይሩ። እቶም መለኽቲ ግን ኣብ መወዳእታ ኣይተዓወቱን። ኣብ መስርሕ ለውጢ ናይ ቺለ[ii] ይኹን በኒን፡እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ነቲ ናይ መላኺ ስርዓት ቅዋም እናደገፉ ኢዮም ተዓዊቶም። (ኣብ ኤርትራ ነቲ ናይ 1997 ቅዋም ተጠቒምካ ክግበር ዝከኣል ለውጢ ኣሎ ዲዩ?)

ኣብ ፖለቲካዊ ምስግጋር ዘሎ ኣኽእሎታት ጐንጺ፣ ገሊኦም ተመራመርቲ ከም ዝጽሕፍዎ፡ ፖለቲካዊ ምስግጋር ክመጽኦ ዝኽእል ናይ ጐንጺ ሓደጋታት ህሉውን ኣዝዩ ብዙሕን ኢዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ሓይልታት ነቲ ጐንጺ ከምጽእ ዝኽእል ጠንቅታት ብትዂረት ከለልዩን ከጽንዑን ከም ዝግብኦም ይመኽሩ። ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ንከጋጥም ዝኽእል ጠንቅታት ንምእላይን ንምምሕዳርን ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ምስትብሃል የድሊ፣

  1. ንቀንዲ ጠንቅታት ጐነጽ ናይ ምልላይን ምጽናዕን ኣኽእሎኻ ምዕዛዝ፣
  2. ንዘጋጥም ወጥርታት ናይ ምጒዳም ኣኽእሎ ምውናን፣
  3. ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ምስ ሕብረተሰቦምን፡ በርገሳዊ ማሕበራቱን፣ ምስ ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት፣ ምስ ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ጽቡቕ ዝምድና ከም ዝህልዎም ምግባር፣
  4. እቲ ወሳኒ ዓወት ዝኾነ ኣድላይነት ዘይ-ጐነጻዊ (ዘይ-ዓመጻዊ) ምስግጋር ብሰፊሑ ናብ ኣፍልጦ ህዝቢ ከም ዝዓስል ምግባር።

ኣብ ሃገርና'ውን እንተኾነ፡ ነቲ ኣዓዋቲ መስርሕን ኣገባባትን ለውጢ ምልላይን፡ ነቲ ኣብ ምስግግር ከጋጥም ዝኽእል ናይ ጐነጽ ረቛሒታት ክውግድ ተቐሪብካ ምጽናሕን ካብቲ ተገቲሩ ዝጽበየና ዘሎ ብድሆታት ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ።

 

 

መሰጋገሪ ምስርሕ ኣብ ኤርትራ

መስርሕ ፖለቲካዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ፡ ንፍሉይ ኲነታት ሕብረተሰብናን ንናይ 125 ዓመታት ፖለቲካዊ ታሪኽ ሃገርናን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ግድን ዩ። ምናልባት ከኣ እቲ ናይ 1940ታት 1950ታት ተመክሮና፣ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልስና ሓጐጽጐጻት፡ ካብኡ ቀጺሉ'ውን ናይ'ዚ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓደ-ሰብ ምልኪ ዝባኸነ 25 ዓመታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኢዩ።

ኣብ ናይ ሎሚ መጽናዕትና፡ እጽብብ ኣቢልና ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ከም ጸላዊ ወይ ዓንቃፊ ንጒዕዞ ለውጥን ፖለቲካዊ ምስግጋርናን ጌርና ክንርእዮም ንኽእል፣

  1. ሱር ዝተኸለ ዲሞክራሲያዊ/ቅዋማዊ ባህሊ ዘይምውናን፣ ምሉእ እምነት ተነቢሩሉ ንዲሞክራሲያው መስርሕ ክመርሕ ዝኽእል ሓይሊ ዘይምህላዉ፣('ዲሞክራሲያ ብዘይ ዲሞክራሲያዊ ባእታታት ይትከል ድዩ'? ዝብሉ ኣሎዉ።)
  2. ጌና ዘይተመሓደረ ብዙሕነትና (ብሄራዊቋንቋዊ፡ ባህላዊሃይማኖታዊቅርጸ-ምድራዊ)፣
  3. ብውሑዱ ብናይ ምሉእ ናይ ውግእ ዘመን ዝላደየ ወተሃደራዊ ዝንባሌና፣
  4. ጌና ዘይተሰግረ ናይ ዘመነ-ቃልሲ ታሪኽናን፡ ሕድሕዳዊ ምጥርጣራትናን፣
  5. ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዘሎና ጥርጣሬታት (ኣውራ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ)፣
  6. ትሑት ፖለቲካዊ ኣፍልጦን፡ ትምህርታዊ ደረጃን ናይ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ዜጋ...ወዘተ።

ብዘይ ጥርጥር፡ ናይ ኣካይዳናን ሃለዋትናን ነፍሰ-ፍተሻ ክንገብርን ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ማሕለኻታት ምስግጋር፡ ብኣግኡ ክንተሓሓዞ ጊዜ ይጠልበና ኣሎ። እነጥፍኦ ጊዜ እውን የብልናን!! ከምቲ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ለውጢ ናይ ሃገር ቺለ ዝገበርዎ (2ይ እግረ-ጽሑፍ/ footnote ተመልከት)፡ ንዓና እውን ናይ ቀጻሊ ዘተታት ርክባትን ምምኽኻራትን የድልየና ኢዩ።

 

ናይ ስርዓት ምልዋጥ ኣገባባትና (scenarios) እንታይኮን ክመስልዩ?

ነፍስ-ወከፍ ተዓዛባይ ናቱ ርእይቶ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ካብቲ ብሓፈሻ ዝዝረበሉ ሰናርዮታት እዚ ዝስዕብ ክጥቀስ ይከኣል፣

  1. ወተሃደራዊ ዕልዋ

  • ብዓበይቲ መራሕቲ ሰራዊት ተሰማሚዕም ዝመርሕዎ ዕልዋ። (ምናልባት ገለ ጽገናታት ክገብሩን ነቲ ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ቅዋም 1997 ክድግፉን ይኽእሉ፣ ካብ ወጻኢ እውን ንዝቕበሉዎም ናይ ቀደም ኣባላት ህግደፍ ክዕድሙ ይኽእሉ።)

  • ወይ ከኣ ተወዳደርቲ ዝኾኑ ሓለፍቲ ሰራዊት ነቲ መራሒ ህግደፍ ኣልጊሶም፡ ሕድሕዳዊ ጐንጺ ክውልዑን ንሃገር ኣብ ቀጻሊ ሕንፍሽፍሽ ከእትዉን ይኽእሉ፣

  • ታሕተዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዕልዋ ክገብሩን ወጻኢ ንዘሎ ተቓውሞ ክዕድሙን ይኽእሉ፣ (እቲ ሕጂ ተበታቲኑ ዘሎ ናይ ዲያስፖራ ተቓውሞ ግን ሓጋዚ ኣበርክቶ ክህብ ኣይክኽልን፣ብኣንጻሩ፡ ኣበርዓኒ ጊደ ክጻወት ይኽእል።)

  1. ብናይ ደገ ሓይሊ እተደገፈ ለውጢ፡

    (ኣይግበሮ እንበር) ናይ ደገ ሓይሊ ምስ ክፋል ሰራዊት ኤርትራ ተመሓዝዩ፡ ዕልዋ ስርዓት ክድግፍ ዘይከኣል ኣይኮነን።

  2. ብህዝባዊ ምልዕዓል ኣቢሉ ዝመጽእ ለውጢ

    ገለ ደጋፊ ምኽንያት ምስ ዝርከብ፡ ህዝቢ ብቝጥዓን ብዘይፍርሕን ተላዒሉ፡ ብሰራዊት እውን ተደጊፉ፡ ነቲ ኣብ ጻዕረ-ሞት ዘሎ ስርዓት ብዕዉት ህዝባ ምልዕዓል ከውድቖ ይኽእል። ዘተኣማምን ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ኣኽእሎ ዘእዩ

    ብዘይካ'ቲ ብህዝባዊ ናዕቢ ዝብጻሕ ለውጢ፡ እቲ ካልእ ኣገባባት/ሰናርዮታት፡ ሓደገኛን ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእልን ኢዩ። እቲ ተመራጺ ዝኾነ፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ክመጽእ ዝድለ ለውጢ'ውን እንተኾነ፡ ኣብ ትሕቲ ዘሎ ጨፍላቒ ስርዓት ናይ ምዕዋቱ ኣኻእሎታት ከቢድ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ኰይኑ ግን፡ ብተሪር ህዝባዊ ቃልሲ ዘይብጻሕ ሸቶ ስለዘየልቦ፡ እቲ ህልዊ ስርዓት ህግደፍ ለውጥታት ከርኢ ሃሰስ ክብል ይግደድ ይኸውን። እዚ ከኣ ዝያዳ መውደቒኡ ይኸውን። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ መላእ ህዝቢ ዝዓስሎ ምንቅስቓስ ዓዂኹ ኣብቲ ዝድለ ለውጢ ክብጻ ይከኣል።

