ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017 ብድራር ብርሃነ ዝተነበ ድርሰት

2017-08-24 11:56:43 Written by  መድሃኔ ሃ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1964 times




እቲ ናይ ወትሩ ሓያል ባህገይ፣ ባህጊ ቀትሪ ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ኣብ ናይ ወትሩ ለይታዊ ሕል መይ ኣብ ምዃን እውን በረኸ። ካብ ባህጊ ናብ ሕልሚ ካብ በረኸ፣ ካብ ሕልሚውን ኣብ ሕዱር ሕማም ከይቅየር ንዝብል ስክፍታይን ሻቅሎተይ ድማ ሰማየ ሰማይ ኣዕረጎ። ክገርመኩምሲ! ካብ ለይትታት ሓንቲ ለይትስ፣ ከም ልዑል ረስኒ ኣህተፍተፈኒ ድኣ! እዋን ድቃስ ስለዝኣኸለ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ካብቲ ዘድክመንን፣ ዘሐልለንን ዘጨንቐንን ናይ ቀትሪ ዕማማተይን መደባተይን ተናጊፈ፣ ኣብታ ተገምሲሰ ሩፍታ ክረክብ ብምብሃግ፣ ኮበርታይ ተጎልቢበ፣ ከምወትሩ ናብ ዓራተይ ተደርበኹ። ካብ ቀዝሒ ኖርወይ ኣብ ውሻጠ ገዛይን ኣብ ውስጠ ውሽጢ ዓራተይን ተጎዝጒዘ ምስ ተዓቖብኩ ድማ፣ ከም ኣብ ሑቕፊ ኣዲኡ ዝማመቖ ሕጻን፣ ቀልጢፉ ከቢድ ድቃስ ወሰደኒ። ኣብ መንጎ በጥ ምባለይን ምድቃሰይን ዝነበረ ግዜ ብካሊኢት ዝቑጸር ኣምበር ደቂቕ እኳ ዝመልእ ኣይነበረን።ካብቲ ኣላሽ ዘብለኒ ናይ ጉልበትን ሓንጎልን ስርሓተይ በታ በጥታ ስለዝተናገፍኩን፣ ኣብቲ ማሙቕዓራት ኣካላተይ ናይ ዕርፍቲ ግዜ ኣስተማቐረ። ዕርፍቲ ሓንጎለይ ግን ኣይከምትጽቢተይን።


ሕልሚ ኣብ ህይወተይ ጋሻ ኣምርኳ ኣንተዘይኮነ፣ ብኡ ንብኡ ምስ ባህገይ ዝተኣሳሰርን ጭንቀት ዝበለሎ ሕልሚ ሓሊመ ክብህርርን ግን ናይ መጀምርያን ሃንደበታውን ነበረ።ነታ ንክርእያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኽውንናውን ኢለ፣ እኩል ምስተረፉ ዝኾነ ዝትመንን ዘይትመንን ዋጋ ዝኸፈልኩላ ኣስመራይ፣ ናይ ሕልሚ ናጽነተይ ተጎናጺፈ፣ ከም ልበይ ድኣ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዓንደርኩላ። ኮምብሽታቶ፣ ኣባ ሻውል፣ ጨርሒ፣ ዕዳጋ ሓሙስ፣ ገዛ ከኒሻ፣ እንዳ ማርያም፣ ሓዲሽ ዓዲ፣ ገዛባንዳ ጥልያን፣ ገዛባንዳ ሓበሻ፣ ቀሓውታ፣ ጎዳይፍ፣ ሰምበል፣ ቪላጆ፣ ፎርቶ፣ ኣኽርያ ማይተመናይ ,፣ ኩሉ። እንታይ እሞ ክብለኩም! ተፈራሪቑኒ ሕንቕንቕ በልኩ! ናይ ሓሶት ወረን ቤላበለውን ከይኮነኩም፣ ውቃበ ኣስመራና ተደዊኑ፣ እቲ ቀደም ምስ ግርማኣ እንከላ ለይትውን ከም ቀትሪ ዝነበረ ቀትሪውን ናብ ለይቲ ተቐዪሩ፣ ይዋእኩም እዩ፣ ከላእ ደኣ ትርኣዮ! እቲ ዝርካቡውን ኣብ ሓደ ቦታ ጥራሕ ተግጸንቂቁቑ ረኺበዮ። ኣብኣ፣ ኣብኣ ኣብታ ሓንቲ ሓደና! ትማሊ ናይ ገዛእቲ ሎሚ ናይ መለኽትን በጻሕትን ጎደና! ጎደና


