መልሲ ንወልዱ ነጋሲ፡
ኣብ መርበብ ገረግርን ቶጎርባን ዝተሰቅለት ጽሕፍቲ ሓው ወልዱ ነጋሲ ኣንቢበ። ብጣዕሚውን ገሪሙኒ። ኣብዚ ግዜዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደንድስ ጽንሰት ከሎ ሓደ ተቃዋሚ በሃላይ በኣታ ከምኡ ኢሉ ክጽሕፍሲ ይትረፍ ኣይምሓሰቦን ከማን። ባዕሉ ኣብ ቃልዕ ካብ ወጸ፣ ሓው ወልዱ ንየናይ መስመር ወኪሉ እዩ ዝዛረብ ዘሎ ኢልካ ምሕታት መሰረታዊ እዩ።
ሓው ወልዱን ገለ መሳርሕቱን ንናይ መስፍን ሓጎስ ዕላማ ንምትግባር ላዕልን ታሕትን ካብ ዝብሉ ክልተ ዓመት መሊኡ ኣሎ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝፈልጦ፣ መስፍን ሓጎስ ኣብ ተቃውሞ ካብ ዝጽንበር ክቃለስሲ ይትረፍ ንስርዓት ህግደፍ’ውን ኰኒንዎ ኣይፈልጥን እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግና ድሒሩ ከምዝተጋህደ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ሓደ ስዉር ምንቅስቃስ ከምዝፈጠረ እዩ። ዕላማ ናይዚ ምንቅስቃስ ንሰ.ዲ.ህ.ኤ ከም ቍርዲድ ኮንካ ንኹሉ መደባቱ ምልማስን ኣብ ኣባላት ሕንፍሽፍሽ ኣእቲኻ ንሰልፊ ምፍሻልን እዩ። መሪሕነት ሰልፊ ውሽጣዊ ፍታሕ ክገብር ዋላኳ እንተፈተነ፣ ንፈተነኦም ጸማም እዝኒ ስለዝሃበ ንሓው መስፍን ካብ ኣባልነቱ ኣወንዚፍዎ።
ውሳኔ መሪሕነት ንዕላማ መስፍን ዝገትእ ምዃኑ ዝተዓዘቡ ወልዱን መሳርሕቱን ንውሳኔ መርሕነት ብዛዕባ ምውንዛፍ ኣባልነት መስፍን ነጺጎም ጥራሕ ዘይኮነስ ንህይወት ሰልፊ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ንምልማስ ዝለዓለ ወፈራ ኣካይዶምን የክይዱ ኣለዉን። ነዚ ዝረኣየ መሰረት ሰልፍና ንህግደፍ ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኢሉ ብሓይሊ ተላዒሉ ኣብ ቅዋም ተመርኵሱ ህጹጽ ጕባኤ ጠሊቡ። መሪሕነት ንጠለብ መሰረታት ኣብ ቅዋም ሰልፊ ትመርኵሱ ተቀቢልዎ። ንቀይዲ በተኽ ዝኾነት ዞባ ሽማግለ ድማ (ወልዱን ብጾቱን) ኣውሪዱ ብኣሰናዳኢት ሽማለ ተኪእዎ። ወልዱ ድላዩ ክጽሕፍ ይኽእል እዩ ብቅዋም ሰልፊ መስረት ግና ኣብ ዞባ ዝኾነ ሓላፍነት የልብሉን።
ሓርማዝ ሰሪቅካስ ጉምብሕ ጉምብሕ ከምዝበሃል ንዕላማ መስፍን ንኸተግብሩ እናተላኽዑስ ንኸምስሉ ይግዕሩ። መስፍን ንህዝቢ ኤርትራ ሓሊዩሉ ኣይፈልጥን እዩ። ቀደም መገልገሊ ሎሚ መገልገሊ። ወይ ምሳና ወይ ምስ ጸላኢና ከምዝበሃል፣ መስፍን ሓጎስ ምስ ተቃውሞ ካብዘይኮነ ምስ ህግደፍ ጥራሕ እዩ ዝኸውን። ወልዱን መሻርኽቱን ከኣ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣተግበርቲ መደባት መስፍን እዮም።
ንኹሉ ዓይነት ሸርሕታት ከነፍሽሎ ኢና!
ኣማን ተኽላይ
ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ብፍላይ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ተመሳሳሊ ዕግበትን ተረድኦን ዘለዎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ሓደ ትካል ይውደቡ። በዚ ውዳበ ኣቢሎም ድማ ፋሕ ኢሉ ዝጸንሓ፡ ኩለ-መዳያዊ ዓቕሞም ኣወሃሂዶም ናብቲ ብሓባር ዘማዕድዉዎ ሸቶ ዘብጸሖም ዓቕሚ የጥርዩ። እቲ ዘዋህለልዎ ዓቕሚ ከድምዕን ናብቲ ዘማዕድዉዎ ናይ ሓባር ሸቶ ንክብጻሕን ምእካቦም ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ነዚ እኩብ ዓቕሚ ኣብ መዓላ ዘውዕል ሕጋዊ ኣሰራርሓን፡ ኣብ ሕድሕዱ ዝጸላሎ፡ ዝተሓጋገዝን ሕድሕድ ዝቆጻጸርን ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝዝርጋሕ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ናይ ግድን ይህሉ። እቶም ስራሕ ተኸፋፊሎም ዝዋፈሩ ኣካላት ነናቶም ዝዓምዎ እጃም ይወሃቦም። ዝዋስእሉ ድሩት ናይ ሓላፍነት ክሊ እውን ከምኡ።
እቲ ናይ ሕድሕድ ምጽልላውን ምቁጽጻርን፡ ብፍላይ እቲ ትኹላዊ፡ ላዕለዋይ ነቲ ታሕተዋይ ብኸመይ ይቆጻጸሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህሪ ኣለዎ። እቲ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝወርድ ኣብ መወዳእታ ናይ ምግዳድ ባህርን ስልጣንን ክህልዎ እንከሎ እቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝድይብ ግና ናይ ምትሕስሳብ፡ ለበዋ ምቕራብን ምዝኽኻርን እጃም እዩ ዘለዎ። እቲ ታሕተዋይ ናይቲ ላዕለዋይ እጃም እንተዘይወሰድኩ ኣብ ዝብለሉ ግዜ ጉዳያት ይዝረግ ርግኣት ከኣ ይጠፍእ። እቲ ላዕለዋይ ኣካል እውን ኣብ እጃም እቲ ታሕተዋይ እናሻዕ ኢድ ምስ ዘእቱ ዝበልሾ ጉዳያት ይህልዉ። ካብዚ ንምድሓን ንከምዝታት ከወግድ ዝወጽእ ቅዋምን ንዓኡ ተመርኲሱ ዝወጽእ መምርሕን ምርዳእን ምኽባርን መተካእታ የብሉን። ነዚ ሕጊ ከተኽብር እንከለኻ ከኣ ቀንዲ ማእከልካ ንሱ እቲ ሕጊ እምበር ነቲ ሕጊ ከተግብሩ ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ዘለዉ ሰባት ክኾኑ ኣይግባእን። ምኽንያቱ እቲ ወሳኒ እቲ ሕጊ እምበር እቶም ዝቀያየሩ ሓለፍቲ ኣይኮኑን።
ኣብዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ መዋስኢ ውድብ ወይ ሰልፊ እቲ ምክፍፋል ስራሕ ኣብ ደረጃን ዓይነትን ዕማም ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣሰፋፍራ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ክዝርግሑ ውሁብ እዩ። ግና ድማ ኣብ ጽላል ሓደ ውድብ ናይ ሓባር ዕማም ኣብ ምዕዋት ምእንቲ ከድምዑ፡ ግቡእ ሓበሬታ ክሰንቁ ኣድላይ እዩ። ነዚ ዝዓምም ድማ እቲ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዝቕመጥ ኣካል እዩ። ስለዚ ኣብ ሓደ ውሱን ኩርናዕ ናይቲ ትካል ዘሎ ምዕባለ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዘለዉ ኣካላት ይፈልጥዎ እዮም። ንኣብነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዘሎ ጉዳያት፡ ኣብ ኣወስትራልያ፡ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዘለዉ ኣካላት ይከታተልዎ እዮም። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ንኹሎም ከማእክሎምን ክመርሖምን ፈትዮም ኣብ ሕጋዊ በሪኽ መድረኽ ዘንበርዎ ኣካል ንኣካላት እቲ ዝመርሖ ሰልፊ ወይ ውድብ ምምእካል እዩ ቀንዲ ስርሑ። ናይዚ ኣካል’ዚ (መሪሕነት) ውሳነታት ካብቲ ቀንዲ ሕጊ ፈሊኻ ዘይረኣዩን ዝትግበሩን መምርሕታት እዮም። ነዚኦም እንዳዋሰንካ ዝተሓዝ መንገዲ ሕጋውን ስርዒታውን እዩ ምባል ግና ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ዘይሕጋዊ ክንስኻ ምእንቲ ደጋጊምካ ምስባኽ ከኣ፡ ከንቱ እዩ።
ነዚ ሕጋዊ ናይ ሓበሬታ ኣዘረጋግሓን ኣፈጻጽማ ውሳነታትን መስመር እንዳጠሓስካ ዝግበር ጐድናዊ ናይ ሓበሬታ ኣዘረጋግሓ ንዘይሕጋዊ ኣከያይዳ ዘተባብዕን ኣፍራስን እዩ። ሰባት ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ዝመርጹ ከኣ ዘመሓላልፍዎ ሓበሬታ ዘይጥዑይ ክኾኖም እንከሎ’ዩ። እቲ ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝዕሸዉዎ ዝደልዩ ከኣ ብዘይሕጋዊ መስመር ኣዕናዊ ሓበሬታኦም ከሰኪሞም ከዕብድዎ ዝደልዩ ወገን እዩ። ኣቐዲሙ ብዛዕባቲ ብሕጓ ዝብልዎ በቲ ሕጋዊ መስመር ጥዑይ ሓበሬታ ከም ዝወነነን ብውሽጡ ይዕዘቦም ከም ዘሎን ኣይርድኡን እዮም።
ንኣብነት ብዛዕባ’ቲ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ መሪሕነቱን ቅዋሙን ከምዚ ንሳቶም ጥራይ ዝፈልጥዎ፡ ብዙሕ ይዛረቡ። እቲ በቲ ናቶም ቅኒት ከኹድድ ዝደልይዎ ኣካል እንተኾነ ካብኣቶም ንላዕሊ፡ እንተዘየሎ ከኣ ክንደኦም ብዛዕባቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ከም ዘለዎ እውን ይርስዑ እሞ መቲሮም ዘዝሃብዎ ጸይቂ ጥራይ ዝኹልስ ይመስሎም። ምናዳ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ዘይረኸበ ሚዛኖም ንዒቑ፡ ስሚዑን ኣንቢቡን ስቕ እንተበለ ዝተቐበሎም ዝመስሎም እውን ይመስለኒ። ግና ሱቕ ኣብ ውሽጡ “በሉ ሰሚዕናኩም ኣለና። ካልእ እንተልይኩም ደኣ ኣምጽኡ እምበር እዝስ ኣይሕራይን።” ዝብል ተረድኦ ዝሓቖፈ መልሲ ምዃኑ ምርዳእ ይስእኑ እሞ ከምዚ “ሌባሌባ እንተበልዋስ ልዋልዋ ዝበልዋ ይመስላ” ከም ዝበሃል መመሊሶም የኮማስዕዎ።
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ዘሎ ኣካል፡ ካብቲ ቀንዲ ስረሓቱ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ፡ በብኹርንዑ ብሕጊ ዝተሰለዓሎም ናይ ዕማምን ሓላፍነትን ሒዞም ዝዋስኡ ኣካላት ምቁጽጻር እዩ። ኣብቲ መስርሕ ጽቡቕ ንዝሰርሑ ይንእድን የተባብዕን። መንገዶም ንዝሰሓቱ ድማ ይመክር፡ የጠንቅቕ ከም ኣድላይነቱ ከኣ ይግስጥን ይቐጽዕን። ነቲ ዕማም ዘይበቕዕዎ ኣካላት ከኣ ካብ መዝነት የውርድን ካብኦም ይሕሹ ብዝበሎም ከኣ ይትክእ። እዚ ኩሉ ግና ከከም ዊንታኻ ዝትግበር ዘይኮነስ በቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ንኣብነት ኣብ ጉባአ ዝጸደቐ ቅዋምን ንዓኡ ዘነጽር ሕግታትን እንዳተመራሕካ እዩ። ሓደ ውድባዊ ኣካል ጨንፈር ንበሎ ዞባ ምናልባት እውን ንኡስ ዞባ፡ እቲ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣካል ቅኑዕ፡ ሕጋውን ቅዋማውን ኢሉ ብዝኣመነሉ ኣገባብ ካብ ሓላፍነት ምስ ወረደ፡ ኣብቲ ትማሊ ዝነበሮ ቦታ ሎሚ ሕጋዊ ኣይኮነን። ዝነበረ እዩ ዝበሃል። ምኽንያቱ ሎሚ ዘበን ብናይ ዓሚ ብዕራይ ኣይሕረስን እዩ። እንተደኣ ኣብቲ ሰልፊ ኣለኹ ዝብል ኮይኑ ከኣ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወስደ ኣራሚ ስጉምቲ ምስ ኩሉ ዘለዎ፡ ዕቃበን ዘይዕግበትን ክቕበሎ ናይ ግድን እዩ። እዚ ኣገባብ ኣካል ዲሞክራስያዊ መስርሕ እምበር፡ ከምቲ ገለ ወገናት ከካብ ውልቃዊ ስምዒትን ዘበርዓነ ሕሳብን እንዳነቐሉ ዝብልዎ፡ ዘይሕጋዊ፡ ዘይቅዋማዊ ፈንጫሊ ኣይኮነን።
