ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ዝቐረበ ኣስተምህሮን ምስኡ ዝተኣሳሰር ቁምነገርን

2017-08-31 07:47:54 Written by  Dirar & goitom Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1790 times

3ይ ክፋል 

መተከላት ዲሞክራሲ

ኣብ ዝሓለፈ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ዝቕጽል ዘሎ ጽሑፍ፥ ብዛዕባ ገለ ካብ ዓይነታትን፥ ጽንሰ-ሓሳብን ዲሞክራሲ ተገሊጹ ነይሩ። ዲሞክራሲ ብመሰረቱ ናይ እንካን ሃባን መስርሕ ስለዝኾነ ብዝግባእ ክነጽንዖን ኣብ ተግባር ክነውዕሎን የድሊ። እንተዘይኮይኑ ክውዕየካን ብማንካ ክዝሕለካን ብኢድካ ዝዓይነቱ ኣገባብ መስርሕ ኣብ ዲሞክራሲ ቦታ የብሉን። ልክዕ እዩ ዲሞክራሲ ንኹሉ ብማዕረ ሚእቲ ካብ ሚእቲ የዕግብ ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ እዩ። ይኹን እምበር ንዲሞክራሲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ግዝኣተ ሕግን፥ ግዝኣተ ኣብዝሓን ኣኽቢርናን ተማዚዝናን ምስ እንጎዓዝ፥ ሰላም፡ ፍትሕን ናጽነትን ውሕስነት ክረክብ ይኽእል። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ግዝኣተ ሕጊ ብዘይመሪሕነት፥ መሪሕነት ብዘይግዝኣተ ሕጊ ንቕድሚት ክስጉም ይኹን ምህናጽ ምዕቡል፡ ስልጡንን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ኣጸጋሚ እዩ ክኸውን።

ካብዚ ቀጺሉ ገለ ብዛዕባ መትከላት ዲሞክራሲ ሓደ ብሓደ ምጥቃሱ ኣድላዪ፡ እዩ። ከመይሲ እቲ መትከላት ዲሞክራሲ ምስ ፈለጥና ኢና ኣብ ግብርን ሓሳብን ኣወሃሂድና ማዕርነታዊ ዝኾነ ኣዘረጋግሓ ጸጋታትን ስልጣንን ክሰልጥ ዝኽእል። እምበኣር ገለ ካብቶም መትርከላት ዲሞክራሲ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1-ዲሞክራሲ ኣድማሳዊ ፍሉጥ (ብሉጽ) ዝኾነ ጽነሰሓሳባን ሸቶን ኮይኑ፡ ናይ ባህሊ፥ ፖለቲካ፥ ማሕበራውን ቁጠባውን ፍልልይ ብዘየገድስ፡ ኣህዛብ ናይ መላእ ዓለም ሕብረተሰብ ኣብ ሓባራዊ ክብርታት ዝሻረኽዎ (ዝማቓርሕዎ፥ ዝከፋፈልዎ) እዩ ዝምርኰስ። ስለዚ መሰረታዊ መሰል ናይ ዜግነት  ኣብ ትሕቲ ኩነታት  ናጽነት፥ ማዕርነት፥ ግሉጽነትን ሓላፍነትን  ምስ ግቡእ ኣኽብሮት  ናይ ርእይቶታት ብዙሕነትን ንረብሓታት ናይ ፖለቲካ ክስረሓሉ  ዘለዎ እዩ።

2-ዲሞክራሲ ክሰዓብ ዝግብኦ ጽንሰሓሳብን መንግስታዊ ቅድን ኮይኑ፡ በመሰረት  ቅጥዒታት  ንብዙሕነት ተመኩሮታት ዘንጸባርቕን፥ ባህላዊ ፍሉይነታት ምስ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸቡ መትከላትን ልምድታትን፡ ሕግታትን፡ ብዘይጻረር ዝትግበር እዩ። ስለዚ ብቐጻሊ ዝፍጸምን ኩሉ ግዜ ምልኣት ዘለዎ ሃለዋት ወይ ኩነታት ምዕብልናኡ ወይ ግስጋሴኡ ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ፥ ማሕበራዊ፥ ቁጠባውን ባህላውን ረቛሒታት ዝመርኮስ እዩ።

