ሓባራዊ ቃል ጽምብል ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

2017-09-02 10:49:41 Written by  ኣሰናዳኢት ሽማግለ በዓል Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2058 times

ሓባራዊ ቃል
ጽምብል ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላትን መሪሕነትን ማሓዙት ውድባት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን
ዝከበርኩምን ዝኸበርክንን ወከልቲ ማሓዙት ውድባትን ማሕበራትን፣ ዕዱማት ኣጋይሽናን።

ኣቀዲምና ብስም ጨናፍር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ብምቕራብ፣ ሒዝናዮ ዘለና መድረኽ ናይ ቃልሲ ናይ ኩልና ዓቅምን ግጥምያን ዘድልዮ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጥን ጽቡቕ ናይ ኤርትራን ህዝባን ይደሊ ዕማም ብምዃኑን ዓዳምን ተዓዳምን የዘድልዮ እዃ እንተዘኮነ ንመጸዋዕታና ኣኽቢርኩም፡ ካብ ርሑቁን ቀረባን ኣብዚ ታሪኻዊ ሓባራዊ ጽምብል ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና ምስታፍኩም፣ ክብ ዝበለ ምስጋና ከነቕርበልኩም ደስ ይብለና።

ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝርከብ መሰረታት ክልቲኡ መሓዙት ውድባት ሓባራዊ ሰሚናራትን በዓላትን ሰለማዊ ሰልፍታትን ካልእ ሃገራዊ ንጥፈታትን ብሓባር ንምክያድ ብመሪሕነታትና ዝተበጽሐ ምርድዳኣት መሰረት ብምግባር፣ ንሕና ኣባላት እዞም ክልተ ማሓዙት ውድባት ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ከነበግሶ ብምብቃዕና ንዓና ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንብምሉኡ ደላይ ፍትሕን ሓድነትን ዝኾነ ህዝብና ደስ ከም ዝብሎ ፈጺምና ጥርጥር የብልናን። ከም‘ዚ ዓይነት ሓባራዊ ዕማማት ድማ ኣብ ኩሉ ቦታታት ንኽካየድ ዘሎና ትጽቢት ዓቢ ምዃኑ ክንገልጽ ደስ ይብለና። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ፍራንክፎርት ዝርከብ ፖለካውን ህዝባውን ምንቅስቓሳት ሓባራዊ ዕዮ ንምርግጋጽ ክደኽመሉ ዝጸንሐን ዘሎን ምዃኑ‘ውን ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ኣይንመርጽን።

ክቡራትን ክቡራንን !

ህዝቢ ኤርትራ፣ ብጅግና ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ውሑዳት ጀጋኑ ብጾቱን ኣብ ታሪኻዊ ጎቦ ኣዳል ፈላሚ ጥይት ናይ‘ቲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተመርሐ ነዊሕ ጅግንነታዊ ተጋድሎኡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፣ ንመበል 56 ዓመት ዝኽሪ ጅግንነታዊ ብረታዊ ተጋድሎኡ ኣብ ምብዓል ይርከብ። ስውራና ዝውንኖ ዝነበረ ዓቕሚ ምስ ሓይሊ ጸላኢ ብቊጽሪ ይኹን ብኣጽዋር ፈጺሙ ዘይዳረግ‘ኳ እንተ ነበረ፣ ሓርበኛታት ተጋደልትና፣ ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቦም ዝነበሮም ዓሚቚ ዝሰራውሩን ነቕ ዘይብል እምነቶምን፣ ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮሙን ብጽንዓት ክቃለሱን ክስዉኡን ድሉዋት ብምንባሮምን፣ ከምኡ‘ውን ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ጎድኒ ሰውርኡ ደው ብምባሉን፣ እቲ ቀንድን ወሳንን ሓይሊ ሰውራና ጸብለል ክብል ዘኽኣለ ኢዩ። በዚ ምኽንያት‘ዚ ከኣ‘ዩ፣ ንሓይልታት ጸላኢ ስዒሩ፣ ህዝብና መሬቱ ሓራ ከውጽእ ዝበቕዐ። በዚ ኣጋጣሚ‘ዚ እምበኣር፣ ነቶም ኤርትራና ሓራ ንክትከውንን፣ ህዝብና ብሰላምን ስኒትን ፍትሕን ዝነበረሉ ስርዓት ንኽተክልን፣ ዝተበጀዉ ብሉጻት ስዉኣትናን፣ ውጉኣት ሓርነትን ኩሎም ክሳብ ሕጂ ከየዕረፉ ኣብ ቃልሲ ተጸሚዶም ዝርከቡ ሓርበኛታትን፣ ክብ ዝበለ ኣድናቖትናን መጎስን ከነቕርብ ደስ ይብለና።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣

ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ ጉዳዩ ንምዕዋት ሰፍ ዘይብል ዋጋ ከም ዝኸፈለ ዓለም ብዓለሙ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ጀጋኑ ተጋደልቲ ደቁ ድማ ነቲ ዘጋጠሞም ጽንኩር ኩነታት በዲሆምን፣ ዕንቅፋታት ጠሓሒሶምን ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ክቡር ህይወቶም ከፊሎም ኢዮም። ብሳላ’ቲ ዘይሕለል ቃልሲ ድማ፡ ኤርትራ ሃገርና፡ ካብ ሕሱም ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ክትከውን በቐዐት። ድሕሪ’ዚ ታሪኻዊ ዓወት’ዚ፣ ሓርነትን ፍትሕን ዲምክራስን ማዕርነትን ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ባህግን ትጽቢትን ነይርዎ። መስርሕ ህንጻ ሃገርን ዕብየቱን ከቢድ ዋጋ ዝሓትት ምዃኑ ብምርዳእ፣ ካብኡ ዝጥለብ ንዋታውን ንያታውን ኣስተዋጽኦ ንኽገብር ድሉው ነበረ። እንተኾነ ግን ካብ ከርሱ ዝወጹ ደቁ፡ ነቲ መስዋእቲ ጀጋኑ ዝተኸፍሎ ዕላማታት ሰውራና ጠሊሞም ኣብ ሃገርና ጨቋኒ ስርዓት ብምቛም፡ ኣብ መዋእል መግዛእቲ፡ ርእይዎ ዘይፈልጥ ግፍዕን መከራን ስደትን ምብትታንን ከወርዶ ፈጺሙ ትጽቢት ኣይነበሮን። ጉጅለ ህግደፍ ግን ብኣንጻር፡ ንባህግታት ህዝብናን፣ ፍትሓዊ ድልየታቱን ረጊጹ፣ ኣዕኑድ ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምትካልን ምሕያልን ዳኣ ተጓየየ። ካብ’ቲ ሰዓት’ቲ ጀሚሩ፡ ምልካዊ ጉጅለ ህ.ግ.ዲ.ፍ. መሰላትን ሰብኣዊ ክብርን ህዝብና ቀንጢጡን ንሃገርና ርግኣትን ሰላምን ከሊኡን፡ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታት ንኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘሎ ሰብ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ኢዩ።

ኤርትራ ሃገርና ካብ’ዚ ኩነታት ንክትላቐቅ፡ ንህልውን መጻእን ህይወት ሃገሩ ዝሓስብን፣ ንዕላማታት ሰውራናን ንለበዋ ስዉኣትናን ዘኽብርን ኤርትራዊ ዜጋ፡ ካብ’ዚ ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ንሓዋሩ ንምግልጋልን ዲሞክራስያዊ መተካእታ ንምምጻእን፡ ከይተሓለለ ክቃለስ ይግባእ። ካብ ሃብታም ተመክሮ ቃልሲ ህዝብና ትምህርቲ ብምቕሳም፡ ዝተረፈ ዕላማታት ሰውራና ንምምላእ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ንክዕወትን፣ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ክንበቅዕን፡ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣትይዎ ዘሎ መድረኽ ብግቡእ ብምንባብ፡ ሕድሕድ ካብ ምንቋትን ምትንዃል ወጺኦም፡ ኣብ እዋናውን ዝተሓተን ነጥበ ስምምዕ ዝተሰረተ ሓበራዊ ቃልሲ ከካይዱ ዕዙዝ ተደላይነት ከም ዘለዎ ብስም መሰረታት ክልቲኡ ውድባት ከነዘኻኽር ንፈቱ። ኣብዝሓለፈ መድረኻት ደምበ ተቓውሞ ሓቢሩ ክሰርሕ ብዘይምኽኣሉ ብዙሕ ናይ ዓወት ዕድላት ኣምሊጡና እዩ። ዝሓለፈ ክንመልሶ ዝካኣል እዃ እንተዘይተኮነ፡ ሕጂውን ናብ ዝያዳ ክሳራን ፍሽለት ኤርትራዊ ሃገራውነትን ንኸይብጻሕ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ሓባራዊ ጽምዶ ንምርግጋጽ ናይ ኩልና ጻዕርን ጽዓትን ክኸውን ዝግባእ። ከምኡ’ውን ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ከም’ዚ ዓይነት ሃገራዊ በዓላትን ሰሚናራትን ብሓባር ብምድላው ክላዘቡን ዓቕምታቶም ብሓባር ክጸምዱን ኩላህና ክንጽዕረሉ ዝግባእ ጉዳይ ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ እዚ ቦኽሪ ሓባራዊ በዓል’ዚ ንምዓዋት ኣባላት ክልቲኡ ውድባትናን መሪሕነቱን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዝርከቡ ኣባላት ክልቲኡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ተሓባበርቶምን ዝገበርዎ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከየመስገንና ክንሓልፍ ኣይንደሊን። ደጊምና ንኩላትኩም ተሳተፍቲ በዓል ሰናይ ምሸት ይግበረልኩም እንዳበልና ቃልና ኣብዚ ንድምድም። ጽን ኢልኩም ስለ ዝሰማዕኩና ድማ ነመስግን።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና !!
ውድቀት ንምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ !
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና !

Last modified on Saturday, 02 September 2017 13:05