ፈስቲቫል ፍንክፎርት 2017 ኣብ ቅርዓት ፍጹም ዓውደ ትግባረ
Wednesday, 02 August 2017 23:31 Written by ዜና ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫልብሓልዮት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017 ካብ ዕለት 04-06 ነሓሰ 2017 ኣብ ኣደራሽ ዩንቨርስቲ ቦኮንሃይም ቫርተ (Johann wolfgang Goethe –Universität, Mertonstr. 26-28, 60325 Frankfurt am Main) ከተማ ፍራንክፎርት ኣብትሕቲ ‘‘ሓቢርና ንቃለስ፡ ምልኪ ክድምሰስ‘‘ ዝብል ጭርሖ ዝውዕል፡ ምድላዋቱ ወዲኡ ኣብ ቅርዓት ፍጹም ዓውደ ትግባረ በጺሑ ምህላዉ ኣቦ-መንበር ኣሳናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል ሓቢሩ። ፈስቲቫል ዓርቢ ንጉሆ ብምቕባል ኣጋይሽ ዝጅምር ኮይኑ፡ ድሕሪ ቀትሪ ብመምህር ድራር መንታይን ጎይትኦም መብራህቱን ዝተዳለወ ብጽሒት ዲሞክራሲ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዘገንዝብ ኣስተምህሮ ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ክቐርብ ከምዝኮነ‘ውን ተሓቢሩ ኣሎ። እዚ ኣስተምህሮ‘ዚ ብራፍቶ RAFTO Foundation for Human Right ዝተባህለ ዲሞክራሲ ንምንጋስ ዝጽዕት ናይ ኖርወይ ትካል ክጉስጎሰሉ ዝጸንሐን ዘሎን መደብ ናይ ምልመላ ኮይኑ፡ በዞም ክልተ ዘይሕለሉ ብጾት መማህራንን ካልኦት ነቲ ዕድል ዝረኸቡን ኣቢሉ ድማ ናብ ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2017 ይበጽሕ ምህላዉ እዩ።
ድሕርዚ፡ እቶም ወናማት ሙዚቐኛታት ንብዙሕ ካብ ናይ ኤርትራ ባህልታት ዘንጸባርቕ ጸወታን ትልሂትን ክህሉ ከምዝኮነ ሓው መድሃኔ ህብትዝጊ ኣዋሃሃዲ ባህላዊ ጉዳያት ፈስቲቫል 2017 ኣሚቱ ኣሎ። ብፍላይ ካብ ኖርወይ ዝመጽእ ሙዚቐኛ ሓው ብዝተፈላላየ ኤርትራዊ ዜማታት ከጻውት ተዳሊዩ ምህላዉ ሓቢሩ።
ቀዳም ዕለት 05 ነሓሰ ብመግለጺ ተወከልቲ ጀርመናውያን ሰልፍታት ዝጅምር ፈስቲቫል ፍንክፎርት 2017፡ ብወከልቲ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታትን በርጌሳውያን ማሕበራት ብሓፈሻ ዝቐርብ ናይ ምሕዝነት መግለጺታትን ኣስተምህሮን ግጥምታትን ክስነ ከምዝኮነ ኣዳለውቲ በዓል ሓቢሮም ኣለዉ።
ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ጀርመን ካብዘለዉ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ማሕበራትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ኣልናህዳ ኤርትራ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ መርበብ ኤርትራውያን ዲቂ ኣንስትዮ ጀርመን፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን መድረኽ ኤርትራውያን ንዘተን ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ዘቕርብዎ መግለጺታት ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብዘይካዚ ምትእስሳር መንእሰያትን ሰልፊ ህልዊ ኩነታት ኣሰላልፋ ደምበ ተቓውሞን ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ቃልስን ጸገማቱን ዝድህስስ ኣስተምህሮ ሓዘል ድራማታት ኣዳልዮም ኣለዉ። ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ እውን ንሕሰማት ኤርትራውያት ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘመልከተ ዝተፈላለየ ምድላዋት ጌርና ኣለና ክትብል ወይዘሮ ኣልጋነሽ ኢሳቕ ሓቢራትና ኣላ።
ሰዲህኤ ካብ ዝምስረት፡ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ክዳሎ ዝጸንሐ ዓመታዊ ፈስቲቫል ብዝተፈላለየ ጭርሖታት ዝሓዘ ኣርማታትን ምልክትን ክውቅብ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ። ናይ ሎሚ ዓምት ፈስቲቫል‘ውን ናታ ገጽ ሒዛ ቀሪባ። እንተኾነ ግን ንኣርማ ፈስቲቫልን ማሕበርን፡ ኣርማ ሰዲህኤን ባንዴራ ኤርትራን ፈላልዮም ክጥምቱ ዘይካኣሉ ኣሕዋት፡ ኣብ ክንዲ ህድእ ኢልካ ምሕሳብን ዝሓለፈ ሸውዓተ ፈስቲቫላት ዝሓዞ ምልክታት ተመሊስካ ምርኣይን፡ ተረኽበት ጉድለት ተባሂሉ መውጽኢ ቅርሕንትታቶም ክጥቀሙላ ፈቲኖም። ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017 ግን፡ ጉዕዝኣ ቀጥ ኣቢላ ኣብ ቅርዓት ፍጹም ዓውደ ትግባረ በጺሓ ምህላዋ ምስክርነቱ ኣንጸባሪቑ እነሆ።
ሰብ ውራይ ስለዝኾና፡ ብዛዕባ ኣርማን ባንዴራን ንግዝይኡ ኣብዚ ደው ኣቢልና፡ ካብተን ኣብ 2015ን 2016 ፈስቲቫላት ፍራንክፎርት ዝተጠቅመለን ኣርማታት፡ ንኣስተብህሎ ተኻታተልቲ መርበባት ደጊምና ንሰቕል ኣለና።

ክቡራት ኣንበብቲ ብቀዳምነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ ብድሕሪ ምቕራብ፡-
ኣብ ጉዕዞ 26 ናይ ነጻነት ዓመታት ብሰንኪ በሓቲ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ድማ ብፍላይ፡ ክበጽሕ ዝጸንሐን ገና ዝቕጽል ዘሎን ከቢድ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕንወት፡ ኣሽንኳይ’ዶ ንዓና ነቶም ዋናታቱ ንዓለም ምሉእ’ውን ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብዚ ህሞት’ዚ ኣብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክግለጽ ዝኽእል ጨካን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ዘይተተንከፈ ባእታ፡ ስድራ ቤት፡ ብሄርን ሃይማኖትን ፍጹም የልቦን። ብሳዕቤኑ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራዊ ዜጋ ዘይነጠባ ክፍለ-ዓለምን ሃገርን ዳርጋ የለን እንተተባህለ ፍጹም ምግናን ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ኤርትራ ብድሕሪ ሃገራዊ ነጻነታ ምጭባጣ ካብተን ብምንጪ ስደተኛታት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝተሰርዓ ሃገራት ክትስራዕ ታሪኻዊ ግድነት ኮይኑ ኣሎ። መንእሰይ ኤርትራ ነጻነት ዘለዎ ሰላማዊ ሂወትን ርጉእ መነባብሮን ንምምራሕ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንምስግጋር ኣብ ዘካይዶ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ብደላሎ ሰብ ዘጓንፎ ቁጠባዊ ምዝመዛ፡ ጭፍጨፋ፡ መጨውይቲ፡ መሸጣን ኣካላዊ ብዝበዛን ንመላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለም’ውን ብሩህ ክስተት’ዩ። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ድማ ኣብ ኤርትራ ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ልጓም ኣልቦ ብሓቲ ስርዓት ምትካሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘየገድስ፡ ንልዕልነትን ፖሎቲካዊ ነጻነትን ህዝቢ ዝገልጽን ንመንግስቲ ዝገርሕን ቅዋም ወይ’ውን ግዝኣተ ሕጊ ብዘይምህላዉ’ዩ። ፈረስ ብዘይልጓም መንግስቲ ብዘይቅዋም ናብ ጭቡጥ ጸድፊ ከምዝበሃል፡ ኤርትራ ናብ ርኡይ ደልሃመትን ዓዘቕትን ካብ ተምርሕ ዓመታት ኣቁጺራ ኣላ። እዚ ማንም ሰብ ይፍተዎ ይጽልኣዮ ብዘየገድስ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ክውንነት’ዩ።
ብኣንጻሩ መራሕቲ ህግደፍን ሰዓብቶምን ምስዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ክውንነት’ዚ ክላተሙ ጥራይ’ዮም ዝመርጹ። ከምቲ ብዓል ኣመል ኣመሉ ጎቦ ድማ ቦትኡ ነይገድፍ ዝብሃል ያታዊ ምስላ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ምግሃስ ኩሉ-መዳያዊ ሰብኣውን ፖሎቲካውን መሰላት፡ ምርጋጽ ነጻነትን ማዕርነትን ኩሎም መንፈሳዊ ሃይማኖታትን ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ዝካየድ ጻሕታሪ ኲናት ፖሊሲታትን ምኽሓድ ልሙድ’ዩ። ካብኡ ዝኸፍአ ድማ ኣብ ኤርትራ ብባሓቲ ስርዓት ህግደፍ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ፡ ቁጠባዊ ገስጋስን ማሕበራዊ ፍትሕን ተረጋጊጹ ምህላዉ፡ ነጻነትን ማዕርነትን ኩሎም መንፈሳዊ ሃይማኖታትን ባህላዊ እምነታትን ዝተኸበረ ምዃኑ ክገልጹ ድሕር ኣይብሉን’ዮም። ኣብ ወጻኢ ዝምድናታት ብዝምልከት ድማ በቲ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ገስጋስን ምዕባሌን ካብ ክቱር ቅንኢ ብዝብገስ ካብ ዝተፈላለዩ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጽእ እከይ ምትንኳልን ሽርሕታትን እንተዘይኮይኑ፡ ፖሊስታቱ ቅኑዕን ጥዑይን ምዃኑ ከረድኡና ህርድግ ይብሉ። ካብዚ ኣጉል እምነት’ዚ ብምብጋስ’ውን ንኤርትራ መዳርግቲ ዘይብላ ደሴት ሰላምን ፍትሕን ብምባል ስያሜ ክህቡ ምስማዕ ካብቲ ኣዝዩ ዘደንጹን ዘሕንኽን ጉዳይ’ዩ። ብርግጽ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ እዚ ኩሉ ማእለያ ዘይብሉ ጥልመትን ዕንወትን እናተፈጸመ ከሎ፡ ነቲ ዘይተኣደነ በደላት ዝፍጽም ዘሎ ጨካን ስርዓት ዘተባብዑን ዘሳስዩን ሕልንኦም ሞይቱ ብደዎም ዝተቐብሩ ጥራይ’ዮም ክብሃሉ ዝኽእሉ። ካብዚ ወጻኢ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ኣይኽእልን’ዩ።
ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ነጻነትን ማዕርነትን መንፈሳዊ ሃይማኖታት ዘየኽብር ንህላወ ገለ እምነታት ድማ ኣይኣምን’ዩ። ገባቲ ኢሳይያስ ብዘይዝኾነ ሕፍረት ንእምነታት ጅሆባ፡ ጴንጠ፡………….ወዘተ ከቋሽሽ ከሎ እዚ ብኣሜርካ ዝተሰንዐ ሃይማኖታት’ዩ ብምባል፡ ብተደጋጋሚ ከም ዝምድር ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ። ብዝኾነ እዚ እምነታት’ዚ ኣብ ኤርትራ ክምለኽን ቤተ-ጸሎት ክሰርሕን ብሕጊ ስርዓት ህግደፍ ዝተኣገደ’ዩ። ብ1993 ጅሆባ ኣብ ረፈረንደም ምድማጽ ኣብዮም ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈላለየ ስጉምቲ ምውሳዱ ይዝኸር። ብድሕሪ’ዚ ንኩሎም ኣመንቲ ጅሆባን ጴንጠን ብኣካላት ጸጥታ እናተሃድኑ ክእሰሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ትሕቲ ጭው ዝበለ ጸልማት ጉድጓድ ብምእሳር ብሓይሊ ክሳብ እምነቶም ክቕይሩ ዝገደድሉ ኩነታት ምጽንሑን ምህላዉን ካብ ማንም ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ብ1995 ምስ ጅሃድ ምትእስሳር ኣለዎም ብዝብል ልዕሊ 75 ዝኾኑ መሻይኽን ኣመንቲ ምስልምናን ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝተጨውዩ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ስድራ ቤቶም ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ውድዕነት ከም ዘለዉ ኣይፈልጡን’ዮም። እዚ ስርዓት’ዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ እምነታት ከካይዶ ዝጸንሐ ኢድ-ምትእትታውን ንመራሕቲ ሃይማኖታት ብምጽላም ስጉምትታት ምጭዋይን ምእሳርን ድማ፡ ን3ይ ፓትራሪክ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንመንፈሳዊ ክብሮምን ጸጋ ዕድሜኦምን ብምድፋር ብ2005 ናይ ምሕያር ስጉምቲ ምውሳዱ ይፍለጥ።
ኩሎም’ቶም ለባማትን ሕልና ዘለዎምን ዜጋታት ብሓፈሻ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ድማ ብፍላይ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንምንታይ ንልዕሊ 10 ዓመት ዝኸውን ኣብ ማሕዩር ጸኒሖም? ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ግድነት’ዩ። እቶም ገለ ምስ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ተመሳጢሮም ኣብዚ እከይ ተግባራት’ዚ ዝወዓሉ መራሕቲ ሃይማኖታት ዘቕርብዎ ኣጉል ክስታት ንጎኒ ገዲፍና፡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዓቢኡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ እምነታት ዘካይዶ ጭቡጥ ኢድ ምትእትታው፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ምግፋፍ ኣገልገልቲ ኣብያተ-ክርስትያን ብትሪ ይቓወሙ ምንባሮም ዝፍለጥ’ዩ። ኩሉ ነገር ደረቱ ምስ ሓለፈን ጸቕጥታት ናይቲ ስርዓት ምስ በዝሐን፡ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ መንፈሳዊ እምነቶምን ጸጋ ዕድሜኦምን ብዝእዝዞ መሰረት፡ ቅድም ምሕያሮም<<ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ህዝብና ብክንድ’ዚ ደረጃን ናህርን ናብ መላእ ዓለም ከም ደቂ-ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ ክኣትዎን ክስደድን ፍጹም ኣብ ትጽቢትና ኣይነበረን። እቶም ከምኡ ዝገብሩ ዘለዉ ጓኖት ዘይኮኑስ፡ ደቂ’ዚ ሃገር’ዮም። ህዝቡ እናተበተነ ስቕታ ዝመርጽን ዓገብ ዘይብልን መራሕ ሃይማኖት መራሒ ክበሃል ዝኸኣል ኣይኮነን። ናተና ንብሎን ባዕልና ቆጽሊ ነውድቐሉን መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሓጺር ግዜ ይዓድለና>> ብምባል ተባዕ መደረ ምስምዖም ይዝኸር። ገባቲ ኢሳያይስን ዓሻክሩን በዚ ተባዕ መደረ’ዚ ፍስሓን ሕጎስን ተሰሚዕዎም ደቒሶም ክሓድሩ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ካብዚ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ እንታይ ዓይነት ስጉምትታት ይወሰድ? ንዝብል ሕቶ ካብ ምእሳሮም ወጻኢ ብገባቲ ኢሳይያስን ሰዓብቱን ካልእ ቅኑዕ መፍትሒ ሓሳብ ክቐርብ ምጽባይ ኣይኸኣልን’ዩ። ከምቲ ልሙድ ኣብ ፖሎቲካዊ ጉዳይ ንኩሉ ኣዕናዊ ፖሊስታት ናይቲ ስርዓት ዝቓወሙ ባእታታት ወይ ውድባት ሃሱሳትን ጠላማትን ዕሱባትን ዝብል ዝልጠፍ ስያሜታት፡ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንምሕያር ድማ ምስ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ብምምስጣር፡ ምስ ተሓድሶ ጸልዮም፡ ምስ ምናፍቓን ተራኺቦም…….ወዘተ ብዝብል ጸለመታት ብምክያድ ክብሪ መንፈሶምን ጸጋ ዕድሚኦምን ብምድፋር ንክሕየሩ ተወሲኑ እቲ ስጉምቲ’ውን ብቀጥታ ተወሰደ።
በዚ ጨካን ስጉምቲ’ዚ ድማ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ኩሉ’ቲ እከይ ባህግታቱን ሸርሕታቱን ሰሚርሉ ሓድነት ኩሎም መራሕትን ኣመንትን መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ንልዕሊ 10 ዓመታት ተዘሪጉን ተበታቲኑን ኣብ ኣርባዕተ መዳይ ተኸፋፊሉ ጸኒሑን ይቕጽልን ኣሎ።
- ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መንፈሳዊ እምነታት ኢዱ-ምትእትታው ከካይድ ዝተቐበሉ፡ ንምጽላም ይኹን ንምሕያር ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብቀጻሊ ዝተመሳጠሩን ዝተዋፈሩን መራሕቲ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ። ምስኡ ብቀጥታ ዝዛመድ ሰዓብቲ ህግደፍ ምስቲ ስርዓት ብዘለዎም ቅርበትን ምድንጋጽን ነቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተወሰደ እከይ ጸለመታትን ምሕያርን ዝድግፉ ተራ ኣመንቲ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ።
- ነቲ ብባሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተወሰደ ኢድ ምትእትታውን ምስ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ብምምስጣር ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተገብረ እከይ ጸለመታትን ጨካን ምሕያርን ብድፍረት ዝቓወሙ መራሕትን ኣመንትን እምነት ኦርቶዶክስ።
- ኩሉ እናፈለጡን እናዕዘምዘሙን ብፍቓድ ኣምላኽ ዝወረደ ስለ ዝኾነ ክግበር ዝኸኣል ነገር የለን ሕጂ’ውን ብኣምላኽ ጥራይ’ዩ ዝፍታሕ ብዝብል ስቕታ ዝመረጹ መራሕትን ኣመንትን መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ።
- እቲ ሓቂ ኣበይ ከም ዘሎ ምምማይ ዝተጸገሙ ኣብ ላንግላንጋ ዝወደቑ ንኡሳን መራሕትን ብርክት ዝበሉ ኣመንትን መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ’ዮም። ብዝኾነ ንኣስታት 10 ዓመት ዝኸውን ንመንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ንምስንጣቕ ክካየድ ዝጸንሐ ከቢድ ሽርሕታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝካየድ ዝነበረ ኣጉል ጸለመታትን ምሕያርን ድማ ብፍላይ ብዕርቂ ምዝዛሙን ካብ ማሕዩር ምፍትሖምን ዝገልጽ ብ21 ሓምለ 2017 ብድምጺ ኣሜርካ ዝተፈነወ ዜናን ጸብጻብን ነዚ ዝስዕብ ይመስል።
ፈነወ ድምጺ ኣሜርካ፡- ን10ተ ዓመታት ዝኣኽል ኣብ ሱባኤ ገዛ ጸኒሖም ዝተባህሉ 3ይ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከም ዝተፈትሑ ተገሊጹ። ብርሃነ በርሄ ካብ ኣስመራ ነዚ ዝስዕብ ሓጺር ጸብጻብ ልኢኹ ኣሎ።
ጸብጻብ ብርሃነ በርሄ፡-ኣብ መንጎ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራን 3ይ ፓትርያሪክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ብተበግሶ ወከልቲ ስምረት ገዳማት ኤርትራን ጉባኤ ሊቃውንቲ ኤርትራን ብዝተገብረ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት መስርሕ ሽምግልና ብዕርቂ ከም ዝተዛዘመ መልከ ጻድቕ ኣብርሃ ገሊጾም።
