ቤት ጽሕፈት ጕዳያት መንእሰያት 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ
Tuesday, 24 November 2015 19:15 Written by ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤትማሊ ዕለት 22 ሕዳር 2015 ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብዓወት ኣቓኒዑ። ኣብቲ ብተለኮንፈርንስ ንሊዕሊ ክልተ ሰዓት ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ኣኼበኛታት ትግባረ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ መደባቶም ድሕሪ ምግምጋምን ሓበረታ ድሕሪ ምልውዋጥን፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ኣጀንዳ ዝኾነ ስለምንታይ ብኩራት መንእሰያት ኣብ ዝካየድ ሃገር ናይ ምድሓን ሃገራዊ ቃልሲ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ብዕምቆት ዘትዮም።
ኣብዚ ኣርእስቲዚ ኣኼበኛታት ንብዝሓ-ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ መኸላእታ ዝኾኑ ብዙሓትን ዝተፈላለዩን ምኽንያታት ብኹሉ ሸነኻት ከምዘለዉ እኳ ኣንተዘርዘሩ፣ እቲ ቀንዲ ጠንቅታት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ግን ብቀጥታ ምስ መንእሰያት ተራኺብካ ካብኦ ምስምዑ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ብሓባር ኣስሚሮምሉ። ነዚ ዕላሚዚ ንምትግባር ድማ ኣባላትን ዘይኣባላትን ዘይብል መጠነ ሰፊሕ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ብምእማት፣ ንመጽናዕቲ ዝሕግዝ ሰነዳት ኣተዳሉ 5ተ ዝኣባላታ ሽመገለ መዚዞም።
ንርእሱ ዘይከኣለ ዜጋ ንህዝቡን ንሃገሩን ኣይበቅዕን እዩ፣ መንእሰያትናውን ካብ ከርፋሕን ትሑትን ህይወት ናብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ህይወትን መነባብሮን ይመጹ ስለዘለዉ፣ ዕቁባ ምስ ረኸቡ ኮነ ከይረኸቡ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ህይወት ጸቅጥን፣ ጭንቀትን፣ ብስጭትን ዝመልኦ ስለዝኾነ እዚ ኩነታትዚ ንባዕሉ ንመንእሰያትና ንድሕነት ህዝቦምን ሃገሮምን እጃሞም ከየበርክቱ ሓሊኹ ካብዝሓዞ ሓደን ቀንድን ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ሪኢቶውን ኩሎም ኣኼበኛታት ዝተሰማምዑሉ ነጥቢ ነይሩ። ካብዚ ተረድኦዚ ብምብጋስ ድማ፣ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፈይ ሰልፍኻ ማሕበረይ ማሕበርካ ንዝብሉ ፈላላዪ ሓጽርታትን ድልድላትን ሰጊሮም ንኹሉ ኤርትራዊ ዘብኡ መንእሰይ መባእታዊ ሓገዝ ከበርክቱ ቃል ኣትዮም። እቲ ከም መበገሲ ንመንእሰያት ክወሃብ ተመዲቡ ዘሎ ሓገዝ፣ መንእሰያት ኣኣብ ዘለውዎ ሃገርን ከባብን ኣቀዲምካ መስቲ ሕግታት፣ ኣገባባት፣ ዝተፈላለዩ ዕድላትን፣ ቀልጢፎ ንኽላለዩን ተጠቀምቱ ንክኾኑን ዝሕግዞም ሓበረታታትን ኮርሳትን ምሃብ፣ ከሙውን ኣብ ኣምር ደሞክራስን መንፈሱን፣ ሰብኣውን፣ ፖለቲካውን፣ ቁጠባውን፣ ማሕበራውን፣ ባህላውን መሰላቶም ንዝምልከት ብቁዕ ኣፍልጦ ከምዝህልዎም ዝሕግዝ ኣስተምህሮታት ምሃብ እዩ። ኮሚተ ምኽርን ምልመላን ድማ ምስ ምትሕብባር ናይ ካልኦት ኣባላት ነዚ መድብዚ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ሓላፍነት ወሲዳ።
ክብርን ሞገስን ንስዉኣትናን ስንኩላትናን
ዓውት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ
ورشة عمل للتنظيمات الإرترية بفرانكفورت
Sunday, 22 November 2015 20:52 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريشاركت وفود تمثل حزب الشعب الديمقراطي الارتري وتنظيمات وأحزاب سياسية ومنظمات مجتمع مدني أخرى في ورشة عمل عقدت في يومي الثالث عشر والرابع عشر من نوفمبر 2015م بمقر عمدة مدينة فرانكفورت الألمانية، نوقشت فيها موضوعات في غاية الأهمية، وقد اتفق الحضور علي عشر نقاط تتعلق بإزالة نظام اسمرا الدكتاتوري وتهيئة مناخ انتقال سلس بعد سقوط النظام.
الورشة التي نظمها معهد فلسبورغ الألماني المختص في حل النزاعات وقضايا سياسية واجتماعية أخرى أتاحت لذوي الشأن الارتري مناقشة كل القضايا المتعلقة بإسقاط النظام القمعي القائم في البلاد، كما بحثت الورشة موضوع الانتقال السلمي والسلس الي نظام ديمقراطي تعددي يخلف هذا النظام. هذا وقد قدم المشاركون رؤاهم المتعلقة بهذا الأمر كتابياً.
شارك في الورشة حوالي ثلاثين شخصاً يمثلون تنظيمات وأحزاب سياسية ومنظمات مجتمع مدني ارترية، أحزاب وصحف ألمانية، أعضاء بالمعهد الألماني المذكور ومتعاونون معه، كما شارك بصفة مراقبة كلٌّ من الدكتور/ محمد خير، الدكتور/ دانئيل رزني ومراقبان آخران من حركة الوحدة الارترية لإنقاذ الوطن، هذا وقد مثل حزب الشعب الديمقراطي الارتري كلٌّ من الأخ/ ولد يسوس عمار مسئول العلاقات الخارجية ونقوسي طقاي عضو المجلس المركزي للحزب.
تبادل إدارة جلسات الورشة كلٌّ من مدير المعهد المنظم للورشة السيد/ هارموت كول، غونتر شرويدر المختص في الشؤون الارترية والدكتور/ ياكوب أبراهام.
هذا وقد ناشد المشاركون في الورشة المعهد إشراك عدد أكبر من التنظيمات السياسية والمدنية في كل ما يدعو اليه مستقبلاً من نشاطات تتعلق بالقضايا الارترية.
في الختام وقع المشاركون علي توصلهم لاتفاق تام علي النقاط المذكورة أدناه:
-
العمل سوياً من أجل التغيير الديمقراطي في ارتريا.
-
السعي الي إيجاد حلول سلمية.
-
البحث عن سبل مشتركة لتحقيق الانتقال السلمي وحكم القانون
-
فصل الدين عن الحكم، علي أن تضمن الدولة حرية الأديان.
-
إيقاف القمع والقبضة العسكرية المهينة.
-
بناء العلاقة مع دول الجوار علي أساس الاعتراف بسيادة ارتريا الوطنية ووحدة أراضيها.
-
الإقرار باعتبار اللغتين العربية والتجرينية لغتين رسميتين لعمل الدولة، مع ضمان مساواة جميع اللغات الارترية.