    ብህዝባዊ ናዕቢ ዝመጽእ ለውጢ ክቀላጠፍን ክዕወትን፡ እዚ ስዒቡ ዝጥቀስ ረቛሒታት ክህሉ ግድን ኢዩ፣

  • ህላዌ እተወደበ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ሃገር፣

  • ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ተቓውሞ፡ ንህዝቢ ቅኑዕ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ብቕዓት ክውንን ይግባእ፣ (ማለት ብዙሕነቱ ዘኽብር ሓደ ህዝቢ ኢና። ብሃይማኖት እተፈላለና 2 ህዝቢ ኢና፡ ወይ 9 ኣህዛብ ኢና ዝብል መልእኽቲ ምሕላፍ ንሓፈሻዊ ቃልሲ ህዝቢ ዘተባብዕ ኣይኮነን።)

  • (ኣብ ኤርትራ) ለውጢ ክመጽእ ከም ዘድሊ ዞባውን ዓለም-ለኻውን ምድንጋጽን ደገፍን ምርካብ ኣድላዪ ኢዩ፣

  • ጐረባብቲ ሃገራት ተጻረርቲ ናይቲ ዝድለ ለውጢ ከይኮኑ ምቅላስ።

ብሓጺር ኣዘራርባ፡ ተደላይን ዘላቕን ለውጢ ብዝሰፍሐ ተሳትፎ ህዝቢ ምስ ዝብጻሕ ኢዩ ዕዉት ዝኸውን። ከምኡ ምእንቲ ክኸውን ከኣ፡ ብዲሞክራሲያውን ዘይጐነጻውን ኣገባብ ክምራሕ ተመራጺ ኢዩ። ንመንእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ኣቓልቦ ዝህብ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ምቛም ኣገዳስነቱ ዘካትዕ ኣይኮነን። (ብሸነኹ ሰዲህኤ፡ ናይ ነዊሕን ሓጺርን መድረኽ ልፍትታት ቃልሲ ክህሉ የተባብዕን ይቃለስን። እዚ ከኣ'ዩ ርግኣት ዘለዋ ዲሞክራሲያዊትን ብልጽግትን ሃገር ንምርግጋጽ ዘብቅዕ ኣገባብ።)

  

መብዝሕትና ከም እንብሎ፡ ንሃገርና ኣብዚ ዘሎናዮ ሃለዋት ዘብጽሓ፡ እቲ ኣሳታፊ ዘይኮነ ናይ 1991 ኣበጋግሳና ኢዩ ነይሩ። ንሱ ከኣ ኣካል ናይቲ ቅድም ዝጸንሔ "ዕዉት ንኹሉ ስልጣን ይግብት" ዝብል ኣረዳድኣ ኢዩ። ሎሚ ንዝነበረ ኣግላሊ ስምዒትን ኣረዳድኣን ተቓሊስና ክንስዕሮን፡ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ክንፈጥርን ዓቢ ኣድላይነት ኣለዎ። ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ከም ዘሎ፡ ንሕና ከም ሰዲህኤ ሓደ ናይ ተቓውሞ ሃገራዊ ቻርተር ክህልወና ኣሎዎ ንብል። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት፡ ንውሱን ጊዜ ዝመርሕ ሓድነታዊ መንግስቲ ክቐውም፣ ከምኡ'ውን ንበደላት ኣጽኒዑ ፍትሒ ዝህብ፡ ዕርቂን ሰላምን ከኣ ዘስፍን መስርሕ ክኽፈት የድሊ። እዚ ብሕጂ ጀሚሩ ኣብ ሃገራዊ ውጥን ንዲሞራሲያዊ ለውጢ ክሰፍር ኣሎዎ።

 

መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ

ኣቐዲሙ ከም እተጠቕሰ፡ ሰልፊ ዲሞክራስን ሰልፊ ህዝብን ብሰነ 2009 ኣብ ሓደ ሓባራዊ መሰጋገሪ ውጥን (transition plan) ብምስምማዕ፡ ነቲ ንድፊ ኣብቲ ብሓምለ 2009 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ እተጸውዐ ዓውደ-መጽናዕቲ ከም ዝቐርብ ገይሮም። እንድጌና'ውን ክልቲኡ ሰልፍታት ንሰዲህኤ/EPDP ምስ ኣቖመ፡ ብየካቲት 2010 ነቲ ውጥን ከም ንድፊ መሪሕነት ኪዳን ክቕበሎ እሞ ሓደ ካብ ሰነዳት ሃገራዊ ዋዕላ ዝኾነሉ መንገዲ ክጽናዕ ሓቲቱ። (ብመሪሕነት ኪዳን ግን ከምኡ ኣይተገብረን።)

 

 

መራሒ መትከላት ናይ'ዚ እተጠቕሰ መሰጋገሪ ውጥን ሰዲህኤ፡ መንፈስ ሰላም፡ ፍትሒ ሰብኣዊ መሰላት ኣዕዚዙ ዝረኣየ ኢዩ። ኣንጻር ቂምን ፍድየተ-ሕነ ስጉምቲታትን ደው ዝበለን፡ ብድሌታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተገዝኤን ኰይኑ፣ መሪሕ መትከላቱ ከኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ሓቂታት ዝተመስረቱ ክኸውን ጠሊቡ ነይሩ፡-  

  • ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፡ ኣብ ንመሰጋገሪ መስርሕ ዝምልከት ኩሉ መዳያዊ ምይይጣት ምሉእ ዕድል ተሳትፎ ክህልዎ ኣለዎ፣
  • መስርሕ ምስግጋር ሕጋውን ሰላማውን ከም ዝኸውን ንዜጋታት ክረጋገጽ፣
  • ናጽነትን መሬታዊ ሓድነትን ሃገርና ብጽኑዕ ምውሓሱ፡
  • ዕድመ መስርሕ ምስግጋር ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ይውሰን።

እቲ ውጥን ኣብዚ ቀጺሉ ዝጥቀስ ኣብ ክልተ መድረኻት እተመቕለ ቅርጻን ዕማማትን ዝሓዘ ክኸውን ኢዩ ተደልዩ ነይሩ፡-

  1. ኣብ ወጻኢ ዝጋባእ ዋዕላ፡ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ ኣብ ግብሪ ከውዕል ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት (ሃቤሽ) ዝመርጽን ሓላፍነት ዝህብን ኣካል ኢዩ። ሃገራዊ ቻርተር ብተሳተፍቲ ቀዳማይ ዋዕላ፡ ነቲ ዝተበጽሐ መሰረታዊ ስምምዕ ዘነጽር፡ ናይ መወዳእታ ሰነድ መድረኽ ቅድመ-ምስግጋር ኢዩ።
  2. ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት (ሃቤሽ)፡ ብመሰረት ብዋዕላ ዝተዋህቦ ሓላፍነት፡ ሃቤሽ፡ ኣብ መስርሕ መድረኽ ቅድመ-ምስግጋር ዝለዓለ ስልጣን ዝህልዎ ኣካል ኢዩ።
  3. ፈጻሚ ሽማግለ (ፈሽ)፡ ብሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ዝምዘዝ (ዝቐውም) ኣካል ኮይኑ፡ እዚ ካብ ምዝዛም ቀዳማይ ዋዕላ ኣትሒዙ ክሳዕ ካልኣይ ዋዕላ፡ ነቲ ብቤት ምኽሪ ሃገራዊ ሽማግለ ዝወጸ መምርሒታት ናይ መዓልታዊ ምምሕዳራዊ ሓላፍነት ኣለዎ።
  4. መሰጋገሪ ባይቶ (መባ)፡ ህሉው ስርዓት ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ፡ ኣብቲ ብምትሕብባርን ምምኽኻርን ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታትን ፈጻሚ ቦርድን ዝውደብ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ዝቐውም ፡ መሰጋገሪ ባይቶ ኤርትራ ኢዩ።
  5. መሰጋገሪ መንግስቲ (መመ)፡ ክሳብ ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ ሃገራዊ ባይቶን መንግስትን ዝቖሙ፡ ሃገር ንምምሕዳር፡ ብመሰጋገሪ ባይቶ ዝቐውም መሰጋገሪ መንግስቲ ኢዩ።

