ፓለቲካ ማለት ክዝሕለካ ብኢድካ ክውዕየካ ብማንካ ድዩ?

2017-09-25 10:07:06 Written by  ብርሃነ ኣብርሃ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3519 times

ፓለቲካ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?

ፖለቲካ ማለት፡-

  1.  መንግስቲ (government)፡ ኣርቀቕቲ ሕጊ ዝኾኑ ትካላት፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውልቀ ዜጋታትን፣ ህዝብን ሃገርን ብኸመይ ይመሓደሩ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ጽልዋታቶም ንኸሕድሩ ዝገብርዎም ንጥፈታት እንተላይ ንስልጣን ዝግበሩ ውድድራት ዘጠቓልል መስርሕ ኢዩ።
  2. ውልቃዊ ድሌታትን ባህግታትን ምስ ሓባራዊ ረብሓታት ብምትዕራቕ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ንምብርካት ዝካየድ መስርሕ ኢዩ። (ሕግን ስርዓትን ምኽባር፡ ትሕተ-ቅርጻ ምውዳድ፡ ትምህርቲ፡ ሕክምና፡ ካልኦት ህዝባዊ ኣገልግሎታት፡  ….ወዘተ ምብርካት)
  3. ኣብ መንጎ ልዑላውያን ሃገራት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ደርብታት ዝህሉ ዝምድናታትን ረብሓታትን ዝውስን መስርሕ ኢዩ።

 

ካብ’ዚ ትርጉም ናይ ፓለቲካ እንተደኣ ተበጊስና፡ ፖለቲካ ማለት ከምቲ ገለ ወገናት ዝገልጽዎ፡ ክዝሕለካ ብኢድካ ክውዕየካ ብማንካ ማለት ከምዘይኮነ ብቐሊሉ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ንፓለቲካ ክሳብ ክንድ’ዚ ኣቃሊልካ ምግላጹን ዘይትርጉሙ ምሃብን ኣብ ልዕሊ ኣህዛብን መንግስታትን ዓለም ዘለካ ክቱር ንዕቐት ጥራሕ ኢዩ ዘንጸባርቕ። እንተውሓደ’ኳ፡ ነተን ብቅዋም ዝግዛእ ፖለቲካ ዘለወን ዲሞክራስያውያን ሃገራት ፍልይ ዝበለ ጠመተ ምግባር ይግባእ ነይሩ። ንመለኽትን ዲሞክራስያውያን ሃገራትን ኣብ ሓደ መጉእ ኣእቲኻ ምውቃጥ ፍትሓዊ ኣይኮነን።

ፖለቲካ ማለት “ክዝሕለካ ብኢድካ ክውዕየካ ብማንካ” ዝብል ትርጉም ዝህብዎ እምበኣር፡ እቶም ንፖለቲካ ከም ስልቲ ወይ ድማ ከም ምትዕጽጻፍ ወይ ከም ሓሶት (ቦሎቲኮነ) ጥራሕ ዝገልጽዎን ዝርድእዎን ሸነኻት ኢዮም። በዚ ኣገላልጻ’ዚ፡ ንስትራተጂካዊ፡ መትከላውን ሞራላውን ክብርታት ናይ ፖለቲካ ቀንጢጦም፡  ኣገባቡ ብዘየገድስ ረብሓኻ ንምርግጋጽ ዝኾነ ይኹን እትወስዶ ስጉምቲ  ቅቡል ኢዩ ወይ ቅኑዕ ኢዩ ናብ ዝብል ግጉይ መደምደታ ክንበጽሕ ኢዮም ዝምህሩና። ንኣብነት፡ ሳዳም ሑሴን ንህዝቢ ብጃምላ ዘጥፍእ ኣጽዋር ኣለዎ ብዝብል ምስምስ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ዝገበረቶ ወራር ፣ ከም በዓል ሮበርት ሙጋበ፡ ሙሰቨኒ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ያሕያ ጃምህ፡  …ወዘተ፡  ዝኣመሰሉ መለኽቲ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝገብርዎ ናይ ቅዋም ምቅይያራትን “ከፋፊልካ ግዛእ” ዝብል ፖሊሲታት ወይ ፓለቲካ ቅኑዕ ኢዩ ናብ ዝብል ሓደገኛ መደምደምታ ኢዩ ዘብጽሓና። ፋሽስታዊ ስርዓታት ሂትለርን ሞሶሊንን ንልዕልነት ናይ ሃገሮምን ዓሌቶምን ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣህዛብን ሃገራትን ዝፈጸምዎ  ወራራትን ግፍዕታትን እውን ምኹኑይ ዝገብር ኣተሓሳስባ ኢዩ።

ማክያቨሊ እውን ሓደ ካብ’ቶም ኣገባብ ብዘየገድስ እቲ ዝድለ ስልጣን ምጭባጥ’ዩ ዝብል ዝነበረ ኢዩ። ህዝባዊ ግንባር ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተመሓዝያ ብሰማንያታት ኣብ ልዕሊ  ሃገራዊ ሓይሊ (ተሓኤ) መጥቃዕቲ ዝፈነወት ካብ’ዚ ኣረዳድኣ’ዚ ተበጊሳ ኢያ። ሎሚ ድማ፡ ንኻልኦት ወያነ’ዶ ናይ ወያነ ልኡኻት እናበለ ክትከስስ ትስማዕ። ነዚ  ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነት ዘይብሉ “ምትዕጽጻፍ”፡  ፖለቲካ ማለት ክዝሕለካ ብኢድካ፡ ክውዕየካ ብማንካ ስለዝኾነ ቅኑዕ ኢዩ ኢልካ ምምጓስ ናይ ጥዕና ኣይኮነን።

ብኣገላልጻ ማክያቨሊ፡ እቲ ብቑዕ ዝብሃል መራሒ “ተዓጻጻፊ ባህርያት” ክህልዎ ኣለዎ ዝብል ኢዩ። እቲ ንመሪሕነት ብቑዕ ዝኾነ ንጠባያቱ/ታ ካብ ጽቡቕ ናብ ክፉእ እንደገና ከኣ ካብ ክፉእ ናብ ጽቡቕ ናይ ምቕያር ባህርያት ወይ ዓቕሚ ዘለዎ/ዋ ኢዩ/ኢያ ይብል።

Machiavelli's sense of what it is to be a person of virtù can thus be summarized by his recommendation that the prince above all else must acquire a “flexible disposition.” That ruler is best suited for office, on Machiavelli's account, who is capable of varying her/his conduct from good to evil and back again “as fortune and circumstances dictate” (Machiavelli 1965, 66).

ብስም ምትዕጽጻፍ ወይ ብስም ስልቲ፡ ንሞራላዊ ክብርታት ዘይሕሉ ስጉምቲ ባርኾት ምሃብ (justify ምግባር)፡ ንቅዱስን ዘይቅዱስን ዕላማታት ደዋዊስካ ምቕራብን፡ ንህዝቢ ምድንጋር እንተዘይኮይኑ ካልእ ፋይዳ የብሉን።

 

Last modified on Monday, 25 September 2017 12:11