-
الاتفاق علي الحد الأدنى من الحكم السياسي اللا مركزي
-
تحقيق المزيد من مشاركة فئتي المرأة والشباب.
10- مناشدة قوى التغيير داخل حزب النظام والجيش الارتري أن تكون جزءاً من عملية الانتقال السلمي للسلطة.
الحزب يعزي الاشتراكي الديمقراطي الألماني
Sunday, 22 November 2015 20:48 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريبمناسبة وفاة المستشار الألماني الأسبق هيلموت شميث بعث الأخ/ منقستئاب اسمروم رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري ببرقية تعزية الي قيادة الحزب الاشتراكي الديمقراطي الألماني يعرب فيها عن مشاركتهم الأحزان.
أرسلت البرقية الي عناوين كلٍّ من سغمار قابريل رئيس الحزب، مارك ستاينمير وزير الخارجية الألماني وقسطنطين واينوف منسق عام التحالف التقدمي للأحزاب التقدمية في العالم، يجدر بالذكر أن كلا الحزبين - الألماني والارتري – عضوان مؤسسان لهذا التحالف العالمي.
عدَّدَت البرقية مآثر الفقيد لدى كلٍّ من حزبنا وبقية أحزاب التحالف الزميلة فضلاً عن قيادته للنهضة الألمانية بجعلها قوة اقتصادية ضخمة أوربياً وعالمياً.
توفي شميث في العاشر من نوفمبر 2015م بمسقط رأسه هامبورغ وهو في السادسة والتسعين من العمر. عرف شميث بشراهة التدخين وحب الصراحة والوضوح في الأقوال والمواقف، وفي حزبه كان ينتمي الي تيار يسار الوسط واختط لنفسه طريق السير علي قضبان السياسة المستندة إلي الواقع.
ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ጨንፈር ደቡብ ጀርመን፣ ብሰሪ መእከቢ ቦታ ንዝጸንሐ ግዝያዊ ምትዕንቓፍ ሰጊሮም ስሩዕ ኣኼባ ጨንፈር ኣብዝሐለፈ ቀዳም ዕለት 14 ሕዳር 2015 ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ኣካይዶም። ኣባላት ጨንፈር ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝርራብ፡ ተግባራዊ ናይ ስራሕ መደባት ሰሪዖም።
1. ሓፈሻዊ ገምጋም ጨንፈር፡
ህልዊ ኩነታት ጨንፈር ብግቡእ ድሕሪ ምግምጋም፡ ኣቐዲሙ ብኤለትሮኒካዊ መንገዲ ክካየድ ዝጸንሐ ርኽክባት ወይ ኣኼባታት፡ ኣብ ህጹጽ ኩነታት ሐበሬታታት ንምልውዋጥን መዘኻኸሪ መደባትን እንተዘይ ኮይኑ፡ ከምቲ ብኣካል ተራኺብካ ዝሳለጥ ኣኼባታት ኣድማዒ ስለዘይኮነ፡ኣብ መጻኣኢ ወርሐዊ ኣኼበኦም ብኣካል ተራኺቦም ከካይድዎ ወሲኖም።
2. ሓባራዊ ዕማማት፡
ኤርትራውያን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምትካልን ፍትሒ ንምንጋስን ናይ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታት ሓባራዊ ጽምዶ ስለዝሐትት፡ነዚ ንምዕዋት ኣባላት ጨንፈር ምስ ኣብከባቢኦም ዝርከቡ ንፍትሒ ዝቃለሱ ብዝካኣል መጠን ጻዕርታቶም ከሐይሉ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።
ኣብ መጠረሽታ፡ ኣባላት ጨንፈር መርኣያ መደባቶም ኣብ ትግባረ ንምውዓል፡ ኣብቲ ኤርትራውያን ደለይት ፍትሒ ምስ ክፍሊ ባህሊ እምቢ ንምልኪ ብምውህሃድ ዝተዳልወ ባህላዊ ለይቲ፡ ኣብ ምድማቁ ተሳቲፎምን ምስ ዝተፈላለዩ ጉዱሳት ብምርኻብ እውን፤ ኣገዳሲ ዝርርብን ናይሓበረታ ምቅይያርን ምክያዶም ይፍለጥ።
ጨንፈር ማእከል ሰ.ዲ.ህ.ኤ ብዕለት 15-11-2015 ክምወትሩ ወርሓዊ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ካብ ሰዓት 14፡00 ድ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 17፡30 ድ.ቀ. ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ብዋና ጸሓፊ ጨንፈር ኣቶ ኣፈወርቂ ኪዳነ እዩ ተኸፊቱ። ብምቕጻል ኣብዝሓለፈ ወርሒ ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ሰልፊ ብቀደም ተኸተል ተገሊጹ። ፡ብቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸወዐ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ዘለዉ ናይቲ ሰልፊ ኣባላት ዝተሳተፍዎን ንኣስታት 5 ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ 7 ሕዳር 2015፡ ዕዉትን ሰፊሕን ኣኼባ ምንባሩን፡ ብፍላይ ነቶም ኣብዚ ኤለክትሮኒካዊ ክሳተፉ ዕድል ዘይረኸቡ፣ ኣባላት ጨንንፈር ማእከል ሰ.ዲ.ህ.ኤ ትሕዝቶ ናይቲ ኣኼባ ብዝርዝር ተሓቢሩ።

ካብኡ ብምቕጻል ልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣብቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ፓርላማ ብዕለት 09.11.2015 ዝተኻየደ ኣኼባ ብምስታፍ፡እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ንልምዓት ተባሂሉ ክወሃብ ዝተሓስበ 200 ሚልዮን ኤውሮ ክወሃቦ ኣይግባእን ዝብል ድምጾም ዘስምዕሉ፡ እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ንኸይውሃቦ ዘቅርብዎ ምኽንያት እቲ ገንዘብ ተቐቢሉ ኣብቲ ዝተሓስበ ልምዓት ይኹን ኣብ ምውጋድ ሕሱም ሰብኣዊ መሰላት ከውዕሎ ኣይክእልን እዩ ካብ ዝብል እምነት ተበጊሶም ከምዝወሰኑ ተገሊጹ። ኮምኡ ውን መምርሕን ዲስፕሊን ሰልፍን ብምዝክኻር ኣኼባ ናብቲ ካልኣይ ኣጀንድኡ ተሳጋጊሩ፡
ቀጺሉ ዝሰዓበ ኣጀንዳ ግደ መንእሰያት ኣብ ዝካይድ ቃልሲ ንዲሞክራስየዊ ለውጢ ፡ ኣብዚ ኣጀንዳዚ ከም መእተዊ ብሓብቲ ፈቨን ጊደዎን ኣቀድም ኣቢላ ዋና ጸሓፊት ጨንፈር ማእከል ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ኮይና ተመሪጻ ብምመጽኣ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺባ ንጉዳይ መንእሰያት ዝምልከት ስፍሕ ዝበለ ሓበሬታ ኣማሓላሊፋ፡፡ኮምኡ ውን ኣባላት መሪሕነት ዞባ ኤውሮፓን ንኡስ ዞባ ጀርመንን ኣብ ኣኼባ ተረኺቦም ነበሩ፡፡