ቃል መልከ ጻድቕ ኣብርሃ፡- ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘሎ መዛግብ መወኸሲ ክኾነና ምእንቲ ብኡ ሂቦምና ንዕኡ ከኣ ኣጽኒዕናን ርኢናን እንታይ እንታይ ተገይሩ ካብቲ መጀመርትኡ ክሳብ’ዚ መወዳእታ ከብጽሖ ዝኸኣለ ኩነታት መልክዕ ሓደ ብሓደ ኣጽኒዕና ብድሕሪኡ ሰናይ ፍቓድ ናይ ሲኖዶስ ምስ ኾነ ናብ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኬድና ተዛራሪብናዮም ንሶም’ውን ገዳማትን ሊቃውንትን ክትመጹኒ ከለኩም ዘይሰምዓኩም ጉዳይ የብለይን ብዝብል ብሕጉስ መንፈስ ተቐቢሎም። ስለዚ ተመላሊስና ካብኦም ዝውሰድ ቃላት ይኹን ካብ ሲኖዶስ ይኹን ብኩሉ መንገዲ ኣሰማሚዕና ኣረዳዲእና ናይ 18 መዓልታት ዝወድአ ኣብ ውሽጢ ዓመት ማለት’ዩ ውዲእና ነዚ ዕርቂ ብንጹር ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፖትሪያርክ ካብ ዝነበርዎ መንበሪ ገዝኦም ኣምጺእና ዕርቂ ጌርና።
መዛዘሚ ጸብጻብ ብርሃነ በርሄ፡- ኣቡነ ኣንጦንዮስ ሱባኤ ክገብርሉ ካብ ዝጸንሑ ገዛ ወጺኦም ብሰንበት 16 ሓምለ 2016 ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረጼን ቅድስተ ማርያም ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝተገብረ ናይ ጸሎትን ቅዳሴን ስነ-ስርዓት ከም ዝተሳተፉ ተፈሊጡ። 3ይ ፓትራሪክ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ዝነበሩ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ኤርትራ ኣብ ቁነና ወይ ሱባኤ ክጸንሑ ብዝሃቦ ውሳኔ መሰረት ን10 ዓመታት ኣብ ከባቢ እንዳ ማርያም ኣብ ዝርከብ ገዛ ከም ዝጸንሑ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።ብርሃነ በርሄ
መዛዘሚ ፈነወ ድምጺ ኣሜርካ፡- ስማዕትና ብርሃነ በርሄ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ንዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪቡ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽል ክንምለሶ ኢና።
ኣብ ህላወ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብርግጽ ሓቀኛ ዕርቂ ክረጋገጽ ይኽእል’ዶ? ዝብል ሕቶ ብሃሳስ ለባም ዝምለስ ሕቶ’ዩ። ምክንያቱ እዚ ስርዓት’ዚ ዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቐመሉ እንኮ ስልቲ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብምዝራግን ስኒት መንፈሳዊ እምነታት ብምጉዝዛይን ጥራይ ስለዝኾነ። ባዕሉ ንዝፈጥሮ ምስሕሓብን ግርጭታትን ሓቀኛ ዕርቂ ንምርግጋጽ በየናይ መምዘኒታት? ባህርያቱ’ውን ዝፈቕድ ኣይኮነን። ብዝኾነ ሕጂ’ውን ነቲ ንዕርቕን ምፍታሕ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስን ኣመልኪቱ ኣቐዲሙ ብቪድዮ ዝወጸ ስእላዊ መግለጺ፡ ድሒሩ’ውን ነቲ ብድምጺ ኣሜርካ ክፍሊ ትግርኛ ዝተመሓላለፈ ዜናን ብወኪሉ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተዋህበ ጸብጻብን ብምዝማድ ምስ ንዕዘብ ሓቀኛ ዕርቂ ዘይምፍጻሙ ጥራይ’ዩ ዘመላኽት። ምክንያቱ ኣብቲ ብቪድዮ ዝተፈነወ ስእላዊ መግለጺ፡ ብጀካ’ቲ ዕርቕን ሕድገታትን ምግባሩ ዝገልጽ ኣካል፡ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብቲ ዝተቐመጥሉ መንበር ዝኾነ ምንቅስቓስ ከይገብሩን ቃል ከይህቡን ፍቓድ ከም ዘይተዋህቦም’ዩ ዝእምት። ኣብቲ ብወኪል ድምጺ ኣሜርካ ብብርሃነ በርሄ ዝቐረበ ጸብጻብ ድማ <<3ይ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ዝነበሩ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ቤ/ጽሕፈት ሲኖዶስ ኤርትራ ኣብ ቁነና ወይ ሱባኤ ክጸንሑ ብዝሃቦ ውሳኔ መሰረት ን10 ዓመታት ኣብ ከባቢ እንዳ ማርያም ኣብ ዝርከብ ገዛ ከም ዝጸንሑ ካብቲ ቤት-ጽሕፈት ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት>> ይብል። ኣብዚ መዳይ’ዚ ብዘይዝኾነ ቀለዓለም ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብውሳኔ ስርዓት ህግደፍ ድዮም ን10 ዓመታት ተሓይሮም ወይስ ብመሰረት ውሳኔ ሲኖዶስ ኤርትራ? እቶም ንቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ን10 ዓመታት ዝሕልዉ ዝነበሩ ወተሃደራት ናይቲ ስርዓት ድዮም ወይስ ወተሃደራት ቤት-ጽሕፈት ሲኖዶስ ኤርትራ? ን10 ዓመታት ዝኸውን ብሓለዋ ወተሃደራት ዝካየድ ሱባኤ ኣሎ ድዩ? ዝብል ኣገዳሲ ሕቶታት ብቁዕ መልሲ ዝህብ ኣካል ኣይህሉን’ዩ።
ኣብ ኤርትራ ነጻነትን ሓርነትን ፕሬስ ዘፍቕድ ልዕልነት-ሕጊ ክሳብ ዘየሎ ንበይኑ ንወኪል ድምጺ ኣሜርካ ብርሃነ በርሄ ዝወሃብ ፍሉይ መሰል ክህሉ ዝኸኣል ኣይኮነን። ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡ድማ ብርሃነ በርሄ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ድማ ብፍላይ ብበሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብቀጥታ ቃል ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከቕርብ ስለ ዘይተፈቐደሉ ቃል መልከ ቅዱስ ኣብርሃ ከሰምዕ ከም ዝተገደደ ምስጢር ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። እቲ ኩሉ ኣብ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ዝተፈጸመ ኣዕናዊ ሸርሕታትን ምትንኳላትን፡ ብሳዕቤኑ ድማ ካብ ኣህጉራዊ ቤተ-ክርስትያን ክትንጸልን ክትውገዝን ዝገበረ ምክንያታትን ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተካየደ ርካሽ ጸለመታትን ን10 ዓመታት ክሕየሩ ዝተኣልመ እከይ ተግባራትን ድማ ብፍላይ ብተራ ዕርቕን ሕድገታትን ዝውዳእ ኣይኮነን። ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሱር ድራማታት ክቕበሉ ዘገድድ ብቁዕ ምክንያት’ውን ኣይህሉን’ዩ። ኣብ ውሽጢ’ዚ 10 ዓመታት ክንደይ ግዜ ተፈቲኑ ብቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ተቐባልነት ዘይረኸበ ጉዳይ’ውን’ዩ። ፍጹም ግልጽነት ይኹን ተሓታትነት ዘይብሉ፡ እቲ ስርዓት ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዝነበሮ ኣሉታዊ ተራን ብንጹር ይቕሬታ ከይሓተተን ዝፍጸም ዕርቂ ፍጹም ቅንዕና ክህልዎ ኣይኽእልን’ዩ። ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ ኩሎም ኣመንቲ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ዕርቂ ምፍጻሙን ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብቲ 10 ዓመታት ተሓይረምሉ ዝነበሩ ከም ዝተፈትሑን ብኣንደበቶም ቃሎም ከይሃቡ፡ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍን እቶም ገለ መሻርኽቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ብዝፍንውዎ ሓበሬታታት ክታለሉ ፍጹም ኣይግባእን ይብል።
ሰናይ ትምኒትን ንባብን
ነፀረኣብ ኣስመላሽ
30 ሓምለ 2017
ትርጉም ጥልመት ኩልና ከምዘይንስሕቶ: ኣብ መንጎ ደቂሰባት፥ ውድባት፥ ሰልፍታት፥ ማሕበራት፥ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ዝምድናን ርክብን ዝጠምሮም፡ ሓባራዊ ረብሓን እምነትን ክከሓድ እንከሎ ዝፍጠር እዩ። እቲ ዝምድናታት ውዒሉ ሓዲሩ ስነምግባርን ስነስርዓትን ብዝጎደሎ ኣካይዳ ዝብገስ ጽልኢ ይኹን ቅርሕንቲ ናብ ምጥርጣራትን፥ ዘይዕግበትን፥ ገጹ የምርሓካ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብቲ ዘራኽበካን ዘዛምደካን፥ ወይ እውን ዝጠምረካ ጉዳያት እምነት ብምጉዳል ወይ እውን ኣብ ርእስኻ ጥራይ ተኣማሚንካ ናብ ምጥሓስን ዝምድና ገጽካ ክትመጣጠር እንከሎኻ ናብ ጥልመት ገጽካ ኢኻ ትጎዓዝ።
ጥልመት ንፋሕ ብትን ወይ እውን ዘይምስምማዕ ኣዝዩ ዘራጉድ ኮይኑ፡ ነቲ ምስ ፈረሰ ብቐሊሉ ክምስረት ዘይከኣል እምነት ኣብ ሓደጋ የውድቖ። ምኽንያቱ እምነት ኣንተዘይሓሊኻዮ ብቐሊሉ ተሰባራይን ተነቃፋይን ስለ ዝኾነ ብቕጽበት ክጠፍእ ወይ እውን ከምዘይነበረ ክኸውን ስለ ዝኽእል። እዚ ዘመልክቶ እንተልዩ ጽልእን ቅርሕንትን ብሓንቲ ደቒቕ ክዕምባባን ከስፋሕፍሓን ከለዋ፡ እምነት ግና ብብዙሕ ውረድ ደይብን ተጽዋርነትን ኣቢልካ ነዊሕ ግዜ ወሲድካ እዩ ዝምስረት። ኩሉ እትኣምኖ ዝነበርካ ናይ ብሓቂ እንተዘይነይሩ ነቲ ዝነበረካ እምነት ብሓንቲ ደቒቕ ምሒኻ ናብ ጎደና ጥልመት ምኻድ ቀሊል እዩ።
በዚ መስረት ጥልመት ብጣዕሚ ሓደገኛን ኣዕናውን ምዃኑ ምርዳእ ከድልየና እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝነበረካ እምነት ድልዱል ስለ ዘይነበረ ኣብ ልዕሊ እትኣምኖም ዝነበርካ እምነትካ ከተጉድል እንከለኻ ንነፍስኻ ትጠልም ከምዘሎኻ እውን ምስትብሃል የድሊ። ምኽንያቱ ስለ ዝኣመንካዮም ኣሚኖሙኻ እምበር እንተዘይትኣምኖምሲ ኣይምቐረቡኻን። ልክዕ እዩ ወዲ ሰብ ካብ ፍርሕን ነድርን ወይ ቊጠዐ ምስ ዝብገስ እታ እምነት እትደልዮ ፍቕሪ፥ ሕውነት፥ ምክብባርን ስኒትን ኩሉ ብሓደ ሰዓት ክሰባበር ስለዝኽእል እታ ጥልመት ትቕልቀል። ጥልመት ከኣ ሒዛቶም ትመጽእ ሳዕቤናት ጽልኢ፥ ቅርሕንቲ፥ ምቁንጻብ፥ ጸርፍን ብደዐን ዝኣመሰሉ ነቲ ሃዋህው የበላሽውዎ’ሞ እቲ ኩሉ ትኣምነሉ ዝነበርካ መራጎዲ ጥልመት ይኽወን።
