ነቲ ቀንዲ ዘምጻኣኒ ሓሳብ ዝድግፍ ኣብነት ብምቕዳም ክጅምር፡  ሓደ ግዜ ኣብ ብራስል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዚወዓልናሉ ሓደ ኣባል ፓርላማ ከምዚ በለና--------``ኣብ ኤውራጳ ክትዕወቱ እንተደሊኹም ኣብ ዘዘለኹምዎ ዓዲ ነቲ ህዝቢ ኣብ ጎንኹም ኪከውን ከተረድእዎን ክትከስብዎን ኣለኩም፡ ምኽንያቱ ኸኣ ዝኾነ ውሳኔ ብድምጺ ናይ ህዝቢ ስለዝኸውን ህዝቢ ኣብ ጎንኹም ኣምጽእዎ በለና። ---- `` ኣብ ጀርመን መን ኢዩ እቲ ህዝቢ ዝባሃል  ዘሎ እንተዳኣ ኢልና ጉዳይና ኤርትራዊ ስለዝኮነ፡ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮኑስ  ጀርመናውያን እውን፡ ኣብ ሽወደን ኣንተኮይኑ እውን ሽወደናውያን ወዘተ-- ክሶብዎን ኣብ ጎንኹም ክኾኑን ኣለዎም ማለቱ ኢዩ።  ስለዚ ብዓቢኡ ንኤርትራውያን ጥራሕ ኣይኮናን ከነረድእን ክንከስብን ዘሎና እቲ ንነብረሉ ዘሎና ህዝቢ እውን ኣብ ጎንና ከነምጽኦ ቃሊሲ ዝሓትት ኢዩ። ኣብ ኤውሮጳ ብዘይጥርኑፍ ኣገባብን ሳላ ግዱሳት ሲቪክ ማሕበራትን ውድባትን ውልቀሰባትን ብመጠኑ ተቃውሞና ገለ ዓወታት እውን ተመዝጊቡ ኢዩ፡ ግን እኹል ኣይኮነን።

 ኣብ ነፍስወከፍ ከተማ ኩሉ ዓይነት ህዝባዊ ምንቅስቃሳት ኣሎ፡ ኩለን ምንቃስቃሳትን ማሕበራትን መንግስታዊ ባጀት ኣለወን። ኣብዚ ምንቅስቃሳት ምክፋል ትመሃረሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ብግቡእ ኣንተደኣ ሰሪሕካሉ ዝተፈላለየ ሓገዛት እውን ትረኽበሉ ኢዩ። ናይ ተቃወምቲ ሽግር ግን ኣብ ክንዲ ተጠርኒፎም ዝቐርቡ፡ በበይኖም ስለ ዝቀርቡ ተቀባልነቶም እውን ኣዕጋቢ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ህግድፍ ተጠርኒፎም ብናይ ሓሶት ኣስማት ሕዝባውያን ማሕበራት ኣብ ኩሉ ኣለዉና ስለዝብሉ፡ ብስም ኩሉን ካብ ኩሉን ኸኣ ሓገዛት ይረኽቡ፡ ሕጋውነት ዝሓለወ ክመስለሎም ድማ ብምሁራት ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝዳሎን ኢዩ፡ ተወሳኺ ብህግድፍ ገንዘባዊ ምወላን ዘለዎ ኢዩ።

ህዝባዊ ዕላማ ንምዕዋት ካብኮነ ስራሕና እምበኣር፤ ፍርቂ ቃልሲ ዝባሃል ስለዘየአለን  ንህግድፍ ንምምካት እንተደኣ ኮይኑ ዋኒንናን መሊእካ ንምምካት ሃየ ንበራበር ንበገስ። 

እተን ብህግድፍን ዝምርሓ ህዝባዊ ምንቅስቃስ  ዝበሃላ ናይ ሓሶት  ምንቅስቃሳትን ኣገባብ ዝጎደለን  ተበግሶታትን ብሓቀኛ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት ከነቅውም ንሕጂ ጥራሕ ዘይኮነ ንጽባሕ እቲ ስርዓት ምስተኣልየ ከይተረፈ ክንቅጽሎ ዘሎና ኢዩ። ህግድፍ ኣብ ኩለን ከተማታት ናይ ሓንቲ ሃገር ሓገዝ ይረኽቡ።  እዚ ኸኣ ብናይ ሓሶት ጥርናፈ ዝበጽሑዎ ኢዩ።

ንመልከት ናይ ስራሕ ዕማማት፠፠፠.  ንነፍስወከፍ ከተማ-----ኣብ ቀጻሊ ኸኣ ብሃገር ደረጃ

1.ናይ ህግድፍ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሃማድኤ  ኣብ ምሉእ ዓለም  ብሓንቲ ስም ይጎዓዛ  super ግን ናይ ሓሶት ማሕበር  ኢዩ---- ናይ ተቃወምቲኸ   ዘይጥርኑፍ  ማእለየ ዘይብለን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮታት ዘለዎ ፍረ ኣየምጽእን  ስለዚ ብሓንቲ ስም ዝጽዋዓ ዓለምለኻዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ የድልየና ኣሎ

2. መንእሰየት ኣብዚ እውን እንተኾነ ህግድፍ ሃንቲ ጥምርቲ ናይ ሓሶት ማሕበር ኣላቶም። ደለይቲ ፍትሒኸ  ሓንቲ ዓለምለኻዊት  ማሕበር መንእሰያት የድልየና ኣሎ።  ትርጉምን  ዕማምን ናይ ማሕበር መንእሰያት ዘይርድ ኦም ውሑዳት ኣይኮኑን፡፡ ሕቶ መሰል ደቂ ኣንትዮን መሰል መንእሰያትን መሰል ተመሃሮን ወዘተ…..ብህዝቢ እምበር ብሰልፍታት ብውድባት ዝስራሕ ኣይኮነን።

3.Lobyisten  ቋንቋ ናይታ ሃገር ዝኽእሉ ን ዝተማህሩን ኣብ በተመንግስትን ዝተፈላለያ ቤት ጽሕፈታት  ከይዶም ንደለይቲ ፍትሒ ክውክሉ ዝኽእሉ ብሓደ ሽነኽ፡ ካልኣይ ከኣ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝዓበዩ  በቲ ዝርድ ኦም ቋንቋ ብወብ  (Website) ብጽሑፋትን ዘረድ ኡ ናይ ፖለቲካ ምሁራት የድልዩና ኣለው ኣብነት ናይ ጽላል ዓዲ እንግልዝ ምውሳድ ኣኻሊ ኢዩ። ህግድፍከ እወ ስራሕና ኢሎም ኣብ ዘዘልውዎ ከተማ ተለኣኣኽቲ ኣለውዎም። ነታ ባንዴራ መግለጺ ኪልተ ገጽ ዝኸውን ብኹሉ ቋንቋታት ኣለዎም ሃየ ንበራበር፡ ኩሉ ዓይነት ናይ ሓንጎል ምሕጻብ ወፈራታት እውን ይርከቦ።

4. ምሕበር ተማሃሮ እዚ እውን ካብ ኤናሰኤ ኢሉ ዝጀመረ ህግድፍ ክሳብ ሕጂ ብኻልእ መልክዕ ይቅጽልዎ ኣሎ ዉ ደለይቲ ፍትሒኸ
5. ጉዳይ ረድ ኤት እውን ኣብ ነፍስ ወከፍ ከተማ ኣሎ፡ ብኣጻብዕቲ ዝቁጸሩ ደለይቲ ፍትሒ ንኣብ ሱዳንን ኣብ ኢትዮጵያን ዘለዉ ዝተሓጋግዙ ምስጋና ይግብኦም  ኣብ ኩሉ ከተማታት እንተተጠርኒፍና ፡ ቁርሲ ቡን ምኣኸሎም፡ ኣብ ክንዲ እቶም ውሑዳት ግዱሳት ወግሐ ጸብሐ ኣብ ምልማን ዝኣትዉ፡ ካብ ኤርትራውያን ጥራሕ  ዘይኮነ ካብ ብዙሓት ገበርቲ ሰናይ እውን ሓገዝ ምስተረኽበ.---ህግድፍከ ኣበይ የውዕልዎ ይህልዉ፡ ወይስ መኽፈሊ ኣምባሳደራቶም  ወይ ከኣ መመወሊ ናይ Eri Blood!!!

6.ኣብ ሃገርና ቀንዲ ዝተረስዑ ጉዳይ ሽማግለታትከ   መሰሎም እንታይ ኢዩ ፡ ንኣብነት ኣብ ጀርመን ንሽማግለታት ንጥሮተኛታት ዝተመደበ ባጀት ክህሉ ኸሎ ናይ ሽማግለታት ጉዳይ ዝግደሱ ደለይቲ ፍትሒ ግን ኣይተራእዩን ስለዚ ናይ ሽማግለታት ማሕበር እውን ከድልየና ኢዩ። ምኽንያቱ ንመነባብራኦም ክንሕግዞም እንተዘይካኣልና‘ውን ተራኺቦም ዝዘናግዑሉን ሓሳባቶም ዝለዋወጥሉን ባይታን ቦታን የድልዮም እዩ።

7.ጉዳይ ቖልዑ---- ህግድፍ ከምህሮም ዘሎ ዓቅምታቱ  ክገብር እንከሎ፡  እታ ሃገር ዝበለጸትን ዝለምዔትን ገይሩ ከረድኦም  ንህግድፍ ከምልኽ ከሎ ካብሕጂ እቲ ሓቂ ከነፍልጦም እነተዘይፈቲትና ጽባሕ ንክመልሶም ክንሽገር ኢና ስለዚ ደቕና ከነምህር ዓቢ ዕማም ኢዩ