ነዚ ኣኼባ‘ዚ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንተኔሩ ከኣ፡ መንእሰያት ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ኣኼባ ክመርሑን ከካትዑን ኣንፈት ሓድሽ ነጥበ መቀይሮ ኣብ ጉዳይ ምስግጋር ስልጣን ንምርካብ ምቅርራብ ኣንፈት ዝሃበ ይመስል ነበረ፡ ክትዕ መንእሰያት ብግሉጽን ነጻ ሓሳባትካ ምግላጽን ብምባሩ ንኹሎም ስለዝመሰጦም ክሳብ ኣብ ጉዕዝኦም ዘጋጠምዎም ዝነበሩ ሽግራት እናዘከሩ ብምዝራቦም፡ ግን ከኣ ድማ ነዚ ግዳይትዚ ንኽኾኑ ዝደረኾም ኩነታት ዘኪሮም በርቲዖም ንኽቃለሱ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ ንምቅልጣፍ ግዲኦም ሓጋዚ ከምዝነበረ ብዙሓት ካብ መንእሰያት ይርድእዎ ከምዘይነበሩ ተዛሪቦሙሉ፡፡
ኣብ ክትዕ መንእሰያት ዝነበረ ሚዛን ብመንነትና ጸኒዕና፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን፡ ሰላምን፡ ዲሞክራስን ኣንጊስና ንሃገርና ምልማዕን፡ ምምዕባልን ክኸውን ኣሎዎ ዝብል ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣእምሮና ከነሕድሮ ከምዘሎና ዝብል ሓያል ጭርሖ ዝነበሮ ክትዕ ተኻይዱ፡፡ አኼባ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓትን ፈረቃን ምዉቅ ትምህርታዊ ሓዘል ክትዓትን ምርድዳእን ብዝኽሪ ሰማእታት ተዛዚሙ፡፡
ብሰዲህኤ ተዳልዩን ተመሓይሹን ናብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብየካቲት 2010 እንደገና ዝቐረበ መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ (መ.ው.ኤ)
Tuesday, 17 November 2015 12:03 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
መልእኽቲ ካብ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ክቡራንን ክቡራትን ዜጋታት፡
ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቘሙ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ካብ ዝምስረቱ ኣትሒዞም፡ ከም ካልኦት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ንኤርትራን ህዝባን ገጢሙዎም ዘሎ ገዚፍ ብድሆ፡ ሰላማዊን ግብራዊን ብዝኾነ ኣገባብ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ብጽሒቶም ንምብርካት፡ ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ምንዳይ ሃናጺ መንገድታትን ኣገባባትን ተቖሪኖም ጸኒሖም።
ንሃገርና ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዝዓበየ ቅልውላው ዘላቒ መፍትሒ ዝርከበሉ፡ ብሰላማዊን ዲሞክራስያውን ኣገባብ፡ ንህልዊ ሓደ ሰልፋዊ ምልኪ ስዒርና፤ ኣብ ቅዋም ብዝተመልሓቐን ብዝሐ ሰልፋዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት፡ ክንትክኦ ምስ እንበቅዕ ጥራሕ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎና።
እዚ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ኤርትራዊ ዕቱብ ተሳትፎ ዝሓትት፡ ሓያል ሃገራዊ ዕማም ኢዩ። ሰላማዊን መሃዝን ኣገባብ ብምኽታል፡ ፍልልያትና ንምእላይ፡ ብውፉይነት እንተ ዘይሰሪሕና፣ እቲ ሰማእታትና ክቡር ሂወቶም ዝኸፈሉሉ ዕላማ ምህናጽ ፍትሓዊትን ብልጽግትን ኤርትራ፡ ከነሰላስሎ ኣይንኽእልን ኢና።
ሰልፍና፡ ነዚ መሰጋገሪ ውጥን፡ ከም መንጠሪ ባይታ ንህንጸት ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ የቕርቦ ኣሎ። ካብ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ነዚ ውጥን ንምጽፋፍን፡ ኣብ መወዳእታ ከም ሰነድ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኮይኑ ክጸድቕን ዘኽእሎ፡ ኣወንታዊን ነቐፌታዊን መወስኽታ ክረክብ ከኣ ይጽበ። ነዚ ውጥንዚ ብምጥቃም፡ ህዝብና፡ ነቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንኩሉ መዳይ ሂወቱ ተቖጻጺሩ ዝርከብ ምልካዊ ስርዓትን ዘሕዝን ውጽኢቱን፡ መኽተምታ ንምግባር፡ ጠማሪ ስትራተጂ ኪኾኖ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎና። ብተወሳኺ ከኣ፡ እዚ ውጥን’ዚ፡ ንህዝብና፡ ናብ እዋን ሰላማዊ ምስግጋር ንምብጻሕ ኪሕግዞን ክመርሖን ኢዩ ኢልና ንኣምን።
ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብግቡእ ከየመሓደርና፡ ነቲ ክንዮ ውልቀ መራሕቲን፡ ፖለቲካዊ ሰልፊታቶምን፡ ዘሎ ዕማም ምህናጽ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ትካላትን፡ ከነተግብር ኣይከኣልን ኢዩ። ከም ኤርትራውያን መጠን፡ ብመሰረት ሓባራዊ ምርድዳእን መብጽዓ ንሃገራዊ ህላዌናን፡ ካብ ኩሎም ዝከኣሉ ኣማራጺታት፡ እቲ ዝበለጸ ፍታሕ ንምልላይ፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ዘተ ኮፍ ክንብል ኣሎና።
ብልዑል ተስፋን ዓቢ ትጽቢትን፡ ነዚ መሰጋገሪ ውጥን፡ ርኢቶኹም ክትህቡሉ እንደገና ናባኹም ነቕርቦ ኣሎና። ነዚ ጻዕሪ’ዚ ንምዕባይ፡ ኣበርክቶ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብኣኽብሮት ንዕድም።
ሰላማዊ ምስግጋር፡ ምእንቲ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ምርግጋጽ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና፡ ክንቃለስ ናይ ዘሕለፍናዮ ዕድሜና ኣወንታዊ መዛዘሚ ክኸውን ኢዩ። ሕልሚታትና፡ ንደቅናን ደቂ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋን፡ ሰላምን ናጽነትን ዘውሕስ፡ ምስረታ ሓቀኛ ትካላትን ግዝኣተ ሕጊን ኣብ ሃገርና ምርኣይ ኢዩ።
ዓወት ናይዚ ተበግሶ፡ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ንጡፍ ተሳትፎን ሃናጺ ግብረ መልስን ዝምርኮስ ምዃኑ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይኣምን።
ወልደየሱስ ዓማር
ኣቦ መንበር
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።
መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ
መራሒ ካርታ ንዲሞክራሲያዊት ኤርትራ፡
ጽሟቕ ሓበሬታ፡
“መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ - መራሒ ካርታ ንዲሞክራሲያዊት ኤርትራ”፡ ኣብ ቅርጺን ተራን ናይቶም ብዙሓት ኣካላትን ትካላትን ዝግለጸሎም፡ ክልተ ምዕራፋት ዝተኸፍለ ኢዩ።
