ልዕልና ክልቲኡ፡ ሕግን ውሳነ መሪሕነትን’ምበር

2017-08-31 08:02:38 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1951 times

ቅዋም ወይ ንዓኡ ተመርኲሱ ዝወጽእ ሕጊ፡ ሓደ ኣካል ክምረሓሉ ዘውጽኦ ጠማሪ መሳርሒ እዩ። እዚ ቅዋም ኮነ ሕጊ ናይ ሓባር ሸቶ ዘለዎም እኩባት ኣብቲ ሸቶኦም ንምብጻሕ ኣብ ዝጐዓዝዎ መስርሕ ጠመርቶም እዮም። እዚ ሕጊ ናትና’ዩ ዝብልዎ ወገናት ኣካል እቲ መስርሕን ተጠቀምቲ ናይቲ ዝብጻሕ ሸቶን ንክኾኑ፡ ልዕሊ ኩሉ ናይቲ ሕጊ ምእዙዛት ከኾኑ ከም ዝግበኦም መባእታዊ ተረድኦ እዩ። ምኽንያቱ ሕጊ እንተዘይተማእዚዝካዮ ኣይሕልወካን እዩ። ቅዋም ወይ ሕጊ ሓሳብ ኮይኑ ዝተርፍ ዘይኮነ ብመንገዲ’ቲ ከተግብሮ ዝምዘዘ ኣካላት እዩ ኣብ ባይታ ህልውና ዝረክብ። ንገዛእ ርእሱ እቲ ሕጊ ነቶም ከተግብርዎ ዝተሰለፉ ኣካላት ነናቶም ግቡኣትን ተሓታትነታትን ይስለዓሎም እዩ።

ሕጊ ብዘይካ’ቲ ዘተግብሮ ኣካል ወይ መሪሕነት ህልውና የብሉን።  እቲ ሕጊ ዘተግብር ኣካል ወይ መሪሕነት ከኣ ነቲ ሕጊ ብውሳነታት ኣቢሉ እዩ ዘተግብሮ። ስለዚ ብውሳነታት መሪሕነት ዘይስነ ሕጊ ህያው ኣይኮነን። ኣብ ናይ ትግባረ ባይታ ከኣ ኣሰሩ ኣይረአን። በብደረጃኡ ዝቖሙ ተመራሕቲ ጨናፍር ይኹኑ ዞባታት፡ ነቲ ውሳነ መሪሕነት ገለን ብዕግበት ገለን ድማ ብጥርናፈ እዮም ዝቕበልዎ።  ብመንጽር’ዚ ሕግን ውሳነ ናይቲ ነቲ ሕጊ ከተግብር ዝተመዘዘ መሪሕነትን ፈላሊኻ ዝግለጹ ተወዳዳሪ ህልውና የብሎምን። ብኣንጻሩ ናይቲ ሓደ ህልውና ንህልውና ናይቲ ካልእ ዘራጉድ ወይ ድማ ናይቲ ሓደ ዘይህልውና ናይቲ ካልእ ዘይህልውና ዘመልክቱ እዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ ሕግን ውሳነ ናይቲ ነቲ ሕጊ ከተግብር ዝተመዘዘ ሕጋዊ መሪሕነትን ነናቶም ክብደት ዕምቆትን ዘለዎም ክነሶም “ልዕልና ሕጊ ዶስ ወይ ውሳነ መሪሕነት” ዝብል ቀጥዒ  ደኲንካ፡ ነንሕድሕዶም ኣጠማሚትካ፡ ንምርጫ ዝቐርቡ ኣይኮኑን። ሕግን ውሳነ ሕጋዊ መሪሕነትን ኣፋጢጥካ “ሓዲኡ ምረጹ” ምባል ጐናይ መንገዲ ምኽታል እዩ። ነዚ ግልቡጥ ኣካይዳ ዘሳሲ ኣባሃህላ ብገለ እንዳፈለጡ ዘላግሱ ወገናት ምቕራቡ ከኣ ተቐባልነት ከም ዘይረክብ ንጹር ኮይኑ፡ ንበሃልቱ ግና ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ እዩ። ከምቲ ወለድና “ኣፍንጫ ክውቃዕ ዓይኒ ይነብዕ” ዝብልዎ፡ ወይ ንሕጊ ካብ ውሳነ መሪሕነት፡ ወይ ንውሳነ መሪሕነት ካብ ሕጊ ፈሊኻ ምርኣይ ዘይሩዘይሩ “ነቲ ሕጊ ኮነ  ውሳነ መሪሕነት ናብ ምጉናጽን ክልቲኡ ናብ ምስኣንን” እዩ ዝወስድ። እዚ ኣይኮነንዶ ነቲ ሕግን ውሳነ መሪሕነትን ኣወሃሂድካ ናይ ምኻድ ሃብታም ተመኩሮ ዘለዎ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝኾነ ናይ ርሑቕ ተዓዛቢ እንተኾነ’ውን ከብዱ ክበልዖ ምጽባይ ዘበት እዩ።

