Eritrea Liberty Magazine Issue No. 46
Sunday, 03 September 2017 22:07 Written by EPDP Information Officeንሕጋዊ ኣሰራርሓ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓነውነው እናበልካ፡ ነቲ ብሕጊ እተመርጸ መሪሕነትን ውሳኔታቱን እናኣነኣስካ፡ ብዛዕባ ሓድነት ሰልፊ ተገዳሲ መሲልካ ክትቀርብ ምፍታን ንብዙሓት ከታልል ዝኽእል ሜላ ኣይኮነን። ሓድነት ሰልፊ ነቲ ኣብ ጉባኤ እተሓንጸጸ ዕላማን፡ ነቲ ብጉባኤ ዝጸደቐ ቅርጺ ኣሰራርሓን፡ ነቲ ብጉባኤ እተመርጸ መርሕነት እሙን ኮንካ’ዩ ዝረጋገጋጽ። ካብ ሰልፋዊ ኣሰራርሓ ወጺእካ ኣብ ወብሳይታት ክትራገምን ከተቆናጽብን ብምውዓል ሓድነት ሰልፊ ክሕሎን ክኽበርን ኣይክእልን እዩ።
“ሎሚ ውን ከምትማሊ ንሰልፋዊ ሓድነት ንጽዓት”
- ኣብ ዝኾነ ሰልፊ ፍልልይ ሓሳባት ክርከብ ንቡር እዩ። በዚ ምኽንያት ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ፡ ፍልልያት ከመይ ገይሮም ክእለዩ ከምዘለዎም ሕግታት ከቐምጥ ግድን እዩ። ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ንሰልፍናን ሃገርናን ዝምልከት ሕቶታት ክትመያየጥ ክትሰማማዕ ይኹን ክትፈላለ ይከኣል እዩ። ሓድነት ሰልፊ ዝሕሎ ከኣ ምስ ፍልልይካ ንሕግን ኣሰራርሓን ሰልፊ ክትምእዘዝ ከለኻ እዩ። ውሳኔታት ጉባኤ ይኹን መሪሕነት ብብዝሒ ድምጺ ክሓልፍ ከም ሕግና ዘጽደቕናዮ ድማ፡ ኣብ ሰልፍና ፍልልይ ክህሉ ንቡር ስለ ዝቆጸርናዮ እዩ።
- ብብዝሒ ድምጺ ውሳኔ ምሕላፍ እምበኣር፡ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ንምውጋን ፍልልያትና እዩ። ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብ ጉባኤ ይኹን ኣብ ኣኼባ መሪሕነት፡ ጻዕርና ብስምምዕ ውሳኔ ክሓልፍ እዩ። ስምምዕ ምብጻሕ ተሳኢኑ ግዜ ምስ ተመጠ ግን፡ ብድምጺ ውሳኔ ነሕልፍ። ዝበዝሑ ዘድመጽሉ ጉዳይ ከኣ ውሳኔ ጉባኤ ወይ መሪሕነት ይኸውን።
- ካብዚ ብጉባኤና ዘጽደቕናዮ ኣገባብ ወጺእካ ምስራሕ፡ ንሓድነት ሰልፍና ትማሊ ኣይሓለወን ሎሚ ውን ክሕሉ ኣይኮነን ንጽባሕ ውን ክሕሉ ኣይክእልን እዩ። ፍልልያት ኣብ ሕግን ኣሰራርሓን ሰልፊ ኮንካ ኢኻ ክትውግኖም እትጽዕት፡ ካብኡ ውጺእካ ካልእ ንሕግና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ኣገባብ ብምትእትታው ኣይኮነን።
- ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከምዝገለጽክዎ፡ ንማእከላይ ባይቶ ክብድህ ዝደሊ ህጹጽ ጉባኤ’ዩ ክጽውዕ ዘለዎ። ህጹጽ ጉባኤ ምጽዋዕ ዘድሊ ከኣ ጉባኤ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ሰልፍና ብምዃኑ እዩ። ጉባኤ፡ ንውሳኔታትን ኣካይዳን ማእከላይ ባይቶ ክመዝንን ክፈርድን ምሉእ ስልጣን ኣለዎ። ንዝነበረ ማእከላይ ባይቶ ሰሪዙ መተካእትኡ ከቕምጥ ይኽእል እዩ። በዚ መንገዲ’ዚ ዝሓስብን ዝሰርሕን፡ መሪሕነት ሰልፊ ካብ ቅዋም ሰልፊ ወጺኡ ኮይኑ እንተተሰሚዕዎ ውን፡ ንሓድነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝፈታተን ምንቅስቓስ ገጹ ኣይከይድን እዩ። ነብሱ ኣብ ቦታ ጉባኤ ኣቐሚጡ፡ ንውሳኔ ማእከላይ ባይቶ ብእደ ወነኑ ኣይሕጋውን ኢሉ ክስርዝ ኣይፍትንን እዩ። ሕጊ ሰልፍና ተኸቲሉ ግን ንውሳኔ መሪሕነት ክብድህ ዘኽእሎ መንገዲ ህሉው እዩ።
- ማእከላይ ባይቶ ቅዋም ጥሒሱ ኢሉ ዝኣምን ኣካል፡ ከምኡ ዝኣመሰለ እምነት ምጥራዩ ኣብ ሰልፍና ከምጸገም ኣይንርእዮን ኢና። መሪሕነት ቅዋም ሰልፊ ጢሒሱ ኢሉ ዝኣምን ኣካል ግን፡ ህጹጽ ኮንፈረንስ ዘይኮነ ህጹጽ ጉባኤ’ዩ ክጽውዕ ዘለዎ። ፍርቂ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሕነት ካብ ቅዋም ከምዝወጸ ዝኣምኑ እንተድኣኾይኖም ከኣ፡ ብሕግና መሰረት ማእከላይ ባይቶ ህጹጽ ጉባኤ ክጽውዕ ግዱድ እዩ። መሪሕነት ቅዋም ሰልፊ ጥሒሱ እናበልካ ግን፡ ሰልፊ ለኸ ኮንፈረንስ ምጽዋዕ ንሽግርና መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።
- ብጀካ ጉባኤ ንውሳኔ ማእከላይ ባይቶ ቀይሩ ውሳኔ ከሕልፍ ዝኽእል ኣካል ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ የለን። ኮንፈረንስ ይኹን ሰሚናር ንመሪሕነት ለበዋ ካብ ምሃብ ዝሓልፍ ኣይኮነን። መሪሕነት ካብ ሕጊ ወጺኡ ዝብል እምነት ዘለዎ ኣካል እምበኣር፡ ውሳኔ ዘየሕልፍ ህጹጽ ኮንፈረንስ ዘይኮነ ህጹጽ ጉባኤ’ዩ ክጽውዕ ዘለዎ። ሓድነት ሰልፊ ከኣ በቲ ጉባኤ ዘቐመጦ ኣገባብ ኣፈታትሓን ኣተኣላልያን ጉዳያት ጥራይ’ዩ ዝሕሎ። ካብኡ እናወጻእካ ሓላውን ተሓላቕን ሓድነት ክትከውን ኣይከኣልን እዩ።
- ሓድነት ሰልፍና ከም ዓይኒ ብለን እና እንሕልዎ። ንሕግናን ነቲ ብሕጊ ዝወጸ መሪሕነትናን እናቖናጸበ ንሓድነትና ዝፈታተን ማዕበል ክመጸና ከሎ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ሕግናን ውሳኔታት መሪሕነትናን ኮንና እና ክንምክቶ ዘለና። ሓንሳብ ብድሕረ ባይታት፡ ንሓሳብ ብምዕራባውን ብምብራቓውን፡ ንሓንሳብ ንሕግን ነቲ ብሕጊ ዝመጸ መሪሕነት ብምፍልላይ፡ ንሓሳብ ከኣ ሓንጋርን ተሓንጋርን ብዝብል ኣምራት ንሰልፍና ክበታትን ዝደሊ ፍጹም ከነፍቅደሉ ኣይኮንናን።
ክቕጽል እዩ
ሓባራዊ ቃል ጽምብል ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ
Saturday, 02 September 2017 12:49 Written by ኣሰናዳኢት ሽማግለ በዓልሓባራዊ ቃል
ጽምብል ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላትን መሪሕነትን ማሓዙት ውድባት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን
ዝከበርኩምን ዝኸበርክንን ወከልቲ ማሓዙት ውድባትን ማሕበራትን፣ ዕዱማት ኣጋይሽናን።
ኣቀዲምና ብስም ጨናፍር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ብምቕራብ፣ ሒዝናዮ ዘለና መድረኽ ናይ ቃልሲ ናይ ኩልና ዓቅምን ግጥምያን ዘድልዮ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጥን ጽቡቕ ናይ ኤርትራን ህዝባን ይደሊ ዕማም ብምዃኑን ዓዳምን ተዓዳምን የዘድልዮ እዃ እንተዘኮነ ንመጸዋዕታና ኣኽቢርኩም፡ ካብ ርሑቁን ቀረባን ኣብዚ ታሪኻዊ ሓባራዊ ጽምብል ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና ምስታፍኩም፣ ክብ ዝበለ ምስጋና ከነቕርበልኩም ደስ ይብለና።
ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝርከብ መሰረታት ክልቲኡ መሓዙት ውድባት ሓባራዊ ሰሚናራትን በዓላትን ሰለማዊ ሰልፍታትን ካልእ ሃገራዊ ንጥፈታትን ብሓባር ንምክያድ ብመሪሕነታትና ዝተበጽሐ ምርድዳኣት መሰረት ብምግባር፣ ንሕና ኣባላት እዞም ክልተ ማሓዙት ውድባት ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ከነበግሶ ብምብቃዕና ንዓና ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንብምሉኡ ደላይ ፍትሕን ሓድነትን ዝኾነ ህዝብና ደስ ከም ዝብሎ ፈጺምና ጥርጥር የብልናን። ከም‘ዚ ዓይነት ሓባራዊ ዕማማት ድማ ኣብ ኩሉ ቦታታት ንኽካየድ ዘሎና ትጽቢት ዓቢ ምዃኑ ክንገልጽ ደስ ይብለና። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ፍራንክፎርት ዝርከብ ፖለካውን ህዝባውን ምንቅስቓሳት ሓባራዊ ዕዮ ንምርግጋጽ ክደኽመሉ ዝጸንሐን ዘሎን ምዃኑ‘ውን ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ኣይንመርጽን።
ክቡራትን ክቡራንን !