ምዕራፍ ሓደ፡ እዚ ቅድመ መሰጋገሪ ኢዩ። ኣብዚ ቅድመ መሰጋገሪ መድረኽ ነዞም ዝስዕቡ መድረኻት የነጽር፡- (ሀ) ንመስርሕ ምስግጋር ኣስከሬን ንምንጻፍ፡ ሰፊሕ ዚሰረቱን ንኩሉ ዘሳትፍን ቀዳማይ ዋዕላ ምጽዋዕ፡ (ለ) ካብ መንጎ’ቶም ተሳተፍቲ ዋዕላ ዝኾኑ፡ ሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት ምምራጽ። ኣብ መንጎ ናይ ዲያስፖራ ፖለቲካዊ ሓይሊታት፡ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ናጻ ተዋሳእቲ ፖለቲካ ውልቀ-ሰባትን ካልኦትን፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ቅጥዒን መስርሕን ምርጫ ሃቤሽ ዝምልከት፡ ሰፊሕ ምይይጥ ይግበር። ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡ ኣብ እዋን ቀዳማይ ምዕራፍ መስርሕ ምስግጋር፡ ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊን፡ ፖለቲካዊን ፖሊሲታት ሃገር ዝካየዱ ዘተታትን ሞያዊ መጽናዕቲታትን፡ ዝመርሕን ዘወሃህድን ዝለዓለ ስልጣን ኪኸውን ኢዩ። ንትግባረ ናይ’ዚ ሓላፍነታት’ዚ፡ ሃቤሽ፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ቻርተር ናይ ምፍጻም ተራ ዝህልዎን፡ ከም ዕለታዊ ንጥፈታት፡ ኣካያዲ ናይቶም ብሃቤሽ ዝወጹ መምርሒታት ኮይኑ ዘገልግልን፡ ፈጻሚ ሽማግለ ይምዝዝ። ፈጻሚ ሽማግለ፡ ተሓታትነቱ ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ኮይኑ፡ ናይ ስራሕ ጸብጻባቱውን ንዕኡ የቕርብ። ንስርሓቱ ብግቡእ ንምፍጻም፡ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ዝተፈላለያ ሽማግለታት ሓይሊ ዕማም ናይ ምምስራት ስልጣን ይህልዎ።
ምዕራፍ ክልተ፡- ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ምምስራት። ህሉው መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፡ ክሳብ ምግባእ ኣብ ዲያስፖራን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዝነብር ክፋላት ህዝቢ ኤርትራ ብምልኣት ዝሳተፈሉ፡ ሃገራዊ ዋዕላን ምቛም መሰጋገሪ ባይቶን፡ ኣብ ዝህሉ ግዜ፡ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡ ሃገር ናይ ምምራሕ ምሉእ ሓላፍነት ይወስድ። ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተመርጸ መሰጋገሪ ባይቶ፡ ከም መሰጋገሪ ሓጋጊ ኣካል ኮይኑ ይሰርሕ፡ ክሳብ ምዝዛም መሰጋገሪ እዋን ንዝህሉ ግዜ ዘገልግል መሰጋገሪ ቅዋም የጽድቕን፡ ነቲ መስርሕ ክሳብ ምስረታ ቅዋማዊ መንግስቲ ይመርሕን። ይኹንምበር፡ ክሳብ ቀዋሚ ቅዋም ዝጸድቕን፡ ዝተመርጸ መንግስቲ ስልጣን ዝርከብን፡ መሰጋገሪ ባይቶ፡ መዓልታዊ ንጥፈታት መንግስቲ ዝመርሕ ኣካል ይምዝዝ (የቕውም)።
መእተዊ ንመሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ፡
ህዝቢ ኤርትራ፡ ዳግማይ፡ ኣብ ፈታንን ዘይንቡርን ኩነት ኣትዩ ይርከብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ፡ ኣንጻር’ቲ ኣብ ልዕሊኡ ጨካንን እንኮ-ሰልፋዊ ስርዓት ጺዒኑሉ ዘሎ ዘቤታዊ ውልቀ መላኺ ስርዓት ደው ክብልን፡ እቲ ፍሉጥ ጽንዓቱ ዳግም ከረጋግጽን ይሕተት።
ሎሚ ህዝብናን ሃገርናን፡-
- ክቡር ሂወት ደቁ ዝተኸፍለሉ፡ ኣሽሓት’ውን ኣካሎም ዝሰንከሉሉን፡ ነባሪ ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላ ሓዲጉሎምን፡ ዝተረኽበ ክብሪታት ሃገር ተኻሒዱን፡ ንውሑዳት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ውልቀ ሰባት ብዘርብሕ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ተተኪኡን፤
- ምእንቲ ናጻን ዲሞክራሲያዊትን ኤርትራ ክውንቲ ንምግባር፡ ብነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊት ስድራ ዝተኸፍለ ኣካላዊ፡ ንዋታዊን፡ ስነኣእምሮኣዊን መስዋእቲ፡ ባኺኑን፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተረኽበ መኽሰባትውን ብውሑዳት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ውልቀሰባት ተባሒቱን፤
- እቶም ካብ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ብሂወቶም ዝኣተዉ ጀጋኑ ተቓለስቲ፡ ብድኽነትን ጸቕጥን ዝተመልአ ሂወት የሕልፉ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጽልሙት ዝኾነ መጻኢ ኣብ ቅድሚኦም ኣሎ፤
- ብዙሕ ሓቀኛን ብዝለዓለ ደረጃ ዝርአን ባህሊታት ህዝብና ተራኺሱን፡ ናይ ወለዶታት ማሕበራዊ ክብሪታቱ ኣንቆልቍሉን፤
- መንእሰያት፡ ኣንጻር ድሌቶምን ንኣጠቓላሊ ምዕባለ ሃገር ዘዕኑን: ናይቲ ስርዓት ወተሃደራዊ ዕንደራ ንምርዋይ: ኣብ ቀጻሊ ግዱዱ ዕስክርና ይርከቡ፤
- ዘይጥዑይ ቁጠባዊ ፖሊሲ ንምዕዋትን ንካልእ ዝርወትን፡ ኩሉ ሃገራዊ ገንዘብን ጸጋታትን ነጺፉ፤
- ሕጊ-ኣልቦ ዝኾነ ስርዓት፡ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ዜጋታት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ጋዜጠኛታት፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ፖለቲከኛታት፡ ደቀንስትዮ፡ መንፈሳውያንን መራሕቲ ሃይማኖታት ውልቀሰባትን፡ መማህራን፡ ተመሃሮ ወዘተ፡ ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ብኣሰቃቒ ኣገባብ ኣሲሩ፤
- ቀጻሊ ምምልላስ ድርቂ ኣብ ዘለወሉ ህሞት፡ ዘይልቦናዊ ኣብያ ንመተካእታ ዘይብሉ ሓገዛት ማሕበረሰብ ዓለም፡ ንሃገርና ናብ ዓሚቕ ዓጸቦ የእትዩዋ፤
- ስእነት እሩምን ብሱልን ዲፕሎማሲን፡ ቅጥዒ-ኣልቦ ኣቀራርባ ተደሚሩዎን፡ ንኤርትራ ተወሳኺ ተነጽሎ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣስዒቡላ፣
- ጻሕታሪ ኵናት ዝኾነ ባህርያት ናይቲ ስርዓት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርናን ዞባናን እዚ ዘይብሃል ዕንወት ኣኸቲሉ፣
- ኣብ ትሕቲ ሓልዮቱ ዝጸደቐ ቅዋም፡ ኣብ ከብሒታት ንዓመታት ተሰጊጡ ደሮና እንዳ ኣከበ፡ እቲ ርእሱ ዝሸመ መንግስቲ፡ ጸረ ብዝሐ-ሰልፋዊ ዲሞክራሲ ዝኾነ እዉጅ መርገጺኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣገዲዱዎ፤