8.ጉዳይ ሰላማዊ ሰልፊ--------- እዚ እውን ጉያ ጉያ ኣይኮነን ሰብ ተረዳሉን ትኸስበሉን ፡ ነቲ ህዝቢ ናይቲ ዘለኻዮ ሃገር ህዝቢ ከይተረፈ ኣብ ጎንኻ ኣምጺእካ ምሳኻ ከምዝስለፉ ምግባር መጽናዕቲ ዘድልዮ፡ ናይሰላማዊ ሰልፊ ክኢላታት (Proffessionals)  ዝሓትት፡ ብዝተፈላላየ ጽሑፋት ዝስነ ፡ ሰብ ነቲ ጽሑፋት ኣንቢቡ ኣብ ጎንኻ ክመጽእ ከም ዝኽእል ዝገብር ኢዩ። ስለዚ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ስራሕ ዕማም ከተድሊ ኢያ። ሰላማዊ ሰልፊ ከመይ ይካየድ ብዙሕ ጽሑፋት ኣሎ ምውካስ ኣድላዪ ኢዩ። ጸርፊ ግን ኣካል ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣይኮነን።

9. ህዝባዊ ውክልና ኣለዎ ክበሃል እታ ቀዳመይቲ ክትግበር ዘለዋ ዝኾነ ምንቅስቃስ  ብትግርኛን ዓረብኛን ከምኡውን ናይቲ ንነብረሉ ሃገርን ምስ ዝኽውን  ምስ ዝኽውን ገለ ነቲ ኣቃውማ ሕብረተሰብና ዝገልጽ ኢዩ፡ ስለዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ።

10.ኣብ ሕይወት ናይ ሓንቲ ሃገር ክትካፈል ናይ ስፖርትን ስነጥበባውያን ደረስትን ማሕበራት እውን ዝተፈላለየ ሓገዛት ስለዘለዎ ንመንፈስ ናይቲ መንእሰይ እውን ሞራል ስለዝኾነ ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኢዩ ንህግድፍ ቀንዲ መስሪሒኦም።  ገለ ካብቲ ክንገብሮ ዝግባኣና ጠቂሰ ኣለኹ ለባማት ክውስኽሉ ኤማሕጽን።

ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ ኢዩ ኣብ ህዝባዊ ዘተ ነዚ ዝተፈላላየ ዕማማት ዘካይዱ ደለይቲ ፍትሒ ተራኺቦም ገለ ፍረ ከምጽኡ ዝኽእሉ፡ ድሕሪ ዘተ ኸኣ ናይ ስራሕ መደባት ሒዞም ክምለሱ ዝኽእሉ። ኣብ ቀጻሊ ጉዕዞ ናይተን ጽላላት እቶም ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጥቅሱ ናይ ስራሕ ዕማምት ወከልቲ ተራኺቦም ፍረ ዘለዎ ዕማማት ክገብሩን ንህግድፍ ክምክትዎን ቀሊል ይኾነልና። እነተዘየሎ ተዛሪብካ እሞ እንታይ ኣምጺእካ ከይከውን ነገሩ። ኣይኮነን ተፈላሊናስ ተኣኪብናው  እውን እንተኽእልናዮ ኢዩ።

ኣብ ስራሕ እንተተጸሚድና ነቲ ዝፈላልየና ጊዜ ኣይክህልወናን ኢዩ፡  ናይቶም 16000 ደለይቲ ፍትሒ ናይ ጀኖቫ ምዝካር ጥራሕ ኣኻሊ ኢዩ። ዝተዛተናዮ ውሑድ ኣይኮነን ክሳብ ሕጂ ግን ዘረባ ጥራሕ ኮይኑ ኢዩ ተሪፉ።

ክንዕወት ኢና
ተስፋይ ባይረ
ሓምለ 2017

ኣሳናዳኢ ሽማግለ ናይቲ ሓቢርና ንቃለስ፡ ምልኪ ክድምሰስ ኣብትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ካብ ዕለት 04 ክሳብ 06 ነሓሰ 2017 ኣብ ፍራንክፎርት ንኽካየድ ኣብ ምድላው ዘሎ ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ብዕለት 07.07.2017 ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ዕላማ ናይቲ ኣኼባ መስርሕ ምድላው ንምግምጋም ኮይኑ፡ ብክፍለ ስራሓት ፈስቲቫል ንዝቐረበ ምሉእ ሓበሬታዊ ጸብጻብ ሰሚዑ። በዚ ድማ ተክኒካውን ምምሕዳራውን ዕማማት ፈስቲቫል ኣብ ፍጻመ በጺሑ ምህላዉ ርእዩ። ኣብ መስርሕ ምምላእ ንዘለዉ ዕማማት ድማ ኣብዝሓጸረ መዓልታት ክከናወኑ ዝኽእሉ ናእስቱ ጉዳያት ምህላዎም ተገንዚቡ።

ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017፡ ካብ ጀርመናውያን ሰልፍታት Mrs. Angela Hanisch ተወካሊት ሓምለይ ሰልፊ BÜNDNIS 90/DIE GRÜNEN Mitglied der Stadtverordnetenversammlung; Vorsitzende des Ausschusses für Umwelt und Sport.

ካብ FDP ሊበራላዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፍ Mr. Stefan von Wangenheim stellvertretender Fraktions vorsitzender so wie bildungs; integrations; und kulturpolitischer Sprecher der FDP-  ክሳተፍዎ ከምዝኮኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

 ብዘይካዚ፡ ኣቦ-መንበር መድረኽ ሃገራዊ ዘተ፡ ምንቅስቓሶም ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017 ክሳተፍ ከምዝኮነ እውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

መደብ ፈስቲቫል 2017፡ ዓርቢ ዕለት 04.08.2017 ሰዓት 12፡30 ከምዝጅምርን ብፍላይ ድማ ሕብስቲ ዲሞክራሲ/ዲሞክራሲ ብተግግባር ዘርእስቱ ንመቐረትን ብጽሒትን ዲሞክራሲ ኣብ ዜጋታት ዘመልከተ ኣስተምህሮ ካብ ሰዓት 15፡00 ክሳብ 18፡00 ክልተ መማህራን ክቕርብዎ ተዳልዮም ምህላዎም ተተሊሙ ኣሎ። ናይዚ መደብ ኣስተምህሮ ብደረጃ ህዝብና ቀንዲ ተጠቃሚ ኩሎም ዜጋታት ከምዝኾኑ ርዱእ ኮይኑ፡ መንእሰያት ብፍላይ ክሳተፍዎ ድማ ብዝላዓለ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017፡ ምትእስሳር መንእሰያት ሰዲህኤ ዘዳለዉዎ ንህልዊ ኩነታት መንእሰያትን፡ ትጽቢት ደምበ ተቓውሞን፡ ፍታሓቱን ዘመልከተ ድራማታትን ተዋስኦን ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ከምዘቕርቡን፡ ወጽዓ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብሓፈሻ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያ ካብዘጋጥሙ ብድሆታት ዝገልጽ ኣብ ፈስቲቫል ዝቐርብ ምህላዉ እውን ተረጋጊጹ ኣሎ።

ዝርዝር መደባት ፈስቲቫል ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ኣከታቲልና ከነቕርብ ኢና።

ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017፡ ፈስቲቫል መላእ ደለይቲ ለውጢ ኣብ ምግባሩ ተሳትፎ ናይ ኩሉ ግዱስን ግድስትን ዜጋታት ዝሓትት ስለዝኮነ ኣብ ዝካየድ መኣዲ ዘተን ልዝብን ብሓባር ንምስታፍ ደጊምና ንዕድም።

ኣሳናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል

ኣብ ኤርትራ ንሓደስቲ ምዕባሌታት ዝምልከት ብመንግስቲ ዝድረስ ኣገደስቲ ፖሊስታት ምስ እንምልከት፡ ኤርትራ ሃገር ዘይኮነት ናይ ሓደ ሰብ ድኳን`ያ ክትብላ ብኹሉ መለክዒታት ርትዓዊ እዩ። ኣብ ዲሞክራስያውያን ስርዓታት መራሕቲ ወከልቲ ህዝቢ ብምዃኖም፡ ዝወስድዎ ውሳኔ ይኹን ሓድሽ ፖሊሲ ንግዙፍ ክፋል ህዝባዊ ድልየት ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ። መስፈሪ ፖሊሲታት ምልካውያን ስርዓታት ግን ብኣንጻሩ፡ ረብሓ ናይቶም ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ውሑዳን ወይ ውን ቀጻልነት ናይቲ ስርዓት ምርግጋጽ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ምቕራጽ ፖሊሲታት ኣብ ምልካውያን ስርዓታት፡ ውረድ-ደይብ ዘይብሉ ልሙጽ መስርሕ እዩ። ኣብ ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት ከምኡ ውን ሓደ ሰልፋዊ ስርዓታት፡ እቲ ወተሃደራዊ ትካል ኣብቲ ቐዳማይ፡ እቲ ሰልፊ ኸኣ ኣብቲ ካልኣይ ኣብቲ መስርሕ ክሳተፍ ስለዝኽእል እቲ ፖሊሲታት ብተዛማዲ ስፍሕ ዝበለ ተሳትፎ ክህልዎ ይኽእል። ኣብ ውልቃዊ ምልካዊ-ስርዓት (personalist dictatorship) ከም ስርዓት ኢሰያስ ግን፡ ሃገራዊ ፖሊሲ ሓደ ሰብ ዝደራሲኡ መጽሓፍ`ዩ።

ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ዝምድናታት ምስ እንዕዘብ፡ ኣብተን ረብሓ-ህዝቢ ማእከል ዝገብራ ዲሞክራስያውያን ሃገራት፡ ቀልጢፍካ ዝድምናታት ምብታኽን ወይ ውን ኣብ መንጎ ዝተገራጨዉቲ ወገናት ቀልጢፍካ ምስ ሓደ ምውጋን ልሙድ ነገር ኣይኮነን። ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብ ድሕሪ ዘጋጠመ ዲምፕሎማስያዊ ምስሕሓብ፡ ገለ ሃገራት ነቶም ወገናት ነቲ ሽግር ብልዝብ ክፈትሕዎ ክላበዋ እንከለዋ፡ ካልኦት ሃገራት ግን ወገን ክወስዳን ንሓደ ክዂናን እየን ተራእየን። መንግስቲ ኤርትራ ውን ህቦብላ ናይቲ ቅልውላው ኣጸቢቑ ከይዓረፈ እንከሎ፡ ምስ ስዑድያ ምውጋኑ`ዩ ገሊጹ። መንግስቲ ቐጠር ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሮ ዘምድና ኣዝዩ ጥቡቕ እዩ ኔሩ። ተደጋጋሚ ዑደት ኢሳያስ ናብ ቐጠር ብስራሕ ይኹን ብሕክምና፡ ቐጠር መንጎኛ ናይቲ ምስ ጅቡቲ ዘጋጠመ ሽግር ክትከውን ምቕባልን ካልእን ገለ ካብቶም ምልክታት ጥቡቕ ዝምድናታት ክልቲአን ሃገራት እዩ ኔሩ። ቅድሚ 2015፡ ኤርትራ ምስ ኢራን ኣዝያ ጥቡቕ ዝምድናታት መስሪታ ብምንባራ ዝድምናታት ኤርትራን ስዑድያን ዝሕቱል እዩ ኔሩ። ስዑዲ ጥቡቕ ዝምድናታት ስርዓት ኢሰያስ ምስ ኢራን ኣይተዋሕጠላን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኤርትራ ንተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን ትድግፍ ውን ኢላ ወቒሳ ኔራ እያ። ኤርትራ ሑቲ ምድጋፍ ደው ከተብሎ፡ ኢራን ነቶም እትድግፎም ናይ ሑቲ ተቓለስቲ ንምድጋፍ ንኤርትራ ከም ባይታ ከይትጥቀመላን ካብ ዝብል እምበኣር፡ ስዑዲ-ዓረብ ዝርርብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ግድነት ኮና።

 ኢሳያስ ናብ ስዑዲ ከይዱ ምስ ንጉስ ሰልማን ክራኸብ  እንከሎ ብማዕከናት ዜና ተኸታቲልናዮ። ነዊሕ ከይጸንሐ ከኣ፡ እቲ ንሑቲ ይድገፍ ኣሎ ተባሂሉ ዝውቀስ ዝነበረ መንግስቲ  ኤርትራ፡  መሬቱ ናብ መደበር ናይቲ ብስዑድያ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣንጻር ሑቲ ቀየሮ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣንጻር ሑቲ ሰራዊት ሰዲዱ ተባሂሉ ክሕመ ውን ሰሚዕና። ኢሳይያስ  ኢራንን ሑትን ኣፋንዩ ምስ ስዑድያን ኢማራትን ተላፈነ። ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከም ሕብርዎ፡ እዘን ሃገራት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ መደበራት ክሰርሓን፡ ነቲ ስርዓት ከኣ ብገንዘብ፡ ነዳድን ካልእ ናይ ህንጸትን ወፍርን መብጽዓታት ኣትየናሉ ይርከባ። ስዑድያን ኢማራትን፡ ዝለመሰ የእጋር ናይቲ ስርዓት ከሕውያ ዝኽእላ’ኳ እንተዘይኮና፡ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ መዓሙቕ ተነጽሎ ናብ ቁሩብ ንፋስ ዘለዎ ቦታ ክወጽእ ግን ምርኩስ ኮይነንኦ እየን ማለት ኣይኮነን። መንግስቲ ኤርትራ ምስ ስዑዲ ወጊኑ፡ ንቐጠር ክጓኒ ምውሳኑ፡ እዘን ሃገራት ተኺለናሉ ዘለዋ ኢንፍጅን ማዕረ ክንደይ ንቐጻልነቱ (ንግዚኡ ይኹን) ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ።

ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ንዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ከም ምጡጥ ጂኦግራፊካዊ  ኣካለን እየን ዝእየኦ። ኣብቲ ዞባ ዘጋጥም ነገር ክጸልወን ስለ ዝኽእል፡ እቲ ዞባ ሰላም ሰፊንዎ ክርእያ ድልየተን እዩ። እቲ ቐንዲ ዓንዲ-ሕቆ ቑጠብአን ዝኾነ ነዳዲአን በዚ ዞባ እዩ ዝሓልፍ። ኣብቲ ዞባ ዝገብርኦ ምትእትታው ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ነዳዲ ተረኺቡ ናብ ዕዳጋታት ዓለም ክሽየጥ ድሕሪ ምጅማሩ ኣገዳስነት ቀርኒ-ኣፍሪቓ ነዘን ሃገራት ክብደት ወሲኹ እዩ። በብወገነን እምበኣር፡ ብፍላይ እተን ዓበይቲ ሸየጥቲ ነዳዲ ዝኾና ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከም ስዑዲ-ዓረብ፡ ነቶም ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዝርከቡ ሓይልታት ወይ ሃገራት ገንዘባዊ ድጋፍን ኣጽዋርን እንዳሃባ ጽልውአን ክዕርፋ ይፍትና ኔረንን ኣለዋን። እቲ ኣብ ስግር ናይዚ ዞባ ኣብ እትርከብ ሃገረ የመን ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው፡ነቲ ዛሕቲሉ ዝነበረ ርክብ ናይዘን ሃገራት ኣብቲ ዞባ ኣነጣጥፊዎ እዩ። ስዑድያ ኣብታ መዳውብታ ዝኾነት ቀይሕ-ባሕራዊት ሃገረ የመን ንታሪኻዊ መጻልእታ ዝመስል ሺዓ ዝእምነቱ ብኢራን ዝድገፍ መንግስቲ ክትከል፡ ብፍጹም እትጻወሮ ነገር ኣይኮነን።

እዚ ዘባህርር ሲናርዮ ከይገሃድ እምበኣር፡ ስዑድያ ኩሉ የእማን ክትፍንቅል ግድነት እዩ። ኤርትራ ተቋዳሲት ጸጋታት ስዑዲ-ዓረብን ኢማራትን ክትከውን ዝገበራ ጅኦግራፊካዊ ቅርበታ ናብ የመን እዩ። ሑቲ ተሳዒሮም ኣብ የመን ብሱና ዝምራሕ መሓዛ ስዑዲ-ዓረብ ዝኾነ መንግስቲ ድሕሪ ምምስራቱ ግን ኣገዳስነት ኤርትራ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ኣይክኸውንን እዩ። ልክዕ እዘን ሃገራት ብቐይሕ ባሕሪ ዝመላለሳ ናይ ንግዲ መራኽበን ካብ ሸፋቱ ባሕሪ ንምሕላው ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ መደበር የድልየን እኳ እንተኾነ፡ እቲ መደበር ኣብ ሶማል ወይ ውን ጅቡቲ ክገብረኦ ይኽእላ እየን። ተገላባጢ መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ንኤርትራ ንኸይመርጽኣ ክገብር ይኽእል እዩ። ኩነታት ሶማል ተረጋጊኡ፡ ሽፍትነት-ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ ወይ ውን እዘን ሃገራት መራኽበን ብኻልኦት ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ወተሃደራዊ መደበራት ክሕለዋ ምግባር ውን ካልእ ኣማራጺ እዩ።

ረብሓ ውሑዳት ዝማእከሉ መንግስቲ ክሳብ ዝሃለወ፡ ስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ንኤርትራ ሎሚ ብኢራን፡ ጽባሕ ብቐጠር ድሕሪኡ ስዑዲ፡ ብድሕሪኡ ውን ብኻልእ ዘርከበ ዘርብሕ ወገን እትሕረስ ግራት-ፈረቓ ክገብራ ባህርያዊ እዩ። ኣብቲ ዞባ ሰላምን ርግኣትን እንተዝሰፍን ግን፡ ነቲ ብተነጽሎ ዝሳቐ ዘሎ ስርዓት ኢሰያስ መገላበጢ ባይታ ኸሊኡ፡ ንፍታሓዊት ኤርትራ ዝግበር ቃልሲ ውን ኣቃላጣፊ ባሩድ ምኾኖ ኔሩ።

ሰባት ዘመሳስሎም መምዘንታት ከም ዘለዎም ርዱእ ኮይኑ፡ ዝፈላለይሉ እውን ብዙሕ እዩ። ካብቲ ዝፈላለይሉ ገሊኡ ተፈጥሮኣዊ ክኸውን እንከሎ ባዕላቶም ዘማዕብልዎ’ውን ኣለዎም። ጾታን ካልኦት ዝኣመሰሉን ናይ መንነት መግለጽታት ተፈጥሮኣዊ እዮም። ትምህርቲ፡ ሃብቲ፡ ተመኩሮን ተሰማዕነትን ከኣ ብትምህርቲ ወይ ብተመኩሮ ዝጥረዩ እዮም። ሰባት በቲ ዘለዎም  ዝድህሰስ ኮነ ዘይድህሰስ ዓቕሚ ክነየቱን ክሕበኑን ዝተለምደ እዩ። እንተኾነ እቲ ሓቀኛ ዘሕብንስ ነቲ ዓቕሚ ምውናኑ ዘይኮነ ብኣኡ ተሓጊዝካ ብዝምዝገብ ውጽኢት እዩ።

እዚ  ሰባት ዝሕበንሉ ዓቕሚ ኣብ ሓድነት፡ ምጽውዋር፡ ህዝባዊ ልግስን ምክብባር ክውዕል እንከሎ ሃናጺ እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ምብትታን፡ ዘይምኽኑይ ኒሕን ትምክሕትን ክውዕል እንከሎ ኣፍራሲ እዩ። ኣብ ባህልና ሓደ ዝወነንካዮ ዓቕሚ ኣብ ጠቓሚ መዓላ ምውዓሉ እንተዘይክኢልካ “ኣይእ ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ብዝብል ውሕሉል ላዛ እዩ ዝንቀፍ። ሰባት ነዚ ዝተጠቕሰ ዓቕሚ ብግቡእ ምሓዞምን ዘይምሓዞምን ናይ መጀመርያ መምዘኒ ጸቢብ ኣነነት ወይ ዕጉስ ንሕናነት እዩ። ንኣብነት ሃብቲ ዘለዎም ወገናት ብሃብቶም ተመኪሖም ነቲ ክንዲ ናቶም ሃብቲ ዘይውንን ከነኣእስዎ እንከለዉ ናይ ውድቀቶም ምልክት እዩ። ኣነ ብዓቕመይ ንሱ’ውን ብዓቕሙ ዝብሉ ግና መንገዲ ሓቂ ዝሓዙ እዮም። ዝተማህሩ ኮኑ ዝተመኮሩ ከኣ ኣብ ኩሉ መዳያት “ኣነ ጥራይ እየ ገባርን ሓዳግን” ብዝብል ትዕቢት ተሰንዲሖም ብዘይካይ ካልእ ዘድምዕ የለን ክብሉ እንተጀሚሮም እዚ’ውን ካልእ ናይ ውድቀቶም መባእታ እዩ።