ህዝቢ ኤርትራ፣ ብጅግና ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ውሑዳት ጀጋኑ ብጾቱን ኣብ ታሪኻዊ ጎቦ ኣዳል ፈላሚ ጥይት ናይ‘ቲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተመርሐ ነዊሕ ጅግንነታዊ ተጋድሎኡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፣ ንመበል 56 ዓመት ዝኽሪ ጅግንነታዊ ብረታዊ ተጋድሎኡ ኣብ ምብዓል ይርከብ። ስውራና ዝውንኖ ዝነበረ ዓቕሚ ምስ ሓይሊ ጸላኢ ብቊጽሪ ይኹን ብኣጽዋር ፈጺሙ ዘይዳረግ‘ኳ እንተ ነበረ፣ ሓርበኛታት ተጋደልትና፣ ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቦም ዝነበሮም ዓሚቚ ዝሰራውሩን ነቕ ዘይብል እምነቶምን፣ ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮሙን ብጽንዓት ክቃለሱን ክስዉኡን ድሉዋት ብምንባሮምን፣ ከምኡ‘ውን ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ጎድኒ ሰውርኡ ደው ብምባሉን፣ እቲ ቀንድን ወሳንን ሓይሊ ሰውራና ጸብለል ክብል ዘኽኣለ ኢዩ። በዚ ምኽንያት‘ዚ ከኣ‘ዩ፣ ንሓይልታት ጸላኢ ስዒሩ፣ ህዝብና መሬቱ ሓራ ከውጽእ ዝበቕዐ። በዚ ኣጋጣሚ‘ዚ እምበኣር፣ ነቶም ኤርትራና ሓራ ንክትከውንን፣ ህዝብና ብሰላምን ስኒትን ፍትሕን ዝነበረሉ ስርዓት ንኽተክልን፣ ዝተበጀዉ ብሉጻት ስዉኣትናን፣ ውጉኣት ሓርነትን ኩሎም ክሳብ ሕጂ ከየዕረፉ ኣብ ቃልሲ ተጸሚዶም ዝርከቡ ሓርበኛታትን፣ ክብ ዝበለ ኣድናቖትናን መጎስን ከነቕርብ ደስ ይብለና።
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣
ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ ጉዳዩ ንምዕዋት ሰፍ ዘይብል ዋጋ ከም ዝኸፈለ ዓለም ብዓለሙ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ጀጋኑ ተጋደልቲ ደቁ ድማ ነቲ ዘጋጠሞም ጽንኩር ኩነታት በዲሆምን፣ ዕንቅፋታት ጠሓሒሶምን ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ክቡር ህይወቶም ከፊሎም ኢዮም። ብሳላ’ቲ ዘይሕለል ቃልሲ ድማ፡ ኤርትራ ሃገርና፡ ካብ ሕሱም ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ክትከውን በቐዐት። ድሕሪ’ዚ ታሪኻዊ ዓወት’ዚ፣ ሓርነትን ፍትሕን ዲምክራስን ማዕርነትን ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ባህግን ትጽቢትን ነይርዎ። መስርሕ ህንጻ ሃገርን ዕብየቱን ከቢድ ዋጋ ዝሓትት ምዃኑ ብምርዳእ፣ ካብኡ ዝጥለብ ንዋታውን ንያታውን ኣስተዋጽኦ ንኽገብር ድሉው ነበረ። እንተኾነ ግን ካብ ከርሱ ዝወጹ ደቁ፡ ነቲ መስዋእቲ ጀጋኑ ዝተኸፍሎ ዕላማታት ሰውራና ጠሊሞም ኣብ ሃገርና ጨቋኒ ስርዓት ብምቛም፡ ኣብ መዋእል መግዛእቲ፡ ርእይዎ ዘይፈልጥ ግፍዕን መከራን ስደትን ምብትታንን ከወርዶ ፈጺሙ ትጽቢት ኣይነበሮን። ጉጅለ ህግደፍ ግን ብኣንጻር፡ ንባህግታት ህዝብናን፣ ፍትሓዊ ድልየታቱን ረጊጹ፣ ኣዕኑድ ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምትካልን ምሕያልን ዳኣ ተጓየየ። ካብ’ቲ ሰዓት’ቲ ጀሚሩ፡ ምልካዊ ጉጅለ ህ.ግ.ዲ.ፍ. መሰላትን ሰብኣዊ ክብርን ህዝብና ቀንጢጡን ንሃገርና ርግኣትን ሰላምን ከሊኡን፡ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታት ንኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘሎ ሰብ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ኢዩ።
ኤርትራ ሃገርና ካብ’ዚ ኩነታት ንክትላቐቅ፡ ንህልውን መጻእን ህይወት ሃገሩ ዝሓስብን፣ ንዕላማታት ሰውራናን ንለበዋ ስዉኣትናን ዘኽብርን ኤርትራዊ ዜጋ፡ ካብ’ዚ ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ንሓዋሩ ንምግልጋልን ዲሞክራስያዊ መተካእታ ንምምጻእን፡ ከይተሓለለ ክቃለስ ይግባእ። ካብ ሃብታም ተመክሮ ቃልሲ ህዝብና ትምህርቲ ብምቕሳም፡ ዝተረፈ ዕላማታት ሰውራና ንምምላእ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ንክዕወትን፣ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ክንበቅዕን፡ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣትይዎ ዘሎ መድረኽ ብግቡእ ብምንባብ፡ ሕድሕድ ካብ ምንቋትን ምትንዃል ወጺኦም፡ ኣብ እዋናውን ዝተሓተን ነጥበ ስምምዕ ዝተሰረተ ሓበራዊ ቃልሲ ከካይዱ ዕዙዝ ተደላይነት ከም ዘለዎ ብስም መሰረታት ክልቲኡ ውድባት ከነዘኻኽር ንፈቱ። ኣብዝሓለፈ መድረኻት ደምበ ተቓውሞ ሓቢሩ ክሰርሕ ብዘይምኽኣሉ ብዙሕ ናይ ዓወት ዕድላት ኣምሊጡና እዩ። ዝሓለፈ ክንመልሶ ዝካኣል እዃ እንተዘይተኮነ፡ ሕጂውን ናብ ዝያዳ ክሳራን ፍሽለት ኤርትራዊ ሃገራውነትን ንኸይብጻሕ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ሓባራዊ ጽምዶ ንምርግጋጽ ናይ ኩልና ጻዕርን ጽዓትን ክኸውን ዝግባእ። ከምኡ’ውን ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ከም’ዚ ዓይነት ሃገራዊ በዓላትን ሰሚናራትን ብሓባር ብምድላው ክላዘቡን ዓቕምታቶም ብሓባር ክጸምዱን ኩላህና ክንጽዕረሉ ዝግባእ ጉዳይ ኢዩ።
ኣብ መደምደምታ፡ እዚ ቦኽሪ ሓባራዊ በዓል’ዚ ንምዓዋት ኣባላት ክልቲኡ ውድባትናን መሪሕነቱን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዝርከቡ ኣባላት ክልቲኡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ተሓባበርቶምን ዝገበርዎ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከየመስገንና ክንሓልፍ ኣይንደሊን። ደጊምና ንኩላትኩም ተሳተፍቲ በዓል ሰናይ ምሸት ይግበረልኩም እንዳበልና ቃልና ኣብዚ ንድምድም። ጽን ኢልኩም ስለ ዝሰማዕኩና ድማ ነመስግን።
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና !!
ውድቀት ንምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ !
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና !
ባሕቲ መስከረም ብኩሎም ብግእዝ ዝቘጽሩ ኣህዛብ፡ ሓደ ዓመት ወዲእና ናብ ሓድሽ ዓመት ንሰጋገረላ መጀመርያ መዓልቲ ስለ ዝዀነት፡ ንመዋእል ዓመት መጸ ብኽብሪ እትጽንበል ዕለት‘ያ። ንኤርትራውያን ግን፡ ነቲ ብዓመጽቲ ዝተወስደ ናጽነትናን ዝተገፈ መሰልናን ካብ ኢድ ባዕዳውያን መንዚዕና ንምምላስ ሓቦን ሃገራዊ ኒሕን ኣስኒቓ ንወፍሪ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘበገሰት ስለ ዝዀነት፡ ድርብ ትርጉም ዘለዋ ብዓቢ ክብርን ድምቀትን እነብዕላ ዕለት እያ።
እታ ብሓደ መስከረም 61 ዝተወልዐት ጀማሪት ቊልዒ፡ ድሌቱን ባህጉን ንምርግጋጽ ዝዓለመት ምዃና ዝኣመነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘደንቕ ቅልጣፈ ኣብ ሰውርኡ ስለ ዝዓሰለ፡ ነታ ቍልዒ ናብ ዘቃጽል ባርዕ ሓዊ ኣሰጋጊሩ ክቡር ዋጋ እናኸፈለ፡ ንኩሉ ጊንጢ መሰናኽላትን ተጻብኦታትን በዲሁ ሓይሊ ምኩሓት ጸራሪጉ ብርሃን ናጽነት ብምርግጋጽ‘ዩ ብዓወት ተመጒሱ።
እንተዀነ ከም‘ቲ ዘራጊት ማይ ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ ዝብልዎ ምስላ፡ ፍረ ስዉኣትና ዝዀነት ናጽነት ብውሑዳት ሕቡእ ኣጀንዳ ዝነበሮምን ዘለዎምን ስሱዓት ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ተጨውያ፡ መኣዝና ስሒታ ብምህውታት ኣብ ክንዲ ንልምዓት ዕቤትን፡ ንዕንወትን ብርሰትን ተፈሪዳ፡ ሃገር ኣብ መዋጽኦ ዘይብሉ ሓደጋ፡ ህዝቢ ከኣ ኣብ ኣዝዩ ዘሕዝን ጉዕዞ ምብትታን ወዲቑ ኣብ ምሉእ ዕድሜኡ ርእይዎን ሰሚዕዎን ዘይፈልጥ ሕሱም ናብራ የሕልፍ ኣሎ። ተመክሮ ዕጥቃዊ ቃልስና ከም ዘነጽሮ ግን ዓመጽትን ግፍዐኛታትን ዝሃለወ ሓይሊ ወይ ዓቕሚ ይሃልዎም ብዘየገድስ፡ ብደለይቲ ፍትሒ ካብ ዝልዓል ቃልሲ ንክስዓሩ ከድሕኖም ከም ዘይክእል እዩ።
እዚ መምህርን ዋናን ናይ‘ዚ ተመክሮ‘ዚ ዝዀነ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ክትነብሮ ዘይኮነስ ኣብ ክትሰምዖ ዘሕዝን ኩነታት ተሸሚሙ እናሃለወ ፡ፍትሒ ንምምጻእ ኣብ ዝዓለመ ኣድማዒ ተቓውሞ፡ ብሓባርን ብጥዑይ መንፈስን ክለዓል ዘይምኽኣሉ፡ ንዓናስ ይትረፍ ንተዓብትና‘ውን ዘገረመ‘ዩ፡ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኰነን። እዚ ዘይኢዱ ዝተፈድዬ ጅግናን ፍትሓውን ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብዛ ሕጂ ዘለዋ ህይወት ንምውጻእ ናይ ካልኦት ሞራላዊ ሓገዝ ኣየድልዮን‘ኳ እንተዘይተባህለ ነዚ ጋኒን ስርዓት ህ ግ ድ ፍ ናይ ምልጋስ ግን ሓፍነቱ ምዃኑ ንምርድኡ ብዘየጸግም ግሉጽ መንገዲ ጥፍኣት ይጉዓዝ ምህላዉ ኣሚኑ ንለውጢ ክዕጠቕ ይግባእ።
ሎሚ ሃገር ኣብ ክትድሕነሉ ዘጸግም ገምገም ጸድፊ እናሃለወት ኣብ ማይ ቀጠነኒ ዝዓይነቱ ደቂቕን ድሕሪ ድሕነት ሃገር ክዝረበሉ ዝግባእ ጉዳያትን እናልዓልካ፡ ነንሕድሕድካ ኣብ ምውንጃል ጊዜኻ ምብኻን፡ ንመስርሕ ፍትሓዊ ለውጢ ዘደናጒን ዘይሓላፍነታውን፡ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንበሃልቱ‘ውን ኣብ ትዕዝብቲ ዘእቱ ግጉይ ኣስራርሓ እዩ።
እዚ ን26 ዓመታት ኣብ እንግድዓና ተጻዒኑ ዘሳቕየና ዘሎ ገበነኛ ስርዓት ካብቶም ብሓባራዊ ቅልጽምና ዝተሳዕሩ ባዕዳውያን ዝሓየለ ወይ ብምሕደራ ስለ ዝሓሸ ዘይኰነስ ድኹም ኣሰራርሓ ደምበ ተቃውሞ ዝመጽወተሉ ወርቃዊ ዕድል ስለ ዝረኸበ እዩ።
ካብዚ ሓቅታት‘ዚ ተብጊስካ ክርኤ ከሎ አምበኣር፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብሕሉፍ ጭካኔኡን ግዕዘይ ምሕደርኡን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብዝፈጸሞ ገበንን ሃገራዊ ብርሰትን ብሓላፍነት ክሕተት ከሎ፡ እቶም ናይ ተቓውሞ ካባ ለቢስና ንለውጢ አንዝምር ግን ከኣ፡ ካብ ወጋኢት ላም ዘይነድሕን ደምበ ተቓውሞ፡ ካብ‘ቲ ስርዓት እንፍለየሉ መንገዲ እንተልዩ፡ ተመክሮና ብግቡእ ገምጊምና ሕዱር ሕማማትና ፈዊስና፡ ኣብ ዓወት ዝወስድ መደብ ዕዮ ቀሪጽና ብሓባር ሰሪሕና ሃገር ንምድሓን ዘሎና ዕድል፡ ብዘይ ወዓል ሕደር ክንጥቀመሉ ምስ እንኽእል ጥራሕ‘ምበር፡ ካብ ተሓታትነት ነጻ ዝገብረና ሕጋዊ መሕብኢ ከም ዘየልቦ ክንፈልጥ ግድን‘ዩ።
እዛ ሎሚ እንጽብላ መበል 56 ዓመት ሓደ መስከረም እምበኣር፡ ነቲ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልስና ዝተፈጸመ ጅግንነት ዳግማይ ብምሕዳስ፡ እወ ሕጅውን ይከኣል‘ዩ ኢልና ሃገርና ካብ ውድቀት ህዝብና ድማ ካብ ክፉእ ናብራ ባርነት ንምድሓንን ሕድሪ ስዉኣትና ከነኽብር ቃልና እንሐድሰላ ዕለት ክትከውን ይግባእ።
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና
ልዑል ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ስዕረትን ዕንወትን ንስርዓታት ጭቆና።
ቅዋም ወይ ንዓኡ ተመርኲሱ ዝወጽእ ሕጊ፡ ሓደ ኣካል ክምረሓሉ ዘውጽኦ ጠማሪ መሳርሒ እዩ። እዚ ቅዋም ኮነ ሕጊ ናይ ሓባር ሸቶ ዘለዎም እኩባት ኣብቲ ሸቶኦም ንምብጻሕ ኣብ ዝጐዓዝዎ መስርሕ ጠመርቶም እዮም። እዚ ሕጊ ናትና’ዩ ዝብልዎ ወገናት ኣካል እቲ መስርሕን ተጠቀምቲ ናይቲ ዝብጻሕ ሸቶን ንክኾኑ፡ ልዕሊ ኩሉ ናይቲ ሕጊ ምእዙዛት ከኾኑ ከም ዝግበኦም መባእታዊ ተረድኦ እዩ። ምኽንያቱ ሕጊ እንተዘይተማእዚዝካዮ ኣይሕልወካን እዩ። ቅዋም ወይ ሕጊ ሓሳብ ኮይኑ ዝተርፍ ዘይኮነ ብመንገዲ’ቲ ከተግብሮ ዝምዘዘ ኣካላት እዩ ኣብ ባይታ ህልውና ዝረክብ። ንገዛእ ርእሱ እቲ ሕጊ ነቶም ከተግብርዎ ዝተሰለፉ ኣካላት ነናቶም ግቡኣትን ተሓታትነታትን ይስለዓሎም እዩ።