ቀዳማይ መድረኽ

ቅድመ-ምስግጋር (ቅድመ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ) ዝግበር ዋዕላ፡-

  • ቻርተር ቅድመ-ምስግጋር የጽድቕ፣

  • ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ይመርጽ፣

  • ዕድመ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ይውስን፣

  • ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ዝምርሓሉ ሕግታትን ቅጥዕታትን ይሕንጽጽ፣

  • ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕ ዝዓለመ ፖሊሲታትን መደባትን ይሕንጽጽ

ካልኣይ መድረኽ

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ሃገራዊ ምኽሪ ሽማግለታትን ፈጻሚ ኣካሉን (ከም ኲነታቱ፡ ምስ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሓይሊታት ብምርድዳእ) ነቲ ስርዓት ክትክኡን ንካልኣይ ዋዕላ ክጽውዑን እሞ እቲ ዋዕላ ከኣ ነዚ ዕማማት ከማልእ፡-

  • ምቛም ኣብ እዋን መሰጋገሪ መድረኽ ናይ ሓጋጊነት ዝለዓለ ስልጣን ንዝህልዎ መሰጋገሪ ባይቶ።
  • ኣብ እዋን ምስግጋር፡ ናይ ሃገርና ሰላም፡ ርግኣትን ሃገራዊ ጸጥታን ዝዕቀበሉ ኣገባብ።
  • ቀዋሚ ቅዋም ሃገር ምኽላስን ከመይነት ኣገባብ ምጽዳቑን።
  • ምስረታ፡ ዕማማትን፡ ስልጣንን፡ መስጋገሪ መንግስቲ።
  • ሃገራዊ ምርጫን ምቛም ፖለቲካዊ ሰልታትን፣ ምንዳፍን ምጽዳቕን ንዕኦም ዝምልከቱ ሕጊታትን።
  • ምጽዳቕ ሃገራዊ ቻርተር።
  • ምዝታይን ምጽዳቕን መሰጋገሪ ቅዋም።
  • ተወሰኽቲ፡ ከም ሃገራዊ ቁጠባ፡ ዝምድናታት ወጻኢ፡ ጉዳይ ዳግመ ውደባ ሰራዊት፣ … ወዘተ ዝኣመሰሉ ነጥቢታት።

(ምሉእ ትሕዝቶ መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ ኣብ ሓርነት.ኦርግ ርኤ።)

 


[i]  ጉዳይ መራሕ ሃገረ በኒን (ማቲዩ ከረኩ - Mathieu Kerekou) ሓደ ኣብነት ናይ ብመራሒ እተጀመረ ዕዉት ናይ ፖለቲካዊ ምስግጋር ኣብ ኣፍሪቃ ኢዩ። ብ1989፡ ከረኩ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ተጽዕኖታት ምስ ርኣየ ነቲ ሒዝዎ ዝጸንሔ ማርክሳዊ ፓለቲካ ገዲፉ ንሃገራዊ ዘተን ኣብዝሓ ሰልፍታትን ዋዕላን ጸዊዑ። እቲ ጸሊእዎ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣብ ኣኼባታት ከም ዝዋረድ ገይሩዎ፣ ከረኩ ንዝገበሮ ጌጋታት ምሕረት ክግበረሉ ሓቲቱ፣ ተዋሂቡዎ። ኣብ መወዳእታ ግን ብምርጫ ተሳዒሩ።

[ii] ቺለ ኣብ መንጎ 1973ን 1990 ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኣጉስቲኖ ፒኖቸ ኢያ ነይራ። ዓቢ ክፋል ህዝባ እተማህረን፡ ንነዊ ጊዜ ተሞክሮ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ዝነበሮን እኳ እንተኾነ፡ እቲ ንምስግጋር ዘካየድዎ ቃልሲ ኣብ ገለ ሸነኻቱ ንኤርትራ ዝጠቅም ትምህርቲ ክህብ ዝኽእል ኢዩ። 1. ንኣብነት፡ ከምቲ ንሕና ሎሚ ዘሎናዮ፡ ደንበ ተቓውሞ ቺለ እውን ብፍልልያት ይሳቐ ነይሩ ኢዩ። ካብ 1984 ጀሚሮም ግን ኣብ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ዘተ መኣድታት ክራኸቡ ጀሚሮም። እዚ እተደጋገመ ዓውደ-መጽናዕትታትን ኣኼባታትን ኣብ መወዳእታ ኣብ ሓደ ኩሎም እተሰማምዑሉ ናይ ምስግጋር ውጥን ከብጽሑ ክኢሎም።   2. ናቶም መሰጋገሪ ውጥን (ከም ኲነታቶም) ኣብ ሕጊ እተመስረተ ክኸውን ተሰማሚዖም። በዚ መሰረት ከም ሜላ ነቲ ቅዋም ናይ መላኺ ፒኖቸ ተቐቢሎም ብእኡ ክቃለሱዎ መዲቦም። ኣብ ርእስቲ ዘሎ ቅዋም ከኣ ናይ መጻኢ ምምሕያሻትን ቅርጻ መንግስትን (ንጽገና) ነዲፎም። ፒኖቸ ሕጋዊ ምስርሕ ስለዝኾነ ክነጽጎ ኣይከኣለን። በብቚሩብ ግን ኲነታት ምልኪ እናጸበበ ከይዱ።   3. መለኽቲ ገለ ቅጥዕታትን ሕግታትን ናቶም ሰዓብትን ኣስሊኾም ስልጣኖም ከቐጽሉ ከም ዝቃለሱ ርዱእ ኢዩ፣ ደንበ ለውጢ ቺለ ከኣ ነዚ ነቒሖምሉ ጸኒሖምን ተቓሊሶምዎን። 4. ዲሞክራሲ ርግኣትን ሰላምን ከምጽእ ኣሎዎ። ድሕሪ ውድቀት መለኽቲ ሕንፍሽፍስ ከምዘይፍጠር ንህዝቢ ከተዕግቦ ይህልወካ፣ እንተዘየሎ ምስቲ መላኺ ኢዩ ዝጽጋዕ፣ ኣይስዕበካን። (ኣብ ኤርትራ'ውን ዝሓለፈ ናይ 54 ዓመታት ውግን ወረ ውግእን ከምዘይቅጽል እቲ ተቓውሞና ንህዝቢ ከርኢ ይህልዎ።) 5. ድሕሪ ውድቀት መላኺ ኣብ ምጣኔ ሃብታዊ ምዕባለ ለውጢ ከተርኢ ምቅልጣፍ። 6. ዲሞክርዊ ሰላምን ቅሳነትን ራህውን ጥራይ ዘይኮነ ፍትሒ፡ ግዝኣተ ሕግን፡ ተሳትፎን እውን ኢዩ። ናይ ሕሉፍ ጊዜ ገበናት ሓቅነቱ ክግለጽ ኣለዎ። ገበናት ዝምርምርን ንግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ፍትሒ ዝህብን ብሓቂ ዝሰርሕ ትካላት/ኣገባባት (effective mechanisms) ክህሉ ይግባእ። ተቓውሞ ቺለ ነዚ ኩሉ ነጥብታት ድሕሪ ውድቀት ምልኪ ፒኖቸ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ተቓሊሶም።

روتردام/ هولندا

19 / 12 / 2015م

 

نجتمع اليوم لإحياء الذكرى العاشرة لرحيل المناضل الشهيد/ سيوم عقباميكائيل، وعشر سنوات لا شك مدة طويلة، لكن طولها لم يَـطـْــوِ أو يـُـخـْـمِــدْ حيوية أعمال وأفكار وآثار ومآثر الشهيد/ سيوم، إنه وإن رحل جسداً لم يغادرنا روحاً. وبهذه المناسبة أتوجه لأسرته الكريمة علي هذه اللفتة البارعة بتنظيم هذا الحفل إحياءاً لذكراه.

في مثل هذا اليوم قبل عشر سنوات وفي هذا المكان وَسَّــدْنا فقيدنا التراب، ورغم تساقط الجليد بكثافة غير مألوفة في الأراضي الهولندية، تمت مراسم دفن رسمية وشعبية وروحية للشهيد ندر مثيلها. يومها تقاطر مشيعوه وحداناً وزرافات من شتى بقاع الدنيا. غزارة الدموع التي أنهكت قوانا ونحن نستقبل الجثمان لم يخففها إلا تمسكنا بأهداب الصمود والشهامة والشجاعة التي تميز بها الشهيد. لم يكن ما لقيه شهيدنا ذلك مجرد حفاوة تشييع استثنائي فحسب، بل كان له مغزىً ذو أهمية بالغة، إن ما حظي به سيوم من حفاوة تشييع يثبت أننا نحن الارتريين، بغض النظر عن انتماءاتنا الدينية والسياسية والتنظيمية نجمع علي أهمية ومبدئية إسهامات سيوم المتميزة في النضال الوطني الديمقراطي، وأن ما وجده منا من حسن توديع وتشييع إنما يعبر عن إجلالنا لأدواره الوطنية.