3- ዲሞክራሲ ከም ጽንሰሓሳብ መጠን ንጥምረት ማሕበረሰብን ምድልዳል ሃገራዊ ህድኣት  ምዕዛዝን ናይ ማሕበረሰብ ቁጠባውን ማሕበራዊ ዕቤትን፥ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምጉንጻፍን፥ ንክብርን መሰረታዊ መሰላት ውልቀሰብ ንምዕቃብን፥ ንናይ ዓለምለኻዊ ሰላም ዝምችእ ሃዋህው ምፍጣርን ኣገዳሲ ቆላሕትኡ እዩ። ዲሞክራሲ ከም ሓደ መንግስታዊ ቅዲ፥  ነቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ዕላማታት ንምዕዋት ዝበለጸ ኣገባብን፡ከምኡ እውን ነብሰ መአረምታ ዓቕሚ ዘለዎ እንኮ ፖለቲካዊ ስርዓት እዩ።

4- ቅድም ቀዳድም ህላዌ ሓቀኛ መጻምድቲ ወይ መሻርኽቲ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን  ጉዳያት ማሕበረሰብ ምምሕዳርን፥ ካብ ፍልልያቶም ሓባራዊ ብልጽግና ዘመንጭውሉ ብማዕረን ተመላላእን ዝሰርሑ ክኸውን ከሎ እዩ  ዲሞክራሲ ዝዕወት። 

5-ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ብመሰረት መንፈስን ትሕዝቶን ግዝኣተ ሕጊ ዝትግበር  ናይ ስልጣን በብእብረ ምስርካብን፥ ምቕባልን፥ መስርሓት ንናጻ ፖለቲካዊ ውድድር ዘፍቅድ  ውጽኢት ናይ  ክፉት  ኣገባብን፥ ናጻን፥ ኣድልዎ ዘይብሉ ተሳትፎ ህዝቢ  ዘረጋግጽ እዩ።

6- ዲሞክራሲ  ካብቲ ኣብ መእተዊ ዝተጠቕሰ  ናይ ዓለምለኸ መሳርሒታት  ሰፊሩ፥  ዘሎ መሰላት  ዘይፍለ እዩ። እዞም መሰላት እዚኦም እምበኣር ብኣድማዕነት ክትግበሩን ግቡእ ኣስራርሓኦምን ምስቲ ውልቃውን እኩብን ሓላፍነታት ዝሰማማዕ ወይ ዘይጻረር ክኸውንይግባእ።

 7-ዲሞክራሲ ኣብ ልዕልነት ናይ ሕግን፡ ኣተገባብራ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተመስረተ  እዩ። ኣብ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እምበር ዋላ ሓደ  ልዕሊ ሕጊ የለን።

8- ሰላምን ቁጠባን፥ ማሕበራውን ባህላውን ምዕባለ  ክልትኦም ተደላይነትን ፍረን ናይ ዲሞክራሲ ኢዮም። ስለዚ ኣብ መንጎ ሰላም፥ ዕቤት፥ ክብርን ኣኽብሮትን  ግዝኣተ ሕጊን ሰብኣዊ መስልን ኣብ ንነሓድሕዱ ዝደጋገፍ እዩ። እዚ ባእታታትን ኣተገባብራን ናይ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ እዩ።

9-ዲሞክራሲ ኣብ ድሌት ናይ መላእ ሕብረተሰብ  ምስ መሰላቱን ሓላፍነታቱን ምሉእ ፍልጠትን፥ ህላዌ ናይ ብጥንቃቐ ዝተቐረጸን ብተግባር ዝስርሕ ተካላትን ከምኡ እውን ኣካላት ናይ መምርሒታት ቅጥዕታትን እዩ ዝምርኮስ።

10- ማሕበራዊ ጥምረትን ምትሕብባር ምእንቲ ክዓዝዝ፥ ንምስሕሓባት ምሽምጋልን ኣብ መንጎ ጠለብ ናይቶም ተወዳደርቲ  ናይ ፍልልይን ሓድነትን፥ ውልቃውን ሓባራውን  ሚዛን ምሕላው ስራሓት ናይ ዲሞክራሲያዊ ትካላት እዩ።

11.ዲሞክራሲ ኣብ መሰል ተሳትፎ ናይ ነፍሲወከፍ ማለት ኣብ ምምሕዳር ህዝባዊ ጉዳያት ዝተመስረተ እዩ።ስለዚ ብፍላይ ኣብ ሓደ ባይቶ ናይ ኩሎም መቖሚታት ሕብረተሰብ ተወኪሎም ኣድላዪ ስልጣናት ዘለዎምን ብመገዲ ሕግን ቁጽጽርን ተግባራት መንግስትን ድሌት ህዝብን ዝገልጽ ህላዌ ናይ ትካላት ወከልቲ ኣብ ኩሉ ጸፍሕታት የድሊ።