ሕጊ ብዘይካ’ቲ ዘተግብሮ ኣካል ወይ መሪሕነት ህልውና የብሉን። እቲ ሕጊ ዘተግብር ኣካል ወይ መሪሕነት ከኣ ነቲ ሕጊ ብውሳነታት ኣቢሉ እዩ ዘተግብሮ። ስለዚ ብውሳነታት መሪሕነት ዘይስነ ሕጊ ህያው ኣይኮነን። ኣብ ናይ ትግባረ ባይታ ከኣ ኣሰሩ ኣይረአን። በብደረጃኡ ዝቖሙ ተመራሕቲ ጨናፍር ይኹኑ ዞባታት፡ ነቲ ውሳነ መሪሕነት ገለን ብዕግበት ገለን ድማ ብጥርናፈ እዮም ዝቕበልዎ። ብመንጽር’ዚ ሕግን ውሳነ ናይቲ ነቲ ሕጊ ከተግብር ዝተመዘዘ መሪሕነትን ፈላሊኻ ዝግለጹ ተወዳዳሪ ህልውና የብሎምን። ብኣንጻሩ ናይቲ ሓደ ህልውና ንህልውና ናይቲ ካልእ ዘራጉድ ወይ ድማ ናይቲ ሓደ ዘይህልውና ናይቲ ካልእ ዘይህልውና ዘመልክቱ እዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ ሕግን ውሳነ ናይቲ ነቲ ሕጊ ከተግብር ዝተመዘዘ ሕጋዊ መሪሕነትን ነናቶም ክብደት ዕምቆትን ዘለዎም ክነሶም “ልዕልና ሕጊ ዶስ ወይ ውሳነ መሪሕነት” ዝብል ቀጥዒ ደኲንካ፡ ነንሕድሕዶም ኣጠማሚትካ፡ ንምርጫ ዝቐርቡ ኣይኮኑን። ሕግን ውሳነ ሕጋዊ መሪሕነትን ኣፋጢጥካ “ሓዲኡ ምረጹ” ምባል ጐናይ መንገዲ ምኽታል እዩ። ነዚ ግልቡጥ ኣካይዳ ዘሳሲ ኣባሃህላ ብገለ እንዳፈለጡ ዘላግሱ ወገናት ምቕራቡ ከኣ ተቐባልነት ከም ዘይረክብ ንጹር ኮይኑ፡ ንበሃልቱ ግና ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ እዩ። ከምቲ ወለድና “ኣፍንጫ ክውቃዕ ዓይኒ ይነብዕ” ዝብልዎ፡ ወይ ንሕጊ ካብ ውሳነ መሪሕነት፡ ወይ ንውሳነ መሪሕነት ካብ ሕጊ ፈሊኻ ምርኣይ ዘይሩዘይሩ “ነቲ ሕጊ ኮነ ውሳነ መሪሕነት ናብ ምጉናጽን ክልቲኡ ናብ ምስኣንን” እዩ ዝወስድ። እዚ ኣይኮነንዶ ነቲ ሕግን ውሳነ መሪሕነትን ኣወሃሂድካ ናይ ምኻድ ሃብታም ተመኩሮ ዘለዎ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝኾነ ናይ ርሑቕ ተዓዛቢ እንተኾነ’ውን ከብዱ ክበልዖ ምጽባይ ዘበት እዩ።
ኣብ መንጎ መሪሕነትን ተመራሕትን ምትሕስሳብ ኣይህሉ ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ክትተሓሳስብ እንከለኻ እውን ሕግን ውሳነ መሪሕነት እንዳጠሕስካ፡ ሓሓሊፍካ እንዳተናኸስካን ኣብ ልዕሊ ውሳነ መሪሕነት ናይ እምቢታ ቅድመ-ኩነት እንዳጻወትካን ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ “ዘበንያ ግርንቢጥስ ማይ ንዓቐብ” ዝበሃል፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ናይ “ኣነ ዝበልኩኹም ተዘይሰማዕኩም ዕደ” ግምጥልሽ ዘይንቡር ሴፍ እንዳመላሕካ፡ ናይ ሕጊ ኮነ ውሳነ መሪሕነት ተሓላቒ ምዃን ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ “ንሕጊ የኽብር እየ። ንውሳነ መሪሕነት ግና ኣይቅበልን’የ።” ብዝብል ቅኒት፡ “ልዕልና ሕጊ ዶስ ወይ ውሳነ መሪሕነት” ዝብል ዘይመራረጽ ምርጫ ምቕራብ ግጉይ እዩ። ስለምንታይ እዞም ክልተ ኣምራት ተመላላእቲ እምበር ሓዲኦም ብዘይካቲ ሓደ ህልውና የብሎምን።
እቲ ካልእ ምሁርነት ተጐልቢቡ ዝቀላቐል ዘሎ ዘገርም ዜማ፡ ካብ ግዝኣት ብዙሓትን ደሞክራስያዊ ጥርናፈን ንኽትሃድም ነዚ ደሞክራስያዊ ዓንድታት “ዕርቃኑ ወጺኡ ቀደም ዝፈሸለ ናይ ምብራቕ ዓለም (ናይ ስታሊንን ናይ ማኦን) ኣተሓሳስባ”ብዝብል ምጸት ናይ ጥሕሰት ባርኾት ምሃብ እዩ። ርግጽ እዩ ኣብ ሓደ ዛዕባ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ምብጻሕ ቀዳምነት ዝወሃቦ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተኻእለሉኸ ኣብ ስብራ ዘየብሉ ኩዳ ትነብር ማለት ድኾን ይኸውን? ኣብ መወዳእታ ወይ ውሑዳት ንድምጺ ብዙሓት እንተዘይተማእዚዞም፡ ወይ ታሕተዎት ንውሳነ ላዕለዎት እንተዘይተቐቢሎም ደኣ ጉዳያት ብኸመይ ይውገኑን ናይ መወዳእታ መልከዖም ይሕዙን መብርሂ ዘድልዮ እዩ። ምናልባት ንቁልቁል ዝኣፉ ክሳብ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ዝብጻሕ፡ ዋላ ንዓመታት ኮፍ ይብሃል ማለት እንተኾይኑ ናይ ደሓን ኣይኮነን። “ወያ ብርኩታስ እምኒ ኣላታ” ዘየብል ከኣ ኣይኮነን። ብመሰረቱኸ እቲ ብዝንቡዕ ኣተረጓጉማ ዓንቀጻት እንዳጠቐሱ “ብመሪሕነት ተጣሒሱ” ዝብልዎ ዘለዉ ቅዋም ሰዲህኤ ብመትከል፡ “ልዕልና ድምጺ ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ድምጺ ውሑዳት” ዝጸደቐ ምዃኑ ይዝክርዎዶ ይህልዉ። ኣንጻር ብዙሓት ብውሳነ ህዝቢ ዝተወገኑ ተመክሮታት ይኸዱ ከም ዘለዉኸ የስተብህሉደኾን ይህልዉ። ነቲ ወለድና ንልዕልና ብዙሓት ኣንጻር ውሑዳት ከዕዝዙ እንከለዉ “ካብ ሰባ እትነውሕ መሸላስ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ” ዝብልዎ ምስላስ የስተማቐርዎደኾን ይኾኑ። ምናልባ ጉዳያት በቲ ንሶቶም ዝብልዎ “ክሳብ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ እትበጽሕ ምቕጻል” ዝብል ብሂል እንተዝኽየድ፡ ኣሜሪካያውን ኣብ መንጎ ደገፍቲ ሂላሪ ክሊንተንን፡ ዶናልድ ትራምፕን፡ ኬንያውያን ኣብ መንጎ እህሩ ከኒያታን ኦዲንጋን ዝነበሮም ፍልልይ ብናይ ሓባር ተረድኦ ክንፈትሖ ተዝብሉስ እዘን ንኣብነት ዝጠቐስናየን ሃገራት ከመይኮን መኽዕና። እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ድማ ያኢ ኣባል ሰዲህኤ ናይ ዲሞክራስያዊ ኣተሓሕዛ ሀሁ ዘየብሉን ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ሰፊረምዎ ዘለዉ ጫካን ዘይርደኦ ኮይኑስ፡ ከነዕሽዎ ንኽእል ኢና ኢሎም መጸዋዕታ ከቕርቡ ምድንዳኖም እዩ። በዚ ኣጋጣሚ እንተላይ’ቲ “እቲ እንኮ ኣማራጺ፡ ንኹሉ ጸገማት ሰልፊ ኣለልዩን ፈቲሹን መፍቲሒታት ክናደየሉ ዘኽእል “ህጹጽ ሰልፋዊ ዋዕላ” ምጽዋዕን ምክያድን ኢዩ።”ዝብልዎ እውን ኣብ ትሕቲ ምእዙዝነት ሕግን ውሳነ መሪሕነት እምበር፡ ናብ ላዕሊ ኣንቃዕሪርካ ቅድመ-ኩነታት ብምቑላል ከምዘይኮነ፡ ክንደይኳ ከይስቆሮም ግና ኣብ ርእሲ ልቦም ነዘኻኽሮም። መሪሕነት ሰዲህኤ ህልውናን ቀጻልነትን ሰልፊ ምዕቃብ ቁጽሪ ሓደ ሓላፍነቱ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ንምርጋጽ ሕጋዊ፡ ርትዓውን እዋናውን ውሳነታት ካብ ምውሳን ድሕር ከይብል ኣብ እዋን 8ይ ኣኼባኡ ኮይና ሓደራ ንብሎ።
ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ዝቐረበ ኣስተምህሮን ምስኡ ዝተኣሳሰር ቁምነገርን
Thursday, 31 August 2017 09:47 Written by Dirar & goitom3ይ ክፋል
መተከላት ዲሞክራሲ
