ኣኼባ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ

2016-04-18 06:00:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3145 times

ሓልፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ምክትል ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ሓው ወልደየሱስ ዓማር፡ ብ17 ማዝያ 2016 ናይ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ዕላማ ናይዚ ኣብ ፓልቶክ ንዝያዳ 5 ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ፡ ዓመታዊ መደብን ንጥፈታትን ናይቲ ቤት ጽሕፈት ምግላጽ ነይሩ። በዚ መሰረት ሓው ወልደየሱስ ዝርዝር ዓመታዊ መደብ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ኣቕሪቡ፡ በቲ መደብ መሰረት ዝተኻየዱ ንጥፈታት ዘርዚሩን ኣባላት ሰልፊ ነቲ መደባት ንምዕዋት ከበርክትዎ ብዛዕባ ዝግበኦም ከኣ ጸዊዑ።

እቲ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብሓፈሻ ናይ ቤት ጽሕፈቱ ቆላሕታ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ፡ ብፍላይ ናይ ሰደህኤ ብሓፈሻ ድማ ናይ መላእ ሓይልታት ተቓውሞ ናይ ቀረባን ርሑቕን መደባት ምንጽብራቕ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ነቲ ኣብ ኤርትራን ምእንቲ ደሞክራስን ኩሉ ዓይነት መሰላትን ዝግበር ቃልሲ ክድግፉ ምጽዋዕን ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ምቅላዕን ምዃኑ  ሓቢሩ። ዝያዳ ዝርዝር ንምጥቃስ ድማ፡ ራእን ዕላማን ሰዲህኤ፡ ጉዳይ ስደተኛታትን ሳዕቤናቱን፡ ኣብ ልዕሊ ልሉያት መራሕቲ ህግደፍ ዝተነብረ ማዕቀብ፡ ምስታ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ትምርምር ዘላ ኮሚሽን ምትሕብባር፡ ካብቶም ዝያዳ ቆላሕታ ዝግበረሎም ዛዕባታት ምዃኖም ሓቢሩ

ንጥፈታት እቲ ቤት ጽሕፈት ክጠቅስ እንከሎ ከኣ፡ ካብ ምቛም ኣካላት እቲ ቤት ጽሕፈት ጀሚሩ፡ ኣብ ምዝርጋሕ እቲ በዚ ቤት ጽሕፈት ብቋንቋ እንግሊዝ ዝዳሎ መጺሐት፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ጉዳያት ናብ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተጻሕፉ መዘክራት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ሰልፊ ዝተኻየዱ ዑደታት፡ ምስ ዝተፈላለዩ ብጉዳይ ኤርትራ ዝግደሱ ሰልፍታትን ማሕበራትን ዝተገብረ ዝምድናታት ብዝምልከት ዝተሰርሑ ስረሓት ከም ኣብነት ዘርዚሩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ ምስ ተኸፍተ፡ ንምውህህድ’ዚ ቤት ጽሕፈት ምስ ካልኦት ኣካላት ሰልፊ፡ ኣብዚ መዳይዚ ምስ ሓይልታት ተቓውሞ ሓቢርካ ምስራሕ ብዛዕባ ዝከኣለሉ መንገዲ፡ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ንምፍጣር ዝግበር ጻዕሪ፡ ብሓፈሻ ምስ ኩለን ሃገራት ብፍላይ ድማ ምስ ጐረባብቲ ዘለና ዝምድና፡ ምስ ፍሉይ ተሰማዕነት ዘለዎም ባእታታት ዝምድና ብዛዕባ ምግባር፡ ምስ ዘይኤርትራዊ ወገናት ኣብ እንገብሮ ዝምድናታት እንኽተሎ መምዘኒ፡ ዝብሉ ዝርከቦም ዛዕባታት ኣልዒሎም።

ነዞም ዝተላዕሉ ነጥብታት ብግቡእ ዘብረሀ ሓው ወልደየሱስ፡ ብናይ ክሳብ ሕጂ ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ ሕጉስ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ስረሓት ኣህጉራዊ ዝምድና ከምቲ ካልእ መዳያት፡ ነቶም ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዝምደቡ ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰልፊ ንገዛእ ርእሱ ከም ዲፕሎማት ወሲዱ ክንቀሳቐሰሉ ዝግበኦ ክነሱ፡ ኣብዚ ዝተርፍ ከም ዘሎ ተረዲእና ኣብ መጻኢ ጻዕርና ዝያዳ ከነሕይል ይግበኣና ኢሉ።

ኣኼባ ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ ምስ ኣባላት ኣካል ዓመታዊ መደብ ኮይኑ ክካየድ ዝጸንሐን ኣብ መጻኢ  ዝቕጽልን እዩ።

Last modified on Monday, 18 April 2016 08:08