ሓርነት ከኣባ ሰመይዋ! ብጀካ ስልጣን ምልኪ ዝሓዘን ባጠራን ወጅህን ወጻኢ ዝወነነን ወዲባት ምስ መበቆላዊ ወጅሁን ኳ ኢኻ ዘይትረኽበላ። ንሱእንዶ ግዳ ይትረፈና፣ ውቃበ ኣስመራናስ ብዓንተቡኡውን ብርሃጽና ስለዝመጸ፣ ሕጅውን ብጻዕርና ምተመልሰ። ዘጕህየንስ እባ እቲ ጽንቃቕ ኣውን ከየትረፈ በኒኑ ዝጠፍአ ኤርትራዊ መንፈስን ፍሕሽውታን፣ ክቡር ባህልታትን ነበረ። ኣብ ዝረገጽኩዎ ኑቕጣ ጎፍ ዝበለኒ ሰብ ብኣልማማ ገጹ ዝተደወነ፣ መንፈሱ ዝበነን፣ ተስፋ ዝቖረጸ፣ ካብ ክቱር ዕብራን ብቀዛፊ ሕማም ንነዊሕ ግዜ ዝማህመነ ዝመስል ሰውነት ዝመስል ሰውነት (ዝድምሰስ) ዝወነነ ይመስል። ወረ ጸኒሐስ መሸማዕ ስርናይ ካናዳ ዝመስል ከርሸተይ ሒዘ፣ ኣብ ሞንጎቲ ህዝቢቲ ምዛረይሲ እንዳ ኣሰከፈኒ መጸ። ኣብ ጉዕዞ ሕልመይ ግን፣ ሓደ ግዜ ኣብኣ በታ ጎደና ሓርነት ሲቲ ፓርክ ሓሊፈ፣ ናብታ ዘዕርፈላ ዝነበርኩ ሕንጻ ኒያላ ሆተል ገጸይ ኣንዳመረሽኩ፣ ካብ ዳርባ እምኒ ብዘይርሕቅ ርሕቀት፣ ናባይ ገጹ ዝምርሽ፣ ብጀካቲ ዝወደዮ ክዳን፣ ብግዝፊ ሰውነቱ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ኣዩ ኢልካ ክትኣምኖ ዘጸግመካ ሰብ ርአኹ።


ነቲ ጋሕታን ኣካይዳኡን ጃምቦ ሰውነቱን ምስተዓዘብኩ ድማ፣ እዝስ ካብዞም ብሃምቡርገር ኣመሪካ ዝተሃንጸ ኤርትራዊ በጽሒ ኢዩ ዝኸውን ኣብ ምባል በጺሐ። ናባይ ኣንዳቀረበ ምምጽኡን፣ ንሱውን ናባይ ኣተኵሩ ምጥማቱን ድማ ነቲ ሃውታቲ ግምተይ ዝያዳ ኣሃውተቶ። ምጥማት ስለዘብዝሓለይ ድማ፣ ጎፍ ኣብዝተበሃሀልናሉ ህሞት፣ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ኣዩ ዝኸውን ብምባል፣ ሃይ ጋይ! (Hi guy!) በልኩዎ። መዛርብትን ብግዝፊ ኣካላት ዝመሳሰለንን ሰብ ረኺበ ኢለ ተሃዊኸ ቀዲመዮ ድኣምበር፣ ንሱውን ደው ከብለኒ ወሲኑ ነይሩ።