ኣብ መንጎ መሪሕነትን ተመራሕትን ምትሕስሳብ ኣይህሉ ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ክትተሓሳስብ እንከለኻ እውን ሕግን ውሳነ መሪሕነት እንዳጠሕስካ፡ ሓሓሊፍካ እንዳተናኸስካን ኣብ ልዕሊ ውሳነ መሪሕነት ናይ እምቢታ ቅድመ-ኩነት እንዳጻወትካን ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ “ዘበንያ ግርንቢጥስ ማይ ንዓቐብ” ዝበሃል፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ናይ “ኣነ ዝበልኩኹም ተዘይሰማዕኩም ዕደ”  ግምጥልሽ ዘይንቡር ሴፍ እንዳመላሕካ፡ ናይ ሕጊ ኮነ ውሳነ መሪሕነት ተሓላቒ ምዃን ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ “ንሕጊ የኽብር እየ። ንውሳነ መሪሕነት ግና ኣይቅበልን’የ።” ብዝብል ቅኒት፡ “ልዕልና ሕጊ ዶስ ወይ ውሳነ መሪሕነት ዝብል ዘይመራረጽ  ምርጫ ምቕራብ ግጉይ እዩ። ስለምንታይ እዞም ክልተ ኣምራት ተመላላእቲ እምበር ሓዲኦም ብዘይካቲ ሓደ ህልውና የብሎምን።

እቲ ካልእ ምሁርነት ተጐልቢቡ ዝቀላቐል ዘሎ ዘገርም ዜማ፡ ካብ ግዝኣት ብዙሓትን ደሞክራስያዊ ጥርናፈን ንኽትሃድም ነዚ ደሞክራስያዊ ዓንድታት ዕርቃኑ ወጺኡ ቀደም ዝፈሸለ ናይ ምብራቕ ዓለም (ናይ ስታሊንን ናይ ማኦን) ኣተሓሳስባብዝብል ምጸት ናይ ጥሕሰት ባርኾት ምሃብ እዩ።  ርግጽ እዩ ኣብ ሓደ ዛዕባ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ምብጻሕ ቀዳምነት ዝወሃቦ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተኻእለሉኸ ኣብ ስብራ ዘየብሉ ኩዳ ትነብር ማለት ድኾን ይኸውን? ኣብ መወዳእታ ወይ ውሑዳት ንድምጺ ብዙሓት እንተዘይተማእዚዞም፡ ወይ ታሕተዎት ንውሳነ ላዕለዎት እንተዘይተቐቢሎም ደኣ ጉዳያት ብኸመይ ይውገኑን ናይ መወዳእታ መልከዖም ይሕዙን መብርሂ ዘድልዮ እዩ። ምናልባት ንቁልቁል ዝኣፉ ክሳብ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ዝብጻሕ፡ ዋላ ንዓመታት ኮፍ ይብሃል ማለት እንተኾይኑ ናይ ደሓን ኣይኮነን። “ወያ ብርኩታስ እምኒ ኣላታ” ዘየብል ከኣ ኣይኮነን። ብመሰረቱኸ እቲ ብዝንቡዕ ኣተረጓጉማ ዓንቀጻት እንዳጠቐሱ “ብመሪሕነት ተጣሒሱ” ዝብልዎ ዘለዉ ቅዋም ሰዲህኤ ብመትከል፡ “ልዕልና ድምጺ ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ድምጺ ውሑዳት” ዝጸደቐ ምዃኑ ይዝክርዎዶ ይህልዉ። ኣንጻር ብዙሓት ብውሳነ ህዝቢ ዝተወገኑ ተመክሮታት ይኸዱ ከም ዘለዉኸ የስተብህሉደኾን ይህልዉ። ነቲ ወለድና ንልዕልና ብዙሓት ኣንጻር ውሑዳት ከዕዝዙ እንከለዉ “ካብ ሰባ እትነውሕ መሸላስ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ” ዝብልዎ ምስላስ የስተማቐርዎደኾን ይኾኑ። ምናልባ ጉዳያት በቲ ንሶቶም ዝብልዎ “ክሳብ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ እትበጽሕ ምቕጻል” ዝብል ብሂል እንተዝኽየድ፡ ኣሜሪካያውን ኣብ መንጎ ደገፍቲ ሂላሪ ክሊንተንን፡ ዶናልድ  ትራምፕን፡ ኬንያውያን ኣብ መንጎ እህሩ ከኒያታን ኦዲንጋን ዝነበሮም ፍልልይ ብናይ ሓባር ተረድኦ ክንፈትሖ ተዝብሉስ እዘን ንኣብነት ዝጠቐስናየን ሃገራት ከመይኮን መኽዕና። እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ድማ ያኢ ኣባል ሰዲህኤ ናይ ዲሞክራስያዊ ኣተሓሕዛ ሀሁ ዘየብሉን ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ሰፊረምዎ ዘለዉ ጫካን ዘይርደኦ  ኮይኑስ፡ ከነዕሽዎ ንኽእል ኢና ኢሎም መጸዋዕታ ከቕርቡ ምድንዳኖም እዩ። በዚ ኣጋጣሚ እንተላይ’ቲ “እቲ እንኮ ኣማራጺ፡ ንኹሉ ጸገማት ሰልፊ ኣለልዩን ፈቲሹን መፍቲሒታት ክናደየሉ ዘኽእል “ህጹጽ ሰልፋዊ ዋዕላ” ምጽዋዕን ምክያድን ኢዩ።ዝብልዎ እውን ኣብ ትሕቲ ምእዙዝነት ሕግን ውሳነ መሪሕነት እምበር፡ ናብ ላዕሊ ኣንቃዕሪርካ ቅድመ-ኩነታት ብምቑላል ከምዘይኮነ፡ ክንደይኳ ከይስቆሮም ግና ኣብ ርእሲ ልቦም ነዘኻኽሮም። መሪሕነት ሰዲህኤ ህልውናን ቀጻልነትን ሰልፊ ምዕቃብ ቁጽሪ ሓደ ሓላፍነቱ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ንምርጋጽ ሕጋዊ፡ ርትዓውን እዋናውን ውሳነታት ካብ ምውሳን ድሕር ከይብል ኣብ እዋን 8ይ ኣኼባኡ ኮይና ሓደራ ንብሎ።

Last modified on Thursday, 31 August 2017 10:05