12-ቀንዲ ባእታ ኣብ ትግባረ ዲሞክራሲ፥ ኣብ መንጎ ስሩዕ መደብ ምርጫ ንናይ ህዝቢ ድሌት ንምግላጽ ዘኽእል ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ምክያድ እዩ። እዚ ምርጫታት እዚ ናይ ኣድማሳዊ ማዕርነትን ምስጥራዊ ሕርያን ዝተሰረተ፥ ኩሎም መረጽቲ ዝውክልዎም ንኽመርጹ ኣብ ኩነት ናይ ማዕርነታዊ  ክፉትን ግሉጽነትን  ፖለቲካዊ ውድድር  ዘበራብር ክኸውን ኣለዎ። ሲቪልን ፖለቲካዊ መሰላትን ኣገድስትን ዝያዳ ፍሉይነት ኣብ ምንጎኦም ናይ ምድማጽን ንኽትምረጽን፥ ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነትን ምእካብን ሓበረታ ምርካብን ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምውዳብን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ መሰል ኣገድስቲ እዮም። ናይ ዲሞክራሲያዊ መስርሓት ቅንዕና ምእንቲ ክረጋገጽ ሰልፊ፥ ውድብ፥ ምንቅስቓሳት፥ ፊናንሳዊን ምውላን ብዘየዳሉ ኣገባብ ግቡእ ቅጥዒ ምቁጽጻር ምዝውታር የድሊ።

13- እቲ ኣገዳሲ ዕማም ናይ መንግስቲ  ንናይ ሲቪል፥ ባህሊ፥ ቁጠባ፥ ፖለቲካን ማሕበራዊ መሰላትን ናይ ዜጋታቱ ባህታን ቅሳነትን ምርግጋጽ እዩ። ዲሞክራሲ እምበኣር ምስ ውጽኢታዊ፡ ሓቀኛን ግሉጽነትን፥ ብናጻ ዝተመርጸ መንግስትን ናይ ህዝባዊ ጉዳያት ኣመሓዳድራ ተሓታትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዝኸይድ እዩ።

14- እቶም ተመሪጾም ህዝባዊ ስልጣን ዝሓዙ ይኹኑ ዘይተመርጹ  ኣካላት ህዝባዊ ስልጣናት ኩሎም ብዘይፈሊ ዝዝውተር ህዝባዊ ተሓታትነት ንዲሞክራሲ ኣድላዪ እዩ። ተሓታትነት ንህዝባዊ መሰል   ሓበረታ ብዛዕባ ምንቅስቓሳት መንግስቲ ናይ ምርካብ መሰልን  ጥርዓንን ናብ መንግስቲ ምቕራብን ኣድልዎ ዘይብሉ  ምሕደራን ፍርዳዊ መሳርሕታት ዝእረመሉ ሜላ ምንዳይ  የውርስ።

15-  ህዝባዊ ህይወት ብሓፈሻኡ ብስነምግባራዊ ስምዒትን ግሉጽነትን ዝተቐርጸ ክኸውንን ከምኡ እውን ንምድጋፎም ወይ ንምቕባሎም ዝሰማማዕ ልምድታትን ኣገባባትን  ምምስራት የድሊ።

16. ውልቃዊ ተሳትፎ ኣብ ዲሞክራሲያዊ መስርሕን  ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ህዝባዊ ህይወትን፡ ፍትሓውን  ኣድልዎ ዘይብሉን ዝኾነ ይኹን ምፍልላይን  ከምኡ እውን ብመንግስታዊ ወይ ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ ናይ ምፍርራሕ ሓደጋ ምውጋድ ቁጽጽር ክግበር የድሊ።

17- ፍርዳዊ ትካላትን ናጻን ብሓደ ዓይኒ ዝርእን ውጽኢታዊ መቆጻጸሪ መሳርሒታት ዲሞክራሲ ዝምስረተሉ ዋሕስ ናይ ግዝኣተ ሕጊ እዩ። እዞም ተካላት እዚኦምን መሳርሒታትን ምሉእ ብምሉእ ኣኽብሮት ሕግታትን፥ ምምሕያሽ መስርሓት ፍትሓውነትን ምእራም ዘይፍትሓውነትን ምእንቲ ክረጋገጽ  ብኩሎም  ኣብ መሰረት ናይ ማዕርነት ከምኡ እውን ኣኽብሮት ንምምሕዳራውን ፍርዳውን ውሳኔታት ብኹሎም ኣካላት መንግስትን ናይ ህዝባዊ ስልጣን ወከልትን፥ ነፍሲ ወክፍ ኣባል ሕብረተሰብን ዝእርምሉ  መእተዊ የድሊ።

