ዜና ካብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

2017-08-29 04:20:55 Written by  EPDP Information Office of North America Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2211 times

ትማሊ ሰንበት 27 ነሓሰ 2017 ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ኣባላት ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ኣጀንዳ ተመያይጡ፡

1)    እዋናዊ ሓበሬታት፡

·       ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ይካየድ ምህላዉን ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተመሓላለፈ ለበዋ ተገሊጹ

·       ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናብ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ኣንቶኒዮ ኣልፋኖ፡ ኣብ ልዕሊ መዕቆቢ ዘይብሎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስድተኛታት ዝተወስደ ካብቲ ግዚያዊ መዕቆቢኦም ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ግጉይ ምዃኑ ዝገልጽ መጸዋዕታ ከምእተላእከ ተሓቢሩ።

·       ብዛዕብ’ቲ ብዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣሜሪካ ነበር እተላእከ ፐቲሽን ብዕምቆት ተመያይጡ። ኣብ’ቲ ናይ ኽታሞም ኣንቢሮም ብምባል ቀሪቡ ዘሎ ኣስማት ስሞም ዘሎ ኣባላት መብርሂ ሂቦም። ንኣብነት ሓው ተኽለ ኪዳነ ካብ ሚኒሶታ፡ ኣብ መትከለይ ምስ ሰልፈይ ኣለኹ። ብዘይፍቓደይ ኢዮም ስመይ ኣእትዮሞ ክብል ገሊጹ። ሓው ብኢደ ንጉሰ ካብ ጨንፈር ዲ.ሲ. ድማ እቶም ኣባላት ጨንፈር ዲ.ሲ. ኢሎም ኣስፊሮሞም ዘለዉ ኣስማት፡ መብዛሕትኦም ንመንበሪ ወረቐት ክረኽቡ ገለ ካብኦም ቅድሚ ዕስራ ዓመት ተመዝጊቦም ዝነበሩ ምዃኖም ኣብሪሁ።

2)   ናይ ጎሽጓሽ ሽማግለ ናይ ስራሕ ጸብጻብ ኣቕሪባ። ክሳብ ሕጂ መዝገብ ኣባላት ምጽራይ ከም ዝተሰላሰለን ብሕጂክስራሕ ዘለዎን ብንጹር ኣብሪሃ።  

3)   ናይ ገንዘብ ንኡስ ሽማግለ ናይ ስራሕ መደባታ ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጽ ስርሓ ብዕቱብ ኣብ ሓድሽ መዝገብ ኣባላት ተመርኲሳ ክትጅምር ምዃና ኣብሪሃ

4)   ናይ ዜናን ዲፕሎማሲን ሽማግለ መደባታ ብዝርዝር ኣቕሪባ። ብዘይካ’ቲ ምስ ኣብ ከባቢና ዘለው መንግስታውያንን ገበርቲ ሰናይን ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራን ክስርሓሉ ዘለዎ ዝምድናታት፡ ኣብ ምምካት ተጻባእቲ ሰልፍና ኣትኲራ ክትጽዕት ኣባላት ኣተሓሳሲቦም።

5)   ንምስንባት ኣባል ዝምልከት ዓንቀጽ 4.5 ቅዋምና ኣልዒሉ ብዕምቆት ዘትዩ።

 

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

28 ነሓሰ 2017

Last modified on Tuesday, 29 August 2017 06:31