ኣብ ባህልና ከምዚ ዓይነት ትምክሕቲ ቅቡል ኣይኮነን። ወለድና ዘንጊ ሓቅን ቀያሪ ዓቕምን ኣብ ኢድ ምሁራትን ሰብ ካልእ ዓቕምን ጥራይ ከምዘይትርከብ ክገልጹ እንከለዉ “ካብ ምህሮ ኣእምሮ” ይብሉ ነይሮም። እዚ ኣበሃህላዚ “ትምህርቲ ኣየድልን” ናብ ዝብል ከቕንዕ እንከሎ ጐዳእን ክእረም ዝግበኦን እዩ። ኣብቲ ዘይተማህረ ኣካል  እውን ሓቂ፡ ሓቅን ልቦናን ኣሎ ዝብል ሓሳብ ክሓዝል እንከሎ ግና ቅኑዕ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቶም ንዋትን ትምህርትን ኣለና ኢሎም ዝስንድሑ እንተተቐቢለምዎ ዓብይ ትምህርቲ እዩ። ሃገር ኮነ ካልእ ፖለቲካዊ ውዳበ ናይ ኩሎም ተዋሳእቱ ኣካላት እምበር ናይ ውሱናት “መን ከማና” በሃልቲ ኣይኮኑን። ብፍላይ ኣብ ከምዚ ንሕና ንርከበሉ ዘለና ቃልሲ ንፍትሕን ግዝኣተ ሕግን እቲ ቅድሚት ክመጽእ ዝግበኦ “መን እዩ?” ዘይኮነ “ዕምቆት ኣተሓሳስባኡ ክሳብ ክንደይ ሕጋውን ፍትሓውን እዩ?” ዝብል እዩ ክጐልሕ ዝግበኦ። ምኽንያቱ ናይ ሎሚ ኣተሓሳስባ ንናይ ጽባሕ መተካእታ መሰረት ስለ ዝኾነ።

ሓደ መስተውዓሊ፡ ትምህርቲ በይኑ ብቕዓት ከምዘይኮነ ክገልጹ እንከለዉ “ዲግርን ዲፕሎማን ናይ ሰነፋት ዋልታ እዩ” ክብሉ ዝሰማዕኩሉ ኣጋጣሚ ኣሎኒ። እቶም ከምኡ ዝበሉ ብትምህርቶም ዶክቶር እዮም። ንኣድላይነት ትምህርቲ ዘይኣምንሉ ነይሮም እንተዝኾኑ ኣብዚ ደረጃዚ ኣይመበጽሑን። ስለዚ መልእኽቶም ትምህርቲ “ምሁር እየ” እንዳበልካ ትምከሓሉን ተሽካዕልለሉን ወይ ድማ፡  ንገርሀኛታት ናብ መንገዲ ዕንወት እትመርሓሉን ዘይኮነ፡ ብተግባር ኣርኢኻ ውጽኢት እትሓፍሰሉ እዩ ክብሉ ስለ ዝደለዩ እዮም። ዝያዳ ንምብራህ ከኣ፡ መንግዲ ሓቂ፡ ፍትሕን ሓልዮትን ምስ ሓዝካ እዚ ብዛዕባኡ ንዛረበሉ ዘለና ዝድህሰስ ኮነ ዘይድህሰስ ዓቕሚ ኣድማዒ ግደ ከም ዝህልዎ ዝሰሓት ኣይኮነን።

ኣብ ከምዚ ነካይዶ ዘለና “ውዳበ ሓይሊ እዩ” ብዝብል ብሂል ዝጽሎ ቃልሲ እትውንኖ ዓቕሚ ቀያሪ ክኸውን ዝኽእል ክውደብ እንከሎ እዩ። ምውዳብ ከኣ ናይ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣባል ምዃን ማለት ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ኣባሉ ዝኾንካሉ ትካል ዝምረሓሉ ኩሉ ሕግታትን ቀጥዕታትን ምኽባርን ብኣኡ ምምእዛዝን እዩ። እዚ እትዋሰኣሉ ውዳበ፡ ሕግታቱ ኣብ እተኽብረሉ ዓቕምን ክብደትን ይውስኸልካ እዩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ሳላቲ ዝዋስእሉ ውዳበ ዝረኽብዎ ዓቕምን ተሰማዕነትን ናቶም ብሕታዊ ዝናን ካብቲ ውዳበ እንተወጹ እውን ምስኣቶም ለቒቑ ዝኸይድን ይመስሎም እዩ። ካብዚ ግጉይ ግንዛበ እንዳነቐሉ ከኣ “ዝበልኩኹም እንተዘይገርኩም ከምዚ ክገብር እየ፡ ከምዚ ክፈጥር እየ” እንዳበሉን ዘይቆርጽ ሴፍ እዳመዘዙን ከፈራርሑ ይፍትኑ። እዚ ሓቂ መሲልዎም ነዞም ባዶ ትዕቢተኛታት ዘቀባጥርሎም ወገናት’ውን ኣይስኣኑን። እዞም ትዕቢተኛታት እቲ ሓቂ ዝርድእዎ እምበኣር ሕማቕ መዓልቲ ውዒሎም ካብቲ ሓይልን ዝናን ኮይንዎም ዝጸንሐ ውዳበ ክወጹ እንከለዉ እዩ። ንሳቶም ጥራዮም እዮም ዝኸዱ። ናይቲ ውዳበ ዓቕምን ኣርማን ምስ ምሉእ ክብደቱን ክብሩን  ኣብቲ ቦታኡ እዩ ዝተርፍ። ካለኦት ነቲ ኣርማ ኣልዒሎም ከኣ ይቕጽልዎ። እቲ መስርሕ ከምኡ ኢሉ ክሳብ ዓወት ይቕጽል። እታ በትሪ ሓቂ ከኣ እንተገደደስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን እያ።

ወዲ ሰብ ካብ ጸሓይ ዘጽልለሉ፥ ካብ ዝናብ ዘዕቅለሉ ክምህዝን ክበላሓትን ህርድግ እዩ ዝብል። ምስቲ ዘጋጥሞ ኩነታት ክዋሳእን ዝረብሓሉ ፍታሕ ከናድን ድማ ናይ ግድን እዩ። ንኣብነት ቀደም ከምዚ ሎሚ ከይማዕበለ ወዲ ሰብ ኣብ በዓቲ ወይ ኣብ  ትሕቲ  ዕሙር ቁጽሊ ዘለዋ ዓብይ ኦም እዩ ካብ ጸሓይ ዘጽልልን ካብ ዝናብ ዘዕቅልን ዝነበረ። ከይዱ ከይዱ ግና ምስ ግዜ እናማዕበለ ኣብ ኣባይቲ ምስራሕ ገጹ ኣድሃበ። ቀጺሉ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ዝጐዓዘሉ ጽላል ዝበሃል መሃዘ። ስለዚ እዛ ሃገርና ኤርትራ ከምቲ ሓቢርና ብደምና ዘምጻእናያ ናይ ሓባር ጽላልን መዐቀሊትን ኮይና ክትቅጽል ንኹሉ ጸገማታ ክንብድህ ክንጽዕር ኣሎና።

ሃገርና ኤርትራ ደጊም ካብ ተኸታታሊ ሓይልታት መግዛእትን ጎበጣን ተላቒቓ እነሆ ህዝብና “ኤርትራዊ ኢየ” ኣብ ዝብለሉንን ብኤርትራዊ መንነቱ ዝሕበንን ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ነጻ ወጺኣ ክንሳ ህዝባ ግና ሓራ ኣይወጸን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ይኹን እምበር መሮር ውዒሉ፥ ወይ ኣብ ስደት  ይኹን ኣርሒቑ ዝነበረ፥ ሃገር ኣላትኒ ክብል ዘሕፍሮ ነገር የለን። ሃገር ናይ ኩሉ ስለዝኾነት ከኣ ንኹልና ብማዕረ ከምትብጸሓና ክንገብራ ብዛዕባኣ ጻዕሪ፡ ምዕብልናን ፖልቲካዊ ልቦናን የድልየና።

ምስ’ዚ ተተሓሒዙ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ሕብረተሰብ ሓደ ዓሌት፥ ብሄር፥ ሃይማኖት፥ ቋንቋን ባህልን ዘለዎ ዘይኮነስ ብዝሑነታዊ እዩ። ስለዚ ነታ ሃገር ዝሕልው በበይኑ ዘይኮነ ናይ ዓሌት፥ ብሄር፥ ሃይማኖት፥ ባህልን ቋንቋን ብዝሑነቱ ተደማሚሩ እዩ። ነዚ በበይኑ ዝመስል ማሕበራዊ፥ ባህላዊ፥ ቁጠባውን ፖለቲካውን መሰላት ብግቡእን ምስ ዝህነጽ እቲ ሓባራዊ መንነት ዝስረተሉ ይኸውን። ንሱ ከኣ ኤርትራውነት እዩ። እቲ ኤርትራውነት ኣብ ዓሌት፥ ብሄርን ሃይማኖትን ተመርኲሱ ኣይኮነን ነቲ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነት ዝምስርቶ። ብኣንጻሩ ኩሉ እቲ ዝተፈላለየ ናእሽቱ ስምዒታት ተደማሚሩ ኣብ ሓደ ብቅዋም፥ ትካላትን ሃገራዊ ምትእስሳር ወይ መላግቦ ዘለዎ ጥሙር ህዝቢ ይኸውን። እዚ ስሙር ህዝቢ እዩ ከኣ ብዝሰርሖ ታሪኽ፥ ማሕበራዊ ጉዳያትን፥ ዝምድናታትን ናይ ሓባር መንነት ክፈጥር ዝኽእል።