- ናይቲ ስርዓት ፍጹም ሸለልትነት ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ሓርነታትን መባእታዊ መትከላት ግዛኣተ-ሕጊን ብሩህ ኮይኑስ፡ ሎሚ፡ ኤርትራ፡ ብግብሪ፡ ዝወደቐት ሃገር ኮይና ትርከብ።
እምበኣርከስ፡ እኩብ ድምር ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰን ካልኦት ዓበይቲ ናይ ምንቁልቋል ኣንፈታትን ኢዩ፡ ንኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ከም ኩሎም ተቓለስቲ ሓይሊታት፡ ሃገር ናይ ምድሓን ከቢድ ጻዕሪታት ከካይድ እኹል ደራኺ ምኽንያት ዝኾኖ። እምነት ኤዲኪ፡ ሃገር ካብ ፍጹም ዕንወትን ቅብጸት ተስፋን ምድሓን፡ ልዕሊ ኩሉ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታትን ንጥፈታትን፡ ቀዳምነት ክሕዝ ኣለዎ ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ነዚ ንድፊ መሰጋገሪ ውጥን፡ ንዘተ፡ ንክትዕን፡ ንዝያዳ ምድንፍዑን ምምዕባሉን፡ ናብ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት፡ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ግዱሳት ውልቀ ሰባትን፡ ብዓቢኡ ከኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ የቕርቦ።
ጽኑዕ እምነት ኤዲኪ፡ ዕድል ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኢድ’ዚ ጨካንን ዘይሓላፍነታዊን መርሕነት ክሕደግ የብሉን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ግዝኣተ ውልቀ-ምልኪ ፍጹም ከብቅዕን፡ ዘመነ ሓርነት ውልቀሰብን ብዙሓዊ ዲሞክራሲን ኣብ ልዕሊ መቓብር ስዉኣትና ብምህናጽ፡ መንፈሶም፡ ቅሳነት፡ ሰላምን እፎይታን ክረክብ ኣለዎ። ቅዋማዊ ምሕደራን ግዛኣተ ሕጊን ኣብ ምሉእ ክፋላት እዛ ውልዶ ሃገርና ክነግስ ኣለዎ።
መብጽዓ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡
መራሒ መትከላት መሰጋገሪ ውጥን፡
መሰጋገሪ ውጥን፡ ብመንፈስ ሰላም፡ ፍትሒን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተመርሐ ኢዩ። ኣንጻር ቂምን ፍድየተ-ሕነ ስጉምቲታትን ደው ዝበለን፡ ብድሌታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተገዝአን ኢዩ። መሪሕ መትከላቱ ከኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ሓቂታት ዝተመስረቱ ኢዮም፡-
- ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፡ ኣብ ንመሰጋገሪ መስርሕ ዝምልከት ኩሉ መዳያዊ ምይይጣት ምሉእ ዕድል ተሳትፎ ክህልዎ ኣለዎ፣
- መስርሕ ምስግጋር ሕጋውን ሰላማውን ከም ዝኸውን ንዜጋታት ክረጋገጽ፣
- ናጽነትን መሬታዊ ሓድነትን ሃገርና ብጽኑዕ ምውሓሱ፡
- ዕድመ መስርሕ ምስግጋር ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ይውሰን
ተሳተፍቲ ፋልማይ ዋዕላ መሰጋገሪ ውጥን/ ቀዳማይ ምዕራፍ
እዚ እማመ መሰጋገሪ ውጥን’ዚ፡ ንመስርሕ ምስግጋር ዝኸውን ኣስከሬን ንምስኣል፡ ሰፊሕ መሰረት ዘለዎን ንኹሉ ዘሳትፍን፡ ዋዕላ ኪካየድ ከም ዘድሊ ይግምት። ነዚ ውጥን’ዚ ኣብ ፍሉጥ ናይ ግዜ ገደብን ብልዑል ናይ ምትሕብባር መንፈስን ኣብ ግብሪ ክትርጎም ከኣ፡ ተሳተፍቲ፡ ቅሩብነቶም፡ ሃገራዊ ራኢኦምን ተዓጻጻፍነቶምን፡ ከርእዩ ፍቓደኛታት ክኾኑ ይግባእ።
ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ ውሁብ ኩነታት፡ መባእታዊ ፖለቲካዊ ናጽነት ዘየፍቅድ ዘይንቡር ኩነታት ብምህላዉ፡ ኣብ ኤርትራ ሓደ ሰፊሕን ምሉእ ዝኾነን ሃገራዊ ዋዕላ ክካየድ ከም ዘይከኣለ ኤዲኪ ብዕምቆት ይርዳእ። ብሰንኪ’ዚ ሃዋሁዚ ከኣ፡ ክብ ኢሉ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ሓፈሻዊ ዝርዝር ቅርጺን ዕማማትን መድረኽ ቅድመ-ምስግጋር ከቕርብ፡ ሓደ ዋዕላ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክጋባእ ኢዩ።
ኩሎም ተሳተፍቲ ዋዕላ፡ ብናይ መወዳእታ ውሳነታት ዋዕላ ቅዩዳት ኢዮም። ኣብ መንጎ ሓባራዊ ውሳነ ዋዕላን፡ ፖለቲካዊ መርገጺ ናይ ሓንቲ ኣባል ናይዚ ዋዕላ ዝኾነት ውድብ፡ ጉጅለ ትኹን ወይ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መርገጺ ረጽሚ ምስ ዘጋጥም ከኣ፡ ውሳነ ዋዕላ ይዕብልል።
ኤዲኪ፡ ምስ ካልኦት ተቓለስቲ ሓይሊታት፡ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበረሰባትን ናጻ ውልቀሰባትን ብምምኽኻር፡ ዋዕላ ኣብ ምውጣንን ምፍጻምን ተበግሶ ክወስድ ኢዩ።
ኣቀዋውማ ኣካላት ኣብ ምሉእ መስርሕ ምስግጋር፡
ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፋት።
ናይ ምስግጋር ተካላት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ከም ዘሎ ቅርጺ ኪኾኑ ንርኢ፡-
- ኣብ ወጻኢ ዝጋባእ ዋዕላ፡ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ ኣብ ግብሪ ከውዕል ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት (ሃቤሽ) ዝመርጽን ሓላፍነት ዝህብን ኣካል ኢዩ። ሃገራዊ ቻርተር ብተሳተፍቲ ቀዳማይ ዋዕላ፡ ነቲ ዝተበጽሐ መሰረታዊ ስምምዕ ዘነጽር፡ ናይ መወዳእታ ሰነድ መድረኽ ቅድመ-ምስግጋር ኢዩ።
- ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት (ሃቤሽ)፡ ብመሰረት ብዋዕላ ዝተዋህቦ ሓላፍነት፡ ሃቤሽ፡ ኣብ መስርሕ መድረኽ ቅድመ-ምስግጋር ዝለዓለ ስልጣን ዝህልዎ ኣካል ኢዩ።
- ፈጻሚ ሽማግለ (ፈሽ)፡ ብሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ዝምዘዝ (ዝቐውም) ኣካል ኮይኑ፡ እዚ ካብ ምዝዛም ቀዳማይ ዋዕላ ኣትሒዙ ክሳዕ ካልኣይ ዋዕላ፡ ነቲ ብቤት ምኽሪ ሃገራዊ ሽማግለ ዝወጸ መምርሒታት ናይ መዓልታዊ ምምሕዳራዊ ሓላፍነት ኣለዎ።
- መሰጋገሪ ባይቶ (መባ)፡ ህሉው ስርዓት ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ፡ ኣብቲ ብምትሕብባርን ምምኽኻርን ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታትን ፈጻሚ ቦርድን ዝውደብ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ዝቐውም ፡ መሰጋገሪ ባይቶ ኤርትራ ኢዩ።