ኣብ ዝሓለፈ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ዝቕጽል ዘሎ ጽሑፍ፥ ብዛዕባ ገለ ካብ ዓይነታትን፥ ጽንሰ-ሓሳብን ዲሞክራሲ ተገሊጹ ነይሩ። ዲሞክራሲ ብመሰረቱ ናይ እንካን ሃባን መስርሕ ስለዝኾነ ብዝግባእ ክነጽንዖን ኣብ ተግባር ክነውዕሎን የድሊ። እንተዘይኮይኑ ክውዕየካን ብማንካ ክዝሕለካን ብኢድካ ዝዓይነቱ ኣገባብ መስርሕ ኣብ ዲሞክራሲ ቦታ የብሉን። ልክዕ እዩ ዲሞክራሲ ንኹሉ ብማዕረ ሚእቲ ካብ ሚእቲ የዕግብ ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ እዩ። ይኹን እምበር ንዲሞክራሲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ግዝኣተ ሕግን፥ ግዝኣተ ኣብዝሓን ኣኽቢርናን ተማዚዝናን ምስ እንጎዓዝ፥ ሰላም፡ ፍትሕን ናጽነትን ውሕስነት ክረክብ ይኽእል። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ግዝኣተ ሕጊ ብዘይመሪሕነት፥ መሪሕነት ብዘይግዝኣተ ሕጊ ንቕድሚት ክስጉም ይኹን ምህናጽ ምዕቡል፡ ስልጡንን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ኣጸጋሚ እዩ ክኸውን።
ካብዚ ቀጺሉ ገለ ብዛዕባ መትከላት ዲሞክራሲ ሓደ ብሓደ ምጥቃሱ ኣድላዪ፡ እዩ። ከመይሲ እቲ መትከላት ዲሞክራሲ ምስ ፈለጥና ኢና ኣብ ግብርን ሓሳብን ኣወሃሂድና ማዕርነታዊ ዝኾነ ኣዘረጋግሓ ጸጋታትን ስልጣንን ክሰልጥ ዝኽእል። እምበኣር ገለ ካብቶም መትርከላት ዲሞክራሲ እዞም ዝስዕቡ እዮም።
1-ዲሞክራሲ ኣድማሳዊ ፍሉጥ (ብሉጽ) ዝኾነ ጽነሰሓሳባን ሸቶን ኮይኑ፡ ናይ ባህሊ፥ ፖለቲካ፥ ማሕበራውን ቁጠባውን ፍልልይ ብዘየገድስ፡ ኣህዛብ ናይ መላእ ዓለም ሕብረተሰብ ኣብ ሓባራዊ ክብርታት ዝሻረኽዎ (ዝማቓርሕዎ፥ ዝከፋፈልዎ) እዩ ዝምርኰስ። ስለዚ መሰረታዊ መሰል ናይ ዜግነት ኣብ ትሕቲ ኩነታት ናጽነት፥ ማዕርነት፥ ግሉጽነትን ሓላፍነትን ምስ ግቡእ ኣኽብሮት ናይ ርእይቶታት ብዙሕነትን ንረብሓታት ናይ ፖለቲካ ክስረሓሉ ዘለዎ እዩ።
2-ዲሞክራሲ ክሰዓብ ዝግብኦ ጽንሰሓሳብን መንግስታዊ ቅድን ኮይኑ፡ በመሰረት ቅጥዒታት ንብዙሕነት ተመኩሮታት ዘንጸባርቕን፥ ባህላዊ ፍሉይነታት ምስ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸቡ መትከላትን ልምድታትን፡ ሕግታትን፡ ብዘይጻረር ዝትግበር እዩ። ስለዚ ብቐጻሊ ዝፍጸምን ኩሉ ግዜ ምልኣት ዘለዎ ሃለዋት ወይ ኩነታት ምዕብልናኡ ወይ ግስጋሴኡ ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ፥ ማሕበራዊ፥ ቁጠባውን ባህላውን ረቛሒታት ዝመርኮስ እዩ።
3- ዲሞክራሲ ከም ጽንሰሓሳብ መጠን ንጥምረት ማሕበረሰብን ምድልዳል ሃገራዊ ህድኣት ምዕዛዝን ናይ ማሕበረሰብ ቁጠባውን ማሕበራዊ ዕቤትን፥ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምጉንጻፍን፥ ንክብርን መሰረታዊ መሰላት ውልቀሰብ ንምዕቃብን፥ ንናይ ዓለምለኻዊ ሰላም ዝምችእ ሃዋህው ምፍጣርን ኣገዳሲ ቆላሕትኡ እዩ። ዲሞክራሲ ከም ሓደ መንግስታዊ ቅዲ፥ ነቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ዕላማታት ንምዕዋት ዝበለጸ ኣገባብን፡ከምኡ እውን ነብሰ መአረምታ ዓቕሚ ዘለዎ እንኮ ፖለቲካዊ ስርዓት እዩ።
4- ቅድም ቀዳድም ህላዌ ሓቀኛ መጻምድቲ ወይ መሻርኽቲ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ጉዳያት ማሕበረሰብ ምምሕዳርን፥ ካብ ፍልልያቶም ሓባራዊ ብልጽግና ዘመንጭውሉ ብማዕረን ተመላላእን ዝሰርሑ ክኸውን ከሎ እዩ ዲሞክራሲ ዝዕወት።
5-ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ብመሰረት መንፈስን ትሕዝቶን ግዝኣተ ሕጊ ዝትግበር ናይ ስልጣን በብእብረ ምስርካብን፥ ምቕባልን፥ መስርሓት ንናጻ ፖለቲካዊ ውድድር ዘፍቅድ ውጽኢት ናይ ክፉት ኣገባብን፥ ናጻን፥ ኣድልዎ ዘይብሉ ተሳትፎ ህዝቢ ዘረጋግጽ እዩ።
6- ዲሞክራሲ ካብቲ ኣብ መእተዊ ዝተጠቕሰ ናይ ዓለምለኸ መሳርሒታት ሰፊሩ፥ ዘሎ መሰላት ዘይፍለ እዩ። እዞም መሰላት እዚኦም እምበኣር ብኣድማዕነት ክትግበሩን ግቡእ ኣስራርሓኦምን ምስቲ ውልቃውን እኩብን ሓላፍነታት ዝሰማማዕ ወይ ዘይጻረር ክኸውንይግባእ።
7-ዲሞክራሲ ኣብ ልዕልነት ናይ ሕግን፡ ኣተገባብራ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተመስረተ እዩ። ኣብ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እምበር ዋላ ሓደ ልዕሊ ሕጊ የለን።
8- ሰላምን ቁጠባን፥ ማሕበራውን ባህላውን ምዕባለ ክልትኦም ተደላይነትን ፍረን ናይ ዲሞክራሲ ኢዮም። ስለዚ ኣብ መንጎ ሰላም፥ ዕቤት፥ ክብርን ኣኽብሮትን ግዝኣተ ሕጊን ሰብኣዊ መስልን ኣብ ንነሓድሕዱ ዝደጋገፍ እዩ። እዚ ባእታታትን ኣተገባብራን ናይ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ እዩ።
9-ዲሞክራሲ ኣብ ድሌት ናይ መላእ ሕብረተሰብ ምስ መሰላቱን ሓላፍነታቱን ምሉእ ፍልጠትን፥ ህላዌ ናይ ብጥንቃቐ ዝተቐረጸን ብተግባር ዝስርሕ ተካላትን ከምኡ እውን ኣካላት ናይ መምርሒታት ቅጥዕታትን እዩ ዝምርኮስ።
10- ማሕበራዊ ጥምረትን ምትሕብባር ምእንቲ ክዓዝዝ፥ ንምስሕሓባት ምሽምጋልን ኣብ መንጎ ጠለብ ናይቶም ተወዳደርቲ ናይ ፍልልይን ሓድነትን፥ ውልቃውን ሓባራውን ሚዛን ምሕላው ስራሓት ናይ ዲሞክራሲያዊ ትካላት እዩ።
11.ዲሞክራሲ ኣብ መሰል ተሳትፎ ናይ ነፍሲወከፍ ማለት ኣብ ምምሕዳር ህዝባዊ ጉዳያት ዝተመስረተ እዩ።ስለዚ ብፍላይ ኣብ ሓደ ባይቶ ናይ ኩሎም መቖሚታት ሕብረተሰብ ተወኪሎም ኣድላዪ ስልጣናት ዘለዎምን ብመገዲ ሕግን ቁጽጽርን ተግባራት መንግስትን ድሌት ህዝብን ዝገልጽ ህላዌ ናይ ትካላት ወከልቲ ኣብ ኩሉ ጸፍሕታት የድሊ።