ንሰላምታይ ብሰላምታ ክቅበለኒ እንዳተጸበኹዎ፣ ኢዱ ናባይ ሰዲዱ በጥ ኣበላሞ፣ ነቲ ካብ ክቱር ምትካኽ ከንፈር ጻሕሊ ዝመስል ከናፍሩ ከፊቱ፣ ሽጋራ! በለኒ ትሕትናን ላዛን ብዝጎደሎ ኣገባብ። ሰምበድኩ! ኣብ ምሉእ ህይወተይ ምስ ሽጋራ ተላሊየ ኣይፈልጥን። የብለይን ኢለ ረጎጸዮ ከይሓልፍ ኣውን ኣሰከፈኒ። ኣብ ጥቓና ዝኾነ ድኳን ስለዘይነበረ ድማ፣ ናይ ጃኬት ጁባይ ሃሰስ ኢለ፣ ነቲ ብሓንሳብ ተጠቕሊሉ ዝነበረ ገንዘብ ምስቲ ብላዕሊ ዝነበረ 200 ዶላር ኣመሪካ ብሓንሳብ ኣትዒተ ኣውጻኩዎ።


ንዑኡ ዝምጽወት 50 ናቕፋ ሃሰስ እንክብል ድማ ዓቀንን ባጠራን ዝሓዝኩዎ ገንዘብ ኩሉ ልቢ ኣውዲቁ ጠመቶ። ኣብ መወዳእታ፣ ተዓዊተ 50ናቕፋ መሰስ ኣቢለ መጦኹዎ ሞ ሕጅውን ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ከይኮነ ኣይተርፍን ካብዝብል ሃውታቲ ግምተይ ከይተናገፍኩ ባይዘወይ ወር አር ዩ ፍሮም ” (By the way where are you from?) ክብል ሕቶ ኣስዓብኩሉ።


ብግቡእ ተረዲኡኒ። ” ካብ ጸጸራት፣ ጽሉል ጽሉል ”፣ ኢሉ መለሰለይ እሞ ንቅድሚት ብግስ በለ።
ጋን ተሰራሕኩ። ብዝኸዶ ከይቀጸለውን ግልጽ ኢሉ ጠመተኒሞ፣ ” ንስኻኸ ወር ኣር ዩ ፍሮም? ” ክብል ሓተተኒ።
ዝሰምበድኩዎ ስንባደ ክነግረኩም ኣይክእልን። ስንባደይ ዊሒጠ፣ ዕውረተይ ተጎልቢበ ለካስ ኣዚ ኩሉ ሰውነት ብሃምቡርገር ኣመሪካ ዝተሃንጸ ዝበልኩዎስ፣ ብመደንዘዚ ኪኒና ጸጸራት ዝበዅሰለ ኣዩ! ትሩፍ ደጊም! ኢለ ምረሻይ ክቕጽል ብግስ በልኩ።


ነባሪ ጸጸራት እየ ኢሉ ዝተላለየኒ ጎበዝ ግን፣ ገዲፉኑ እንዳበልኩ፣ ንናይ ንቅድሚት ስጉምትታቱ ኮሊፉ፣ ናባይ ግልጽ በለሞ፣ ስማዕ ስማዕ በለኒ ድምጹ ዓው ኣቢሉ። ናይ ንቅድሚት ስጉምትታተይ ኣቋሪጸ፣ ናብኡ ግልጽ ብምባል ደው በልኩ።ንሱውን ናባይ ተመልሰ። ብሰሪ ግርህነተይ ኩሉ ገንዘበይ ስለዝረኣዮን፣ ጽሉል ስለዝኾነን ሓደጋ ኮይኑ ከይወርደኒ ብምስጋእ፣ ኣይገበርኩዎን ደኣምበር፣ ሃዲመ ነፍሰይን ገንዘበይን ከድሕን ክፍርጥጥ ተደናዲነ። ተራእየኩምዶ ኣብ ጎደና ሓርነት ብጽሉል ተሃዲነ እግረይ ኣውጽእኒ ክብል !! ካብ ቀዳማይ ህውተታት ዝገደደ ህውተታ።


