ሓደገኛ ኣወሃህባ ቪዛ ጉጅለ ህግደፍ

2016-01-09 18:06:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2570 times

ጉጅለ ህግደፍ ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ዜግነት ዘለዎም ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክበጽሑ ቪዛን ክሓቱ እንከለዉ ናይ ግድን መሊኦም ክፍርምሉ ኣለዎም ዝበሎ ቀጥዒ ኣዳልዩ የተግብር ከም ዘሎ፡ ናይዚ ሓደገኛ ኣካይዳ ግዳይ ዝኾኑ ወገናት ገሊጾም። እዞም ኤርትራውያን ሓተትቲ ቪዛ ድሕሪ 1998 ዝተሰዱ ምዃኖም ምስ ሓበሩ፡ ክመልእዎ ዝግደዱ ዘለዉ፡ ቀጥዒ ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ ቀንዲ ትሕዝቶኡ “ካብ ሃገረይ ዝተሰደድኩ መነባብሮይ ከመሓይሽ እምበር ፖለቲካዊ ኮነ ሰብኣዊ ጸገም ስለ ዘጋጠመኒ ኣይኮንኩን” ዝብል መልእኽቲ ምዃኑ ዞም ምእንቲ ኣብ ዓዶም በጺሖም ክምለሱ ተገዲዶም ዝፈረሙ ምእንቲ ድሕነቶም ኣስማቶም ዘይጠቐስናዮም ኤርትራውያን ገሊጾም።

እዚ ቀትዒ ተመሊኡ ምስ ተፈረመ፡ ነቶም ፈረምቲ ዝወሃብ ዘይኮነ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ናብ ኣስመራ እዩ ዝለኣኽ። ኣብ ኣስመራ ነታ ኣብታ ትነብረላ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ናይቲ ጉጅለ ዝመላእካያ ቀጥዒ ሒዞም ናይ ጸጥታ ኣካላት ህግደፍ ከም ዝጽበዩኻን ኣብኡ እውን ብዙሕ ኣጓጣጥ ከም ዝጸንሓካ እቶም ገያሾ ይገልጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ከም ናይ ግዱድ ኣታዊ መኻዕበቲ ኮይኑ ዝጸነሐ ምኽፋል 2% ናይ ኣታዊኻ እውን ኣብ ቦታኡ ዘሎ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ በዚ ከይተደረተ፡ ምስሉ ንምምልኻዕ ካብ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ደገፍቱ ኤርትራውያን፡ “ መንግስትና ዝፈጸሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የለን” ኢልኩም ናብቲ ብውዱብ ሕቡራት መንግስታትተመስሪቱ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ኮሚሽን መስክሩለይ ዝብል ወፈራ ጀሚሩ ከም ዘሎ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Saturday, 09 January 2016 19:08