12-ቀንዲ ባእታ ኣብ ትግባረ ዲሞክራሲ፥ ኣብ መንጎ ስሩዕ መደብ ምርጫ ንናይ ህዝቢ ድሌት ንምግላጽ ዘኽእል ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ምክያድ እዩ። እዚ ምርጫታት እዚ ናይ ኣድማሳዊ ማዕርነትን ምስጥራዊ ሕርያን ዝተሰረተ፥ ኩሎም መረጽቲ ዝውክልዎም ንኽመርጹ ኣብ ኩነት ናይ ማዕርነታዊ ክፉትን ግሉጽነትን ፖለቲካዊ ውድድር ዘበራብር ክኸውን ኣለዎ። ሲቪልን ፖለቲካዊ መሰላትን ኣገድስትን ዝያዳ ፍሉይነት ኣብ ምንጎኦም ናይ ምድማጽን ንኽትምረጽን፥ ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነትን ምእካብን ሓበረታ ምርካብን ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምውዳብን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ መሰል ኣገድስቲ እዮም። ናይ ዲሞክራሲያዊ መስርሓት ቅንዕና ምእንቲ ክረጋገጽ ሰልፊ፥ ውድብ፥ ምንቅስቓሳት፥ ፊናንሳዊን ምውላን ብዘየዳሉ ኣገባብ ግቡእ ቅጥዒ ምቁጽጻር ምዝውታር የድሊ።
13- እቲ ኣገዳሲ ዕማም ናይ መንግስቲ ንናይ ሲቪል፥ ባህሊ፥ ቁጠባ፥ ፖለቲካን ማሕበራዊ መሰላትን ናይ ዜጋታቱ ባህታን ቅሳነትን ምርግጋጽ እዩ። ዲሞክራሲ እምበኣር ምስ ውጽኢታዊ፡ ሓቀኛን ግሉጽነትን፥ ብናጻ ዝተመርጸ መንግስትን ናይ ህዝባዊ ጉዳያት ኣመሓዳድራ ተሓታትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዝኸይድ እዩ።
14- እቶም ተመሪጾም ህዝባዊ ስልጣን ዝሓዙ ይኹኑ ዘይተመርጹ ኣካላት ህዝባዊ ስልጣናት ኩሎም ብዘይፈሊ ዝዝውተር ህዝባዊ ተሓታትነት ንዲሞክራሲ ኣድላዪ እዩ። ተሓታትነት ንህዝባዊ መሰል ሓበረታ ብዛዕባ ምንቅስቓሳት መንግስቲ ናይ ምርካብ መሰልን ጥርዓንን ናብ መንግስቲ ምቕራብን ኣድልዎ ዘይብሉ ምሕደራን ፍርዳዊ መሳርሕታት ዝእረመሉ ሜላ ምንዳይ የውርስ።
15- ህዝባዊ ህይወት ብሓፈሻኡ ብስነምግባራዊ ስምዒትን ግሉጽነትን ዝተቐርጸ ክኸውንን ከምኡ እውን ንምድጋፎም ወይ ንምቕባሎም ዝሰማማዕ ልምድታትን ኣገባባትን ምምስራት የድሊ።
16. ውልቃዊ ተሳትፎ ኣብ ዲሞክራሲያዊ መስርሕን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ህዝባዊ ህይወትን፡ ፍትሓውን ኣድልዎ ዘይብሉን ዝኾነ ይኹን ምፍልላይን ከምኡ እውን ብመንግስታዊ ወይ ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ ናይ ምፍርራሕ ሓደጋ ምውጋድ ቁጽጽር ክግበር የድሊ።
17- ፍርዳዊ ትካላትን ናጻን ብሓደ ዓይኒ ዝርእን ውጽኢታዊ መቆጻጸሪ መሳርሒታት ዲሞክራሲ ዝምስረተሉ ዋሕስ ናይ ግዝኣተ ሕጊ እዩ። እዞም ተካላት እዚኦምን መሳርሒታትን ምሉእ ብምሉእ ኣኽብሮት ሕግታትን፥ ምምሕያሽ መስርሓት ፍትሓውነትን ምእራም ዘይፍትሓውነትን ምእንቲ ክረጋገጽ ብኩሎም ኣብ መሰረት ናይ ማዕርነት ከምኡ እውን ኣኽብሮት ንምምሕዳራውን ፍርዳውን ውሳኔታት ብኹሎም ኣካላት መንግስትን ናይ ህዝባዊ ስልጣን ወከልትን፥ ነፍሲ ወክፍ ኣባል ሕብረተሰብን ዝእርምሉ መእተዊ የድሊ።
18- ኣብ መስርሕ ስርዓት ደሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ህላዌ ንጡፍ በርጌሳዊ (ሲቪላዊ) ማሕበር ኣገዳስን ተደላይን ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተዀነ፡ ተሳትፎን ተራን ናይ ዓቕምን ድሌትን ዘለዎም ባእታታት ኣብ ደሞክራስያዊ መስርሓት፣ ንሳቶም ዝፈጥርዎ ምርጫታት ናይ ኣመሓዳድራን ብቐሊሉ ዝጥመት ኣይኰነን። ነዚ መሰረት ብምግባር ንዅሎም በብመሰሎም ዘሳትፍ ጥጡሕ ባይታን ምቹእ ኵነታትን ክፍጠር ኣድላይነቱ ዕዙዝ ኰይኑ፤ ዝዀነይኹንዝዕንቅፍ ወይ ዝዀልፍ ነገራት ካብቲ መስርሕ ክግለፍ ይግባእ። ንጕዕዞ ምዕባሌ ብቐዋምን ቀጻልን ዕብየት ዘውሕሱ ረቛሕታት፤ ውሽጣዊ ሓድነት፣ ማዕርነት፣ ግሉጽን መሃርን ዘረጋግጽ ሃዋህው ክሰፍን ኣድላይ ክኸውን ከሎ፣ ድንቍርና፣ ዘይተጻዋርነት፣ ትህኪትን ኣመራጽታት ዘይምህላውን ክውገዱ ዘለዎም ዕንቅፋታት እዮም። ንዝርአ ዘይምዕሩይ ምሕደራ ከም ዓሌታዊ፣ ጾታዊ ወይ ሃይማኖታዊ ኣድልዎታት ብሕጋዊ ስጉምትታት ክእረሙ ይግበኦም።
19-ቀጻሊ ዝኾነ ኩነት ናይ ዲሞክራሲ እምበኣር ዲሞክራሲያዊ ሃዋህውን ብቐጻሊ ዝዕንገል ባህልን፥ብትምህርትን ካልእ መተሓላለፊታት ናይ ባህልን ሓበረታን ደገፍ ይሓትት። በዚ ምኽንያት ዲሞክራሲያዊ ማሕበረሰብ ንትምህርቲ በቲ ዝሰፊሐ ትርጉሙን ብፍላይ ከኣ ሲቪክ ትምህርቲ ንሓላፍነታዊ ዜጋ ኣብ ምቕራጽ ህርኩት ክኸውን ኣለዎ።
20-ዲሞክራሲያዊ መስርሓት ኣብ ምቹእ ቁጠባዊ ሃዋህው እዮም ዝምዕብሉ። ስለዚ እቲ ሕብረትሰብ ከለንተናዊ ጻዕርታቱ ምእንቲ ዕቤትን ምሰረታዊ ቁጠባዊ ጠለባት ናይቲ ኣዝዩ ዝተሓረመ ከዕግብን፥ ኣብ ዲሞክራሲያዊ መስርሓት ምሉእ ውህደት ዘውሕስ ተባዕ ወይ ውፉይ ከኸውን ይግባእ ።
21- ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ናይ ርእይቶን ሓሳብካ ምግላጽን ናጽነት ዝኣምን እዩ። እዚ ናጽነት ናይ ርእይቶታት ብዘይጣልቃ ምእታው ሓሳቡ ክውንን ክሓትትን፥ ክቕበልን ሓበረታን ሓሳባትን ብመንገዲ ዝኾነ ይኹን ኣገባብ ሚዲያ ዶብ ከይዓገቶ ሓሳባት ከመሓላልፍ ወይ ከካፍል ዘኽእል መሰል እዩ።።
22= ምእንቲ ፍሉይነትን ብዙሕነትን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ምጽውዋር ሃዋህው ዝተፈለኻ ናይ ምዃን መሰል ክዕቀብ፡ ትካላትን መስርሓትን ዲሞክራሲ ንተሳትፎ ናይ ሓደ ዓይነት ይኹን ሕውስዋስ ሕብረተሰባት ዝኾነ ህዝቢ ዘቃዱ ወይ ዘወሃህድ ክኸውን ኣለዎ።
23-ዲሞክራሲያዊ ተካላትን መስርሓትን ንዘይምእኩልነት ናይ ቦታውን ዞባውን መንግስቲ ከምኡውን ምምሕዳር ከዕዝዝ ኣለዎ፥ እዚ ከኣ መሰልን ኣድላዪን ኮይኑ ነቲ መሰረት ህዝባዊ ተሳትፎ ከምዝሰፍሕ ክገብሮ ዘኽእል እዩ።
ይቕጽል
ዜና ካብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
Tuesday, 29 August 2017 06:20 Written by EPDP Information Office of North Americaትማሊ ሰንበት 27 ነሓሰ 2017 ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ኣባላት ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ኣጀንዳ ተመያይጡ፡
1) እዋናዊ ሓበሬታት፡
· ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ይካየድ ምህላዉን ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተመሓላለፈ ለበዋ ተገሊጹ
· ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናብ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ኣንቶኒዮ ኣልፋኖ፡ ኣብ ልዕሊ መዕቆቢ ዘይብሎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስድተኛታት ዝተወስደ ካብቲ ግዚያዊ መዕቆቢኦም ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ግጉይ ምዃኑ ዝገልጽ መጸዋዕታ ከምእተላእከ ተሓቢሩ።
· ብዛዕብ’ቲ ብዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣሜሪካ ነበር እተላእከ ፐቲሽን ብዕምቆት ተመያይጡ። ኣብ’ቲ ናይ ኽታሞም ኣንቢሮም ብምባል ቀሪቡ ዘሎ ኣስማት ስሞም ዘሎ ኣባላት መብርሂ ሂቦም። ንኣብነት ሓው ተኽለ ኪዳነ ካብ ሚኒሶታ፡ ኣብ መትከለይ ምስ ሰልፈይ ኣለኹ። ብዘይፍቓደይ ኢዮም ስመይ ኣእትዮሞ ክብል ገሊጹ። ሓው ብኢደ ንጉሰ ካብ ጨንፈር ዲ.ሲ. ድማ እቶም ኣባላት ጨንፈር ዲ.ሲ. ኢሎም ኣስፊሮሞም ዘለዉ ኣስማት፡ መብዛሕትኦም ንመንበሪ ወረቐት ክረኽቡ ገለ ካብኦም ቅድሚ ዕስራ ዓመት ተመዝጊቦም ዝነበሩ ምዃኖም ኣብሪሁ።
2) ናይ ጎሽጓሽ ሽማግለ ናይ ስራሕ ጸብጻብ ኣቕሪባ። ክሳብ ሕጂ መዝገብ ኣባላት ምጽራይ ከም ዝተሰላሰለን ብሕጂክስራሕ ዘለዎን ብንጹር ኣብሪሃ።
3) ናይ ገንዘብ ንኡስ ሽማግለ ናይ ስራሕ መደባታ ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጽ ስርሓ ብዕቱብ ኣብ ሓድሽ መዝገብ ኣባላት ተመርኲሳ ክትጅምር ምዃና ኣብሪሃ
4) ናይ ዜናን ዲፕሎማሲን ሽማግለ መደባታ ብዝርዝር ኣቕሪባ። ብዘይካ’ቲ ምስ ኣብ ከባቢና ዘለው መንግስታውያንን ገበርቲ ሰናይን ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራን ክስርሓሉ ዘለዎ ዝምድናታት፡ ኣብ ምምካት ተጻባእቲ ሰልፍና ኣትኲራ ክትጽዕት ኣባላት ኣተሓሳሲቦም።
5) ንምስንባት ኣባል ዝምልከት ዓንቀጽ 4.5 ቅዋምና ኣልዒሉ ብዕምቆት ዘትዩ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
28 ነሓሰ 2017
እቲ ናይ ወትሩ ሓያል ባህገይ፣ ባህጊ ቀትሪ ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ኣብ ናይ ወትሩ ለይታዊ ሕል መይ ኣብ ምዃን እውን በረኸ። ካብ ባህጊ ናብ ሕልሚ ካብ በረኸ፣ ካብ ሕልሚውን ኣብ ሕዱር ሕማም ከይቅየር ንዝብል ስክፍታይን ሻቅሎተይ ድማ ሰማየ ሰማይ ኣዕረጎ። ክገርመኩምሲ! ካብ ለይትታት ሓንቲ ለይትስ፣ ከም ልዑል ረስኒ ኣህተፍተፈኒ ድኣ! እዋን ድቃስ ስለዝኣኸለ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ካብቲ ዘድክመንን፣ ዘሐልለንን ዘጨንቐንን ናይ ቀትሪ ዕማማተይን መደባተይን ተናጊፈ፣ ኣብታ ተገምሲሰ ሩፍታ ክረክብ ብምብሃግ፣ ኮበርታይ ተጎልቢበ፣ ከምወትሩ ናብ ዓራተይ ተደርበኹ። ካብ ቀዝሒ ኖርወይ ኣብ ውሻጠ ገዛይን ኣብ ውስጠ ውሽጢ ዓራተይን ተጎዝጒዘ ምስ ተዓቖብኩ ድማ፣ ከም ኣብ ሑቕፊ ኣዲኡ ዝማመቖ ሕጻን፣ ቀልጢፉ ከቢድ ድቃስ ወሰደኒ። ኣብ መንጎ በጥ ምባለይን ምድቃሰይን ዝነበረ ግዜ ብካሊኢት ዝቑጸር ኣምበር ደቂቕ እኳ ዝመልእ ኣይነበረን።ካብቲ ኣላሽ ዘብለኒ ናይ ጉልበትን ሓንጎልን ስርሓተይ በታ በጥታ ስለዝተናገፍኩን፣ ኣብቲ ማሙቕዓራት ኣካላተይ ናይ ዕርፍቲ ግዜ ኣስተማቐረ። ዕርፍቲ ሓንጎለይ ግን ኣይከምትጽቢተይን።
ሕልሚ ኣብ ህይወተይ ጋሻ ኣምርኳ ኣንተዘይኮነ፣ ብኡ ንብኡ ምስ ባህገይ ዝተኣሳሰርን ጭንቀት ዝበለሎ ሕልሚ ሓሊመ ክብህርርን ግን ናይ መጀምርያን ሃንደበታውን ነበረ።ነታ ንክርእያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኽውንናውን ኢለ፣ እኩል ምስተረፉ ዝኾነ ዝትመንን ዘይትመንን ዋጋ ዝኸፈልኩላ ኣስመራይ፣ ናይ ሕልሚ ናጽነተይ ተጎናጺፈ፣ ከም ልበይ ድኣ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዓንደርኩላ። ኮምብሽታቶ፣ ኣባ ሻውል፣ ጨርሒ፣ ዕዳጋ ሓሙስ፣ ገዛ ከኒሻ፣ እንዳ ማርያም፣ ሓዲሽ ዓዲ፣ ገዛባንዳ ጥልያን፣ ገዛባንዳ ሓበሻ፣ ቀሓውታ፣ ጎዳይፍ፣ ሰምበል፣ ቪላጆ፣ ፎርቶ፣ ኣኽርያ ማይተመናይ ,፣ ኩሉ። እንታይ እሞ ክብለኩም! ተፈራሪቑኒ ሕንቕንቕ በልኩ! ናይ ሓሶት ወረን ቤላበለውን ከይኮነኩም፣ ውቃበ ኣስመራና ተደዊኑ፣ እቲ ቀደም ምስ ግርማኣ እንከላ ለይትውን ከም ቀትሪ ዝነበረ ቀትሪውን ናብ ለይቲ ተቐዪሩ፣ ይዋእኩም እዩ፣ ከላእ ደኣ ትርኣዮ! እቲ ዝርካቡውን ኣብ ሓደ ቦታ ጥራሕ ተግጸንቂቁቑ ረኺበዮ። ኣብኣ፣ ኣብኣ ኣብታ ሓንቲ ሓደና! ትማሊ ናይ ገዛእቲ ሎሚ ናይ መለኽትን በጻሕትን ጎደና! ጎደና
ሓርነት ከኣባ ሰመይዋ! ብጀካ ስልጣን ምልኪ ዝሓዘን ባጠራን ወጅህን ወጻኢ ዝወነነን ወዲባት ምስ መበቆላዊ ወጅሁን ኳ ኢኻ ዘይትረኽበላ። ንሱእንዶ ግዳ ይትረፈና፣ ውቃበ ኣስመራናስ ብዓንተቡኡውን ብርሃጽና ስለዝመጸ፣ ሕጅውን ብጻዕርና ምተመልሰ። ዘጕህየንስ እባ እቲ ጽንቃቕ ኣውን ከየትረፈ በኒኑ ዝጠፍአ ኤርትራዊ መንፈስን ፍሕሽውታን፣ ክቡር ባህልታትን ነበረ። ኣብ ዝረገጽኩዎ ኑቕጣ ጎፍ ዝበለኒ ሰብ ብኣልማማ ገጹ ዝተደወነ፣ መንፈሱ ዝበነን፣ ተስፋ ዝቖረጸ፣ ካብ ክቱር ዕብራን ብቀዛፊ ሕማም ንነዊሕ ግዜ ዝማህመነ ዝመስል ሰውነት ዝመስል ሰውነት (ዝድምሰስ) ዝወነነ ይመስል። ወረ ጸኒሐስ መሸማዕ ስርናይ ካናዳ ዝመስል ከርሸተይ ሒዘ፣ ኣብ ሞንጎቲ ህዝቢቲ ምዛረይሲ እንዳ ኣሰከፈኒ መጸ። ኣብ ጉዕዞ ሕልመይ ግን፣ ሓደ ግዜ ኣብኣ በታ ጎደና ሓርነት ሲቲ ፓርክ ሓሊፈ፣ ናብታ ዘዕርፈላ ዝነበርኩ ሕንጻ ኒያላ ሆተል ገጸይ ኣንዳመረሽኩ፣ ካብ ዳርባ እምኒ ብዘይርሕቅ ርሕቀት፣ ናባይ ገጹ ዝምርሽ፣ ብጀካቲ ዝወደዮ ክዳን፣ ብግዝፊ ሰውነቱ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ኣዩ ኢልካ ክትኣምኖ ዘጸግመካ ሰብ ርአኹ።
ነቲ ጋሕታን ኣካይዳኡን ጃምቦ ሰውነቱን ምስተዓዘብኩ ድማ፣ እዝስ ካብዞም ብሃምቡርገር ኣመሪካ ዝተሃንጸ ኤርትራዊ በጽሒ ኢዩ ዝኸውን ኣብ ምባል በጺሐ። ናባይ ኣንዳቀረበ ምምጽኡን፣ ንሱውን ናባይ ኣተኵሩ ምጥማቱን ድማ ነቲ ሃውታቲ ግምተይ ዝያዳ ኣሃውተቶ። ምጥማት ስለዘብዝሓለይ ድማ፣ ጎፍ ኣብዝተበሃሀልናሉ ህሞት፣ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ኣዩ ዝኸውን ብምባል፣ ሃይ ጋይ! (Hi guy!) በልኩዎ። መዛርብትን ብግዝፊ ኣካላት ዝመሳሰለንን ሰብ ረኺበ ኢለ ተሃዊኸ ቀዲመዮ ድኣምበር፣ ንሱውን ደው ከብለኒ ወሲኑ ነይሩ።