እቲ በበይኑ ሕብረተሰብ ካብቲ ናእሽቱ መንነታት ወጺኡ ኣብቲ ምስቲ ካልእ ሕብረትሰብ ዘተኣሳስሮ ቀንዲ ሃገራዊ ኣጀንዳ ዝተኮረ ክኸውን ይግባእ። እዚ ማለት ንመሰላት ናይ ኩለን ብሄራት ይኹን ሃይማኖታትን ባህልን ምክፍፋል ቁጠባን ምምቕራሕ ስልጣንን ብዘይሃሲ ንክኸውን ጻዕርን እምንቶን ኩሉ ዜጋ ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ሃገራዊ መንነትናን ሃገራዊ ኣተሓሳስባናን ምስቲ ግላዊ ናእሽቱ መንነታት ክተኣሳሰርን ብኡ ክቕየድ ዘይኮነስ ንሱ ክኸብረሉ ብዝኽእል ቅዋም ምሕንጻጽን ኣገዳሲ እዩ።

ኣብዚ ብሓባር ዝምስረት ቅዋም ተመርኲስና ናይ ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣተሓሳስባ ክንህንጽ እምበር  ብናይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ወይ ቀቢላ ስምዒት ክንጸብብ ኣይግባእን። ነቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ንጎኒ ምግዳፍ ኣብ ንጅምረሉ እዋን  ካብቲ ዘቀራርበናን ንኹልና ዝተሓቛቚፍን ሃገራዊ መንነትና ዘትርር ኣጀንዳ ወጺእና ኣብ ዝፈላልዩናን ነቲ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነትና ዝሃስን ዝጐድእን እዩ ክኸውን። ኣብ ከምዚ እዋን እዚ ከኣ እዩ እቲ ኣተሓሳስባና ዝዝረግ እሞ ብስም ናይ ብሄር፡ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ኣቢልና ንስልጣን ይኹን ምምሕዳር ምጭባጥ ከም መሳርሒ ንጥቀም።  እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምብትታን ገጽና ወይ እውን ነናይበይንና ኣተሓሳስባ ኣብ ምጥራይ ንወፍር።  

ሽዑ ካብዚ ነቒሉ እቲ ክስታናይዶ እስላማይ፥ መተሓትዶ ከበሳ፥ ብዝሒዶ ዋሕዲ ዝብል ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ገርና ኣብ ምጥቃም ገጽና ንኣቱ እሞ ካብ ሕጊ ወጻኢ ክንከይድ ንጅምር። ከምዚ ሕጂ ዘሎናዮ ዘይምትእምማን ከኣ ንቕድሚት ከምዘየሰጉምና ካብ ብሕጂ ተረዲኢና ልዕሊ ኩሉ ንሃገራዊ መንነትና ዘዕዝዝ ጠመተን ኣመለኻኽታን ክህልወና ግዴታ ምዃኑ ክንርዳእ የድሊ።  ስለዚ ካብቲ ንኹልና ዝጠምረና ሃገራዊ መንነት ንፍልልያትና ኣዕዚዝና ብምርኣይን ኣብኡ ምንባርን ኣወጊድና ነቲ ሃገራዊ መንነትና፡ ቅዋም፡ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ክትመሓደር እንደልያን እንብህጋን ሃገርና ኤርትራ ብሓድነትና ኣቢልና ንኹልና እተጽልለሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝያዳ ክነተኲር የድልየና።

ካብዚ ተበጊስና እታ እነጽልለላ ናይ ሓባር ሃገር፡ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ብዝያዳ ኣብ ሕብረተሰብ ክሰፍንን ክንመሃሮን ክንጽዕር ኣሎና። ምስ’ዚ እቲ ናይ ጾታ፡ ሃይማኖትን ብሄርን መሰል ኣድልዎ ብዘይብሉ ማዕርነት ክሕሎ ኣለዎ። ነዚ ናይ ማዕርነት ኣተሓሳስባ ከኣ ብተግባር ክንፍጽሞን ክንከላኸለሉን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሓላፍነትን ግዴታን ምዃኑ ምእማን ከድልየና እዩ። ነዚ ፈሊጥና ኣብ ሓቅን ቅንዕናን ተመርኲስና ንሓባራዊ ሃገራዊ ራኢ ምእንቲ ከነጥሪ ክንጽዕር ይግበኣና። በዚ ኣቢልካ ዕብለላ፥ ውድድርን፥ ጥርጠራን ክውገድ ይከኣል እሞ እታ ሃገር ናይ ኩልና ክትከውን ትኽእል። ካብዚ ብምንቃል ኣብቲ ንኹልና ዘርብሕን ዘጽልልን ሃገር ክንመሓደረሉ እንኽእል ስርዓት ብቕንዕና ተበጊስና ተሓላቕነትና “ንመላእ ሃገረይን ህዝበይን” ዝብል ክኸውን ኣለዎ።

ስለዚ ንኹልና እተጽልለናን እትሓቊፈናን ሃገር ክንምስርት ወይ ክንሃንጽ እንከሎና ኣብ ውልቃዊ ረብሓታትን ስምዒታትን ምቅድዳም ዘይኮነስ፡ ንጠቕሚ መላእ ሕብረተሰብ ኢና ክንሓስብ ዘሎና። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ በዓል ብርኪ ምዃኑ ኣሚንና ፍትሓዊ ዝኾነ ኣገባብ ሒዝና መንገድና ኩሉ ተጠቃሚ ዝኾነሉ ከም ዝኸውን ምሕሳብን ምትግባርን ማለት እዩ። እዚ ከኣ ዕርቂ ምስ ነፍስና ገርና ነዛ ሃገር ንምድሓንን ንምህናጽን ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ናጻ ኮይና ኣብ ሓቀኛን ቅኑዕን መንገዲ ንሰለፍ።

ትርጉም ቤ/ጽ ዜና ሰዲህኤ

ሃገረ ቐጠር ሰራዊታ ካብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ክትስሕብ ድሕሪ ምውሳና፡ መራኸቢ-ብዙሃን ብቑልጡፍ እየን ነቲ ውሳኔ ምስቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ከተሓሕዝኦ ዝተሰምዓ። ነቲ ኣብ ወሽመጥ-ዓረብ ዘጋጠመ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ብዝምልከት ኤርትራን ጂቡትን ምስ ስዑዲ-ዓረብ ድሕሪ ምውጋነን ገለ መዓልታት ጸኒሓ`ያ ቐጠር ሰራዊታ ክትስሕብ ዝወሰነት። ካብዚ ተበጊሰን ከኣ`የን መራኸቢ-ብዙሃን ንውሳኔ ቐጠር ምስቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ወሽመጥ ዓረብ ከተሓሕዝኦ ዝተራእያ።

ምስሓብ ሰራዊት ቐጠር፡ ብሓርፋፍ ከም ውጽኢት ናይቲ ቅልውላው ጌርካ ክርአ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ እቲ ቅልውላው ካብ ዝጅምር ቐጠር ንነገራ ብኸመይ ክትኣልዮም ከም ዝጸንሐት ምስ እንምልከት ግን እቲ ሓቂ ብኣንጻሩ እዩ ዝኸውን። እቲ ቅልውላው ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ቐጠር ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ብስዑዲ-ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝዘነበ ናይ ዘመተን ጸለምን ወፍሪ ክትምልሰሉ ኣይተራእየትን። ከም የርዳኖስ ዝኣመሰላ ሃገራት ምስ ቐጠር ዘለወን ዝምድና ከዛሕትላ እንከለዋ፡ ቐጠር ከም ግብረ-መስሊ ነቶም ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ኣብ መሬታ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ሰራሕትኛታት ከም ዜጋታት ዮርዳኖስ፡ ጸበባ ዝፈጥረሎም ስጉምቲ ክትወስድ ኣይተራእየትን።

ኣብ ኣቡ-ዘቢ ዝርከብ መንገዲ-ኣየር ቐጠር ክዕጾ እንከሎን፡ ላዕለዎት ሰራሕተኛታት ናይቲ መንገዲ-ኣየር ንምግልታዕ ክቃልዑ እንከለዉን`ውን ቐጠር ዝኾነ ግብረ-መልሳዊ ስጉምቲ ክትወስድ ኣይተራእየተን። ስዑዲ ንኢማራትን፡ ነቲ ብዶበን ኣቢሉ ዝሓልፍ ናይቲ ናብ ቐጠር ዝኣቱ መግቢ መስመር ክዓጽውኦ እንከለዋ፡ ቐጠር ብኣንጻሩ ነዘን ሃገራት መዓልታዊ ኣስታት 57 ሚልዮን ክዩብ ጋዝ ምዕዳል ኣየቋረጸትን። ሃገረ ቐጠር ኣብ እዋን ቅልውላው ዝመረጸቶ ስልቲ፡ ናይ ነዊሕ ሽቶታት ዝሃርም ፖለቲካዊ-ገበጣ ንምጽዋት ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቅልውላው ልዕል ዝበለ ሞራላዊ ሓላፍነት ዝወሰደት ወገን ኮይና ክትርአ እኽኢልዋ`ዩ። እዚ ኸኣ`ዩ እቲ ብሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ-ዓረብን ንቐጠር ጸለሎ ንምቕባእ ዝካየድ ዘሎ ዘመተ፡ ዲፕሎማስያዊ ድጋፍ ናይ ካልኦት ሃገራት ክረክብ ዘየኽኣሎ።