- መሰጋገሪ መንግስቲ (መመ)፡ ክሳብ ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ ሃገራዊ ባይቶን መንግስትን ዝቖሙ፡ ሃገር ንምምሕዳር፡ ብመሰጋገሪ ባይቶ ዝቐውም መሰጋገሪ መንግስቲ ኢዩ።
ቀዳማይ ዋዕላ (ቅድመ-ምስግጋር)፡-
ኣብ ደገ ብዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ በርገሳውያን ማሕበራትን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ምሁራትን …ወዘተ ዝሳተፍሉ ዋዕላ ኢዩ።
ዕማማት ዋዕላ፡-
-
ቻርተር ቅድመ-ምስግጋር የጽድቕ፣
-
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ይመርጽ፣
-
ዕድመ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ይውስን፣
-
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ዝምርሓሉ ሕግታትን ቅጥዕታትን ይሕንጽጽ፣
-
ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕ ዝዓለመ ፖሊሲታትን መደባትን ይሕንጽጽ
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡-
-
ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ዋዕላ ይምረጽ፣
-
ዕድመ ስልጣኑ ክሳብ ምግባእ ሃገራዊ ዋዕላ ኢዩ፣
ዕማማት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ፡-
-
ኣብ ዋዕላ ዝጸደቕ ቻርተር ኣብ ግብሪ የውዕል፣
-
ኣብ ዋዕላ ዝተሓንጸጹ መደባትን ፖሊሲታትን ኣብ ግብሪ የውዕል፣
-
ከም ሓጋጊ ኣካል ኰይኑ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ክፍጽሞ ዘለዎ መደባትን ፖሊሲታትን ይሕንጽጽ፣ ሕግትታን ቅጥዕታትን የወጽእን፣
-
ፈጻሚ ሽማግለ ይምዝዝ፣
-
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምስ ወደቐ ከም ግዝያዊ ፓርላማ ኰይኑ፡ ካብ ውሽጡን ካብ ደገን ብቕዓት ብዘለዎም ዜጋታት ክሳብ ምግባእ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ዘመሓድር ግዝያዊ መንግስቲ ይምዝዝ፣
-
ድሕሪ ምውዳቕ ህሉዊ ስርዓት፡ ምስ ግዝያዊ መንግስቲ (ፈጻሚ ሽማግለ) ብምውህሃድ፡ ንምስንዳእ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ይሰርሕ፣
- ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ ምይይጥ ናይ መስርሕ መሰጋገሪ መድረኽ ምሉእ ተሳትፎ ክህልዎ ምእንቲ፡ ዓዳምን ሰላማውን ሃዋሁ ይፈጥር፣
ኣኼባታት ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡-
- ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ብኣካል ይራኸብ።
- ብመሰረት ናይ ግዜ ሰሌዳን መደብን፡ ኩነታት ዝፈቕዶ እንተ ኮይኑ፡ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕን፡ ስራሕ ፈጻሚ ሽማግለ ይመርሕን ይቆጻጸርን። ኣኼባ ሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት፡ እንተወሓደ፡ ብ2/3 ናይ ኣባላቱ፡ ኮሩም ይመልእ።
- ኩሉ ውሳነታቱ፡ ብመሰረት ብ2/3 ድምጺ ካብ ኣብ ኣኼባ ዝተረኽበ ኮረምን ድምጽን ይኸውን።
ፈጻሚ ሽማግለ፡
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ይምዝዝ። ቁጽሪ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ብሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት ዝውሰን ኮይኑ፡ ዝለዓለ ኣኽብሮት ዘለዎምን ክኢላታትን ዝሓዘ ይኸውን። ንኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ብዝተኻእለ መጠን፡ ኣዕጋቢን ርትዓዊን ክፍሊትን ኣበልን ብሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት ኪቕረበሎም ኢዩ።
ዕማማት ፈጻሚ ሽማግለ፡-
- ንፖሊሲታት ናይቲ ጽላል ውድብ ኣብ ግብሪ የውዕልን፡ ንበብግዚኡ ብሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለ ዝሓለፉ ውሳነታት የፈጽምን።
- ፈጻሚ ሽማግለ፡ ተሓታትነቱ ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ኮይኑ፡ ጸብጻባቱ ናብኡ የቕርብ።
- ከም ኩነታቱ፡ ዝተፈላለያ ሽማግለታትን ንኡሳን ሽማግለታትን የቕውም። ኣባላተን ይምዝዝ፡ ስርሓተን ይመርሕን ይቆጻጸርን።
- ምስ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ብመሰጋገሪ ባይቶ፡ ህላወኡ የብቅዕ።
ኣኼባታት ፈጻሚ ሽማግለ፡-
- ኣብ ርብዒ ዓመት ስሩዕ ኣኼባኡ የካይድ፣
- ህጹጽ ኣኼባኡ ብኣቦ መንበር ወይ 2/3 ካብ ኣባላቱ ይጽዋዕ፣
- 2/3 ካብ ኣባላቱ እንተደኣ ተራኺቦም ኣኼባኡ ሕጋዊ ኢዩ፣
- ውሳኔታቱ ብክልተ ሲሶ ብዝሒ ድምጺ ይሓልፍ፣
ናጻ ተጸባጻቢ ኮሚቲ፡
ዕማማት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታትን ፈጻሚ ሽማግለን፡ ብሓፈሻ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ ዘመተን ጻዕርን፡ ከምኡ’ውን ናጻ ተጸባጻቢ ኣካል ንክህሉን፡ ኣድላይ ይገብሮ።
- ናጻ ተጸባጻቢ ኣካል ኣብ ዋዕላ ይምዘዝን ጸብጻባቱ ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት የቕርብን።
- ምስ ፈጻሚ ሽማግለ ብናይ ቀረባ ምትሕብባር ይሰርሕ።
- ሰርሓት ተጸባጻቢ ኣካል ኣህጉራዊ ደረጃ ይኽተል።
ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡
ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንሃገርና፡ ናብ ዲሞራሲያዊነትን ንሁር ግስጋሰን ልምዓትን ዝመርሕ ሰላማዊ ምስግጋር ንምስላጥ ሓጋዚ ኢዩ። ኤዲኪ፡ ደምበ ተቓውሞ ንዓመታት ዘዋህለሎ ተመክሮታት፡ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምግባእ ክሕይል ኣለዎ ኢሉ ይኣምን። እዚ፡ ንኩሎም ኤርትራውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ኤርትራውያን፡ ዜጋታታ ሰላምን ብልጽግናን ዘስተማቕሩላ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ንምምስራት ኣብ ኩሉ ግንባራት ክሓብሩ ምውሳኖም ዘመልክት ኣወንታዊ ሓበሬታ ክህብ’ዩ።