Seyoum Ogbamichael 1

الشهيد سيوم عقباميكائيل

 

كان سيوم شعلة ملتهبة من النشاط، لا يعرف الشكوى من مرض أو فتور ولا يتسرب اليه اليأس والملل مهما عظم ما يلاقيه من صعاب وآلام جسدية أو معنوية، وقد سخـَّــرَ تلك الطاقة المادية والروحية لخدمة شعبه ووطنه حتى آخر رمق في حياته، فقد ناضل سيوم بصمودٍ وتفانٍ من أجل الاستقلال، وبعد التحرير والاستقلال ناضل لتحقيق السلام، العدالة، الديمقراطية، صون حقوق الانسان، المناضل البطل سيوم تميز منذ طفولة حياته النضالية بصفات إنسانية نادرة كان أبرز أمثلتها: الثبات علي المبدأ، بعد النظر، الدفاع عن القناعات، الصبر وقوة الإرادة التي لا يصيبها اليأس من استشراف الأمل المشرق، الإخلاص والوفاء. اشتهر الشهيد/ سيوم بقوة التمسك بمبادئ جبهة التحرير الارترية، وعندما انتهكت تلك المبادئ وحدثت الشروخ والانقسامات داخل الجبهة كان سيوم مقاتلاً صلباً في جبهة النضال الأمامية دفاعاً عن مبادئ الجبهة. يمكننا القول: إنه كان حارساً أميناً ووفياً لمبادئ جبهة التحرير الارترية، كان أيضاً من أشرس من عُـرِفُـوا بتصدِّيهم للدكتاتورية بلا هوادة. سيوم لم يعرف الاكتفاء بعمل واحد أو الاختصاص بأداء وإجادة مهمة بعينها، كان لديه من تعدُّد القدرات ما يؤهله للنجاح والإنجاز في أي مهمة تنظيمية تسند إليه. فإجادته وليس إلمامه فقط للغات عديدة جعله مدججاً بكامل الأسلحة والمؤهلات المطلوبة في السياسي القيادي والدبلوماسي المحنك. كما حباه الله تعالى بمواهب عديدة ونادرة فقد كان خطيباً مفوهاً، كاتباً قديراً، شاعراً بليغاً، مربياً نموذجياً، ومنظماً ومستقطباً قوى الحجة والمنطق. كذلك لم يكن سيوم سياسياً صارم القسمات حاد النظرات جاف الطباع، بل مع كل الجد والصرامة في عمله السياسي عُــرِفَ سيوم بالمرح ولطف المعشر لا يمله جليسه، ولا يفتر هو من تسلية وإضحاك جلسائه الليل كله أو النهار جُــلَّـه. خطبه ومحاضراته وتقاريره، أياً كان طولها لم تكن محل ضجر وملل من المستمع أو المشاهد أو القارئ، بل ترى الحضور يستزيدونه حتى بإثارة الأسئلة خارج الموضوع.

 

للأسف قطع موت سيوم المفاجئ مسيرة تحقيق مشروعه الوطني الديمقراطي، ذلك أن التجربة الثرة التي تراكمت لديه من سني نضاله الطويلة وما اكتسبه بجهده الذاتي العصامي من ثقافة وتعلــُّـم يؤهلانه كل التأهيل ليكون القائد الرائد والمثالي للمرحلة الحالية. وانقطاع التسلسل التاريخي والحياتي لمشروع شهيدنا بموته وبالتالي الخسارة الفادحة والجرح العميق الذي أحدثه رحيله المفاجئ وَضَعـَـنا أمام تحدٍ وطنيٍّ يوجب علينا مضاعفة جهودنا الفردية والجماعية لسد هذه الفجوة القيادية العميقة.

السيرة الذاتية للشهيد/ سيوم:

 

ولد سيوم في يناير 1946م بمحلية (شوعتي دقي – دقنة ) وتربى بأسمرا بين ظهراني والده الرقيب شرطة/ عقباميكائيل رأسو ووالدته هيوت بهتا.

 

 

تلقى تعليمه الابتدائي والإعدادي في مدرستي الستاويين والبرنشيبي، ودرس الثانوية بمدرسة الأمير مكونن في الأعوام 1961 – 1965م.

 

 تعلقه بحب وقضايا وطنه جعله يبدأ العمل السياسي وهو ما يزال طالباً بالمرحلة الثانوية، لذلك كان واحداً من أبرز من يقودون سراً الحركة الطلابية الارترية. في ذات المدرسة وذات النشاط السياسي والوطني زامل سيوم الكثيرين الذين كان من أبرزهم: ولد داويت تمسغن، هيلي ولد تنسائي (درُّع)، ميكائيل قابر، ولد يسوس عمار، موسيي تسفاميكائيل، إسياس أفورقي، عبد الرحمن حسن مهري، قرزقهير تولدي وعبد الله حسن وآخرين.

 

في 1965م التحق سيوم بالميدان وأصبح مقاتلاً بجبهة التحرير الارترية، وبعد قضاء فترة وجيزة بالميدان تمَّ تكليفه مع رفيق نضاله الشهيد/ ولد داويت تمسغن بالقيام بتنظيم خلايا الداخل حيث دخلا العاصمة اسمرا سراً في أغسطس 1965م. ومن عاصروه في تلك الآونة يشهدون له بتحقيق نجاحات وإنجازات قياسية فيما كـُـلـِّــفَ به من العمل السري داخل المدن. هذا وبينما كان الشهيد يزاول برفقة زميله الشهيد/ ولد داويت تمسغن أعماله بالداخل كشفت أجهزة أمن الاحتلال الاثيوبي تحركاته وكل العمل الداخلي فألقت به وعدد كبير من زملائه في السجن، خضع سيوم وزميله ولد داويت لاستجواب مكثف وعنيف حتى يكشفا ما نظماه من خلايا سرية، لكنهما تحملا التعذيب النفسي والجسدي ولم يكشفا عن شيء مما خضعا للتحقيق حوله، الأمر الذي يَـسـَّــر علي من تبقـَّـى من زملائه خارج السجن مواصلة عملهم في الاستقطاب والتأطير.

 

التحقيقات المصحوبة بالتعذيب لم تـَــفـُـتْ في عضد سيوم بل زادته صموداً ووطنية وتمسكاً بالأهداف، لذلك واصل نضاله مع زملائه في السجن، فأقنع الكثيرين من شباب السجناء المحبوسين لأسباب شتـَّـى، أقنعهم بإمكانية الالتحاق والارتباط بالنضال الوطني التحرري أينما كانوا وكيفما استطاعوا، اتخذ سيوم السجن معقل نضالٍ جديد فعمل مع زملائه طيلة العشر سنوات - مدة سجنه – علي نشر الوعي الوطني بين حوالي خمسٍ وعشرين ألف سجين زاملوه في السجن. سيوم لم ييأس يوماً من إمكانية التحرر من أغلال السجن، لذلك كان باستمرار يمهد لذلك بوسائل مختلفة، فكان بكل حذر ينسق العلاقة بين زملاء نضاله خارج السجن والوطنيين من حراس السجن، وبالفعل أصبح حلم سيوم حقيقة واقعية، فقد قامت قوات من جبهة التحرير الارترية بتنفيذ الخطة التكتيكية التي وضعها سيوم داخل السجن مما أدى في الثاني عشر من فبراير 1975م الي تحرير حوالي الألف سجين في سجني أسمرا وعدي خالا في وقتٍ متزامن، كان بين السجناء الي جانب سيوم وولداويت ودِرُّع عدد آخر من المناضلين.

 

تخرج سيوم من مدرسة السجن وهو أكثر وعياً وَشِـدَّةَ مِـرَاس، فإلي جانب تعمـُّــق واتساع وعيه السياسي خرج من السجن وهو يحمل زاداً ثرياً من اللغات التي كان يكتبها ويتحدثها بطلاقة، فبجانب ما تلقاه في دراسته النظامية قبل السجن من اللغات الانجليزية والايطالية والأمهرية تعلم في السجن وبجهوده الذاتية العربية والفرنسية والإسبانية.