ኣብቲ ዋን ቅልውላው ሃገረ ቐጠር ዝወሰደቶ መርገጽ መሰረት ብምግባር፡ ምስሓብ ሰራዊት ቐጠር ካብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን እቲ ቅልውላው ዝወለዶ`ዩ ክትብል ኣጸጋሚ ይኸውን። ኤርትራን ጅቡትን ምስ ስዑዲ-ዓረብ ብምውጋነን፡ ቐጠር ምስዘን ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ብምድስካሉ ከም ዓራቒትን ዓቃቢት-ሰላምን ኮይና እትቕጽለሉ ኩነታት ኣጸጋሚ እዩ። ምስ ዝተጋራጨዉ ወገናት ልሕሉሕ ርኽክባት ዘለዎ ዓራቒ ናይ ምዕራቕ ዕዮ-ገዝኡ ከሳልጥ ከቢድ እዩ። ዝኾነኾይኑ፡ እቲ ሰራዊት ናይ ምስሓብ ውሳኔ ከም ግብረ-መልሲ ናይቲ ዘጋጠመ ቅልውላው ጌርካ ክትርድኦ ጌጋ እዩ። ሰራዊት ቐጠር ካብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ንምስሓብ ቅድሚ`ቲ ቅልውላው ክሕሰበሉ ዝጸንሐ ጉዳይ`ዩ። ብወገን ቐጠር ነቲ ሰራዊት ተልእኾኡ ክቅጽል ኣለዎ ዝብል ውሳኔ ዝሓላልኹ ሰለስተ ምኽንያታት እዮም።

1/ ቅድም-ቀዳድም፡ ሓደ ካብ መሰረታዊ መትከላት ሽምግልና ግጭት፡ እቶም ዝተገራጨዉ ወገናት ግጭቶም ኣብ መዕለቢ ንምብጻሕ፡ ቅሩብነት ምስዘየርእዩ፡ እቲ ሸምጋሊ ሳልሳይ ኣካል ካብቲ ናይ ሽምግልና መስርሕ ክስሕብ ይኽእል ዝብል እዩ። ሰራዊት ቐጠር፡ ንትግባረ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ሰነ 2010 ዝተበጽሐ ምቊራጽ ተጻብኦታት ንምዕዛብ ኣብቲ ዶራን ኣጻምእ ዶብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ካብ ዝምደብ 7 ዓመታት ሓሊፉ።

ነቲ ውዕል ምቊራጽ ተጻብኦ ናብ ዛዛሚ ስምምዕ ሰላም ንምቕያር ብዙሕ ጻዕሪታት እኳ እንተተገብረ፡ ኣብ ባይታ ግን ዘዕግብ ውጽኢት ክህብ ኣይከኣለን። ብተዛማዲ ደሓን ዝኾነ ምዕባሌ ኣብ 2016 ተራእዩ ኔሩ። ብመንጎኝነት ቐጠር፡  ኤርትራ 4 ኣብ 2008 ዝተማረኹ ወተሃደራት ጅቡቲ ለቒቓ። ኣብ ሕዳር 2016፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰኖ ናይ ኣጽዋር- እገዳ ኣናዊሑ፡ ኩሎም እሱራት ክትፈትሕ ተቆጻጸርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ክፍቐደሎም ጸዊዑ። ብድሕሪ`ዚ ከኣ`ዩ እቲ ኣብ ስምምዕ ሰላም ዝሳተፍ ዝነበረ ልኡኽ ኤርትራ ካብቲ መስርሕ ክስሕብ ዝተራእየ።

ክልቲአን ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ኤርትራ፡ ነቲ ዶብ ንምሕንጻጽ ዝዓለመ ጻውዒታት እዝኒ ኣይሃብኦን። ጉዳይ ምሕንጻጽ  ዶብ’ውን ከም ኣገዳሲ ነገር ኣይረኣይኦን። ክልቲአን ሃገራት እምበኣር፡ ምስቲ ህላዌ ሰራዊት ቐጠር ዝፈጠረለን ኩነታት (ስታቱስ-ኮ) ተመሳሲለን ክቕጽላ ተራእየን።

እዘን ኣብ ስእሊ ንምልከተን ዘለና ክልተ ዕሸላት ኣሓት ብዘይዝኾነ ምግናን ዕድሚአን ክንደይ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምግማት ብዙሕ ኣጸጋሚ ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብዚ ንኡስ ዕድሚአን ድማ ዲፒዛ ዘይኮነስ ለንጀር ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲነን ምህላወን’ዩ ዘመላክት። ኣብ ኢደን ደብተርን ቢሮን ኣብ ክንዲ ምሓዝ፡ እቲ ሓዊ ዝተፍእ ብረት ክላሽን ሒዘን ከም ዘለዋ ይእምት። ብዕድመ ክንድአን ዝኾኑ ዕሸላት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ክንዲ ትምህርቲ፡ ፍልጠትን ዘመናዊ ምዕባሌን ምቕሳም፡ ብሓይሊ እናተገፉ ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ወሪዶም ሓንጎሎም ብኣዕናዊ ዝኾነ ብሓቲ ኣተሓሳስባ ህግደፍን ብርኩስ ወተሃደራዊ ስነ-ኣእምሮን ብድሕሪ ምቕራጽ፡ ንኲናትን ግብረ ሽበራዊ ስርሓትን ንምውዓሎም ክንደይ ኣሽሓት ከም ዘሰልጥኑ ባዕሎም ብዘይዝኾነ ሕፍረት ዝምድርሉ ክውንነት’ዩ። እዚ ንመሰላት ስድራ ቤትን ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ህጻውንትን ዝግህስ፡ ብቀጥታ ድማ ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ዝጻረር ተግባር ምዃኑ ርእሰ ግሉጽ ሓቂ’ዩ።

 

Singapur Eritrea 1

 

እምበኣርከስ እታ ብመራሕቲ ህግደፍን ገለ ሰዓብቶምን <<ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብላ ማሕበራዊ ፍትሕን ግስጋሰን ዝነገሳ ደሴት ሰላም>> ብምባል ወትሩ ከም መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ቁርኣን ዝድገመላ ስንጋፑር ኤርትራ ነዚ’ያ ትመስል። ብርግጽ እቲ ብብሓቲ ስርዓት ህግደፍን ሰዓብቱን ዝድገም ኣጉል ጽውጽዋይ ኣብ ባይታ ዘየሎ ካብ ወድዓዊ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ። እዚ ብቀንዱ ድማ ንሕልናካ ብምጥላም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ንዕቀት ብድዐን’ዩ ዝእምት። ካብዚ ዝኸፍእ ፖሎቲካዊ ዕብዳን ወይ ፖሎቲካዊ ውድቀትን ሞትን ድማ ኣይህሉን’ዩ። ‘‘ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ’ዩ ዘሎ ካብዚ ንላዕሊ ዝደልዮ ነገር ወይ መሰል የለን’’ ዝብል ኣጉል ሞጎት ካብ ጥዑይ ስነ-ኣእምሮ ዘለዎም ዜጋታት ወይ’ውን ብሓቂ ካብ ብቅኑዕ ስትራተጂ ዝምራሕ ፖሎቲካዊ ውድብ ዝቐርብ ዘሎ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ በቶም ኣብ ግዝኣተ-ሕግን ደሞክራስን ዝሰፈኖ ምዕቡላት ሃገራት ዝነብሩ ሰላምን ቅሳነትን ዘስተማቕሩ ዜጋታት ክደጋግምዎ ምስማዕ ብጣዕሚ’ዩ ዘሕፍር። ክሳብ ክንደይ ለባማትን ውርዙያትን ዘይምዃኖም ድማ ትግንዘብ። ኣብ ቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ዘይብላ ውልቀ ምልክነት ኣብ ዝነገሳ ሃገር፡ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብላ ማሕበራዊ ፍትሕን ግስጋሰን ዘረጋገጸት፡ ደሴት ሰላም’ያ ክብሉ ከም ዝደፍሩ ድማ ይገርም። እቲ ብ1997 ብሓቲ ህግደፍ ንበይኑ ዝነደፎ ቅዋም’ውን እንተኾነ ክሳብ ክንደይ ንባህግታት መላእ ህዝብናን ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ኣብ ግምት ዘእቱ ደሞክራስያውን ፍትሓውን ነይሩ ብዘየገድስ፡ ገባቲ ኢሳይያስ ሓንሳብ ኣብ ከብሒ ዝድርብዮ ሓንሳብ ድማ ሞይቱ ብምባል ኣብ ዘባጭወሉ ህሞት ኤርትራ በየናይ መልክዕ ደሴት ሰላም ተባሂላ ከም ትጽዋዕ ንሰማዒኡ ብጣዕሚ ዘደንጹን ዘደንግጽን ሞጎት’ዩ።

 

ብርግጽ ኤርትራ ሰላምን ራህዋን ዝዓሰላ ደሴት እንተኮይና፡ እዘን ትሕቲ ዕደመ ዝኾና ኣሕትና ካብ ሕቑፊ ስድራ ቤተን ተመንጢለን ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ክወርዳ፡ ለንጀር ክኽደናን ክላሽን ክሕዛን ዘገድድ ኢደ-ወነናዊ ሕግታት ምውጻእን ወትሩ ንዜጋታት ምግፋፍን ንምንታይ ኣድልዩ? ኣብ ኤርትራ ኩሉ ዜጋ ዕድሚኡ ብዘየገድስ ክሳብ ወዲ 80 ዓመት ብረት ክዓጥቕን ክላሽን ተተርኢሱ ክሓድርን ዘግብር ዘሎ ምክንያት እንታይ’ኾን ይኸውን? እቶም ንዓመታት ዝኸውን ቅሱን ሂወት፡ ሰናይ ርኽባት ስድራ-ቤት፡ ንቡር ሓዳር፡ ትምህርትን ስራሕን ተነፊጎም ንልዕሊ 17 ዓመት ምስ ዝተፈላለዩ ኣራዊትን ለመምታን ኣብ ጎዳጉዲ ክሰፍሩ ዝተገደዱ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ፍትሕን ርትዕን ፍጊዕ ስለ ዝበሎም ደኾን ይኾኑ ነዚ መሪርን ከርፋሕን መነባባሮ ዝመረጹ ዘለዉ? እቶም ኩሎም ብኣራዊት ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን፡ ክብልዑ ዝግደዱ ዘለዉ መንእሰያት እንታይ ኮይኖም፡ ኣብዛ ማሕበራዊ ፍትሕን ግስጋሰን ዝዓሰላ ደሴት ሰላም ክነብሩ ዘይበሃጉ? ነዚ ሕቶታት’ዚ ብዝምልከት በቶም ምስ ሕልንኦም ምትዕራቕ ኣብዮም፡ ካብ ልዕላውነት ህዝቢ ንውልቀ ምልክነት ንምስሳይ ዝመረጹ ሰዓብቲ ብሓቲ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብቀንዱ’ውን ብገባቲ ኢሳይያስ ዝተፈላለየን ተገራጫውን መልስታት ምስምዕ ልሙድ ክስተት’ዩ። ሓንሳብ ክልተ ጻሕሊ ስለ ዝለመዱ፡ ሓንሳብ ብጽጋብ ፍንጭሕ ኢሎም፡ሓንሳብ’ውን ብዘይጭበጥ መብጽዓታት ጎረብባቲ ወይ ምዕራባውያን ሃገራት ተታሊሎም፡ ካልእ ግዜ ድማ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ዘይኮነስ፡ ቁጠባዊ ጸገማት ዝወለዶ’ዩ………..ወዘተ ዝብል ዕባራ ምክንያታት ምቕራብ ዘሕፍር ኮይኑ ኣይፈልጥን’ዩ። ነቲ ብቁጠባዊ ጸገማት’ዩ ዝብል ኣበሃህላ መራሕትን ሰዓብትን ህግደፍ ቅቡል ክንወስዶ ምስ ዝግደድ’ውን እታ ሲንጋፑር ኤርትራ እንታይ ኮይና ዘይዓንገለቶም? ዝብል ሕቶ ምልዓል ግድነት ይኸውን።    