ንሱ ግን ቅርብ ኢሉ፣ ” ዓርከይ ንስኻኸ ወር ኣር ዩ ፍሮም? ” በለኒ፣ ንትግርኛ እንግሊዘኛ ቃላቱ ሰሓቅ ኣሰኒዩ።
” ካብ ኦስሎ ኖርወይ፣ ትፈልጦ ዲኻ? ” በልኩዎ። ንሱ ግን ” ኣይፈልጦን፣ ክፈልጦውን ዕድል የብለይን። ተጸሊለ እየ። ግን ክነግረካ፣ ምምጻእካ ጽቡቕ፣ ንዓይኳ ናይ ሽጋራ ሂብካኒ፣
ንሃገርካ ነበር ኤርትራ እሞ ከመይ ረኺብካያ፣ በለኒ ክምስ እንዳበለ በቲ ተካኽ ኣፉ።


ጽሉል ተመሲሉ ትሕዝቶ ጁባይ ዝፈለጠ ሕጅውን ብመልሲ ናይዛ ሕቶ ንትሕዝቶ ልበይ ብምፍላጥ ንህይወተይ ኣብ ሓደጋ ከየውርደኒ ብዙሕ ተሰከፍኩ። ዕሽሽ ንኸይብሎውን ከይጥሕረኒ ፈራህኩ። ቀልጢፈ ግን ነታ ዓሻደየ ኣነ ኢትዮዕጵያ ትቅደም ዝብል በለ ኤርትራዊ ጽሉል እትብል ብሂል ዘከርኩ። ናይ ጽሉል ብልሒ ተኸቲለ ድማ ዓሻደየ ኣነ ኣብ ማእከለ ኣስመራ ኮይነ ዓድና ሕማቅ ኣላ ዝብል ብምለት፣ እዋእ ዓድና ድኣ ብጣዕሚ እምበር ጽቡቅ ኣላ፣ ክብል ሓቁ ንውሽጠይ ሓቢአ፣ ዝጥበር መሲሉኒ ንድሕነት ነፍሰይ ክብል ሓሶኹ። ወዩ ጽሉል ተመሲሉ ዝሰርሕ ናይ ህግደፍ ዋህዮ ከይከውን ዝሰጋእኩዎ ጃምቦ፣ ጽሉል ተመሲሉ ዝሰርሕ ዋህዮ ህዝቢ ነይሩ። ንመልሰይ ምስ ሰምዐ፣ እህህህህህህህህህህ! እህህህህህህህህህ! ኣንታ ስምዕዎ ዝብል ዘሎ፣ ነዛ ብዝናብ ሰማያት ዘይኮነስ ብንብዓትን ደምን ደቃ ዝጨቐየት ሃገርሲ ብጣዕሚ ጽቡቅ ኣላ ይብል ኣሎ፣ ክብል ናይ ስምዑለይ ረኣዩለይ ዓው ኢሉ ጨደረ።


መዓልቱ ሰምበት ስለዝነበረ፣ ካብ ክቱር ስምባደ፣ ድምጸይ ኣትሒተ እንታይ ዓይነት ጸላም ሰምበት እያ ወደይ ክብል፣ ሰንበት መዓልትስ ከምዚ ዓይነት ተረኽቦ ብማልት ኣማረርኩ።