 

بعد معاناة السجن مدة عشر سنواتٍ طوالٍ عجاف، بالتأكيد كان الشهيد سيوم مثله مثل كل آدمي من لحم ودم بحاجة الي الخلود للراحة وإرواء غليله من الأشواق الي رؤية أقاربه ومعارفه، لكنه دائماً ما كان يعطي الأولوية للنضال والشعب والوطن علي أي شيء آخر (وكان هذا ديدنه حتى عشية استشهاده). لذلك بمجرد خروجه من السجن انخرط في عمله الوطني، وهكذا شارك في المؤتمر الوطني الثاني لجبهة التحرير الارترية الذي عقد في 1975م ومنه تم تكليفه بمهمة الإشراف السياسي علي اقليم أكلي قوزاي، ثم أصبح رئيساً للاتحاد العام للفلاحين الارتريين، لذا لقب بلقب (حرستاي)، أي فلاح لما كان يبديه من اهتمام بالغ بشؤون الفلاحين، وبالفعل كان سيوم خير من يدافع عن حقوق الفلاح الارتري المضطهد.

 

عمل سيوم في مختلف مواقع العمل القيادي في تنظيم جبهة التحرير الارترية – المجلس الثوري، فعندما كان مسئولاً للعلاقات الخارجية لم يقصر عمله علي تعريف الآخرين بأهداف ومبادئ التنظيم فحسب، بل لعب أعظم الأدوار في إطـْـلاع العالم علي انتهاكات النظام الدكتاتوري للحقوق الإنسانية والديمقراطية.

 

ترأس سيوم تنظيم جبهة التحرير الارترية – المجلس الثوري منذ 2002 حتى تاريخ استشهاده. وفي الشهور الأخيرة من حياته بذل جهداً مكثفاً في نشر وشرح ورقة التنظيم لاسترايجية النصر، والتي كانت تتركز في التالي:

 

 

1/ المجال التنظيمي الداخلي 2/ قضايا معسكر المعارضة 3/ العمل بالداخل 4/ المجال الدبلوماسي

* ففي المجال التنظيمي الداخلي كانت الخطة تهدف الي تحديث أوضاع التنظيم، وأن يغير هيكله التنظيمي الي حزب يتواءم والحداثة.

 

* أما عن قضايا معسكر المعارضة كانت الورقة تقترح تجاوز المختلف عليه بالعمل المشترك في كل ما هو محل اتفاق بين فرقائها، وأنه كلما اتخذت القرارات الجماعية بعد تأنٍّ ودراسة كانت أجدى وأنفع. وكثيراً ما عمل سيوم علي تقديم المبادرات وبذل الجهود في كل ما من شأنه تهدئة وحلحلة الخلافات التي كانت تشتعل بين مكونات المعارضة من حين لآخر.

 

* بحكم إيمانه بأنه دون مشاركة الشعب من الداخل سوف يكون من الصعب إسقاط النظام الدكتاتوري كان يخطط لتركيز معظم عمل التنظيم علي الداخل.

 

* في المجال الدبلوماسي، كان سيوم يعمل لتفادي انحصار العمل الدبلوماسي المعارض في زوايا وأقاليم جغرافية بعينها، بل سعى بلا هوادة الي نشره في كافة بقاع الأرض، فصال وجال في زيارات مكوكية الي امريكا الشمالية، أوربا، أستراليا، مع تركيز خاص علي دول الجوار الارتري. ولإيمانه بقيام العلاقات بين دول الجوار علي الاحترام المتبادل وأن ذلك كفيل بضمان السلم والاستقرار بينها، كان باستمرار يعمل علي بناء أفضل وأنقـَـى العلاقات مع دول الجوار. واستناداً علي هذه الحقيقة كان كثير التردد علي اثيوبيا والحوار المستمر مع رئيس وزرائها الراحل ملس زيناوي.

 

 

قـَــدِمَ الشهيد سيوم الي اثيوبيا في الأسبوع الأخير من نوفمبر 2005م علي رأس وفدٍ قياديٍّ عالي المستوى، وفارق الدنيا في السابع عشر من ديسمبر 2005م إثر علة لم تتجاوز معه الساعات وهو يزاول عمله النضالي في تلك الزيارة. ولو أنه وجد العلاج السريع والناجع لـَـرُبَّــمَـا شُــفِـيَ من علته تلك، قضى سيوم اليوم السابق لوفاته (16 / 12 / 2005م) بمكتب تنظيمه المجلس الثوري حيث تغدَّى هناك مع زملائه في المكتب، وفي حوالي الثالثة والنصف عصراً ذهب الي الفندق للراحة، وَوَعَـدَ زملاءَه أن يعود اليهم مساء ذات اليوم وفي حال تعذر ذلك أن يأتيهم صباح الغد. لكن لأنه كان يشكو من إحساس بالفتور والتوَعُّـك لم يأتهم في موعده المسائي وانتظروا موعده الآخر الصباحي بغير قلق.

             

في السابعة من صباح اليوم التالي ( 17 / 12 / 2005م ) أخبر سيوم زملاءه أنه بالفعل قد توعـَّــكَ، وأنه يشعر بالبرد وآلام (طعنات) في الصدر، لذلك قرر زملاؤه التعجيل بأخذه الي أقرب مكان للعلاج، فأخذه أحدهم وذهب به الي أقرب عيادة، لكن لأن الدوام لم يبدأ بعد لم يحصل علي الطاقم الطبي المسئول من العلاج، نصحهم الطبيب المناوب بأن يعطى المريض حقنة مهدئة للألم تمكنه من انتظار الطبيب المختص وبالفعل أحضرتْ الحقنة من صيدلية العيادة وحقن بها.

 

حضر الطبيب في حوالي الثامنة والربع، وبعد تفحصه قليلاً ظهرت في وجه الطبيب تعبيرات تدل علي هلعه وانزعاجه مما وجد عليه المريض سيوم من تأخر حالة، وبعد أن تفحص الطبيب مريضنا بمختلف الأدوات الطبية أشار بأخذه الي مستشفىً أكبر بسيارة الإسعاف

   

لكن لسوء الحظ لم يكن المستشفى المذكور يملك من الخبرات الطبية ولا من الوسائل التقنية ما يؤهله لإنقاذ سيوم وهو في تلك الحالة المتأخرة، وفي حوالي العاشرة صباحاً أُخْــبـِــرَ زملاؤه أن قلب مريضهم قد توقف عن العمل، وبذلك فإن سيوم الشعلة المتقدة من النشاط والذي لم يعرف في حياته الخلود الي الراحة قد خلد الي الراحة الأبدية.

 

بعد إعلان الوفاة كان عصياً علي رفاق نضاله التصديق، وكيف يصدِّق خبر موته من رآه اليوم السابق يتقافز ويجري. في نضاله من أجل السلم والديمقراطية والعدل لم يعرف عن سيوم أي ملل أو تعلل بمرض أو إعياء. لا أسرته ولا أصدقاؤه قد سمعوا منه يوماً شكوى من أي نوع. هذا بالطبع لا يعني أن سيوم آدمي فوق العادة أو سوبرمان لا يعرف الفتور والمرض. ما خطبه إذاً؟ إنه بصراحة لم يكن لديه الوقت الذي يصرفه في الاطمئنان علي صحته إذا ما أحس بشيء أو التشكي الي أيٍّ من زملائه أو أقاربه، لأنه كان يعد أي وقت يقضيه خارج عمله النضالي وقتاً ضائعاً. هذه حقيقة وليست مبالغة من عندنا، فهو بينما كان يعيش الساعات والدقائق الأخيرة من حياته في المستشفى الذي أتاه مرغماً محمولاً علي سيارة الإسعاف عندما أُخبـِــر أن المستشفى الذي حُــمِـــلَ اليه خاص وليس حكومياً طالب بتحويله الي مستشفىً حكومي تجنباً للتكلفة العالية وتوفيراً لأموال التنظيم من أن تذهب في شأنٍ خاص لا علاقة لها به كما يعتقد!!

 

تقبلنا حقيقة نبأ وفاة سيوم بصعوبة شديدة والألم يعتصرنا. كل متابع لصيق لمسيرة النضال انتابته المخاوف من أن لا تجد التغيرات الإيجابية في التنظيم التي كان سيوم يتعهدها بنفسه من يخلفه من زملائه في تعهدها بذات الكفاءة والحماس. بيد أن رفاقه الأوفياء أثبتوا بتفانيهم في إنفاذ وصايا شهيدهم أنهم خير خلف لخير سلف. لقد ضحوا بالأموال الضخمة التي كانوا يتقاضونها والمصالح الجمة التي كانوا يحققونها بالعمل لحسابهم الخاص، فتفرغوا كامل التفرغ لملء الفراغ الذي تركه غياب سيوم.