ጠላም ከኣ ክሳብ ንዕላምኡ ምጥላም ስለ ዝበጽሕ ናይ ተጻዋርነት ባህሪ ኣይህልዎን እዩ። ነቲ ኩሉ ዝሓለፎ ጡዑይ ሃዋህውን ምስ ደቂ ሰባት ዝፈጠሮም ዝምድናታትን ብዘይ ወዓል ሕደር ብትኽትኽ እዩ ዘብሎ። ጽባሕ ንግሆ ወይ እውን ኣብ መጻኢ ክንራኸብ እንዲና ኢሉ ስለ ዘይሓስብ ብዓይኒብለይ ስኒብለይ ንኹሉ ክድምስሶ ዝእግሞ ኣይኮነን። በዚ ዝኣክል ሓሶትን ምድንጋራትን ሓዋዊሱ ንዝኣተዎ መብጸዓ ክጥሕሶ ግዜ ዝወስደሉ ኣይኮነን። ስለዚ ጥልመት ኣብ ዝረኣየሉ እዋን እምነት ከም ጽላሎት እዩ ዝኸውን። እምነት ክሳብ ሞት ክትሕዞ እምበር ኣብ መንጎ ክትበትኖ ከሎኻ፡ ንዓኻ’ውን ዝኣምነካ ኣይህሉን።
ሽግርና እምበኣር ነቲ ብነዊሕ ዓመታት ዝተጠርየ እምነት ብቐሊሉ ክጉረሽ ምዃኑ እንዳፈለጥና፡ ናተይ ሓሳብ ካብዘይተሰምዐ ከምቲ (ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ) ዝበሃል ይኸውን። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ጽልኢ፥ ኣብ ክንዲ ምጽውዋር ምንፍፋግ ተዘውትር’ሞ ነቲ እትኣምነሉ ዝነበርካ ናይ ፖለቲካ ይኹን ማሕበራዊ ሕግታት ወይ ቀይድታት ርዒምካ ምኻድ ከምዘይበቓዕካዮ እዩ ዘመስክር። እወ! ዝኾነይኹን እትኣምነሉ ጉዳይ መስርሕ እምበር ተረኽቦ ከምዘይኮነ ኩልና ንርድኦ ይመስለኒ። እዚ ማለት ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም እንከሎና ንፖለቲካ ከም መስርሕ እምበር ከም ተረኽቦ ገርና ክንግምቶ እንተዀይና ዝፈጥሮ ጸገም ክህልው ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ንፖለቲካ ብመንጽር ተረኽቦ ክንርእዮ ከሎና ልሙሳት እዩ ዝገብረና። ምኽንያቱ ነቲ ንኹልና ዘንጸላሉ ሓደጋ ሓባራዊ ክንሱ ኣብ ናይ ውሱን ተረኽቦታት ብምድሃብ ናይ ኩልና ምዃኑ ዘንጊዕና ክነስተብህለሉ ኣይንኽእልን። ኣብ ተረኽቦታት ምንባርና ድማ ነቲ ንምንታይ ንቃለስ ከም ዘለናን፥ ስለምንታይከ እብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣሎናን ዝብል ፍታሕ ወይ ተረድኦ ክህልወና ክንጽገም ኢና። ኩልና ኣብ ሰልፍታት ንሃሉ፥ ኣብ ማሕበራት ካብዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣትይዎ ዘሎ ጸበባን መከራን ፍታሕ ክነናዲ እምበር ኣብ ነንሓድሕድና ምውድዳር ከምዘይኮነ እንተዘይተረዲእና፥ ከድና ከድና ኣብ ጥልመት ገጽና ኢና ክንጎዓዝ። ነቲ ግዝኣተ ሕጊ ዝበሃል ጠማሪናን፥ ንግርጭታት ፍታሕ ዘናድየልናን ምዃኑ ብምዝንጋዕ፥ ኣነዶ በዚኦም ወይ በቲኦም እናበልና ንዝረአ ምፍሕፋሓት ማዕረቲ ዓብይ ፍታሕ ንደልየሉ ዘሎና ቃልሲ ክኸውን ኣይግበኦን። እቲ ዘሎናዮ መድረኽ ሽግር ውልቀሰባት ናይ ምፍታሕ ዘይኮነስ ኤርትራ ትሃሉዶ ኣይትሃሉ ኣብ ዝብሉን፡ ንኽትህሉኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና ኢልና ደኣ ክንሓስብ ኣሎና እምበር፥ ንፍልልያት ኣራጒድካ ብኣኡ ምህውታት ሽግር ህዝብና ክንፈትሕ ኣይንኽእልን ኢና።
ስለዚ ጥልመት ንእምነት ትድምስስ ካብ ኮነት፥ እምነት ምስኣ እንተጠፊኣ ከኣ ፍትሕን ርትዕን ክህሉ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ትልመጥ እንተሳዕሪሩ፡ ኩሉ ውዕላት፥ መትከላት፥ ሕግታት፥ … ወዘተ ክጠሓስ ማለት እዩ። እዚኦም እንድሕሪ ተጣሒሶም ከኣ ወዲ ሰብ ንቕድሚት ክስጉም ዘይኮነ ኣብ ዕንክሊልን ሓድሕድ ምክሳስን’ዩ ዝነብር። ዘሎን ዘየሎን ኣኻኺብካ ንሰባት ዘእምን ብዝመስል ኣገባብ ተጠቒምካ ዝሃነጾ ንምፍራስ እዩ ዝጽዕር። ምኽንያቱ ነቲ ባዕሉ ዘጽደቖ ሕግታት እንተዘይኣኽቢርዎን ዘይተማእዚዝዎን ከይዱ ከይዱ ኣይናተይን ይብሎ ኣሎ ስለ ዘስምዕ ንኽጠልሞ ግዜ ኣይወስደሉን እዩ። ሎሚ ኩልና ንልዕልና ሕጊ ብተግባር ክንውፈን ክንርዕምን እንተዘይበቒዒና፥ ጽባሕ ንግሆ ንሕና ከምዚ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ፡ ልዕሊ ሕጊ ክንከውን ክንመጣጠር ኢና። እዚ ከኣ እዩ ኣነ ዝበልክዋ እንተዘይኮነት ካልእ ገደል ይእቶ ናብ ዘብል ኣፍራስነት ዝእቱ።

ጋዜጣዊ መግለጺ
ሓሙሻይ ዓመታዊ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
ዳግመ ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.ነቲ ሰፊሕን ክቡርን ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ከም ዘይፍለ ኣካል ሓርነታዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተቐቢሩ ከይተርፍ፡ ከይርሳዕ፡ ብዝተፈላለየ መልክዑ ንምእካቡን ንምስናዱን ካብ 2012 ዝጀመረ ተበግሶ ለብዘበን ዓመት`ውን ካብ 30 ሰነ- 2 ሓምለ 2017 ኣብ ደንቨር- ኮሎራዶ ተኻይዱ።
- ናብ ዝመጽእ ወለዶ ምስግጋሩ፡ ነቲ ተመክሮ ብግቡእ ብምጽናዕ፡ ካብኡ እንመሃሮ ንናይ ግዜናን መጻኢትን ኤርትራ ዘጋጥሙ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ሽግራት ንምፍታሕ ዚህልዎ ኣበርክቶ ንምልላይን፡ ህዝብና ብግቡእ ከም ዚመሃረሉ ንምግባርን፣
- ኣብ ሃገርና ኣካቢቡ ዘሎ ሓደጋታት ብምግምጋም፡ ንህዝብና ካብ ዝሓልፎ ዘሎ ናይ ጸበባን ደልሃመትን ኩነታት ከነገላግሎ፡ ንዝተዋህለለ ዓቕምታትና ኣኻኺብና፡ ዝተሰንቀ ተመክሮታትና ዳግም፡ ብዚበለጸ ኣሐዲስና ክንዋስኣሉ፣
- ካብ ዘለናዮ መንቀራቕሮ ንምውጻእ፡ ናይ ልቦና ዕምቆትን ናይ ኣሰራርሓ ዝተሓደሰ ተበላሓትነትን፡ ዘማለኤ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣብ ምድህሳስ ተራና ከነዐዝዝ ካብ ዘለና ሓላፍነት ዝተወስደ ተበግሶ፣
- ንውጉኣት ሓርነት ንምጥዋርን፡ ሃለዋቶም ንምክትታልን... ኣብ ዝተሰረተ ዕላማ...ንመበል ሓሙሻይ ዓመት ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ተኻይዱ።

ናይ 2017 ሓሙሻይ ዳግመ ርክብ ተ.ሓ.ኤ. ካብተን ዝሓለፋ ዳግመ ርክባት ፍሉይ ዝገብሮ፡ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ታሪኽ ተመራመራይን ሰናድን ጀርመናዊ ኣቶ ጉንተር ሹረደር፡ ተረኺቡ ዘቕረቦ ንኣበጋግሳ ሰውራ ኤርትራ ዝድህስስ ዝርዝር ሓበሬታን መርትዖታትን ኢዩ። ካብቲ ዘቕረቦ ሰነዳት ቅድሚ ሕጂ ብተረኽቲ ሰውራ ኤርትራ ዘይቀረበ ነይሩ። ኣቶ ጉንተር ንነዊሕ ዓመታት ሓያል ጻዕርን ድኻምን ኣካይዱ ዝሰነዶ ናይ 1950ታት ኤርትራውያን ሓርበኛታት ንናጽነት ምልዕዓላት መዓስን ከመይን ከምዝነበረ ብንጹር ተንቲኑነ ኣቕሪብዎ።
ብጻይ ዓብደላ ሱሌማን፡ ኣብ ቃልሲ ምእራም ሰውራ ኤርትራ ኣብ 1966 ዝጀመረ ብኣካል ፍሉይ ኣበርክቶ ዝገበረሉ ምንቅሳቓስ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ናብ ደንከልያ ክትኣቱ ኣብ ዝተገብረ ጻዕርን፡ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሓላፊ ኣብ ዝነበረሉን፡ ኣዝዩ ሃብታም ተመክሮ ኣቕሪቡ።
ብጻይ ሕድራይ ፍስሓ፡ ንቂያ ስርሒታት ናይ ተ.ሓ.ኤ. መቐጸልታ ናይ`ቲ ብሰፊሑ ከቕርቦ ዝጸንሐ፡ ብፍላይ ድማ ናይ ስዉእ ፍስሃየ ጅግና መስዋእቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከቕርብ ከሎ፡ ብጾት ዶክ. ግርማይ ነጋሽን ዶክ. ኣንገሶም ኣጽባሃን፡ ``ብድሆታት ኣብ ምጽሓፍ ታሪኽ`` ብዝብል ቴማ ዘቕረብዎ ዓሚቝ ሓተታ ንዳግመ ርክብ ናይ 2017 ዝልለ ድምቀት ፈጢርሉ።
ዳግመ ርክብ 2017፡ ብጉዳይ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ዘትዩን ናይ ገንዘብ ወፋያ ተገሩን። ከምኡ`ውን ኣዝዮም ውፉያት፡ ንናይ ኣጋይሽና ናይ ነፋሪት ቲኬት፡ ናይ ሆቴል፡ ናይ መግቢ ውጻኢታት ብኣርባዕተ ሃብሮማት ዜጋታት ክሽፈን ምኽኣሉ፡ ካሜራን ስእልን ምልዓል (ናይ`ቲ ስነዳ ቀንዲ መትኒ)፡ ነቲ ኣኼባ ዝኸውን ናይ ድምጺ መግልሒ መሳርሒታት፡ ጉልበቶም ፍሉይ ክእለት ንስለ ዘወፈዩ ውፉያትን ንኹሎም እቶም ንናይ 2017 ዳግመ-ርክብ ክዉን ንምግባር ዝልለ ጻዕሪታት ንዝገበሩን ፍሉይ ምስጋና ዝግበኦም`ዩ።
መርድእ
ክቡር በዓል ቤተይ ብርሃነ ገብረዮሃንስ ብዝሓደሮ ዘይምሕር ሕማም ኣብ ገዝኡን ኣብ ቤት ሕክምና ኡፕሳላ-ሽወደን ተዓቚቡ ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብዕለት 17 ሓምለ 2017 ዓ.ም ብሰላም ዓሪፉ። ፍትሓት ዝግበረሉ ዕለትን ቦታን ድማ ዕለት 26 ሓምለ 2017 ሰዓት 11.00 ቅ.ቀ ኣብ ቫክሳላ ቤተ-ክርስትያን ሽርኮ ቨግ 2 ኢዩ። ሓመድ ኣዳም ዝለስበሉ ድማ ሰዓት 1.00 ድሕር ቀትሪ ኣብ ዝተጠቐሰ ቤተ- ክርስታያን ዘሎ መቓብርዩ።
ብዓልቲ ቤቱ ህድኣት ተስፋማርያም
ምስ ደቃን ምሉኣት ስድራ ቤትን።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሕጂውን እቲ ጸጸኒሑ ንኹለን ኤርትራውያን ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምንቅስቓሳትን ከጋጥመን ዝጸንሐ ወይ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ሒቕታ ኣጋጢምዋስ፣ እቶም ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ናይቲ ሰልፊ ናይ ኣሰራርሓ ዘይዕግበታት ከርእዩ ዝጸንሑ ኣባላት፡ ዛጊት በቲ ጽኑዕ እምነት ኣባላት ሰልፊ ዝተዓጥቀ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ድሮ መአረምታ ተወሲድልምስ፣ ሰልፊ ናብቲ ብቐዳምነት ዝተበገሰሉን ዝዓጠቐሉን ንዓመታት ዝተቓለሰሉን (ምንጋስ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ) ተዋፊሩ ይርከብ።