18- ኣብ መስርሕ ስርዓት ደሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ህላዌ ንጡፍ በርጌሳዊ (ሲቪላዊ) ማሕበር ኣገዳስን ተደላይን ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተዀነ፡ ተሳትፎን ተራን ናይ ዓቕምን ድሌትን ዘለዎም ባእታታት ኣብ ደሞክራስያዊ መስርሓት፣ ንሳቶም ዝፈጥርዎ ምርጫታት ናይ ኣመሓዳድራን ብቐሊሉ ዝጥመት ኣይኰነን። ነዚ መሰረት ብምግባር ንዅሎም በብመሰሎም ዘሳትፍ ጥጡሕ ባይታን ምቹእ ኵነታትን ክፍጠር ኣድላይነቱ ዕዙዝ ኰይኑ፤ ዝዀነይኹንዝዕንቅፍ ወይ ዝዀልፍ ነገራት ካብቲ መስርሕ ክግለፍ ይግባእ። ንጕዕዞ ምዕባሌ ብቐዋምን ቀጻልን ዕብየት ዘውሕሱ ረቛሕታት፤ ውሽጣዊ ሓድነት፣ ማዕርነት፣ ግሉጽን መሃርን ዘረጋግጽ ሃዋህው ክሰፍን ኣድላይ ክኸውን ከሎ፣ ድንቍርና፣ ዘይተጻዋርነት፣ ትህኪትን ኣመራጽታት ዘይምህላውን ክውገዱ ዘለዎም ዕንቅፋታት እዮም። ንዝርአ ዘይምዕሩይ ምሕደራ ከም ዓሌታዊ፣ ጾታዊ ወይ ሃይማኖታዊ ኣድልዎታት ብሕጋዊ ስጉምትታት ክእረሙ ይግበኦም።

19-ቀጻሊ ዝኾነ ኩነት ናይ ዲሞክራሲ እምበኣር ዲሞክራሲያዊ ሃዋህውን ብቐጻሊ ዝዕንገል ባህልን፥ብትምህርትን ካልእ መተሓላለፊታት ናይ ባህልን ሓበረታን ደገፍ ይሓትት። በዚ ምኽንያት ዲሞክራሲያዊ ማሕበረሰብ ንትምህርቲ በቲ ዝሰፊሐ ትርጉሙን ብፍላይ ከኣ ሲቪክ ትምህርቲ ንሓላፍነታዊ ዜጋ ኣብ ምቕራጽ  ህርኩት ክኸውን ኣለዎ።

20-ዲሞክራሲያዊ መስርሓት ኣብ ምቹእ ቁጠባዊ ሃዋህው እዮም ዝምዕብሉ። ስለዚ እቲ ሕብረትሰብ ከለንተናዊ ጻዕርታቱ ምእንቲ  ዕቤትን ምሰረታዊ ቁጠባዊ ጠለባት ናይቲ ኣዝዩ ዝተሓረመ ከዕግብን፥ ኣብ ዲሞክራሲያዊ መስርሓት  ምሉእ ውህደት ዘውሕስ ተባዕ ወይ ውፉይ ከኸውን ይግባእ ።

21-  ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ናይ ርእይቶን ሓሳብካ ምግላጽን ናጽነት ዝኣምን እዩ። እዚ ናጽነት ናይ ርእይቶታት ብዘይጣልቃ ምእታው ሓሳቡ ክውንን  ክሓትትን፥ ክቕበልን ሓበረታን ሓሳባትን ብመንገዲ ዝኾነ ይኹን ኣገባብ ሚዲያ ዶብ ከይዓገቶ ሓሳባት ከመሓላልፍ ወይ ከካፍል ዘኽእል መሰል እዩ።።

22= ምእንቲ  ፍሉይነትን ብዙሕነትን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ምጽውዋር ሃዋህው ዝተፈለኻ ናይ ምዃን መሰል ክዕቀብ፡ ትካላትን መስርሓትን ዲሞክራሲ ንተሳትፎ ናይ ሓደ ዓይነት ይኹን ሕውስዋስ ሕብረተሰባት ዝኾነ  ህዝቢ  ዘቃዱ ወይ ዘወሃህድ ክኸውን ኣለዎ።

23-ዲሞክራሲያዊ ተካላትን መስርሓትን ንዘይምእኩልነት ናይ ቦታውን ዞባውን መንግስቲ ከምኡውን ምምሕዳር ከዕዝዝ ኣለዎ፥ እዚ ከኣ መሰልን ኣድላዪን ኮይኑ ነቲ መሰረት ህዝባዊ ተሳትፎ  ከምዝሰፍሕ ክገብሮ ዘኽእል እዩ።

ይቕጽል

 

Last modified on Thursday, 31 August 2017 10:02