ብተመክሮታት ስርሓት ቀዳማይ ዋዕላን ትካላቱን ተሓጊዙ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጋባእ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንዲሞክራሲን ግዛኣተ ሕግን ዝካየድ ቃልሲ ንምዕዋት ዘቀላጥፍን፡ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ካብ ህሉው ገባቲ ስርዓት፡ ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ ክሰጋገር ዝድርኽ ስትራተጂን ይሕንጽጽ።
ሃገራዊ ዋዕላ፡ ልሙጽ ምስግጋር ስልጣን ከውሕስ፡ ሃገር፡ ጥጡሕ ቅዲ ሂወት ክረክብን ቁጠባዊ ዝላ ክህሉን፡ ርግኣት ከረጋግጽን ክሰርሕ ኢዩ።
ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ሃገራዊ ስትራተጂካዊ ጉዳያት ይዛተን፡ ኣብ ሓፈሻዊ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሕን ኣለዎ፡-
- ምቛም ኣብ እዋን መሰጋገሪ መድረኽ ናይ ሓጋጊነት ዝለዓለ ስልጣን ንዝህልዎ መሰጋገሪ ባይቶ።
- ኣብ እዋን ምስግጋር፡ ናይ ሃገርና ሰላም፡ ርግኣትን ሃገራዊ ጸጥታን ዝዕቀበሉ ኣገባብ።
- ቀዋሚ ቅዋም ሃገር ምኽላስን ከመይነት ኣገባብ ምጽዳቑን።
- ምስረታ፡ ዕማማትን፡ ስልጣንን፡ መስጋገሪ መንግስቲ።
- ሃገራዊ ምርጫን ምቛም ፖለቲካዊ ሰልፊታትን፣ ምንዳፍን ምጽዳቕን ንዕኦም ዝምልከቱ ሕጊታትን።
- ምጽዳቕ ሃገራዊ ቻርተር።
- ምዝታይን ምጽዳቕን መሰጋገሪ ቅዋም።
- ተወሰኽቲ፡ ከም ሃገራዊ ቁጠባ፡ ዝምድናታት ወጻኢ፡ ጉዳይ ዳግመ ውደባ ሰራዊት፣ … ወዘተ ዝኣመሰሉ ነጥቢታት።
ነባሪ ዝኽሪ ንሰማኣታትና፡
የካቲት 2010 ዓም፡፡
ኣቦመንበር ሰደህኤ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ስጉምቲ ንክውሰድ ናብ ዝጸውዑ ፕረሲደንት ፈረንሳ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ሰዲዱ
Monday, 16 November 2015 21:10 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ናብ ፕረሲደንት ፈረንሳ ፍራንሰስ ሆላንደ ህጹጽ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ሰዲዱ። ንሱ ኣብቲ መልእኽቱ በቲ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሲቪል ኣብ ሰዓታት ለይቲ ዝወረደ ኣስካሕካሒ ህልቂት ከቢድ ሓዘን ከም ዝተሰመዖ ገሊጹ፡ ኤርትራዊ ምሕዝነት ምስ ህዝብን መንግስትን ፈረንሳን ጠቒሱ።
.
ኣቦመንበር ሰደህኤ ናይዚ ብ15 ሕዳር 2015 ናብ ፕረሲደንት ፈረንሳ ዝለኣኾ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ቅዳሕ ናብ ናይታ ሃገር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሎረንት ፋቢዩስ እውን ሰዲዱ። ኣቦመንበር ሰደህኤ፡ በቲ ፕረሲደንት ፈረንሳ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንኤርትራ ብዝምልከት ብዘቕረብዎ ኣገዳሲ ምልክታ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ክሰድድ’ኳ መደብ እንተነበሮ፡ ብሰንክቲ ኣብ ኣብ ፓሪስ ዘጋጠመ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ኣደንጉይዎ ኣሎ።
ፕረሲደንት ፈረንሳ ሆላንድ፡ ኣብቲ ብ11 ሕዳር 2015 ኣብ ቫለታ ማልታ ዝተጋበአን ዝያዳ 60 መራሕቲ ካብ ኣፍሪቃን ሕብረት ኤሮጳን ዘሳተፍዎ ኣኼባ፡ ጉዳይ ኤርትራ ዓብይ ቆላሕታ ክረክብ ዝግበኦ ዛዕባ ምዃኑ ምግላጾም ዝዝከር እዩ። ንሶም ኣብቲ ሽዑ ዘስሞዎ ቃል፡ ብዛዕባ ኤርትራ ዋላ ሓደ ኣይተዛረበን። ኤርትራ ብሰንኪ ዘይቅርዑያት መራሕታ ህዝባ ገዲፍዋ እንዳኸደ ጥራያ ትተርፍ ዘላ ሃገር እያ ኢሎም፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ነዚ ሕማቕ ኩነታት ዝፈጠሩ መራሕቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ተጽዕኖ ንክግበር ድማ ጸዊዖም። እዞም መራሒ ፈረንሳ ሆላንድ ኣስዒቦም ኤውሮጳን መላእ ዓለምን ንኤርትራ ብዝምልከት ፖለቲካዊ ኮይኑ፡ ጥቡቕ ዲፕሎማሲ ዝሓትት ዕማም ከም ዝጽበዮም’ውን ጠቒሶም እዮም።
EPDP Chairman Sends Solidarity Message to French President Who Lately Called for Action on Eritrea
Monday, 16 November 2015 00:01 Written by EPDP Information OfficeIn an urgent memo sent to the French President Francois Hollande, the chairman of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), Mr. Menghesteab Asmerom, expressed "profound shock and dismay" to learn about the brutal massacre of innocent civilians in Paris and sent "deep Eritrean sympathies and solidarity with the people and Government of France "at this dark hour in the street of Paris, the City of Lights".
The message was sent on 15 November with a copy to French Foreign Minister Laurent Fabius. The EPDP chairman was about to send a message of gratitude to the French President about his latest favourable remarks about the situation in Eritrea but had to delay it due to the sad developments in Paris.
It is to be recalled that President Holland stated told the Valletta Summit on 11 november, at which over 60 leaders from both Africa and the European Union were attending, that Eritrea is a major issue that need to be looked at. He said: " Nobody is talking about it. It is a country that is becoming empty of its own population with unscrupulous leaders who let their people go". He called for a maximum political pressure on the Eritrean leaders who have created this sad situation. Mr. Holland added that on Eritrea, Europe and the rest of the world have "a job to be done which is political and which needs a strict and demanding diplomacy."
ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ወሲኽካ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን፡ ኣብቲ ኣብ ናይ ከተማ ፍራንክፈርት ጥንታዊ ኣዳራሽ፡ (ቤት ጽሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ) ኣብ 13-14 ሕዳር 2015 ዝተኻየደ ኣገዳሲ ዓውደ-መጽናዕቲ ተሳቲፈን። እዘን ተሳተፍቲ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ኣብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ ኣገደስቲ ዛዕባታት ተመያይጠን ኣብ 10 ኣብ ምውጋድ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርን ኣብ ናይ ምስግጋር መድረኽ ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ኣገዳሲ ጽልዋ ኣብ ዘለዎ ዛዕባታት ኣብ ምሉእ ሓባራዊ ስምምዕ በጺሐን።
እዚ ንኣፈታትሕ ጐንጺታት ወሲኽካ ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ምርምር ብዘካይድ ጀርመናዊ ትካል ፈልስበርግ ዝተወደበ ዓወደ-መጽናዕቲ፡ ኤርትራውያን ብዛዕባ ብዙሓት ምስ ቃልሲ ኣንጻር’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጻዒ ስርዓት ዝምድና ዘለዎ ጉዳያት ንክዛረቡ፡ ዕድል ዝኸፈተ እዩ። ብዘይካዚ እቲ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ምስግጋር ካብ ዲክታተርነት ናብ ደሞክራሲያዊ ስርዓት እውን ተመያይጡ እዩ። ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ዓሰርቲን ተሳተፍቲ ኣካላት ብዛዕባቲ ንምይይጥ ዝቐረበ ጉዳያት ነናተን ፖለቲካዊ ርኢቶን ኣብ መጻኢ ከጋጥም ብዛዕባ ዝኽእል ተኽእሎታት ምቕያር ስርዓትን ዝምልከት ጽሑፋት ኣቕሪበን።
.
ኣብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ካብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን፡ ሰልፍታት ጀርመን፡ ጀርመናውያን ጋዜጠኛታት፡ ኣባላትን ተሓባበርትን ትካል ፈትስበርግ፡ ካብ ነጻ ተዓዘብቲ፡ ድማ ዶ/ር መሓመድ ከይር፡ ዶ/ር ዳኒአል ረዘነን ክልተ ተዓዘብቲ ካብ ኤርትራዊ ምሕዝነት ምንቅስቓስ ንሃገራዊ ድሕነት ዝርከብዎም ከባቢ 30 ተሳተፍቲ ተጋቢኦም። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ ብኣቶ ወልደየሱስ ዓማርን ኣቶ ንጉሰ ጸጋይን እዩ ተወኪሉ።
እቲ ኣኼባ ብናይቲ ዝወደበ ትካል ዳይረክቶር ዶ/ር ሃርሙት ኩሀል፡ ብምትሕግጋዝ ኣብቲ ትካል ናይ ኤርትራ ጉዳይ ዝከታተሉ ዶ/ር ጉንተር ስክሮቸርን ዶ/ር ያኮብ ኣብራሃም መሪሐምዎ።
ተሳተፍቲ እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ እቲ ጀርመናዊ ናይ መጽናዕቲ ትካል ኣብ መጻኢ’ውን ዝያዳ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ዘሳትፍ ተመሳሳሊ መድረኻት ንኸዳሉ ሓቲቶም።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ተሳተፍቲ ኣብ 10 መረዳድኢ ነጥብታት ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዕም ብክታማቶም ኣረጋጊጾም፡ እቲ መሰማምዒ ነጥብታት ንህዝቢ ክግለጽ ተረጋዳዲኦም። እቶም ዝተሰማምዕሎም መረዳድኢ ነጥብታት እዞም ዝስዕብ እዮም።
1፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ብዝምልከት ብሓባር ምስራሕ።
2፡ ሰላምዊ መፍትሕ ንምርካብ ምቅላስ
3፡ ሕጋዊ መሰጋገሪ መስርሕን ግዝኣተ ሕግን ንምርግጋጽን ዝምልከት ዳህሳስ ምክያድ
4፡ መንግስትን ሃይማኖት ምፍልላን፡ መንግስቲ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ከም ዘረጋግጽ ምግባር
5፡ ምውጋድ ጨቓኒ ውትህድርና
6፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ምርግጋጽ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ዘትከለ ዝምድና ምምዕባል።
7፡ ዓረብን ትግርኛን ከም ወግዓዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ምቕባልን፡ ናይ ኩሉ ቋንቋታት ኤርትራ ማዕርነት ምሕላውን
8፡ ብዝተሓተ ደረጃ ኣብ ዘይምእኩል ፖለቲካዊ ስርዓት ምስምማዕ።
9፡ ምርግጋጽ ዝያዳ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን
10፡ ኣብ ህግደፍን ኣብ ሰርዊት ኤርትራን ንዘለዉ ኣብ ለውጢ ዝኣምኑ ኣካላት ኣካል ናይቲ ሰላማዊ ምስግጋር ንክኾኑ ምጽዋዕ
Frankfurt Workshop of Eritrean Organizations Studies Political Transition Issues
Sunday, 15 November 2015 19:27 Written by EPDP Information OfficeEritrean political and civil society organizations, including the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), participated between 13 and 14 November 2015 at an important workshop in Frankfurt's ancient City Hall (offices of the Mayor of Frankfurt) and discussed and reached full understanding on ten significant issues that have important implications in the struggle to remove the current dictatorship and the transition period towards installing democratic system in the country.
Organized by the German Felsbeg Institute on research and education, including conflict issues, the workshop availed an opportunity for Eritreans to discuss various issues related to the struggle against the repressive regime in Asmara and how the transition from dictatorship to democratic governance could be worked out. All the ten participant organizations presented papers outlining their respective views and positions at the issues tabled for discussion and the possible scenarios of regime change and transition.
The workshop was attended by up to 30 participants from ten Eritrean political and civil society organizations, representatives of German parties (the ruling CDU and SPD); a German journalist; members and contact groups of the Felsberg Institute; independent observers like Dr. Mohammed Kheir; Dr. Daniel Rezene, and two observers from the Eritrean Solidarity Movement for National Salvation - ESMNS. The EPDP was represented by party leadership members Messrs. Woldeyesus Ammar, and Neguse Tseggai.
The meetings were moderated by Felsber Institute director, Dr. Harmut Quehl assisted by FI-Eritrea Contact Group members Dr. Gunter Schroeder, and Mr. Yacob Abraham.
The workshop participants asked for the organization of similar workshops on Eritrea and encouraged more civil society and political actors to participate in such future workshops on the problems in political transition in Eritrea.
At the end of the workshop, a ten-point understanding on which received unanimous support of participants was adopted and signed to be released to the public. The points were summarized as follows:
-
To work together towards a democratic change in Eritrea;
-
To strive for a peaceful solution;
-
To elaborate on a legal framework for the transition process and reestablish the rule of law;
-
To separate state and religion while the state guarantees the freedom of religion;
-
To put an end to the pervasive practice of militarization;
-
To foster good relations with the neighboring countries on the basis of reciprocal respect for sovereignty and territorial integrity;
-
To use Arabic and Tigrigna as official languages, in combination with equal rights for all other languages in Eritrea;
-
To agree, as a minimum consensus, on a decentralized political system;
-
To ensure more representation of women and youth;
-
To call for the potentially reform-minded forces inside the PFDJ and the military to participate in the dialogue on peaceful transition;