 

እቲ ኣጉል ጽውጽዋይ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍን ሰዓብቱን ንጎኒ ገዲፍና፡ ወዲ ሰብ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ብባህርያቱ ኩሉ ግዜ ብልጽግና፡ ምዕብልናን ፍልስፍናን ዝብህግ ምዃኑ ብዙሕ ዘከራኽር ጉዳይ ኣይኮነን። ይትረፍ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብታ ቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ተነፊጋ፡ ብከቢድ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ትልለ ኤርትራ ዝርከቡ ዜጋታት እቶም ኣብ ዝለዓለ ምዕብልናን ብልጽግናን ዝነብሩ ዜጋታት ኣውሮጳ’ውን እንተኾነ፡ ካብቲ ዘለውዎ መነባብሮ ንላዕሊ ንምንባር፡ ክብህጉን ክፈላሰፉን ንዕዘብ። ‘’ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ’ዩ ዘሎ ካብዚ ንላዕሊ ዘድልዮ ነገር ወይ’ውን መሰል የለን>> ዝብል ኣጉል መጎት ስርዓት ህግደፍን ሰዓብቱን ክሳብ ክንደይ ኣብ ድሑር ፖሎቲካዊ ራእይን ጸረ-ብልጽግናን ኣተሓሳስባ ከምዝነብሩ ዓቢ ምልክት’ዩ። እዚ ጨካን ኣተሓሳስባ’ዚ እቲ ካብኡ ዝምንጩ ኣዕናዊ ፖሊስታትን ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንመንእሰይ ወለዶ ድማ ብፍላይ ኣብ ድንቁርና፡ ድኽነት፡ ድሕረትን ስደትን ክነብር ዝፈረደ ምዃኑ፡ ሎሚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ እናተጋህደ መጺኡ’ዩ።  

 

ብዝኾነ ኣብዚ ህሞት’ዚ ብስም ልዕላውነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምሽሓጥ ይኹን ምትላል ፍጹም ዝወደቐ ፋሽን ኮይኑ’ዩ። ብርግጽ ጸረ ህዝብን ጸረ ምዕባሌን ፖሎቲካዊ መንነት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ግዜ ንግዜ እናተጋለጸ መጺኡ፡ ኩሉ ኣጉል ሕልምታት ሲንጋፑር ኣብ ኤርትራ መኺኑ ተሪፉ’ዩ። ሎሚ እቲ ሞሳ መሪር ተጋድሎኡን ረዚን መስዋእትነቱን ዝተጠለመ ህዝብና ብተመክሮኡ ንቅሓቱን ብስለቱን እናበረኸ ብምምጽኡ፡ ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኮይኑ በቲ ዘይዕጸፍ ቅልጽሙን ዘይሕለል ቃልስታቱን ኣብ ልዕሊ ዑና መቓብር ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ሰዓብቱን ቅዋማዊ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ብምህናጽ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ግስጋሰን ከም ዝጓናጸፍ ምንም ዘጠራጥር የብሉን።

 

ዓወት ንደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ነፀረኣብ ኣስመላሽ

30 ሰነ 2017

ሓንቲ ሃገር ብልጽግትን ምዕብልትን ክትከውን ህዝባ ምዕቡልን ስልጡንን ክኸውን ኣለዎ። ምዕቡል ሕብረተሰብ ከኣ ፍትሒ ከንግስ ብተግባር ዝስርሕን ዘተግብርን ይኸውን። ነቲ ብሉይ ኣተሓሳስባ ብሓዲሽ ኣተሓሳስባ ክትካእ የተባብዕን ከማዕብሎም ይጽዕርን። ኣብዚ ኩነታት እቲ ዲሞክራሲ እንበሎ ኣምር ኣብ ግብሪ ክውዕልን ህዝቢ ክስዕቦን ይኽእል።

ፍትሓውያን ክንክውን መሰረታዊ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ለውጥን ዲሞክራሲያውነትን ክነቀላጥፍ ኣሎና። እዚ ንምግባር ከኣ ሓቂ ንኸይቅበር ምክልኻል ሓደ ካብቲ ቀንዲ መለልዪ ናይ ፍትሓውነት እዩ። ብዘይካ እዚ እቲ መንፈስ ናይ ይቕረን ሕድገታትን ክሰፍን፥ ጽልእን ቅርሕንትን ምንዛሕ ደው ክነብል የድሊ። ምኽንያቱ ኣብ ዓንኬል ፍትሒ ጽልእን ቅርሕንትን ምስዋር ዝበሃል ፈጺሙ የለን። ንክኸውን ዘይክእል ነገር ካብ ሕጊ ወጺእካ ከም ዝኸውን ክትገብሮ ምፍታን ድማ ፈጺሙ ክውገድ ኣለዎ።

ፍትሒ ንሕጊ ተኸቲልካ ምስ እትኸይድ ግጉይ ጽንሰ-ሓሳብ ኣይኮነን። እዚ ክንገብር ኩልና ብሓባር ነቲ ኣባና ክወርድ ዘይንደልዮ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ውን ክወርድ ከምዘይብሉ ክንኣምንን ፍትሓዊ ኣተሓሳስባ ክንውንን ይግባእ። እዚ እውን ምስ ልቦናዊ ኣተሓሳስባ ተጣሚሩ ዝጎዓዝ ምዃኑ ምርዳእ ከድልየና እዩ። እዚ ካብ ብሉይን ጎዳእን ኣተሓሳስባ ሓራ ኰይና ንሓደስቲ ሓሳባት ሓንጎፋይ ኢልና ተቐቢልና ንኹሉ ብማዕረ እንጥምተሉ ሕልና ክንፈጥር ኣሎና ማለት እዩ።
ኤርትራ ሃገርና ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሓይልታት ወይ ጉጅለታት ከምዘለውዋ ርዱእ እዩ። ነዞም ክፍልታት እዚኦም ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኣብ ናይ ረብሓታት ይኹን ቁጠባን ስልጣንን ማዕረን ፍትሓውን ዝኾኑሉ ኣተሓሳስባ ክነጥሪ ናይ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ከኣ ዝኾነ ይኹን ውልቀሰብ ወይ እውን ሕብረተሰብ ካብ ዝጐድእን ዝሃስን ተግባራት ብምቑጣብ፡ ብሕጊ ተማእዚዝካን ተቐይድካን ምኻድ ኣብ ፍትሓውነት ዓቢይ ቦታ ኣለዎ።

ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝኣምነሉ ኣመለኻኽታ ክሕዝ’ኳ ናጻ እንተኾነ፥ እቲ ኣመለኻኽታ ንረብሓ መላእ ህዝቢ ዝኸውን ኣመለኻኽታ ክውንን እንከሎ እቲ ዝበለጸ እዩ። ሓደ ሕብረተሰብ ነታ ንሱ ዝኣምነላ ብሄሩ ትኹን ኣውራጃኡ ወይ እውን ሃይማኖቱ  ልዕሊ ኩሉ ምዃና ገይሩ ዝጥምት እንተዀይኑ ፍትሓዊ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ኩነት እቲ ማዕርነት ጠፊኡ ኣድልዎን፥ መንከማይነትን ይዓቢ እሞ ምፍልላይ፡ ቅርሕንትን ጽልእን ይምዕብል። ማዕርነት ቀንድን ኣገዳስን ባእታ ናይ ፍትሓውነት ብምዃኑ ጽብለልትነትን ኣነነትን ቦታ የብሉን። ስለዚ በዳልን ተበዳልን ብማዕረ ፍትሒ ዝረኽቡሉ ከኸውን እንተኾይኑ እቲ በዳሊ ምስቲ ዝበደሎ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብማዕረ ክቕጻዕ እንከሎ እዩ። እዚ ከኣ እዩ ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዩ ዘብሎ። እዚ ማለት ፍትሓውነት፡ ኣብ ድኻን ሃብታምን፥ ኣውራጃን ዓሌትን፥ ወገንን ሃይማኖትን ዝምርኰስ ኣይኮነን።

ማዕረ ተጠቃምነት፡ ኣብ ቁጠባን ፍትሕን ንደቂ ሰባት ብማዕረ ክባጻሕ ዘይከኣል እንተኾይኑ ፍትሒ ኣልቦነት ይነግስ። ፍትሒ ኣልቦ እንተነጊሱ ከኣ ስኒት ይጠፍእ’ሞ፥ ተቓውሞ ወይ እውን ግሁድ ዓመጽ ክለዓል ይከኣል። “ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኩሉ ሰብ ማዕረ እዩ” ዝብል ቅቡል ካብኮነ እዚ ማዕርነት ኣብ ቁጠባዊ መዳይ’ውን ክንጸባረቕ ይግባእ። እዚ ማለት ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ብዝግባእ ተጸኒዑ እቲ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዝፍጠር ሃጓፍ ክጻበብ ይግበኦ እዩ ዘስምዕ። ከም ኣብነት ግብርን ቀረጽ ኣብ እቶት ዝምስረት ምስ ዝኸውን፡ ሃብታም ብመጠን ሃብቱ ድኻ ከኣ ብዓቕሙ ክረአ ኣለዎ ንምባል እዩ። ልክዕ እዩ ኩሉ ብተፈጥሮ ምዕሩይ ኣይኮነን ግን ከኣ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ደቂ ሰባት ማዕርነት ንምምጻእ ፍታሓዊ ኣተሓሳስባ ክህሉ ናይ ኩሉ ዜጋ ግደን ግቡእን ከኸውን ኣለዎ።

A call for a Public Meeting in Seattle

Sunday, 02 July 2017 19:04 Written by

 EPDP Seattle Branch is pleased to invite Eritreans in Seattle and surrounding for a public meeting with the party's chairman Mr. Menghesteab Asmerom.