ኣብዚ እዋንዚ ናይ ጀብሃን ህዝባዊ ግምባርን ድሕረ ባይታ ዝነበሮም ኢልካ ከም ነጥበ መፈላለዪ ክትወስድን ከተላዓዕልን ድማ፣ ለባም ተረድኦ ናይ ዲሞክራሲ ካብ ዘይምህላው ዝብገስ እዩ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ድማ ዝበዝሑ ኣባላት ኩለን ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ምስናይ ሰዲህኤ፣ ካብ ኣብ ሳሕል ይዅን ባርካን መላእ በረኻታት ኤርትራን ዘሕለፍዎ ግዜ፤ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ኣማዕቢለን ብግቡእ ኣብ ግብሪ ዘውዕላ ሃገራት ዘሕለፍዎ ግዜ ስለ ዝበዝሕ‘ዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ናይ ሜዳ ተመኩሮ ከም መወከሲ ምውሳድን ምትኹታኹን ካብቲ ናይቲ ግዜቲ ሓውሲ-ዲሞክራሲ (quasi-democracy) ወይ ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ዘይምምዕባል ጥራይ ዘይኮነስ ኣብኡ ደስኪልካ ከም ምህላው ዘስምዕ ኢዩ። ገለ ናይ EDPን ናይ EPPን ድሕረ ባይታ ዘለዎም ውልቀ ኣባላት ሰዲህኤ፣ ንዲሞክራስያዊ ማእከልነት ጥሒሶም፣ ነቲ ዝወዓልሉን ዝተኻትዕሉን ዝመረጹሉን ዝተመርጹሉን ጉባኤ ሰልፊ፤ ተገልቢጦም (ዘጣዓሶም ምኽንያት ብጉልቡቡ) ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል ናይ በይኖም ስርርዕን ኣግላሊ ርኽኽባትን ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ከርእዩ ከለዉን፣ ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣረኣእያ ይመስል። እቲ ሕጊ ተጣሒሱ ተባሂሉ ዝኸሱሉ ዘልዉ ነጥብታት ከኣ፣ እታ ብጉባኤ ዝተመርጸት መሪሕነት ንድሌት ውሑዳት ውልቀ-ሰባት ስለ ዘይተማእዘዘትን ካብ ሓላፍነታ ስለዘይወረደትን ኢዩ። ውድባዊ ወይ ፖለቲካዊ ድሕሪ ባይታ ከም መዛረቢ ካብ ተላዕለ፣ ካብቶም ኣብዘይዕግበታት ተዋሒጦም ዝርከቡ፡ ናይ ተሓኤ ኣባላት ዝነበሩ ኮይኖም፣ ብመነጽሩ ብዙሓት ናይ ህ᎐ግ᎐ ድሕረ–ባይታ ዘለዎም ኣብ ሰዲህኤ ብዘይ ጸገም ከም መራሕትን ተመራሕትን የገልግሉ ከም ዘለዉ ምስትብሃል የድሊ።
እቶም ሓንጊሮም ድዮም ሓዚሎም ናብ ኤርትራ ከእትዉ ዝብሃሉ ድማ፣ ሰረት ዲሞክራሲ ብድልየቶምን ብዕግበቶምን ምኻድ እንተዘይኮይኑ፡ ድምጺ ብዙሓት ከምዝኾነ ገና ክሰርሕሉ ዘይተበገሱ፡ እቲ ናይ ብረኻታት ባህርያቶም ኣብ ልዕሊ ብጾቶም በጨቕ ከብልዎ ዘየሕፍሮም ኮይኖም፣ ክሕንግሩስ ይትረፍ ክሕንገሩውን ዘይከኣል ኢዩ።
መሰረት ዲሞክራሲ ሓሳብካ ናብ ህዝቢ ወይ ናብ ኣባላት ”ሼጥካ”/ኣረዲእካ ኣብዛሓ ደገፍቲ ረኺብካ ስልጣን ምሓዝን፡ ነቲ ዕዉት ራኢኻ ኣብ ግብሪ ምትርጓምን ማለት ኢዩ። ኣብዛሓ እንተዘይረኺብካ፣ ሓሳብካ ወይ ራኢኻ ህዝቢ ይኹን ኣባላት ስለ ዘይተቐበልዎ ተሳዒርካ ማለትዩ፣ ይዅንምበር ነቲ ዘይተዓወተ ሓሳብካ ከተዐውት ጽዒርካ ዳግማይ ዕድል እትረኽበሉ ባይታን መጋበርያን ስለዘሎ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሎካ ዳግማይ ዕድል ብዓቕልን ብብልሓትን ክትጥቀመሉ ምጽባይ፣ ነቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝጸደቐ ውዕልን ቅዋማዊ ኣሰራርሓን መምርሕን ብኣቋራጭ ክትግልብጥ ሓይልኻን ኣቓልቦኻን ምጽንቃቕ ግን፡ ከንቱ ፈተነ ኮይኑ ብስርዓተ ኣልቦነት ዝግለጽ ተርእዮ ኢዩ።
ካልእ ከም መካትዕን መፈላለዪን ዝላዓል ዘሎ ነጥቢ ድማ፡ ሕቶ ባንዴራን፡ እቲ ዛጊት ብዲክታቶር ኤርትራ ተዓሺጉ ደሮና ዝእክብ ዘሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ሞይቱ እዩ እውን ዝተባህለ ቅዋም ኤርትራን ኮይኑ፣ ሰዲህኤ ነዚ ክልተ ነጥብታትዚ ዝምልከት፣ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ምስ ሰዓረን ምስ ሳዕረረን ብህዝቢ ዝውሰን ጉዳይ ምዃኑ ኣስሚሩሉ ኢዩ። ሰዲህኤ ነታ ሰማያዊት ባንዴራ ከም ምልክት ጽንዓትናን ብረታዊ ቃልስናን ነዛ ናይዚ እዋን ባንዴራ ኤርትራ ድማ ከም ምልክት ነጻነትና ብምግንዛብ እያ ክብረተን ሓልያ ትጓዓዝ ዘላ። እቲ ሓቂ ነዛ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘላ ባንዴራ ኤርትራ ዝፈቱ ኣሎ ጥራሕ ዝይኮነስ፡ ምስ ኩሉ ዕቃቤታቱን ስምዒታቱን ኣብ መጋባእያ ዓለም ወግዓዊት መለለይት ኤርትራ ኮይና ምህላዋ ዘይቅበል ዘሎ ኣይመስለንን። ነታ ናይ ቀደም ዝመርጽ እውን ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እቲ ርእስ–ነገር ዕሸላዊ ደኣ ይኹን እምበር እቲ ዝድለ፣ ህዝቢ ዝመረጾ ንኽዕወት ምጽዓርን ምእማንን ጥራይ ኢዩ ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ውልቀሰባት፣ መራሕቲ ይዅኑ ተራ – ኣባላት ዝምባሌኦም ወይ ምርጨኦም በጨቕ ከብሉ ባህርያዊ ኢዩ። ኣብ ተደጋጋሚ ቃለ-ማሕተታት ከም ዝተገልጸ ዝምስክሩ ሰነዳት እውን ኣለዉ እዮም። ቅዋም ብዝምልከት ጉዳይውን ካብዚ ኣመልኻኽታ‘ዚ ዝተፈልየ ስለዘይኮነ፡ ንሓደን ዝብጽሖ ነቲ ካልእን ዘይብጽሖ ጌርካ ከተቕርብ ምፍታን ለባም ኣገባብ ኣይመስለንን። ናይዚ ግዜ‘ዚ መፈላለዪ ጉዳይ ጌርካ ከተቕርቦ ምፍታን ድማ ካብቲ ቀንዲ እዋናዊ ዋኒን ተቓወምቲ ሓይልታት ምውጻእ እዩ።
‘‘ዝኣኽለን ጥሒነንሲ በዓለ ማርያም ይብላ‘‘ ከም ዝበሃል፣ ኣብ ጉባኤ ዝተመርጹ መራሕቲ ሰልፊ ዘሊፍካን ኣናኣኢስካን ከተብቅዕ፣ ብሓሳባት መሪሕነት ሰልፊ ስለዘይተማእዘዘ ካብ ሰልፊ ተባሪሩ ዝብል ዘረባሞ ጉዳም ኢዩ። አረቲ ነቐፌታን ርእሰ ነቐፌታን ዝበሃል መወራዘዪ ዝነበረ ኣባሃህላ ኣበይ ተሰወረ? እቲ ተጋግየ ይቕሬታ ዝብል እዱብ ኣምርከ ብግቡእ ንርደኦ ኢና? ወዮ ዳኣ መሪሕነት ሰዲህኤ ሳላቲ ተባላሓትነቱ ነቲ ኣግላሊ ክፋእ ኣጋሊጽዎ እዩ እምበር፣ ንምስጓግ ዝምልከትሲ እቶም ቅዋም ተጣሒሱ በሃልቲ ኣብቲ ሕቡእ ኣኼባታቶም ዝተሳማምዕሉ ዕላማ ተራእዩን ተሰሚዑን ኢዩ። ብወገነይ ከምዚ ዝንዛሕ ዘሎ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ኣባላትን መሪሕነትን ሰዲህኤ እንተ ዝህልወኒ፣ ኣብ ክንዲ ብዙሓት (majority) ናይ ምውሳን ሓለፋ ወይ ተራ የብሎምን እንዳበልኩ ዘይተኣደነ ወፈራ ንግሩሃት ክነዝሕ ዝፍትን፣ ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብ ዕላዊ ኣኼባታትን ጉባኤታትን ሰልፊ ምተማጎትኩሉ፣ ክሳብ ክንድቲ መሪሩካ ዘሎ እንተዝመረኒ ድማ ምጠንጠንክዎሞ ናብ ይሓይሽ ዝበልኩዎ ሰልፊ ተጸምቢረ ክእለተይ መወፈዅ። እዚ ማለተይ ግን ኣብ ሓደ ብደሞክራሲያዊ ቅዋም ዝምራሕ ሰልፊውን ጉድለት የልቦን ኣየስምዕንዩ፣ ጌጋታት ድማ ብምርድዳእን ሓሳብካ ”ብምሻጥን” ዝዕረ ስለ ዝኾነ ከምኡ ዓይነት ቃልሲ ክኽተል ጸገም የብለይን።
ወዮ ዳኣ ዝተሓደሰካ ኢዩ ዝመስልምበር፣ ብስርዒታዊ መንገዲ ንዘይከይድ ሰብ፡ እንተኾነ ነቲ ዘይኣምነሉ ኣከያይዳ ሰልፊ ባዕሉ ገዲፍዎ ይኸይድ፡ ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ኣብ ክንዲ ናብ ምእራም ናብ ምዕናው ምስ ዝዋፈር ግን፣ እቲ መሪሕነት ኣድላዪ ፍታሕ ወይ ስጉምቲ ምስ ዘይወስድ ሓላፍነቱ ዘንጊዑ ተባሂሉ ብኣባላቱ ከም ዝሕተት ክሰሓት ዘይብሉ ሓቂ ኢዩ። ግጉይን ዘራግን ራኢ ድማ ከምቲ፣ ሓንቲ ዝተበላሸወት ሜለ ንሽሕ ተባላሹ ዝተባህለ ስለ ዝኾነ፣ እቲ ምርጫ፣ ካብ ቅርሕንትን ጽልእን ትምክሕትን ወጺኻ፡ ነቲ ዝቐረበ መአረምታ ተቐቢልካ ኣብ ዓውደ ቃልሲ ምርብራብ ናይ ተቓለስቲ ባህርን ኣደብን ከምዝኾነ ምስትብሃል ከድሊ እዩ።
ሃብተሚካኤል፡ ዶ/ር
ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ዜጋታት ኤርትራ ኩሉ’ቲ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ሰነ-ሓሳብ፡ ብውጽኢቱ ድማ ዝተፈላለየ ግህሰታት ሰብኣውን ፖሎቲካውን መሰላት፡ ግፍዕታትን ግብረ-ሽበራዊ ተግባራትን ኣትሪሮም ዝቓወሙ ወይ’ውን ዝኹንኑ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። እዚ ብኣውንታ ክግለጽ ዝኽእል ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣብ ወጻኢ ስትራተጂካዊ ፖሊስታት ናይቲ ስርዓት ብዝምልከት ግን፡ ምስ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራትን ርሑቕ ዓለምን ዝኽተሎ ዝምድናታት ዝደናገሩ ውሑዳት ኣይኮኑን። ብፍላይ’ውን ምስ ግጭት ዶብን ውጽኢታቱን ኣብ ዝተኣሳሰር ጉዳይ ነቲ ብእንኮ ናይ ሓሶት መዕከናት ዜና ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፍኖ እከይ ፕሮፓጋንዳዊ ጽልእታትን ቅርሕንትታትን እናተታለሉ ገሊኦም ኣብ ጃላነት ዝወድቑ፡ ገሊኦም ድማ ነቲ ሓበሬታት ከምቲ ንሱ ብምቕባል፡ ከም ተጣባቒ ልዕላውነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብምውሳድ፡ ምስ ርእይቶኡ ክደናገጹ ዝደናደዱ ምህላዎም ኣይዝንጋዕን። ብዝኾነ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ኩሉ’ቲ ዝኽተሎ ስትራተጂካዊ ወጻኢ ዝምድናታት ካብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ስነ-ሓሳብ፡ ግዕዘይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ፡ ጸረ ቁጠባዊ ምዕባሌን ማሕበራዊ ግስጋሰን ተፈልዩ ክርአ ዝኽእል መንፈስን ትሕዝቶን የብሉን። ምክንያቱ እዚ ስርዓት’ዚ ፍርቂ ጎኑ ጥዑይ ፍርቂ ጎኑ ድማ ሕሙም ክኸውን ስለ ዘይኽእል፡ ምስ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራትን ርሑቕ ዓለምን ዝኽተሎ ስትራተጂካዊ ፖሊስታት ካብቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ናይ ሕቆን ከብድን ዝምድናታት ዝምንጩ ብምዃኑ ተመሳሳሊ ከምዝኾነ ፍጹም ክዝንጋዕ ኣይግባእን።
ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብቀንዱ ንኩሉ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ መሪር ቃልስታቱን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን ብምጥላም ንልዕላውነቱ ረጊጹ፡ ኣብ ኤርትራ ብቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ዘይግዛእ ስርዓት ተኺሉ፡ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ፡ ቁጠባዊ ምዕባሌን ማሕበራዊ ግስጋሰን ከረጋግጽ ኣይኸኣለን። ካብዚ ጭቡጥ ክውንነት’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ኩሉ’ቲ ዝኽተሎ ወጻኢ ስትራተጂካዊ ፖሊስታቱ ብዓለም-ለኻዊ ሕግታትን ስምምዓትን ተገዚኡ፡ ምስ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራትን ርሑቕ ዓለምን ኣብ ሕድሕድ ሕውነታዊ ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓታትን ተመርኲሱ፡ ነጻ ርኽባትን ዝምድናታትን ህዝቢ-ንህዝቢ ዘጠናክር ክኸውን ምጽባይ የዋህነት’ዩ። ብርግጽ’ውን ኣብዚ ዝሓለፈ 26 ዓመት ጉዕዞ ሃገራዊ ነጻነት ብጭቡጥ ዝተረጋገጸ ክውንነት ምስ ዝህሉ፡ ወጻኢ ዝምድናታትን ፖሊስታትን ናይዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ሕድሕድ ሕውነታዊ ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓታትን ዘተሰረተ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ በቲ ኣብ መስርሕ ነጻነታዊ ተጋድሎ ኣብ ልዕሊ’ቲ ገዚፍ ሰራዊት ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ዘረጋገጾ ወደሃደራዊ ዓወታት ሰኺሩ፡ ካብቲ ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዃን ዝነበረ ኣጉል ሕልምታት ዝብገስ ምንባሩ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ። ኣብ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታት፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ኮንትሮባንዳዊ ስርሓት፡ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ጥልመትን ክሕደትን ዝተሰረተ ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር የብሉን። ስለ ዝኾነ ኩሉ’ቲ ዝምድናታት ስትራተጂካዊ ምዃኑ ብዙሕ ክምደረሉ ይጸንሕ’ሞ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ብዲፕሎማስያዊ ምብታኽን ምትዕራቕን ዝልለ፡ ቀጺሉ’ውን ብኲናትን ወራርን ዝግለጽ ተገላባጢ ባህርያት ዘለዎ ክኸውን ግድነት’ዩ። ስለዚ እዚ ስርዓት’ዚ ጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ኣትሒዙ፡ ምስ ብዙሓት ሃገራት ዘካይዶን ክሳብ ሕጂ ዘካይዶ ዘሎን ወፍሪ ፕሮፓጋንዳዊ ዘመተን ኩሉ’ቲ ብጉልባብ ዶብ ተመሳሚሱ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ዝተካየደ ኣዕናዊ ኲናትን ወርራን ሕጂ’ውን ምስ ሃገረ ጅቡቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብን ወጻኢ ዝምድናታትን ፖሊስታትን ገባቲ ኢሳይያስ ጥዕና ዘይብሉ ምዃኑ’ዩ ዘመላኽት። ካብዚ ወጻኢ ዝቐርብ ኣጉል ሞጎት ጥቓ ሓቅነት ዝቐርብ ኣይኮነን።
ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ 1991-1993 መሰል ርእሰ-ውሳኔ (ረፈረንደም) ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ መድረኽ ምስ መንግስቲ ስዑድያ፡ ሶርያን ግብጽን ናብ ዓቢ ጽልእን ቅርሕንትን ዝኣተውሉ ኩነታት ምንባሩ ኣይስሓትን’ዩ። ብ1994 ድማ ንምምሕዳር ኣሜርካ ንስኻትኩም ዶላራት ጥራይ ክፈሉ እምበር ንመንግስቲ ሱዳን’ሲ ባዕለይ ኣለኽልኩም ብዘስምዕ ቅኒት፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታቱ በቲኹ፡ ክሳብ ኲናት ዝገበረሉን ኣብ ኣስመራ ንዝነበረ ኣብያተ ጽሕፈት ኢምባሲ ንምንቅስቓስ ደቡብ ሱዳን ዝዓደለሉን ኩነታት ምንባሩ ክኸሓድ ኣይኽእልን’ዩ። ምስ መንግስቲ ሱዳን ብድሕሪ ምትዕራቕ’ውን ናይቲ ሃገር ሰላምን ቅሳነትን ንምዝራግ፡ ንዝተፈላለዩ ተቓውምቲ ሱዳን ክሕብሕብርን ከዕጥቕን ምጽንሑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ብተመሳሳሊ ብ1994 ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ደሞክራስያዊት ኮንጎ ብቕሉዕ ኢድ-ምትእትታው፡ ንካቢላ ናብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምድያብ፡ ዓበይቲ ፖሎቲካውን ወተሃደራውን ኣማኸርቲ ከምኡ’ውን ታንከኛታት ክሳተፉ ምግባሩ ኣይዝንጋዕን። ምስ የመንን ግብጽን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝካየድ ምግፋፍ ዓሳ ተደጋጋሚ ወጥረታት ዝኽሰተሉ ኩነታት ብድሕሪ ምጽናሕ ብ1995 ብዶብ ኣመሳሚሱ ምስ የመን ናብ ኲናት ምእታዉ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ብ1997 ምስ ጂቡቲ ብዶብ ምክንያት ኲናት ኣልዒሉ እንደገና ድማ ብ2008 ተሓዲሱ፡ ክሳብ 2017 መዕለቢ ዘይረኸበ ዘሎ ጉዳይ’ዩ። ከምኡ’ውን ብ1998 ምስ ኢትዮጵያ ብዶብ ኣመኻንዩ ዝበገሶ ኣዕናዊ ኲናትን ወራርን ክሳብ 2017 ብስንኪ ርኡይ ድርቕና ገባቲ ኢሳይያስ መዕርፊ ዘይረኸበ ምዃኑ ካብ ማንም ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ብ2002-2004 ንሳዳም ሑሴን ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምውጋድ ብመሪሕነት ጆርጅ ቡሽ ኣብ ኢራቕ ዝተገብረ ሰፊሕ ምሕዝነታዊ ኲናት ብሓቲ ህግደፍ ምምሕዳር ኣሜርካ መዕርፎ ነፈርትን ቀ/ባሕርን ኤርትራ ክጥቐም ፍቓደኛ ብምዃን ናብ ዝልምነሉ ደረጃ ወሪዱ ምንባሩ ይዝኸር። ኣብ ሶማል’ውን ነቲ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝግበር ዝነበረ ኩሉ-መዳያዊ ጻዕርታት ተጻሪሩ፡ ንጉጅለ ግብረ-ሽበራ ኣልሸባብ ብቕሉዕ ዝድግፈሉን ዘዕጥቐሉን ኩነታት ክሳብ ሕጂ ምህላዉ ክሕባእ ዝኽእል ክውንነት ኣይኮነን።
ናይዚ ኩሉ እኩብ ድምር ብሓቲ ህግደፍ ካብ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ፍጹም ተነጺሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ብዓለም ደረጃ ብባይቶ ጸጥታ ማዕቐብ ምስ ተበየነሉ፡ ኣሜርካ ካብ ቀደም ጥንቲ ኣትሒዛ ታሪኻዊት ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ’ያ ዝብል ተደጋጋሚ መደረታትምሃብመውጽእ ኣፍ ገባቲ ኢሳይያስን ድራር እለት ህዝብናን ኮይኑ ምህላዉ ርእሰ ግሉጽ ሓቂ’ዩ። እዚ ስርዓት’ዚ በቲ ብዓለም-ለኸ ደረጃ ማዕቐብ ክብየነሉ ዝገበረ ጭቡጥ መርትዖታት ፍጹም ክምሃር ብዘይምኽኣሉ፡ ቅድም ንዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምእላይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ሕድሕድ የመን ንሑቲይን ይድግፍን የዕጥቕን ምንባሩ ይፍለጥ። ድሒሩ ብመሪሕነት መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ ሑቲይን ምሕዝነታዊ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ክውሰድ ምስ ጀመረ ንዕኦም ጠሊሙ፡ ናብ ጎኒ በዓል ስዑዲ ዓረብ ተሰለፈ። በዚ መሰረት ድማ መንግስቲ ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዓቢ ወተሃደራዊ መደበር ብምህናጽ፡ ካብኡ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊ ሑቲይን ደብዳብ ነፈርቲ ዝፍጽመሉ ኩነታት ምህላዉ ኣይዝንጋዕን። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምስ ንምለስ: ብሓፈሽኡ ሰላም ቅሳነትን ግስጋሰን ናይታ ሃገር ንምዝራግ ብፍላይ’ውን ግድብ ኣባይ ንምፍራስ፡ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ መንግስቲ ግብጺ ሓድሽ ምሕዝነት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ። ነዚ እከይ ሸርሕታት’ዚ ንምዕዋት ድማ ነቶም ሕጋዊ ሰላማዊ ኣገባብ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ዘፍቕድ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምንጻግ፡ ኲናት ከም እንኮ ምርጫ ክወስዱ ዝጸንሑን ዘለዉን ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብወተሃደራዊ መኮንናት ግብጺ ፍሉይ ስልጠናታት ክወሃብ ምጽንሑ ኣይስሓትን’ዩ። እቶም በብግዚኡ ነዚ እከይ ሸርሕታት’ዚ ብምንጻግ ምሉእ ኣጽዋሮምን ንብረቶምን ሒዞም ምስ ሰራዊት ኤርትራ እናተዋግኡ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዱም ዝህቡ ዘለዉ መሪሕነትን መሰረታትን ደምሓት፡ ግንቦት 7ተ ምንቅስቓስ ቤሻንጉልን ነዚ ሓቕታት’ዚ ጥራይ’ዮም ዘረጋግጹ።
ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣብ ትጽቢት ብዙሓት ዘይነበረን ብሃንደበት ዝተበገሰን ዘይምቕዳው ወይ’ውን ምስሕሓብ ሃገራት ወሽመጥ ከልጅ ኣህጉራዊ ትኩረትን ስሕበትን ክረኽብ ግድን ኮይኑ ኣሎ። እቶም ኣብ ምስሕሓብ ኣትዮም ዘለዉ ኣካላት ብሓደ ወገን ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ዘለውኦ ካብ ኣፍሪቃ ግብጺ ዝሓወሰ ኣንጻር ቀጠር ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ብምሕዝነት 4ተ ሃገራት ዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ቀጠር ወሲድዎ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ፖሎቲካዊ ውሳኔታትን ማዕቐብን ብርግጽ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ንክትግበር ምሕሳቡን ምፍታኑን ብጣዕሚ ጭካኔ ዝመልኦ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ተርእዮ ምዃኑ ጥራይ’ዩ ዘመላኽት። እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ቀጠር ከምዚ ዓይነት ኣዝዩ ጨካን ፖሎቲካዊ ውሳኔታትን ማዕቐብን ዝወሰዱ ሃገራት፡ ብድሕሪ ክንደይ ጻዕረ-ሞት 13 ክስታት ኣቕረቡ። ሓደ ካብቲ ዝቐረበ ዓቢ ክስታት መንግስቲ ቀጠር ንግብረ-ሽበራ የተባብዕን ይድግፍን ዝብል’ዩ። ብርግጽ ሕጂ መንግስቲ ቀጠር ካብዚ ክሲ’ዚ ነጻ ምዃኑ ዘረጋግጽ ጭብጥታት ከም ዘሎ ርግጸኛ ምዃን ዝኸኣል’ኳ እንተዘይኮነ፡ እቶም ነዚ ክስታት ዘቕርቡ ዘለዉ ሃገራት’ውን ንባዕሎም ካብ ንግብረ-ሽበራ ምትብባዕን ምድጋፍን ሓራ ዘይምዃኖም ብዙሕ ምልክታት ምህላዉ ዝሕባእ ዝኽእል ኣይኮነን። ካብ ዓለም ምሉእ ንግብረ-ሽበራ ዝዋፈሩ ቀዳማይ ቦታ ዝሕዙ ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ ክኾኑ ከለዉ፡ ብፍላይ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ግብረ-ሽብራዊ ተግባራት ከም ትድግፍን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዘይተኣደነ ግፍዕታት ከም ትፍጽምን ዝእምቱ ምስጢራት ክወጹ ይጅምሩ ኣለዉ።
መብዛሕትኡ እቲ ብመሪሕነት ሳዑዲ ዓረብ ማለት ብ4ተ ሃገራት ቀሪቡ ዘሎ ኣጉል ክስታት ብቀንዱ ንልዕላውነት ህዝብን መንግስትን ቀጠር ዝትንክፍን ዝጻረርን ብምዃኑ፡ ኣብዚ ህሞት’ዚ ተግባራዊ ክኸውን ምሕሳብ ፍጹም ፖሎቲካዊ ዕሽነት ምዃኑ ጥራይ’ዩ ክርአ ዝኽእል። እቶም ነዚ ሓቅታት’ዚ ብኣግኡ ዝተረድኡን ካብ ክልቲኡ ኣብ ምውጣጥ ዝርከብ ኣካላት ገዚፍ ስትራተጂካዊ ረብሓታት ዘለዎምን ብሓያላት መንግስታት ዓለም ዝፍለጡ ነዚ ግጭት’ዚ ንምህዳእን ንምፍታሕን ንሰናይ ተበግሶ ዕርቂ ንጉስ ኩዌት ብምድጋፍ፡ ብርቱዕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት የካይዱ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ። ህዝብን መንግስትን ቀጠር ነቲ ብ4ተ ሃገራት ዝቐረበ ክስታትን ቅድመ ኩነትን ክሳብ ሕጂ ብዘርእዮ ውሕሉልን ህዱእን ኣተሓሕዛ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ጸብለልትነትን ተቐባልነትን ኣረጋጊጹ ምህላዉ ይእምት። እዚ ተረጋጊጹ ዘሎ ጸብለልትነት’ዚ ካብ ትጽቢትን ግምትን ወጻኢ ኮይኑ ብምርካቡ፡ ካብዚ ጉዳይ’ዚ ንምውጻእ ምሕዝነት 4ተ ሃገራት ኣብ ዘይተሓስበ ካልእ ጸገማት ክወድቑ ምዃኖም ምግማት ይኸኣል’ዩ። ብዝኾነ እዚ ግጭት’ዚ ብለባም መንገዲ ብዘተን ልዝብን ጥራይ ክፍታሕ ሰናይ ኩሎም ኣህዛብ ዝሓስቡ ደለይቲ ደሞክራስን ፍትሕን ትጽቢት ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር የብሉን። እዚ ግጭት’ዚ ብሰላም ክፍታሕ ዘይሓስቡ መንግስታት ወይ’ውን ፖሎቲካዊ ሓይልታት ሰናይ ኩሎም ኣህዛብ ዘይብህጉ ምዃኖም ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ዓቢ ምልክት’ዩ። እምበኣርከስ ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ፖሎቲካዊ መርገጽን ፖሊስን ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ከመይ ይመስል? ምድህሳስ ኣገዳሲ’ዩ።
ቅድሚ ኩሉ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ምሉእ ማ/ሰብ ዓለም ኣብ ዝተነጸለሉ ህሞት ዝምድናታት ኤርትራን ቀጠርን ከመይ ምንባሩ ምዝኻር ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ዝምድናታት እንታይ ምንባሩ? ብዘየገድስ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ስርዓታት ጽቡቕ ዝምድናታት ምንባሩ ይፍለጥ። መንግስቲ ቀጠር ንብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብሞራል፡ ገንዘብን ንዋትን ዘይተኣደነ ሓገዛት ይገብር ምንባሩ’ውን ዝሰሓት ኣይኮነን። ብውሕዱ ወጻኢታትን ዘመናዊ ንዋትን ማዕከናት ዜናታት ስርዓት ህግደፍ ብመንግስቲ ቀጠር ይሽፍን ምንባሩ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ’ዮም። ኣብ መንጎ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ጂቡቲን ብዶብ ዝተላዕለ ግጭት ንምፍታሕ እንኮ ተበግሶ ዕርቂ ዝወስድ ዝነበረ መንግስቲ ቀጠር’ዩ። ኣብ መወዳእታ’ውን ብስምምዕ ክልቲኡ ሃገራት ክሳብ 450 ሰራዊት ኣብቲ ዘሰሓሕብ ዝነበረ ቦታታት ከም ዓቓቢ ሰላም ኣእትዩ ምንባሩ ኣይኸሓድን’ዩ። ኣብዚ ምስሕሓብ’ዚ ካብ ሃገራት ወሽመጥ ከሊጅ ኩዌትን ዖማንን ካብ ክልቲኡ ኣካላት ገለልተኛ ብምዃን ንዘተ፡ ልዝብን ዕርቕን የተባብዑ ኣለዉ። ዳርጋ መብዛሕትኡ ማ/ሰብ ዓለም’ውን እቲ ምስሕሓብ ብሰላም ክፍታሕ ብርቱዕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣብ ዝገብረሉ ህሞት ንርኸብ። ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ግን ከምቲ ልሙድ ባህርያቱን ኣመሉን ብሃንደበት ንመንግስቲ ቀጠር ጠሊሙ፡ ኣብ ጎኒ’ቲ ብመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ምሕዝነት ክስለፍ ግድን ኮይኑ ኣሎ። እዚ ስርዓት’ዚ ንባዕሉ ግብረ-ሽበራዊ ተግባራት እናካየደን ንሸባብ ሶማል ብቕሉዕ እናደገፈን ንመንግስቲ ቀጠር ምስቶም በዚ ጉዳይ’ዚ ክሲ ዘቕርቡ ክጽጋዕ ምፍታኑ ካብቲ ኣዝዩ ዘደንጹ’ዩ። ብዝኾነ እቲ ብኣውንታ ዝግለጽ ዝነበረ ዝምድናታት ክልቲኡ ሃገራት ብቀጥታ ተበቲኹ፡ መንግስቲ ቀጠር ነቲ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጂቡቲን ሰፊሩ ዝነበረ ሰራዊቱ ብህጹጽ ክስሕብ ተገደዱ’ዩ። ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ንመንግስቲ ቀጠር ጠሊሙ ንምንታይ ምስቲ ብመሪሕነት ስዑዲ ዓረብ ዝፍለጥ ምሕዝነት ተጸጊዑ ንዝብል ሕቶ ንኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ማ/ምብራቕን ብቀረባ ዝኸታተሉ ተንተንቲ ፖሎቲካ ነዚ ዝስዕብ ተንታን የቕርቡ።
- ኩሉ ወጻኢ ፖሊስታት ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብመሰረቱ ኣብ ስትራተጂካዊ ዝምድናታት ዘይኮነስ፡ ኣብ ግዝያዊ ጉጅላዊ ረብሓታት ዝተሞኮሰ ስለዝኾነ፡ ካብ 3ተ ሃገራት ወሽመጥ ከልጅ ማለት ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ክረኽቦ ዝኽእል ግዝያዊ ረብሓታት ብምጥማት ዝወሰዶ ፖሎቲካዊ መርገጽ ምዃኑ ይገልጹ። ንግብጺ ብዝምልከት ከኣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባሌ ንምቁጻይ ብሓፈሻ፡ ንግድብ ኣባይ ንምፍራስ ድማ ብፍላይ ዘለዎም ሓባራዊ ምርድዳእን ዘኣተውዎ ስምምዓትን ዝምርኮስ ምዃኑ ይትንትኑ።
- ኩሎም ሃገራት ወሽመጥ ከልጅ ምስ መ/ኣሜርካ ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎም ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ብዝጸንሖ ተሰማዕነትን ጽልዋታትን ከምኡ’ውን ኢማራት ዓረብ፡ ባሕሬንን ግብጽን ብምድማር፡ ካብ መ/ቀጠር ብዝበለጸ ጸብለልትነትን ተቐባልነትን ክህልዎም’ዩ ዝብል፡ ገባቲ ኢሳይያስ ጉጉይ ገምጋም ሒዙ ምብጋሱ ይገልጹ። ካብዚ ጉጉይ ገምጋም’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ምስዞም ሃገራት’ዚኣቶም ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ብምምሳል፡ ምስ መንግስቲ ኣሜርካ ንምትዕራቕ፡ ብኡ ኣቢሉ እቲ ብ2009 ኣብ ልዕሊኡ ዝተበየነ ማዕቐብ ንክለዓለሉን ጥጡሕ ባይታ ክምድምድሉ ብምሕሳብ ምዃኑ’ውን ይትንትኑ።
ብዝኾነ ንምጥቕላል ዝኣኽል እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክውንነታዊ ሓቅታት’ዚ ብውሕዱ ኩሉ ወጻኢ ዝምድናታት ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ኣብ እከይ ጥልመትን ኣዕናዊ ኩናትን ዝተሞርኮሰ ምዃኑ ብግልጺ’ዩ ዘርኢ። ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ብጥልመትን ኲናትን ዝልለ ወጻኢ ዝምድናታት ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ እንታይ ይርባሕ? ንስለ’ቲ ሓቂ ኣብ ዲሞክራስያዊት ኮንጎን ሶማልን ዝፈሰሰ ንጹህ ደም ኣሕዋትና ይኹን ደምሓት፡ ግንቦት 7ተን ምንቅስቓስ ነጻነት ቤንሻንጉልን ናብ መበቆል ዓዶም ኢትዮጵያ ከይምለሱ ንምዕጋት ኣብ ዝግበር ተደጋጋሚ ኲናት ዝሞቱ ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ንልዕልነት ህዝብን ሃገርን ንምክልኻል ጅግንነት ከም ዝፈጸሙ ስውኣት ዲዮም ክቁጸሩ ወይስ ካልእ ፖሎቲካዊ ስያሜን ትርጉምን ክህልዎ’ዩ? እዚ ሕቶታት’ዚ ብፍላይ ንተደናገጽትን ሰዓብትን ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ዝምልከት ክኸውን’ዩ።
ሰናይ ትምኒትን ንባብን
ነፀረኣብ ኣስመላሽ
19 ሓምለ 2017