 

قبيل ترحيل الجثمان من اثيوبيا الي هولندا في العشرين من ديسمبر 2005م نظم أعضاء المكتب بأديس أبابا حفل تأبين وداعي مختصر الفقرات، حيث تليت السيرة الذاتية للشهيد وألقيت بعض القصائد الشعرية، لقد امتلأ المكان بالبشر ارتريين واثيوبيين رسميين وشعبيين يتقدمهم قادة وكوادر وأعضاء جميع التنظيمات السياسية الارترية، وحضر من الجانب الاثيوبي الرسمي كلٌّ من السيد/ سبحت نقا من جبهة الإهودق (الائتلاف الحاكم) والسيد/ سليمان السفير بوزارة الخارجية الإثيوبية والسيد/ هيليكيروس قـسـسي سفير اثيوبيا بالصين حينها، والسيد/ حبور قبركدان مدير منتدى صنعاء (صنعا فورَم) وآخرون.

 

 

وصل الجثمان من اثيوبيا الي هولندا في العشرين من ديسمبر 2005م وفي الثلاثين منه وُورِيَ الثرَى بضاحية فلاردينقن بمدينة روتردام.  

إن الرجل الذي خدم بلاده وشعبه لما يربو علي الأربعين عاماً كان يستحق أن يستمتع بالكثير من ثمار تعبه، وأقلُّ ذلك أن يوارَى فيها جثمانه، لكن سيوم الذي لم يبخل يوماً علي شعبه كان يعلم أن ما لم يجنـِـه هو من ثمار تعبه سوف يجنيه زملاؤه المناضلون المخلصون الذين لم ينكـِّــسوا راية الحرية والتحرير التي رفعها واستشهد تحت لوائها. وها هي بالفعل مؤشرات ذلك قد برزت في التحاق الشباب والأجيال الحديثة بالنضال مستلمين الراية من الآباء والأجداد فاتسعت دائرة رفض القمع والاضطهاد.

 

 

الشهيد/ سيوم كان في كل ما قدمه في سبيل وطنه حتى الدقائق الأخيرة من حياته يتمتع بمؤازرة أسرته التي ساندته ووقفت معه في تحقيق كل ما آمن به من مبادئ. ذلك أن هذه الأسرة لم تحتكره لنفسها بل قاسمته تضحياته من أجل شعبه. إن أبناءه الكبار بالذات عايدة وبآولوس سيوم ووالدتهما العزيزة رفيقة درب الشهيد وشريكة حياته السيدة/ أزمارا هيلي لم يجدوا سيوم يوم كانوا في أمسِّ الحاجة اليه، لماذا؟ لأن النضال والتضحية من أجل الوطن كانا الأسرة الموازية التي استأثرت بالشهيد دونهم، وبذلك شاركت أسرة سيوم عائلها نضاله وَرَهـْـقـَـهُ الذي لم ينفصل عنه إلا بالموت. إن الثمن الباهظ الذي دفعته الأسرة من حصتها في الاستمتاع بحنو الأب وحضوره بينها كان أكبر إسهام نضالي يندر أن تدفعه أسرة يعيش ربـُّـها علي قيد الحياة. لذلك وكما شكرنا والد هذه الأسرة علي ما قدمه لشعبه يوم وداعه قبل عشرة أعوام، لا نملك اليوم أيضاً إلا أن نضاعف له الشكر ولأسرته التي رباها علي التضحية ونكرات الذات فـَـضَـحـَّــتْ في إخلاصٍ ونكران ذاتٍ نادرَين. لقد حقَّ لهذه الأسرة المناضلة أن تفخر بتراث والدها الذي لم يورثها مالاً ولا عقاراً، بل ورثها المجدَ والسـُّــؤدَد.

 

 

إننا إذ نحيـِّـي الشهيد سيوم عقباميكائيل في ذكرى وفاته العاشرة نحيي معه وعبره سائر شهدائنا الذين ضحوا بأعمارهم من أجل ارتريا. هناك بالتأكيد مناضلون وثيقو الصلة النضالية بالشهيد سيوم لم يلبثوا أن لحقوا به في العالم الآخر وهم مثله لم يبخلوا بدقيقة من عمرهم علي شعبهم وبلادهم، ونخص من هؤلاء بالذكر المناضلين الشهداء/ أحمد محمد ناصر، عبد الله إدريس، الدكتور بيني كداني.

 

 

المجد والخلود لشهدائنا الأبطال

ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ከም ኣካል ናይቲ ኣብታ ሃገር ክረኣ ዝጸነሐ ሓፈሻዊ ምንቁልቋል መመሊሱ ይርመስ ከም ዘሎ ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ኣብኡ ተመሃሮ ዝጸንሑ መንእሰያት ገሊጾም። ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ዘንቍለሉ ዘሎ ምኽንያታት ብዙሕ ምዃኑ ንጹር ኮይኑ፤ ገለ ካብኦም ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ተመሃራይ ትምህርቲ ንምክትታል ቤተሰቡን ወለዱን ገዲፉ ኣብ ሓደ ቦታታት ኣብ ሳዋ ክእከብ ምግዳዱ፡ እቲ ተኣኪቦም ትምህርቲ ዝከታተልሉ ቦታ ንትምህርቲ ብዘየተባብዕ ወተሃደራዊ ሕጊ ዝመሓድርን ብወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝመሓደርን ልዑል ሕጽረት ናይ ትምህርቲ መሳርሕን መምሃራንን ዘለዎን ምዃኑ እዞም ኣብ ሳዋ ተመሃሮ ዝነበሩ’ሞ ሎሚ ካብታ ሃገር ዝወጹ መንእሰያት ይሕብሩ።

እዞም ነቲ ኩነታት ባዕላቶም ዝተዓዘብዎ ከም ዝብልዎ፡ መምሃራን ውሑዳትን ዓቕሞም ውሱስንን ምዃኖም ከይኣክል ብኣማሓደርቶም ኣብ ልዕሊኦም ዝግበር ኣትሓሕዛ እውን ፍናኖም ዝደቁስ እምበር ክምህሩ ዘተባብዖም ኣይኮነን። በዚ መሰረት ሓሳቦም ብቑዕ ተካኢ ተመሃራይ ምፍራይ ዘይኮነስ ከም ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ነብስኻ ንምድሓን ካብ ሃገር ምውጻእ ምዃኑ ይሕብሩ። እዞም ተመሃሮ ቁሩብ ካብ ምንባብን ምጽሓፍን ዘይሓልፍ ፍልጠት ዝረኽቡ እውን ባዕላቶም ብጉጅለ ተሰሪዖም እቶም ደሓን ዝኾኑ ነቶም ካልኦት ብዝገብርሎም ምትሕግጋዝ ምዃኑ’ውን እዞም በዚ ተመኩሮ ዝሓለፉ ተመሃሮ ንኣካዳሚያዊ ኣካይዳ ናይቲ ስርዓት የቃልዑ።

እቲ ካልእ ነቲ መስርሕ ትምህርቲ መመሊሱ ዝደቑሶ፡ ተመሃሮ ዋላ ኣዝዩ ንኡስ ጌጋ ክፍጽሙ እንከለዉ፡ ሃናጺ ምዕዶን ምኽርን ናይ ምርካብ ዕድል ዘይብሎም ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ እቲ ዝቕጽዕዎ መቕጻዕቲ ሕጊ ዝጠሓሰ ወተሃደር ካብ ዝቕጸዖ ከቢድ መቕጻዕቲ ንላዕሊ ምዃኑ ካልእ ናይ ትምህርቲ ቅሩብነትካ ዘዳኽም ምዃኑ እዞም ተመሃሮ ይገልጹ።

ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ ቀልጢፉ ተዘይተፈዊሱ፡ ኤርትራ ከይትበርስ ዘስግእ እቲ ጠጠው መበሊ ዘይተርኽቦ ስደት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብ መስርሕ ትምህርቲ ዝፍጠር ዘሎ ምንቁልቋል’ውን ካልእ ኣስጋኢ ኣንፈት’ዩ።

أفادت مصادر من العاصمة أسمرا أن سلطات الهقدف قامت خلال الشهرين المنصرمين بإغلاق أكثر من 200 ورشة مملوكة للقطاع الخاص بأسمرا، هذا وقد سبق الإغلاق إنذار من السلطات بالرحيل الي ضاحية مرحانوم خارج العاصمة، ولكن عدم تسليمهم لقطع أرض ملائمة وكافية لإقامة الورش قد أخضع القضية لنزاعات وخلافات قانونية لم تحسم بعد.

