ሓባራዊ መግለጺ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ

2025-11-03 08:59:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 68 times

ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብ2 ሕዳር 2025፡ 3ይ ዓመት ምኽታም ውዕል ፕረቶርያ ምኽንያት ብምግባር ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኡ። ነቲ መግለጺ ካብ ዘውጸኣ ኣባላት ናይቲ ሕብረት፡ ኣወስትሪያ፡ በልጂም፡ ቡልጋሪያ፡ ቸክ ሪፓብሊክ፡ ደንማርክ፡ ፊንላንድ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ግሪኽ፡ ሁንጋሪያ፡ ኣየርላንድ፡ ኢጣልያ፡ ሉክሰምበር፡ ማልታ፡ ነዘርላንድስ፡ ፖላንድ፡ ፖርቱጋል፡ ሮማንያ፡ ስሎቫካይን ኖርወይን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሰን ኣለዋ።

እቲ መግለጺ፣ 2 ሕዳር ብ2022 ነቲ ሓደገኛ ውግእ ጠጠው ንምባል ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሕርነት ትግራይን ኣብ ፕረቶርያ ስምምዕ ዝተኸተመሉ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሃገራት እቲ ስምምዕ ንሓዋሩ ድምጺ ጥይት ከቋርጽን ሰላም ከምጽእን ተስፋ ኣንቢረናሉ ከም ዝነበራን ኣስፊሩ።

ናይቲ ሕብረት ልኡኽን ዲፕሎማስያዊ ተልእኾን ኣባል ዝኾነት ኖርወይ፡  ኣገዳስነት ቀጻልን ዘተኣማምንን ሰላም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንህድኣት ናይቲ ዞባ ኣገዳሲ ምዃኑ ብፍሉይ ምጥቃሳ እውን ተሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ፣ ከም ናይ ሓባር ተልእኮ እንተላይ ኣብ ምምላስ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ወሲኽካ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ሕግን ተመኩሮን ተደሪኹ ውዕል ፕረቶርያ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን፡ ተግባራውነት ግዳያት ማእከል ዝገበረ መሰጋገሪ ፍትሒ ንክሳለጥ ክንሕግዝን ድሉዋት ኣለና ኢሉ። ቅድሚ’ቲ ዝመጽእ ዘሎ ብሄራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዘተ ግብራዊ ንክኸውን እውን እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ተሓታትነት፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ብፍላይ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዝተተሓሓዘ፡ ከምኡ እውን ዕርቂ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ዕማማታት በዂሮም ዘለዉ ምዃኖም ጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ  ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለዉ ጐንጽታት እውን ብዘተን ዕርቅን ንክፍትሑ ነተባብዕ ኢሉ።

እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ናይቲ ውዕል ፈረምቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይን እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ኣብ ምትግባር ውዕል ፕረቶርያ ዕንቅፋት ኮይኑ ብዝብል ይካሰሱ ኣብ ዘለዉሉ እዩ።

Last modified on Monday, 03 November 2025 10:04