ወዮ ጽሉል ሕጅውን ሰሚዑኒ፣ ንዓኻ ሓንቲ ጸላም ሰምበት፣ ህዝቢ ኤርትራ ግን ምስ ህግደፍ ጸሊም መዋዕል የሕልፍ ኣሎ፣ ኣይትርእይን እንዲኻኸ! ሰምበት መዓልቲ ኣብ ሕምብሪቲ ኣስመራ ጎደና ሓርነት ካብዚ ኩሉ ህዝባ ሓደ ኣነ ጽሉልን ሓደ ናይ ኖርወይ ጋሻን ጥራሕ ክንቀሳቀሱ! ክብል ደጊሙ ገሰጸኒ። ኩሉ ኣጊሙኒ ኣብ ቀባሕባሕ ኣቶኹ፣ ተደሃልኩ። ብውሽተይውን ብኻባ ሽጋራ ምስ በለኒ የብለይን ኢለ ጠንጢነዮ ሓሊፈ፣ ኣብ ምባል በጻሕኩ። ንሱ ግን ሕጅውን ሰሓቁ እንዳቀጸለ፣ ነዛ ዘረባኻ ካብ ልብኻ ኣንቂልካያ እንተኾንካ ንስኻ ካባይ ንላዕሊ ጽሉሉ ኢኻ፣ ከም ወዲ ኣፈወርቂ ድማ ተበላጻይን፣ ጨካንንኢኻ፣ እንተደኣ ካብ ዓንቀርካ ኣንቂልካያ እንተኾንካ ግን ናይ ጎረሓት ገበርካ በለኒ።ኣንታ እወ ከምኡ እዩ፣ ኪደለይ ጥራሕ በልኩዎ መንገደይ ክቅጽል እንዳፈተንኩ።

ገጢመኪ ሎኹ ወዲ ኖርወዪኖ፣


ግን ከይወዓልካ ከይሓደርካ ቀልጢፍካ ናብ ኖርወይካ ተመለስ፣ ኣይኮነን ግን ከማይ ተጸሊልካ ኣድራሻኻ ጸጸራት ከይከውን፣ ኣብ ዓዲ መጸለል ኢኻ መጺእካ ዘሎኻ፣ ካብ ኩሉውን ከኣ ናይ ሽጋራ ዝልግሱልናውን ከይንስእን”፣ ኢሉኒ ማእዝኑ ከይሰሓተ ንቅድሚት ክኸይድ ብግስ በለሞ፣ ገለ ዝተረፈ ሓሳብ ስለዝነበሮ እንደገና ንድሕሪት ምልስ ኢሉ፣ ብሓባሪት ጽብዒቱ ናብቲ ገንዘብ ዝሓዘ ጅባይ እንዳ ሓበረ፣ ”ድሓር ኣብዚ ዓዲ ሊዕሊ 3000 ናቅፋ ኮነ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ጁባኻ ምሓዝ ከም ዘይፍቀድ ኣይፈለጥካን ዲኻ፣ እዘን ግሩሽካ ኣሳቢቦም ከይህግርወን .” ኢሉኒ ንቅድሚት ተበቆጸ። እዚ መስተንክር ዝኾነ ካብ ጽሉል ሓንጎል ዝመንጨወ ረዚን መልእኽቲ ሓዘል ምኽሪ ኣዝዩ ስለዘጨነቐኒ፣ ካብ ድቃሰይ ባህሪረ ብቅጽበት ብድድ ስለዝበልኩ፣ እቲ ናይ ሕልሚ ነጻነተይ ኣብኡ ተኾሊፉ ኣብቀዐ።


ነገሩ ኣርሚሙኒውን ኣብቲ ናይ ሕልሚ ነጻነትን ጭንቀትን ዝዓደለኒ ዓራተይ ተገብሲሰ እንከሎኹ፣ ብየማናይ ኢደይ ትእምርተ መስቀል እንዳገበርኩ፣ በስመኣብ ዎወልዲ ዎመንፈስ ቅዱስ በልኩ። እታ ሽዑ ብሪራ ዝጠፍአት ልዋመይ እውን ደሃይ ኣልቦ ተሸሪባ ተሪፋ። ኣይ ካብ ልዋም ኣይ ካብ ውጽኢት ልዋም ዝኾነ ናይ ሕልሚ ናጻነተይ፣ ወረ ኣይ ካብቲ ረዚን ዋጋ ዝኸፈልኩሉ ናይ ወትሩ ባህገይ ለጣ ስለዝተረፍኩ ድማ፣ ዳግማይ ንምጭባጦም ሃሰው ክብል እርከብ ኣሎኹ።

 

Last modified on Thursday, 24 August 2017 14:24