 

هذا وعلي الرغم من قبول الملاك في وقتٍ لاحق بما منح لهم من مواقع علي ضآلة قيمتها لانعدام البديل إلا أن السلطات رفضت مقترحات وخطط الحلول التي تقدم بها المتضررون. وعوضاً عن ذلك أصرت السلطات علي إرغام الملاك بدفع الرسوم المطلوبة منهم مع تسليم المقاولة ببناء المحلات لشركة سقن الحكومية بالكامل دون تدخل أو اقتراحات من قبل الملاك. لكن عندما لم تجد اعتراضاتهم علي ذلك القرار القبول من السلطات كسابقاتها اضطر الملاك للخضوع للأمر الواقع. إلا أنهن بحكم وجود جسم نقابي لهؤلاء الملاك له رصيد في البنك طالبوا بتمويل إنشاء المحلات الجديدة من ذلك الحساب أو علي الأقل جعله الجزء الأكبر من التكلفة، وهذا أيضاً لم تقبله السلطات فذهب الملاك الي اسمرا لرفع الأمر الي الدكتاتور شخصياً، لكن قيل لهم إن الرجل في خزان عَــدِّي هالو فذهبوا الي هناك ليفاجأوا برفضه مقابلتهم واكتفائه بتكليف من يستلم عناوينهم ثم صرْفهم، حيث قفلوا راجعين الي اسمرا مضطرين الي دفع المبالغ المطلوبة منهم.

 

 

هذا وقد أورد شهود عيان أنهم بعد كل تلك المجهودات والصعود والهبوط اُستــُــدْعوا الي قاعة ببلدية اسمرا لمناقشة الأمر كما زعمت السلطات في ذات الوقت الذي تم فيه تشميع الورش علي ما فيها من معدات وحتى سيارات مملوكة لزبائن الورش. علماً أن جميع جهودهم لرفع الأمر الي أي جهة بإمكانها تحمل المسئولية قد باءت بالفشل، إذ كانت أي جهة تحيلهم لأخرى دون جدوى، الأمر الذي اضطر الكثيرين منهم الي إعداد العدة لتدبير أمر اللجوء الي دول الجوار يائسين من أي حل إيجابي لمشكلتهم مع السلطات الدكتاتورية الخرقاء.

 

يجدر بالذكر أن مراقبين كثر قد تطابقت آراؤهم علي أن مثل هذه السياسات التعسفية المتغطرسة ليست بالجديدة علي سلطة الهقدف الدكتاتورية.       

سيعقد السيد منقستآب أسمروم رئيس حزب الشعب الديمقراطي الإرتري وأعضاء قياديون آخرون سلسلة إجتماعات في ثلاثة مدن في المملكة المتحدة. ستتمحور موضوعات الإجتماعات حول آخر أوضاع الوطن والشعب في داخل البلاد وقضايا ذات صلة بمعسكر المعارضة ودور الحزب في النضال الهادف للتغيير الديمقراطي فضلاً عن أوضاع منطقتنا. والدعوة عامة.

أولاً: مدينة لندن

تاريخ الاجتماع: يوم السبت 24 يناير 2016

الزمان: 3:30 بعد الظهر وحتى 7:00 مساء

المكان:

Abrar House

                        45 Crawford Place, London W1H 4LP

                        لمزيد من المعلومات الأتصال   07884054117

ثانيا: مدينة ليدس

تاريخ الإجتماع: السبت 30 يناير 2016

الزمان: 1:00 ظهراً وحتى 6:00 مساء

المكان:

Ukranian Centre

5 Newtown Grove, Leeds

LS7 4HW

لمزيد من المعلومات:

الاتصال 07446995288

ثالثاً: مدينة برمنغهام وضواحيها

تاريخ الإجتماع: يوم الأحد 31 يناير 2016

الزمان: من الساعة 3:00 بعد الظهر وحتى 8:00 مساء

المكان:

The Zawiya

1 Jenkins Street Birmingham B10 0QH

مع تحيات

فرع المملكة المتحدة لحزب الشعب الديمقراطي

ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ድሕሪ ሞት 4ይ ፓትሪያርክ ኦርተዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝመርሕዎ ኣኼባ ተኻይዱ። ናይዚ ኣኼባ ተሳተፍቲ ናይ ዝተፈላለያ ሰበኻ ጉባአታት ኤርትራ ሓላፍቲ ጳጳሳት ወሲኽካ ኣባላት ሲነዶስ እዮም ነይሮም። ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ድማ ነዞም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝሞቱ’ሞ ብግዝያውነት ተተኪኦም ዘለዉ 4ይ ፓትሪያርክ ብቐዋምነት “ብመን ይተክኡ” ዝብል ንምውሳን እዩ ነይሩ። ናብዚ መንፈሳዊ ኣኼባ ዝቐረቡን ነቲ ኣኼባ ዝተኸታተሉን ወገናት ካብ ኣስመራ ከም ዝገለጽዎ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ዳርጋ ብምሉእ ድምጺ ክበሃል ብዝኽእል፡ “እቶም ፓትሪኣርክ ክኾኑ ዝግበኦም ንዝሓለፈ 11 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ኣቦ እዮም“ ዝብል ርኢቶ ነይሩ።

ነዚ ኩነታት ዝተዓዘቡ ነቲ ኣኼባ ብዓመጽ ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ መንግስቲ “ንሶም ናይ ሲኣይኤ መሳርሒ ስለ ዝኾኑ ቅቡል ኣይኮኑን” ብዝብል ነቶም ተሳተፍቲ ጳጳሳት ርክብ ፈጢሮም ካብ ድሌት መንግስቲ ወጻኢ ከይመኻኸሩ፡ ተንቀሳቐሲ ተለፎናቶም (ሞባይላት) ኣሕዲጎም ኣብ ዝደለናኩም ክንጽወዓኩም ኢና ብዝብል ምስምስ ነናብ ቦታኦም ከም ዘፋነውዎም፡ እዞም ንመስርሕ እቲ ኣኼባ ዝተኸታተሉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ገሊጾም።

እቶም ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ፓትሪያርክ ኤርትራ በመንግስቲ ካብ መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ካብ ዝወረድሉ ምኽንያታት፡ ቀደስቲ ካህናትን ዲያቆናትን ናብ ውትህድርና ክኸዱ ክግደዱ ኣይግባእን። ምናልባት ኣብ ውትህድርና ተተስቲፎም ከኣ ተመሊሶም ክቕድሱ ኣይክእሉን እዮም። መንግስቲ ክኣስር ስልጣን ኣለዎ፡ ምስ ኣሰረ ግና ንጹሃት ክኾኑ ንዝኽእሉ ወገናት፡ ኣብ ክንዲ ኣጻርዩ፡ ገበን ንዘየብሉ ብነጻ ምስንባት ወይ ብመርተዖ ገበነኛ ኮይኑ ንዝረኸቦ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ከቅርቦ ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ መወዳእታ ንዘየብሉ ግዜ ምድጓን ግና ኣብ ቅድሚ መንፈሳዊ ኮነ ዓለማዊ ሕጊ ቅቡል ኣይኮነን ዝብሉ ይርከብዎ።