Seattle Public Meeting2

ኤርትራ ሃገርና በብዓይነቶም ዕምበባ መሮርን ንመሬት ዘወቅቡን ዘማዕርጉን ተፈጥሮኣዊ ኣዝርእትን ኣለዉዋ። ምስዚ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝቕመጡ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ዝእምነቶም፥ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣውራጃታት ዝነብሩን፥ ከምኡ እውን እንዳታት ዝሓቘፍ ብዙሕነት ዝግለጽ እንብሎ ዘለውዋ እያ። እዚ ብዙሕነት እዚ ከኣ ነቲ ፍልልያት ልክዕ ከምቲ ዕምበባ መሮር ንመሬት ዘመልክዖ ንህዝቢ ኤርትራ ዘመልክዖ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ክብርቲ ሃገሩ ንምግሃድ ሓቢሩን ሰሚሩን ተቓሊሱ ዝተዓወተ።

ታሪኽ ብዘይ ኣሉታን እወንታን ኣይፍጸምን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እቲ ታሪኽ ንኹሉ ኣሕቢሩ እዩ ዘዘንትዎ ወይ ዝስንዶ። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ኣብ ሕሉፍ ምንባር ገዲፍና ኣብ ናይ መጻኢ ነቋምት ዝብል ይዝረብን ይጸሓፍን እዩ። እወ! ሕሉፍ ክቕየር ዘይከእል፡ ዘይጠፍእን ዘይሕከኽን ምዃኑ ንግንዘብ ኢና። ግን ከኣ ዋላ ጸጸኒሕና ንዛረበሉ እምበር ናትና ሽግር ኣይኮነን እንስከሞ ይኹን እንሕተተሉ ሓላፍነት እውን የለን። ስለዚ ነቲ ሕሉፍ ክንደግሞ ደኣ ኢና ዘይብልና እምበር  ክንልውጦ ኢልና ህርድግ እንተበልና ከምዘይንኽእል ርዱእ እዩ።  ግን ከኣ ብኡኡ ተዋሒጥና ክንነበር እንተዀንና ንሕና ውን ክንልወጥ ስለዘይንኽእል ኣእምሮና ከም ዝድንዝዝ ውሁብ እዩ።

እዚ ናይ ኣእምሮ ምድንዛዝ ዝስዕቦ ብልሽውና ከኣ እዩ ነቲ ንቕድሚት ኣብ ክንዲ ንስጉምን ንቀራረብን እንረሓሓቕ። ንሓቂ ክሒድና ንጭብጢ ዘይብሉ ክንኣምንን ክነእምንን እንገብሮ ጻኦሪ እዩ እቲ ቀንዲ ሽግር ዝፈጥር። እዚ ከኣ ነቲ ህልውን መጻእን ዕድላትና በቲ ንሱ ዝጠልቦን ዝገዝኦን ኩነታት ምኽታል ገዲፍና፥ ኣብ ሕሉፍ እሞ ከኣ ፍታሕ ክነምጸኣሉን ክንቅይሮን ዘይንኽእል ንምርኰስ። በቲ መጻኢ ኣብ ክንዲ ንጭነቕ በቲ ዝሓለፈ ዝፈላልየና ክነሳውርን እሞ ከኣ ንሕና ብዘይፈጸምናዮ ንሃልኽ:: እቲ ሕሉፍ ተረኽቦታት ዝተፈጸመሉ ኩነታት እንድሕሪ ተረዲእና፡ ንሱ ክንመሃረሉ እኹል መኾነ። ወገሐ ጸብሐ ኣሉታዊ ተዘክሮታት ብምድጋም ፍታሕ ናይ ህልዊ ወይ መጻኢ ክርከብ ኣይከኣልን እዩ። ብእንጻሩ ንስኻ ኣተሓሳስባኻ ክትልውጥ ስለዘይከኣልካ በቲ ዘይልወጥ ሕሉፍ ተገዚእካ ፍታሕ ክተናዲ ትህንደድ። ብሕሉፍ ምስ እንግዛእ ከኣ ኣእምሮና ሓቂ ናይ ምድላይ ወይ ይቕረ ናይ ምባል፡ ምትዕራቕን ሕድገት ምግባርን ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣእምሮና ብኽፍኣትን ምፍልላይን ይመልእ እሞ እቶም ዝተጠቕሱ ሃነጽቲ ሓሳባት ቦታ ኣይህልዎምን። በዚ ምኽንያት እቲ ኣብ ሕሉፍ ጠቢቕካ ምንባር ነቲ ህልዊ ዘቋስልን፥ ነቲ ቅኑዕ ዝምድና ክፍጠር ዝኽእል ዝጐድእን እዩ ክኸውን እምበር ትምህርቲ ኣይክውንን እዩ። ስለዚ ኩሉ ቀልብና ብዛዕባ መጻኢ ክንጭነቕን ንናይ ዝሓለፈ ስምብራት ይኹን ማህሰይትታት ንኸይድገምን ደኣ ክንጽዕር ኣሎና እምበር ህልዊ ዝፈጠሮ ጸገም ኣይኮነን። ካብ ሕሉፍ ወጺእና ንነፍስና ክንልውጥ እንተዘይክኢልና ኣብ ንሕናን ንሶምን፥ ተዋሒጥና ኣእምሮና ንምሕዳስ ኣይዳሎን፥ ንሽግራት ኣብ ምፍታሕ ኣይነድህብን ወዘተ።

ንሕሉፍ ክንዝርዝርን ክንዛረበሉን ተመሊስና ከኣ ክነስተንትነሉ እንከሎና ኣብ ጉዕዞና ዓጋቲ ተራ እዩ ክህልዎ። ልክዕ እዩ ንሕሉፍ ክነጽንዖን ክንርድኦን እንከሎና ኣብ ሎሚ ኮይና “ንሕና መን ኢና?” ንኽንምልስን ናበይ ገጽና ኢናኸ እንምርሽን ንምርዳእ ይሕግዘና እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ኣሉታዊ ሸነኹ ሒዝና ወገሐ ጸብሐ ክንዛረበሉ ንግላዊ ስምዒትን መንፈስ ምፍልላይን ዘራጉድ ጥሩምባ ምንፋሕ እዩ። እቲ ሕሉፍ ክንመሃረሉ ዝግባኣና እኮ ንሓቀኛ ጉዳያት ተረዲእና ነቲ ህልዊ ዝምድናን ምትእስሳርን ደቂ ሰባት ምእንቲ ከየበላሹ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዝተፈጸመ ጉዳያት እንታይ ክንረብሓሉ ኢና ዝብል ቅድመ ኩነታዊ ምርምር ዘድልዮ እዩ። እቲ ቀንዲ ተበግሶና ንሕሉፍ ክነጽንዕ ዝድርኽ ሓቂ ንምድላይን እእምሮና ከኣ ንኽፍኣትን ተንኮልን ቦታ ንኸይህቦም ንምጥንቃቕ እዩ።

ካብኡ ሓሊፉ ሕሉፍ ተመኩሮ ብጠቓምን ጐዳእን ፍጻመታት ዝግለጽ ታሪኽ እዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ንሕሉፍ ናይ ምብርባር ከኣ ሕማቕ ንምውጻእ ዘይኮነስ ነቲ ቅኑዕ መጻኢ ንምስሳን እዩ። እቲ እወንታን ጠቓምን ተግባራት እንታይ ነይሩ ኢና ቅድም ክንፈልጥ’ዩ ዝግበኣና። ምኽንያቱ ንህቢ እኮ እናነኸሰካ ኢኻ ነቲ ጥዑም ዝኾነ መዓር ትብርብር እምበር እቲ እትንከሶ ኣይኮነን ዘገድሰካ። ንህቢ ክትብርብር እንከሎኻ ንኸይትንከስ እንታይ ብልሓታት ትጥቀም ክትመሃርን ክትጥንቀቕን ይግባእ። ልክዕ እዚ ነቲ ኣሉታን እወንታ ዝተፈጸመ ታሪኽ ከኣ ክንፍትሾን ክንመራመረሉን ከሎና እቲ እወንታ ብዘይኣሉታ ክነብር ከምዘይከኣል ንርዳእ።

ነቲ ሕሉፍ ትምህርቲ ንቐስመሉ እሞ ንብድሕሪ ሕጂ ከመይ ምስ እንገብር እዩ እወንታዊ ዝኾነ ሓሳባትን ተግባራትን ክንሰንቕ ዝብል ጉዳይ ብተገዳስነት ክተሓዝ ዝግበኦ እዩ። እንተዘይኮይኑ ነቲ ኣሉታ ጥራሕ ወሲድና  ኣብ ናይ ሕነ-ምፍዳይ ክንጥቀመሉ እንተኾይና መደባትና ንበዓል ክፉእ ፍርዱ ኣብ እንህበሉ ደረጃ ኢና ሸታሕታሕ ክንብል። ስለዚ እቲ ሎሚ ክንገብሮ ዝግበኣና፡ ነቲ ሕሉፍ ዝፍውስ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ናይ ጽባሕ ጽቡቕ ዘማዕደወ ኣሳታፍን ሓቛፍን ግብራዊ ስጉምቲ ዝመርሓና ክኸውን ይግባእ።


Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/category.php on line 240