ንሰላምታይ ብሰላምታ ክቅበለኒ እንዳተጸበኹዎ፣ ኢዱ ናባይ ሰዲዱ በጥ ኣበላሞ፣ ነቲ ካብ ክቱር ምትካኽ ከንፈር ጻሕሊ ዝመስል ከናፍሩ ከፊቱ፣ ሽጋራ! በለኒ ትሕትናን ላዛን ብዝጎደሎ ኣገባብ። ሰምበድኩ! ኣብ ምሉእ ህይወተይ ምስ ሽጋራ ተላሊየ ኣይፈልጥን። የብለይን ኢለ ረጎጸዮ ከይሓልፍ ኣውን ኣሰከፈኒ። ኣብ ጥቓና ዝኾነ ድኳን ስለዘይነበረ ድማ፣ ናይ ጃኬት ጁባይ ሃሰስ ኢለ፣ ነቲ ብሓንሳብ ተጠቕሊሉ ዝነበረ ገንዘብ ምስቲ ብላዕሊ ዝነበረ 200 ዶላር ኣመሪካ ብሓንሳብ ኣትዒተ ኣውጻኩዎ።
ንዑኡ ዝምጽወት 50 ናቕፋ ሃሰስ እንክብል ድማ ዓቀንን ባጠራን ዝሓዝኩዎ ገንዘብ ኩሉ ልቢ ኣውዲቁ ጠመቶ። ኣብ መወዳእታ፣ ተዓዊተ 50ናቕፋ መሰስ ኣቢለ መጦኹዎ ሞ ሕጅውን ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ከይኮነ ኣይተርፍን ካብዝብል ሃውታቲ ግምተይ ከይተናገፍኩ ባይዘወይ ወር አር ዩ ፍሮም ” (By the way where are you from?) ክብል ሕቶ ኣስዓብኩሉ።
ብግቡእ ተረዲኡኒ። ” ካብ ጸጸራት፣ ጽሉል ጽሉል ”፣ ኢሉ መለሰለይ እሞ ንቅድሚት ብግስ በለ።
ጋን ተሰራሕኩ። ብዝኸዶ ከይቀጸለውን ግልጽ ኢሉ ጠመተኒሞ፣ ” ንስኻኸ ወር ኣር ዩ ፍሮም? ” ክብል ሓተተኒ።
ዝሰምበድኩዎ ስንባደ ክነግረኩም ኣይክእልን። ስንባደይ ዊሒጠ፣ ዕውረተይ ተጎልቢበ ለካስ ኣዚ ኩሉ ሰውነት ብሃምቡርገር ኣመሪካ ዝተሃንጸ ዝበልኩዎስ፣ ብመደንዘዚ ኪኒና ጸጸራት ዝበዅሰለ ኣዩ! ትሩፍ ደጊም! ኢለ ምረሻይ ክቕጽል ብግስ በልኩ።
ነባሪ ጸጸራት እየ ኢሉ ዝተላለየኒ ጎበዝ ግን፣ ገዲፉኑ እንዳበልኩ፣ ንናይ ንቅድሚት ስጉምትታቱ ኮሊፉ፣ ናባይ ግልጽ በለሞ፣ ስማዕ ስማዕ በለኒ ድምጹ ዓው ኣቢሉ። ናይ ንቅድሚት ስጉምትታተይ ኣቋሪጸ፣ ናብኡ ግልጽ ብምባል ደው በልኩ።ንሱውን ናባይ ተመልሰ። ብሰሪ ግርህነተይ ኩሉ ገንዘበይ ስለዝረኣዮን፣ ጽሉል ስለዝኾነን ሓደጋ ኮይኑ ከይወርደኒ ብምስጋእ፣ ኣይገበርኩዎን ደኣምበር፣ ሃዲመ ነፍሰይን ገንዘበይን ከድሕን ክፍርጥጥ ተደናዲነ። ተራእየኩምዶ ኣብ ጎደና ሓርነት ብጽሉል ተሃዲነ እግረይ ኣውጽእኒ ክብል !! ካብ ቀዳማይ ህውተታት ዝገደደ ህውተታ።
ንሱ ግን ቅርብ ኢሉ፣ ” ዓርከይ ንስኻኸ ወር ኣር ዩ ፍሮም? ” በለኒ፣ ንትግርኛ እንግሊዘኛ ቃላቱ ሰሓቅ ኣሰኒዩ።
” ካብ ኦስሎ ኖርወይ፣ ትፈልጦ ዲኻ? ” በልኩዎ። ንሱ ግን ” ኣይፈልጦን፣ ክፈልጦውን ዕድል የብለይን። ተጸሊለ እየ። ግን ክነግረካ፣ ምምጻእካ ጽቡቕ፣ ንዓይኳ ናይ ሽጋራ ሂብካኒ፣
ንሃገርካ ነበር ኤርትራ እሞ ከመይ ረኺብካያ፣ በለኒ ክምስ እንዳበለ በቲ ተካኽ ኣፉ።
ጽሉል ተመሲሉ ትሕዝቶ ጁባይ ዝፈለጠ ሕጅውን ብመልሲ ናይዛ ሕቶ ንትሕዝቶ ልበይ ብምፍላጥ ንህይወተይ ኣብ ሓደጋ ከየውርደኒ ብዙሕ ተሰከፍኩ። ዕሽሽ ንኸይብሎውን ከይጥሕረኒ ፈራህኩ። ቀልጢፈ ግን ነታ ዓሻደየ ኣነ ኢትዮዕጵያ ትቅደም ዝብል በለ ኤርትራዊ ጽሉል እትብል ብሂል ዘከርኩ። ናይ ጽሉል ብልሒ ተኸቲለ ድማ ዓሻደየ ኣነ ኣብ ማእከለ ኣስመራ ኮይነ ዓድና ሕማቅ ኣላ ዝብል ብምለት፣ እዋእ ዓድና ድኣ ብጣዕሚ እምበር ጽቡቅ ኣላ፣ ክብል ሓቁ ንውሽጠይ ሓቢአ፣ ዝጥበር መሲሉኒ ንድሕነት ነፍሰይ ክብል ሓሶኹ። ወዩ ጽሉል ተመሲሉ ዝሰርሕ ናይ ህግደፍ ዋህዮ ከይከውን ዝሰጋእኩዎ ጃምቦ፣ ጽሉል ተመሲሉ ዝሰርሕ ዋህዮ ህዝቢ ነይሩ። ንመልሰይ ምስ ሰምዐ፣ እህህህህህህህህህህ! እህህህህህህህህህ! ኣንታ ስምዕዎ ዝብል ዘሎ፣ ነዛ ብዝናብ ሰማያት ዘይኮነስ ብንብዓትን ደምን ደቃ ዝጨቐየት ሃገርሲ ብጣዕሚ ጽቡቅ ኣላ ይብል ኣሎ፣ ክብል ናይ ስምዑለይ ረኣዩለይ ዓው ኢሉ ጨደረ።
መዓልቱ ሰምበት ስለዝነበረ፣ ካብ ክቱር ስምባደ፣ ድምጸይ ኣትሒተ እንታይ ዓይነት ጸላም ሰምበት እያ ወደይ ክብል፣ ሰንበት መዓልትስ ከምዚ ዓይነት ተረኽቦ ብማልት ኣማረርኩ።
ወዮ ጽሉል ሕጅውን ሰሚዑኒ፣ ንዓኻ ሓንቲ ጸላም ሰምበት፣ ህዝቢ ኤርትራ ግን ምስ ህግደፍ ጸሊም መዋዕል የሕልፍ ኣሎ፣ ኣይትርእይን እንዲኻኸ! ሰምበት መዓልቲ ኣብ ሕምብሪቲ ኣስመራ ጎደና ሓርነት ካብዚ ኩሉ ህዝባ ሓደ ኣነ ጽሉልን ሓደ ናይ ኖርወይ ጋሻን ጥራሕ ክንቀሳቀሱ! ክብል ደጊሙ ገሰጸኒ። ኩሉ ኣጊሙኒ ኣብ ቀባሕባሕ ኣቶኹ፣ ተደሃልኩ። ብውሽተይውን ብኻባ ሽጋራ ምስ በለኒ የብለይን ኢለ ጠንጢነዮ ሓሊፈ፣ ኣብ ምባል በጻሕኩ። ንሱ ግን ሕጅውን ሰሓቁ እንዳቀጸለ፣ ነዛ ዘረባኻ ካብ ልብኻ ኣንቂልካያ እንተኾንካ ንስኻ ካባይ ንላዕሊ ጽሉሉ ኢኻ፣ ከም ወዲ ኣፈወርቂ ድማ ተበላጻይን፣ ጨካንንኢኻ፣ እንተደኣ ካብ ዓንቀርካ ኣንቂልካያ እንተኾንካ ግን ናይ ጎረሓት ገበርካ በለኒ።ኣንታ እወ ከምኡ እዩ፣ ኪደለይ ጥራሕ በልኩዎ መንገደይ ክቅጽል እንዳፈተንኩ።
ገጢመኪ ሎኹ ወዲ ኖርወዪኖ፣
ግን ከይወዓልካ ከይሓደርካ ቀልጢፍካ ናብ ኖርወይካ ተመለስ፣ ኣይኮነን ግን ከማይ ተጸሊልካ ኣድራሻኻ ጸጸራት ከይከውን፣ ኣብ ዓዲ መጸለል ኢኻ መጺእካ ዘሎኻ፣ ካብ ኩሉውን ከኣ ናይ ሽጋራ ዝልግሱልናውን ከይንስእን”፣ ኢሉኒ ማእዝኑ ከይሰሓተ ንቅድሚት ክኸይድ ብግስ በለሞ፣ ገለ ዝተረፈ ሓሳብ ስለዝነበሮ እንደገና ንድሕሪት ምልስ ኢሉ፣ ብሓባሪት ጽብዒቱ ናብቲ ገንዘብ ዝሓዘ ጅባይ እንዳ ሓበረ፣ ”ድሓር ኣብዚ ዓዲ ሊዕሊ 3000 ናቅፋ ኮነ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ጁባኻ ምሓዝ ከም ዘይፍቀድ ኣይፈለጥካን ዲኻ፣ እዘን ግሩሽካ ኣሳቢቦም ከይህግርወን .” ኢሉኒ ንቅድሚት ተበቆጸ። እዚ መስተንክር ዝኾነ ካብ ጽሉል ሓንጎል ዝመንጨወ ረዚን መልእኽቲ ሓዘል ምኽሪ ኣዝዩ ስለዘጨነቐኒ፣ ካብ ድቃሰይ ባህሪረ ብቅጽበት ብድድ ስለዝበልኩ፣ እቲ ናይ ሕልሚ ነጻነተይ ኣብኡ ተኾሊፉ ኣብቀዐ።
ነገሩ ኣርሚሙኒውን ኣብቲ ናይ ሕልሚ ነጻነትን ጭንቀትን ዝዓደለኒ ዓራተይ ተገብሲሰ እንከሎኹ፣ ብየማናይ ኢደይ ትእምርተ መስቀል እንዳገበርኩ፣ በስመኣብ ዎወልዲ ዎመንፈስ ቅዱስ በልኩ። እታ ሽዑ ብሪራ ዝጠፍአት ልዋመይ እውን ደሃይ ኣልቦ ተሸሪባ ተሪፋ። ኣይ ካብ ልዋም ኣይ ካብ ውጽኢት ልዋም ዝኾነ ናይ ሕልሚ ናጻነተይ፣ ወረ ኣይ ካብቲ ረዚን ዋጋ ዝኸፈልኩሉ ናይ ወትሩ ባህገይ ለጣ ስለዝተረፍኩ ድማ፣ ዳግማይ ንምጭባጦም ሃሰው ክብል እርከብ ኣሎኹ።