እቲ ጉጀለ ነዞም ካብ መንፈሳዊ መስመሮም ዘይወጹ ፓትርያርክ ዝወንጀለሉ ናይ ሸፈጥ ክሲ “ከምዚ ዝብሉ ዘለዉ ብመርበብ ስለያ ኣሜሪካ ስለ ዝተላእኩ እዮም” ዝብል እዩ ነይሩ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ዝያዳ 200 ናይ ብሕቲ ጋራጃት ብስርዓት ህግደፍ ከም ዝተዓጽዋ፡ ግዱሳት ኤርትራውያን ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ቅድሚ ምዕጻው እዚ ገራጃት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ወነንቲ ጋራጃት ካብ ከተማ ኣስመራ ወጺኦም ናብ መርሓኖ ክግዕዙ ኣዚዝዎም ከብቅዕ እኹል መስርሒ ጋራጅ ዝኸውን መሬት ክህቦም ብዘይምኽኣሉ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ድሕሪ እዚ ዋላኳ እቶም ዋናታት ጋራጅ መተካእታ ስለ ዝሰኣኑ ኣብቲ ጸቢብ መሬት ክሰርሑ ቅሩባት እንተነበሩ፡ ኣቲ ጉጅለ ብናቶም ፕላንን ዓቕምን ክሰርሑ ንዘቕረብዎ ሕቶ ነጺግዎ። ብኣንጻሩ ዝተሓተትዎ ዓቐን ገንዘብ ንመንግስቲ ክረክቡ እሞ መንግስታዊ ኩባንያ ሰገን ከም ድላዩ ሰሪሑ ከረክቦም ምዃኑ ነጊርዎም። ኣብዚ እውን እቶም እቶም ሰብ ጋራጅ ተቓውሞ’ኳ እንተርኣዩ ዝሰምዖም ምስ ሰኣኑ እንደጋና ክቕበልዎ ከም ዝተገደዱ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ። እዞም ኣቐዲሞም ብማሕበር ተወዲቦም ዝነበሩ ሰብ ጋራጅ ኣቐዲሞም ኣብ መንግስታዊ ባንክ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ስለ ዝነበሮም፡ እዚ ሓድሽ ጋራጅ በቲ ገንዘብ ንክስረሓሎም ኣንተውሒዱ ድማ ክውስኹ ዘቕረብዎ ሕቶ ሰማዒ ምስ ሰኣኑ፡ ናብ ዲክታቶር ኢሳያስ ንክጠርዑ ኣስመራ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ምስ ከዱ፡ ኣብ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ኢኹም ትረኽብዎ ምስ ተባህሉ ናብኡ ከይዶም። እንተኾነ ኢሳይያስ ከዛርቦም ስለ ዘይደለየ ኣድራሻታቶም ተቐቢልኩም ኣፋንውዎም ስለ ዝበለ ናብ ኣስመራ ከም ዝተመልሱን እቲ ዝተባህልዎ ዓቐን ገንዘብ ከም ዘትሓዙን ተፈሊጡ።

ድሕሪ እዚ ኩሉ ላዕልን ታሕትን፡ ብዛዕባቲ ጉዳይ ክንመያየጥ ተባሂሎም ናብ ኣዳራሽ ማዘጋጃ ቤት ኣስመራ ምስ ተጸውዑ፡ ኣቲ ጋራጃት ምስ ኩሉ ኣብኡ ዝነበረ ንብረትን መካይንን ከም ዝተዓጽወ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም። ዋናታት ጋራጅ ድሕሪ እዚ ተረኽቦ፡ ነቲ ናይ ምዕጻው ተግባር ሓላፍነት ዝወስድን ዝጠርዕሉን ኣካል ክፈልጡ ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ እቲ ሓደ ናብቲ ካልእ እንዳደርበዮ መፍትሒ ከም ዘይረኸቡ ተፈሊጡ። በዚ ጨካን ተግባር ተስፋ ዝቖረጹ ዋናታት ጋራጅ ዓዶም ለቒቖም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱ ጀሚሮም ከም ዘለዉ’ውን እቶም ግዱሳት ኤርትራውያን ካብ ኣስመራ ሓቢሮም ኣለዉ።

ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝሰማምዕሉ እዚ ዓመጸኛ ተግባር ሓድሽ ዘይኮነስ መቀጸልታ መርኣያ ናይ ጉጅለ ህግደፍ በሓቲ ባህሪ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ዜግነት ዘለዎም ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክበጽሑ ቪዛን ክሓቱ እንከለዉ ናይ ግድን መሊኦም ክፍርምሉ ኣለዎም ዝበሎ ቀጥዒ ኣዳልዩ የተግብር ከም ዘሎ፡ ናይዚ ሓደገኛ ኣካይዳ ግዳይ ዝኾኑ ወገናት ገሊጾም። እዞም ኤርትራውያን ሓተትቲ ቪዛ ድሕሪ 1998 ዝተሰዱ ምዃኖም ምስ ሓበሩ፡ ክመልእዎ ዝግደዱ ዘለዉ፡ ቀጥዒ ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ ቀንዲ ትሕዝቶኡ “ካብ ሃገረይ ዝተሰደድኩ መነባብሮይ ከመሓይሽ እምበር ፖለቲካዊ ኮነ ሰብኣዊ ጸገም ስለ ዘጋጠመኒ ኣይኮንኩን” ዝብል መልእኽቲ ምዃኑ ዞም ምእንቲ ኣብ ዓዶም በጺሖም ክምለሱ ተገዲዶም ዝፈረሙ ምእንቲ ድሕነቶም ኣስማቶም ዘይጠቐስናዮም ኤርትራውያን ገሊጾም።

እዚ ቀትዒ ተመሊኡ ምስ ተፈረመ፡ ነቶም ፈረምቲ ዝወሃብ ዘይኮነ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ናብ ኣስመራ እዩ ዝለኣኽ። ኣብ ኣስመራ ነታ ኣብታ ትነብረላ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ናይቲ ጉጅለ ዝመላእካያ ቀጥዒ ሒዞም ናይ ጸጥታ ኣካላት ህግደፍ ከም ዝጽበዩኻን ኣብኡ እውን ብዙሕ ኣጓጣጥ ከም ዝጸንሓካ እቶም ገያሾ ይገልጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ከም ናይ ግዱድ ኣታዊ መኻዕበቲ ኮይኑ ዝጸነሐ ምኽፋል 2% ናይ ኣታዊኻ እውን ኣብ ቦታኡ ዘሎ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ በዚ ከይተደረተ፡ ምስሉ ንምምልኻዕ ካብ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ደገፍቱ ኤርትራውያን፡ “ መንግስትና ዝፈጸሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የለን” ኢልኩም ናብቲ ብውዱብ ሕቡራት መንግስታትተመስሪቱ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ኮሚሽን መስክሩለይ ዝብል ወፈራ ጀሚሩ ከም ዘሎ ዝዝከር እዩ።

ኣቦ/ መ ሰልፊ ኣቶ መንግስትኣብ ኣስመሮምን ካልኦት ኣባላት መሪሕነት ሰልፊን ዝመርሑዎ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ክሳላሰሉ ተመዲቦም እንሀዉ።

ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ህሉዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን፡ ደምበ ተቓውሞን፡ ግደ ሰልፍናን፡ ኣብ ዞናና ዝምዕብሉ ዘሎዉ ኩነታትን ምስ ህዝቢ ኢሂን ምሂን ክበሃሃለሎም እዩ፡፡

እምበ’ኣር ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘሎዉ ግዜን ኣድራሻን ኣኼባታት ተረኺቡ ኣዎንታዊ ኣበርክቶኡ ክወፊ ብኽብሪ ንጽውዕ።

ኣብ ከተማ ሎንዶን / London

ዕለት ኣኼባ -         24 ጥሪ 2016 (24/01/2016)

ዝጅመረሉ ሰዓት -     03;30 ድ.ቀ. ክሳብ 7፡00 ናይ ምሸት

ኣድራሻ -            ኣብራር ሃውስ / Abrar House

                     45 Crawford Place, London W1H 4LP

                     Tel.:   07884054117

ኣብ ከተማ ሊድስ / Leeds

ዕለት ኣኼባ -         30 ጥሪ 2016 (30/01/2016)

ዝጅመረሉ ሰዓት -     01:00 ድ.ቀ. ክሳብ 06:00 ናይ ምሸት

ኣድራሻ      -     UKRANIAN CENTRE

5 Newton Grove, Leeds

LS7 4HW

Tel.:  07446995288

ኣብ ከተማ በርሚንግሃም/ Birmingham

ዕለት ኣኼባ -         31 ጥሪ 2016 (31/01/2016)

ዝጅመረሉ ሰዓት -     03:00 ድ.ቀ. ክሳብ 08:00 ናይ ምሸት

ኣድራሻ -            The Zawiya

1 Jenkins Street,Birmingham B10 0QH

                     Tel: 07479954638

ብደሓን ምጹ፡

ጨንፈር ሰ.ደ.ህ.ኤ. ዓባይ ብሪጣንያ

أفادت مصادر محلية أن مكتب الهقدف (الحزب الحاكم في إرتريا) بالعاصمة السودانية الخرطوم قد أجبر المواطنين الإرتريين المقيمين هناك علي التوقيع على إقرار أعد سلفا ينص على إقرار الموقـِّـع بأن أسباب وجوده هنا اقتصادية ولا علاقة لها بالشأن السياسي. وأضافت المصادر أن الإقرار سبق أن تم توزيعه علي رجال الكنيسة الأرثوذكسية بالخرطوم والمدارس التابعة لها، لكن الطلبة بالذات رفضوا التوقيع عليه بحجة أن محتواه لا يطابق الواقع. وأكدت المصادر أيضاً أن كل حملة جواز السفر الإرتري في مواقع عدة من العالم قد أجبروا علي ملء ذات الإقرار، وذلك في محاولة فاشلة لسفارات النظام تدارك ما لطخ صورة النظام من إدانة سياسية وحقوقية دولية.